ሎሚ እውን ኣብ ፅባሕ 11 ለካቲት በዘይኣግባብ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ስራሕቲ ዘካይዱ ውሱናት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንዕዘብ ኣለና። ሓይሊ ተጠቕምካ መሓውር ጣብያታት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንትውሰድ እውን ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ዝርኣናዮ መሕዘኒ ተግባር ከም ኣብነት ምውሳድ ይክኣል እዩ።
ሰራዊት ትግራይ ህልውና ህዝቡ ንምውሓስ ዝተሰለፈ ናይ መኸተ ሓይሊ እምበር ናይ ዝኾነ ጉጅለ ናይ ስልጣን ህረፍ ንምምላእ ከምዘይወፅአ እናተፈለጠ ካብ ስርዓት ወፃኢ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምፍራስ ክዋፈር ፍፁም ኣይግባእን። እቲ ኩነታት ብከምዚ ዝቕፅል እንተድኣኮይኑ ድማ ከም ህዝቢ ክንወፅኦ ናብ ዘይንኽእል ከቢድ ቅልውላው ከምእንኣቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ።
ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕጊ ወይ ናይ ኣሰራርሕ ክፍተት እንተዝህሉ እውን ፖሊስን ሚልሻን ምስ ህዝቦም ኮይኖም ዝፈትሕዎን ዝእርምዎን እምበር ኣባላት ሰራዊት ነናብ ጣብያኡ እናዋፈርካ መሓውር መንግስቲ ኣብ ምፍራስ ክሳተፍ የብሉን፤ ኣይግባእን ድማ። ሰራዊት ትግራይ እውን ነዚ ብገለ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ናይ ስሕተት መንገዲ እናኣተወ ፀረ ህዝቡን መንግሰቱን ጠጠው ንዝብሉ ኣካላት ኣደብ ግበሩ ንክብሎም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒቱ የቕርብ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
ለካቲት 13 / 2017ዓ.ም
መቐለ
@tikvahethiopiatigrigna