ፕረዝዳንት ጌታቸው በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ እዩ ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ንምፍታሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ተልእኾኦም ጥራሕ መሰረት ገይሮም ንክሰርሑ ከምዝተወሰነ ዝገለፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መሓውር ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝነበረ ናይ ሓባር መድረኽ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ምርድዳእ እውን ትግራይ ካብ ዘላቶ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንምውፃእ ዓሊሙ ዝተገብረ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ከም ህዝቢ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድን ዝተሓላለኸን ፀገም ንውፃእ ቅድም ቀዳድም መንግስቲ ክህልወናን መንግስትና ድማ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝብና ማእኸል ገይሩን ንኩሎም ዓቕምታትና ወዲቡን ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክኣቱ ግድን እዩ ኢሎም ኣለው።
እዚ ንምግባር ዘኽሎ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ገይሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝሓሸ መንገዲ እናተናበበ ክሰርሕ ክግበር እዩ ዝበሉ ፕረዝዳንት ጌታቸው ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብየማነ ፀጋም ዝላግዑን ንሓድነቱ ዝፈታተኑን ምውንጫፋት ብጥንቃቐ ክርእዮም ተረጋጊዑ ክምርምሮምን ይግባእ ኢሎም ኣለው።