FBC Tigrigna @tigrignafana Channel on Telegram

FBC Tigrigna

@tigrignafana


This is FBC Tigrigna official Telegram channel.

For more updates please visit www.fanabc.com/tigrigna

FBC Tigrigna (English)

Welcome to FBC Tigrigna, your go-to destination for all the latest news and updates in the Tigrigna language! Our official Telegram channel, @tigrignafana, is dedicated to providing you with up-to-date information on a variety of topics, including politics, entertainment, sports, and more. Whether you are a native Tigrigna speaker or simply interested in the culture and language, this channel has something for everyone. Stay connected with us to stay informed and engaged with the Tigrigna community worldwide. Don't miss out on the opportunity to be part of our growing network of followers who rely on us for accurate and reliable news coverage. Join us today and be the first to know about breaking news and exclusive content. For more updates, visit our website at www.fanabc.com/tigrigna. Let's stay connected and informed together!

FBC Tigrigna

23 Nov, 11:56


 ዝተጀመረ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንዘለና ስግኣት ሓደ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ዝዓለመ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

 ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወግዓዊ ምጅማር ስነ ስርዓት ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን  ምትካል እግሪን ነበር ተዋጋእቲ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣  ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞትዎስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል፣ ኣመራርሓ ኣካላት ፀፅታን መንግስትን እቲ ክልል  ብምርካብ ከይዲ እቲ ኣፈፃፅማ ተዓዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሐዚ ዝተጀመረ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንዘለና ስግኣት ሓደ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ዝዓለመ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ማሕበረሰብ ዓለም ዕዙዝ ግደኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም።

 ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእ ንክትግበርን ህፁፅን ተግባራዊ ስራሕቲ ክፍፀሙ ከመዘለዎምን ንተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ሓቢሮም።

ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅንበሩ እቶም ነበር ተዋጋእቲ ብዝተማለአ መልክዑ እግሪ ንምትካል ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝገብርዎ ዘለው እወንታዊ ፃዕርታት ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

 ኣይተ ጌታቸው፥ ሓገዞምን ክትትሎምን ቀፃሊን ዝተማለአን ክኸውን እውን ፀዊዖም።

እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ቀፃሊ ፃዕርን ክትትልን ብምግባር እቶም ነበር ተዋጋእቲ ዝተመቻቸወ ህይወት ንክህልዎም ክስራሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።
 

FBC Tigrigna

23 Nov, 10:48


480 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ እምነበረድ ፈተነ ፍሪያት ክጅምር ኢዩ
 ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓድዋ 480 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ እምነበረድ ፈተነ ፍሪያት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ ም ክጅምር ኢዩ።
እቲ ፋብረሪካ ኣብ 2 ሺሕን 421 ሜትር ካሬ ዝዓረፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ተስፋይ ገብረ ህይወት፥ ከይዲ ህንፀት እቲ ፋብሪካ 75 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፈተነ ፍሪያት ከምዝጅምርን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

FBC Tigrigna

23 Nov, 10:25


 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካብ ኢንተርናሽናል ፀወታ መልሲ ሎሚ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ከካይድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካብ መልሲ  ኢንተርናሽናል ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ብደገፍቲ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ከካይድ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ቶተንም ሆትስፐርስ ምሸት ሰዓት 2:30 ዘካይዶ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣሎ።
ኣርሰናል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ሰዓት 12 ክጋጠማ ኢየን።
 ብተወሳኺ ቸልሲ ምስ ሌስተር ሲቲ ሰዓት 9:30 ክጋጠማ ኢየን።
ኣስቶንቪላ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ቦርንመዝ ምስ ብራይተን፣ ኤቨርተንቨርተን ምስ ብሬንት ፎርድ፣ ፉልሃም ምስ ወልቨርሃምተን ሰዓት 12:00 ከምዝፃወታ እቲ መርሃ ግብሪ ይሕብር።
 

FBC Tigrigna

23 Nov, 09:46


"ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝተጀመረ ሃገራዊ ፕሮጀክት ፅርየት መሰረተ ልምዓት፥ “መንደር ፅርየት” ኢትዮጵያ ሎሚ ክተመርቕ ኢያ።
መንደር ፅርየት ቁልፊ ትካለት ዝሓቖፈ ኢዩ። ካብ መንጎ እተን ትካላት ኢንስቲትዩት ደረጃታት ኢትዮጵያ፣ ትካል ምዘና ተስማዕማዕነት ኢትዮጵያ፣ ኢንስቲትዩት ስነ ልክ ኢትዮጵያ፣ ኣክሬዲቴሽን ኣገልግሎት ኢትዮጵያን በዓል መዚ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያን ኢዮም።
ብሄራዊ ፅሬት መሰረተ ልምዓት (NQI) ናይዛ ሃገር ደረጃታት ልምዓት፣ ገምጋም ተስማዕማዕነት፣ ክትትል ዕዳጋን ምፍላጥ ፅሬትን ብምጥንኻር፣ ንትካላት ንግዲ ዝህቦ መረጋገፂ ፅሬት ኣገልግሎት ንምምዕባል ዝዓለመ ኢዩ “ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
 

FBC Tigrigna

23 Nov, 09:32


መበል 5 ዓመት በዓል ምስረታ ፓርቲ ብልፅግና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 5 ዓመት በዓል ምስረታ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል "ልዕልነት ሓሳብ ንኩለመዳይ ምዕባለ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣደም ፋራህ፣ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎን ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገርን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ኣካቢ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

FBC Tigrigna

23 Nov, 09:32


ብሄራዊ ፅሬት መሰረተ ልምዓት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተወዳደርቲ ብምዃን ንክንዘልቕ ዘኽእለና ትካል ኢዩ- ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፅሬት መሰረተ ልምዓት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተወዳደርቲ ብምዃን ንክንዘልቕ ዘኽእለና ትካል ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መንደር ፅሬት ሎሚ ብወግዒ ቅድሚ ምምረቖም ኣብ ዝተሃነፀ ብሄራዊ ፅሬት መሰረተ ልምዓት ትማሊ ዑደት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

እዚ ወሳኒ ትካል ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝህልዎም ተወዳዳሪነት ብምምዕባል ኣብ ዓለም ዝህልዎም ተሳትፎ ዘጎልብት ኢዩ ኢሎም።

ካብ መንጎ ግንባር ቀደም ትካላት ኢትዮጵያ ሓደ ብምዃን ዓቕሚ ንግዲ ወፃኢ ብምጥንካር ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ተወዳደርቲ ብምዃን ንክንዘልቕ የኽእለና ክብሉ ገሊፆም።

FBC Tigrigna

23 Nov, 09:30


ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ከይዲ ህንፀት ገርዓልታ ሎጅ ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ከይዲ ህንፀት ገርዓልታ ሎጅ ተዓዚቦም።
ኣብቲ ዑደት፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳን ተሳቲፎም።
ገርዓልታ ሎጅ ኣብ ዞባ ምብርቕ ወረዳ ሓውዜን ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ኢዩ።
እቲ ፕሮጀክት ህንፀቱ እንትዛዘም መስሕብ ቱሪስታት ብምዃን ፍልፍል እቶት እቲ ክልል ኣብ ምብራኽን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ።
 

FBC Tigrigna

21 Nov, 07:04


ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ትምህርቲ ሙያን ቴክኒክን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ቻይና ቲያንጂን ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ትምህርቲ ሙያን ቴክኒክን ይሳተፋ ኣለዋ። ወ/ሮ ሙፈሪሃት፥ ብዙሓት መናእሰይ ዝወነነት ኢትዮጵያ ለምዓት ሓይሊ ሰብ ቀንዲ ጠመተኣ ብምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ዛብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብኡ መደረ ተዛሪበን። ኩለ መዳያዊ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ልምዓት ሓይሊ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ኣብ-ዓለም-ለኸ-ጉባኤ-ልምዓት-ትም/

FBC Tigrigna

21 Nov, 06:28


ፋና ኣብ ጉዕዞ ዘየቋርፅ ፃዕሪ 30 ዓመታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና፥ ማእኸል ብዙሃን ሓሳብ፣ ትማሊ ዘዘክር፣ ሎሚ እናሰርሐ ንፅባሕ ዝሓልም፣ ንእዋናዊን ሓደሽትን ሓበሬታታት ቀዳምነት ዘህብ ተመራፂ ሚዲያ ኢዩ። ፋና፥ ማእኸል ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ኣጀንዳታት፣ ሃገራዊ ምርድዳእ መፍጠሪ ብምዃን የገልግል ኣሎ። ምድማፅ፣ ዛዕባ ካብ በዓል ዛዕባ ንበዓል ዛዕባ፣ ኩሉ ግዘ ኣብ ውሽጢ ለውጢን ፃዕሪን፣ በቢዕለቱ ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ብምዃን…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፋና-ኣብ-ጉዕዞ-ዘየቋርፅ-ፃዕሪ-30-ዓመታት/

FBC Tigrigna

20 Nov, 16:12


ትካል ፅሬት ሽልማት ኢትዮጵያ ዕላማኡ ቀፃሊ ብዝኾነ መገዲ ንኸዕውት ክሰር ኢየ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ትካል ፅሬት ሽልማት ኢትዮጵያ ተዛቲዮም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ትካል ብምዃን ዕላማኡ ቀፃሊ ብዝኾነ መገዲ ንኸዕውት ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

https://www.fanabc.com/tigrigna/ትካል-ፅሬት-ሽልማት-ኢትዮጵያ-ዕላማኡ-ቀፃ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 15:06


ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ንሸቶ ዝኾኑ ናይ መወዳእታ ኩዕሾ ኣመዓራርዩ ብምሃብ ክብረወሰን ተማቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ሃገራዊ ጋንታ ፀወታት 58 ንሸቶ ዝኾና ናይ መወዳእታ ኩዕሾታት ኣመዓራርዩ ብምቕባል ምስ ነበር ኣሜሪካዊ ተፃዋታይ ላንደን ዶኖቫን ክብረወሰን ተማቒሉ፡፡ ሜሲ ትማሊ ምሸት ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ኣርጀንቲና ንፔሩ 1 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ንወዲ ጋንትኡ ላውታሮ ማርቲኔዝ ሸቶ ዝኾነት ኩዕሾ ኣመዓራርዩ ኣቐቢሉ፡፡…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሊዮኔል-ሜሲ-ኣብ-ዓለም-ለኸ-ፀወታታት-ንሸቶ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 12:12


ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ንፋብሪካ ወርቂ ኢትኖ ማይኒንግ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ወርቂ ኢትኖ ማይኒንግ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኢትኖ ማይኒንግ ንኩባንያ ኣኮቦ ሚኒራልስ መጋቢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡ እቲ ኩባንያ÷ ኣብ ስካንዲኔቪያን ሃገራት መሰረቱ ዝገበረ ብወገን ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮዽያ ኣቢሉ ምስ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቀ-ሚ-ኣቢይ-ዶ-ር-ንፋብሪካ-ወርቂ-ኢትኖ-ማይኒ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 11:54


ኮፈረንስ ምሕደራ ኢንተርኔት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 13 ኮፈረንስ ምሕደራ ኢንተርኔት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ ድማ “ዲጂታል ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ጥንኩራት መዳርግቲ ኣካላት ምህናፅ የድሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣባላት ፓርላማ ዘተ ተኻይዱ። እቲ ኮንፈረንስ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ክካየድ ኢዩ። ብታሪኩ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኮፈረንስ-ምሕደራ-ኢንተርኔት-ኣፍሪካ-ይሳ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 09:21


ዓለም ለኸ መዓልቲ ህፃናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ህፃናት ብብርኪ ዓለም ንመበል 35 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 19 ግዘ ኣን ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ፡፡ እቲ ዕለት “ህፃናት ዝብሉዎ ኣለዎም ነድምፆም!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ሰገናት፣ ተምሃሮ፣ ወለዲ፣ ተወከልቲ ፓርላማ ህፃናት፣ ሓለፍቲ ስራሕ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ዓለም-ለኸ-መዓልቲ-ህፃናት-ኣብ-ኣዲስ-ኣበባ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 09:15


ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ማእኸላት ናይ ምእታው ከይዲ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተዋጋእቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዕጥቂ ንምፍታሕን ናብ ማእኸላት ተሃድሶን ናይ ምእታው ስራሕ ፅባሕ ከምዝጅመር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ፡፡ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ተመስገን ጥላሁን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ትካል ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶን ንምዕዋት ዘኽእልን ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወ ፕሮግራምን ፕሮጀክትን ከምዝተሓንፀፀ ተዛሪቦም፡፡ ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ሸውዓተ ክልላት ልዕሊ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ነበር-ተዋጋእቲ-ዕጥቂ-ብምፍታሕ-ናብ-ማእኸ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 07:36


ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ትካላት ልኡኽቶአን ብብቕዓት፣ ብፅሬት ንኽፍፅማ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ትካላት ልኡኽቶአን ብብቕዓት፣ ብፅሬትን ብውፅኢታዊነትን ንኽፍፅማ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምውፋር ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን ገሊፁ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅቑ እዩ። ኣካቢ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣዋጅ-ሰራሕተኛታት-መንግስቲ-ፌዴራል-ትካ/

FBC Tigrigna

20 Nov, 07:18


ፔፕ ጓርዲዮላ ኣብ ጋንታ ማቺስተር ሲቲ ንምፅናሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ጆሴፍ ፔፕ ጓርዲዮላ ኣብታ ጋንታ ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ዘፅነሖ መናውሒ ውዕሊ ንምፍራም ከምዝተስማዕመዐ ተሓቢሩ፡፡ ወዲ 53 ዓመት ስፔናዊ ኣሰልጣኒ፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ናብ ማንቼስተር ሲቲን ካብ ዝፅምበር ንደሓር ሽዱሽተ ፅዋዓት ፕሪሚየር ሊግ ሓዊሱ 18 ፅዋዓት ከዕውት ክኢሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፔፕ-ጓርዲዮላ-ኣብ-ጋንታ-ማቺስተር-ሲቲ-ንም/

FBC Tigrigna

19 Nov, 13:41


ፎረም ኢንተርኔት ሶሳይቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኢንተርኔት ንመልላእ ኢትዮጵያውያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፎረም ኢንተርኔት ሶሳይቲ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ፎረም፥ ሓለፍቲ ምምሕዳር ኢንተርኔት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ምሁራን ቴክኖሎጂ ከምኡውን መዳርግቲ ኣካላት ተሳቲፎም። እቲ ፎረም፥ ተበፃሕነት ኢንተርኔት፣ ዲጂታል ኣብ ምክታት ዘለዉ ቁልፊ በድሆታት ብምፍላይ ግንዛበ ንምፍጣርን ጥሪ 2025 ንዝካየድ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኢንተርኔት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፎረም-ኢንተርኔት-ሶሳይቲ-ይካየድ-ኣሎ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 13:31


ዩክሬን ኣሜሪካ ስርሓት ዝኾነ ነዊሕ ርሕቐት ዝሕምበብ ሚሳኤል ናብ ሩሲያ ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብመሰረት ዝሃብዋ ፍቓድ ኣሜሪካ ስርሓት ዝኾነ ነዊሕ ርሕቐት ዝሕምበብ ሚሳኤል ናብ ሩሲያ ከምዘወንጨፈት ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን፥ ዩክሬን ካብ ኣሜሪካ ዝተውሃባ ነዊሕ ርሕቐት ዝሕምበብ ሚሳኤላት ንሩሲያ ንምውቃዕ ንክትጥቀመሉ ፍቓድ ምሃቦም ይፍለጥ። ነዚ ስዒቡ ዩክሬን ነቶም ምሳኤላት እንተተጠቒማ ሩሲያ ዓፀፋዊ ስጉምቲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ዩክሬን-ኣሜሪካ-ስርሓት-ዝኾነ-ነዊሕ-ርሕቐ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 13:24


ኢትዮጵያን እንግሊዝን ቀጣናዊ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ምስረሐን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያን እንግሊዝን ቀጣናዊ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ምስረሐን ከምዝቕፅላ ገሊፀን። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ፍልይቲ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ኣምባሳደር ኣሊሰን ብላክበርን ዘቲዮም። ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ቀርኒ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ነቲ ቀጣና ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዋ ግደን በዝምልከት ኣብሪሆም። ኣብቲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያን-እንግሊዝን-ቀጣናዊ-ሰላም-ኣብ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 13:03


ኢትዮጵያ ንሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ብምዃን ንዝተመረፁ ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብዲላሂ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ምምሕልላፉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ሶማሊላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየደቶ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብዲላሂ ብምምራፆም ብሽም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ። ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ኣብዲራህማን ሞሃመድ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ንሓዱሽ-ፕሬዚዳንት-ሶማሊላንድ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 12:28


ልዕሊ 355 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ካብ 29 ጥቅምቲ ክሳብ 4 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል 355 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ፡፡ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቑሑት ህንፀት፣ ቡን፣ ጥረምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ መድሓኒት፣ ዘይቲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ልዕሊ-355-ሚሊየን-ብር-ዋጋ-ዘለዎም-ኣቑሑት-ኮን/

FBC Tigrigna

19 Nov, 11:59


ኣዲስ ኣበባ በቢመዓል ለውጢ እናርአየት ትርከብ – ኣምባሳደር ዴንማርክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ውቁብ ምስሊ ዘላብሱዋ ለውጢታት በቢመዓልቱ  እናመዝገበት ትርከብ ክብሉ ሕፁይ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሮፕ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘርአየቶ ቆራፅነት÷ ንፁህን ምቹውን መንበሪ ከባቢ ጋህዲ ኣብ ምግባር እናገመት ከምዝኾነት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ተዛሪቦም፡፡ ተግባራት ልምዓት ኮሪደር ንካልኦት ሃገራት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣዲስ-ኣበባ-በቢመዓል-ለውጢ-እናርአየት-ት/

FBC Tigrigna

19 Nov, 09:34


ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ። ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ደረጃ ትምህርቲን ልምዲ ስራሕን ተሸምቲ ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረባ እንትኾና፥ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነቲ ሹመት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ። በዚ ድማ፡- ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) – ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  …

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቤት-ምኽሪ-ከተማ-ኣዲስ-ኣበባ-ዝተፈላለዩ-ሽ-2/

FBC Tigrigna

19 Nov, 09:09


ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ይካየድ ኣሎ። ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ÷ “ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ በቲ ፓርቲ ዝተወገኑ ዋና ዋና ተግባራት ክግምገሙ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ገምጋም-ኣፈፃፅማ-ትልሚ-ቀዳማይ-ርብዒ-ዓመ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 08:46


ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ኣመራኸትትቲ ምዕባለ ማክሮ ኢኮኖሚ ተራእዩ-ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ኣመራኸትትቲ ምዕባለ ማክሮ ኢኮኖሚ ተራእዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን። ናይ ነዊሕ እዋን ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ንምዕዋት ዘጋጠሙ ፀገማት፣ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ኣብ ቀፃሊ መስራሕ ዝግበኦም ተግባራትን ዝጠመተ ዘተ ምስ መዳርግተ ኣካላት ተሳሊጡ። እተን ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ንምዕዋት ኣብ ተረባሕነት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ዝሓለፉ-6-ዓማውቲ-ኣመራኸትትቲ-ምዕባለ/

FBC Tigrigna

19 Nov, 07:51


ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ናብ ኣሶሳ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ናብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣቲዮም። ኣይተ ኣደም ኣሶሳ ዝኣተዉ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2017 ፓርቲ ብልፅግና ንምስታፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ኣሶሳ መዕርፎ ነፈርቲ ህዳሴ እንትበፅ ድማ ርእሰ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ምክትል-ፕሬዚዳንት-ፓርቲ-ብልፅግና-ኣደም-2/

FBC Tigrigna

31 Oct, 13:36


መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣየር ኤርትራ ንከይበርር ተኸልኪሉ ዝብል ሓበሬታ ስኑዕ ኢዩ-መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣየር ኤርትራ ንከይበርር ተኸልኪሉ ዝብል ሓበሬታ ስኑዕ ኢዩ ክብል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ሓበሬታ  ሎሚ መዓልቲ ውሱናት ገፃት ማሕበራዊ ሚዲያታት ይውዝዕዎ ከምዘለዉ ገሊፁ። ይኹን እንበር መገዲ ኣየር አዚትዮጵያ ክልል ኣየር ኤርትራ ንክጥቀም ካብ በዓል መዚ ስቪል ኣቪዬሽን ኤርትራ ፍቓድ ዝተውሃቦን ክልል ኣየር…

https://www.fanabc.com/tigrigna/መገዲ-ኣየር-ኢትዮጵያ-ኣብ-ክልል-ኣየር-ኤር/

FBC Tigrigna

31 Oct, 10:26


ቅዋም ኢትዮጵያ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን መትከል ሂብካ ምቕባልን ምንባር ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅዋም ኢትዮጵያ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን መትከል ሂብካ ምቕባልን ምንባር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ማእኸል ሓይሊ ኣፍሪካ ኢያ ብምባል፥ ካብ ባዕላ ብተወሳኺ ንልምዓት ኣፍሪካ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ተዛሪቦም። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተፀጋዕና ምስ ኩሉ ብመትከል ሂብካ ምቕባል ንብሄራዊ ረብሓና ክንሰርሕ ኢና…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቅዋም-ኢትዮጵያ-ምስ-ኩሉ-ብምትሕብባርን-መ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 10:18


ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ሕቶ በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ዝሃብዎ መብርሂ

• ኢትዮጵያ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ በሪ ባሕሪ የድሊያ
• ኣብዚ ዛዕባ ንድሕሪት ዘይምለስ ወግዓዊ ቅዋም ኣለና
• ይኹን እንበር ነዚ ንምዕዋት ኲናት ይኹን ኣማራፂ ሓይሊ ኣይንደሊን። ባህግና ንምዕዋት እንደሊዮ ብሰለማዊ ኣማራፂ ኢዩ።
• እዚ ድማ ምኽኒያታዊን ፈትሓዊን ሕቲ ኢዩ፥ ንሕና እንተዘይኣዐዊትናዮ ደቅና ከዐውቱዎ ኢዮም።
• ኢትዮጵያ ንዝኾነ ትኹን ሃገር ወረራ ይኹን መጥቃዕቲ ኣይትፍፅምን። ይኹን እንበር ንኢትዮጵያ ንምንካእ ዝፍትኑ እንተሃሊዮም ኣሕፊርና ክንምልሶም ኢና። ነዚ ንምግባር ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ኣለና።

FBC Tigrigna

31 Oct, 10:09


ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሞሽን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝቐረበሉ ኣንፈት ጠመተ ሞሽን መንግስቲ 2017 ዓ.ም ኣፅዲቑ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ መበል ራብዓይ ዓመት ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣሳሊጡ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ባይቶ-ወከልቲ-ህዝቢ-ዝቐረበሉ-ሞሽን-ኣፅዲ-2/

FBC Tigrigna

31 Oct, 10:03


ተረባሕነት ቀይሕ ባሕሪ ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ንኢትዮጵያ የድሊያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

FBC Tigrigna

31 Oct, 10:00


ልምዓት ኮሪደር ማለት ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከተማ ምህናፅ ማለት ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ኮሪደር ማለት ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከተማ ምህናፅ ማለት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ  ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ብልምዓት ኮሪደር ሰፋሕቲ መገዲታት ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ሰገናት ኩዕሶ እግሪ ዝፃወትሉ ስፍራታት ስፖርትን ንእግረኛ ዝኾኑ መገዲታትን ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም። እዚ ድሙ ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር ፍትሓዊ ልምዓት ንዜጋታት ዝቐረበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ልምዓት-ኮሪደር-ማለት-ንኢትዮጵያ-ዝምጥን/

FBC Tigrigna

31 Oct, 09:45


ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዕዉት ንክኸውን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጠንካራ ድጋፍ ክገብሩሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥  ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዕዉት ንክኸውን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጠንካራ ድጋፍ ክገብሩሉ ከምዝግባእ ገሊፆም። ንኮሚሽን ተሃድሶን ሽግግር ፍትሒን እውን ተመሳሳሊ ድጋፍ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ኮሚሽናት ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሃገራዊ-ኮሚሽን-ዘተ-ዕዉት-ንክኸውን-ኣባላ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 09:25


"ንሕና ድኻታት ዜጋታትና ንፈቱ ኢና፤ ድኽነት ግን ንፀልእ ኢና። እንሰርሖ ድኽነት ንምስዓር ኢዩ” ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

FBC Tigrigna

31 Oct, 09:09


ሓሳብ ኣልቦ ቃልሲ ፍረ ኣይብሉን -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰላምን ድሕንነትን ጠሚቱ ኣብ ዝተልዓለሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሜክራሲ ሰላም ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም። ኲናት ብተግባር ንፈልጦ ስለዝኾነ ኣይንደሊዮን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ኣማራፂ ሓይሊ  ኣማራፂ ሰላም ውፅኢቱ ልዑል ከምዝኾነ ኣብሪሆም። መንግስቲ ጎንፂታት ብሰላም…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሓሳብ-ኣልቦ-ቃልሲ-ፍረ-ኣይብሉን-ቀዳማይ-ሚ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 08:17


ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅዕንቶ ልቓሕ ጠሚቱ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ካብ ዝሃብዎ ምላሽ
• ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ መንግስቲ ምንም ዓይነት ልቓሕ ንግዲ ኣይወሰደን
• ናይ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ልቓሕ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍሪያት ኣንፃር እንትረአ ካብ 30 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክንኪ ክኢሉ ኢዩ
• ኣብ ዝቕፅሉ ዓማውቲ እቲ ቁፅሪ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ንክኸውን ክስራሕ ኢዩ
• ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት መገዲ ኣየርን ቴሌን እንተሓወሰ 13 ቢሊየን ዶላር ዕዳ ተኸፊሉ
• እዚ ዕዳ እንተይኮነስ ንትውልዲ ልምዓት ንምውራስ እንገብሮ ስራሕ ዝሕግዝ ኢዩ

FBC Tigrigna

31 Oct, 08:03


ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ተኻኢሉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዝተኻየደ ምትእትታው መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ናይ መንግስቲ ኣታዊ ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም። ናይዚ መርኣዪ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም 180…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ቀዳማይ-ርባዕ-ዓመት-180-ቢሊየን-ብር-ኣታዊ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 07:54


ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ገሊፆም። እቲ ሓዱሽ ዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዓመት ካብ 100 ክሳብ 130 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ከምዘተኣናግድ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሐዚ እዋን 124 ሓደሽቲ ነፈርቲ ንምዕዳግ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምግላፅ፥ መገዲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ኣፍሪካ-ግዙፍ-መዕርፎ-ነፈርቲ-ንምህና/

FBC Tigrigna

31 Oct, 07:29


ኣብ 2016 ዓ.ም 8.1 ዕብየት ከምዝተመዝገበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብርሂ ይህቡ ኣለዉ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኘሬዘዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ 27 መሰከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረብዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ  የድምፅ ኣሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ 2016…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-2016-ዓ-ም-8-1-ዕብየት-ከምዝተመዝገበ-ቀዳማይ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 07:07


ኣብ 2017 ዓ.ም ብኹሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ለውጢ እነመዝግበሉ ዓመት ክኸውን ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኘሬዘዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ 27 መሰከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረብዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የድምፅ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣታተወ ሪፎርም ዘይነኻኸኦ ዓውዲ የለን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-2017-ዓ-ም-ብኹሎም-ዓውዲታት-ጭቡጥ-ለውጢ-እ/

FBC Tigrigna

31 Oct, 06:07


ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድጋፍ ሞሽን የድምፅ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኘሬዘዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ 27 መሰከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረብዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ የድምፅ ኣሎ። ዝርዝር እቲ ሞሽን ልዝብ ተገይሩሉ ንኽፀድቕ ብዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ ረኺቡ፡፡

https://www.fanabc.com/tigrigna/ባይቶ-ወከልቲ-ህዝቢ-ድጋፍ-ሞሽን-የድምፅ-ኣ-2/

FBC Tigrigna

31 Oct, 05:46


ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 3ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሑ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 3ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ባይቶ-ወከልቲ-ህዝቢ-ቀ-ሚ-ኣቢይ-ኣሕመድ-ዶ-ር/

FBC Tigrigna

30 Oct, 16:53


መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽር ትኽክለኛ ፀብፃብ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽር ትኽክለኛን ሚዛናዊን ፀብፃብ ክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም። “ሚዲያ ንብሄራዊ ተረኽን ህንፀት ሃገርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰለስተ መዓልቲ ስልጠና ተዋሂቡ። ኣብቲ ስልጠና ዝላ ተረኽ ምስ ታሪኻዊ ስብራት ናብ ሃገራዊ ምልኣት፤ ዝላ ምስ ሃገር…

https://www.fanabc.com/tigrigna/መራኸብቲ-ሓፋሽ-ሃገራዊ-ሓድነት-ዘጠናኽር/

FBC Tigrigna

30 Oct, 15:15


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ናብ ቡሩንዲ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መበል 23 ጉባኤ መራሕቲ ሓበራዊ ዕዳጋ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ንምስታፍ ናብ ቡሩንዲ ቡጁምቡራ ኣቲዮም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ መልቾይር እንዳዳዬ እንትበፅሑ÷ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢቫሪስቴ ንዳይሽሚዬ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡ መበል 23…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፕሬዚዳንት-ታዬ-ኣፅቀ-ስላሴ-ናብ-ቡሩንዲ-ኣ/

FBC Tigrigna

30 Oct, 14:31


መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ዋጋዱጉ ኣገልግሎት በረራ ኣቑሑት ፅዕነት ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ካርጎን ሎጂስቲክስን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቡርኪና ፋሶ ከተማ ዋጋዱጉ ኣገልግሎት በረራ ኣቑሑት ፅዕነት (ካርጎ) ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ኣገልግሎት ኣቕሑት ፅዕነት ካብ 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝውገን ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

https://www.fanabc.com/tigrigna/መገዲ-ኣየር-ኢትዮጵያ-ናብ-ከተማ-ዋጋዱጉ-ኣ/