መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna @mesobtigrigna Channel on Telegram

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

@mesobtigrigna


Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful
👉 News
👉 Health
👉 Sports
👉 Technology , and
👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna (Tigrigna)

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna ነው ከተማዎች ግንባር አንድ ነገር ቢሆን ላይ ባለብን ስነ-ምግባር እና/ወልደማንናኖችን የትግራይኤምን በመደብ ብቻ ውስጥ። የሚያደርገው አገልግሎት፣ የሚፈጸም ቦታዎት፣ የሚሰራ የሰራተኝ ትግልና የሚከፍለው ቡድን እና ብሔራዊ እና ሽሮ ተኣክልታችኋልና።

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

23 Nov, 12:47


#ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን #ዓብይ_ዓዲ ኣስታት 1 ሺሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ መበል 21 ዙር ስነ ስርዓት ምረቓ ሰልጠንቲ ሎሚ ኣመሪቑ።

እቲ ኮሌጅ 1299 ተምሃሮ ዘመረቐ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እተን 659 ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዑሽ(ዶ/ር)፥ ኣብ ኩናት ዝዓነወ ዓዉዲ ትምህርቲ እቲ ክልል ንክሓዊ ካባኹም ብዙሕ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ገሊፆም።

ዲን ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን መምህር ሃ/ስላሰ ገ/እየሱስ ብግድኦም፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ እዚ ዕለት ንኩሎም ፈተናታት ሰጊርኩም ናብዚ ምብፃሕኹም እንቋዕ ደስ በለኹም ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

👉 #ኤፍቢሲ

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

23 Nov, 12:44


''ንዝመፅእ ወለዶ #ሰላም እምበር #ኲናትን ህውከትን ከይነውርስ ሓቢርና ንስራሕ''-
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ድጅታል ምዝገባን ዳግመ ፅንበራን ተመለስቲ ሰራዊት ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ''ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም እምበር ኲናትን ህውከትን ከይነውርስ ሓቢርና ንስራሕ'' ኢሎም ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ትግበራ ዲሞቢላዜሽን ንሰላም በሪ ዝኸፍት እዩ እውን ኢሎም። ኩላትና ድማ እቲ ውዕል ስምምዕነት ሰላም ክትግበር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ሜ/ጀ ስቴቬን ዳሪክ ምስዚ ዲሞቢላዜሽን ተታሒዙ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ክስራሕ እዩ ኢሎም ።ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንመላእ ሰላም ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ድማ ገሊፆም።
ጎና ጎኒ እዚ ተግባር ፦ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ንክትግበር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም ሜ/ጀ ስቴቬን ዳሪክ።


ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ ሶፌ ፍሮምከ ኣምንስበርገር ድማ ''ንሕና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ሓገዝና ክነጠናኽር ኢና ''ኢለን ።ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኲናት ዝነበሩ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ክምለሱን ናብርኦም ከማሓይሹን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢረን።

ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ሓጋዛይ ክኸውን ድማ ኣገንዚበን።

👉 #ቴሌቪዥን_ትግራይ

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

23 Nov, 11:29


ከይዲ ስልጠናን ምዝገባን ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅምበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ቀዳማይ ዙር መስርሕ ዲሞቢላይዜሽን ናይ ዝተኻተቱን ናብ ማሕበረሰቦም ናይ ዝፅምበሩን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከይዲ ስልጠናን ምዝገባን ብዕሊ ተጀሚሩ።

ዕላዊ ምጅማር ስነ ስርዓት ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን እግሪ ምትካልን ይካየድ ኣሎ ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ፕሮግራም ዲሞቢላይዜሽንን እግሪ ምትካልን ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሰራዊት ትግራይን፣ ብሚንስትር ሜኒስቴር ውፃኢ ጉዳያት ዶ/ር ጌድዮን ጢሞትዎስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፌደራል፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦትን ተረኺቦም ኣለው።

እቲ ስልጠና ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝውሃብ እንትኾን እቶም ኣባላት ስልጠነኦም ድሕሪ ምዝዛሞም እግሪ ንምትካል ዝሕግዞም ገንዘብ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ኣታዊ ከምዝግበረሎም ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ምግላፁ ይዝከር ከም ፀብፃብ #ኤመሓት።

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

22 Nov, 13:02


ጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ (DDR) #ሼር

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

22 Nov, 10:08


#ፓርክ_ኢንዱስትሪ_መቐለ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ይካየድ ኣሎ።

ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ይካየድ ከምዘሎ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ፊልሞን ተረፈ ኣፍሊጦም።

ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ሰሜን ሪጅን ብምትሕብባር ዝርገሐ መስመር ኢንተርኔት ናይ ምዝዛም ተግባር ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናይቲ ፓርክ ፀገም ምቁርራፅ ኤሌከትሪክን ኢንተርኔተን ንምፍታሕ ዘይተሓለለ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ቀረብ ማይ ንክማላእ 60 ሚሊየን ብር ንኣገልግሎት ማይን ፈሳሲን ከተማ መቐለ ክፍሊት ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ 34 ሚሊየን ብር ንኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ መቐለ ክፍሊት ከምዝተፈፀመ ምግላፆም #ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

22 Nov, 09:07


ሐዚ እውን ስግኣተይ ክገልፅ። ትማሊ ፅሒፈ ነይረ። ናይ ገለ ገለ ሰባት ፀርፍን ገለመለን እኳ ፀገም ኣይብሉንዋ ግን ደጊመ ክዛረብ እየ።

ሐዚ እውን ዓሻራ ብምሃብ ሰራዊት ትግራይ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓበሬታ ቋት ክኣቲ ምግባር ናይ ዓርሱ ዝኸኣለ ፅልዋ ክህልዎ ግድን እዩ።

መላእ ሰራዊት ትግራይ ዓሻራ ሂቡ ዝምዝገበሉ ኩነታት ክህሊ ምግባርን ምፍቃድን ፅባሕ ንግሆ ንዝህልው ፅዕንቶታት ምግማት ኣድላይ እዩ።

National ID ከም ተራ ዜጋ ኣብ ድሌቶም መሰረት ዝገበረ ተተመዝገቡ ፀገም ኣይብሉን። ኮይኑ ግን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከም ዝነበሩ ብዝገልፅ መልክዑ እንድሕር ድኣ ዝምዝገቡ ኮይኖም ሓደገኛ እዩ። እዚ ውልቃዊ ስግኣተይ እዩ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ እዚ ንቐፃሊ ክህልዎ ዝኽእል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ዝኾነ ነገር ክተገብሩ ይግባእ።

#ፈታዊ ለዉጢ

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

22 Nov, 08:03


ኣብ #ኲናት_ትግራይ_ዝተሳተፈ_ኩሉ_ኣባል_ሰራዊት ኣብ መስርሕን #ረብሓን_ዳግመ ፅንበራ ተረባሒ ክኾውን እዩ-ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ

ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፈ ኩሉ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ(DDR) ተረባሒ ክኾውን እዩ ኢሎም ምክትል ኮሚሽን ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ተጋዳላይ ተስፋኣለም ይሕደጎ።

እቲ መስርሕ ግን ብቕደም ሰዓብ ከምዝፍፀም ገሊፆም ኣለው።

274 800 ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዘለው ምስ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተዛሪቦም።

ቁፅሪ ሰራዊት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ሰራዊት ትግራይ ዝመፀአ መረዳእታ ከምዝኾነን ኩሉ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ዝምልከቶ ረብሓ ክረክብ ግድን ምዃኑን ኣብሪሆም።

ነቶም ኣብ ቀደማይ ዙር ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅንበሩ ዘለው ኣባላት ሰራዊት 60 ሚልዮን ዶላር ኣተኣኻኺብና ኣለና ዝበሉ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሐዚ ዝወሃቦም ገንዘብ ናብ ሒሳብ ቁፅሮም ከምዝኣቱን ቀፀልቲ ሞያዊ ሓገዛትን ዕድል ትምህርትን ከምዝመቻቸወሎምን ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ፋይናንሳዊ ሃፍቲ እንትርከብ ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበር እዩ ኢሎም።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነይሮም ናብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፀንበሩ ይኹኑ ኣይኹኑ ድሕሪ እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ዲሞቢላዜሽን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክረኽብዎ ዝግበኦምኦም ረብሓ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ድማ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብዕሊ ከምዝጅመር ኣብሪሆም።

ድሕንነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋፅ እቲ ሐዚ ንፍፅሞ ዘለና ዲሞቢላዜሽን ሓጋዛይን ስግኣት ዝፈጥር ከምዘይኮነን ገሊፆም። ነዚ ድማ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ስግኣት ናብ ምትእምማን ንምምፃእን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ንምፍፃምን ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝግባእ ንክፍፀም ቃልሲ ኩላትና ይደሊ ዝበሉ ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ተጋዳላይ ተስፋኣለም ይሕደጎ፡ ነቶም ጀጋኑና ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም እግሪ ንምትካል ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

እቶም ሐዚ ናብ ማሕበረሰብ ዝሕወሱ ዘለዉ ጀጋኑ እግሪ ንክተኽሉ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሕብረተሰብን ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሕግዝን ኣብ ጎኖም ክኸውንን እውን ፀዊዖም።

ትግራይ ንዝበፅሓ ዕንወት ዳግም ንምህናፅን እግሪ ንምትካልን ብዝሕግዝ መንገዲ ኩሉ ማሕበረሰብ ትግራይ ክሕግዝ ፀዊዖም።

👉 #ቴሌቭዥን_ትግራይ

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

21 Nov, 17:21


#ውዕሎ_መጋበኣያ ኣብ ገበን ቅትለት ንእስቲ #ማህሌት_ተኽላይን ተጋዳሊት #ኣፀደ_ታፈረን

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ሎሚ ኣብ ዝውዓሎ መጋበኣያ ኣብ ገበን ቅትለት ተጋዳሊት ኣፀደ ታፈረ ፍርዲ ዝሃበ እንትኾን ኣብ ገበን ቅትለት ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ድማ ፍርዲ ንምሃብ ቆፆሮ ሂቡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ተጋዳሊት ኣፀደ ታፈረ ግፍዓዊ ቅትለት ዝፈፀመ ውልቀ ሰብ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ወሲኑ።

ቢንያም ገብረሚካኤል ዝተባህለ ተኸሳሲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከባቢ እንዳ ገብርኤል ንተጋዳሊት ኣፀደ ታፈረ ሓኒቑ ብምቕታል ኣብ ከባቢ እንዳ ገብርኤል ዝርከብ ጫካ ደርቢዩዋ ከም ዝኸደ ዓቃቢ ሕጊ ብመረዳእታ ኣሰንዩ ክከራኸር ፀኒሑ እዩ።

ተኸሳሲ ቢንያም ገብረሚካኤል ብዝተጠርጠረሉ ገበን ግፍዓዊ ቅትለት ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረደሉ ክኢላ ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ መቐለ ኣይተ ሓዱሽ ኣባዲ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ሎሚ ኣብ ዝውዓሎ መጋበኣያ ንጉዳይ ገበን ቅትለት ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ከምዝረአየ ገሊፆም።

እቶም ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ልዕሊ ንእስቲ ማህሌት ተኽላይ ብዝተፈፀመ ገበን ቅትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ፤ ብ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ካብ መሰኻኽር ዓቀቢ ሕጊ ንዝቐረበሎም መረዳእታ ንክከላኸሉ ንሎሚ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ቆፂሩ ተዋሂቡ ነይሩ እዩ።

ብመሰረት እዚ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ሎሚ ኣብ ዝወዓሎ መጋበኣያ ተኸሰስቲ ነቲ ዝቐረበሎም መረዳእታ ክከላኸሉ ብዘይምኽኣሎም ውሳነ ቅፅዓት ንምሃብ ን23 ሕዳር 2017 ዓ.ም ቆፀሮ ከም ዝሃበ ኣይተ ሓዱሽ ኣባዲ ንራድዮ ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት ኣረዲኦም።

👉 #ቴሌቭዥን_ትግራይ

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

21 Nov, 10:58


"ውዕሊ #ፕሪቶርያ መሊኡ ዝትግበር ብመሰረት #ሕገ_መንግስቲ ግዝኣትና እንትትምለስ ጥራሕ እዩ"- ሌ/ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ኣብ ስነስርዓት ምጅማር መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግም ምፅንባርን ሰራዊት ትግራይ (ዲሞቢላይዜሽን) ኣብ ዘስመዖ ዘረባ ፤ ተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝረጋገፅ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ግዝታዊ ሓድነት ትግራይ ብምምላስ እዩ ክብል ገሊፁ።

ብወገን ትግራይ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ግቡእና እናፈፀምና ኢና ዝበለ ሌ/ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ መንግስቲ ፌደራል እውን ግቡኡ ክፍፅም ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

እቲ ሐዚ ናብዚ ሰላማዊ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ዘብፀሐና ጅግና ሰራዊት ፤ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ክዕምፅፆን ክገዝኦን ከምዘይኽእል ዘረጋገፀ እዩ ኢሉ።

"ሐዚ እውን ሕርያና ሰላምን ሰላምን ስለዝኾነ ናብዚ በፂሕና ኣለና። ንሰላም ድማ ብስምምዕነትና መሰረት ክንሰርሕ ኢና" ክብል ገሊፁ።

እቲ ሐዚ መትከሊ እግሪ ተባሂሉ ነቶም ጀጋኑ ዝወሃብ ዘሎ ገንዘብ ዝነኣድ ዋላኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግና ዓርሰ ሙርኮሳ ብምርግጋፅ ህልውናና ምውሓስ እዩ ኢሉ።

ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀለመን ምጥቕቓንን ጠጠው ኣቢልና ሓድነትና ክጠናኸር ኣለና ክብል ተዛሪቡ።

👉 #ቴሌቭዥን_ትግራይ