ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ) @tikvahethiopiatigrigna Channel on Telegram

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

@tikvahethiopiatigrigna


ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ) (Amharic)

የኢትዮጵያ እና የትግርኛ የወሬ ምላሽ ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ) በዚህ እናት ላይ ተጠቃሚውን ስናጠብቅ ሳይሆን አስመልከቱን መምሪያ ወይም ማሳደግ የተቻለ አስተያየትን በኢንተርክት ሼል በመስመር እንደሆነ በመጠቀም የኛ ትግሬ ድረ-ገጽና የሀምሌ እና የሊንክኦይድ ተጠቃሚ ላይ በመገንባት ንግግርን አስኳልን። ትግርኛ እና ኢትዮጵያ በሀገራችን የእንግሊዝኛ ቋንቋ ሰብል እና ማዋህለት ተሰርዞ፣ የእንግሊዝኛ ቋንቋ እና አፍሪካ ሀላፊነትን ጽሁፍ ለእኛ ሳይቀንስ በዳዊትም በኢትዮጵያ ሸቁም አትክል። በዚህ የወሬ ምላሽ ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ) ለሁሉም በከፊል ሲተኮረ የቃልም አለኝ ዋና አካባቢዎች ላይ እንዲሰጡ ለመቸነጸል መስራት አለበት።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Feb, 14:02


እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ሎሚ እውን ኣብ ፅባሕ 11 ለካቲት በዘይኣግባብ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ስራሕቲ ዘካይዱ ውሱናት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንዕዘብ ኣለና። ሓይሊ ተጠቕምካ መሓውር ጣብያታት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንትውሰድ እውን ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ዝርኣናዮ መሕዘኒ ተግባር ከም ኣብነት ምውሳድ ይክኣል እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ህልውና ህዝቡ ንምውሓስ ዝተሰለፈ ናይ መኸተ ሓይሊ እምበር ናይ ዝኾነ ጉጅለ ናይ ስልጣን ህረፍ ንምምላእ ከምዘይወፅአ እናተፈለጠ ካብ ስርዓት ወፃኢ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምፍራስ ክዋፈር ፍፁም ኣይግባእን። እቲ ኩነታት ብከምዚ ዝቕፅል እንተድኣኮይኑ ድማ ከም ህዝቢ ክንወፅኦ ናብ ዘይንኽእል ከቢድ ቅልውላው ከምእንኣቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ።

ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕጊ ወይ ናይ ኣሰራርሕ ክፍተት እንተዝህሉ እውን ፖሊስን ሚልሻን ምስ ህዝቦም ኮይኖም ዝፈትሕዎን ዝእርምዎን እምበር ኣባላት ሰራዊት ነናብ ጣብያኡ እናዋፈርካ መሓውር መንግስቲ ኣብ ምፍራስ ክሳተፍ የብሉን፤ ኣይግባእን ድማ። ሰራዊት ትግራይ እውን ነዚ ብገለ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ናይ ስሕተት መንገዲ እናኣተወ ፀረ ህዝቡን መንግሰቱን ጠጠው ንዝብሉ ኣካላት ኣደብ ግበሩ ንክብሎም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒቱ የቕርብ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
ለካቲት 13 / 2017ዓ.ም
መቐለ
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Feb, 11:23


ጓልና ተውሓሱልና !!

እዛ ብኸታሮ ትቕጥቀጥ ዘላ ሓፍትና ኣዜብ ሹመየ ትበሃል። 
ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ቃፍታ ሁመራ ከተማ ዓዲ ሕርዲ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 17 ዓመት ንእስቲ እያ። 

ክሓልፈለይ ኢላ ምስ ክልተ መተዓበይታ ኣብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም ካብ ዓዲ ሕርዲ ብሑመራ ሱዳን ሊብያ ኣቢላ እንትትጓዓዝ ኣብ ኢድ ከታሮ ወዲቓ ። እቶም ከታሮ ምስኣ ንዝነበራ ክልተ ብነብሲ ወከፍ ሓሓደ ሚሊዮን ብር ኣኽፊሎም እንትሰድወን : ንሳን ዓቕሚ ስኢና ብር 250 ሽሕ ምስ ከፈለት 750 ሽሕ ተሪፉዋ ብኸታሮ ቀትርን ለይትን ኣብ መግረፍቲ ትርከብ።

ንእስቲ ኣዜብ ሽሙየ ወላዲኣ ብጡረታ : ወላዲታ ብመሸጣ ስዋ ዝመሓደሩ ኣረጋውያን ብምኻኖም ጓሎም ክትድሕነሎም ሓገዝ ለጋሳት ሓቲቶም ኣለው። 

ስለዝኾነ እውን ንንእስቲ ኣዜብ ሹሙየ ካብ ምንጋጋ ከታሮ ንምንጋፍ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንግድ ጨንፈር ቃፍታ ኣብ ዝተኸፈተ ሒሳብ ቁፅሪ 1000456940041 ክትሕግዙ ስድራ ብትሕትና ይሓቱ።

መብርሂ እትደልዩ በዚ ዝስዕብ ቁፅሪ ሞባይል ደውሉ 0938602801 

ሰድራ ንእስቲ ኣዜብ ሹሙየ !!
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Feb, 10:09


"ሕዚ ንዝብፅሕናሉ ተነፃፃሪ  ሰላምን ዝተረኽበ  ዕድልን  ንክንበፅሕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዝገበርክን ጀጋኑ ዝተወሰነ ስልጠና ረኺብክን ስራሕ ትጅምራሉ ኩነታት ምፍጣሩን ዘሕጉስ እዩ ።" 

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

"መኸተና ኣብ መፈፀምታኡ ክሳብ ዝበፅሕ ሕውየትና እውን ክቕፅል ይግባእ " 

ካቢኔ ሴክሬተርያት ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር 

ክልቲኦም ሓለፍቲ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር እዚ ዝበሉ ሎሚ ለካቲት 13/2017 ዓ.ም : ብUN WOMEN ብ28 ሚልየን ብር ውፃኢ 340 ጉቡኣን ዝፈፀማ ደቂ ኣንስትዮ ዋዕሮታት ተጋደልቲ ናይ ስነ ልቦና ሕውየትን ሞያ ስልጠናን ብምሃብ፣ ንመጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ፋይናንሳዊ ድጋፍ እንትግበረለን  ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እዩ። 

ደቂ ኣንስትዮ ዝገበርክንኦ ኣስተዋፅኦ ጥራሕ እንተይኮነስ ንቐፃሊ እውን ክትገብርኦ ትኽእላ ኣስተዋፅኦ ዓብይ ምዃኑ ዘርእይ  እዩ ፡ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩናት ውግእ ፣ መኸት ዝተርኣየ ጀግንነት ሕዚ እውን ኣብ ልምዓት ክቕፅል ከምዝግበኦ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም ፕሬዜዳንት ጌታቸው ኣብ መልእኽቶም።

መኸተና ኣብ መፈፀምታኡ ክሳብ ዝበፅሕ ሕውየትና እውን ክቕፅል ይግባእ ኢሎም "  ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር ብወገኖም : ተጋደልቲ ትግራይ መሊሳ እግር ንምትካል ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

ካንትሪ ዳይሬክተር  ዮኤን ውመን  (UN WOMEN)  ማዳም ሲሲሊ  ብወገነን ተመረቕቲ ዋዕሮታት መርእያ ተስፋታት ቤተሰብክን ማሕበረስብክን ስለዝኾንክንን ፅዕንቶን ለውጥን ናይ ምፍጣር ዓቕምኽን ዝለዓለ ስለዝኾነ  በቲ ዝሰልጠንክንኦ ጽቡቕ  ስራሕ ከምትወግና እተኣማመን ምባለን 10.4 ኤፍ ኤም መቐለ ፀብፂቡ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Feb, 09:02


"ኣብ ህዝቢ ጨፍጫፍ ክፍፀም ዝኣዘዙ መራሕቲ ኣርሚ፣ እቲ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ክፍለ ሰራዊት፣ ፖለቲካዊ ልእኽቶ ዝሃቡ መራሕቲ ህወሓትን ብሓፈሻ ኣብዚ ተግባር ኢድ ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ድማ ይግባእ። " ኢሎም ኪዳን ተጋሩ ንብሔራዊ ድሕነት  ለካቲት 13/2017 ኣ/ግ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Feb, 11:05


# ጥቆማ ! 
ርክብ ህዝብታትን ፓለቲከኛታትን ትግራይን ኣምሓራን ንምጥንኻርን ንምቅርራብን ዝዓለመ ዋዕላ ወከልቲ ህዝቢ ክሳለጥ እዩ።

እቲ ዋዕላ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ለካቲት 14_16/2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሳለጥ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ካብ እሙን ፍልፍል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ክልተኣዊ ዘተ ንህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ብማዕረ ቁፅሪ ዝወከሉ 40 ተሳተፍቲ ክርከቡ እዮም።

እቶም ተሳተፍቲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት : ዓበይቲ ዓዲ : ሙሁራንን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተወፃፅኡ እዮም።

እቲ ዝሳለጥ ክልተኣዊ ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን : ነቲ ህዝብታትን ፓለቲከኛታትን ትግራይን ዓፋርን ዝጀመርዎን ውፅኢት እናርአየን ዝርከብ ዘተ ኮላዒን ተስፋ ወሃብን ከምዝኸውን ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ካብ እሙን ፍልፍል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።


ካብ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ክሳብ ጥቅምቲ 23/2015 ዓ.ም ኣብ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝነበሩ ትግራይን ኣምሓራን : ንምፍራም ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ዝተመረፁ ጌታቸው ረዳ  ናብ ኣምሓራ ከተማ ባህር ዳር ብምኻድ ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ዝፈጠርዎ ርክብ  ፍረ ከርክብን ንቕድሚት ክስጉም ኣይከኣለን።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Feb, 09:29


ክታበት ፀረ-ሕማም ኣልምሲ ንትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ካብ ለካቲት 14-17 /2017 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ክወሃብ'ዩ ኢሉ ቢሮ ጥዕና ትግራይ። 
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Feb, 09:21


ልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ነብሲ ወከፍ ስድራ ትግራይ ኣባላት ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ትግራይ ክኾና ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ሓላፊ : ዛጊድ ካብ 87 ወረዳታት 17 ወረዳ ጥራሕ ኣሰታት 3 ሽሕ ኣባላት ምውህላለን ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

" ዓለም ዓርስኹም ከኣሉ ትብል ኣላ ዛጊድ እኳ ብሰንኪ ምቁራፅ ሓገዝ USAID ልዕሊ 10 ዓይነት ኣገልግሎታት ሕክምና ኣብ ትግራይ ደው ኢሎም " ዝብሉ ዶ/ር ኣማኒኤል : ሕዚ ከም ህዝቢ ብህፁፅ ነዚ መደብ ብምዕዋት ኣብ ህዝብን ዓድን ንምድሓን ንትጋህ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ'ቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ወከልቲ ኣብያተ ዕዮ መንግሰትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ትካላት ምግባረ ሰናይን ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና መሰረት ክሕዝ ከምዝሰርሓ ቃል ኣትየን ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Feb, 09:21


ኩለን ስድራን ቤተሰብን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ኣባላት ማሕበረሰብ ሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ክኾና ቢሮ ጥዕና ትግራይ ፀዊዑ።

እቲ ቢሮ ሎሚ ለካቲት 12/2017 ዓ.ም " ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ " ብዝብል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዘካየዶ ዘተ :  ብሰንኪ ዝነበረ ደማዊ ኪናት ዝዓነወ ኣገልግሎት ጥዕና ትግራይ ክንሳእርረ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፀንቂቕካ ምጥቃም የድሊ ኢሉ።

ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ብቐንዱ ነቲ ዝበዝሕ ኣብ ትሑት መነባቡሮ ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ ይረብሕ ዝበለ እቲ ቢሮ : ተጀሚሩ ብሰንኪ እቲ ደማዊ ውግእ ዝተቓረፀ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ናብ ተግባር ክኣቱ ንረባረበሉ ጊዙ ሕዚ እዩ ኢሉ ።   

ብሰንኪ እቲ ኪናት ተቓሪፁ ድሕሪ ምፅናሕ ብመጠኑ ተጀሚሩ ኣሎ : እንተኾነ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ እዩ። 

ሓላፊ ጥዕና ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ከምዝበልዎ  : ምጥንኻር መድሕን ጥዕና ማለት ብፍላይ ሎሚ ኣዝዩ ወሳንን ኣገዳስን እዩ : ምኽንያቱ ትግራይን ህዝባን ሎሚ ዝነበሮም ዝሰኣኑ ስለዝኾኑ ኢሎም።


ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና 2013 ዓ.ም ዝጀመረን ንኹሉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝሓቁፍን ምኻኑ ዝገለፁ ዶ/ር ኣማኒኤል : ኣብ ገጠራት ልዕሊ 56 ህዝቢ ኣብ መድሕን ጥዕና ተሓቒፉ ነይሩ : ደሓር ግን ብሰንኪ እቲ ደማዊ  ኪናት ሙሉእ ንሙሉእ ተቓሪፁ እዩ ኢሎም።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Feb, 08:32


ኣርባዕተ ውድባትን ዓለምለኸ ማሕበር ሰብ ሙያን ሙሁራንን ትግራይ (GSTS) " ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ ኣብ ዝተወረሩ ግዝኣታት ትግራይ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ሓሳብ ብትሪ ካብ ምቅዋም ክሳብ ካብ ኣላዛባይነቶም ክላዓሉ ሓቲተን።

ዋና ኣላዛቢ ውዕሊ ፕሪቶርያን ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ ፣ለካቲት 9/ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ግምጋም ውዕሊ ፕሪቶርያ ፤ ንዝተወረሩ ግዝኣታት ትግራይ  ኣመልኪተን ብትሪ ዝተቓወማ : ሳልሳይ ወያነን ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዝተወደባ 3 ውድባትን እየን።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Feb, 16:28


ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ንህዝቢ ትግራይ ስሩዕ ይቕረታ ሓቲቶም ካብ ሞንጎኝነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብፍቓዶም ክወርዱ GSTS ፀዊዑ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS) ፣  ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛረብዎ ዘሰንብድን ሓደገኛን ዘረባ ዓሚቝ ስክፍታኡ ብምግላፅ ብዘየማትእ መልክዕ ኮኒኑ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS) ፣ ኦባሳንጆ ዝሃቡዎ ሓላፍነት ዝጎደሎን ዘጎሃህርን መግለፂኦም ብቀጥታ ክስሕቡ፣ ኣራሚ መብርሂ ክህቡ፣ ንህዝቢ ትግራይ ስሩዕ ይቕረታ ክሓትቱን ካብ ሞንጎኝነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብፍቓዶም ክወርዱን ፀዊዑ።

ኦባሳንጆ ዘይሻራዊነቱ ከረጋግፁ ብዘይምኽኣሎምን ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምድኻም ብምፅዓሮምን ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣብዚ ጕዳይ ኵለ መዳያዊ ምርመራ ከካይድን ንኦባሳንጆ ብብቑዕ ፣ ዘይሻራዊን ዝተኸበረን ፣ መሰረታዊ መርሆታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝድግፍን ብዅሎም ወገናት ማዕረ ተቐባልነት ብዘለዎን ሰብ ምትካእ ሓዊሱ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን እቲ ማሕበር ተላቢዉ GSTS ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ። 
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Feb, 08:57


ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተማሊኡ ብዘይምትግባሩ ህዝቢ ኣብ ዘይዛሪ ስቓይ ይርከብ : ኣብ ሞንጎ ተላዘብቲ ፓለቲካዊ ዘተ ኣይተጀመረን : ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብሙሉእነት ኣይካየድን ዘሎ  ኢሉ ህወሓት።

ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)  ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ ለካቲት 11 ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ :  ሃገራዊ ሰላም ጋህዲ ክኸውን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተማሊኡ ይተግበር : ዝተሰረዘ ሕጋውነት ህወሓት ንከይምለስ ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ደው ይበል ብምባል ሓቲቶም። 

እቶም ኣቦ-መንበር ውድቦም ምስ ህዝብታት ዓፋር ኣምሓራ : ኦሮምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ምሕዝነትን ዝተመሰረተ ርክብ ክህልዎ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ኣላዘብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ክትግብር ዝጀመርዎ ፃዕርን ክትትልን ከሓይሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣቦ -መንበር  ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)። 

ኣብ'ቲ ኣብ ስታድዮም ትግራይ መቐለ ዝተሳለጠ በዓል ወከልቲ ስድራ ስውኣትን ዳያስፓራን መልእኽቲ ሕራነን እንኳዕ ኣብፀሐኩምን ምሕላፎም ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ። 
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Feb, 08:09


ህወሓት ዝተሓላለኹ ፈተናታት በዲሁ መበል 50 በዓል ወርቃዊ እዮቤልዩ ለካቲት 11 በዓሉ ንምኽባር ምብቅዑ ዘሐብን እዩ ኢለን ሓላፊት ፓለቲካዊ ጉዳያት እቲ ውድብ ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄር።

እተን ሓላፊት ፓለቲካዊት ጉዳያት ሎሚ ኣብ ስታድዮም ትግራይ በዓል ለካቲት 11/2017 ዓ.ም እንትበዓል ብስም ኣካቢት ኮሚቴ እቲ በዓል ኣብ ዘሕለፈኦ መልእኽቲ : እቲ በዓል ክኽበር ካብ ደቂቕ ክሳብ ፍሩይ ደገፍ ንዝሃቡ ምስጋና ኣቕሪበን።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

17 Feb, 20:51


ይኹን ምበር እንትርፊ ናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ባህጊ ናይ ህዝቢ ሰላምን ድሕንነትን ዘየግድሶ ጉጅለ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ሰላምን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ተበግሶ ብምብራዝን ብምሕማስን ኣብ ህዝብና ህወከትን ግጭትን ንምፍጣር ኮነ ኢሉ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ከም መንግስቲ ተረዲእና ኣለና ። ካብ'ዚ ብምብጋስ እቲ ሓቢርካ ለካቲት 11 ንምብዓል ተሓሲቡ ዝነበረ ምንቅስቓስ በቲ ጉጅለ ምኽንያት ስለዝተኾለፈ በብዝመስለና  ንክነብዕሎ ተገዲድና ኣለና ። ደድሕሪ ናይ'ቲ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ንዘይምስዓብን ህዝብና ናብ ግጭት ንዘይምእታውን ኢልና ከም መንግስቲ 10ን 11ን ለካቲት ዝነበሩና መደባት ክንስርዝ ወስንና  ኣለና ። ህዝብና እውን እቶም በብእዋኑ እናማዕበሉ ዝመፅኡ ናይ ዓመፅ ምንቅስቓሳት ብልቢ ክርድኦምን ክከታተሎምን ይግባእ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ'ዚ ናይ ለካቲት ምብዓል ምንቅስቓስ ህዝብና ዓርስኻን ከባቢኻን ብምሕላው ክትብዕሎ እናሓበርና በዚ ኣጋጣሚ ናይ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሉ ብሽም ርችት ምትኳስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝፈጥሮ ሓደጋ እንተልዩ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ጉጅለ ጥራሕ ምዃኑ ንህዝብና ነፍልጥ ኣለና። 

ኣብ መወዳእታ ብሄራዊ በዓልና ዝኾነ  ለካቲት 11 ካብ ዝተለምደ ዳንኬራን ጭፈራን ወፂኡ ንዝተመዛበሉ ወገናትና ፣ ኣካሎም ንዝተጎድኡ ጀጋኑ ተጋደልትናን ንስድራ ስውኣትናን ብምሕጋዝ  ንክነኽበሮ ፃውዒትና ነቕርብ።

ድምቀት ንለካቲት 1!!
ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!
ዝኽሪ  ለካቲት 11ንሓድነትን ሰላምን ትግራይ!
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
 ለካቲት 10 /2017ዓ.ም
         መቐለ
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

17 Feb, 20:51


ለካቲት 11 ሓቢርካ ንምብዓል ተሓሲቡ ዝነበረ ምንቅስቓስ ስለዝተኾለፈ በብዝመስለና  ንክነብዕሎ ተገዲድና ኣለና ኢሎም ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ። 

ለካቲት 10 ኣማስዩኡ ዝወፀ መግለፂ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሙሉእ ትሕዝቱኡ እነሆ። 

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ፣

ፈለማ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት ምጅማር ዳግማይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ በዓል ለካቲት 11 ብሰላም ኣብፀሐካ ኣብፅሓና ክብል እፎቱ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመፁ ግዱሳት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ዝኾኑ ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ ናይ ድርድርን ዕርቅን ተበግሶታት ተጀሚሮም ነይሮም እዮም ። በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተበግሶ ብውሑዱ ኣፈላላያትና ንጎኒ ኣፅኒሕና በዓል 11 ለካቲት በሓባር ንምኽባርን ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካን ብሓባር ንምስላጥን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ስለዝነበረ ብክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ኮሚቴታት ብሓባር ንክሰርሑ ኣንፈት ኣቐሚጥና ነይርና ኢና። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

17 Feb, 19:06


ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር ፌዴሪኢ እንኳዕ ንመበል 50 በዓል ዝኽሪ ለካቲት 11 /2017 ዓ.ም ኣብፀሐኩም ኢሉ። 
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

17 Feb, 17:28


መልእኽቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ስራሕ ፌዴሪኢ  ኣብራሃም በላይ (ዶ/ር) !!

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፥ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት በዓል ለካቲት 11 / 2017 ዓ.ም ኣብፀሐና !! 

ብሩኽ ቅንያት ለካቲት ክኾነልና እናተመነኹ ፤ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ኣብ መሰረታዊ ረብሓን ሉኣላዊነት ህዝብናን መሰረት ገይሩ ሓቢሩ ክሰርሕ ፥  ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምልኣት ብምፍፃም ሰላምና ውሑስ ክኾንን ሙሉእ ዓቅምና ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ህዝብና ክነድህብን ዘኽእሉ ስራሕቲ ጥራሕ ክንሰርሕ፣ እንተንኣሰ ብወገንና ሓገዝቲ እንበር ፥ ጎተትቲ ፣ መሐንከልቲ ከይንኾን በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ አቕርብ ::

ደጊመ ርሑስ በዓል ለካቲት 11 /2017 ዓ.ም ክኾነልና እምነ !!
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

17 Feb, 13:25


ድሕሪ ደማዊ ኪናት ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ሓድሽ ስሩዕ መለለይ መንነት ምውሃብ ከምዝተጀመረ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሊጡ።

ምዕዳል ሓዱሽ ስሩዕ መለለዪ መንነት ኣብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ክዕደል ተጀሚሩ ኣሎ። 
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

15 Feb, 16:14


ሚንስትር ወፃኢ ሃገረ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ እዋናዊ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም። 

ሚንስትር ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ንተነሓናሒኦም ነበር ቀዳማይ ሚንስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ከምኡ እውን ንማዳጋስካራዊ ሪቻርድ ራንድሪያ ማንድራቶን በሊፆም እዮም ተመሪፆም።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 17:01


8 ን 9 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝተፀወዐ ኣኼባ  ዘይሕጋውን ተሓታትነት ዘስዕብን ምኻኑ ቦርድ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣፍሊጡ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 16:54


መግለፅን ውሳነን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መበል 50 ዓመት በዓል ምስረትኡ ብድምቀት ካብ ምብዓል ደው ከምዘየብሎ ዝገለፀ ህወሓት : ህዝቢ ፅምብል ብሄራዊ በዓሉ ንምኽባር ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ህወሓት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ለካቲት 5/2017 ዓ.ም ንዝሃቦ መግለፅን ውሳነን ብምቅዋም ሎሚ ለካቲት 7/2017 ዓ.ም ኣብ ዝህቦ ምላሽ :  ውሳነ እቲ ቦርድ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ትርጉም አልቦ እዩ ክብል ኣቃሊሉዎ ።

ህወሓት ጥቅምቲ 23/2015 ዓ.ም ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝፈራረም ኣትሒዙ መሊሱ ሕጋውነቱ ኣረጋጊፁ ዝሓደረ እዩ ዝበለ ህወሓት : ነሓሰ 3/2016 ዓ.ም ከም ብሓዱሽ ዝምዝገበሉ ምኽንያት የለን ኢሉ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 14:36


ጉዳይ ክሲ ክልከላ ሒጃብ ተምሃሮ ከተማ ኣኽሱም ንምርኣይ ንሎሚ ለካቲት 7/2017 ዓ.ም ተታሒዙ ዝነበረ ቆፀሮ ንኻልእ ጊዜ ምቕያሩ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ እስልምና ትግራይ ኣፍሊጡ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 10:56


መራሕቲ ትግራይ   ፀገማቶም  ብሰላምን ብዘተን  ንምፍታሕ  ከምዝተስማዕምዑ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጦም።

እቶም  መራሕቲ ስምምዖም ንቅድሚት ከሰጉም ዘኽእል መምርሒ ስነ-ምግባር ወፂኡ ምፍርራሞም መዛተይቲ ኣቦታት ሃይማኖት ሎሚ ለካቲት 7/2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሆም ኣለው።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 10:51


ቤት ምኽሪ ካውንስል ናብ ጊዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ  ክልወጥ ብሓደ ተቓውሞ ብዝለዓለ ድምፂ  ተወሲኑ።


ጊዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ  ሎሚ ለካቲት 7/2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼብኡ :  ተፀዋዕነቱ " ንሕሊና ፣ሕግን ህዝብን" ኮይኑ፣ስያምኡ እውን "ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ" ዝብል ክኸውን ዝቐረበ መመሓየሺ ሓሳብ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 ዓ/ም ብኣብዘሓ ድምዲ ኣፅዲቑ።

ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼባ ኣማኻሪ ካውንስል ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ምምሕያሽ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 ዓ/ም ዝተመሓየሹ ሓሳባት ቐሪቦም ኣባላት እውን ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ምስሃብሉ ብኣባላት 53 ድጋፍ፣ ብ 1 ተቋውሞን 2 ድምፀ ተዓቅቦን እዩ ፀዲቁ ።

ኣብ'ቲ  መመሓየሺ፣ተፀዋዕነት እቲ ቤት ምኽሪ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝብል ፣ ንሕሊና ፣ሕግን ህዝብን ዝኾነ እንትኸውን፤ስያመ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር እውን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝብል መመሓየሺ ሓሳብ ፀዲቑ ኣሎ።

እቲ መመሓየሺ ሓሳብ ብተወሳኺ ዘይተወከሉ ድምፅታት ንምስታፍ በዝሕን ተዋጽኦን ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ካብ 105 ናብ 152 ሓፍ ክብ ፣ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል፣ንፈፃሚ ስራሕ ክትትል፣ቁፅፅርን ውሳነን ከሕልፍ ዝኽእል ክኸውን፣ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝቆፃፀርን ዝከታተልን ኮሚቴ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሓዊሱ 7 ቀወምቲ ኮሚቴታት ክህልውዎ፤ ዕድሚኡ እውን ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኸውንን መመሓየሺ ቀሪቡ እዩ ፀዲቑ ዘሎ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 08:26


ቅድሚ ኪናት ኣብ ትግራይ ዝተውሃበ ብር 32 ቢሊዮን ልቓሕ : ዛጊድ ምስ ወለዱ ናብ ብር 86: ቢሊዮን ሓፍ ምባሉ ዝገለፁ እቶም ተዛተይቲ : ሕቶኦም እንተዘይተመሊሱ ቃልሶም ልዕሊ ካልእ ጊዜ ኣጠንኪሮም ከምዝቕፅሉ ወሲኖም።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Feb, 08:26


ንልዕሊ 2 ዓመት መልሲ ዝሰኣነ ሕቶ ነጋዳይ ትግራይ ብህፁፅ ክምለስ ንሓትት ኢሉ ቦርድ ዝመርሖ ትካል ኣብነት።

እቲ ቦርድ ሎሚ ለካቲት 7/2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ዘተ ከምዝበሎ : ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ቅድሚ ኪናት ዝወሰዶ ልቓሕ ምስ ወለዱ ክስረዝ ዘቕረቦ ሕቶ ዛጊድ ምላሽ ከይረኸበ ተጋዲዱ ቀፂሉ ኣሎ።

ማሕበረሰብ ንግዲ ስለዘይጠንከረ : ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተገዲሱ ሕቶታት ክምለስ ስለዘይሰርሐ :ውድባት ፓለቲካ ትግራይ ተወዲቦም ብዘይምንቅስቓሶም : ክልል ለኸ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ብዘይምስርሖም : መንግስቲ ፌደራል ቃሉ ብዘይምኽባሩን ዛጊድ ንብዓት ነጋዳይ ትግራይ ኣይተሓበሰን። 

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ደቡብን ማእኸላይን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዕዳ ሰሪዙ : ናይ ዓበይቲ ትካላት ልምዓት ልዕሊ ሓደ ትሪሊዮን ዝኸውን ብኣዋጅን ውሳነን ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ሰሪዙ ከብቅዕ ኣብ ትግራይ ንምንታይ ደውታ ፈጢሮም ? ኢሎም ሓቲቶም ተዛተይቲ ነጋዶ።

ቁጠባ ትግራይ ምሕዋይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምሕዋይ ስለዝኾነ ዋና ዕዳን ወለድን ይሰረዘልና ኢልና ንሓትት ኣለና ዝበሉ እቶም ነጋዶ :  ሕቶ ነጋዳይ ትግራይ ብፒቲሽን ፊርማ ኣደጊፍና  ንቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ሓዊሱ ንኹሎም ዝምልከቶም ሚንስቴር መስራ ቤታት ኣቕሪብና : ሓይሊ ዕማም ኣጣይሽና ተንቀሳቒስና  ወይከ ምላሽ ኢሎም። 

 ቅድሚ ኪናት ዝተወሰደ ዋና ዕዳን ወለድን ተሰሪዙ ናብ ስራሕ ክንዲ ንኣቱ ወለድን ወለድን ናይ ወለድ ወለድን እናተቖለለ ልቓሕ ተኸሊእና ናብ ከቢድ ሕልናዊ ማህሰይቲ ኣቲና ንርከብ ኢሎም ነጋዶ ትግራይ። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

13 Feb, 14:03


ህወሓት  ብጊዚያውነት ካብ ዝኾነ ይኹን ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ምእጋዱ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ለካቲት 5/2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ  ውድብ ህወሓት ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣጊደያ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ቦርድ ወሲኹ ከምዝበሎ ወድብ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናይ እግድ ጊዜ ኣራሚ ስጉምቲ እንተዘይወሲዳ ካብ ምዝገባ ፓለቲካዊ ፓርቲታት ክሳብ ክትስረዝ ወሲኑ ኣሎ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

13 Feb, 12:13


ቅድሚ ኪናት ኣብ ትግራይ ዝተውሃበ ብር 32 ቢሊዮን ልቓሕ : ዛጊድ ምስ ወለዱ ናብ ብር 80 ቢሊዮን ሓፍ ምባሉ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣፍሊጡ።
  @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

04 Feb, 13:27


ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተቐማጢ ገንዘቡ ልዕሊ 1.4 ትሪሊዮን ብር ምብፅሑ ኣፍሊጡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

04 Feb, 08:31


ኣብ ትግራይ ብ13 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዶላር ቐረብ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ትግራይ ብ13 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዶላር ቐረብ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት ብሓገዝ ባንኪ ልምዓት ጀርመንን መተሓባበራይነት ዩኒሴፍን ቢሮ ማይ ሃፍቲን ኢነርጂን ትግራይ ዝስራሕ እዩ።

እቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ዝስራሕ ፕሮጀክት ማይ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝውዳእ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/ሄር ሎሚ 27 ጥሪ /2017 ዓ.ም ንቴሌቪዥን ትግራይ ገሊፆም።

ከተማታት መኾኒ፣ ውቕሮን ሽረን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተጠቀምቲ ከምዝኾና ሓቢሮም።

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወከልቲ ዩኒሴፍን ባንኪ ልምዓት ጀርመንን ዘትዮም።

ብኲናት ዝዓነወ ቐረብ መስተ ማይ ትግራይ ንምምሕያሽ ዝገበርዎ ተበግሶ ንኢዶም።

እቲ ፕሮጀክት ትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎን እዙይ ብፅሬትን ፅፈትን ክስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓገዝ ከምዝገብርን ገሊፆም።

ባንኪ ልምዓት ጀርመንን ዩኒሴፍን ግልጋሎት ማይ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብፃሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ባንኪ ልምዓት ጀርመን ኣብ ብ35.5 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ቐረብ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 23:11


ልዕሊ መንግስቲ :  ፕሬዜዳንት ካቢኔን ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ ቁጥዐ ህዝቢ ብፍላይ ቁጥዐ መናእሰይ ሰሚዑ ዘቐመጦም ዕጡቓት ከልዕል ኣለዎ : በስሩ እውን ልዕሊ ልዕሊ ስሩዕ ፓሊስን ኣድማ ብተናን ዘይኮነን ጉዳይ ዕጡቕ ሓይሊ ምቕማጥ ሕዚ እውን ንፅባሕ ዘውቅስ ጌጋ እዩ ዝፍፀም ዘሎ  ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም ከንቲባ ብርሃነ ገ/የሱስ።


ኣብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማ ካብ ዝርከባ  33 ጣብያታት መቐለ  ዝተወፃፅአ ብኣሻሓት ዝቑፀር መንእሰይ  ከንቲብኡ ስራሕ ክጅምር ህዝቢ ግቡእ መንግስታዊ አገልግሎት ክረክብ : ውሳነን ትእዛዝን  ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኽበሩ ክልተ ጊዜ ብሰላማዊ መንገዲ ፀዊዑ እዩ : ክሳብ ውሳነኡ ዝኽበር ድማ  ብማዕበል ናብ ኣደባባይ ወፅዩ ብሰላማዊ መንገዲ  ክሳብ መወዳእታ ድምፁ ከስምዕ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም ከንቲባ ብርሃነ ገ/የሱስ። 


"ኣብ'ዚ ሕዚ ሰዓት ንመንእሰይ ትግራይ ብኣፈ-ሙዝ ጠበንጃ ክተፈራርሕ ምፍታን ትርፉ ኪሳራን ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ዘስዕብን እዩ : " ዝበሉ ከንቲባ ብርሃነ "  ኣነ ብሚድያ ወፅየ ንነባሪ ህዝቢ መቐለ ብፍላይ ድማ ንመናእሰይ ተቓወሞኹም ኣስምዑ ናይ ምባል ዴሞክራሲያዊ መሰል ኣለኒ እዩ : እንተኾነ ግን ካሊእ ማዕበል  ተላዒሉ ጎንፂ ከይፍጠር ካብ ዘለኒ ሰናይ ድሌት እየ ዘይገበርኩዎ : ስለዝኾነ ልዕሊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ሰላሕታዊ ወታደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ኣዊጁዎ ዘሎ ሓይሊ ካብ ተግባሩ ክቑጠብ  እፅውዕ " ኢሎም።


" ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ የድልዮ እዩ ንናይ ባዕልኻ ውልቃዊ ሸውሃት መጠበሪ ክበሃል ኢልካ መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ዘይምቕባልን መንግስቲ ንምፍራስ ምንቅስቓስ ደው ክብል ኣለዎ " ዝበሉ ከንቲባ ብርሃነ :  ህዝቢ ካብ ዝኾነ ፕላኔት መፅዩ ሓራ ዘውፅኦ ክፅበ የብሉን : ፈለማ ባዕሉ ንባዕሉ ሓራ የውፅእ " ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ፀገም ካብ ዘውፅእዋ ሓዲኡ መንግስቲ ክህልዋ እንተሎ እዩ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ  ይሃልዎ :
መንግስቲ ንከይህሉ ዝዕንቅፍ ኣካል ህዝቢ ኣደብ ከትሕዞ ኣለዎ : ናይ መንግስቲ ውሳነ ከይተሸራረፈ ይተግበር : እዙይ ክኸውን ተጋሩ ሰብ ሃብቲ ተጋሩ ሙሁራን መናእሰይን ሕግዙ "  ኢሎም  እቶም ከንቲባ።

" መዓዝ ኢኹም ናብ ቢሮኹም ትኣተው ? " ዝብል ሕቶ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ ዝቐረበሎም ከንቲባ ብርሃነ ገ/የሱስ "መዓዝ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን " ክብሉ መሊሶም።

ክልተ ከንቲባ ዝተመደቡላ ማእኸል ፓለቲካን ኢኮኖሚን ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ኣልቦ ከንቲባ ካብ ትኸውን 64 መዓልታት ተቖፂሮም ክብል ላዛ ትግርኛ መደብ ትሕቲ ሰማይ ትግራይ ጠቒሱ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 23:11


ኣብ ትግራይ ልዕሊ ፕሬዜዳንትን ልዕሊ ካቢኔን ዝኾነ ንትእዛዝ ፕሬዜዳንትን ካቢኔን ዘይእዘዝ ዝኾነ ሓይሊ ተፈጢሩ ኣሎ ኢሎም ከንቲባ ብርሃነ ገ/የሱስ። 

ከንቲባ ከተማ መቐለ ብርሃነ ገ/የሱስ ዋላኳ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ዛጊድ መፈንቅለ መንግስት ተኻይዱ ኢሉ ብዕሊ ኣይኣውጅ : በተግባር ግን መቐለ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ በስሙ ክፅዋዕ ዝግበኦ ወታደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ኣሎ ክብሉ ወሲኾም።


ጥር 26/2017 ዓ.ም ኣብ ላዛ ትግርኛ መደብ ትሕቲ ሰማይ ትግራይ ዓሚዩቕ ቃለ-መጠይቕ ዝሃብኩ ከንቲባ ብርሃነ : ካብ ሕዳር  1 / 2017  ዓ.ም ሕጋዊ ከንቲባ ኮይነ ተመዲበ ከብቅዕ ንዙርያ ምምሕዳር መቐለ በዝሕልው ዕጡቓት ሰራዊት ናብ ቢሮይ ከይኣቱ ተኸልኪለ : ህዝቢ መቐለ ኣገልግሎት ከይረክብ ዝዕንቅፍ ዘሎ ወታደራዊ ሓይሊ ፅባሕ ብተግባሩ ክሓፍር እዩ ኢሎም።


ቅድሚ 8 ወርሒ ንሰሜናዊ ምዕራብ : ቅድሚ    4 ወርሒ ንዞባ ማእኸል  ከመሓድሩ በጊዚያዊ ምምሕዳር ዝተሾሙ ዛጊድ ናብ ቢሮ ኣይኣተውን : ኣነ እውን ናብ ቢሮ ከይኣቱ ካብ ዝኽልከል  ክልተ ወርሒ ሓሊፉኒ : ትእዛዝ መንግስቲ ምጥሓስ ልክዕ ኣይኮነን ዋጋ የኽፍል እዩ ክብሉ ኣብሪሆም ኣይተ ብርሃነ። 

ካቢኔ ክልተ ሰለስተ ጊዜ ወሲኑ : ፕሬዜዳንት 3 ጊዜ ደብዳቤ ፅሒፉ ነዚ ጠጠው ዘበለ ሓይሊ ልዕሊ መንግስቲ ልዕሊ ፕሬዜዳንት ልዕሊ ካቢኔ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ :  መንግስቲ መንግስቲ ዘብሎ ዝወሰኖም ውሳነታት ንትግበሩ እንተለው እዩ : መንግስቲ ህዝቢ ዝኣምኖ ስኒ እንትህልዎ ዝበሉ ከንቲባ ብርሃነ ጊዚያዊ ምምሕዳር ውሳነን ትእዛዛቱን እንትጥሓሱ ስቕታ ምምራፁ ነቒፎም።

  

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 15:49


" ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ትግራይ : ቅርሕንትን ኪናትን የብቅዕ !"

ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ

ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ዐበይ አሕመድ (ዶ/ር) ንህዝብን ልሂቃንን ትግራይ ለበዋን መልእኽትን አሕሊፎም ኣለው።

ኣብ'ቲ ጥሪ 26/2017 ዓ.ም ዘሕለፍዎ ለበዋን መልእኽትን : ጥንታዊ ታሪክ ትግራይን ህዝባን : ኣብ ዝሓለፉ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ትግራይን ማእኸላይ መንግስትን ናብ ጎንፅን ምአታዎም ኣውሲኦም " ዝሓለፈ ይኣክል ደጊም ኣብ ዘተን እሂን ምሂንን ነተኩር " ኢሎም ኣለው።

ሙሉእ መልእኽቲ  ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ዐበይ አሕመድ (ዶ/ር)  እነሆ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 13:22


ወፍሪ መጥባሕቲ ሕክምና ልዕሊ ክሳድ !!

ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ካብ ኣሜሪካ ብዝመፁ ሓኻይም  ልዕሊ ክሳድ ሕበጣት ገፅ፣ ጉንዲ እዝንን ክሳድን ኣብ ህፃናትን ዓበይት : ፀገማት ሸምበቆ ኣየር ከምኡ'ውን ሕበጣት ውሽጢ ኣፍን ጎረሮን ኣብ ህፃናትን ዓበይትን ካብ 4_21 ለካቲት/2017 ዓ.ም ብናፃ ከምዝህብ ብምፍላጥ ወገናት ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ክኾኑ ፀዊዑ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 13:17


ሓሰኻ በለስ ኮችኔል ፣ ካብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ሓሊፉ ናብ ዞባ ምብራቕ ሰፊሑ ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ስግኣትን ሻቕሎትን ከምዝፈጠረሎም ሓረስቶት ጣብያታት ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም  ።

እቶም ሓረስቶት ሓሰኻ በለስ ኮችኔል ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያታት ምጉላት ፣ ሓድነት፣ ኣዘባ ፣ ፃዕዳት ሓምሎ ፣ ደብረ ኣባይ ፣ ጓሕጎት፣ ባሕራ ስሔታ ፣ መርጋሕያ ፣ ሳሱን ፣ ድብላ ስዔት ፣ ጎልዓ ገናሕቲ ኣትዩ ቀለብ ሰብን እንስሳን ኣብ ዝኾነ በለስ  ሓደጋ የብፅሕ ኣሎ ኢሎም ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 13:01


ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕናን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ዘህነፆ ፋብሪካ መፍረዪ ኦክስጂን ኣግልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ፋብሪካ ዕግበት ተገልገልቲ እቲ ሆሰፒታል ካብ ምምላእ ሓሊፉ : ኣብ'ቲ ኸባቢ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ጠለባት ንምምላእ ልዑል ሓገዝ ከምዝገብር ላዕለዎት ሓለፍቲ ገሊፆም ክብል ድወት ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 12:52


104.4 ኡፍ ኡም መቐለ " ተፀዋዕነቱ ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ እዩ : ኣይኮነን ተፀዋዕነቱ ንምምሕዳር ከተማ መቐለ እባ " ዝብል ኣካታዒ ኾይኑ ቀፂሉ።

ኣይተ ዘመንፈስ ቅዱስ ፍስሃ " ኣነ እየ ኣካያዲ ስራሕ 104.4 ኡፍ ኡም መቐለ " እንትብሉ : ነባራት ኣመራርሓ እቲ ሬድዮ " የለን ሕጋዊ ኣይኮምኩምን ኣይንፈልጠኩምን " ኢሎምዎም ኣለው።

ጉዳይ ሹመት ኣካያዲ ስራሕ 104.4 ኤፍ ኡም መቐለ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምምፃእ ሓዱሽ ከንቲባ ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር) ክሳብ እዛ ዕለትን ሰዓትብ እዚኣ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Feb, 11:30


ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእ ፓለቲካ ትግራይ ካብ ጥሪ 14 /2017 ዓ.ም  ናብዚ ጥራሕ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ብር ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክ መቐለ ምውፅኡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ስሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝቢ ዘይጥቀመሉ ገንዘብ በብዝሒ ካብ ባንኪ ብምፅፃእ ኣደዳ ለይቡን ብኽነት ከይኾን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ምዒዶም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Feb, 10:21


# ዝማዕበለ !!

ብኣካብን ምክትል ኣካብን ሞጎስ ታፈረን ዶ/ር ደጀን መዝገበን ዝተመርሐ ፈላሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ብፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበሉ ትልሚ ቀፀልቲ ሸዲሽተ ኣዋርሕ ኣፅዲቑ።

እቲ ካውንስል ብፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ዝቐረበሉ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብ8 ድምፀ ተኣቅቦ ብዘይተቓውሞ ብልዑል ድጋፍ ኣፅዲቑዎ።

እቲ ኣማኻሪ ካውንሰል ኣብ ዛዛሚ ዋዕልኡ ኣብ ፈላሚ ዋዕላ ንዘይተረኸቡ ወድብ ሳልሳይ ወያነ : ሓይልታት ትግራይን ዳያስፓራ ትግራይን ኣብ ቀፃሊ ክርከቡ ብሙሉእ ድምፂ ፃውዒት ኣቕሪቡሎም ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Feb, 07:32


ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ዕድሚኡ ዕድመ ጊዚያዊ ምምሕዳር እዩ እዙይ ፈሊጡ  ድማ ፓለቲካዊ ምህዳር ትግራይ ብዙህነት ሓሳብ ዘተኣንግድን ምችውን ክኸውን ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ  ኢሎም ፕሬዜዳንት ጌታቸው። 

እዚ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል መደባት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ክሳብ ታሕቲ ክወርዱ ሓጋዛይ ተርኡን ክፃወትን : ተሰማዕነትን ተደራዳራይነት ሓፍ ምባል ዘኽእል ዓቕምታት ትግራይ ክእከብ ኣተኪሩ ክንቀሳቐስን ፕሬዜዳንት ጌታቸው ተላብዮም።


ኣካብን ምክትል ኣካብን ቤት ምኽሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ሞጎስ ታፈረ ኣካቢ : ዶ/ር ደጀን በርሀን ቃለ ማሕላ ብምፍፃም ስሩዕ ስርሖም ጀሚሮም።

ሎሚ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል በኣቦ-መንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት : ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ን ካልኦትን ተቓዊሞምዎ እዮም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Feb, 07:31


ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከዛትን ከከራኽርን ዝፀንሐ ቤት ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕሊ ተመስሪቱ።

ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ንኣይተ ሞጎስ ታፈረ ኣካቢ : ንኣቦ-መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ዶ/ር ደጀን በርሀ ምክትል ኣካቢ ገይሩ መሪፁ። 

ኣማኻሪ ካውንስል ንስምምዕነት ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብጊዚያውነት ክትክእ ኣብ ምስረታ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥሪ 2015 ዓ.ም ዝተልዓለ ሓሳብ እዩ።

ምምስራት ኣማኻሪ ካውንስል በድጋፍን ተቓውሞን ንኣስታት ክልተ ዓመታት ከሕቆን ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ጥሪ 25/2017 ዓ.ም ተመስሪቱን መራሕቱ መሪፁን ኣሎ።

ኣብ ምስረታ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ : እዚ ብሄረሰብ ኢሮብን ኩናማን ዝተወከልሉ ቤት ኣማኻሪ ዋላ እኳ ንምምስራቱ ዝዘንገዐ እንተኾነ ሓቃፋይ : ኣሳታፋይ : ብዙሃነት ሓሳባ  ዝተኣናገድሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።


ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝተነፀሩ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዝሕሸን ዝተኣማምን ንምምላስ ክሕግዝ ዓሊሙ ምጥያሹ ዝሓበሩ ፕሬዜዳንት ጌታቸው :  ዝሓለፉ ኣፈላላያት ንጊዜ ሂብና  ኣብ ናይ ፅባሕ  መፃኢና ምምሕያሽ ብሓባር ንቃለስ ኢሎም።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Feb, 19:50


ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ሓይልታቱ ክኣቱ ኣይሓተተን ኢሎም ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ።

ጋዜጣ ሪፖርተር ጥሪ 24 /2017 ዓ.ም ኣብ ድሕረ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ " ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ከእቱ ሓቲቱ " ምባሉ ስዒቡ ፕሬዚደንት ጌታቸው ኣማስዩኡ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድየኦም ከምዝበልዎ " መንግስቲ ፌደራል ሓይልታቱ ክኣቱ ኣይፀዋዕናን " ኢሎም።

"ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወታደራዊ ኢድ ኣእታውነት ፌደራል መንግስቲ ሓቲቱ " ዝብል ብምስልን ፅሑፍ ቋንቋ እንግሊዝኛን ጋዜጣ ሪፓርር ተሰንዩ ብስፍሓት ኣብ ገፃት ማሕበራዊ ሚድያ ይዘዋወር ምህላው ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ተዓዚቡ እዩ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Feb, 19:35


ሰንበት ጥሪ 25 / 2017 ዓ.ም ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት እዩ።

ኣብ'ቲ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝሳለጥ ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ሚድያታት ክርከቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓዲሙ ኣሎ።

ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ነቲ ምስረታ ኣማኻሪ  ካውንስል ዝምልከት ሓበሬታ ከቕርብ እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Feb, 17:09


# ዝማዕበለ !! 
ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ :  በዓል ሓደራ ቦርድን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኣፍልጦ ዝነፈግዎ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ትእምት ተዛዚሙ ተባሂሉ።

ጋዜጠኛ ዛራ ሚድያ ስታሊን ገ/ስላሴ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድዩኡ ከምዝበሎ :  ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ትእምት መበል 17 ሰሩዕ ጉባኤ ንዝካየደሉ እዋን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ ኣሎ ፡፡

እቲ ህፁፅ ጉባኤ ኣብ ህልው ኩነታት ትእምት፣ መበል 17 ስሩዕ ጉባኤ ቤትምኽሪ ትእምት ዝካየደሉ እዋንን ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ዝቐርቡ ኣጀንዳታትን ዘትዩ ብምሉእ ምርድዳእ ጉባኤኡ ዛዚሙ ኣሎ ኢሉ ጋዜጠኛ ስታሊን ፡፡

ብመሰረት እዚ መበል 17 ስሩዕ ጉባኤ ትእምት ካብ 8 ክሳብ 9 ለካቲት ክካየድ ብምውሳን ኣብቲ ሰሩዕ ጉባኤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሕሉፍ ዓመታት፣ ትልሚ 2017 ዓ/ም፣ ምምሕያሽ ሕገ ደንቢ ትእምት፣ ፀብፃብ ኦዲት፣ ገምጋም ስራሕ በዓል ሓደራ ቦርድን ዳህሳስ ዕንወት ትካላት ትእምትን ክቐርብ ከም ኣጀንዳታት ክተሓዙ ወሲኑ ኣሎ ክብል ወሲኹ እቲ ጋዜጠኛ ፡፡

ኣብ ዛዛሚ እቲ ህፁፅ ጉባኤ  ንመበል 17 ስሩዕ ጉባኤ ትእምት ዝመርሕ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ተሰይሙ ኢሉ ጋዜጠኛ ዛራ ሚድያ ስታሊን ገ/ስላሴ፡፡
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Feb, 15:35


ኣብ ሞንጎ በዓል ሓደራ ቦርድን ኣባላት ቤት ምኽርን ኣካታዒ ኮይኑ ዝቐነየ ምክያድ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ሎሚ ጥሪ 24/2017 ዓ.ም ምክያድ ጀሚሩ ተባሂሉ።


ኣብ'ቲ ይካየድ ኣሎ ዝተብሃለ ህፁፅ ጉባኤ ትእምት ዋና ፈፃሚ ስራሕ በየነ መክሩን ኣቦ-መንበር በዓል ሓደራ ቦርድ ቴድሮስ ሓጎስን ካልኦትን ኣይተረኸቡን።


እቲ ብሽዱሽተ ማሕበራት ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኣቦ-መንበር በዓል ሓደራ ቦርድን ትእምትን ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን ከምዝተቓወሙዎ ይዝከር።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Feb, 08:09


ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 3 ነጥቢ 52 ቢልዮን ቅርሺ ኣብ 14 ወረዳታት ትግራይ ኣብ 266 ኣብያተ ትምህርትን 84 ትካላት ጥዕናን 844 ትካላት ማይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ከምዝትግበር ቤት ፅሕፈት ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣፍሊጡ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 19:00


ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ብሽም ከንቲባ ከተማ መቐለ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ከይፍፅሙ ንረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)  ኣጠንቂቖም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መንግስታዊ መሓዉራት ብረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)  ንዝዉሰን ዝኾነ ይኹን ዉሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑን ተረዲኦም ተፈፃምነት ከይህልዎ ንኽገብሩ ኣዚዞም ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ጥሪ 15/2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 16:24


ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይህዱእ ፓለቲካ ምስ  ካልኦት ሓሙሽተ ማሕበራት ብምዃን ጉባኤ ትእምት ንጥሪ 24/2017 ዓ.ም ክብል ዘሕለፎ ፃውዒት ምስራዙ ኣፍሊጡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 11:54


ኣብ ዓንቀፅ 6 ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያት ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላት ኣመልኪቱ ዝተቐመጠ :  ኣፈ ጉባኤን ምክትል ኣፈ ጉባኤን ኣብያተ ምኽሪ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኸታቲሎም ክፍፅሙን ክፍፀሙ ናይ ምግባር ግቡእን ሓላፍነትን ኣለዎም ክብል ወሲኹ።

ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ እምነት ኣብ ዝሰኣነሎም ዋና ኣማሓዳሪ ፣ ምክትል ኣማሓዳሪ ፣ ከንቲባ ፣ ምክትል ከንቲባን ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ከም ከከም ኣግባብነቱ ንርእሰ ምምሕዳር ውሳነ ሓሳብ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ዝበለ እቲ ዝተመሓየሸ ደንቢ : ነዚ ዝተመሓሸ ደንቢ ዝፃባአ ሕግን ልማዳዊ ኣሰራርሓን ዋኒንንተፈፃምነት ከምዘይብሉ ኣብ ዓንቀፅ 11 ተፈፃምነት ዘይብሎም ሕግታ ብምባል ነፂሩዎ ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 11:54


ብካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያተ ምኽሪን ፈፀምቲ ኣካላትን ንምቅፃል ፣ ንምምሕያሽን ንምጥንካርን ዝወፀ ደንቢ 21/2017 ዓ/ም ተግባራዊ ምኻን ጀሚሩ።

ኣብ'ቲ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ጥሪ 22 /2027 ዓ.ም ብዝፀሓፍዎ መሰነይታ ተግባራዊ ክኸውን ዝተኣዘዘን 13 ዓንቀፃት ዘለውዎ  በዓል 14 ገፅ ደንቢ 21/2017 ዓ/ም ኣብያተ ምኽሪ ክሳብ ቀፃሊ መረፃ ኣካል ጊዚያዊ ምምሕዳር ክኾና ደንጊጉ ኣሎ።

ጊዚኦም ወዲኦም ሕጋዊ ስልጣኖም ዘብቅዑ ኮይኖም ኣብ ስራሕ ዘለው ኣብያተ ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላትን ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ክሳብ ቀፃሊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ስራሕቲ ስግግር እንዳሰርሑ ክፀንቩ ኣብ ዓንቀፅ 5 ደንጊጉ ኣሎ እቲ ደንቢ።

ስልጣንን ሓላፍነትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽባርን ክኽበሩ ምግባር፣ ዘውፅእዎ ፣ ዝትግብርዎን ትልሚ ምስ ትልምን ተግባርን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጠዓዓም ምግባር፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህንፀትን ቀፃሊ መረፃ ንምክያድ ዘውፅኦም ፕሮግራማት ፣ መምርሕታት፣ ውሳነታትን ትእዛዛትን  ተቐቢሎም ሙሉአ ብሙሉአ ምፍፃም ፣ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝግበሩ ምትዕርያታት ኣመራርሓ ተቐቢሎም ኣብ ተግባር ክውዕል ይሰርሑ ኢሉ ኣሎ ኣብ'ቲ ደንቢ ኣብ ዓንቀፅ 6 ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያት ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላት ኣነፂሩ እንተቐምጥ። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 05:55


ሰራዊት ንናይ ሓደ ፓለቲካዊ ጉጅለ ረብሓ ክውዕል ምፍታን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ።

እቲ ማሕበር ብላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ዝወፀ መግፅን ውሳነ ዝነፅግ መግለፂ ኣውፂኡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 05:53


ምግባረ-ሰናይ ትእምት. ንመሐከሚ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝዉዕል 90 ሚልዮን ቅርሺ ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣረኪቡ።

ነቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ብቼክ ሓላፊ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣይተ ናስር መምሑርን ዘረከቡ ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ቴዎድሮስ ሓጎስን እቲ ሓገዝ ቀፃሊ ምኻኑ ተዛሪቦም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Jan, 05:36


ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ  ኣብ ካልኣይ ዙር ሓገዝ ንወረዳታትን ቢሮታትን ንስራሕቲ ሕርሻን ካልእን ዘገልግላ 19 መካይንን 121 ሞተር ሳይክላትን ጥሪ 22 /2017 ዓ.ም ኣረኪቡ።

ኣብ ቅድም ክብል እውን እውን 36 መካይን ሂቡ ምንባሩ እቲ ቢሮ ኣዘኻኺሩ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Jan, 12:10


ወድባት  ውናት : ባይቶናን ዓረናን ሳወትን ንውሳኔ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ተቓዊመን።

እተን ውድባት ጥሪ 16/2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ : ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣቢሉ ዝወጸ: ህልው ኩነታት ትግራይ ዘየገናዘበን ናብ ሓደጋ ዘምርሕን ብምዃኑ: መላእ ህዝብን ኣብ በቢብርኩ ዘሎ ኣባል ሰራዊትን ብትሪ ክኹንኖ ከምዝግባእ ብዕሊ ፀዊዐን።


ውድብ ሳወት ብወገኑ ወታደራዊ መንግስቲ ፈፂሙ ከምዘይቕበል  ብሓይሊ ይኹን ብሰራዊት ተሓዚሉ ናብ ስልጣን ንዝድይብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነስ ከም ዕጡቕ ሓይሊ ከምዝሪኦ ኣፍሊጡ ኣሎ።


ብተመሳሳሊ ዞባታት ምብራቕ : ደቡብ ምብራቕን ደቡብን እውን ንውሳኔ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት  ዝቃወም መግለፂ ዕላዊ ጌረን ኣለዋ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Jan, 08:55


ኩለ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ዝበፅሓ ትግራይ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ  ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዑዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተመላኺቱ።

እዚ ዝተገለጸ "ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ግደ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ኲናት ንሕውየትን ዘላቒ ልምዓትን ትግራይ" ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።

ኣብዚ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ እቲ ዋዕላ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ዝበፅሓ ትግራይ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ ልምዓት፣ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ዝህልዎ ግደ ዝዝተየሉ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ቴክኖሎጂ ንትግራይ ናይ ገይጺ ጉዳይ ኣይኮነን ዝበሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ህዝቢ ተግባራዊ መፍትሒ እዩ ካባና ዝጽበ ፣ ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቂ ልምዓትን ዳግመ ህንጸትን ትግራይ ዝውዕሉ መንገዲ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ድሕረ ኲናት ትግራይ ዘይትካእ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽን፣ሳይነስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶክተር ከላሊ ኣድሃና፤ ቴክኖሎጂ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ኣብ ምህናጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነበረ ብዝበለፀ ንምህናጽ እውን ዑዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ግደ ቴክኖሎጂን ምህዞን እናመኸረ ዝቕጽል ዓለምለኻዊ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ዝመጹ ተሳተፍቲ ከምዝተረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Jan, 08:51


"ሕሰም ኪናትን : መቐረት ሰላምን " ዘንፀባርቑ  ድንቂ ኣሳእል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ንምርኢት ቀሪቦም ።

እቶም በዝሖም 30 ዝኾኑ ኣሳእል ብጠቢባን ትግራይ ዝተስኣሉን : ኣብ ክልላውን ሃገራውን ወድድር ስእሊ ዝተዓወቱን ከምዝርከቡዎም ኣብ'ቲ ስነ-ስርዓት ተገሊፁ ።

እዞም ሎሚ ጥሪ 16/2017 ዓ.ም ንምርኢት ዝቐረቡ ኣሳእል ብደረጃ ሃገር ካብ ዝተስኣሉ 260 ሕሰም ኪናት ዝፅየፉን ምዕንባብ ሰላም ዝሰብኩን ኣሳእል ሞንጎ ከምዝኾኑ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ምግባረ ሰናይ ሪድም ዘ ጀነሬሽን ዶ/ር ፍስሃ ፀጋይ ኣፍሊጦም።

ኣብ'ቲ ምርኢት ስእሊ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሓዊሱ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ መቐለን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ዝተወፃፅኡ ዕዱማት ተረኺቦም።


እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ምርኢት ስእሊ ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለን ክፍሊ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ሪዲም ዘ ጀነሬሽን ዝተብሃለ ኣብ ዙሪያ ምብቃዕ መናእሰይ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካልን ዝተዳለወ እዩ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Jan, 08:23


ኩለ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ዝበፅሓ ትግራይ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ  ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዑዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተመላኺቱ።

እዚ ዝተገለጸ "ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ግደ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ኲናት ንሕውየትን ዘላቒ ልምዓትን ትግራይ" ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።

ኣብዚ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ እቲ ዋዕላ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ዝበፅሓ ትግራይ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ ልምዓት፣ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ዝህልዎ ግደ ዝዝተየሉ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ቴክኖሎጂ ንትግራይ ናይ ገይጺ ጉዳይ ኣይኮነን ዝበሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ህዝቢ ተግባራዊ መፍትሒ እዩ ካባና ዝጽበ ፣ ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቂ ልምዓትን ዳግመ ህንጸትን ትግራይ ዝውዕሉ መንገዲ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ድሕረ ኲናት ትግራይ ዘይትካእ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽን፣ሳይነስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶክተር ከላሊ ኣድሃና፤ ቴክኖሎጂ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ኣብ ምህናጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነበረ ብዝበለፀ ንምህናጽ እውን ዑዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ግደ ቴክኖሎጂን ምህዞን እናመኸረ ዝቕጽል ዓለምለኻዊ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ዝመጹ ተሳተፍቲ ከምዝተረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

23 Jan, 18:52


እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ብስም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ጥሪ 15 / 2017ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መግለፂ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ንሓደ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ወጊኖም ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ፣ ስርዓት ኣልቦነት ናይ ምንጋስን ሰራዊት ናይ ምብታንን ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ምህላዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መደብ ኦሬንቴሽን ኣመራርሓ ሰራዊት ተባሂሉ ኣብ ዝተፀውዐ መድረኽ ካብ ዝተሓሰበሉ ዕላማን ካብ ተልእኾ ሰራዊትን ወፃኢ ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምእታው ፍፁም ተቐባልነት የብሉን።  እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፈልጦን ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ድማ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ዘይንቡር ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምርኣይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ። ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምርኣይ ድማ ንህዝብና ዝርዝር መብርሂ ክንህብ ኢና።

ትሕዝቶ ናይዚ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ ቅዋም ብግልፂ ዕልዋ መንግስቲ  ዝኣወጀን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ። ንመላእ ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እውን እዩ። እቲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ ኣብዚ ጥራሕ ጠጠው ኣብ ክንዲ ዝብል ተፃዲፉ ናብ ታሕቲ ክወርድ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው። እዚ ብህፁፅ ደው ክብል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ሓድነት ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታናን ናብ ሙሉእ ሓደጋ ከምዝጥሕል ክፍለጥ ኣለዎ።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

23 Jan, 18:52


መላእ ሓይልታት ፀጥታ እውን እዚ ዘይሕጋዊ ውሳነ ፀገም  ህዝብና ዘጋድድ ኣዋጅ ኩናን ስርዓት ኣልቦነትን ምዃኑ ብውነ ተገንዝብኩም በፅንዓት ክትነፅጉዎን  ካብዚ ወፃኢ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ትእዛዝ ተግባራዊ ከይትገብሩን ነፍልጥ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
            ጥሪ 15 / 2017ዓ.ም
                        መቐለ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Jan, 15:22


ኣይተ የማነ፣ እቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጣየሽ ፀዲቁ ዘሎ ኣማካሪ ካውንስል ከምስሙ ካብ ምምኻር ወጻእ ጽዕንቶ ከሕድር ዘይኽእል፣ ማዕርነት ፓለቲካዊ ውድባት ዘይቕበል ፣ ትካላዊ ነጻነቱ ዘይሓለወን እዩ ብምባል፤ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊጾም። 

"ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ተዋዕእ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣካል ክወድቅ ተሓሲቡ ይስራሕ ከምዘሎ፣ ተፀዋዕነቱ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝኾነን ዕድመ ዘመኑ እውን ፕረዚደንት ኣብ ዝደለየ እዋን ክብትኖ ዝኽእል ብምዃኑ ሓደገኛ እዩ " ኢሎም።

ስለዚ'ውን ማዕረ ተዋጽኦ ፓለቲካዊ ውድባት ዝሓዘ ፣ ተፀዋዕነቱ ንህዝቢ ትግራይ ዝኾነን፣ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዎ፣ ትካላዊ ነጻነቱ ዝሓለወን ፅዕንቶ ዝፈጥርን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም ክብል ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Jan, 15:22


ማዕረ ተዋፅኦ ፓለቲካዊ ውድባት ዝሓዘ ፣ ተፀዋዕነቱ ንህዝቢ ትግራይ ዝኾነን፣ ትካላዊ ነጻነቱ ዝሓለወን ፅዕንቶ ዝፈጥርን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ይግባእ  ክብል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዳግም ፀዊዑ ።

"ስልጣን ህዝቢ ብምድኻም ወንበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘጠናኽር ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ " ዝበለ  ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) እዚ ተግባር  ተቐባልነት የብሉን ክብል ገሊጹ።

እቲ ውድብ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፣ ሓቋፍን ኣሳታፍን ተጸዋዕነቱ ንህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ከምውድብ ብውልቀን ምስ ካልኦትን ብምዃን እናፀወዐ ከምዝመጸ ገሊጹ።

ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ፣ "  ካብቲ ክንሓቶ ዝጸናሕና ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ብተቓራኒ ፤ ስልጣን ህዝቢ ብምድኻም ወንበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘጠናኽር ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ " ኢሎም።

ኣይተ ኣሉላ ፣ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዳግም ከም ብሓዱሽ ክሳብ ዝጣየሽ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕጽለሉ ድማ ኣመላኺቶም።

ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ሕግን ስነ መንግስትን እቲ ውድብ ኣይተ የማነ ካሳ፣  " ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብስም ምስ መንግስቲ ፌደራል ከዋጥጡና እዮም ዝብል ምስሉይ ዝኾነ ኣካይዳ ይኽተል ኣሎ " ክብሉ ገሊጾም። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Jan, 14:46


ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህወሓት ዳግማይ ጉባኤ ከካይድ ዘሕለፎ ውሳነን ዝሃቦ ትእዛዝን ሕጋውነት ዘይብሉን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፃባእን ብምኻኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ህወሓት።

ብኣቦ-መንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ናይ ዝምራሕ ህወሓት ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ሎሚ ጥሪ 14 /2017 ዓ.ም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ " ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሕጋውነት ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ይመለስ ( Reinstate ) " ኢሉ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Jan, 10:13


# ዘማዕበለ !!

"ኣጀንዳ ክኮን ዘይግበኦ ኣጀንዳ ተገይሩ : ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ጉዳይ ሒጃብ ብቕልጡፍ  ንምፍታሕ ድልው እዩ  "

ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ሎሚ ሰሉስ ጥሪ 13 / 2017 ዓ.ም ኣብ ምስ ክልከላ ሒጃብ ሙስሊም ደቂ-ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣኽሱም ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዘሰናደአ ብሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዘዳለዎ መልእኽቲ ናብ ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብፂሑን ዘትዩን።

ንኣሰናዳእቲ እቲ ሰልፊ  ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዝተቐበሉ ተወከልቲ ፕሬዜዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ''ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጉዳይ ሒጃብ ብቁልጡፍ  ክፈትሖ እዩ : ኣጀንዳ ክኮን ዘይግበኦ እዩ  ኣጀንዳ ተገይሩ '' ብምባል 'ንጭውነት ኣሰናዳእቲ :  ኣተሓባበርትን ተሳተፍትን ንኢዶም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፍፁም ሰላማዊ ብዝኾነ  መንገዲ ምዝዛሙ ፀብፂብና ኢና።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Jan, 09:44


ኣብያት ምኽሪ ወረዳታት ትግራይ ዘጣናኽርን ሕጋዊ መሰረት ክህልወን ዘግብርን ደንቢ ፀዲቑ ። 

ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ ጥሪ 12 / 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ሰሩዕ ኣኼባ ፣  ኣብያት ምኽሪ ወረዳታት ትግራይ ዘጣናኽርን ሕጋዊ መሰረት ክህልወን ዘግብርን ደንቢ ኣፅዲቑ ። 

እቲ ዝወፀ ደንቢ ኣብያተ ምክሪ ወረዳታት ተጣናኺረንን ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፎ/ውክልና ብዘረጋግፅን ንምንቅስቅስ ብዘኽእለንን፣ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብዝቐርፍን ኹሉ ወገን ናብ ሓደ ኣረዳድኣ ብዘምፅእን መንገዲ ክሰርሓን ከምኡ'ውን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝራኸበሉ መሰርሕ ብዘጠናኽር ኣገባብ ንምፍፃምን ዘኽእል እዩ።  

ንተፈፃምነት እዚ ደንቢ ከኣ ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ካብኡ ዘድሊ ኩሉ  ንክግበር ውን ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ከም ዝሰርሓሉን ፣  ህዝቢ  ኣብ ምምሕዳሩ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክፃወት ዘኽእሎን መንግስቲ ክህልዎ ዝግብርን እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ክብል ድወት ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Jan, 07:43


"ሒጃባ ክትገብር እያ ! ትምህርታ ክትመሃር እያ " ብዝብል መሪሕ ቃል  ሰላማዊ ሰልፊ ተሳሊጡ ።

እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ትግራይ ዝፀወዖን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሙስሊም ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝተሳተፉሉ ሰላማዊ ሰልፊ ረዘንቲ ናይ መሰልን ሃይማኖትን መልእኽታት ሓላፎሙሉ።

ኣበ'ቲ ሎሚ ጥሪ 13/2017 ዓ.ም ኣብ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ዝተሳለጠ ሰላማዊ ስልፊ ዝተረኸቡ : ፕሬዜዳንት ብሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉዳያት አስልምና  ትግራይ ሸኽ አደም ዓብደልቃድር : " ኣብ ኣርማ ምክእኣልን ናፅነትን ሃይማኖታት ዝኾነት ትግራይ ሙስሊም ኣንስተይቲ ሒጃብ ገይራ ከይትመሃር ምኽለልካል ዘደንፁን ክውገዝ ዝግብኦን እዩ " ኢሎም።

እቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተነበረ ክልከላ ሒጃብ ብህፁፅ ክለዓል ዝፀውዑ እቶም ፕሬዜዳንት : እቲ ፀገም ክሳብ ዝፍታሕ ቃልስና ብሰላማዊ  መንገዲ ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

ኣብ'ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኸባ ሙስሊም ተምሃሮ " ሒጃበይ ተኸዲነ ተቓሊሰ እየ : ሒጃበይ ጌረ ክመሃር እየ "ብምባል ድምፀን ኣስሚዐን።

ኣብ ምዝዛም እቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ትግራይ በዓል 12 ነጥቢ ቅዋም መግለፂ ንጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቕሪቡ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላም ጀሚሩ ብሰላም ምዝዛሙ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Jan, 18:31


ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ኣጠቓቕማ ሒጃብ ተኣሳሲሩ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘካይድ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ጥሪ 12/2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ :  'ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ቢሮ ትምህርትን ናብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱምን ክልተ ሰለስተ ግዜ ደብዳበታት እንተተፀሓፈ እውን  ለውጢ ስለዘይመፀ ውሳነ ቤት ፍርድን ቢሮ ትምህርትን ዘተግብር ስለዝሰኣና ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣትየ' ኢሉ ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኩሉ ደለይ ፍትሒ ናብ'ቲ ሰልፊ ብምምፃእ ድምፁ ከስምዕ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ ኣሎ ።

ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ነቲ ፅባሕ  ጥሪ 13/2017 ዓ.ም ብሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ  ኣብ መቐመ ፀዊዑዎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኸታቲሉ ክፅብፅብ እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Jan, 15:20


ኣብ ሓንቲ ካልኢት ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ መኪና ሂወት ሸውዓተ ሰባት ተቐጢፉ።

ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት እውን ብፅኑዕ ቆሲሎም።

እቲ ሓደጋ ጥሪ 12/2017 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 2:00  ኣብ መንገዲ መቐለ ነጋሽ ዘጋጠመ ኮይኑ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ሰብ ሞያ  የፃርይዎ ኣለው ኢሉ ፓሊስ።

ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ናብ ማእኸላት ሕክምና ምውሳዶም ፓሊስ ክልተ ኣውላዕሎ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ንስድራ ግዳያት ፅንዓት ይምነ !! 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Jan, 09:32


ይኹን እምበር ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉን ብዙሕ ዝተዘረበሉን DDR ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ከፈንዎም እየ ካብ ዝበሎም 75 ሽሕ ነቶም 5 ሽሕ ጥራሕ ኣተኣናጊዱ ካብ ዝቋረፅ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ።

ንምቁራፅ DDR ኣመልኪቱ መራሕቲ ፓለቲካን ወታደራውን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ይህቡ ኣለው።

ፕሬዜዳንተት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ጌታቸው ረዳ ጥሪ 10/2017 ዓ.ም ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ከምዝበልዎ : ዲዲኣር ንሓይልታት ፀጥታ ኮነ ሰላም ትግራይ ብዘላቕነት  ውሑስ ንምግባር ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ ዝበሉ ፕሬዜዳንት ጌታቸው : DDR እንትፍፀም ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ንቐፃሊ ጉዕዞና ብዘጠናኽርን እምበር ከምቲ ገለ ኣካላት ንምድንጋር ዝጥቀሙሉ ሓይልና ንምድኻም ወይ ሰራዊት ንምብታን ከምዘይኮን ከፍለጥ ኣለዎ : ስለዝኾነ ብውነ እናተርኣየን ብዝርዝር እናተገምገመን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት መግለፂ ቅዋም ዘውፅአ ብኣቦ-መንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ድማ : መሰረታዊ ኣድላይነት DDR ተቐቢሉ " DDR ኣማኻኒኻ ሰራዊት ትግራይ ንምድኻምን ንምብታንን ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ኣይቅበሎን " ኢሉ።

ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ዮውሃንስ ወ/ጅወርግስ ኣብ ሓደ ህዝባዊ መድረኽ ተረኺቡ  "ዲዲኣር የድልየና እዩ ። ክትግበር'ውን'ዩ ። ዲዲኣር ደው ዝበለሉ ምኽንያት ክላሽ ዘየርከብኩምና ብዝብል'ዩ ። 'ካብቶም ልዕሊ 70,000 ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሰናበቱ ተጋደልቲ እንተናኣሰ 25 ሽሕ ካላሽ ክተረክቡና ኣለኩም' እዮም ኢሎምና ። 'ንሕና ናይ ምልሻን ናይ ህዝብን ክላሽ ኣይነረክብን'ኢና ኢልናዮም ። ንህዝቢ ትግራይ ዕጥቂ ዘፍትሕ ዲዲኣር ክኸውን የብሉን : በቲ በለ በዚ ዲዲኣር ምትግባሩ ኣይተርፎን : ንረዳዳእ ኣለና ኢና : ኣብ ቀረባ እዋን ክቕፅል'ዩ :  ዘጠራጥር የብሉን" ። " ኢሎም ። 

ጥሪ 10/2017 ዓ.ም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዳያስፓራ ትግራዎት ብዙም ዝዘተዩ ኣባል ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር ብወገኖም "  " DDR ዓቕሚ ትግራይ ንምድኻም ዘይኮነስ : ንትግራይ ዝምጥን ብሰነ-ምግባሩ ዝበረኸ ሰራዊት ክህሉ ዓሊሙ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምርድዳእ ዝፍፀም ከምዝኾነ " ብኣፅንኦት ገሊፆም። 

በዚ በለ በቲ DDR ተጀሚሩ ካብ ዝቋረፅ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ : ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድማ DDR ተተግቢሩ ብዝወሃቦም መትከሊ እግሪ ተሓጊዞም ናብ ህዝቦም ንምፅምባር ዘለዎም ድሌት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Jan, 09:31


# DDR 
ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ጌታቸው ረዳ ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ፌደራል ኣብ ዝተረኸብሉ ሕዳር 14/ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ዝጀመረ DDR ካብ ዝቋረፅ ፀኒሑ ኣሎ።

DDR እንትጅምር ኣብ መኸተ ዝተሳተፉ
274,800 ዕጡቓት ሰራዊት ትግራይ 

👉ኣብ ቀዳማይ ዙር 75 ሽሕ ዕጡቓት :
👉 ኣብ ካልኣይ ዙር 100 ሽሕ 
👉 ኣብ ሳልሳይ ዙር 53,800 : 
👉 ኣብ ራብዓይ ዙር 46 ሽሕ : 

እናበለ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ተጣይሾም ናብ ህዝቦም ክሕወሱ እዮም ተባሂሉ ነይሩ። 

ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሓደ ኣካል ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝኾነ DDR ምትግባሩ ኣሐጊሱዎም ብሃንቀውታ ተፀብዮምዎን ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎን።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Jan, 16:29


"ኩሉ ፀገማትኩም ብኣግባቡ ፈቲሕኹም ህዝብኹምን ዓድኹምን ብልምዓት ንምኽሓስ ቆሪፅኩም ተልዓሉ "

ኣቡነ ማትያስ ዳግማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ዘ-ኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘ-ኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበር ተክለሃይማኖት

ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ንፕሬዜዳን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታታቸው ረዳን ኣቦ-መንበር ወድብ ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ደብዳበ ተግሳፅን ምኽርን ፅሒፎም።

ኣብ'ቲ ጥር 6/2017 ዓ.ም ተፃሒፉ ኣብ በዓለ ጥምቀት ጥሪ 11/2017 ዓ.ም ዝተዘርገሐ ደብዳበ ተግሳፅን ምኽርን ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ : ኣብ መራሕቲ ትግራይ ዘይንቡር ኣካይዳ እናተዘውተረ : ብስርዓት ምምይያጥ ቀርዩ ምዝንጣል እናዓበየ ይኸይድ ምህላው ተገሊፁ።

"ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሐ ብዙሕ ዘይውዕል ዘይሓድር ፀገም ኣሎ : ካብ ፅንተት ዝተረፈ ህዝብና ዳግም ከይሓዝን : ዝተመዛበለ ህዝብና ተስፋ ከይቖርፅ መራሕቲ ትግራይ ፀገማትኩም ብጥበብን ብስልጡን ኣሰራርሓን ፍትሑ " ኢሎም  ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

11 Jan, 04:40


ይቅርታ !!

"ኣብ ትግራይ ትርከቡ ኣቦታት ሃይማኖት ከምዝበደልናኩም ንፈልጥ : ኣብ ሓዘንኩም ኣብ ጎንኹም ደው ብዘይምባልና ምሕዛንኩም ልክዕን ግቡእን እዩ ።  እንተኾነ ኩሉ ነገር ዝከሓስ ብዕርቂ ስለዝኾነ : ንሕና ዝተሓሰምናዮ ዕርቂ ድማ ዓለም ክቕበሎ ስለዘይኽእል : ኣብ ኢድና ዝሓዝናዮ መስቀለ ክርስቶስ ምልክት ሰላም እዩ እሞ : ካብ ልብኹም ንሰላም ሓድነትን ክትዳለው ንሓትት "

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ  ሊቀ ጳጳስ ዘአኵስም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Jan, 18:13


ሕዚ’ውን ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ኣለዉ ዝበሉ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ሃገረ ስብከት  ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋሰላሰ መድህን ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ክሳብ ሕዚ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ዘይክእሉ ፡ ስቓዮም ይውስኽ ኣሎ ኢሎም።

ጳጳስ ካቶሊካዊት ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋስላሰ መድህን  ተስፋና መስርሕ ፍትሕን ተሓታትነትን ክህሉ እዩ ።  እዚ ማለት ድማ ​​ኩሎም ዝተፈፀሙ ገበናት ፈፂሞም ክድገሙ የብሎምን ። ሓቀኛ ፍትሒ ንቀታሊ ምቕታል ኣይኮነን ዳግም ከይድገም ውሑስ ዝኮን ፍትሕን ተሓታትነት ምርግጋፅ ።

ንሕና ከም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ዕርቂ ሕውየትን ሰላምን መስርሕ ንምውሓስ ደው ኢልና ክብሉ ምግላፆም  ዘ ኣይርሽ ካቶሊክ ዝተብሃለ ጋዜጣ ሓቢሩ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Jan, 18:13


" ተስፋና መስርሕ  ተሓታትነትን ፍትሕን ክህሉ እዩ " 
ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ሃገረ ስብከት  ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋሰላሰ መድህን 

ዘ ኣይርሽ ካቶሊክ ዝተብሃለ ጋዜጣ " ተባዕ ትግራዋይ ጳጳስ "  ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ዝተዛረብዎ እዩ። 

ቅድሚ እቲ ስምምዕ ዝነበረ ክልተ ዓመታት  ይብሉ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት  ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋሰላሰ መድህን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ከምቲ ኣብ ሲነማ እትርእዮ ዓይነት ፍርሒ ዝመልኦ ፊልም እዩ  ዝመስል ግን ድማ ብጋህዲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝተፈፀመ ጭካነ ነይሩ።

እቲ ዘሕዝን  እቶም ተዋሳእቲ ፡  ኣብ መዓልታዊ ሂቶም ነቲ ራዕዲ ግዳይ  ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮ ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም ። ቀጻሊ ዕንወት ፣ ለይትን መዓልትን ፡ ዘስካሕክሕ ኩነታት  ሎሚ እውን ታሪኽ ክንነግሮ ንቃለስ ኣለና ይብሉ ። 

ኣብቲ ኽፉእ ጊዙ ምስ ህዝበይ እየ ነይረ ናይ ሃይማኖት መራሒ ድማ ከምኡ እዩ ክግብር ትፅቢት ዝግበረሉ ኢሎም ። 

ድሕሪ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት መሰረተ ልምዓት ዓጺኻ ዝተገበረ ደማዊ ኩናት ሕዚ እውን እንተኾነ  ድምፂ ጥይት ዋላ ኳ ደው ተበለ ብዙሓት ዘይተመልሱ ሕቶታት ከምዘለዎ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ሃገረ ስብከት  ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋሰላሰ መድህን ይገልፁ  ። 

“ሎሚ እውን እንተኾነ እቲ ኩናት  ካብ ምጅማር  ኣትሒዞም ተሳተፍቲ  ዝነበሩን  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዘይፈልጡን ዕጡቓት ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ከምዘለው፡ ከምኡ’ውን ብ ሓይልታት ኣምሓራ  ተታሒዛ  ዘሎ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ተታሒዙ ከምዘሎ  ገሊፆም።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Jan, 06:08


መንግስቲ ንተደጋጋሚ ሕቶና ጥሉል ምላሽ እንተዘይሂቡ ኣብ'ዚ ወርሒ ከከም ኣድላይነቱ ሰልፍን ስጉምቲ  ስራሕ ደው ምባልን  ከካይዳ ከምዝኽእላ  ማሕበራት ስቪክን ሞያን ትግራይ ኣጠንቂቐን።

እተን ስቪክን ሞያን ማሕበራት ኣብ መግለፂአን : ኣብ ውርሒ ልዕሊ 80 ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ መኣዲ ስረሖም ይለቁ ኢለን።

እተን ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ግቡእና እናፈፀምና ሕቶታትና እናቕረብና ፀኒሕና ዝበላ ስቪክን ሞያን ማሕበራት ጥሪ 1/2017 ዓ.ም ንማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ እንታይ ኢለን ?


- ኣብ ከቢድ ቅልውላው  ቁጠባ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ኣብያ ትምህረርትን ካብ 17 ክሳብ 29 ኣዋርሕ ውዝፍ መሃያ  ይከፈሎም : 

-  ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ፣ ሕቶ መስርሒ ቦታ ትካላት ሕክምና ፣  ጥቕማ ጥቕሚን ዕብየትን ይመለስ : 

 - ፌደራል መንግስቲ ናይ ስራሕን ጡረታ ግበሪ ክቕንስ ብህጹፅ ንሓትት : 

-  ብብርኪ ሃገር ዝወፀ ደንቢ ኣካራዪን ተኻራዪን ኣብ ትግራይ ይተግበር : 

 - ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀን ሕሉፍ መሃያ ኣመልኪቶም ከይኸሱ ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝወፀኦ ደንቢ ፀረ ሕገ መንግስትን ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል ዝፃባእ  ስለዝኾነ ይለዓል : 

እተን ስቪክን ሞያን ማሕበራት መንግስቲ ንተደጋጋሚ ሕቶአነ ጥሉል ምላሽ እንተዘይሂቡ ከከም ኣድላይነቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ሰልፍን ስጉምቲ ስራሕ ደው  ምባል ከካይዳ  ከምዝኽእላ  ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

09 Jan, 17:06


"ብሄራዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ንጠልብ "
 ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)

ውድብ ሳወት ታሕሳስ 30/2017 ዓ.ም ንመራኸብቲ ሓፋሽ  ዝሃቦ መግለፂ  ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ንተደራረብቲ ሕቶታት ትግራይ ዝምልስን " ብሄራዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ይግባእ ኢሉ ኣሎ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

09 Jan, 10:52


ኣልነጃሺ መስጊድ ንመላእ ዓለም ብዝበለፀ ንምልላይን ዋሕዚ ቱሪስት ንምስሳንን ዝዓለመ ሲምፖዚየም ክካይድ እዩ።

ኣብ'ቲ ዓለምለኸ ሲምፓዝየም ዝሳተፉ ዓበይቲ መሻይኽ ሎሚ ጥሪ 1/2017 ዓ.ም መቐለ ኣትዮም።

እዞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ  ዓበይቲ መሻይኽ ፈጠርቲ ፅዕንቶን  ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት ሙስሊም ናብ ከተማ መቐለ እንትኣትው ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣቀሻብላ ተገይሩሎም ። 

ብፕረዝደንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ  ሸኽ ኣደም ዓብደልቃደርን ብ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሓጂ 

ኣብ'ቲ ኣብ ቀፅሪ ኣብ ኣልነጃሺ መስጊድ ዝሳለጥ ሲምፖዚየም  መፅናዕታዊ ፅሑፋት  ከምዝቐርብ ተሓቢሩ ክብል ድወት ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

08 Jan, 19:11


ሰለዚ መላእ ትግራዋይ ክሳብ ሕዚ ሃይማኖት እንተይፈለኻ ንዝገበርኻዮ ሓገዝ እናናኣድና ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ኣህዋትካን ደቅኻን ኮይንኻ ክትሕግዝ ፃውዒትና ናቕርብ። 

ሕቶና ግልፂ እዩ “ሕጃብ ክትገብር እያ፤ ትምህርታ እውን ክትምሃር እያ”።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

08 Jan, 19:11


"ሕቶና ግልፂ እዩ “ሕጃብ ክትገብር እያ፤ ትምህርታ እውን ክትምሃር እያ”።

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ እስልምና ትግራይ

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ እዋናዊ መብርሂ ክልከላ ሒጃብ ኣመልኪቱ ታሕሳስ 30/2017 ዓ.ም ምሸት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ዝተውሃበ መብርሂ ዝስዕብ እዩ

ከም ዝፍለጥ ኣብ ኣኽሱም ዝምሃራ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ሒጃብ ገይረን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣትየን ንከይማሃራ ከምዝተኸልኸላ ዝፍለጥ እዩ ። እዚ ሃይማኖታዊን ዓለማውን መሰል ደቂ ሰባት ንምፍታሕ ኩሉ መማረፅታት ተሞኪሩ እዩ። 


ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ እውን እንትርፊ ዘይሰለጠ ሽምግልናን ልመናን “ከተግብሮ ዘይኸኣለ ደብዳበ”  ምፅሓፍ ምንም ለውጢ ከምፅእ ኣይከኣለን። ናይ ደቅና ሕቶ፤ ኩሉ እምነት ዝኽተልን ዘኽብርን ትግራዋይ ኾይኑ  እንዳሃለወ ሓደ ሓደ ወገናት ብፍላይ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ካብ ናይ ”ባዕሎም ሃይማኖታዊ ድልየትን መሰል ትምህርትን“ ብምትሕውዋስ ነዘን ቆልዑ ናብ ናይ ትምህቲ ማእዲ ንከይኣትዋ ተገይረን እየን። 

እቲ ዝኸፍአ ዝገብሮ ድማ ናይ 12 ክፍሊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ብሰንኪ ሒጃብ ናይ ዩንቨርስቲ ዕድል ክዕፀዋ ምግባሩ እዩ::

ቅድሚ ሕዚ ብፀሑፍ ብዘፍለጥናዮ መሰረት ምንም ዓይነት ናይ ሕጊ መሰረተ ኣብ ዘይብሉ ተኸልኪለን ዘለዋ ተምሃሮ ኣብ ቀረባ ፍታሕ እንድሕር ዘይተገይሩለን ናብ ሕጋዊ ኽሲ ከምንመሓላልፍ ኣፍሊጥና ነይርና ኢና። ብምዃኑ እውን እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ወሲድናዮ ኣለና። 

እዚ ናይ ሙስሊም ተምሃሮ ጥሕሰት መሰል ጥራይ ዘይኾነ ናይ ደቂ ኣንስትዬ መሰልን ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምምሃር መሰል ዝፃረር እዮ። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

08 Jan, 12:58


ኣብ ከይዲ ምስረታ ዝርከብ ባንኪ ግዕዝ ምስ ባንኪ ኣንበሳ ንምውሃድ ዘኽእሎ ቅድመ ምድላዋት ይውግን ኣሎ።

ታሕሳስ 26 /2017 ዓ.ም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ሰብ ብፅሒት ባንኪ ግእዝ ምስ ባንኪ ኣንበሳ ንምውሃድ ብሙሉእ ድምፂ ዝወሰኑ ኾይኖም : ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰብ ብፅሒት ድማ ታሕሳስ 30 /2017 ዓ.ም ነቲ ከይዲ ውህደት ብሙሉእ ድምፂ ምቕባሎም ተፈሊጡ።

ኣብ ከይዲ ምስረታ ዝርከብ ባንኪ ግዕዝ ምስ ባንኪ ኣንበሳ ንምውሃድ ዝገብሮ ዘተ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ እውን ከምዝቕፅል ኣተሓባበርቲ ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Jan, 14:57


ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ንምፍታሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ተልእኾኦም ጥራሕ መሰረት ገይሮም ንክሰርሑ ተወሲኑ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝህቦም መንግስታዊ ተልእኾ ወፃኢ ከም ኣካል ኣብ ዝኸነ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ከይኣትዉ፤ ውድባት ፖለቲካ እውን ከም ኣካል ናብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከይኣትዉ ግልፂ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብየማነ ፀጋም ዝላግዑን ንሓድነቱ ዝፈታተኑን ምውንጫፋት ብጥንቃቐ ክርእዮም ተረጋጊዑ ክምርምሮምን ይግባእ። ከም ህዝቢ ካብቲ ኣትናዮ ዘለና ፀበባ ንምውፃእ እቲ ዝዓበየ ሓይልናን ዓቕምናን ሓድነትና ምዃኑ ግልፂ እዩ። ካብዚ ብምበጋስ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምዝራግ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዓሊሞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብትሪ ክእርሞም፤ ብእርማት ዘይምለሱ እንተኾይኖም ድማ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ መልክዕ ከትሕዞም ይግባእ። 

መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዘይወፅኣሉ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ዘይተመለስሉ፣  ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክሳዕ ሕዚ ዘይተረጋገፀሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካዊ  መሪሕነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ግልፂ ክኾን ኣለዎ። እዚ ኣፈላላይ ኣብቲ መሪሕነት ካብ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብተውሳኺ ናይ ምድርዳር ዓቕምና እውን ኣመና ክዳኸምን ክማስንን ገይሩና እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ብሓባር ንረባረብ ኣብ ዘየድሊ ናይ ስልጣን ምምንጣል ተፀሚድና ፀገም ህዝቢ እናተጋደደ ክቕፅል ገይርና ኢና።

ድሕሪ ሕዚ ግን እዚ ኩነታት በቲ ዝነበሮ ከይቕፅል ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወሲኑ እዩ። መላእ ህዝብና እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሳልጦም መደባትን ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳትን ንምዕዋት ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር እምነተይ ልዑል እዩ። ሕዚ እውን ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብና ንመሰረታዊ ረብሓና ብሓባር ክንረባረብ ፃውዕተይ የቕርብ።

ሓድነት ህዝብና ዝያዳ ንምጥንኻር፣ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ንምስታፍን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓሳባት ግቡእ ዕድል ንክረኽቡ ንምግባርን እቲ ቅድሚ ሕዚ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተወሲኑ ግን ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዘይኣተወ ኣማኻሪ ካውንስል ብቕልጡፍ  ናብ ስራሕ ንክኣቱ ከምዝተወሰነን ከከም ኣድላይነቱ  ምትዕርራይ ተገይርሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ስርሑ ብዕሊ ከምዝጅምርን በዚ ኣጋጣሚ ከበስር ይፈቱ።

ደጊመ ርሑስ በዓል ልደት ክብል ይፈቱ።

      ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ
ፕሬዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ታሕሳስ 28 / 2017ዓ.ም
      መቐለ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Jan, 14:57


መልእኽቲ ፕሬዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ፈለማ ንመላእ ኣብ ውሸጥን ኣብ ደገን ትርከብ ተኸታላይ እምነት ክርስትና ዝኾንካ ህዝብና እንኳዕ ንበዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፅሓካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ።

እዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ እንገብረሉ መድረኽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር  ክልል ትግራይ ምስ መሓውር ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝነበረ ናይ ሓባር መድረኽ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ምርድዳእ እውን ትግራይ ካብ ዘላቶ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንምውፃእ ዓሊሙ ዝተገብረ እዩ።

ከም ህዝቢ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድን ዝተሓላለኸን ፀገም ንውፃእ ቅድም ቀዳድም መንግስቲ ክህልወናን መንግስትና ድማ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝብና ማእኸል ገይሩን ንኩሎም ዓቕምታትና ወዲቡን ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክኣቱ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ንምግባር ዘኽሎ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ገይሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝሓሸ መንገዲ እናተናበበ ክሰርሕ ክግበር እዩ።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Jan, 13:18


ምምሕዳር ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ ንልዕሊ 500 ወገናት ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝውዕል መሬት ሂቡ።

ምምሕዳር ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ ንልዕሊ 500 ብኽብሪ ዝተመለሱ ሰራዊት ትግራይ፣ ስድራ ስዉኣትን ተወዲበን ዝፀንሓ ማሕበራትን ብመምርሒ መሰረት ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝውዕል መሬት ከም ዝሃበ ከንቲባ ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ ኣይተ በሪሁ ፀጋይ ገሊፆም።

እቶም ከንቲባ 140 ካሬ ሜትር መሬት ንሕድሕዶም ከም ዝወሃብን ነዚ ዘድሊ ልዕሊ 10 ሄክታር መሬት ከም ዝተዳለወን ገሊፆም። ብተወሳኺ ንካሕሳ ዝውዕል 78 ሚልዮን ብር ተዳሊዩ ከምዘሎን ብመምርሒ መሰረት ስራሕቲ ካሕሳን ዕደላን ከም ዝሳለጥን ሓቢሮም።

ኣይተ በሪሁ ንመስርሒን መሸጢን ዝውዕል እውን ንምዕዳል ምድላዋት ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።

 ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ ተጋደላይ ኣፅብሃ ኣርኣያ፣ እዚ ሰናይ ተግባር ፅቡቕ ጅማሮ እዩ። ንህላወን ድሕንነትን ኩለመናኡ ዘወፈየ ስለዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ እዘን መንበሪ ተሰሪሐን ናብ ረብሓ ክውዕላ ሓጋዚ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዕደላ መንበሪ ዝተረኸበ ተጋዳላይ ጀነራል ዮሃንስ ወልደጀወርግስ (መዲድ) ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ህልውናና ኣረጋጊፅና ኢና፤ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ድማ ክፍታሕ እዩ ኢሎም።

"ኣብ ምፍታሕ እዚ ፀገም ብሓባርን ብስምረትን ንስራሕ፤ ኵላትና ኣካል መፍትሒ ንኹን።" ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾኑ ወገናት ብግዲኦም ንዝተገበረሎም ዕድል ኣመስጊኖም። እዚ ሰናይ ተግባር ድማ ናብ ካልኦት ከባቢታትን ወገናትን ክሰፍሕ ይግባእ ኢሎም ክብል ቴሌቪዥ ትግራይ ታሕሳስ 28 / 2017 ዓ.ም ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Jan, 07:59


ኣብ ከተማ ማይጨው ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ።

ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣካልን ሞትን የለን።

መኪና መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ጊዚኣ ብዘይምብፅሓ ዘጋጠመ ዕንወት ክጋደድ ምኽንያት ኮይኑ ኢሎም ነበርቲ።

ኣብ ከተማ ማይጨው ጣብያ 03 ናብ ታሕሳስ 28/2017 ዓ.ም  ዘውግሕ ለይቲ ካብ ከባቢ ሰዓት 8:00  ክሳብ 10:30 ንኽልተ ሰዓት ብዘይምቁራፅ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ዕንወትን ኪሳራን ኣብፂሑ።

በቲ ንኽልተ ሰዓት ዝፀንሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ መዐደሊ ነዳዲ : መሸጢ ኣቑሑ ህንፃ መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስን ዓንዮም ብድምር  ብሚሊዮናት ብር ዝግመት ኪሳራ በፂሑ ኢሎም ነበርቲ።

ኣብ ኣካልን ሂወትን ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት የለን ዝበለ ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ  : መንቀሊ እቲ ባርዕን ድምር ኪሳራ ንብረትን ይፃረ ኣሎ ኢሉ።  

እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ ደቒቕ ንብረት ማዘጋጃ ቤት ማጥጨው ናብ ዝኾነ መኪና መጥፋእቲ ባርዕ ሓዊ ስልኪ ተደዊሉ ገናሒ ኣብ ቀረባ ክርከብ ኣይከኣለን ኢሎም ኣማሪሮም ነበርቲ።

ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ጉጅለ መጥፋእቲ ባርዕ ሓዊ ከተማ ማይጨው ብሕጊ ክሕተቱ ነበርቲ ሓቲቶም ኣለው ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።

ፎቶ
ጋዜጠኛ ድወት ዞባ ደቡብ ኣሰፋ ኣባይ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

05 Jan, 10:51


ኣብ ክልተ ጉጅለ ዝተገምዑ ኣመራርሓ ህወሓት ንምዝታይ ዝተገበረ ፃዕሪ ልዝብ ኣይሰመረን ኢሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ።

እቶም ጉጅለታት ኣፈላላዮም ናይ ሎሚ ዘይኮነዝ  ዝተዋህለለን ዝሓደረን ምኻኑ ፓለቲካዊ ፀገሞም ከይፈታሕ  ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ተባሂሉ።

ምክትል ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ሰንበት ታሕሳስ 28/2017 ዓ.ም ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ : ሰራዊት ትግራይ ናይቶም ጉጅለታት መጣልዒ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም።

ፓለቲካዊ ፀገም ክልቲኦም ጉጅለታት ዘይተዓወተ  ብምንኣስ ድሌት ልዝብን ሓዲኡ ነቲ ካሊእ ሙሉእ ብሙሉእ ብምጽራግ ነቲ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ካብ ዝብገስ ዓንቃፋይ ድሌት ምኻኑ እቶም  ምክትል ፕሬዜዳንት ገሊጾም።


ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ሓበራዊ ዘተ ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመራርሓ ሰራዊትን ሓለፍቲ ፀጥታ ዞባታትን  ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምጥንኻርን  ህላወ ውድብ ህወሓትን ንምቕፃልን ግልጺ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

 
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ክልቲኦም ጉጅለ ፓለቲካዊ ኣፈላላዮም ብስልጡን መንገዲ ክፈትሑ ኩሉ ሕብረተሰብ እውን ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ ምባሎም ሚድያታት ትግራይ ጠቒሱ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

05 Jan, 10:30


ሰለስተ ውድባት ትግራይ ብዕሊ ሓበራዊ ኪዳን ተመስሪተን።

እተን ሎሚ ሰንበት ታሕሳስ 27/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ሓበራዊ ኪዳን ምምስራተን ዘፍለጣ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፣ ናፅነት ትግራይን  ዓረና ንዴሞክራስን ልኡላውነትን እየን።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

04 Jan, 15:43


ዓለም ለኻዊ ምትእኽኻብ እቶት (ቴሌቶን) ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገንዘብ ዝእከበሉን ፅሬት ትምህርቲ ዝረጋገፀሉን ጥራሕ ዘይኾነስ ሓድነት ተጋሩ ዝረጋገፀሉ ክኸውን ይግባእ።

ብሄራዊ ዓብዪ ኮሚቴ እቲ ቴሌቶን ዝተፈላለዩ ንኡሳን ኮሚቴ  ተጣይሾም ምንቅስቓሳት ከምዝተጀመረብ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ   ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ፣ ነጋዶ ፣ መሃያ ተኸፋሊ ሓዊሱ ኩሉ ትግራዋይ ክሳተፈሉ ዘኽእል ምንቕናቕ ክኸውን  ይስራሕ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ዳያስፖራ ተጋሩ ብውዳበታቶምን ዘለውሉ ከባቢን ኣቢሎም ልሙድ ተሳትፈኦም ከበርክቱ ፃዊዒት ዝቀረበ እንትኸውን ኩሉ ህዝቢ ንምስታፍ ዘኽእል  ውዳበ ክሳብ ጣብያታት ከምዝተዘርገሐ እውን  ተገሊፁ።

ቃል መውሃቢ ሰነዳት ናብ ወረዳታት፣ከተማታትን ተላኢኹ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ድጋፍ ዝገብር ኣካል ብገንዘብ ይኹን ብዓይነት ክገብር ይኽእል እዩ ።

እቲ ዓለም ለኻዊ እቶት ዝሳለጠሉ ዕለት 17 ጥሪ ከምዝኾነ እቲ ኮሚቴ ሓቢሩ ኣሎ ።

ሒሳብ ቑፅሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ኩለን ባንኪታት ከምዝተኸፈተን ብ 6831 እውን ኩሉ ትግራዋይ እጃሙ ከወፊ ፃዊዒት ቀሪቡ ክብል ድወት ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 21:14


ቴሌቪዥን ትግራይ ጋዜጠኛታቱ ምዕፋኖምን ምእሳሮምን ኣመልኪቱ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክእርሞን ይቅርታ ክሓተሉን ተሓቲቱ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ታሕሳስ 20/2017 ዓ.ም ኣማስዩኡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ :" ኣድራሽኡ ብዘይፍለጥ ፀለመ ብ"ዕጡቓት" ተጨውዮም ዝብል ሓበሬታ ዝዘርግሐ ኣካል ንውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ንብዙሓት ትካላት ኣጃሚሉ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ምዝርግሑ ጥሕሰት ሕጊ እዩ " ኢሉ። 

" ብሽም ዝኾነ ይኹን መበገሲ ኩነታት ከየፃረኻን ከየፃፈፍካን ዝዝርጋሕ ሓበሬታታት ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ " ዝበለ መግለፂ እቲ ቢሮ : ኮነ ተባሂሉ ተጨውዮም እባ ተዓፊኖም እባ ተባሂሉ ዝተወዘዐ ሓበሬታ ክእረምን ይቅርታ ክሕተተሉን ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ : ኣብ ልዕሊ ሕጋውን ሞያውን ግቡኦም ዝፍፅሙ ሰብ ሞያ ሚድያ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓፈናን በደልን ክልከላን ኣጥቢቑ ከምዝኹንን ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ መግለፂ ምውፅኡ ምፅብፃብና ይዝከር ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 14:56


# ዝማዕበለ !!
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ አስገደ ሜይሊ ኣብ ዝተብሃለ ፍሉይ ቦታ ንሰዓታት ተዓፊኖም ዝተኣሰሩ 3 ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ተፈቲሖም።

እቶም ብፖሊስን ምልሻን እታ ጣብያ ዝተትሓዙ ጋዜጠኛታት ምስ ኣካላት ፀጥታን  ምምሕዳርን ወረዳ ብዝተገበረ ዘተን ምርድዳእን እዮም ተፈቲሖም ክብል ፍልፍልና ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ካብ'ቲ ቦታ ሓቢሩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 14:48


"ኣብ ልዕሊ ሕጋውን ሞያውን ግቡኦም ዝፍፅሙ ሰብ ሞያ ሚድያ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓፈናን በደልን ክልከላን ኣጥቢቑ ይኹንን "
ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ዓፈናን ማእሰርትን ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 13:52


 #ዝማዕበለ 

እቶም መንነቶም ብዘይተነፀሩን ብዘይተፈለጡን ዕጡቓት ዝተዓገቱ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሜይሊ ከምዝርከቡ ቴሌቪዥን ትግራይ ሕዚ ኣፍሊጡ  ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 13:46


"መንግስቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዕደና ደው ንምባል ፉሉይ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ  ክሰርሕ ወሲኑ እዩ "
ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ 

መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ንምቁፅፃር ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ህዝቢ ክሕግዝ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀዊዑ ኣሎ።  

ምክትል ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ሎሚ ታሕሳስ 20 /2017 ዓ.ም ማሕበር ልምዓት እንዳስላ-ሽረ ጨንፈር መቐለ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ምዝውዋርን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ : ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ዝውውርን  ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኣሎ ኢሎም። 

መንግስቲ ፀገም ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ዝውውርን ንምፍታሕ ይስርሕ ኣሎ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ : እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓጋዚ ክኸዉን ይግባእ ኢሎም ። 

ህዝቢ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ኣንፃር አዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ከብል እውን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ፀዊዖም ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ጠቒሱ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

29 Dec, 11:48


ኣብ ዕደና ወርቂ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ብዕጡቓት ተጨውዮም ኢሉ ቴሌቭዥን ትግራይ። 

እቲ ትካል ሎሚ ታሕሳስ 20/ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ : ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ዕደና ወርቅን ሳዕቤናቱን ዜና ንምስራሕ ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ብዕጡቓት ተጨውዮም።

ሰለሰተ ሰብሞያ ዝሓዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ብዕለት 20/04/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣብ ወረዳ ኣስገደ ካብ ሜይሊ ውፅእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ቁሸት እዮም ብዑጡቓት ተታሒዞም ።

እቶም ጋዜጠኛታት ንዝሓለፉ 3 መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስርዓት ዕደና ብኣካል ተረኺቦም ንዝተፈላለዩ ኣካላትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ከዘራርቡ ዝቐነዩ እንትኾኑ ብፉሉይ ኣብ ከባቢ መይሊ ኣብ ዘለው ሓረስቶት ኣብ ባዕሎምን እንስሰኦምን ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ንምክያድ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ኬሚካል ዝበፀሐ ከቢድ ሓደጋ ሞትን ምብርዓን እንስሳታትን ክሰርሑ ምስ ግዳያት ኣብ ቃለመሐትት ኣብ ዝነበሩሉ ግዘ እዮም በቶም ዑጡቓት ስርሖም ከቋርፁን  ክእሰሩን ኪኢሎም ዘለው።

ቴሌቪዥን ትግራይ ደሃይን ድሕንነትን ጋዜጠኛታቱ ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ዝርከብ ኮይኑ ናይቶም ጋዜጠኛታት ስልኪ ዕፁው ብሙኻኑ ሎሚ ካብ ሰዓት 4:00 ንደሓር ዘለዉ ምዕባለታት ሓበሬታ ክረከብ ከምዘይከአለ ኣመራርሓ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ገሊፁ።

ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኣመራርሓ መንግስቲ እቲ ዞባ ዝተገበረ ፈተነታት ስልኪ እውን ኣይተሳኸዐን ኢሉ ኣሎ ኣመራርሓ ኤመሓት። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

27 Dec, 08:33


ካብ 175 ሽሕ ደኣንት እተን ልዕሊ 51 ሚእታዊ ብሰንኪ ደማዊ ኪናት ምዕናወን ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ኣፍሊጡ።


ቅድሚ ኪናት 19.2 ሚእታዊ ስራሕ ስእነት ድሕሪ ኪናት ናብ 81 ሚእታዊ ደይቡ : ቅድሚ ኪናት 29 ሚእታዊ ዝነበረ መጠን ድኽነት ድሕሪ ኪናት ኣይተፀንዐን ኢሉ እቲ ቢሮ።

"ደኣንት ንስራሕ ዕድል ፈጠራን ሕውየትን ትግራይ !!"  ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ ታሕሳስ 18/2017 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ኤግዚብሽንን ሲምፓዝየምን ከምዝተገለፀ :  ደኣንት ትግራይ ብስእነት እታወትን ዕዳጋን ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተሳኢኑወን ጥራሕ ዘይኮነስ ህላወአን እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣሎ ። 

ንብዙሓት ወገናት ዕድል ስራሕ ዝፈጠራን ብሚሊዮናት ብር ዝግመት ሃፍቲ ዘንቀሳቕሳን ደኣንት ክሓውያን ከንሳእርራን :ጊዚያዊ ምምሕድዳር ትግራይ : ፌደራል መንግስቲ:  ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ኣለቃሕቲ ትካላት ፋይናንስ ድጋፈን ከሐይላ ተሓቲቱ።


ኣብ'ቲ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን መንቀሳቐስቲ ዳኣንት ፣ ቴክኖሎጂ መባዝሕቲ ቲቪቲ ኮለጃት፣ ናይ ቢዝነስ ሓሳብ መሃዝቲ መናእሰይ ፣ ካብ ማእኸል ሃገርን ክልል  ዝመፁ ዝተፈላለዩ ኣፍረይትን መከፋፈልትን  ዝርከቡዎም ልዕሊ 300  ትካላት ይሳተፉ ኣለው።

እቲ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ካብ ታሕሳስ 18 - 27/ 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ እዩ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

26 Dec, 18:54


መረዳእታታት ብቴሌግራም ይጓሓሉ ምህላዎም ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (ኢንሳ) ኣፍሊጡ።

ኢንሳ ሎሚ ታሕሳስ 17/2017 ዓ.ም  ከምዘፍለጦ መረዳእታታት ብቴሌግራም ይጓሓሉ ብምህላዎም ተጠቀምቲ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። 


ስለዝኾነ እውን ተጠቀምቲ ኣድራሽኡ ካብ ዘይፈልጡዎ ውልቀሰብ ንዝመፆም ሊንክ ከይቕበሉን ሽዑ ንሽዑ ከጥፍእዎ ከምዘለዎምን ኢንሳ ኣተሓሳሲቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

26 Dec, 11:22


ስራሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝቆፃፀርን ዝግምግምን ኩሎም አወዳድባታት ዝተወከልሉ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ክጣየሽ 47 ስቪክ ማሕበራት ፃውዒት ኣቕሪበን።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሞንጎኛ ኮይኖም ድሕንነት ህዝቢ ከኸብሩን ነቲ ክጣየሽ ሕቶ ዝቐርበሉ ዘሎ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ድጋፎም ክገልፁን እተን ስቪክ ማሕበራት ፀዊዐን።

እተን 47 ስቪክ ማሕበራት ታሕሳስ 14/2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፀእኦ በዓል 4 ነጥቢ ቅዋም መግለፂ : ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ምትግባር : ተመዛበልትን ስደተኛታትን ትግራይ ምምላስ : ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ : ፀጥታን ድሕነትን ህዝቢ ምርግጋፅ : ብሄራዊ ሓድነትን ስምረትን ምርግጋፅ ቀንዲ ልኡኽን ስራሕትን እቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ እዮም ኢለን።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

25 Dec, 17:46


" ...ኣነ ከም ሓደ ኣብቲ ፈታኒ መኸተ ዝተሳተፈ ሰብ፣ ከም ኣብ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተሰተፈን ንቲ ውዕል ዝፈረመን ሰብ፣ ከም ሓደ ነቲ ዝተጣሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ሰብ፣   ዋላ 100% ዓቕሚ እንተሃለወ'ውን፣ እዚ ፀዋር ህዝቢ'ዚ  ዳግም ናብ ኲናትን መከራን ክኣቱ ፍፁም ኣይደልን። የግዳስ እዚ ብመሪር ተጋድሎና ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ዓቅብናን ናብ ኩሎም ግዝኣታት ትግራይ ክበፅሕን ብምግባር፣ ህዝብና ሰላም ክረክብን መሰረታዊ ረብሕኡን መሰሉን ክረጋገፅን  ኢና ክንሰርሕ ዘለና።"

          ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

07 Dec, 16:43


ትግራይ ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያ ዝተቋረፀ ሓይሊ መብራህቲ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሎሚ ሕዳር 28 / 2017 ዓ.ም ብሲስተም ዘይምርግጋዕ  ምኽንያት ኣብ መላእ እታ ሃገር መብራህቲ ተቋሪፁ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዝተቋረፀ መብራህቲ ንምምላስ ድማ ኣብ ፍልፍል ሓይሊን መከፋፈሊ ጣብያን ዓብይ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።

ዘሎ ምዕባለ እውን ንህዝቢ ከምዘፍልጥ ኣብ ዕላዊ  ገፅ ማሕበራዊ ሚድዩኡ ኣስፊሩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

07 Dec, 11:54


ፔፕሲ፣ ሚሪንዳን  ሰቨን ኣፕን ሰተዩ ተሸለሙ !! 

ኣብ ከተማ ፍቕሪ ድሬ ብፍቕሪ ዝተሰተየ ፔፕሲ ሽልማት ኣውሒዙ  !!

መዓልታዊ ሃሩር ከዝሕል ዝሑል ፔፕሲ ዝኣዘዘ በላይ ሞላሮ ዕፅኡ ኤሌክትሪኩ ዘይነዝር ቢዋይዲ ኤሌክትሪክ መኪና ኣምፂኡሉ ታሕገለሱ ዕፅፊ ኮይኑ።

ሕዳር 28 / 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተዳለወ ፍሉይ ሰነ-ስርዓት ሽልማት ዕድለኛ በላይ ሞላሮ ኣክስዮን ማሕበር ኢንዱስትሪ ልስሉስ መስተታት ሞሐ ፣ ንዓማዊሉ ካብዘዳለዎም ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ነታ ካልአይቲ ቢዋይዲ ኤሌክትሪክ መኪና ኣረኪቡዎ ኣሎ ። ደቂ ድሬ እንኳዕ ደስ በለኩም !  

ሐዚ እዉን ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ንሰብ ዕድል ይፅበዩ ኣለዉ ፡፡ ፍርያት  ሞሐ እናጠዓዓምና ዕድልና ንፈትን - ንተዓወት ! 

ፔፕሲ፣ ሚሪንዳን  ሰቨን ኣፕን ምስታይ የሸልም እዩ !
         @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

07 Dec, 09:56


ወናኒ ዶክትሬት ክብሪ ኣምባሳደር ባህሊ ኪሮስ ኣለማዮሁ ኪያኒ ዕድመ ልክዕ (ኣርቲስት ሂወት ዘበን) ዝብል ሽልማት ክብሪ ካብ ኦዳ  ተበርኪቱሉ።

እቲ ሽልማት ድምፃዊት ውላዱ ዛፉ ኪሮስ ኣለማዮሁ ኣብ'ቲ መድረኽ ብኣካል ተረኺባ ተቐቢላቶ ክብላ ዝተፈላለያ ሚድያታት ፀብፂበን። 
         @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

07 Dec, 09:28


ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)  ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ፀገም ንምድሓን እንታይ ንግበር ? ኣብ ዝብል እሂን ምሂን ዘቐድም ናይ ቀረባ : ማእኸላይን ርሑቕን ስትራቴጂታትን መፍትሒታት ንኣባላቱን ደገፍቱን ኣብ'ቲ ኣዳራሽ ንዝተረኸቡ ዕዱማትን ኣቕሪቡ ኣሎ።

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ  ከም ትግራይ ብድሑር ኣፅዋር ምስ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣፅዋር ዝገጠመትሉ ኣዝዩ ደማውን መስካሕክሕን ኪናት ዘትረፈ ኣማራፂ ዘይብሉ ኣማራፂ ምኻኑ ወድብ ውናት ይኣምን ዝበሉ ኣቦ-መንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደጀን መዝገበ :   ኪናት ደው ኣቢሉ  : ንህዝቢ ተነፃፃሪ እፎይታ ሂቡ  ክብሉ ኣብሪሆም። 

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሕመቕ መሪሕነት : ዓናቕፅ እቲ ውዕሊ ተሓንሺሾም :  ግዝኣታዊ ሓድነት ኣይተመለሰን  : ንሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኬንዳታት ዝተደርበየ ህዝቢ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን :  40 ሚእታዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን ኣሎ : ብሰንኪ ድኽመት መሪሕነት ልዕሊ 90 ሚእታዊ ተፀባዪ ሓገዝ ኮይኑ ኣሎ : ሎሚ ትግራይ ልዕሊ ብደገ ካብ ውሽጢ ትፈርስ ኣላ : ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ተጎዲኡ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም። 

ክልቲኦም ጉጅለታት ህወሓት ረብሓ ትግራዎት ማእኸል ገይሮም ዝሰርሑ ኣይኮኑን :  ብሰንኪ ሕመቖም  ከባቢያዊ ኣተሓሳስባ ኣንሳእሪሩ ኣሎ ዝበሉ ዶ/ር ደጀን : ዕድናን ንግድን ኣብ ኢድ በለፀኛታት ኣትዩ : ኢዶም ብቐሊሉ ዘይረአዩ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ደጋዊ ሓይልታት  ኣብ ትግራይ ኣለው : እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ፓለቲካዊ ውጥረት ትግራይ በቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ዝፍታሕ ኣይኮነን ኢሉ ኣሎም። 


ሕዚ እውን ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ትግራዋይ ብምትሕብባር ብሰላማዊ መንገዲ ሓቃፊ ጊዜ ምምሕዳር ክህሉ ምግባር : ሕጋዊ መረፃ ድሕሪ ምክያድ ድማ ኩሎም ሓሳባት ዝወከልሉ መንግሰወቲ ብምትካል ዳግም ህንፀት ትግራይ ክጋሃደወ ውድብ ናፅነት ትግራይ ምስ ከም እኒ ባይቶናን ዓረናን ሓበራዊ ስልተ ቃልሲ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም ዶ/ር ደጀን መዝገበ።
 

ኣብ'ቲ ዋዕላ  ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ተወከልቲ ዝተፈላለያ ውድባት ፓለቲካ ትግራይ : ፍሉጣት ሰባትን ሚድያታትን ተረኺበን እየን ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

07 Dec, 09:28


"ንበርትዕ ወይ ንበርዕን !! " 

ወድብ ናፅነት ትግራይ( ውናት) 

ውድብ ናፅነት (ውናት) " እንታይ ንግበር  ? ከመይ ካብዚ ፀገም ህዝብና ነድሕን ?  "  ብዝብል ቴማ  ሎሚ ቀዳም ሕዳር 28/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ዋዕላ " ትግራይ ኣብ'ዚ ወቕቲ 'ንበርትዕ ወይ ንበርዕን !! ' ኣብ ዝብል ኣማራፂ ትርከብ ምብርዓን ዘይሕሰብ እዩ : በርቲዕኻ ብጥሙር ሰላማዊ ቃልሲ ለውጢ ምምፃእ ግድን እዩ " ኢሉ።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Dec, 14:21


"ጥሙር ኮሚቴ ፀጥታ ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሰልፊ ከይግበር ተኸልኪሉ እዩ "

          ምምሕዳር ከተማ መቐለ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Dec, 13:52


# ከይዲ ፅገና " ዳግማይ መካ " !! 
ከይዲ ፅገና ሃይማኖታውን ታሪኻዊ ሓድጊ ነጋሽ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሃይላይ በየነ ሎሚ ሕዳር 27/ 2017 ዓ.ም ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድዮኦም ኣብ ዘማቐልዎ ሓበሬታ ከምዝበልዎ : ብሰንኪ ኩናት ከቢድ ዕንወት ወሪድዎ ዝነበረ ሃይማኖታውን ታሪኻዊ ሓድጊ ነጋሽ ከይዲ ጽገንኡ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ደረጃ ከይዲ እቲ ፅገና ንምዕዛብ  ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝምራሕ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ዝተወፃፅአ ጉጅለ ትዕዝብቲ ምክያዱ ኣይተ ሃይላይ ገሊፆም።

እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ
ኣጠቓቕማን ጽሬትን ጥረ ኣቕሓ
ተሳትፎ ሕ/ሰብ 
ትዕዝብትን ግበረ-መልስን ሕ/ሰብ ኣብ ከይዲ እቲ ስራሕ
ከይዲ ስራሕ ብኣንጻር ሃይማኖታዊ ክብሪ እቲ ቅዱስ ቦታ
ጠቕላላ ኣፈጻጽማ ስራሕ
ካልኦትን :
ኣመልኪቱ ገምጋም ምክያዱን : እቲ ከይዲ ፅገና  በዝተትሓዘሉ ጽሬት ፡ ግዜ ገደብ ፡ ተሳትፎ ሕ/ሰብ፡ ሃይማኖታዊ ክብ ፡ ዕግበት ሕ/ሰብን ኣማሊኡ ይሳለጥ ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም ኣይተ ሃይላይ በየነ

ሃይማኖታውን ታሪኻውን መስጊድ ነጋሽ ብዘለዎ ሃይማኖታውን ታሪኻውን ፀጋ ብሰዓብቲ እምነት አስልምና " ዳግማይ መካ " እናተብሃለ ይፅዋዕ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Dec, 11:04


" ኣጋጢሙ ዘሎ ፓለቲካዊ ቅልውላው ክሳብ ዝፍታሕን ብምርድዳእ ዝተመስረተ ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ ክሳብ ዝግበር ምሻምን ምውራድን ጠጠው ክብልን ካብ ኣዳራሽ ወፃኢ ዝካየድ ሰልፊ ከይግበርን ንፅውዕ "

ሸውዓት ስቪክ ማሕበራት ትግራይ 

እተን ስቪክ ማሕበራት ሎሚ ዓርቢ ሕዳር 27/2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅእኦ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም  : ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፓለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ሓፂር ጊዜ ንፓለቲካውን ወታደራውን መራሕትን ዳያስፓራን ብምዝታይ መዋፅኦ ዝኸውን መፍትሒ ሓሳብ ክነቕርብ ኢና ኢለን።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Dec, 08:20


500 ጎዳጕዲ ማይ ፀጊኑ ንህዝቢ ከም ዘረክብ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦ/ተ/ቤ/ን ትግራይ ገሊፁ።

ብስርቅን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ስርሐን ጠጠው ዘበላ 500 ጎዳጕዲ ማይ ፀጊኑ ንህዝቢ ከረክብ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ንሚዲያታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

ህዝቢ ብፍላይ ኣደታት ሰኣን ዝስተ ፅሩይ ማይ ክሳቐዩ የብሎምን ዝበለ እቲ ኮሚቴ፣ ካብተን ብትልሚ ዝተትሓዛ 500 ጎዳጕዲ ማይ እተን 225 ጎዳጕዲ ተፀጊነን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሐን ከም ዝጅምራ ገሊፁ።

ነዞም ዕማማት ንምፍፃም 11 ሚሊዮን ብር ተመዲቡ ከም ዘሎ ብምግላፅ፣ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ኣስፊሕኻ ንምዕማም ተወሳኺ ሓገዝ ክግበር ፀዊዑ ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ሕዳር 27 / 2017 ዓ.ም ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

06 Dec, 08:16


ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ን700 ንሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን  ጊዝያዊ መስርሕ መሸጥን ዓዲሉ። 

ምጥንኻር ስድራ ስውኣትን ሓርበኛታትን ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕ እውን እቲ ምምሕዳር  ኣፍሊጡ። 

እቲ ሎሚ ሕዳር 27 / 2017 ዓ/ም ተጀሚሩ ዘሎ ምዕዳል ጊዝያዊ መስርሕን መሸጥን ንሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ  ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ኣለም ኣረጋዊ ኣገንዚቦም። 

ሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን ምጥንኻር ግቡእና እዩ  ዝበሉ ኣይተ ኣለም ጠለብን ድሌትን ጀጋኑን ስድራ ጀጋኑን ንምምላእ  ብመሰረት መምርሕን ኣሰራርሓን ከም ዘተኣናገድ ገሊፆም።

ኣተሓባበሪ ኮሚሽን ሓርበኛታት ከተማ ዓዲግራት ተጋዳላይ ደገፎም ሃይለገብርኤል ብወገኑ: ንልዕሊ ሕቶ ዓመት ንምምላስ 1332 ሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን ከም ዝተዓደለን ከምዝዕደልን ሓቢሩ። 

እዚ ዝተዓደለ ጊዝያዊ መስርሕን መሸጥን  ፅምበራን ምምላስን ተጋደልቲ (DDRDDR) መሰረት ገይሩ ይወሃብ ከምዘሎን እቲ ቦታ ከም መጀመሪ ክኾኖም ከም ዝኽእልን  ኣገንዚቦም።

ተጠቀምቲ ብግደኦም መንግስቲ ንጀጋኑን ምትብባዕን ምጥንኻርን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከም ዝግባእን  እቲ ምምሕዳር ዝጀመሮ ተግባር ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ሕዳር 27 / 2017 ዓ/ም ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Nov, 09:12


ሎሚ ሓሙስ ሕዳር 12/2017 ዓ.ም ዕጥቆም ዘረከቡ 320 ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ናብ ማእኸላት ዲሞብላይዜሽን ስልጠና ማእኸላት ኣምሪሖም ኣለው።

ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝሰናበቱ 75 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ በብመዓልቱ 320 ናብ ማእኸላት ዲሞብላይዜሽን ብምእታው ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝሰናበቱ ሎሚ ብዕሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዕላዊ ስነ-ስርዓት ተገሊፁ ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Nov, 08:19


ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፈላሞት ናብ መሰልጠኒ ማእኸላት ዲሞብላይዜሽን ዝኣትው ተጋደልቲ ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምርካብ ስነ-ሰርዓት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ'ቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ : ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ : ፌደራል መንግስቲ : ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ወታደራዊ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ተረኺቦም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Nov, 07:22


# ፀብፃብ ቢቢሲ ኣብ  ቃንዛን ስቓይን ብሄረሰብ ኢሮብ

“ሕጂ ዝርኣየኒ ብሩህ ተስፋ የለን፤ ክሳብ ሕጂ፡ እምነትና ካብ ሰማይ እምበር ካብ ምድሪ ንርእዮ ተስፋ የለን” ኢሎም።

ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበሉ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢሮብ፡

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Nov, 07:21


# ፀብፃብ ቢቢሲ ኣብ  ቃንዛን ስቓይን ብሄረሰብ ኢሮብ

“ሕጂ ዝርኣየኒ ብሩህ ተስፋ የለን፤ ክሳብ ሕጂ፡ እምነትና ካብ ሰማይ እምበር ካብ ምድሪ ንርእዮ ተስፋ የለን” ኢሎም።

ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበሉ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢሮብ፡

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 15:29


ውዕሊ ሰላም  ፕሪቶርያ ስዒቡ ብዲሞብላይዜሽንን ዳግመ ውህደትን (ዲዲኣር) ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ናብ ንቡር ስቪላዊ ህይወት ንዝፅምበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ዝኣትውሉ ቅድመ ምድላው ይውገኑ ከምዘለው ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ  ጨንፈር ትግራይ ገሊፁ።

ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ  ቤትፅሕፈት ጨንፈር ትግራይ ከምዝበሎ : እቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ዲሞብላይዘሽንን  ዳግመ ውህደት (ዲዲኣር) ኣብ ትግራይ ካብ ሕዳር 12/ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ  ስነ ስርዓት ዳግመ ፅምበራ ብዕሊ ክጅምር እዩ ። 

እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ከምዝበሎ ኣካል እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ምቑራፅ ተፃብኦ ዝኾነ መስርሕ ንምትግባር ማእከላት ዲሞብላይዘሽን ናይ ምፅጋንን ካልኦት ኣድለይቲ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ክውገኑ ከምዝፀንሑ ሓቢሩ ኣሎ ።

ብተመሳሳሊ ሃገራዊ ኮሚሽን  ተሃድሶ ፌደራል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ ኣካል እቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ዲሞብላይዜሽንን ዳግመ ፅምበራን  ኣብ ፈላማይ  ዙር ኣብ ትግራይ 75 ሽሕ ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ናብ ስሩዕ ህይወቶም ክምለሱ ንምግባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ተወጊኑ እዩ  ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 15:19


ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሓወልቲ ኣኽሱም ፈላማይ ዓወት ኣመዝጊባ።

ሎማዓንቲ ረቡዕ ሕዳር 11/2017ዓ.ም ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ ሰሙን ግጥማት ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ጋንታ ሻሸመኔ ተፃዊታ ሓደ ን ባዶ  ብምዕዋት  ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 15:11


«ልሳነ ሳባ» ዝተብሃለ ናይ "ባዜን_ሮምሃይ" ውፅኢት ምርምር ብኢትዮጵያ ይኹን ብትግራይ ብርኪ ንመጀመርታ እዋን ብፅሑፍ ኮምፒዩተር ኮነ ሞባይል ፤ ትርጉምን ንባብን ካብ እምኒ ኣብ ወረቐት ዘስፈረ ተባሂሉ  ካብ ኢትዮጵያ ኣእምራዊ ንብረት በዓል ስልጣን ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ክብል ሚድያ ላዛ ትግርኛ ኣብ ናይ  ሕዳር 11 /2017 ዓ.ም ኣፍሊጡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 11:48


ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ  ልዕሊ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ገበን ፈተነ ቅትለት ምፅራይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።


ፓሊስ ኮሚሽን ትግራይ ሕዳር 11/2017 ዓ.ም ኣበረ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድዩኢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ :  ሕዳር 8/2017 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ከተማ ኣኽሱም ናብ ከተማ መቐለ ዝጓዓዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣጋጢሙ ዝተብሃለ ገበን ፈተነ ቅትለት ዘፃሪ ጉጅለ ተጣይሹ ኣሎ ኢሎ።


እቲ ኣብ መስመር ወረዳ ማይቅነጣል ጣብያ ላኼናይ ፍሉይ ቦታ ምፍልላይ ንኣንፈት ዕዳጋ ዓርቢ ካብ 3-5 ኪሎ ሜትር ዝኸውን እትው ኢልካ ኣብ ዘሎ ናይ “እንዳ ትካቦ ክሬቸር” ከባቢ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ገበን ፈተነ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተብሃለን ዝቕፅል ዘሎ ክልተ ጫፍ ዝሓዘ ሓበሬታታት ኣደብ ክግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ እቲ ኮሚሽን።

 
ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ቢሮ ፍትሒ ዝተወፃፅአ ጕጅለ ተጣይሹ ካብታ ገበን ተፈጺማታ ዝተብሃለት ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብን ከይድን ውጽኢትን እቲ ጕዳይ  ብቐጻሊ ከም ዝገልጽን ዝሓበረ  እቲ ኮሚሽን : የማነ ፀጋም ዝዋቕዑ ዘለው ወረታት ጠጠው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 02:50


ህንፀት መንገዲ ግራዳንደር -እንዳሞሳ  ልዕሊ 88 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ህንፀቱ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መንገዲ ግራዳንደር - እንዳ ሞሳ ዑደት ዘሳለጡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ከም ዝገለፅዎ፤ ምዕሩይ መንገዲ ብዘይ ምንባሩ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ይቃላዕ ከምዘሎ ብምግላፅ እቲ ስራሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተዛዚሙ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ከም ዝርከብ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ፕሮጀክት ማናጀር መንገዲ ግራዳንደር -እንዳ ሞሳ ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃ ኪሮስ ከም ዝሓበርዎ 21 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ዝሽፍን ህንፀት እቲ መንገዲ 88 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐን ብፅፈትን ፅሬትን ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ  ሓቢሩ ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 02:44


ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተመዛበለ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ኣኪብካ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝንብሮ ብዝሐሸ ብርኪ ክበፅሕ ክነብርን ዘላቒ ስላም ክሰፍን ዕላማ ገይሩ ከምዝሰርሕ ሲቪል ማሕበረስብ ወልቃይት ገሊፁ።

ሲቪል ማሕበረሰብ ወልቃይት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ በደል መከራን ህዝቢ ዝወለዶ ውዳበ ምዃኑ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ነጋሽ ግደይ ተዛሪቦም።

ኣይተ ነጋሽ ግደይ  ስቪል ማሕበረሰብ ወልቃይት ብቢሮ ፍትሒ ኣፍልጦ ካብ ዝርክብ 1 ወርሒ ከምዘቑፀረ ዝተሓበረ እንትኾን ኣብ ምእካብ ዝተበተነ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይን ምርግጋፅ ዘላቒ ስላም ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ድማ ገሊጾም።

እቲ ማሕበር ጉባኤ ከም ዘካየደን ፈፀምቲ ስራሕን ኣቦ ወንበርን ምክትልን ከምዝመረፀ ድማ ኣፍሊጡ። 

እቲ ማሕበር ሕድገት፣ ዕርቂ ፣ገበን ዝፈፀሙ ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ንምሰራሕ ከምዝዓለመ ድማ ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣይተ ኣድሓኖም ሰርጸ ሓቢሮም።

ካብ ዝኾነ ይኹን ፓለቲካዊ ውግንና  ነፃ ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣንገሶም ዘላቒ ስላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከመይ ምቕፃል ይክኣል ዝብል ኣጀንዳ ሒዝና ኢና ንቀሳቐስ ኢሎም ።

ኣይተ ኣድሓኖም  ፅቡቕ ርክብ ምስ መንግስታዊ ትካላት ከምዘለዎም ዝገለፁ ኮይኖም እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ዓለም ብዝርከቡ ተወልድቲ እቲ ከባቢ ከምዝተመስረተ ገሊፆም ።  

ኣብ መወዳእታ ንግዝያዊ ምምሕዳርን ፌደራል መንግስትን ሓዊሱ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምምላስ፣ ምእካብምን ምርግጋፅ ግዝ ኣታዊ ሓድነት ትግራይ ተራኣኦም ክፃወቱ እቲ ማሕበር ፃውዒት ኣቕሪቡ ይብል ፀብፃብ ድወት። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Nov, 02:39


ኣብ ከተማ ዓድዋ  ብልዕሊ 480 ሚልዮን  ብር ፋብሪካ እምነ በረድ ይህነፅ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ  ኢዱስትሪ ዞን እቲ ከተማ  ኣብ ዝተኻየደ ዑደት ኣብታ ከተማ ካብ ዝህነፁ ዘለው ሓደ  ብልዕሊ 480 ሚልዮን ብር  ወፃኢ ብበዓል ሃፍቲ ኣይተ  ኣረጋይ ገብረ ፃዲቕ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ  ፋብሪካ እምነ በረድ  ሓደ  ኮይኑ  ኣመራርሓ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት  ክርእዮ ኪኢሉ።

ኣብቲ ዑደት ብዛዕባ እቲ ፋብሪካ በዓል ሃፍቲ ኣይተ  ኣረጋይ ገብረ ፃዲቕ ከም ዝገለፅዎ እቲ ፋብሪካ እምነ በረድ ዝዓበየን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝኾነ ማሽናት ብምትካል በብምዕራፍ ነቲ ፋብሪካ ብምምስፋሕ  ልዕሊ 120 ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ዝፈጠርን ሙኻኑ ሓቢሮም ።

ኣብ ወረዳ ጭላ  እምነ በረድ ዝወፀሉ ሳይት ከምዘለዎን እቲ ፋብሪካ ኣብ ቐረባ እዋን ግራናይት እምነበረድ ከምዝፍርይ ዝገለፁ እቶም በዓል ሃፍቲ ከም ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ንመስፋፍሒ መሬት ይኹን ካልኦት ደገፋ   ክትትል ከይፍለየና በዚ ኣጋጣሚ ይሓትት ኢሎም።

 ከንቲባ ከተማ ዓድዋ  ኣይተ ዮሃንስ ገብረኣምላክ  ከም ዝገለፅዎ ከም ምምሕዳር ኣብ ከተማና ብተግባር ናብ ኢንቨስትመት  ስራሕቲ ካብ ዝኣትው ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ኣይተ ኣረጋይ ገብረፃዲቕ ከም ከተማ  ዳግመ ሕወየት ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ልምዓት ስለዝኾነ ብኣካል ደረጃ ህንፀቱ ስለ ዝተዓዘብና ነቲ  ፋብሪካ ብቕልጥፍ ንክዛዘም ክትትል ብምግባርን ነቲ ዝተልዓሉ ሕቶ እውን ጊዜ ከይወሰደ ከም ዝምለስ ገሊፆም ክብል ርክብ ሓበሬታ ከተማ  ዓድዋ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመልክት ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

14 Nov, 02:32


ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሰደት ካብ ዘምርሑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ መናእሰይ ወረዳ እገላ  አስታት 200  ግዳይ ሞት ከምዝኾኑ  ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጢ።


ሓላፊ ዘፈር ጉዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ወረዳ እገላ ፅጌ ተኽለማርያም ከምዝበልዎ : ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዓ.ም ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ጥራሕ 192 ኣዋልድ ዝርከበኦም 2000 መናእሰይ ናብ ስደት ኣምሪሖም ካብዚኦም እቶም 200 ንሕልፈት ተሳጢሖም። 



ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ'ታ ወረዳ ዘሎ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምንካይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክስራሕ እዩ ዝበሉ እቶም : ዘሎ ሕፅረት በጀት ንምፍታሕ ኣብ ዙሪያ ምብቃዕ ዓቕሚ መናእሰይን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደትን ዝሰርሑ ምግባረ ሰናይ ትካላት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም ክብል ሬድዮ ትግራይ ጠቒሱ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

13 Nov, 13:50


ህዝቢ ከተማ ዛላኣንበሳ ብሰንኪ ምምዝባሉ ኣብ ዝኸፍአ ፀገምን ጥሜትን ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ  ንዝተልዓሉ ሕቶታት  ፍታሕ ንምሃብ ከምዝሰርሑን  ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ድማ ምስ ዝምልከቶ  ኣካል ብምልዛብ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዘሎ  ግዝኣታዊ  ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። 

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ  ከተማታት መቐለ፣ዓዲግራትን ፋፂን ዝመፁ ተመዛበልቲ ተሳቲፎም እዮም። 

ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ጠለብ ሕብረተሰብ  ንተመዛባሊ ህዝቢ ከተማ ዛላኣንበሳ ብከንቲባነት ክመርሕ ዝኽእል መሪሕነት ንምሕራይ ዘኽእል ኮሚቴ ብምጥያሽ እቲ ዋዕላ ተዛዚሙ ክብል ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ጥቅምቲ 4/ 2017 ዓ/ም ካብ ከተማ ዓዲግራት ፀብፂቡ።

 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

13 Nov, 13:50


ፀጋን ፀገምን ሕብረተሰብ  ዘድምፅን ፍታሕ ዝናድን መሪሕነት ክትከል፣ናብ መረበቶም ክምለሱን  ፍትሓውነት ዝጎደሎ ፅንዓትን ክፍፍልን  ሰብኣዊ ሓገዝ ክመዓራረየሎም ተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ፀዊዖም። 

እዚ ዝተገለፀ  ተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ምስ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ  ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ እዩ። 

ተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንዘሳ ኣብ ዘቕረብዎም ሕቶታት  ከም ዘመላኸትዎ መንግስቲ ናብ መረበትና ይመልሰና፣ ብዝመረፅናዮ መሪሕነት ክንምራሕ ንጠልብ ፣ዕድል ስራሕ መናእሰይ ይፈጠረልና፣ምልስ ሰራዊት ይጠናኸሩልና ክብሉ ኣገንዚቦም። 

ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከባብታት ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ደገፍ እናተገበረለን ኣብ ዛላኣንበሳ ግን ኣይተሓገዛን፣ከም ካልኦት ከባብታት ምምዝባልና ዝገልፅ እኹል ሽፋን ሚድያ ኣይረኸብናን፣ኣብ ከተማ ፋፂ ዘሎ ኬላ  ጉምሩክ  ይለዓለልና፣ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣግባቡ ናብ ሕብረተሰብ ኣይበፅሕን፣ኣብ ክራይ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ምምሕዳር ከተማ ዛላኣንበሳ ግቡእ መንግስታዊ ግልጋሎት እናሃበና ስለ ዘይኮነ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ክናድየሎም ፀዊዖም። 

ካብ ሕብረተሰብ ንዝቐረቡ ሕቶታት  መልሲ ዝሃቡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ከም ዝገለፅዎ  ካብ ተመዛበልቲ እታ ከተማ ዝቐረቡ ሕቶታት ባይታ መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑን ነቶም ዝፍጠሩ ፀገማት ንምእላይ ድማ ምምሕዳር እታ ዞባ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

12 Nov, 11:43


ቅድሚ ኣዋርሕ ብፕሬዜደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከመሓድር ዝተመዘዘ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱ ክሳዕ ሎሚ’ ስርሑ ከምዘይጀመረ  BBC ትግርኛ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

12 Nov, 11:39


ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስን ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን  ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም  ምስ ክዩር ብላይንድነስ ብምትሕብባር ነፃ ናይ ስብሒ/ሞራ/ ዓይኒ  መጥባሕቲ ይህብ ኣሎ ።

ጥቅምቲ 30 / 2017 ዓ/ም ዝጀመረ እዚ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና   ክሳብ 5 ሕዳር 2017 ዓ/ም  ዝቕፅል ኮይኑ ካብ ዝጅምር ፣ ኣብ ውሽጢ  ክልተ መዓልቲ  ጥራሕ  467 መጥባሕቲ ስብሒ/ሞራ/ ዓይኒ  ብዕውት መንገዲ ብምክያድ ናይዞም ወገናት ናይ ዓይኒ ብርሃን ክምለስ  ምኽኣሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ ። 

ኣብዚ ወፈሪ ን1100 ወገናት ግልጋሎት  መጥባሕቲ ስብሒ /ሞራ/ ዓይኒ ክወሃብ እዩ ተባሂሉ  ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ድወት። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

12 Nov, 11:00


ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ  ጨንፈር ዓብይ ዓዲ  ን202 ደቂ ኣንስትዮ ንሳልሳይ ግዜ  ዝነበረን  ዓይኒ ዋና ልቓሕን ወለድን ምሕረት ከምዝገበረት  ኣፍሊጣ።

ኣካያዲት ስራሕ እታ ትካል ወ/ሮ ፅጌ ገ/ገርግስ፣  በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ  ቁሉዕ ወራር ኣብ ትካላት ፋይናንስ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፀሐ ብምሕባር፣  እተን ልቓሕ ዝተሰረዘለን ደቂ ኣንስትዮ  መሊሰን ካብ 30 ክሳብ 80 ሽሕ ልቓሕ  ብምውሳድ ዕቋር ብምጥንኻርን ደገፍ ክረኽባ ከምዝኽእላን ኣብ ጎኒ ትካል ኣደዳይ ማክሮፋይናንስ ብምዃን መነባብሮኦን ከመሓይሻ ከምዝግባእን ገሊፀን።

ምሕረት ልቓሕን ወለድን ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ከተማ ዓብይ ዓዲ  ብግደአን  ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩናት  ኣብ ናይ ቢዝነስ ትካለን  ዕንወት ከምዝበፀሐን ድሕሪ ምግላፅ ንዝተገበረለን ሕድገት ሕጉሳት ከምዝኾናን እታ  ትካል ኣካል ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኾይና ንኽትቕፅል ኣብ ጎኒ እታ ትካል ኾይነን  ደገፍ ከምዝገብራ  ገሊፀን'ለዋ ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን  ከተማ ዓብይ ዓዲ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

12 Nov, 10:58


ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብዝሒ ዓማዊሉ ልዕሊ 6 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ።

ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ስርሑ ካብ ዝጅምር  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ  2ይ ዓመቱ ዝደፈነ ኮይኑ ዓማዊሉ 6 ነጥቢ 1 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ገሊፁ።

ካፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2023 ዝነበረ ቁፅሪ ዓማዊሉ ብ47.3 ሚእታዊ ከምዝበረኸ ሓቢሩ'ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኔትወርክን ኣገልግሎትን 46 ሚኢታዊ ሽፋን ከምዘለዎን ኣብ መላእ ሃገር 3 ሽሕ ኔትወርክ ሳይት ብምዝርጋሕ ምስ ሑሉፍ ዓመት ክነፃፀር ከሎ  ብ50 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፁ።

ቁጽሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል ማኒ ኤም-ፔሳ 8.3 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ዝገለፀ እቲ ትካል እዚ ምስ ሑሉፍ ዓመት ክነፃፀር ከሎ  ቁፅሪ ተጠቀምቲ ብ6 ዕፅፊ ከምዝበረኸን 6.4 ቢልዮን ብር ብሞባይል ማኒ ትራንስፈር ኤም-ፔሳ ከምዝተሰጋገረ ኣረዲኡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Nov, 13:20


በቲ ሓደ ገፅ እቲ ኣፈላላይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተኻረረ ክኸይድ በቲ ካልእ መዳይ ድማ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተወደበ መንገዲ ብምዕንቃፍ ስራሕቲ መንግስቲ ናይ ምልማስ ዝተዋደደ ወፍሪ እናተኻየደ መፂኡን ኣሎን።


እዚ ወፍሪ ብላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ጉጅለ ዝምራሕን ዝግራሕን ኮይኑ ህዝብና ተስፋ ክቖርፅን ብቐፃልነት ኣብ ሰንፈላል ክጥሕልን ኮነ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር  እዩ።


ሎሚ ሎሚ ድማ እቲ ጉጅለ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፉ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ምፍፃምን ፍፁም ስርዓት ኣልቦነት ናብ ምስፍሕፋሕን ተሰጋጊሩ ኣሎ። 


ኣብ ከተማ መቐለ፣ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእኸልን ዝርኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናይዚ ተግባር መረጋገፅቲ ኣብነታት እዮም። ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጀሚሩ ከዓ “ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ተረዳድእና ኢና፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውር መንግስቲ ክንቆፃፀር ወዲእና ኢና ወዘተ” እናበለ ሰፊሕ ናይ ምድንጋር መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።


እዚ ኣበሃህላ ባዕሉ ንባዕሉ ዘታልለሉ ኣጉል ተስፋ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጥር ትብል ሓቂ ዘይብሉ  ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ። እዚ  ጉጅለ ካብ ስልጣን ወፃኢ ክሓስብን ክእምትን ስለዘይኽእል ወግሐ ፀብሐ ተመሊሱ ስልጣን ዝሕዘሉ ሕልሚ ካብ ምሕላምን ንስልጣን ክብል ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ካብ ምፍፃምን ንድሕሪት ከምዘይብል ግን ብተደጋጋሚ እናተርኣየ መፂኡ እዩ። 


ምስ ሰራዊት ተረዳዲእና ኢና ብዝብል ዝገብሮም ዘሎ ተደጋጋሚ ምድንጋራት እውን ንስልጣን ክብሃል እንተኽኢሉ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበለ ሓይሊ ንፀቢብ ድሌቱ መማልኢ ካብ ምጥቃም ናብ ድሕሪት ከምዘይምለስ ብዝግባእ ዘርኢ እዩ:: ብመራሕቲ ሰራዊት ኮነ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተጀማመሩ ነገራት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ከይድታት ካብ ልቢ ከምዘይቕበል ብኣደባባይ እናገለፀ መፂኡ እዩ::


በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ቃልሲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ወድብ ዝክኣሎም ኩሉ ንምግባር ሕዚ እውን  ድሉዋት ምዃኖም ምግላፅ ኣገዳሲ እዩ። ምስዝኾነ ኣካል ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምልዛብ እውን ድሉዋት እዮም። ይኹን እምበር መንግስታዊ ስልጣን መን ይሓዝ ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ድልድል ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናብ ድርድር ከምዘይቐርብ ግልፂ ክኾን ይግባእ። ኣብ ከይዲ ክህሉ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ኣብ መንጎ መሪሕነት ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፅባብን ንምፍታሕን እምበር ናይ ስልጣን ክፍፍል ንምግባር ኣይኮነን፤ ኣይሕሰብን እውን።



ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብን ብምስፋሕን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዝርከብ መላእ ህዝብና እውን ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር እምነትና ሙሉእ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

         ሕዳር 1/ 2017 ዓ.ም
               መቐለ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Nov, 13:20


እዋናዊ መግለፂ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብኽባር መስዋእትና ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ መሰረታዊ ሕቶታት ትግራይን ህዝባን ንምምላስ እናሰርሐ ምምፅኡ ዝፍለጥ እዩ። 

ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ፀፍሒ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእን ድሕሪ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብግልፂ ዝተርኣየ ኣፈላላይን መሰረታዊ ሕቶታትና ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዝተዋደደ ፃዕሪ ከቢድ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዩ። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

10 Nov, 11:44


ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ተሳሊጡ። 

ኩሉ በብዝተዋፈሉ ሞያን ስራሕን ኣብ ቅዱስ ተግባርን ስብኣዊ ወፈያን ብምስታፍ ፀገም ዓዱን ህዝቡን ኣብ ምቅላል ዜግነታዊ ግቡኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ። 


ሎሚ ሕዳር 1/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሳለጠ ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ዘጀመሩ ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት  ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ : ስፓርት ኣትሌቲክስ ጥዕናና ካብ ምሕላው ሓሊፍና ፍልፍል እቶት ክኸውን ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ። 


ኣባል መስራቲ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ህፃናትን ሕሙማን ኣእምሮን ኣባ ሳሚኤል ኣስገዶም ብወገኖም : እቲ ማእኸል ዛጊድ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ኣስታት 300 ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ተቐቢሉ ይሕብሕብ ምህላው ብምግላፅ ዝመፁዎ ዓበይቲ ሕቶታት ክምልሰ ተፀጊሙ ኢሎም።

ኣብ ኩለን ዞባታታት ትግራይ መሐብሐቢ ማእኸላት ንምጥያሽ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝበሉ ኣባ ሳሚኤል : ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብናፃ ኣብ ዝሃቦ 43 ሽሕ ካሬ ሜትር ቦታ ኩለ መዳያዊ ህንፃ ምህናፅ ምጅማሩን እቲ ህንፃ ልዕሊ 3 ቢሊዮን ብር ዝውድእ ብምኻኑ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ኩሉ ዘዝኻኣሎ ክሕግዝ ፀዊዖም።


እቲ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ
ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ 
- ብዊልቸር ዝጓዓዙ ኣካል ጉዱኣት:
- ህፃናት : 
- ስሩዓት ኣትሌታት :
- ካልኦትን

ብምስታፍ ዝተኻየደ ኮይኑ : ንተዓወትቲ በብደረጅኦም  ዝተፈላለዩ ሽልማት ተዋሂቡ።


ኣብ ውድድር ካልኣይ ዙርያ ዓብዪ ጉያ ፍሬምናጦስ ኣትሌት ገ/ሄር ገ/ማርያም ሓዊሱ : ኣመራርሓ ፌደሬሽንን ኣትሌቲክስ ትግራይን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ምርካቦም ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ። 

 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

09 Nov, 09:28


ዩኒቨርስቲ መቐለ ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 30 / 2017 ዓ.ም ንመበል 30 ጊዘ ተምሃሩኡ ኣመሪቑ።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ካብ ሎሚ ካበረ ዘመረቖም ኣስታት 3 ሽሕ ተምሃሮ እተን 28 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን  ተሓቢሩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

05 Nov, 13:56


ኣብ ኣፍሪካ ፈላሚ ዋንነቱ ናይ ትካል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነ  ኤርባስ ኤ 350-1000 ኣውሮፕላን ሎሚ ጥቅምቲ 26/2017 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

05 Nov, 11:46


ሳልሳይ ዙር ዕላዊ መፅናዕትን ፅገናን ሓወልቲ ኣኽሱም ተጀሚሩ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎሚ ጥቅምቲ 26 /2017 ዓ.ም ከምዝበልዎ  : ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ፣ MH Engineering Company and Studio Crochi፣ ህዝብን ምምሕዳርን ኣኽሱም ፣ ሊቃውንትን  ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ዕላውነት መፅናዕትን ፅገና ተሳሊጡ ኣሎ።

ነቲ ኣብ 9 ኣዋርሕ ዝሳለጥን ዝዛዘምን ስራሕቲ መፅናዕትን ፅገናን መልዓሊ ብር 115 ሚልዮን ምርካቡ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ገሊፆም። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

05 Nov, 01:11


ኣሜሪካውያን ሎሚ መዓልቲ ንቐፀልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሖም ፕሬዜዳንት ክመርፁ እዮም።  

ኣብ'ቲ ሎሚ ዝካየድ ፕሬዜዳንታዊ መረፃ ኣብ መንጎ ወካሊት ፓርቲ ዴሞክራት ካማላ ሃሪስን ወካሊ ሪፐብሊካን ዶናልድ ትራምፕን ብርቱዕ ንሕንሕ ክካየድ እዩ።

ሎሚ ብዕሊ ንዝካየድ መረፃ ኣቐዲሙ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ልዕሊ 78 ሚሊዮን ኣሜሪካውያን ንሃገሮም ዝረብሕን ዝኸውንን ዝበለዎ ፕሬዜዳንት ምምራፆም ፀብፃባት የመላኽቱ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

04 Nov, 07:36


መንግስቲ ፌደራል ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፁ ክገብር መንግስቲ ኣሜሪካ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፁን ተመዛበልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መረበቶም ክምለሱን ክገብር መንግስቲ ኣሜሪካ ጥቅምቲ 25/  2017 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ  ፀዊዑ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ካልኣይ ዓመት ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ ።

ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ድማ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂ ፣ዳግመ ፅንበራን ምትካል እግርን ኣባላት ሰራዊትን ንዝተጀመሩ ሰራሕቲ ዝነኣደ ኮይኑ ግዳያት ማእኸል ዝገበረ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ኣተሓሳሲቡ።

ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ሰምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ፕሪቶርያ ዘላቒ ሰላም ንከስፍን ኩሎም ኣካላት ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

04 Nov, 05:55


ሓቀኛ ፍትሕን ርትዕን ክርከብ እንተኾይኑ ብነፃን ኣህጉራውን  ኣካል ተራእዩ ክረጋገፅ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ ኢሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።


ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥቅምቲ 24 /2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝበሎ : ዝተፈፀመ ግፍዕን ጨፍጫፍን መዕለቢ ፍትሒ ክዋሃቦ ኣለዎ ኢሉ። 


"ኣብ ልዕሊ ግዳያት ምጽናት ዓሌት ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ንመፃኢ ወለዶታት'ውን ፍትሕን ርትዕን ክረክብ ረዚን ሓላፍነት ኣለና። እዚ ድማ ሱር ከይሰደደን ናብ ካልእ ሕነ ምፍድዳይ መስርሕ ከይሰጋገርን ሑዱር ቅርሕንቲ ከይፈጠርን ብምጥንቃቕ ሙሉእ ኣቓልቦ ሂብካ ምስራሕ ወሳኒ'ዩ " ዝበለ እቲ መግለፂ : ህዝብን መንግስትን ትግራይ ባህሪ ፣ ስፍሓት ፣ እቲ ገበንን ውስብስብነት ናይዚ ግፍዕታትን ኣብ ግምት ብምእታው ሓቀኛ ፍትሕን ርትዕን ክርከብ እንተኾይኑ ብነፃን ኣህጉራውን  ጥራይ እዩ ተራእዩ ክረጋገፅ ዝኽእል ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለና " ብምባል ኣብሪሁ። 

ኣብዞም መሰረታዊ መትከላት ዝተሞርኮሰ ንቐፃሊ ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና እዋን ንሰላም ፣ፍትሕን ተሓታትነትን ኣብ ምርግጋፅ ነቕ ዘይብል እምነትን ተወፋይነትን ከምዘለና ከነረጋግፅ ንፎቱ ።" ክብል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ መግለፂ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Nov, 07:30


ትማሊ ካብ ጥቅምቲ 23 ናብ 24 /2017 ዓ.ም ሕላፍ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኣዋሽ ክልል ዓፋር ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ራዕዲ ምግጣሙ እማኛት ገሊፆም።

እቲ ራዕዲ መሬት ከተማ መቐለን ከባቢኣን እውን ዝሓወሰ ምንባሩ እማኛትን ሰብ ሙያን ንቲክቫህ ገሊፆም።

ከም እማኝን ትዕዝብትን ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ እቲ ራዕዲ መሬት ብፍላይ ኣብ ደብሪ ህንፃታት ንዝነብሩ ኣዐርዩ ተሰሚዑ እዩ ። 


ዝሓለፈ ዓርቢ ጥቅምቲ 22/2017 ዓ.ም ምሸት 3:55 ብተመሳሳሊ ካብ ኣዋሽ ዓፋር ዝተልዓለ ራዕዲ መሬት ምንባሩ እውን ቲክቫህ ፀብፂቡ እዩ። 

ኣብ ዓፋር ይደጋገም ዘሎ ራዕዲ መሬት ንትግራይ ዘለዎ ፅልዋን ክገበር ዝግበኦ ጥንቃቐን ዝምልከት ሓበሬታ ሰብ ሙያ ኣተኣላሊሹ ናብ ህዝቢ ከምዘቕርብ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ይገልፅ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Nov, 06:53


ትግራይ ብማሕበራት ስራሕ ትሓዊ !!

ተቐማጢ ሃብታ ክሳብ ሰነ 30/2016 ዓ.ም ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢሊዮን : ዝሃበቶ ልቓሕ ድማ ኣስታት 1 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ምብፅሑ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ኣፍሊጣ።

እታ ሕ/ሰ/ ማ ሎሚ ጥቅምቲ 24/2017 ዓ.ም " ትግራይ ብማሕበራት ስራሕ ትሓዊ " ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዘሳለጠቶ መበል 15 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘፍለጠቶ : ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዘለዋኣ 10 ጨናፍር ዝርከብ ኣባላ ልዕሊ 32 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።

ኣቦ-መንበር ቦርድ ሕ/ሰ/ ማ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ሓለፎም ገዛኢ ኣብ ዘስመዕዎ መኽፈቲ ዘረባ : እታ ማሕበር ኣብ'ቲ ሕሉፍ ጊዚያት ኪናት ከይተረፈ ኣገልግሎታ ከምዘየቋረፀት ብምግላፅ ኣብ ቃልሲ ብመስዋእቲ ናይ ዝተፈለዩ ኣባላታ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ብር ዕዳ ስረዛ ክትገብር እያ ኢሎም።

ኣብ'ቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ : ሕ/ማ ዕቋርን ልፃሕን ፋና መናእሰይ መርአያ ትካላት ፋይናንስ እያ : ጎና ጎኒ ዕቋርን ልቓሕን ኣብ ምፍፃም ማሕበራዊ ሓላፍነት ልዑል ተሳትፎ ሃልዩዋ ትቐፅል ኢሎም።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ፋና ንዝኣመሰላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ኣብ ምጉልባት ቁጠባ ዓድን ህዝብን ዘለወን ዕዙዝ ግደ ይርዳእ እዩ : ኩሉ ዓይነት ምትብባዕ እውን ክገብር እዩ ኢሎም ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ሕ/ሰ/ ማ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ቅድሚ 10 ዓመት ብ 92 ኣባላትን ብኣስታት 33  ሽሕን 180 ብር ካፒታልን ዝተጣየሸት ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ትካላት ሕ/ሰ/ ማ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ምኻና ይፍለጥ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Nov, 05:57


ብርግፅ መንግስቲ ፌደራል ንምኽታም ውዕሊ ፕሪቶርያ ስዒቡ  መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ከም ባንኪ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን ፣ መጓዓዝያ ኣየርን ምድርን ወዘተ ምምላስ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዘተባብዑ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ክሳብ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ተዛማዲ ሰላም ብምዕቃብን እቲ ስምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ ንምትግባር ንምስራሕን ቁርፀኛ  ምዃኑ ኣርእዩ እዩ ኢሎም ።

ኮይኑ  ግና ኣብ መጨረሽታ  ውፅኢታውነትን ዕውትነትን  ስምምዕነት  ፕሪቶርያ  ዝዕቀን ፡  ብመንፅር  ኩሎም ረብሓታት ትግራይ  ምርግጋጽን በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ  ኩናት ስዒቡ ዝተፈጠሩ  ንምእማ ኣዝዮም  ዝኸብዱ ብድሖታትን ጉዳያትን ንምፍታሕ ብዘለዎ ዓቕሚ ጥራሕ እዩ ዝዕቀን ኢሎም ፕረዝደንት ጌታቸው ። 


በዚ መንፅር ትግራይ ብሕገ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ግዝኣታት ትግራይ  ሕዚውን ኣይተኸበርን፣ ነዚ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ብዙሕ ምዕባለ ኣይተራእየን ዘሎ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፣ ሕዚ እውን ሙሉእ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሓይልታት ኣምሓራ እዩ ዝርከብ ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣብ መቐበሊ ሰፊሮም  ኣዝዩ ከቢድ ሓሳረ መከራ  ዝተመልኦ ከቢድ ሂወት  ኣለዉ ኢሎም ። 


ሓይልታት ኤርትራ እውን ኣብቶም  ብሓይሊ ጎቢጦም ዝሓዝዎም ከባቢታት  ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ከቢድ ጨፍጫፍ እናፈፀሙ ይቕጽሉ ኣለዉ ። በዚ ምኽንያት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ትሕቲ ንምእማኑ ዝኸብድ  ፅንኩር ኩነታት  ይቕጽሉ ከምዘለው ገሊፆም ። 


እዞም ጉዳያት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ  ጊዜ ከይሃብካ ዝተዋደደን  ጻዕሪ እንተዘይተገይሩ፡  ምሉእ ሰላም ክረጋገፅ ዘጸግም ኮይኑ ክቕጽል እዩ እንተተብሃለ  ምግናን ኣይኮነን  ኢሎም ፕረዝደንት ጌታቸው  ረዳ ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባሩ ዘላቂ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንዞባዊ ሰላምን ድሕነትን እውን ርሑቕ ዘስጉም ጽልዋ ክህልዎ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው  ረዳ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ  ኣብ ቅድሚ ዓለም  ዝተኸተምን ዓለምለኻዊ  ስምምዕ ሰላም  ሙኻኑ  ኣብ ግምት ብምእታው ፡  ዓለምለኸን ኣህጉራውን መሻርኽትና ኣካላት ብዘይምድንጓይን እቲ  ስምምዕ  ምሉእ ብምሉእን ክትግበር  ፃዕርታቶም ብዝያዳ  ከዕብዩ ይግባእ ኢሎም ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

03 Nov, 05:57


ስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ምግባር ዘላቂ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንዞባዊ ሰላምን ድሕነትን እውን ርሑቕ ዘስጉም ጽልዋ ከምዝህልዎ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።


ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ካልኣይ ዓመት ምኽታም ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም  ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ  ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ፣ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሕዚው ነቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ከምዘየረጋገጸን  ኣብቲ ምኽታም ውዕሊ ዝነበሩ ኣካላት  ብሙሉእነት ክትግበር ብዘይ ውዓል ሕደር ግብኦም ክፍፅሙ ፀዊዖም ።


ካብ ሞንጎ  ኣዝዩ ወሳኒ  ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝበሃል  ኣብ መላእ ትግራይ ብዘስካሕክሕን ብዘይሙቁራፅን ዝፍፀም ዝነበረ  ቶኩሲ ድምጺ ጥይት ንልዕሊ ክልተ ዓመት  ክግታእ ምግባሩ  እዩ  ዝበሉ  ፕረዝደንት ጌታቸው  ረዳ ፣  ካብ ዓውደ ውግእ ወፂእና  ምስ መንግስቲ ፌደራል ብፖለቲካዊ ክትዕ  ብምትሕብባር ናይ ስራሕ ዝምድና ዕድላት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 20:49


" ንዕርቅን ሽምግልናን ተስማዕሚዖም  ብዝብል ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ምዃኑ ነፍልጥ። " 

ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ( ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት።

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ትማሊ ጥቅምቲ  22/ 2017 ዓ.ም ብሞንጎኝነት  ጳጳሳት መንበረ ደላማ ኦርቶዶክሰወ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንዝተሳለጠ ርክብ ገፅ ንገፅ ክልቲኦም ሓይልታት ዝምልከትፅሑፈፂ  እዋናዊ መብርሂ ዕላዊ ገይሩ።  

"ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳት ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብስልጡን ሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ዓሊሞም ምኽርን ተግሳፅን ንምሃብ ንዘዳለዉዎ መርሃ ግብሪ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ምድንጋራት ከም ዝተፈጠሩ ንምርዳእ ክኢልና ኣለና። " ኢሉ ኣሎ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ( ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት።



"በብፁኣን ኣቦታት ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ዕላምኡ ኣፈላላያት ንሕጊ፣ ስርዓትን ትካላውነትን ማእኸል ገይሩ ንህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ብዘየምፅእ ብዝሰልጠነን ሰላማውን መንገዲ ጥራሕ ንኽፍታሕ ምኽርን ተግሳፅን ንምሃብ እዩ። " ዝበለ እቲ ውድብ ኣጋጢሙ ዘሎ ፓለቲካዊ ፍልልይ ብመትከላውነትን ስርዓትን መሰረት ብምግባር ብስልጡን ፖለቲካዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዓሊሙ በቶም ኣቦታት ንዝቐረበ ምኽሪ ድጋፉ ምግላፁ ኣብሪሁ።

" ካብ’ዚ ወፃእ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ሚድያታትን ንዕርቅን ሽምግልናን ተስማዕሚዖም  ብዝብል ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ምዃኑ ነፍልጥ : " ብምባል ዕላዊ ገይሩ ኣሎ  ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት።

 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 13:07


ማሕበር ኣክስዮን ኢንዳስትሪ ልስሉስ መስተ ሞሃ

ንዓማዊሉ ካብ ዘዳለዎም ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ውሽጢ ፈላሚት ዕፃ ቮልስ ዋገን ኣይዲ 4 (VW ID4) ኤሌክትሪክ መኪና  ኣብ ሃዋሳ ከተማ ንዕድለኛ ደንበኛ በፂሓ ፡፡  

ዕድለኛ ተዓዋታይ ኣሸናፊ ኤርሚያስ ብርሃኑ ፣ ሽልማቶም ጥቅምቲ 23 / 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሐዋሳ ኣብ ዝተዳለወ ፍሉይ መድረኽ ስነ ስርዓት ሽልማት ተረኪቦም።  


ቕድሚ ሐዚ ኣብ ከባቢ ኣዲስ አበባ 04 ቢዋይዲ ኤሌክትሪክ መኪና ንበዓል ዕድል ከምዝበፅሐት ይዝከር ፡፡ 


ሕዚ እውን ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ማሕበር ኣክስዮን ኢንዳስትሪ ልስሉስ መስተ ሞሃ ንሰብ ዕድል ይፅበዩ ኣለው። 


ፍርያት ማሕበር ኣክስዮን ኢንዳስትሪ ልስሉስ መስተ ሞሃ ዝኾኑ ፔፕሲ ፣ ሚሪንዳን ሰቨን አፕን እናጠዓዐምና ፅምእና ነዐግስ ን ክንሸለም ዕድልና ንፈትን ።

ማሕበር ኣክስዮን ኢንዳስትሪ ልስሉስ መስተ ሞሃ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 10:22


ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተገብሩ ተደጋገምቲ ልዝባትን ምይይጣትን ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ውዕሊ ብዙሓት ምምሕያሻት እናተገበረሎም መፂኡ እዩ። ካብቶም ዝተገብሩ ምምሕያሻት ገሊኦም ንምሕባር ዝኣክል ኣብ ማእኸል ትግራይ ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብተነፃፃሪ ናብ ወሰና ወሰን ትግራይ ክንቀሳቐስ ኣኽኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ምዕራብ ትግራይ፣ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ደቡብ ትግራይን ፀለምትን ሕዚ እውን ናብ ግዝያዊ  ምምሕዳር ትግራይ ኣይተመለሱን ።  ብተመሳሳሊ  ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ድማ ካብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ሓራ ኣይወፅኡን። 

በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበለ ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ናይ ሓሳረ መንከራ ህይወት ከሕልፍ ይግደድ ኣሎ። ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይኽኣሉን። ብድማር ድማ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክምለስን ክኽበርን ኣይኽኣለን ዘሎ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ቅሩብነት ጉድለት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ዘይምቅድዳውን እቶም ክሳብ ሕዚ ዘይተመለሱ ዓበይቲ  ሕቶታትና ክጓተቱን ክተዓናቐፉን ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ነይርዎን ኣለዎን። መሪሕነት ህወሓት እቲ ውዕሊ ዝፈጠረልና ዕድል ፀንቂቕና ብምጥቃም ጉድኣቱ ንምንካይ ኣብ ክንዲ ብሓደ ልቢ ዝረባረብ  ንድልየትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ  ከም ካልኣይ ብርኪ ብምርኣይ ኣብ ናይ ባዕሉ ሕቱኽቱኽ ስለዝተፀምደ ናይ ምድርዳር ዓቕምና ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ልዕሊ ምሕንሻሹ ባዕሉ ንባዕሉ ንምጥልላፍ ዘሕለፎ ግዜ ናይ ህዝብና ፀገም ክናዋሕ ኣብ ምግባር ርኡይ ግደ ተፃዊቱ እዩ። 

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ፣ ሕግን ስርዓትን ብምኽባር፣ ዝተጀማመሩ ናይ ለውጢ ዕማማት ዝያዳ ብምጥንኻር እቶም ክሳብ ሕዚ ዘይተመለሱ ወይ ዘይተማልኡ ሕቶታትና መሊኦም ንክምለሱ ኩለመዳያዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል በዚ ኣጋጣሚ እናረጋገፀ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለምን ዝርከብ መላእ ህዝብና ድማ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሰሊፉ ካብኡ ዘደሊ ኩሉ ከምዝገብር ብምትእምማን እዩ።

ሕዚ እውን ዘይተመለሱ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዝሓሸ ብርኪ ንክመለሱ፣ በቲ ውዕሊ ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ሓራ ንክወፅኡን ኢሉ ድማ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብዝመረፆ መንግስቲ ንክመሓደር ዘኽእሎ መንግስቲ ብሕጋዊ መረፃ ኣቢሉ ከጣይሽን እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ ትግራዋይ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋኡ፣ ሃይማኖታዊ እምነቱ፣ ሞያኡን መንበሪ ከባቢኡን ብዘየገድስ ሓድነቱ ኣስጢሙ ብሓባር ክረባረብ ይግባእ። መንግስቲ ፌዴራል፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ክሳብ ሕዚ ዘይተመለሱ ሕቶታትና ንክምለሱ ካብኦም ዘድሊ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ ይብል : ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጥቅምቲ 23 / 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።  
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 10:22


"ውዕሊ ፕሪቶሪያ መሊኡ ተተግቢሩ ዝብሃል ኣይኮነን " 
          ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 

እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ጥቅምቲ 23 /2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ : ማእኸሉ ደው ምባል ተፃብኦ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም  ክልተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ ኢሉ። 

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ 


እቲ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕሊ ደው ምብል ተፃብኦ ነቲ ንክልተ ዓመታት ብዝኸፍአ መንገዲ እናተጋደደን ሓያል መስዋእቲ ዘኽፍለና ዝነበረን ደማዊ ኩናት ደው ካብ ምባል ብተወሳኺ ንባንኪ፣ ቴሌኮምን መብራህትን ሓዊሱ ንዓመታት ተዓፅዮም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክኽፈቱ ገይሩ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ንዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ  ርሒቖም ዝፀንሑ ህፃናትን ኣባፅሕን ትግራይ እውን ናብ ትምህርቲ ንክምለሱ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ ።  እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ትግራይ ሓቛፋይ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣጣይሻ ምስ ውሱንነቱ እውን እንተኾነ ባዕላ ንባዕላ ንክተመሓድር ዘኽእላ ዕድል ፈጢሩላ እዩ።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 09:47


ዘተጎደአ ነባር ምሕዝነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ናብ ንቡር ዝመልስ ካብ ዝሓለፈ ዝቐፀለ ርክብ ተኻይዱ።

ኣብ'ቲ ሎሚ ጥቅምቲ 23/2017 ዓ.ም ረፋድ ኣብ ከተማ ኣብዓላ ዓፋር ዝተሳለጠ ርክብ : 

ገፅ ንገፅ ርክብ ህዝብታት ክልቲኡ  ክልል ክጅምር : 
ዝተኸልከሉ መንገድታት ክኽፈቱን ናፃ ርክብ ክህልውን :   
ካብ ዓፋር ናብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ክምለሱ :
ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ሰላምን ልምዓትን ክልቲኡ ክልል ክጅምር ፤
ኣብ ክልቲኡ ክልል ገበን ንዝፈጸሙ ኣሕሊፍካ ምውህሃብ ክህሉን ምትእምማን ክፍጠርን : 
 ክልቲአን ክልላት ሓባር ትልሚ ሰላምን ጸጥታን ኣውፂአን በብወርሑ እናገምገማ  ክስርሓ 

ኣብ ዝብል ዘተ ተኻይዱ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ  ዝቐፀለ መድረክ ርክብን ዘተን  ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ኣዋሰንቲ ዞባታት ትግራይን ዓፋርን  ደቡብ ምብራቅን  ዞባ ክልተ ክልል ዓፋርን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ።  ።

ብወገን ትግራይ ናብ ኣብዓላ ዓፋር ንዝተጉዓዘ ወኪል ትግራይ  ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡበ ምብራቕ  ፀጋይ ገ/ተኽለ  : ብምኽንያት ደማውን መስካሕክሕን  ኹናት ትግራይ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ዓፋር-ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ብወገን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓብዪ ድልየትን ድልውነትን ኣሎ ኢሎም ።

ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ  መፈለምታ  ብፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ አይተ ጌታቸው  ረዳ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ትግራይ ናብ  ክልል ዓፋር  ከተማ ሰመራ ተጓዒዙ ምስ ፕረዝደንት  ክልል ዓፋር  ሓጂ አወል ኣርባ ምርኻቡን ምዝታዩ ይዝከር ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 09:18


" ኣብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዝበፅሐ ሕክምና ዝተነቐለ ስኒ መሊስካ ምትካል (Dental Implant) ኣብ ሃገርና ገና እዩ ዝበሉ " ስፔሻሊስት ሓኪም ስኒ ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ዝተውሃቦም ሽልማት እቲ ሕክምና ብዝበለፀ ክስፍሑዎ ፍልጠትን ሞራልን ከምዘስነቖም ገሊፆም።

"ቴክኖሎጂ ሕክምና ስኒ ጥዕናና ካብ ምሕላው ሓሊፉ  መልክዕ ገፅና ክሕሎ ዓብዩ ኣበርክቶ ዝገብር እዩ  " ዝበሉ ስፔሻሊስት ሓኪም ስኒ ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ህዝቢ ንክንክንን ጥዕናን ኣስናኑ ዝለዓለ ትኹረት ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ወናኒ ሕክምና ስኒ ቤላ መቐለ ስፔሻሊስት ሓኪም  ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ብኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ኣብ ሆስፒታል ሪምና : ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል  ዓይደር መቐለ :  ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን እናተዘዋወሩ ከምዝሰርሑ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 09:18


መንእሰይ ትግራዋይ ስፔሻሊስት ሕክምና ስኒ ብስኒ ብዘይ ደጋፊ  ምትካል (Dental Implant) ተሸላሚ ዓለምለኸ ዲፕሎማት ኮይኖም ።

ሓኪም ኢትዮጵያ ዝተብሃለ  ገፅ ማሕበራዊ ኣብ ዝሕለፎ  መልእኽቲ ሓጎስ, : ስፔሻሊስት ሓኪም ስኒ ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ሓጎስ  በብርኪ ኣፍሪካ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ዝተሳለጠ  ዓለምለኸ ሲምፖዝየም ስኒ ብዘይ ደጋፊ  ምትካል (Dental Implant) ብዝረአዩዎ ብቕዓት  ተሸላሚ ዝለዓለ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዲፕሎማት  ኮይኖም።

ስፔሻሊስት ሓኪም ስኒ ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ :  ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ዓመታዊ ዓለምለኸ ሲምፓዝየም ሕክምና ስኒ ( 30th EDPA Annual Conference and Africa's First Global Implant Symposium) ካብ ሓሙሽተ ዓለምለኸ ሓኻይም ስኒ ሓደ ብምኻን ካብ ጣልያናዊ ትካል ሕክምና ( GCOI ,Italy ) ተሸላሚ ዝለዓለ ኣፍልጦ ዲፕሎማት  (Diplomat in Oral Implantology )  ኮይኖም እዮም ። 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

02 Nov, 03:16


ትማሊ ጥቅምቲ 22/2017 ዓ.ም ምሸት ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ዓፋር ራዕዲ መሬት ከምዝነበረ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ኣረዲኦም።  

ሓደ ነባራይ ኣዋሽ " ዘፍርሕ ራዕዲ መሬት  ኔሩ " ብምባል ነቲ ኩነታት ገሊፁዎ። 

ካሊእ ነባሪ ድማ " ብጣዕሚ ኢና ደንጊፅና ኣላህ ዳኣ ይሓልወና ካብቶም ዝሓለፉ ክፍእ ዝበለ ምንቅጥቃጥ እዩ ነይሩ " ክብል ወሲኹ። 

እቲ ራዕዲ መሬት ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰምዐ ካብ ነበርቲ ዝመፁ መልእኽታት የረድኡ። 

ድሕረ ገፅ ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ እቲ ራዕዲ 4.6 በሬክተር ስኬል ዝተመዝገበ ራዕዲ መሬት ካብ ኣዋሽ ንምዕራብ 8 ኪሎ ሜትር ርሒቑ እዩ ተሰሚዑ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጰያ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

01 Nov, 12:16


" ፀገምና ብመሰረት ፓለቲካዊ መስርሕናን ሕግናን ክንፈትሕ ኢና እዮም ኢሎምና"

ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ፤  ሊቀ ጳጳስን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ሰላማን

ኣብ ክልተ ዝተገምዑ ኣመራርሓ ህወሓት ሎሚ መዓልቲ ጥቅምቲ 22/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ዘትዮም።


ኣብ'ቲ  ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝተፀወዐን ዝተመርሐን ዘተ መራሕቲ ክልቲኡ ጉጅለ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ን ጌታቸው ረዳን ተረኺቦም።

ንጳጳሳት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ብምውካል ፅሟቕ እቲ ዘተ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃቡ  ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ፤"  ፀገማቶም ብመስርሖም ብምኽክር ክፈትሕዎ ቃል ክኣትው ብመሰረት ዘቕረብናሎም  ሕቶ  ኣውንታዊ ምላሽ  ተረኺቡ " ኢሎም።

ንኽልቲኡ ጉጅለ ብምውካል ኣብ'ቲ ዘተ ዝተረኸቡ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ን ጌታቸው ረዳን ንሚድያ ዝሃቡዎ መግለፂ የለን።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Oct, 12:46


ብመሰረት እዚ ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)  ብሽም ከንቲባ መቐለ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ" ንከይገብሩ ዘተሓሳሰቡ ኾይኖም "ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መቐለ ዝርከብ መሓውር መንግስቲ በቲ ኣካል ዝውሰን ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑን ክፈልጥ ይግባእ" ምባሎም ይዝከር እዩ ክብል ድወት ፀብፂቡ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

31 Oct, 12:46


"መምርሒ እግድ ፕሬዜዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቐባልነት የብሉን "

ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ
 
እቲ ቤት ምኽሪ ከተማ  ሎሚ ጥቅምቲ 21 ኣብ ዘሳለጦ ራብዓይ ዘበን ሻምናይ ህፁፅ ጉባኤኡ  : ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ጥቅምቲ  15 /  2017 ዓ/ም ንሓዱሽ ከንቲባ  እታ ከተማ ረዳኢ በርሀ(ዶ/ር) " ብሽም ምምሕዳር መቐለ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከይትገብሩ " ብምባል ፅሓፉዎ  መምርሒ ነፂጉዎ ብኣብዛሓ  ድጋፍ ብኽልተ ድምፀ ተኣቅቦ ነፂጉዎ ኣሎ ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሳንኡ ምሻም ከንቲባ ዝምልከት ብሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣንቀፅ 74(2)(መ) መሰረት ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ  እዩ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ነዚ ሕጊ ዝነፅግ ስልጣን የብሉን ኢሉ  ።

ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ጥቅምት 15/2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፍዎ መምርሒ እግድ : ከንቲባ ከተማ መቐለ ካብ ቤትምኽሪ ብተወሳኺ  ተፀዋዕነቱ ንርእሰ ምምሕዳር  እዩ :ጊዚያዊ ምምሕዳር ድማ ብውነን ብዕሊን መደባት መንግስቲ ምስ ዘሰናኽል ኣንፃሩ ጠጠው ዝበለ ኣመራርሓ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣይክእልን ምባሎም ይዝከር ።


ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ጌታቸው ረዳ ጥቅምቲ 15/2017 ዓ.ም  ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መሓውር መቐለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መምርሒ እግድ  : " ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)   ንቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ መጥቀሚ ብምግባር ኣንፃር ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተሰለፈ ሓይሊ ተመዚዝኩም ዘይሕጋዊ ስልጣን ከንቲባነት ተቐቢልኩም ትገብርዎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ግቡእ ኣይኮነን"  ።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

26 Oct, 07:02


" ሹመት ሓዱሽ ከንቲባ ከተማ መቐለ ተቐባልነት የብሉን :" 

ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ 

ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ጥቅምት 15/2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ሓዱሽ ከንቲባ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ካብ ዘይሕጋዊ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

25 Oct, 09:51


" ልዕሊ 5 ዓመት መስርሒ መንበሪ ኣባይ 70 ካሬ ክወሃበና ዓቒርና ሕዚ መንግስቲ ቃሉ ዓፂፉ ኣፓርታማ ጥራሕ እዩ ዝዕደለኩም ምባሉ ዘይሓላፍነታዊ እዩ "

መቕረብቲ ጥራዕ ማሕበር ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ 70 ካሬ። 

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ገ/ሄር ኣብራሃ ንሚድያታት ከምዝበልዎ : እቲ ኤጀንሲ ብዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ 9/2016 ዓ.ም ኣፓርታማ ጥራሕ  እዩ ዘተኣናግድ።

ብማሕበር ንዝተወደቡ ሰራሕቲ ገዛ ክሳብ በዓል ሓደ ደብሪ ክሃንፁ መሬት ክወሃኖም ዝፈቅድ መምርሒ 4/2011 ዓ.ም በመምርሒ 9/2016 ዓ.ም ኣፓርታማ ጥራሕ ዝህነፅ ተባሂሉ ዘስዕር ዘእምንን ዘዕግብን ምኽንያት የለን ይብሉ ተወከልቲ  ማሕበራት ህንፀት ገዛ 70 ካሬ። 

መምርሒ 9/2016 ዓ.ም ንላዕሊ እምበር ንጎኒ ዝካየድ ህንፀት ገዛውቲ ዘይቕበል ኮይኑ : በቲ መምርሒ መሰረት ኣብ ከተማታት መቐለ ፣ ሸረ ፣ አክሱም ፣ ዓድግራት ፣ ዓብይ ዓዲ ፣ ማይጨው ፣ ዓድዋ ፣ ኮረም ፣ ውቕሮ ኣላማጣ ኣብ ሓደ ብሎክ 20 ገዛውቲ ዝሓዘ ኣብ ሓደ ደብሪ 4 ነበርቲ  ካብ 80-132 ካ.ሜ ዝፍሓት ዘለዎ በዓል 4 ደብሪ (G+4) ከምዝስራሕ የቐምጥ ።

ኣብ ከተማታት ሸራሮ ን ሑመራን ሰለስተ ደብሪ : ኣብ ከተማታት ማይካድራ ፣ዳንሻ፣ ቆራሪት ፣ ማይፀብሪ : ማይጋባ እንትጮ ፣ ዕዳጋ ዓርቢ ፣ ሓውዜን ፣ ፍረወይኒ ፣ መኾኒ ፣ እንዳባጉና ፣ዕዳጋ ሓሙስ ፣ሃገረሰላም ፣ዛላንበሳ፣እንዳስላሴ ኣፅቢ፣ ራማ፣ዓዲ ዳዕሮን  ዓዲጉዶምን በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃታት  (G+1)  ክስርሑ ኣለዎም ይብል እቲ መምርሒ።

ኣብ ኩለን ዕሸል ከተማታት ዝህነፅ 
G+0 ልዕሊኡን ኮይኑ ንውልቀሰብ ኣብ ዶግዓ  140 ካሬ ፤ ኣብ ቆላ ግና 200ካሬ ከምዝውሃብ እቲ መምርሒ አሰቐሚጡ ኣሎ ።

መምርሒ 9/2016 ዓ.ም ብመምርሒ 4/2011 ዓ.ም ንዝተወደብና ማሕበራት ህንፀት ኣባይቲ 70 ካሬ ኣይምልከተናን ዝበሉ ኣመራርሓ ንሰንበት ጥቅምቲ 17/2017 ዓ.ም ንጉሆ ቀፃሊ ዘተ ንምክያድ ኣብ ስታድዮም ትግራይ መቐለ ኣኼባ ፀዊዖም ኣለወ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

25 Oct, 09:51


" ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመምርሒ 70 ካሬ መንበሪ ኣባይቲ ዘስዕር መምርሒ ዕላዊ ምወፅኡ ብምሕባር : ኣባላት ሳልሳይ ዙር ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ 70 ካሬ በቲ ዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ ጥራሕ ዝተኣናገዱ : "

 ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

25 Oct, 06:25


ቀዳማይ ዙር ዳግመ ፅምበራ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሐፀረ እዋን ንምትግባር ምድላዋት ከምዝተወገነ ተገሊፁ።

ሕብረት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ(ACSOT) ኣብ ዙርያ ዳግመ ፅንበራ ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ኣድሂቡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ጥቅምቲ 14/ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ምኽክር መድረኽ ከምዘፍለጦ :  ቀዳማይ ዙር ዳግመ ፅንበራ ሰራዊት ትግራይ  ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምትግባር ምድላዋት ተወጊኑ ተባሂሉ።

 
ኣብ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣተሓባበሪ ዲሞቢላይዜሽን (DDR)  ጨንፈር ትግራይ ተጋዳላይ ተስፋይ ሊላይ ከምዝበሎ : እቶም ናብ ህዝቦም ዝፅንበሩ ዘለው ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ዝግበረሎም ዝተወሰነ ሓገዝ ከምዘሎ ብምግላፅ ሕብረተሰብ ድማ  ከም ኣካል ሂወቱ ገይሩ ክሕብሕቦም ተላብዩ ።

ሓላፊ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ሓይሽ ሱባጋድስ ብወገኖም :  ካብ ሰራዊት ናብ ህዝቦም ዳግም ንዝፅንበሩ ሰራዊት ብቐዋምነት ብቑጠባ ዓርሶም ዝኽእልሉ ዕድል ንምፍጣር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ፋይናንስን ትካላትን ብምዃን ዕድል ልቓሕ ንምርካብን መስርሕን መሸጥን ቦታ ንምምችቻውን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ፕሮጀክት ማናጀር ሕብረት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ በሪሁ ገብረመድህን ብወገኖም ሕብረተሰብ ናብ ህዝቦም መሊሶም ንዝፅንበሩ ዘለው ሰራዊት ትግራይ ዓቕሙ ብዝኸኣሎ ክሕግዝ ኣለዎ ኢሎም ክብል ቴሌቪዝን ትግራይ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

25 Oct, 04:25


ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ፌደራል ኣብ ቀዳማይ ዙር 75 ሽሕ ዕጠቓት ነበር ንምጥያሽን አግሪ ንምትካልን ዝገብሮ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ኮሚሽነር  ተመስገን ጥላሁን ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር ጥቅምቲ 14/2017 ዓ.ም እቲ ኣፈፃፅማ ተሓታትነት ብዘለዎ ክፍፅም ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNDP)  ኣብ ዝተፈራረምዎ ሰለስተኣዊ ውዕሊ እዮም ከምኡ ኢሎም።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 12:45


" ሰራዊትና ተኸፋፊሉ ነኒ ባዕሉ ክጋጮን ትግራይ ክትበታተን ዕላማ ፀላእቲ ንምዕዋት ተሊሙ ዝንቀሳቀስ ውልቀ ሰብ ኾነ ጉጅለ ኣይንዕገስን። " 
      ቢሮ ሰላምን ፀጥታት ትግራይ
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 10:53


# update !!
ጋዜጠኛን ኣክቲቪስትን ደስየ ኣሸናፊ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ማእሰርቲ ብ50 ሺሕ ብር ዋሕስ ምፍትሑ ፍልፍላት ካብ ዞባ ደቡብ ከተማ መኾኒ ሓቢሮም።

ፓሊስ ከተማ መኾኒ ብዛዕባ ምእሳርን ምፍታሕን ብዛዕባ ምእሳርን ምፍታሕን ጋዜጠኛን ኣክቲቪስትን ደስየ ኣሸናፊ ዝበሎ የለን።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 07:25


ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ዘይስሩዕ ዝናብ ክህልው ከም ዝኽእል ማእኸል ትንበያ ሜትሮሎጂ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ቐሊል ክሳብ ማእኸላይ ዘይስሩዕ ዝናብ ኣብ ኣብዘሓ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ዞባ ደበቡብ፣ ዞባታት ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ክህልው ከም ዝኽእል እዩ ማእኸል ትንበያ ሜትሮሎጂ ትግራይ ገሊፁ ዘሎ።

ኣብ ቆላታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ምብራቕን ሓሓሊፉ ቀሊል ዝበሃል ዘይስሩዕ ዝናብ ከጋጥም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከም ዝግበር እቲ ማእኸል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ዘሎ ትንበያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብቶም ዝተጠቐሱ ከባቢታት ትግራይ ዘይስሩዕ መጠን ዝናብ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፣ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣድላዪ ዘበለ ምድላዋት ክገብሩ ተላብዩ ክብል ድወት ፀብፂቡ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 01:43


ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ቦስተን  ብላክ ላዮን ስትራቴጂስ ዝተብሃለ ትካል ተረኺቦም ኣብ ትግራይ ብቐፃሊ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕርታት ሰላምን ዘጋጥሙ ዘለው ፀገማትን ሓዊሱ በብ ጊዚኡ ተለዋዋጣይ ይኸውን ኣብ  ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ዞባ  ዝጠመተ ልዝብ ከምዝካየዱ ተሓቢሩ ። 

ኣብቲ ኣብ ትካል ብላክ ላዮን ስትራቴጂስት ዝተኻየደ ልዝብ ክቢ ጠረጴዛ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ኣባላት ዲያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑን ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ብቐጻልነት ዝካየድ ኣብ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ዘጋጥሙ ኣብ ዘለው ፀገማት ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ዘትዮሙሉ እዮም  ። 

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ዝምዕብል ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ መልክዓት ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት እቲ ዞባን ዓለምለኻዊ ስትራቴዲያዊ ምትእሳኣራትን  ንግዳዊ ምንቅስቓስን  ዘለዎ ፅልዋ ብስፍሓት ከም ዝተዘተየሉ ተሓቢሩ ኣሎ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 01:28


ኢትዮጵያ ንጎረቤት ሃገራት ብመሸጣ ካብ ዝቐረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 31 ንጥቢ 5 ሚሊዮን ዶላር ምርካባ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሊጡ ። 

እቲ እቶት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንጎረቤት ሃገራት ንሃገራት ጅቡቲ : ሱዳንን ኬንያን ንመሸጣ ካብ ዝቐረበ ዝተረኸበ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ንሃገራት ታንዛንያን ደቡብ ሱዳንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንመሸጣ ትሰርሕ ምህላው ካብቲ ኣገለግሎት ወሃቢ ቤት ዕዮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

24 Oct, 01:02


ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ" (ኦተቤት) መንፈሳዊ ሓላፍነታት ሂቡ ።

እቲ ሲኖዶስ ከካይዶ ዝቐነየ ሃይማኖታዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ ጥቅምቲ 13 /2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ : ብፁዕ ኣቡነ መርሃክርስቶስ ንሰለስተ ዓመት ኣካቢ  ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ" (ኦተቤት)  ጌሩ ሰይምዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ  ብፁዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ እቲ ሲኖዶስ ኮይኖም ከገለግሉ ሰይሙ እዩ ። 
ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ
ብፁዕ ኣቡነ ናትናኤል
ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ  
ድማ ቀወምቲ  እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

ኣብ ቀፅሪ ዋና እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝህነጽ 16 ክፍልታት ዝሓዘ በዓል ሓደ ደብሪ ህንጻ መንበሪ ብጹዓን ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት ብጸሎት እብነ ኩርናዕ ዝተነበረ እንትኸውን : እቲ ህንጸት ኣብ ሓጺር ጊዜ ንክዛዘም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝርከቡ ምእመናን ልሙድ  ሓገዞም ክገብሩ ቅዱስ ፃውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ ።

ብፁዓን ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዛዘሚ መንፈሳዊ ጉባኤኦም ካብ  ጥቅምቲ 13/2017 ዓ.ም ጀሚሩ "ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ" ከምኡ እውን "ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ" ተባሂሉ ወሲኖም ኣለው።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

23 Oct, 11:39


በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት  ኣፈፃፅማ ስራሕ ሕሉፍ ዓመት፣ ቀፃሊ ትልምን ስትራተጂክ ኣንፈታትን ትእምት ኣድሂቡ ገምጋም የካይድ ኣሎ ። 

በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ካብ ሎሚ 13 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ዝነበረ ኣፈፃፅማ ስራሕ፣ ናይ 2017 ዓ.ም ትልሚ፣ ከምኡ'ውን ቀፃሊ ስትራተጂክ ኣንፈታት ትእምት ኣመልኪቱ ገምጋም እናካይደ ይርከብ። 

ትእምት በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ  ደማዊ  ኲናት ምኽንያት ከቢድ ጉሕለትን ዕንወትን ዝበፀሖ ትካል እኳ እንተነበረ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ሃፍትን ሓይሊ ሰብን ሒዙ ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክሰጋገር  ክምዝከኣለ ተሓቢሩ ። 

ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንትን ቤት ፅሕፈት ምግባረ-ሰናይን ትእምት ዝነበረ ጠቕላላ ምንቅስቓስን ቀፃሊ ትልምን እናገምገመ ዝርከብ   በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ፡  ኣብቲ መድረኽ ናይ ማእኸል ኢንቨስትመንት ፣ ቤት ፅሕፈት ምግባረ-ሰናይ ፣ ከምኡ'ውን ትእምት ሃፍቱ ናይ ዘዋፈረለን ትካላት ኣመራርሓ እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቲ መድረኽ ጥቅምቲ 14 / 2017 ዓ.ም እውን ዝቕፅል ኮይኑ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ነቲ ዝቐረበ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ፀብፃብን ናይ 2017 በጀት ዓመት ትልምን ብዕምቆት ዘትዪ ከምዘፅድቖ ትፅቢት ይግበር ክብል ቤት ፅሕፈት  ትእምት  ሓቢሩ ኣሎ ።  
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

23 Oct, 11:30


ጋዜጠኛን ኣክቲቪስትን ደስየ ኣሸናፊ ተኣሲሩ : መእሰሪ ምኽንያቱ ዘይተፈለጠ ደስየ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንዝምራሕ ህወሓት ኣምሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ 641 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ኣንቃሒ ማሕበረሰብ እዩ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ  ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 09:05


 # ዝማዕበለ !!
ልዕሊ 150 ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ብሰላማዊ አገባብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።

ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :
ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :

ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት ደንጉዩ እውን እንተኾነ ጊዚያዊ  ምላሽ ረኺቦም።

ነቶም ሰራሕተኛታት ምላሽ ዝሃቡ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትእምት ተኽለወኒ ገ/መድህን  "ቀፃሊ ዓርቢ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ትእምት ብሓባር መፂእና ጥርዓንኩም ክንሰምዐኩም ኢና" ብምባል ኣፈንዮምዎም።
 @tikvahethiopiatigrigna
Credit ሓበሬታ
ጋዜጠኛ ሃብቶም ገ/ሄር 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 08:47


ቦርድ መረፃ ወሰኽ ክፍሊት ጌሩ ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ጌረዮ ኣብ ዝበሎ ወሰኽ ክፍሊት 
ሃገር ለኸን ክልልን ፓርቲታት ምሰስክር ወረቐት ጊዚያዊ ምዝገባ ንምርካብ ዝኸፍልዎ ዝነብሩ ብር 100 ናብ 15 ሽሕ :
ሙሉእ ኣፍልጦ ንምርካብ ዝኸፈል ዝነበረ ብር 200 ናብ 30 ሽሕ :
ሰነዳት ብጉባኤ ተማሓይሹ ክቐርብ ዝኽፈል ዝነበረ ብር 30 ናብ 5 ሽሕ ብር :
ሓፍ ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 08:00


ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።

ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት እዚ ዜና ክሳብ ዝተዋደደሉ ሰዓት ሕቶኦም ሰሚዑ ዘተኣናግዶም ኣይረኸቡን።

" ሕቶና  ሕቶ መሃያ  ፣ ጥቕማጥቕምን ሓፈሻዊ ኣሰራርሓ እቲ ትካልን እዩ " ዝበሉ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቶኦም ሰሚዑ ዝደናገፅን ሕፁፅ ምላሽ ዝህብን ሓላፊ ብዘይምርካቦም ጓሂኦም ገሊፆም።


ካብቶም ጥርዓን ዘቕረቡ ልዕሊ 150  ሰራሕተኛታት ሓደ ዝኾነ ብዛዕባ እንታይነት ጥርዓኖን ንጋዜጠኛ ሃብቶም ገ/ሄር ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ :
 
ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :
ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :
እቲ ትካል መትረፋይ እኳ እንተኾነ እዩ ንሰራሕተኛታቱ ዝኸፍሎ መሃያን ብጣዕሚ ትሑት ምኻኑ : 
ምስ ጥቕማጥቕሚ፣ ኣቆፃፅራ ሰራሕተኛታትን ውዙፍ ዘይተኸፈለ መሃያን ዓብዪ ሕቶ ከምዘሎ :

ብምግላፅ ንነዊሕ ጊዜ ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ብዘይምርካቡ : ጥረዖም ብእኩብ ክገልፁ ምግዳዶም ኣብሪሁ።

ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ትእምት ምኻኑ ይፍለጥ።
 @tikvahethiopiatigrigna
Credit photo 
ጋዜጠኛ ሃፍቶም ገ/ሄር 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Oct, 20:11


ብምኽንያት ዂናት ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት ፕሮጀክት ትእምት ደጀና ኬሚካል ኢንዱስትሪ ንምቕፃልን ስራሕ ንክጅምርን እናተገበረ ብዝመፀ ልዑል ፃዕሪ መሰረት ፣ ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኮንትራት ዝሓዘ CEC ኩባንያ ቻይና ዝርዝር ቆፀራን ቁፅፅርን ብምክያድ ስርሑ ከምዝጅምር ተገሊፁ ።

ብመሰረት እዚ ናብቲ ፕሮጀክት ንዝመፁ ክኢላታት ቻይና ዘድሊ ናይ ጉዕዞ ፎርማሊቲ ምስላጥ ተጀሚሩ ከም ዘሎን እቲ ኮንትራክተር ኣብ ሓፂር እዋን መፂኡ ስርሑ እንትጅምር ንትግራይ ሓደ ዓብይ ትንሳኤ ምዃኑን ኢንጅነር ኣሰፋ ኣረዲኦም።

ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ዛዚምካ ናብ ስራሕ ክሰጋገር ምግባር ሕውየት ትካላት ትእምትን ሕውየት ቑጠባ ትግራይን ኣብ ምርግጋፅ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር ክብል ትእምት ኣብ ናይ ባዕሉ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ  ዘውፅኦ ሓበሬታ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Oct, 19:47


# Update !! 
ወሰኽ መሃያ ተፈቒዱ በጀት ፀዲቑ ክፍሊት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሉ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ።

እቲ ኮሚሽን ጥቅምቲ 11/2017 ዓ.ም ከምዝበሎ : ካብ ሚንስቴር ገንዘብ ዝፈቐደ በጀትን መምርሒ ኣፈፃፅማ ምስ ትእዛዝ ክፍሊት ናብ 12 ክልላትን : ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ከምዝተልኣኸ ገሊፁ ኣሎ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Oct, 06:14


"መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ዝተመሓየሸ ብርኪ ዕቤት ምኽፋል ክጅመር እዩ "
ሚንስቴር ገንዘብ ፌደራል

ሚንስትር እቲ ሚንስቴር ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበልዎ : መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ዝተመሓየሸ ወሰኽ ምኽፋል ከምዝጅመር ኣፍሊጦም። 

" ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ በቲ ዝተመሓሸ ስኬል ተግባራዊ ክኸውን ካቢኔ ወሲኑ ኣሎ : ሚንስቴር ገንዘብ ከካየዶ ዝፀንሐ ቅድመ ምድላው ወጊኑ እዩ : ኮሚሽን ስሺል ሰርቪስ እውን መምርሒ ኣፈፃፅማ ኣዳልዩ " ኢሎም እቶም  ሚንሰትር። 

መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ሓዱሽ ስኬል ከምዝኸውን እውን ገሊፆም : ብፅሒት ክልላት በገንዘብ ሚንስቴር ኣቢሉ ክልኣኽ እዩ ምባሎም ቲክቫህ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Oct, 08:03


" ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብናይ ኣረኣእያ ሓድነት እዩ : ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ኣብ ምፍጣር ድማ  ግደ ሚድያ ዝለዓለ እዩ ኢሎም " ብምባል ኣብሪሆም እቶም ምክትል ፕሬዜዳንት ። 


ሚድያታት ትግራይ ሰሰናዩን ፅፅቡቑን ብምስሳን ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ርድኢትን ዕቤትን ክስጉም ክሰርሓ ከምዝግባእ ዘገንዘቡ  ጀነራል ፃድቃን  : ንቐፃሊ ወለዶ ጥጡሕ ናይ ፓለቲካ ሃዋሁ ክፍጠር ዓቕምታት ህዝቢ ክእከብ  ግቡአን ክፍፅማ ሓደራ ኢሎም።

ናይ ሓሶት : ፀለምን ስም ምጥፍፋእን ፓለቲካ ሳዕቤኑ ሪኢናዮ ኢና ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን : ሚድያታት ነዚ ናብ ሓደጋ ዘእተወና መንገዲ ብምፅያፍ ናይ ምክአእኣልን ሓሳባት ናብ ጠረጴዛ ዘምፅእ ስልጡን ፓለቲካ ባይታ ክሕዝ ክሰርሓ ከምዘለወን ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ኣብ'ቲ ዋዕላ 
-ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ምርግጋፅ ናፅነት ሚድያ:
- ሃዋሁ ሚድያ ኣብ ትግራይ 
ዝብሉ ምሁራዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ከምዝገበረሎም ካብ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብ'ቲ ብካቢኔ ሰክሬታርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዳለወ መድረኽ : ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  :  ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ክኢላታትን ኣመራርሓን ሚድያን : መራሕቲ ሃይማኖት :  ስቪክ ማሕበራት : ፓለቲካዊ ውድባት ተረኺቦም እዮም ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Oct, 08:02


"ህዝቢ ትግራይ ብጊዚያዊ ምምሕዳር እናተመሓደረ ኣይነብርን : ዋላ እውን ንፁር ጊዜ ኣይቀመጥ ብመረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ ክህሉ እዩ : "

ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ 


ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ  ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 9/2017 ዓ.ም " ዋዕላ ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ " ብዝብል መሪሕ ቃል ዘረባ እንትኸፈቱ  ከምዝበልዎ : ሓደ ዕማም ጊዚያዊ ምምሕዳር ንመረፃ ዝኸውን  ናብ ምችው ሃዋሁ ምፍጣር እዩ  ። 

"ህዝቢ ትግራይ ብጊዚያዊ መንግስቲ እናተመሓደረ ኣይነብርን : ዋላ እውን ንፁር ጊዜ ኣይቀመጥ ብመረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ ክህሉ እዩ : " ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን  ገ/ትንሳኤ " ሚድያታት  ህዝቢ ብቑዓት መራሕቱ ንምምራፅ ዘኽእሎ ፍልጠት ኣብ ምስናቕ ተኸታታሊ ስራሕ ክሰርሓ ኣለዋ " ኢሎም።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Oct, 19:12


"ንተወ"  እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ትግራይ
ሒሳብ ቁፅሪታት QR code
ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ
Tigray Emergency Response 

Commercial Bank of Ethiopia 
ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ
1000592420809
Lion International Bank
ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ
00112180095-49
Wegagen Bank 
ባንኪ ወጋገን 
1001077411101
Bank of Abyssinia 
ባንኪ ኣቢሲኒያ 
ACCOUNT NUMBER:-168456247
SWIFT ADDRES:-ABYSETAA
Awash international Bank
ባንኪ አዋሽ ኢንተርናሽናል 
013071268531000
Dashen Bank
ባንኪ ዳሽን
5013033335011
Hibret Bank
ባንኪ ሕብረት
2020713653189014
Dedebit micro finance
ደደቢት ማይክሮፋይናንስ
1007173446
Adeday microfinance 
ኣደዳይ ማይክሮፋይናንስ
01-02-61-00-01
ተጠቐሙ ኢሉ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Oct, 19:12


"ንተወ" ብዝብል መሪሕ ቃል ንሰንበት 10 ጥቅምቲ 10/ 2017 ዓ.ም ዝካየድ እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ብፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦን ድጋፍ ደብዳበን ረኺቡ። 

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግአት ሓደጋ ፌደራል ጥቅምቲ 7 /2017 ዓ.ም ንምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ብግልባጭ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እቲ ፀገማት ትግራይ ንምቅላል ዓሊሙ ብሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝካየድ ቴሌቶን " ቅቡልን ሃገራዊ ድጋፍ ክግበረሉ ዝግባእን እዩ " ኢሉ። 

ምምሕዳር ክልላት ከተማታት ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን ክሳተፍሉ ፃውዒት ዝቐረበ እቲ ድጋፍ ደብዳበ ፣ ብዓቕሚ ውሽጢ ዝካየድ ምድግጋፍ ኩሉ ክዓስለሉ ከምዝግባእ አስሚሩሉ።

"ንተወ !" ብዝብል መሪሕ ቃል ሰንበት ጥቅምቲ 10 / 2017 ዓ.ም በማዕኸናት ዜና ትግራይ ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ውሽጥን ደገን ናብ ዝርከቡ ትግራዎትን ደገፍቲ ትግራይን ክቃላሕ መደብ ዝተትሓዘሉ ቴሌቶን : ኩሉ በብዓቕሙ ክዓስለሉ ብርክት ዝበሉ ወገናት ረዘንቲ መልእኽታት ኣብ ምሕላፍ ይርከቡ።