Stalin Gebreselassie. @stalingebreselassie Channel on Telegram

Stalin Gebreselassie.

@stalingebreselassie


Zara media network

Zara media network (English)

Zara Media Network is a dynamic and engaging Telegram channel that brings you the latest news, updates, and insights on a variety of topics. Whether you are interested in politics, entertainment, technology, or culture, this channel has something for everyone. With a team of dedicated moderators and contributors, Zara Media Network ensures that you are always informed and entertained

Who is Zara Media Network? Zara Media Network is a reliable source of information and entertainment for Telegram users around the world. From breaking news to in-depth analysis, this channel covers it all

What is Zara Media Network? Zara Media Network is a digital platform that aims to connect people through informative and engaging content. With a focus on quality and credibility, this channel is a go-to destination for those seeking reliable news and analysis

Join Zara Media Network today and stay connected to the world around you. Get ready to be informed, entertained, and engaged like never before!

Stalin Gebreselassie.

21 Nov, 22:06


እዚ ቻናል join
Forex behind the scenes
👇👇👇

Stalin Gebreselassie.

18 Nov, 18:58


የደብረጽዮን አንገትና እግር ማሪያምና ሚካኤል ቤተክርስቲያን መቀበሩ አረጋግጫለሁ፣ ጌታቸው ሰቖጣ ተማረከ እያለ መበጥረቅ የለመደው የPP ሚድያ ሰራዊት በዚህ ወር ሙሉ ዘመኔ ካሴ በድሮን ተቀነደበች እያለ ተከታዮቹን ሲያስቦርቅ ከረመ። ከስድሳ በላይ ክፍለጦር ይዞ እየተፋለመ ያለ ሀይል አንድ መሪ ስለተሰዋ ትግሉ ይሞታል ብሎ ማሰቡ ነው ትልቁ ስህተት።

ኦህዴድ አሁን በሁሉም መለኪያ በኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋ ቆርጧል። ኢትዮጵያ የሚለውን ጭምብል አጥልቆ ሌላ ህይወት ውስጥ ነው ያለው። ከእንግዲህ ኢየሱስም መለስም ቢመጡ እንኳ አገሪቱ ከፍተኛ የመበጣጠስ አደጋ ውስጥ እንዳለች ኦህዴድ ተገንዝቧል።

ትግራይን በተመለከተ ኦህዴድ የተሳሳተ ግምገማ አለው። ትግራይ እኛን ተቀይማናለች። ድጋሚ ወደ ፌደሬሽን ብትመለስም ይህ ሁሉ በደል ደርሶባቸው ተረጋግተው አይቀመጡም፤ አያስቀምጡንም ይላሉ። እንደ መፍትሔ የያዙት ደግሞ ትግራይን የበለጠ ለማዳከም አዋጅ፣ ደንብ፣ ወዘተ እያሉ መጨፍለቅ፣ በህወሓት ውስጥ መከፋፈል መፍጠር፣ ትልቅ መዋቅር ያለው ህወሓት በተለያዩ መንገዶች ማዳከምና ማፍረስ፣ የትግራይ ሉአላዊነት ጥያቄ ጉዳይ የተለያዩ አጀንዳዎችን በማቅረብ መፍትሔ እንዳያገኝ ማድረግ፣ በህወሓትና ሻዕቢያ መካከል ለፌደራል መንግስት አስጊ የሆነ እንቅስቃሴ እንዳያደርግ በህወሓት ውስጥ ጠንካራ የመረጃ ኔትወርክ መዘርጋት ያስፈልጋል ይላል።

ኦህዴድ ያልገባው ስለትግራይ አንድ ወሳኝ ነገር አለ። መብቱን ክብሩን፣ ሉአላዊነቱን በሚገባ ያስከብራል። እወነቴን ነው። ቂም ጥልቀትም ስፋትም እንዳይኖረው ብቻ ነው መጠንቀቅ ያለበት።

Stalin Gebreselassie.

18 Nov, 18:56


ከትላንት ወዲያ በኦሮሚያ በተካሄደው OLAን የሚያወግዝ ሰላማዊ ሰልፍ ላይ ሰልፈኞች 'ሸኔ የጁንታ አጀንዳ አራማጅ ተላላኪ ባንዳ ነው' ሲሉ ውለዋል። ምክንያቱ ባይታወቅም የጥላቻ ንግግር እንደገና እያገረሸ ያለ በሽታ ይመስለኛል።

ጁንታ የሚባለው ቋንቋ አሁንም አልሞተም። ሺመልስ አብዲሳ ከቀድሞ 'ጁንታዎች' ሰላም ነኝ እያለ፣ በሰላማዊ ሰልፎች ግን በካድሬዎቹ በኩል ጥላቻን መቀስቀስ ትርጉሙ ምንድነው?

መንግስት የማያውቀው ሰላማዊ ሰልፍ ነው፤ እኔ የለሁበትም ሊለን ነው?

Stalin Gebreselassie.

11 Oct, 06:00


ዉፅኢት ዝርርብ ደብረፅዮን ምስ ኣብዪ
---------------
#ሕቶ ደብረፅዮን:

ነቲ ኣካይድናዮ ዘለና ጉባኤን ምምዕርራይ ካቢኔን ኣፍልጦ ሃበና ተቐበለና

#መልሲ ኣብዪ:

ደብረፅዮን ከም ሰብ የኽብረካ እየ:: ይኹን'ምበር ዝኸድካዮን ትኸዶ ዘለኻን መንገዲ ኣይፅቡቕን:: ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስ ምንቅስቃስ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ገበን'ዉን'ዩ:: ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፍፁም ኣይፈርስን::ይትረፍ ንስኹም ኣነ'ዉን ከፍርሶ ኣይክእልን:: ምኽንያቱ ብወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተጣየሸን ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎን መንግስቲ ስለዝኾነ:: ስለዚ ናብ ካልእ ከይተእትዉና ዕረፉ:: እቲ መንግስቲ ብዝብለኩም ካብ ምኻድ ካልእ ኣማራፂ ዕፅዉ'ዩ::

#ሕቶ ደብረፅዮን:

እሺ ዋላ እቲ ዝበልካዮ ይኹን ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይፍረስ ግን ጌታቸው ረዳ ጥራሕ ኣልዒልካ ታደሰ ወረደ ዋላ ፕሬዝዳንት ግበርልና

#መልሲ ኣብዪ:

ከምቲ ዝበልኩኻ ጌታቸው ረዳ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ መራሒ እዩ ኣይወርድን:: ጌታቸው እንተዝወርድ'ኳ ፕሬዝዳንት ዝኸዉን ፃድቃን'ምበር ታደሰ ኣይኮነን:: ካልእ ማልእ ኣይትሕሰቡ:: ኣብ ልዕሊ ገበን ገበን ኣይትወስኹ:: ትዕግስትና ኣይትፈታተንዎ::
--------//--------
ነገረ ኣደመ - ነዚ ክትግዕታ'ዶ ትርህፃ !

Stalin Gebreselassie.

01 Oct, 18:56


መቐለ ሰላም ንኽትከውን ወዲ ኢሮብን ወዲ ሑመራን መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም፤ ኣካሎም ጎዲሎም'ዮም።

እገለ ዝበሃል ከባቢ ሕሪዩኡ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራሲን እዩ ዝበሃል ሓዳሽ ዝተኣታተወት ጥዕምቲ መልእኽቲ ትመስል ግን ሓላፍነት ዝጎደላ ቅዲ ፖለቲካ ሐዚ ፋሽን ኮይና ኣላ ኣብ ትግራይ።

እዚ ትርጉሙ እቲ ኣነ ዘይድግፎ ዘለኹ ወገን ሕሪዩኡ ሰላምን ልምዓትን ኣይኮነን። እቲ ዝድግፎ ዘለኹ ግን ምርጫኡ ሰላምን ልምዓትን'ዩ ንምባል እዩ። እዚ ሓደገኛ እዩ። ኩሉ ትግራዋይ ሰላምን ልምዓትን ይደሊ እዩ ኣብ ትግራይ። ኮላይ ኣረጋዊ በርሀ። ፍልልዩ ከመይ እዩ እዚ እንደልዮ ዘለና ሰላም ዝመፅእ እዩ?

መቐለ ሐዚ ሰላም ንኽትኮን ወዲ ዋጃ፣ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ሸኸት፣ ወዲ ዛላንበሳን ኢሮብን፣ ወዲ ዳንሻን ሑመራን ፀለምትን ተሰዊኡሉ፣ ኣካሉ ጎዲሉሉ እዩ። ወለዲ ናይዞም ዝጠቀስኩዎም ከባቢታት ስውኣት ድማ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኣለው። ደቆም ተሰዊኦም፤ ወለዲ ግን ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን። ካብ ኩሉ ተሪፎም። ወለዶም ናብ መረበቶም ክመልሱ ኢሎም እውን እዮም ተሰዊኦም። ኣቦይን ኣደይን ሓደራ ኢሎም ከምዝተሰውኡ ክስቆረና ኣለዎ።

ንሕና ድልየትና ዲሞክራሲ እዩ ዝብል ጭርሖ ቅድሚ ምግዋሕና ነዞም መቐለ ሐዚ ሰላም ንክትከውን ዝተሰውኡ መላምል ቃል ንምኽባር ወለዲ ስውኣት ናብ መረበቶም ክምለሱ ብሓባር ድምፂ ምዃን ምሓሸ ነይሩ። ፍርቂ ትግራይ ሒዝካ ዲሞክራሲን ሰላምን ኢና ንደሊ ቅድሚ ምባል። ንሱ ብከይዲ ዘይቀሪ ሕቶ እዩ።

ብሩኽ መዓልቲ!!

Stalin Gebreselassie.

01 Oct, 18:52


ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቋሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ትምህርቲ ንምጅማር ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ።

ሎሚ 21መስከረም 2017 ዓ/ም ካብቲ ቤት ፅሕፈትን ት/ቲን ከተማ ምምሕዳርን ዝረኽብክዎ ሓበሬታ ከምዘመላኽት ክሳብ ሐዚ 70% ዝኾኑ ተምሃሮ ተመዝጊቦም እዩም።

እቲ ምዝገባ ዝተጀመረ ምስ ዝምልከቶ ኩሉ ትምህርቲ ንምጅማር ዘድሊ ምርድዳእን ድልዉነትን ድሕሪ ምፍጣሩ እንትኾን ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት ሐዚ እውን ንተምሃሮ፣ንወለዲን ንመምህራን ንምፍርራሕ ይሙክሩ ኣለው።

ተምሃሮ ብትግራይ ስርዓተ ት/ት ክመሃሩ የብሎምን ዝብል ሃሳብ ዘለዎም እቶም ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት #ወረቀት 👇እናበተኑ እዩም ሓዲሮም። ነዚ ምንቅስቃስ እውን ኣብቲ ከተማ ዘሎ ፀጥታ ትግራይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ከተማ ብፀላእቲ ዓንየን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዋ እንትኾን ዋላ ኣብ ዳስ ግልጋሎት ክህባ ነባሪ ህዝቢ ዳሳት ክሰርሕ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት መምህራን ተጓዲሎም ከይኾኑ ጊዚያዊ ቁፃር ብምክያድን ጥሮታ ዝወፁ መምህራን ናብ ምምሃር ምስትምሃር ከምለሱ ከም ዝኾነ እውን ተሓቢሩ እዩ።

ዘዘራረብክዎም ወለዲ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ተኸፊቱ ዝነበረ ወራር ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀትን ትምህርቲ ንምጅማር ዘካይዶ ዘሎ ፃዕርን ንኢዶም እዩም።

ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝነበሩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ ኣሎ::

Stalin Gebreselassie.

29 Sep, 05:31


"ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝካየድ ፀለመ ትግራይ ንምፍራስ ዝካየድ እዩ "_ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ንድምፂ ወያነ ብፍሉይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ ነዚ ኢሎም ዘለው።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ኣብዚ ኣብፂሖሙና ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ዝካየድ ፀለመ ደው ክብል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ሓይልታት ፀጥታ ከም ትካል ኣብ ሓደጋ ንምእታው ካብ ዝግበር ፀለመ ኩሉ ክርሕቕ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።

ሓይልታት ፀጥታ ዘይሻራውያን ክኾኑ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ስርዓት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ፈተነ ግን ዘይሻራውያን ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ኣመላኺቶም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለውዎ ዕማማት ንምፍፃም ኣብ ዝፍፀም ስራሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሓለፍነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ንድሕንነትን ፀጥታ ሕብረተሰብን ተሓሲቡ ኣብ ጎደናታት ዝካየዱ ሰልፍታት ካብ ጥቅሞም ጉድኣቶም ስለዘመዝን፣ ዝካየዱ መድረኻት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝስመዐሎምን ሓድነትን ዓቕምን ህዝቢ ትግራይ ብምውዳብ ፀገምና ንምፍታሕ ክነውዕሎ ይግባእ ኢሎም ።

Stalin Gebreselassie.

23 Sep, 08:55


ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቢኔን ግምትን ተገይሩ ክምራሕ'ዩ ዝብል መግለፂ ግምት ትርጉሙ እንታይ ይኾን?

ወዲ ወረደ ምኽትል ጌታቸው ምኻኑ ፍሉጥ'ዩ። ሓለቓ ወዲ ወረደ ጌታቸው እዩ ማለት እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ብካቢኔን ግምትን ይመሓደር ዝብል ደንቢ ምፅዳቕ ደኣ ከመይ ማለት?

TDF ሓደ ኣካል ግምት'ዩ። GSTS እውን ሓደ ኣካል'ዪ። ባይቶና'ውን።

እዚ ማለት ኣባላት GSTS ን ኣባላት ባይቶናን ተፀዋዕነቶም ንካብኔን ንግምትን ድዮም ዝኾኑ ዘለው? ጫማ፣ ክዳን፣ምግቢን ደመወዝን ብኣግባቡ ዘይተቅርበሉ ተጋዳላይ ትግራይ ተፀዋዕነትካ ናባይ እዩ ማለት ድዩ ዝኾን ዘሎ? ብቀ/ሚ ኣብይ ሹመት እንድሕር ፕሬዚዳንት ትግራይ እንተተኾይኑ፣ እቲ ሰራዊት ትግራይ ብተዘዋዋሪ ድዩ ተፀዋዕነቱ ናብ ኣብይ ኣሕመድ ክግበር ዝድለ ዘሎ?

ብዝኾነ TDF ማለት ከም GSTSን ባይቶናን ኣካል ግምት'ዩ። ኣብ ዓለም ንዘለው ንመላእ ኣባላት GSTS ኣብ ትሕቴኻ ዳርጋ ምግባር እዩ ዝኾን ዘሎ ብስነሓሳብ ደረጃ ።

ንፅባሕ ንሕሰብ፤ ኩሉ ፅንቅቕ ኣይነብሎ።

Stalin Gebreselassie.

23 Sep, 08:52


#ሓደገኛ ኣካይዳ

ሓበሬታ ወሃቢ፡ ካብ ተመለስቲ ተጋደልቲ ሓደ

ኣድራሻ፡ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታ/ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ

ኣብ ህልዊ ኩነታት ንምዝታይ ብዝብል ንተመለስቲ ተጋደልቲ& ነባር ዓቕምን ምልሻታትን ኣኪቦም ህዝቢ ራያ ምስ ጌታቸው ረዳ ስለዝወገነ ንሕና ድማ ከይንዕበጥን ከይንውረርን ንዳሎ ንተዓጠቕ ዝብል ኣጀንዳ ኣብቲ መድረኽ ብምቕራብ ጎስ¹ስን ምልዕዓልን እናገበሩ ህዝቢ ስግኣት ክሓድሮ ይገብሩ ኣለው፡፡ ስለዚ እዚ ኣካይዳ ናብ ዝለዓለን ዝኸፍአን ብርኪ ቅድሚ ምዕባዩ ዝምልከቶ ኣካል መፍትሒ ንክገብረሉ ኣብፅሑልና፡፡

🎯ነዚ ጎስ¹ስን ምልዕዓልን ዘካይዱ ዘለው ኣካላት #ገ/ሂወት ኪዱ ዝበሃል ኣማሓዳሪ ወረዳ ታ/ኣድያቦን ኣማሓዳሪ ከተማ ሸራሮን ኮይኖም ብዝተዋደደ ኣብ ከተማን ገጠርን ናይ ምምሕዳር መሓውሮም ብምጠቃም ይሰርሑ ኣለው።

🎯ኣብተን ኣኼባታት ዝተሳተፉ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ ድማ ብዛዕባ ተጋደልቲ ይኹነ ነባር ዓቕሚ ኩነታት ኣመልኪትኩም ኣኪብኩምና ዘይትፈልጡ ሕዚ ብስምዒት ኣላዓዒልኩም ናብ ናታትኩም ፀገም ክትሓውሱና ፀዊዕኹምና ብምባል መብዛሕቲኡ ንኽና እዚ ሓሳብ እዚ ኣይንቕበሎን እንትብል ሓሳቡ ንምግላፅ ዝስግአ ድማ ብድምፀተኣቅቦ ሓሊፉ፡፡

🎯ኣብቲ ወረዳን ከተማ ሸራሮን ዘለዋ ቤት ዕዮታት ኩለን ዳርጋ ተዓፅየን ግልጋሎት ኣይህባን ዘለዋ፡፡ እቶም ኣባላት ምምሕዳር ድማ ክሳብ ናይ ምሸት ሰዓት 3ን 4ን ተኣኪቦም እዮም ዘምስዩ፡፡

Stalin Gebreselassie.

18 Sep, 19:29


በየነ ጴጥሮስ ንስሀ ሳይገቡ የተሰጣቸው ብይን ሳይሰሙ ለዘላለሙ ሄዱ። የሰው ልጅ ሟች ነው። ለህሊና የኖረ ሰው ሁሌም እየታወሰ ይኖራል። እንደ የሙዚቃ ሰው ኤልያስ መልካ ዓይነት።

የትግራይ ጦርነት ፍትሃዊ ስለሆነ እንደግፋለን፣ በአለም ያሉ የፓርቲያችን ደጋፊዎችም የህግ ማስከበር ጦርነቱ እንዲደግፉና ለሚኖሩባቸው መንግስታት እንዲያስረዱ ተናግረናል በማለት የሚታወቁት የባዮሎጂ መምህሩ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ወቅቱን ጠብቆ ባዮሎጂ ራሱ ወሰዳቸው ስሰማ ኤርትራ ደብዛው የጠፋ ጀግናው ወንድማቸው ብቻ ነው ወድያው ትዝ ያለኝ፣ ያሳዘነኝ። የሞቱት እሳቸው፣ ትዝ ያለኝ ግን ፓይለቱ ወንድማቸው።

በስተርጅና ለስልጣን ጉጉት በትግራይ ጥላቻ ታውሮ ለመርህና ለሞራል ሳይገዙ ጭቃ ውስጥ መንቦጫረቅ በምድር ተቀባይነት የለውም። በሰማይ ደግሞ ጌታ ብቻ ነው የሚያውቀው ግን እንደምድሩ ይሆናል።

ሞት እንደ ጦርነቱ ፍትሀዊ ነው እንዳሉት እኔም ኢፍትሃዊ ነው ባልልም ግን የትግራይ ህፃናትና እናቶች ሞትና መደፈር ፍትሀዊ ከተባለ ባዮሎጂ የወሰደውም ተቀራራቢ ነው ማለት ይቻል ይሆናል።

Stalin Gebreselassie.

18 Sep, 19:28


መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ !
----------------
ብምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረዚዳንት ጊ.ም.ትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሕጋዊ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዝገብሮም ዘሎ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓሳትን ክሕደትን ዘቃልዕን ዝኹንንን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ :

#ነባር ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምስ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ኣካላት ብምርድዳእን ብዘተን ከምዝምልስ

#እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝገብሮም ዘሎ ሕጊ ዝጠሓሱ መንግስቲ ናይ ምፍራሰን ሰርዓት ኣልቦነት ናይ ምንጋስን ስራሕቲ 'መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ' ብዝብል ኣበሃህላ ብምግላፅ ደው ከብልን ጊ.ም.ት ስጉምቲ ክወስደን ሓቢሩ'ሎ::

Stalin Gebreselassie.

15 Sep, 09:26


#ክብሪን_ሞሳን_ንመናእሰይ_ሽረን_ከባቢኣን🙏
---------------------------------------------
መንእሰይ ሸረን ከባቢኣን እቲ መድረኽ ንክካየድ ንዝገበሮ ፃዕሪ ክብርን ሞሳን ደማ ይግበአካ። ናይ #ጉጅለ_አደመ ድሕረትን ድንቁርናን ክሳብ ኣበይ ይጓዓዝ ሓቢርና ንርእዮ ኢና።

መንእሰይ ሸረን ከባቢኣን ወጢርኻ ተቃለስ። በዚ ድሑር ጉጅለ ክንደይ ግዘ ትጉዳእ!!

Stalin Gebreselassie.

15 Sep, 07:04


ብፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ልዑኽ ካብ መዕርፎ ነፍርቲ ሽረ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ እንትኾን ሐዚ ናብታ ከተማ ኣቲዩ ኣሎ።

ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱን ዝተማእኸለ ህዝባዊ መድረኽ ሎሚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ክካየድ እዩ።

እቲ መድረኽ ኣብ ኣዳራሽ ሃፍቶም ዝካየድ ኮይኑ ሕብረተሰብ “ኣለዉኒ ዝብሎም” ሕቶታት ብዘይገደብ ኣቕሪቡ ፖለቲካዊ መፍትሕታት ክረክብ ተስፋ ኣለኒ።

Stalin Gebreselassie.

24 Jul, 07:21


ኣብ ልዕሊ ትግራይ #ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ኣካላት እኒሄዉ እዮም። ካብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት እዮም።

ናይ'ዞም ካብ ውሽጢ ትግራይ ኰይኖም ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ባህጎም፥ #ሓደ፥ ኣብ ዝሓለፈ #ኲናት ዝጀመርዎ ስርቂን ውራን ኣፀቢቖም ንምቅፃልን ዝሐሸ ሃፍቲ ንምውሳኽ እዩ።

#ክልተ፥ ኣብ እዋን ኲናት ዝነበሮም ስራሕን ሃፍትን እናሰኣኑ ስለዝኸዱ ሃፍቲ ንኸጥርዩ ኲናት ይደልዩ። ብኲናት ጥራሕ ዝህፍተም ዝመስሎም።

#ሰለስተ፥ ኣብ እዋን ኲናት መሳርሒ ብምሻጥን ብምድላልን ዓለምለኸ ልምዲን ኔትዎርክን ዘለዎም ደላሎ ዘትርፍዎ ዶላርን ዝሕዝዎ ኮምሽንን እናተረረአዮም ኲናት ክለዓል ዝደልዩን ዝጉስጉሱን ኣለው። እዞም ንኲናት ብዓይኒ ቢዝነስ ጥራሕ ዝሪኡዋ ልክዕ ከም ህበይ እዮም። ዓለም ከምተገልበጠት'ሞ ኩዕንትና እኳ ምበላዕና በሃልቲ።

#እቶም ካልኦት ዝሰኣንዎ ፖለቲካዊ ፀብለልታ፤ ገባሪ ሓዳጋይነትን ዝሰኣንዎ ጣቅዒትን ካብ መጣልዕቶም "ሰይበለልና" "ናይ መወዳእታ ጠላዕ )ኢሎም ኲናት ኣልዒሎም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቀይሮም፤ ምስ ውፁዓት ተቃለስቲ ሓቢሮም ተቃሊሶም ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ስርዓት ክተኽሉ ዝሓስቡ ሓለምቲ እዮም። እዚኦም ንኹነታት ኢትዮጵያን ንዓቕምን ጥንካረን ፀላኢ ዝርእዩሉ መርአዪ ከም'ቲ ድልየቶም ጥራሕ ይኸውን።

ብናይ'ዚኦም መርአዪ #ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደኸመ፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝወደመ፤ ኲናት እንተተላዒሉ ስርዓት ብልፅግና ኣብ ሓደ መዓልቲ ፈራዕራዕ ኢሉ ዝሓድር ዝመስሎም፤ "ኢህአዴግ" ዝበሃል ውድብ ተመሊሱ ኣዲስኣበባ እንተዝኣቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግልብጥ ኢሉ ብንብዓት ሓጎስ ዝቅበሎም ዝመስሎ፤ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ዘልዐሉ ሓይልታት ዓወት ብዓወት እናሓፈሱ ዝውዕሉ ዝመስሎም እዮም።

እዞም ካብ ትግራይ ኰይኖም ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ኣካላት ብቁፅሮም ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። ምናልባት እውን ዘርዚርካ ክፅርሑ ዝኽእሉ እዮም። ኣቅሊልካ ዝረአዩ ግን ኣይኮኑን። ከም ገለ ኢሉ ቀኒዑዎም ኲናት እንተልዒሎም ንኹሉ ትግራዋይ ሓፊሶም ክጠብስዎ ዝኽእሉ አረዮም።

ዝበዝሕ ትግራዋይ ኲናት ሰልችዩዎ፤ መሪሩዎ እዩ፤ ዕላምኡ ዘይፍለጥ ኲናት ኣየድልን፤ መራሕቲ ህወሓት ዝመርሕዎ ኲናት ክሳኻዕን ክዕወት እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን እዩ ኢሉ ዝኣምን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ክለዓል ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ግዳማውያን፤ እዚኦም ብኣወንታን ኣሉታን ኢልና ኣብ ክልተ ኸፊልካ ምርኣይ ንኽእል ኢና። እዞም ብኣወንታ ዝርእዩዎ ብስርዓት ብልፅግና ዝተማረሩ፤ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ተቃሊሶም ከውድቑዎ ዘይከኣሉ፤ ብትሪ ብልፅግና ክንማቐሎም ዝደልዩ፤ ናብ ትግራይ ተፀጊዖም ዝዓርፎም በትሪ ኣቃሊሎም ክስዕሩ ዝደልዩ እዮም።

እዞም ብኣሉታ ዝለዓሉ ድማ፥ህላወ ትግራይ ንህንፀት ሃገረ-መንግስቶም ዕንቅፋት እያ ኢሎም ዝሓስቡ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ተዓዊትናሉ ነይርና ኢና፤ ዓወትና ተኮሊፉ፤ ትግራይ ከም'ንደልያ ገይርና ክንጥፍጥፋ ኣይከኣልናን ኢሎም ዝሓስቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምልዓሉ ከም ፀጋን ከም ሰናይ ዕድል ዝርእዩ እዮም። እዚኦም ብፃሕታርነት ህወሓት ንዝለዓል ኲናት ከም ኣጅቦ እዮም ሃረር ኢሎም ዝፅበዩዎ።

ብተበግሶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ትግራይ ዝለዓል ኲናት ንትግራይ ኣየዋፅኣን።ኩሎም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ክህሉ ዝደልዩ ኣካላት ጥፍኣት ትግራይ ዝደልዩ እዮም።

Stalin Gebreselassie.

20 Jul, 11:29


ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ዘለው ካድረታታ #ህወሓት ረብሓ ህዝቦም ንጎኒ ገዲፎም ብሽም ውድብ ምድሓን ልኡኽ ናይቶም ፀረ ህዝቢን ብድሕረትን ብኔትዎርክን ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝህደዱ ዘለዉ ጉጅለ መደብ ዘፈፅሙ ዝተወሰኑ ኣካላት ኣለው።

እዞም ኣንጻር ህዝቦም ዝተሰለፉ ኣብ ሕድሕድ ጣብያ፣ ወረዳ፣ምምሕዳር ከተማን ዞባን ዝርከቡ ወልቀሰባት ዝርዝሮም ህዝቢ ንክፈልጦም ዕላዊ ክገብሮም እየ።

እዞም ብህልውናን ረብሓን ህዝብና ዝመጹ ኣካላት ብዝግባእ ክንቃለሶም ኢና!!ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ክንቅጽል ኢና

Stalin Gebreselassie.

20 Jul, 11:28


ዝተጀመረ #ስጉምቲ ክቅጽል እዩ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ #ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ዘባህረሮም ዘይሕጋውያን ኣካላት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

ነዊሕ ግዘ ተዓጊስና ፀኒሕና ኢና ፣ካብዙይ ንደሓር ግን ኩሉ ብሕግን ስርዓትን መልክዕ ክሕዝ ናይ ምግባር ከይዲ ኣጠናኺርና ክንከደሉ ኢና።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን #ግምት
13 ሓምለ 2016 ዓ/ም
መቐለ

Stalin Gebreselassie.

14 Jul, 15:37


ከመይ ሓዲርኩም ዓድና?!

ኣብ ህወሓት ዝዓሰሉ ካድረታትን ተራ ዜጋታትን ጥራሕ ኣይኮኑን። መራሕቲ ካልኦት ዕሸል ውድባት እውን ኣብ ጎኒ ግምት ኢና ክብሉ ሽምጦም ገቲሮም ሓሳቦም እንትገልፁ ተዓዚብና። ውድቦም ኣብ ክልተ ሰለስተ መታቲሮም ህዝቢ እናረኣዮም ኣብዘይ ዳሶም ርኢናዮም። ብሓቂ ውድቦም ኣብ ምጥንኻር ጠመተ እንተዝገብሩ ይሓይሽ። ውድብ እናመራሕኻ ብዛዕባ ወረዳን ዓሌትን ክትዛረብ መን ይሰምዐካ?
ትግራይ ከም ኣየለ ጫሚሶ ዓይነት ፅግዕተኛ መራሒ ውድብን ንስዩም ተሾመ ዘንዕቕ ፅግዕተኛ ተኸፋሊ ኣክቲቪስትን አየድልያን።

ኣኼባ ካድረ ኮፍ ኢሉ ፅሒፉ ንምሳሕ እንትወፅኡ ኣብ ሓሙሽተ ደቂቓ ብኣክቲቪስትታት ዝልጠፍ ዘሎ ሓበሬታ ውዕሎ ኣኼባ ካድረ ኣዚዩ የሕዝን እዩ። እሞ ድማ ናይ ሓደ ወገን ድልየት ዘርኢ።

ጉባኤ ህወሓት ክካየድ የብሉን ዝብል ኣካል ድምፁ ተሰሚዑ መወዳእታኡ ግን እቲ ኣባል ኩሉ ብድምፂ ይውስን።

ጌታቸው ንኣለም ናይ ኔትወርክ ጳጳስ ይበሎ ደብረፅዮን ንጌታቸው ዘይተብሃልካዮ ኣብ ፕሪቶሪያ ፈሪምካ መፂኻ እንተበሎ ኣብ ቅድሚ ካድረ ስለዝኾነ ዝጎድእ ኣይኮነን።
ካብ ታሪኽ ህወሓት ዝሰማዕናዮ ብዙሕ ዘገርም ገምጋማት ሓሊፉ እዩ።

እንታይ ድኣ ንግበር? ንከኣኣል። ካብ ሓዊ ዝወፀ ህዝቢ፣ ፖለቲከኛን ሰራዊት እዩ ዘለና። ክንረዳዳእ ይግባእ፤ ክንሓብር፤ ብቅልጡፍ ተፈናቐልቲና ብሙልኦም ናብ መረበቶም ምምላስ።

ንስልጣን ዘይምጥማት፤ ንትግራይ ምስ ጎረባብትና ፈተውቲ ምጥራይ።

ብሩኽ ሰንበት!

Stalin Gebreselassie.

05 Jul, 10:04


ሂውማን ራይትስ ዎች 'የወያኔ ተከፋይ ነው' ሲል የነበረ ምእመን አሁን ከተቋሙ እና ከሚያወጣው የሰብአዊ መብት ሪፖርት በፍቅር መክነፉ እንደ አንድ በጎ ነገር መታየት ይኖርበታል::
ከዚህ ጋር ተያይዞ : በምዕራብ ትግራይ የዘር ማፅዳት(ethnic cleansing) እና ሌሎች ወንጀሎች በትግራይ ህዝብ ላይ እንደተፈፀሙ የሚያስረዱ የተቋሙ ሪፖርቶችን ማስታወስ ፍቅሩን ይበልጥ ለማጠናከር ይጠቅማል::

Stalin Gebreselassie.

02 Jul, 06:42


ቴዲ አፍሮ ዝም ብሎ በሰላም ሚስቱን ቢንከባብ መልካም ነው። የአርቲስት ማዲንጎ አፈወርቅ የሀዘን ሳምንት ለማስተዛዘን የሀዘን አዳራሽ ውስጥ እያለ አብይ ሲመጣ ቴዲ ሚስቱን ይዞ ከሀዘን ቤቱ 'አመለጠ' የተባለው በምክንያት ነው። ትልቅ ጉዳይ ስለሆነ ልተወው። በምንና በአገር የመጣ ቀልድ የለም ይባላል።

በ1997 ዓ/ም በ17 መርፌ በጠቆመ ቁምጣ፣ አዲስ መንግስት እንጂ ለውጥ መቼ መጣ ብሎ የዘፈነው በቆሸሸ ቁምጣ ታግሎ መስዋእትነት ከፍሎ አ.አ ገብቶ በሰጠው ነፃነት ነበር። የእውነት የህዘብ አርቲስት ቢሆን አሁን የህዝብ ድምፅ በሆነ ነበር። አያደርገውም። ቦቅቧቃ በኢትዮጵያ ስም የሚምል ሞላጫ ነጋዴ ነው።

በቶክሲዶና በV8 4 ኪሎ የገባውስ ቴዲ ምን ብሎ ዘፈነለት? እንቁላል በ20 ብር፣ ጉርሻ የማትሞላ ዳቦ 12 ብር የሚገዛ ይኸን ሚስኪን ህዝብ፣ ሚኒሊክ እያለ ኢትዮጵያን ሸንሽኖ ለጣሊያንና ለፈረንሣይ ሰጥቶ ወደብ አልባ ያደረገውን ንጉስ እያሞገሰ ረሃቡንና ሀሳቡን ያስረሳዋል። ሚስኪን ኢትዮጵያውያን ሩዝ ቀቅለው፣ የማዳም ጥፊ ቀምሰው ያጠራቀሟትን ገንዘብ አረብ አገር እየዞረ ያልበዋል፤ ያጥበዋል።

አሁን ደግሞ ልሙጡን ባንዴራ ከመድረክ ላይ ወደ ተመልካቹ እየወረወረ የባንዴራ አስተዋዋቂ ሆኖ አመሸ። ሲዘዋወር ያየሁት ቪድዮ ነው። ያ ባንዴራ አ.አ ሊገባ ይቅርና የዛ ባንዴራ ተከታይ ነኝ ባይ ኢትዮጵያዊ ከሰንዳፋ ማለፍ እንደማይችል እያወቀ ነው ህዝቡን የሚያጃጅለው።

ለነገሩ እየዞርክ እጨደው ይኸ የዘቀጠ የማያገናዝብ ትውልድ።

Stalin Gebreselassie.

01 Jul, 05:28


ሎሚ ሰነ 2016ዓ/ም ኣብ ከተማ መኾኒ እኣብ መንጎ ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻልን ዝተገብረ ዘተ ዝምልከት ዝተወሰነ ዝርዝር ሓበሬታ ናባኹም ከብል።

ፈለማ እቲ ዘተ ንክኻየድ ዝተገበረ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ዘሎ ህልው ኩነታት ስዒቡ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይን ክልልን ብዝገበርዎ ጻውዒት እዩ ተኻይዱ።

ከምቲ ቅድም ኢለ ዝግለጽክዎ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ #መከላከያ ሰራዊት ኢ/ያ ዝርከቡ እንትኾን፣ ብወገን ትግራይ ድማ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደን ጀነራል መዲድን ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሳቲፎም እዩም ።

ካብቶም ዝዘተይሎም ነጥብታት ዝተወስኑ

🎯ኣብቲ ከተማ ካብ ሎሚ 23 ሰነ 2016ዓ/ም ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብርን ንዝገብር ኣካል ጸጥታ ትግራይን ፌደራልን ስጉምቲ ንክወስዱ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯ኣብቲ ከተማ ህውከትን ዕግርግርን ንክልዓል ዝሰርሑ ኣባላትን ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት ስጉምቲ ንክውሰደሎምን ሰላም ንክሰፍንን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯ኣብ ቀጻሊ ህዝባዊ መድረኻትን ንክግበሩን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ትግራይ ኮይኑ ክመርሐኒ እዩ ከሳግረኒ እዩ ዝብሎ መሪሕነት ንክምርጽ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯 ኣብ መወዳእታ እቶም ሓይልታት ፌደራል ምስ ጸጥታ ትግራይ ብምኻን ኣብ ወሳናወሰን ትግራይ ይኹን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኬላታት ከጠናኽሩ ተስማሚዕም እዩም።