መቓልሕ ትግራዋይነት @mekalihtigray Channel on Telegram

መቓልሕ ትግራዋይነት

@mekalihtigray


እዚ ቻናል ንምቛም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገረ ትግራይ ይሰርሕ

መቓልሕ ትግራዋይነት (Amharic)

ከእንግሊዝ በኋላ ትግራይ ክልተ ጸሓፉ ለጠበቃ ስላሉ ምኽንያት ጎንደር ትርፍ ገብረይሊን ሓቂር፡ ኣብ ኣካይሮም እንግሊዝ ኣብ ትግራይ፡ መቓልሕ ትግራዋይነት ብመብርሂ ትግራይ ብኽብሪ ወይ ምዝገባ ስራ። እዚ ቻናል ንምቛም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገረ ትግራይ ይሰርሕ፡ ብራእዮ ሃገር። ኩሎም ትግራይ ኣይፋሌጥ። ትሕርሕ፡ ስለዚ ኣመሓ ክደለስና ምኽንያቱን መሰል ምዝገባ። መቓልሕ ትግራዋይነት ናጻን እዚ ኣለና መኽዲ ማእከላይ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

12 Feb, 01:15


መቐለ፥ ትግራይ

ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ብሓባር ዑደት ኣብ ትግራይ ንምግባር ሎሚ መቐለ ኣትዮም። እዞም ኣምባሳደራትን ሉኡኻትን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ውክልና ናይዚ ውድብ ሒዞም ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ዝኣተውን ብዋናነት ብምርካብ ዘትዮም ኣለው።

ኣምባሳደራትን ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ሓላፍነት ዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታትን
👉 ኣሜሪካ
👉 ዓባይ ብሪታንያ ፣
👉 ጀርመን፣
👉 ጣልያን፣
👉 ፈረንሳይ፣
👉 ዴንማርክን
👉 ሕብረት ኣውሮፓ (EU) ን ኣብ ህልዊ ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ኣድሂቦም ብወገን ውድብ ህውሓት ምስ ኣቦ-ወንበር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ምክትል ኣቦ-ወንበር ኣማኒኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት-ፅሕፈት ናይቲ ውድብ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ብወገን ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ምስቲ ፕረዚደንት ናይቲ ትካል ምርኻቦም ምንጪታት ካፍቲ ይጽብጽቡ ኣለው።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ብዋናነት ኣብ ውጥጥ ዝጸንሑ ክልቲኦም ወገናት ውድብ ህውሓት ኮይኖም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ስቓይ፣ ሞትን ምንግልታዕን ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ከምዘሎ ነቶም ኣምባሳደራት ከምዝገለጹሎም ምንጪታት ይሕብሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዘላቒ ሰላም ወሳኒ ምዃኑን ህዝብና ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ዘይምትግባሩ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ስደትን ብጥሜትን ሕማምን ይሃልቕን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ክይኑ ይሳቐን ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ፀገም ከብቅዕ ይግባእ ኢሎም።

ወረርቲ ሓይልታት ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፁ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ከም ዘይክኣለ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክንድዝግባእ ከም ዘይተጀመረን ብምግላፅ መንግስቲ ኢ/ያ ብዝኣተዎ ስምምዕ መሰረት ነቲ ውዕሊ ከተግብርን ንውሑስ ሰላም ብቕንዕና ክሰርሕን ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

መቓልሕ ትግራዋይነት

12 Feb, 01:05


ዑደት ምዕራባውያን ኣምባሳደራት ኣብ ትግራይ

...ትዕግስቲ ትግራይ ተጸንቂቑ ነገራት ኣብ ጫፍ ናይ ምብጽሖም መርኣያ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

12 Feb, 01:02


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Feb, 23:45


ሓደጋ ምፍንጃር ነታጒ ኣብ እንዳስላሰ


እንዳስላሰ ሽረ፣ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፥

ሎሚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ቐበሌ 05 ፍሉይ ቦታ ማእከል መዘናግዕን መፃወቲ ቢንጎን ሓረግ(ሓረግ መናፈሻ) ብደገ ቦንቢ ተደብርዩ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ።



ኣብዚ ዘሕዝን ፍጻመ ዛጊድ ህይወቱ ዝስኣነ ሰብ ዘየለ እንትኾን፣ 1 ተጠርጣሪ ኣብ ቐይዲ ውዒሉ ኣሎ። ጉድኣት ዝበፅሖም 10 ሰባት ድማ ሽዑ ንሽዑ ናብ ህጹጽ ሕክማዊ ረድኤት ተወሲዶም ኣለአ።

ኣብቲ ማእከል መዘናግዒ ፊት ሆቴል ሓናን ዝርከብ ኮይኑ ብዙሕ ሰብ ዝእከብ እንትኸውን እቲ ቦምቢ(ፈንጂ) ብደገ ከምዝተደርበየን ልዕሊ 10ሰባት ቐሊልን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ዛጊድ በዘሎ ሓበሬታ ሓንቲ ኣብቲ ማእከል መዘናግዒ መዝጋቢት ቢንጎ ዝኮነት ሓፍትና ክሳብ ሪፈር ዘብል ከቢድ ማህሰይቲ ዝበፅሓ ኸምዘላ ዝረከብኩዎ ሓበሬታ ዘመላክት።

ኣብ ከባቢ 10ወይ 11ጥሪ2017ዓ/ም እውን ተመሳሳሊ ቦምቢ ናብቲ ቦታ ከምዝተደርበየ ይፍለጥ።

እቲ ሽዑ ዝተደርበየ ግና ሳላ ሓይሊ ፈጣሪ ፊዙ ሰለ ዘይለቐቐ ኣይነቶጎን ጉድኣት አየብፅሐን ።

ብሓፈሻ እዚ ሕማቅ ተግባር ብሓባር ኽንኹንኖ ይጎባእ።



ንግዳያት ኣሕዋትና ፈጣሪ ምሕረቱ የውርደልኩም !

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Feb, 23:41


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Feb, 12:03


ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሲ ዶ ይህልዎ ኣይተ በየነ?

👉 ባሕሪ ባሕሪ.. ክብል ዓመትን መንፍቕን ጌሩ ዘሎ እዚ ሕንጠይ ክሳብ ሕዚ ዝበላ ዘይፈጸመሉ ምኽንያት ታይ እዩ?

👉 ዓሰብ ተዘይሒዘ ሞይተ ይርከብ ዝበለ እዚ ሕንጠይ ክሳብ ሕዚ ነዚኣ ዘይፈጸመላ ምኽንያት ስለዘይደለየ ድዩ ስለዘይክኣለ?

👉 እናደልየ ግን ተዘይክኢሉ፥ መን እዩ ዘይኽኣሎ?

👉 ብኣፉ ብዘይ ባሕሪ ሞይተ ይርከብ እንክብል ተሎ ናይ ባሓቂ ድሌቱ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን ድዩ ወይስ ካሊእ ውዲት ኣለዎ?

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Feb, 11:55


"ኣብይ ኣሕመድ ዝበላ ዝገብር ሰብ እዩ። ከም ህውሓት/ኢህወዴግ ንሻዕብያ ብዝጥዕም መገዲ ዝሕዝ ኣይኮነን።" - ኣይተ በየነ ገ/ግሄር (ውፉይ)

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Feb, 11:55


Really?!

መቓልሕ ትግራዋይነት

09 Feb, 08:21


---------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Jan, 06:42


ብኻሊእ ዜና ንሕሉፋት የማናውያን ሓይሊታት ንኽሕግዝ ዝተቐላቐለ ብዓል ሃፍቲ ኣሜሪካ Elion Musk ኢዱ ካብ ጎስጓስ መረጻ ጀርመን ንኽስሕብ ክሳብ ሕዚ መራሒ ናይታ ሃገር ዘሎ Cancelor Olaf Scholz ጸዊዑ ኣሎ። እዚ ተጠቕሰ ብዓል ሃፍቲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረ መረጻ ን Trump ደጊፉ ዝጎስጎሰ ኾይኑ ተመሳሳሊ ስልትን ሜላን ንኽጥቀሙ ንሕሉፋት የማናውያን ናይ ሃገረ ጀርመን ድጋፍ ይገብር ምህላው ዘስተባሃሉ ብዙሓት ጉዳይ ጀርመን ንጀርመናውያን ግደፈልና ክብልዎ እዮም ዝድመጹ ዘለው። እቲ ዝድግፎ ጀርምርናዊ ውዳበ ብ AfD ዝፍለጥ ኮይኑ ኣዝዪ ጥርዙ ዝሓለፈ የማናዊ ሰልፍን ናይ NAZI ጀርመን ኣተሓሳስባታት ብምውራስ ዕሉል ጸረ-ስደተኛታትን ጸረ-ሙስሊምን ፓርቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሃገሮም ናብ ሕሉፍ ግዜ ክትምለስ ዘይፈቕዱ ምዃኖም ዝገልጹ ብዙሓት ጀርመናውያን ዝጽየፍዎ ውዳበ እዩ። ኣፍታ ሃገር ዝርከቡ ኩሎም ካልኦት ውዳበታት 'ውን ምስዚ ፓርቲ እዚ ብፍጹም ሓቢርና ክንሰርሕስ ይትረፍክ ክንሪኦ፡ክንሰምዖ 'ውን ኣይንደልን ኢሎም ዘግለልዎ ኳ እንተኾነ፥ ቁጽሮም ዘይንዓቕ ደገፍቲ ግን ዘለውዎ እዩ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Jan, 06:34


እዛ ቕጭ ዘምጸላ ትመስል ኣባል ናይዚ ጸጋማዊ ውድብ ብኣንጻር ናይ ሊበራል ስነ-ሓሳብ ዝስዕብ FDP ዘላ ኾይና እዚ ሚኒስተር ነበር ኣብ ዝሓለፉ ናይ 5 ዓመታት ስርሑ ንታሕተዋይ እቶት ዘለዎም፣ ንዓዲ ውዒል ሰብ ዕደመ ጸጋ ኣረጋውያን፣ ንህጻናትን ኣዴታትን ፍሉይ ትኹረት ብዘይምግባሩ ኣጥቢቓ ክትነቕፎ ዝጸንሐት ኮይና፥ ብግልባጡ ንዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ 'ውን ንዓበይቲ ሰብ ሃፍቲ ተረባሕቲ ዝገብር ኣካይዳ ኢኻ ክትስዕብ ጸኒሕኻ ዝብል ተረርቲ ነቐፌታ እያ ኣልዒላ ሞጒታ። ዝሃባ መልሲ ቕጭ ዘምጸላ ምዃኑ ዘሓበረት እዛ ፖለቲከኛ ነቲ ዘይጓዳእ ስጉምቲ ምውሳዳ ድማ ሓቢራ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Jan, 06:34


ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ንዳግም ምምራጽ Donald J. Trump ኣብ ኣሜሪካ ስዒቡ ዝፈረሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ፌዴራል ሃገረ ጀርመን ብሓዱሽ መረጻ ንኽቐውም ኣብ ዝተጀመረ ሓዱሽ ወፍሪ ምረጹኒ ጎስጓስ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ይርኣዩ ኣለው።

እቲ ሓደ ክስተት ነቲ መንግስቲ ልፍንቲ (Coalition Government) ንምፍራስ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ዝጥቀስ ነበር ሚኒስተር ፋይናንስ ናይታ ሃገር Christian Lindner ካብ ሰልፊ FDP ኣብ መድረኽ ክትዕ ኣብ ዝነበረሉ  ካብ ፖለቲካዊ መናሓንሕቱ Die Linke ብዝብል ካብ ዝፍለጥ ጸጋማዊት ሰልፊ ኣባል ምዃና ዝተገልጸት ሽኮራዊ ሕብስቲ ናብ ገጹ ዝደፍኣቱሉ ምዃና ንብዙሓት መስሓቒ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Jan, 06:34


ፍሉይ ክስተት ኣብ ጎስጓሳት ሃገራዊ መረጻ ሃገረ ጀርመን

መቓልሕ ትግራዋይነት

10 Jan, 06:22


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Jan, 18:54


ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና፥ እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓኩም !

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Jan, 18:53


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 21:40


ዝርዝራት ትሕዝቶ ናይቲ መድረኽ ኣብ ኩሎም ሚድያታት ትግራይ ኣለኩም።

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 21:38


ሓንቲ ቃል ትድርበ ዘይትርከባ ጥይት ዝኾነት ጽዋ !

ዝወከለ ይወክል ዝኾነ ሰብ ከምዚ ሓጺር፥ ንጹርን ግልጽን ዝኾነ ሓሳብ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ኣብ ብሄራዊ ጥቕምን ረብሓን ትግራይ ብፍጹም ድርድር ዝብሃል ነገር ከምዘየለ ነቶም ሸቃጦ ብዝርድኦም ቋንቋ ከዛርቦም ኣለዎ።

44 ነጥቢ

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 21:36


ወይዚ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝመጸ በጀትን ናይ UNDP ፍረንካን እናበተንካ ኣብ ሆቴላት ምህውታት ምጥዓሙ። ሎሚ 'ውን ከምቲ ልሙድ " ጸበል ጻድቃን፥ ኹስሚ ከብዳማት "
ኣብ ሆቴል ፕላኔት ኔሩ ኢሎማቶ። ከምዛ ሆቴል ጌሩ ኣብዚ 6 ዓመት ኣብ ትግራይ ዝሸቀለ ካሊእ ሆቴል ዶ ይህሉ ይኾን ግን

ብዝኾነ ንሎሚ ታብ ካሊእ ግዜ ብዘይተለምደ መልክዑ ተወከልቲ ህውሓት ዝኾኑ ክሳተፉሉ ነቲ መድረኽ ተራእዩ ኣሎ። ሓደ ካብዞም ተወከልቲ ከም ዓለባ ዓዲ ሓጺቡ፥ ጾምዩኣቁ፣ ኣስታሪሩ ሰጢሕዎም።

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 21:31


" ጸበል ጻድቃን፥ ኹስሚ ከብዳማት "

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 21:29


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 18:50


ወፍራም ጥያቄ !

አሁን የሚንጫጫው መጅልስ ተብየም ይሁን ማንኛውም የጦብያ የኃይማኖት ተቋም ወይም መሪ በዚህ ዙርያ መግለጫ አውጥቶ ያውቃል ወይ?

FACTS
ARE FACTS !

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 18:47


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 17:05


ኣይፋሉን.... "ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ጥራሕ ኢና ንደሊ" - ዝብሉ ተቛመርቲ ኣጸቢቕኩም ኣሰተባህልሎም።

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 17:03


ኣብ ትግራይ ዘሎ ልጓም ከምዘይብሉ ፈረስ በይነይ ክዕንድር እየ ዝብል መላገጺ ጎሓሉ ኮይኑ ናይ ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ናብ ደረጃ ግዜያዊ መንግስነት ካብ ምስስግጋር ሓሊፉ ነቲ ፈጻሚ ኣካሉ ድማ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስርሑ ብግቡእ ክሰርሕ ዝቆጻጸር፥ ብሔራዊ ረብሓን ጥቕምን ትግራይ ጥራሕ መሰረት ጌሩ ትልምን መደባትን ዝሕንጽጽ፥ ምትግባሮም ዝቆጻጸር፥ እግረ መንገዱ ከም መድረኽ ብሄራዊ ዘተ ኮይኑ ዘገልግልን ንኹሉ ትግራዋይ ብዝውክል መልክዑ ተመጣጣኒ ውክልና ሃልይዎ ሓቛፊ ግዜያዊ ቤት ምኽሪ (Inclusive Transitional Council) ግድን ክጣየሽ ኣለዎ ካብ ንብል ክንደይ ግዜ ጌርና ኣለና።

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 16:51


ቅድሚ ዓመትን መንፍቕን ዝበልናዮ እኮ እዚ እዩ፥ ካሊእ ኣይነበረን !

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 12:53


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 12:53


- Private Archiv: Axum Higher Secondary School 2002 G.C

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 12:51


ኣብዚ ምስሊታት ናይ ኣኽሱም ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮን መምህራንን ዝርኣዩሉ ዘለው፥ ዝኾነ ሰብ ብኣከዳድንኡ ይኹን ካሊእ መንገዲ ውልቃዊ እምነቱን ኃይማኖቱን ተለልዩሉ መንገዲ ኣሎ ዶ?

መቓልሕ ትግራዋይነት

04 Jan, 12:49


ሕቶ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:45


ይሰውረና እዩ፥ ታይ ክብሃል !

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:44


ካልኣይ እሳተ ጎሞራ ኣብ ሃገረ ጓቲማላ - ደሴት ፍየጎ

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:38


ሃገረ ስፐይን ደሴት ላፓልማ

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:37


እቲ ካልኣይ ሓደጋ ተፈጥሮ ኮይኑ ኣብ ክልተ ሃገራታ ዝነቶጒ እሳተ ጎኖራ እዩ

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:36


ቁጽሪ ግዳያት ይኹን ምኽንያት ሓደጋ ዛጊድ ኣይተፈልጠን ዘሎ

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:35


ሓንቲ ንብረት መንገዲ ኣየር ካዛኪስታን ዝኾበት ነፋሪት ብኸምዚ ሓደጋ ገጢምዋ

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:34


ኣብ ብዓል ልደት ፈረንጂ 2 ሓደጋታት

መቓልሕ ትግራዋይነት

25 Dec, 19:33


---------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

24 Dec, 21:20


ብዓል ልደት ፈረንጂ ተኽብሩ ንዘለኹም ድማ፥ እንኳዕ ኣብጽሐካትኩም !

መቓልሕ ትግራዋይነት

24 Dec, 21:16


ኣበይ? ከተማ ፍራንክፈርት
ታይ? መደብ ምዝንጋዕ
ዕለት? ቀዳም 28.12.2024 ዓ.ም.ፈ
ድምጻዊት? ሰላማዊት ዮሃንስ

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 11:01


https://youtu.be/nF7eacbaGNc?si=cp2eL3aFOpFGy-l9

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 11:01


"ኣብ ትግራይ ዓመጽን ዕግርግርን ንኸእትው ኣማኢት ሚልዮን ብር በጂቶምይሰርሑ ኣለው"

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 11:00


ኮ/ል ተወልደ ዕምበብ - ክፍሊ ወታደራዊ ስለያ ሓ.ም.ት (TDF Military Inteligence Unit)

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 10:58


-------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 04:11


😊

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 04:10


ኣብዚ ኔኻ ሓፊስ ጸሎት !

መቓልሕ ትግራዋይነት

07 Dec, 04:09


--------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Dec, 04:35


ብናይ ጽንተት ኲናት ኣብ ዓወደ ውግእ ዘይትቑርጠም ሓጺን ኮይንካ እንትተብቅዕ ዶ ሎሚ መሽረፈት ከምዚ ይጻወተልካ?



ኣይተ ቮድካቸው and
et.al Must GO !


PERIOD !

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Dec, 04:30


------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 22:02


https://youtu.be/-UoajYvBE3o?si=uV37DaYb6XQkhSD9

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 21:14


https://www.youtube.com/live/I1VR7l9Bof4?si=3FNBR_57hf52uvjA

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 21:14


------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 10:25


https://youtu.be/Eg5iFiea7LU?si=WLzYD0P3ZRRDvtIS

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 10:25


መቐለ፥ ትግራይ

ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ግ.ም.ት ን ነበር ም/ኣቦ ወንበር ህውሓትን ዝኾነ ኣይተ ቮድካቸው ቁጥዐ ተሓውሶ ተሪር ተቓውሞ ምስምዖም ካፍቲ ቦታ ምንጪታት ሓበሬታ ይገልጹ ኣለው። እዚ ዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 4ይ ዘመን ስራሕ 8ይ ህጹጽ ጉባኤ ኣብ ዝጸውዓሉ መድረኽ እንትኾን ኣብ ዘይስርሑን ሓላፍነቱን ተጸሚዱ ንዘሎ ፈጻሚ ስራሕ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብትሪ ብምቅዋም ስልጣን ናይቲ ቤት ምኽሪ ብምጥሓስ ካፍቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ዝውሰን ዝኾነ ይኹን ውሳነ ይኹን መምርሒ ፈጺሞም ከምዘይቕበልዎ በመንገዲ ኣፈ-ጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና ወ/ሮ ራሕማ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ንዝቕጽል ሰንበት ኣንጻር ኣካይዳ ናይቲ ግጼያዊ ምምሕዳር ኣብ መቐለ ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ 'ውን ከምዝተጸውዐ ምንጪታትና ይሕብሩ ኣለው። ብዋናነት ኣባላት ናይቲ ከተማ ቤት-ምኽሪ፣ ከምኡ 'ውን ኣባላትን ደገፍትን ውድብ ህውሓት ከምዝወደብዎ ኣቐዲሙ ዝግለጽ ዘሎ እዚ ሰልፊ ታይ ዓይነት ጣጣ ሒዙ ከምዝመጽእ ንምግማት ኣጸጊሙ ኣሎ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

05 Dec, 10:14


ተሪር ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ነበር ም/ኣቦ ወንበር ህውሓትን ኣይተ ቮድካቸው

መቓልሕ ትግራዋይነት

16 Nov, 04:51


መርዓ ተጋዳሊት TDF ነበር ምስ ሓደ ቻይና

መቓልሕ ትግራዋይነት

16 Nov, 04:50


ኣይትመካሕ፥ ተለቃሕ... ገዛና ኣትያ

መቓልሕ ትግራዋይነት

16 Nov, 04:50


------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

14 Nov, 20:59


👉 ኣብ ግ.ም.ት ዘለዎ ስልጣን፥

ብማዓርግ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፊ ክላስተር ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን

- መዘኻኸሪ፥
ብውክልና GSTS ኣብ ግምት ምእታው ክሳብ ሕዚ ብዘይንጹር መንገዲን ቀጥታዊ ውጽኢት ውዲትን ሽርሕን ምዃኑ ብግልጺ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ንዝገበሩ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ኣብ ከይዲ እዩ ዝርከብ።

👉 ኣብ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎ ስልጣን፥

ምክትል ዳይሬክተር "ብሔራዊ ኮምሽን ተሃድሶ"

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኮሚሽን፥

እዚ ኮሚሽን ተሃድሶ እቲ ሕንጠይ ንውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፈረመ ዘጣየሾ ኾይኑ መካየዲ ስራሕ ንተሾመ ቶጋን ምክትሉ ድማ ባንዳ ነበር ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ አትንኩት መዝገቡ (ዶ/ር) ምንባሮም ይዝከር። ቀንዲ ውራዩ ንምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ብፖለቲካዊ ውዲት DDR ዝዓለመ ኮይኑ፥ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ለገስቲ ትካላትን ገንዘብ ንምእካብ ክብል ግን ብደረጃ ሃገር ስራሕቲ ዕጥቒ ንፍታሕን ዳግማይ እግሪ ምትካልን እየ ክሰርሓሉ ብዝብል ዘጣየሾ እዩ። ቶም ተጠቕሱ ሓለፍቱ ብዙሕ ተይጸንሑ ነቲ ኮሚሽን ራሕሪሖም ናብ ወጻኢ ሃገራት ምህዳሞም ዝጥቀስ ኮይኑ ብድሕሪኦም ዕሉል ተበልጻጊ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ብላዕለዋይነት ዝመርሖ ኮይኑ መካየዲ ስርሑ ድማ ሕዚ ኣብ ማእኸላይ መሪሕነት ብዘሎ ሓደ ተመስገን ጥላሁን ብዝብሃል ዝምራሕ ዘሎ እዩ። ሌ/ጀነራል ጻድቃን እምብኣር እዩ ምክትል ጌድዮን ጢሞቲዎስ ብምዃን ነዚ ኮሚሽን ዝመርሕ ዘሎ።

HUGE CONFLICT OF INTEREST !

መቓልሕ ትግራዋይነት

14 Nov, 20:41


.. ንሓፈሻዊ ኣፍልጦ !


እቲ ብሕታዊ ድርብ ስልጣን ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግ.ም.ት) ከምኡ 'ውን ኣብ መንግስቲ ፌዴራልን ዘለዎ ሰብ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ እዩ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

14 Nov, 09:13


https://www.youtube.com/live/lE9BE7B8vWI?si=ccrKuO__VlVc3vv2

መቓልሕ ትግራዋይነት

14 Nov, 09:12


ካብ ንምክትልካ ውክልና ሂበ ኣለኹ ኢልካ ሰንበት ግን ቢሮ ኣቲኻ "ዕልዋ መንግስቲ ይግበረለይ ኣሎ" ዝብል መግለጺ ምውጻእ፥ ውክልና TDF ዘይብልካ ክሳብ ናብ ጄኔቫ መጺኻ DDR ተግብሩልና ክትብል ጉያ ጉያ።

ዘይገርም ቁማር ኣብ ብሄራዊ ረብሓ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

09 Nov, 13:05


https://youtu.be/IEdYBSS6VGQ?si=7uXyDu1xWItXNbgJ

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:37


ኣብ ድሮ መረጻ ናይ ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢርንጃሚን ነታንያሁ ንናይ ባዕሉ መንግስቲ ካቢኔ ኣባል ዝኾነን ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ብምዃን ነቲ ዓመት ሓሊፍዎ ዘሎ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ክመርሕ ዝጸንሐ Yaov Gallant ምስጓጉ 'ውን ብዙሓት ዝዛራረቡሉ ዘለው ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ። ብኸመይን ንምንታይን ምስ መረጻ ኣሜሪካ ክተኣሳሰር ከምዝኽእል ግን ዛጊድ ዝበርሀ ነገር ዘየለ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ግን ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዙርያ እቲ ኲናትን ኣተሓሕዝኡን ኣፈላላይ ከምዝነበሮም 'ዩ ምንጪታት ሓበሬታ ዝገልጹ። Yaov Gallant እቲ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ጥራሕን ብሰፊሑን ክቕጽል ዝደሊ ምዃኑ እንትግለጽ፥ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ናፍቲ ዞባ ክሰፍሕ ከምዝደሊን ብቐጥታ ዓቕሚታት ናይ ኢራን ዒላም ክገብር ከምዝደልን ዩ ዝግለጽ። ዶናልድ ትራምፕ እንተተመሪጹ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ንኲናት እስራኤል ከምዝድግፍን እዚ ሕዚ ዘሎ ምሕደራ ናይ Joe Biden ዝጀምሮም ጻዕሪታት ናይ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ጸቕጢ ደው ከምዝብል 'ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ማእኸላይ ምብራቕ ዘብርሁ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:28


ምብራር ሚኒስተር ምክልኻል ሃገረ እስራኤል Yaov Gallant

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:26


ኣብ 2021 ዓ.ም.ፈ ተገብረ ሃገራዊ መረጻ ስዒቡ ኣብ ጀርመን ብልፍንቲ ናይ ሰለስተ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝቖመ መንግስቲ ፌዴራል ጀርመን (Bundesregierung Deutschland) ኣብዚ ሳልስቲ ፈሪሱ ኣሎ። ሊበራል ፖለትካዊ ስነ-ሓሳብ ዝኽተል ሓደ ካፍቶም ኣባላት ልፍንቲ ዝኾነ ውድብ FDP ውክልንኡ ዝስሓበ ምዃኑ ስዒቡ ዝፈረሰ እዚ ልፍንቲ ናይዚ ጠንቂ ኣብ ኣሜሪካ ንተገብረ መረጻ ስዒቡ ዝመጸ ውጽኢት ምዃኑ እዩ ዝሕበር። እዚ ካፍቲ ልፍንቲ ዝወጸ ውዳበ ኣብ ኲናት ዩክሬይን ጀርመን ንትገብሮ ኩለመዳያዊ ድጋፋት ዝነቅፍ መርገጺ ዘለዎ ኾይኑ ምስ ናይ ትራምፕ ዝመሳሰል መርገጺ ኣብ ዙርያ ኣፈታትሕኡ ከምዘለዎ ጸብጻባት ይገልጹ።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ናይ ዝቕጽል በጀት ዓመት 2025 ዓ.ም.ፈ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝሓዘቶ ትልሚ ሃገራዊ በጀት ድማ ንዩክሬይን ዝቐርብ ሓገዝ ከምዘይድግፎ ብምግላጽ ነቲ ልፍንቲ ራሕሪሑ ዝወጸ ኾይኑ፥ ብመንገዲ ትራምፕ ኣቢሉ ደው ንዝብል ኲናት ክቕጽል ሓገዝ ዝቕጽለሉ ምኽንያት የለን ክብል እዩ ዝሙጉት። ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓዱሽ መረጻ ክግበር ምዃኑ ዝገልጹ ዘለው ጸብጻባት ክሳብ እቲ መረጻ ተገይሩ ሓዱሽ መንግስቲ ዝቖም ግን እቶም ካልኦት ክልተ ዝተረፉ ኣባላት ናይቲ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ነቲ መንግስቲ ናመርሕዎ ክቕጽሉ ምዃኖም ኳ እንተሓበረ፥ ናይታ ሃገር ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ባይቶ (Bundestag) ግን ብመሰረት ናይታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ክብተን ክገብሮ ከምዝኽእል ምንጪታት ሓበሬታ የመልክቱ።

ኣብ ጀርመን ምፍራስ ልፍንታዊ መንግስታት ዳርጋ ልሙድ መስርሕ ኮይኑ ብጀካ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ናይ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክፍተት፥ ኣብ መዓልታዊ ናይ ዜጋታትን መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ቢሮክራስን ግን ዝፈጥሮ እዙይ ዝብሃል ጽልዋ የለን። ምኽንያት ናይዚ ድማ ካብ ናይ ፖልርቲካ ጸግዒ ዝኾነ ወገን ናጻ ብምዃን ስርሖም ብግቡእ ዘሰላስሉ ጥንኩራት ዝብሃሉ ተካላት እታ ሃገር ዝሃነጸት ብምዃና እዩ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:08


ምፍራስ ልፍንታዊ መንግስቲ ጀርመን

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:07


ፈላሚ ጽልዋ እዚ ካብ ናይ ብዙሓት ትጽቢት ወጻኢ ንትራምፕ ተዓዋቲ ዝገበረ ስጊንጢር ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ ድሮ ጽልውኡ ኣብ ኣውሮፓ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ናይዚ ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ጽልዋ ቀዳመይቲ ግዳይ ኣብ ውክልና ኲናት ምዕራባውያን ንዘላ ሃገረ ዩክሬይን ዝምልከት ኮይኑ ዛጊድ በዚ ኣተሓሕዛ ናይዚ ጉዳይን ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታትን ስዕቡ ልፍንታዊ መንግስቲ ፌዴራል ጀርመን (German Coaliton Government) ክሳብ ምፍራስ በጺሑ ኣሎ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:03


ፈላሚ ጽልዋ ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ ድሮ ኣውሮፓ በጺሑ ኣሎ

መቓልሕ ትግራዋይነት

08 Nov, 18:02


-----------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 19:35


መቐጸልታ እዚ ሕልሚ ዶርሆ አየለ ጫሚሶ ተኾነ ኣይገርመናን።

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 19:31


በቋራጭ ውዲትን ሽርሕን ፍሒስካ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ሕልሚ ዶርሆ ናይ ደቂቃነ ዕስለ ርአዩልና ስምዑልና

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 19:29


ቤ/ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ትግራይ !

ኣኽሱም

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 19:28


-----------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 10:53


https://youtu.be/Abw5LIIfgEo?si=1UILBQ1Wy9KdVLX_

መቓልሕ ትግራዋይነት

06 Nov, 10:49


ደገፍቲ ትራምፕ ተሊኹም እንኳዕ ኣሐጎሰኩም። ንናይ ሙሉእ ኣፍሪካን ዓለምን ሰላምን ምርጋእን ግን እዚ ዓብይ መርድእ እዩ። ኣብ ዝቕጽሉ 4 ዓመታት ታይ ዓይነት ጣጣ ሒዙልና ከምዝመጽእ ሓደ ሰይጣን ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 20:35


ዘየለ ጳንጢጦሳዊ ሃበስ-ቀደሳት 'ውን ተመሪቑልና። ኔኻ ሎቖታ ጥሕኒ፥ ቦሎኽሎኽ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 20:33


ንሕና ግን ንብል....

ሽዋ ምስ ዓዲ ሃሎ ክንራጸም እንተይሎም - እንሆ ሜዳ፥ እንሆ ፈረስ። ወረ ተኺኢልናስ ላምባ ንውስኸላ ጉዳይ። ሓንጊርናኩም ክንኣቱ ኢና ዝብል ብኽልቲኦም ወገን ዝቐርብ ኣስገዳድ ተልዩ ግን፥ ሕዚ 'ውን ይፍትሓላ እያ እታ መልሲ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 20:30


ኣዲስ ኣበባ፥ ጦብያ

ትማሊ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ጦብያ ተረኽበ ኣይተ ሕንጠይ ሕዚ 'ውን ባሕሪ ወይ ሞት ዝብል ሕልመይ ደጋጊሙ ዓለም ይፍለጠለይ ክብል ናብ ኲናት ክኣቱ ምዃኑ ዘእንፍት ነድሪ ተሓውሶ መደረ ክገብር ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ኣብ ሞንጎ ተጠቃሚ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን (ዓለም ለኻዊ መሰል) ምስ ወናኒን ባዓል ዋናን ባሕሪ ምዃን (ጥሕሰት ዓለም ለኸ ሕጊ) ኮነ ኢሉ ዝሓዋወስ ቁንጮ ተበልጻግቲ ጉጅለ ልዕሊ ዓመት ከዋዓውዖ ዝጸንሐ ኲናት ክኣቱ ናይ ምዃኑ መቐጸልታ ተጌሩ ተወሲዱ ኣሎ ብብዙሓት።

ቅድሚ ሳልስቲ ሰፊሕ ዓለም ለኻዊ ተነባብነት ዘለዎ ጋዜጣ The Economist ሒዝዎ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ኣብ ዙርያ እዚ ካሊእ ዙር ነጋሪት ዝውቀዐሉ ዘሎ አብይ አሕመዳዊ ኲናት ትግራይ ቁልፊ ቦታ ዝሓዘት ምዃና ምብርሁ ይዝከር። መሪሕነት ትግራይ ኣብ ነኒባዕሉ ፍሕፍሕ ምጽንሑ ነዚ ጉዳይ ናበይ ኣንፈቱ እዩ ክኸድ ዝብል ንምትንባይ ምጽጋሙ ዝጸብጸበ እዚ ጋዜጣ፥ ኣብ ባዕላ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘዘራረቦም ምንጪታቱ ብምጥቃስ ከምዝገለጾ ትግራይ ኣብ ሕዚ እዋን ናብ ካሊእ ዙር ኲናት ክትኣቱ ድልውቲ ዘይምዃና ሓቢሩ፥ እዚ ነቲ ዘይተርፍ ዝመስል ኲናት የደንጉዮ ዶ ወይስ ብግልባጡ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 20:15


ብፈኸራን ታህዲድን ተዓጀበ ካሊእ ዙር ነጋሪት ካሊእ መሽረፈት ሕዚ 'ውን ይቕጽል ኣሎ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 20:12


-----------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 10:17


እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብ ቦታ ቶም ፖከቲከኛታት ኮይኖም ንትግራይ ተዘሳግርዋ ክንደይ ጨለ ኔሩ ካብ ንብል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

ኣበይ እሞ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 10:16


ካሊእ ዙር ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ብመንፈሳውያን መራሕቲ መንበረ ኣባ ሰላማ ክሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ትግራይ

መቓልሕ ትግራዋይነት

01 Nov, 10:13


-----------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

31 Oct, 21:40


እግረ መንገዲ ሓዱሽ ገላጺ ብሉጽ ስራሕ ኪነ-ጥበብ ብድምጻዊ ኤፍሬም ኣማረ ተዘርጊሑ ኣሎ

መቓልሕ ትግራዋይነት

31 Oct, 11:34


መቐለ፥ ትግራይ

ቀጥታዊ ውጽኢት ልምሰት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝጸለዎም መንግስትዊ ትካላት ናይ ጸጥታን ፍትሕን ኣካላት ቀዳሞት 'ዮም ተተባህለ ምግናን ኣይኾንን። እዚ ልምሰት ፈጢርዎ ብዘሎ ክፍተት ድማ በብግዚኡን ብተደጋጋምን ከቢድ ዋጋ እዩ ንትግራይ ዘኽፍላ ዘሎ። ቀዳሞት ግዳይ ናይዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትን ይኾና ኣለዋ።

ካብ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያታት ብየማንን ጸጋምን ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ወጻኢ ዝርዝራትን ተረጋገጹን ሓበሬታት ዘይቐርብሎም እዞም ገበናት እዚኦም፥ ዝምልከቶ ናይ ጸጥታን ፍትሒ ኣካልን ሓንሳብ እቲገበን ድሕሪ ምፍጻሙ 'ውን ተኸታቲሉን ኣርዩን ናብ ፍትሒ ከቕርብ ዘይምኽኣሉ ዝበለጸ የሕምም። ብኸምዚ ህይወት ናተቐጥፈ ምቕጻል ኣይክኣልን።


ነዚ እዩ እቲ "መንግስቲ" ስርሑ ብግቡእ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ንዝሰርሑ ቦትኡ ይልቀቕ ዘብለና ዘሎ። እዞም ገበናት እዚኦም ዕጅብ ከምዘይብልዎ ድማ ደጋጊሙ ኣርእዩና እዩ። ኣብ ክንድኡ ሙሉእ ትኹረቱ፥ በጀቱን ዓቕሙን ኣብ ናይ ኣንጨብጩቡለይን ቲፎዞ ምእካብን እዩ ተጸሚዱ ዘሎ።

ይኾኖ ደጊም... ENOUGH !!!!!!

መቓልሕ ትግራዋይነት

31 Oct, 11:22


ትግራይ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝተሓሓዝ.. ንኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ዝጸንሐ ህይወት ንኡሳት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐጥፍ ዘሎ ገበናት... ሕዚ 'ውን ቀጺሉ ኣሎ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

31 Oct, 05:11


ብብሄራዊ ጉዳያት ዝቋመር ንባዕሉ ኣይበል ኢልና ኔርና። መጽያ ጉዳይ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 11:32


--------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 11:31


ምጅማል ከይመስል ሚዛን ንምትሓዝ፥ ኣብ ዕንይንይ ዝጸንሑሞ ብዛዕባ ትግራይ ሓቂ ምዝራብ ዝጀመሩ 'ውን ኣይተሳእኑን። ይቕጽል ዶ ይግለበጥ ዝብል፥ እዝጊ ዋንኡ።

ክንደይ ክገላበጡ ስለዝርኣና !

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 11:10


እዚ ኹሉ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነታት ዕብዳን መጥቀሲና ሓፈሻዊ ምስሊ ንምሃብ ኮይኑ፥ እሞ ሕዚ ታይ ሓዱሽ ጉዳይ ተፈጥረ ንዝብል ግን ኣብዚ ገጽ እንሆ መልሲ

እዚ ሕዚ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 10:41


ዋላ ኣይኽኣሉሉ፥ ዚኦም ኳ ይሕሹ 😊😊

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 10:39


ካብ ጸርፊ፣ ዘለፋን ሕስረትን ዝቐለቦም፣ ክሳብ ቦግ ኣቢሎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳያት፥ ኣብ ዘይሞይኦም ሕሉፋት መምህራን ዝኾኑ፥ ኮታስ ሞቕጸሪ መስፈሪ የብሉን ዓይነት እቲ ዕብዳናት..

ዞም መምህራን ፍቕሪ ኢና ዝብሉ ኳ ይሕሹ። ጽቡቕ ነገር ንምስራሕ ብዓል ሞያ ምዃን ኣየድልዮን።

መቓልሕ ትግራዋይነት

26 Oct, 10:25


ካብ ህልም ዝበለ ድንቁርና - ክሳብ ታይ ከምትብሎ ዝሕርብተካ ኣይ ጓሂ፥ ኣይ ሓዘን፣ ኣይ ሕራሮት ሕውስውስ - ካብ ከም ከልቢ ተኣኪብካ ነንባዕልኻ ምንኻስ፣ ክሳብ ከም ኸፍቲ ምንባሕ... ኩሉ በብዓይነቱ መሊኡ ፈሲሱ

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 14:10


#ሸራ_ተራ_መርካቶ

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 14:00


እነ ወ/ሮ አዳነች Oh-Babe አለማነው በሚሉት አንዱ ሰፈር የሊለ ሰደድ እሳት ተንስቷል አሉ ዛሬ


#መርካቶ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 13:58


--------------------------------------------------------

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 05:47


ኪዲ በሊ ፥ ጉዳይ ፋሕ ኢላ !

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 05:46


ካሊእ ጉዳይ 'ውን ኣሎ በዚ ገጽ

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 04:01


https://www.youtube.com/live/5FNHTe9Ui50?si=YuDGVxcTaJPd2Mh5

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 04:01


ሙሉእ ትሕዝቶ፡ናይቲ ጻንሒት እንሆ

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 03:29


ዓይኑ ዘፍጠጠ ምሕሽካር ከምዚ እዩ ዘዋርደካ

መቓልሕ ትግራዋይነት

22 Oct, 03:29


ካልኣይ ርእይቶ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ብቐጥታ ካብ ኣንደበት ፕሮፌሰር ሙልጌታ ባዕሉ እንሆ

መቓልሕ ትግራዋይነት

21 Oct, 16:23


ኣብ ማ.ተ.ሰ.ኣ (UTNA) ዘለው መዳኸርቲ ከይኣኽሉናስ በዚ ክዓ ዝገደዱ ዓይኖም ዘፍጠጡ ጽኽድማት መጽዮሙና።

ምጽተ ኣለም !

መቓልሕ ትግራዋይነት

21 Oct, 16:18


ሓደ ርእይቶ ኣብ ዙርያ እዙ ጉዳይ እንሆ

መቓልሕ ትግራዋይነት

21 Oct, 16:18


ሕቶ ክምልስ ፍጹም ድፍረት ይኹን ወነ ዘይብሉ ብህርፋን መሊኡ ዝፈሰሰ ስልጣንን ጥቕምን ዓይኑ ዝዓወረ ጉጅለ ብመንገዲ መዳኸርቱ ኣቢሉ ኣብ ከተማታት ትግራይ ክገብሮ ከምዝኸረመ ኣብ ዲያስፖራ ተመሳሳሊ ናይ ጣቒዕትን ጭብጨባን፣ ናይ ትርጉም ኣልቦ ህውተታ፣ ናይ ኣንግሱኒ ሕልሚ ብሆይ-ሆይ ክዕጀብ ዝሓሰቦ ፈሺሉ ኣብ ክንድኡ እቲ ትኽክለኛ መንነቱን ባህሪኡን ኣቃሊዑ ዝሓለፈ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።


ንፕሮፌሰር ሙሉጌታ ካፍቲ መድረኽ ዘተ ናይ ZOOM ኣንጢርካ ካብ ምውራድ ጀሚሩ፣ ክሳብ ዓፈና ሕቶታትን ሓተትን፣ ካብ ብሽም ናፍቲ መድረኽ ምድላው ይኹን ተሳትፎ ፈጺመብ ዘየለዋ ማሕበራትን ሲቪል ትካላትን ምሽቃጥ፥ ክሳብ ኣቡኡ ዘፍለጠ ሌላን ጉሌላን ናይ መን ይድይብን ይወርድን፥ ይሓትትን ይኽልከልን - ኮታስ ኩሎም ዓይነት ሕንከት ኣልቦ መዳኸርቲ ኣጸቢቑ ተቓሊዑሉ ኣሎ።

መቓልሕ ትግራዋይነት

21 Oct, 16:08


ትማሊ መዳኸርቲ ኣይተ ቮድካቸው ናይ በሓቂ መዳኸርቲ ምዃኖም ኣጸቢቖም ዘረጋገጹሉ ጽቡቕ ናይ ምቅላዕ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ።

መሕፈርቲ... !

መቓልሕ ትግራዋይነት

21 Oct, 05:46


ቶግ ቶሮግ !