ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ብሓባር ዑደት ኣብ ትግራይ ንምግባር ሎሚ መቐለ ኣትዮም። እዞም ኣምባሳደራትን ሉኡኻትን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ውክልና ናይዚ ውድብ ሒዞም ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ዝኣተውን ብዋናነት ብምርካብ ዘትዮም ኣለው።
ኣምባሳደራትን ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ሓላፍነት ዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታትን
👉 ኣሜሪካ
👉 ዓባይ ብሪታንያ ፣
👉 ጀርመን፣
👉 ጣልያን፣
👉 ፈረንሳይ፣
👉 ዴንማርክን
👉 ሕብረት ኣውሮፓ (EU) ን ኣብ ህልዊ ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ኣድሂቦም ብወገን ውድብ ህውሓት ምስ ኣቦ-ወንበር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ምክትል ኣቦ-ወንበር ኣማኒኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት-ፅሕፈት ናይቲ ውድብ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ብወገን ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ምስቲ ፕረዚደንት ናይቲ ትካል ምርኻቦም ምንጪታት ካፍቲ ይጽብጽቡ ኣለው።
ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ብዋናነት ኣብ ውጥጥ ዝጸንሑ ክልቲኦም ወገናት ውድብ ህውሓት ኮይኖም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ስቓይ፣ ሞትን ምንግልታዕን ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ከምዘሎ ነቶም ኣምባሳደራት ከምዝገለጹሎም ምንጪታት ይሕብሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዘላቒ ሰላም ወሳኒ ምዃኑን ህዝብና ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ዘይምትግባሩ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ስደትን ብጥሜትን ሕማምን ይሃልቕን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ክይኑ ይሳቐን ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ፀገም ከብቅዕ ይግባእ ኢሎም።
ወረርቲ ሓይልታት ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፁ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ከም ዘይክኣለ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክንድዝግባእ ከም ዘይተጀመረን ብምግላፅ መንግስቲ ኢ/ያ ብዝኣተዎ ስምምዕ መሰረት ነቲ ውዕሊ ከተግብርን ንውሑስ ሰላም ብቕንዕና ክሰርሕን ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።