Stalin Gebreselassie @stalingebreselasie Channel on Telegram

Stalin Gebreselassie

@stalingebreselasie


Stalin Gebreselassie (English)

Are you interested in exploring the vibrant and diverse world of African culture? Look no further than the "Stalin Gebreselassie" Telegram channel! Named after the renowned African artist, this channel is dedicated to showcasing the rich history, traditions, and creativity of the African continent. From traditional music and dance to contemporary art and fashion, "Stalin Gebreselassie" covers it all. Who is Stalin Gebreselassie? Stalin Gebreselassie is a multi-talented African artist known for his innovative approach to blending traditional African aesthetics with modern influences. His work has been exhibited in galleries around the world, and he continues to inspire a new generation of artists with his unique vision. What is the channel about? The "Stalin Gebreselassie" Telegram channel is a hub for anyone interested in African culture. Whether you are a fan of African music, art, literature, or fashion, this channel has something for everyone. Discover new artists, learn about traditional customs, and connect with like-minded individuals who share your passion for all things African. Join the "Stalin Gebreselassie" Telegram channel today and immerse yourself in the beauty and diversity of African culture. Don't miss out on this opportunity to explore the vibrant world of African art and creativity! Share your love for African culture and connect with fellow enthusiasts from around the globe. We look forward to welcoming you to our community!

Stalin Gebreselassie

31 Dec, 10:09


የብልጽግና ግፍ በአርሶአደሩ

Stalin Gebreselassie

19 Dec, 10:55


ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኩልና ንረባረብ ተጋዳላይ አስመላሽ ሃይለማርያም ድምፁ  ጅግና ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ህዚ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይደሊ። የቐንየልና እናበልና ብዝኸኣልናዮ ንሓግዞ ።

ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኣካውንት - 1000623475135 CBE

Stalin Gebreselassie

14 Dec, 18:58


ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኩልና ንረባረብ ተጋዳላይ አስመላሽ ሃይለማርያም ድምፁ  ጅግና ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ህዚ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይደሊ። የቐንየልና እናበልና ብዝኸኣልናዮ ንሓግዞ ።

ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኣካውንት - 1000623475135  CBE

Stalin Gebreselassie

13 Dec, 15:40


ጎጃም የተማረኩት የኢትዮጵያ መከላከያ ወታደሮች በድሮን ተጨፈጨፉ

Stalin Gebreselassie

13 Dec, 15:40


ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኩልና ንረባረብ ተጋዳላይ አስመላሽ ሃይለማርያም ድምፁ  ጅግና ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ህዚ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይደሊ። የቐንየልና እናበልና ብዝኸኣልናዮ ንሓግዞ ።

ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኣካውንት - 1000623475135  CBE

Stalin Gebreselassie

12 Dec, 17:40


መግለፂ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ህወሓት

Stalin Gebreselassie

12 Dec, 09:57


ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኩልና ንረባረብ ተጋዳላይ አስመላሽ ሃይለማርያም ድምፁ  ጅግና ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ህዚ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይደሊ። የቐንየልና እናበልና ብዝኸኣልናዮ ንሓግዞ ።

ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !!

ኣካውንት - 1000623475135  CBE

Stalin Gebreselassie

11 Dec, 16:19


ትግራይስ ምእንትኣ ዝስውኡላ ወላድ ሚልየናት እምበር፤ ብሓሳብ ዝኣምንን ብኽብራን ዓቐናን ክመርሓ ዝኽእል መዓዝ ከምእትወልድ እንድዒ!

ድሕሪ ሕልፈት ንጉሰ ነግስታት ዮሃንስ፤ ብዙሓት መኳንንቲ ትግራይ ብስልጣንን ውልቀ ረብሓን ነንሕድሕዶም እናተባልዑ፤ ንጥርዓንን ዕርቅን ተባሂሉ ንሽዋ ይኸዱ እሞ፤ እቶም ንሽዋ ስግኣት እዮም ዝተብሃሉ ብማሓዩር ይኹን ብካልእ ሜላ ብኡ ገይሮም ሓቒቖም ይተርፉ ስለዝነበረ እዩ:: እቶም ተኣመንቲ ሽዋ ድማ ምስ ሽመት ንዓዶም ይምለሱ:: ብመራሕቲ ዘይተዓደለ ህዝቢ ትግራይ ድማ ፣ መኳንንተይ ኣብ ሽዋ ተዋሒጦም ኢሉ ይቑዝም:: ናይ ሎሚ ዘበን መኳንንቲ ትግራይ ኮኑ ገዛእቲ እዛ ሃገር እውን፤ ኣሰር ወለዶም ኣይሓደጉን!

ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሰንኪ ኩሎም በብግዚኡ ኣብ ልዕሊኡ ዝዘመቱ ተወለድቲ ገዛእቲ፤ ደቁን ኩሉ ዘጥረዮን እናተመንጠለ፤ ካብ ውድቀት ናብ ድከት ወሪዱ ኣሎ:: እቱ ክሳብ ባሕሪ ዝነበረ ግዝኣቱ እውን ተቖሪሚሙ ተቖርሚሙ ናብዙ ሐዚ ዘለወሉ ሕዝኣት በፂሑ ኣሎ:: ነዛ ዝተረፈት ሕዝኣት እውን ምእንተ ህርፋን ስልጣኖም ብከባቢ ክመቓቕሉዋ ዝኸኣሉዎ ኩሉ ይፍሕሩ ኣለዉ::

ሃለዋት፣ መንነት፣ ክብርታት፣ ፀጋታትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከጥፍእ ካብ ዝተልዓለን ቀፂሉ ዘሎን ጀኖሳይደር ኣብይ ኣሕመድ፤ ፍትሒ ዝሓትት ትግራዋይ መራሒ ክትብሎስ የመና የስክፍ!

ዓቕሊ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ግና ዝገርም እዩ!

Stalin Gebreselassie

11 Dec, 12:52


ጀነራል ወዲ ወረደ ሰራዊትካ ካብ ቤት ፅሓፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣውፅእ።

ህዝቢ ከተማ መቐለ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ፕረዝዳንት ግዝያዊ መንግስቲ ንብርሃነ ገ/የሱስ ከንቲባ ገይሩ ከምዝመደበ ዝፍለጥ እዩ።እዚ ናይ መንግስቲ ትእዛዝ ስለዝኾነ ክፍፀም እዩ ዝግብኦ ።

ምክትል ፕረዝዳንት (ወዲ ወረደ) እቲ ዝተመደበ ከንቲባ ስራሕ ምስ ጀመረ ናይ ኣፈጻጸማ ፀገም እንተልይዎ ትሓትት እምበር ፕረዝዳንት ንዝኣዘዞ ኣንፃር ደው ኢልካ ነገራት ናብ ካሊእ ህውከትን ዕግርግርን ንከምርሑ ትሰርሕ ኣለኻ ነዚ ዝፈቅድ ምንም ኣሰራርሓ የለን።ኩሉ ክቃለሶ እዩ ዝግባእ።

ወዲ ወረደ ብሓደ ገጽ ጉዳይ ከንቲባ መቐለ መፍትሒ ንክይረክብ ብምግባር መናእሰይ ሆ ኢሉ ህውከትን ዕግርግርን ንክልዕል በቲ ዕግርግር ኣቢሉ እውን ድሌቱ ንምፍፃም ይንቀሳቐስ ኣሎ።ብካሊእ ገጽ ድማ ውግንናኡ ብግልጺ ብዶ/ር ደብረፅዮን ንዝምራሕ ጉጀለ ኣደመ ገይሩ ነቲ ኩነታት እንዳ ኣደመ ኣብ ኣኼባ ስለዘለው ክሳብ ናይቲ ኣኼባ ውፅኢት እዩ ዝፅበ ዘሎ።

ንወዲ ወረደ ሓዊሱ ብሽም ሓይሊ ፀጥታ ተወዲብና ዝብሉ ውሱናትን ብስም ክፅርሑ ዝኽእሉን ኣዘዝቲ ሰራዊት ንሓደ ፍንጫል ጉጅለ ወጊኖም ግምት ንምፍራስ በብከተምኡን ወረድኡን እንዳኸዱ ሲቪል ምምሕዳር ንዘፍርሱን ብሓይሊ ንዝቕይሩን ኩሉ ክቃለሶም ይግባእ።

Stalin Gebreselassie

11 Dec, 12:51


የቕንየልና....ኹላትኩም ሓግዙና
Cbe 1000623475135 ኣካውንት
ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የለን !! ኩልና ንረባረብ

Stalin Gebreselassie

10 Dec, 20:30


ሓገዝ ተጋዳላይ አስመላሽ ሃይለማርያም ድምፁ ይበሃል። ጅግና ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ህዚ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይደሊ። የቐንየልና እናበልና እስኪ ብዝኸኣልናዮ ንሓግዞ።

ኣካውንት - 1000623475135 CBE

Stalin Gebreselassie

19 Nov, 05:31


ከትላንት ወዲያ በኦሮሚያ በተካሄደው OLAን የሚያወግዝ ሰላማዊ ሰልፍ ላይ ሰልፈኞች 'ሸኔ የጁንታ አጀንዳ አራማጅ ተላላኪ ባንዳ ነው' ሲሉ ውለዋል። ምክንያቱ ባይታወቅም የጥላቻ ንግግር እንደገና እያገረሸ ያለ በሽታ ይመስለኛል።

ጁንታ የሚባለው ቋንቋ አሁንም አልሞተም። ሺመልስ አብዲሳ ከቀድሞ 'ጁንታዎች' ሰላም ነኝ እያለ፣ በሰላማዊ ሰልፎች ግን በካድሬዎቹ በኩል ጥላቻን መቀስቀስ ትርጉሙ ምንድነው?

መንግስት የማያውቀው ሰላማዊ ሰልፍ ነው፤ እኔ የለሁበትም ሊለን ነው?

Stalin Gebreselassie

19 Nov, 05:31


የደብረጽዮን አንገትና እግር ማሪያምና ሚካኤል ቤተክርስቲያን መቀበሩ አረጋግጫለሁ፣ ጌታቸው ሰቖጣ ተማረከ እያለ መበጥረቅ የለመደው የPP ሚድያ ሰራዊት በዚህ ወር ሙሉ ዘመኔ ካሴ በድሮን ተቀነደበች እያለ ተከታዮቹን ሲያስቦርቅ ከረመ። ከስድሳ በላይ ክፍለጦር ይዞ እየተፋለመ ያለ ሀይል አንድ መሪ ስለተሰዋ ትግሉ ይሞታል ብሎ ማሰቡ ነው ትልቁ ስህተት።

ኦህዴድ አሁን በሁሉም መለኪያ በኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋ ቆርጧል። ኢትዮጵያ የሚለውን ጭምብል አጥልቆ ሌላ ህይወት ውስጥ ነው ያለው። ከእንግዲህ ኢየሱስም መለስም ቢመጡ እንኳ አገሪቱ ከፍተኛ የመበጣጠስ አደጋ ውስጥ እንዳለች ኦህዴድ ተገንዝቧል።

ትግራይን በተመለከተ ኦህዴድ የተሳሳተ ግምገማ አለው። ትግራይ እኛን ተቀይማናለች። ድጋሚ ወደ ፌደሬሽን ብትመለስም ይህ ሁሉ በደል ደርሶባቸው ተረጋግተው አይቀመጡም፤ አያስቀምጡንም ይላሉ። እንደ መፍትሔ የያዙት ደግሞ ትግራይን የበለጠ ለማዳከም አዋጅ፣ ደንብ፣ ወዘተ እያሉ መጨፍለቅ፣ በህወሓት ውስጥ መከፋፈል መፍጠር፣ ትልቅ መዋቅር ያለው ህወሓት በተለያዩ መንገዶች ማዳከምና ማፍረስ፣ የትግራይ ሉአላዊነት ጥያቄ ጉዳይ የተለያዩ አጀንዳዎችን በማቅረብ መፍትሔ እንዳያገኝ ማድረግ፣ በህወሓትና ሻዕቢያ መካከል ለፌደራል መንግስት አስጊ የሆነ እንቅስቃሴ እንዳያደርግ በህወሓት ውስጥ ጠንካራ የመረጃ ኔትወርክ መዘርጋት ያስፈልጋል ይላል።

ኦህዴድ ያልገባው ስለትግራይ አንድ ወሳኝ ነገር አለ። መብቱን ክብሩን፣ ሉአላዊነቱን በሚገባ ያስከብራል። እወነቴን ነው። ቂም ጥልቀትም ስፋትም እንዳይኖረው ብቻ ነው መጠንቀቅ ያለበት።

Stalin Gebreselassie

11 Oct, 06:20


ዉፅኢት ዝርርብ ደብረፅዮን ምስ ኣብዪ
---------------
#ሕቶ ደብረፅዮን:

ነቲ ኣካይድናዮ ዘለና ጉባኤን ምምዕርራይ ካቢኔን ኣፍልጦ ሃበና ተቐበለና

#መልሲ ኣብዪ:

ደብረፅዮን ከም ሰብ የኽብረካ እየ:: ይኹን'ምበር ዝኸድካዮን ትኸዶ ዘለኻን መንገዲ ኣይፅቡቕን:: ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስ ምንቅስቃስ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ገበን'ዉን'ዩ:: ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፍፁም ኣይፈርስን::ይትረፍ ንስኹም ኣነ'ዉን ከፍርሶ ኣይክእልን:: ምኽንያቱ ብወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተጣየሸን ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎን መንግስቲ ስለዝኾነ:: ስለዚ ናብ ካልእ ከይተእትዉና ዕረፉ:: እቲ መንግስቲ ብዝብለኩም ካብ ምኻድ ካልእ ኣማራፂ ዕፅዉ'ዩ::

#ሕቶ ደብረፅዮን:

እሺ ዋላ እቲ ዝበልካዮ ይኹን ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይፍረስ ግን ጌታቸው ረዳ ጥራሕ ኣልዒልካ ታደሰ ወረደ ዋላ ፕሬዝዳንት ግበርልና

#መልሲ ኣብዪ:

ከምቲ ዝበልኩኻ ጌታቸው ረዳ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ መራሒ እዩ ኣይወርድን:: ጌታቸው እንተዝወርድ'ኳ ፕሬዝዳንት ዝኸዉን ፃድቃን'ምበር ታደሰ ኣይኮነን:: ካልእ ማልእ ኣይትሕሰቡ:: ኣብ ልዕሊ ገበን ገበን ኣይትወስኹ:: ትዕግስትና ኣይትፈታተንዎ::
--------//--------
ነገረ ኣደመ - ነዚ ክትግዕታ'ዶ ትርህፃ !

Stalin Gebreselassie

02 Oct, 18:20


ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቋሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ትምህርቲ ንምጅማር ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ።

ሎሚ 21መስከረም 2017 ዓ/ም ካብቲ ቤት ፅሕፈትን ት/ቲን ከተማ ምምሕዳርን ዝረኽብክዎ ሓበሬታ ከምዘመላኽት ክሳብ ሐዚ 70% ዝኾኑ ተምሃሮ ተመዝጊቦም እዩም።

እቲ ምዝገባ ዝተጀመረ ምስ ዝምልከቶ ኩሉ ትምህርቲ ንምጅማር ዘድሊ ምርድዳእን ድልዉነትን ድሕሪ ምፍጣሩ እንትኾን ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት ሐዚ እውን ንተምሃሮ፣ንወለዲን ንመምህራን ንምፍርራሕ ይሙክሩ ኣለው።

ተምሃሮ ብትግራይ ስርዓተ ት/ት ክመሃሩ የብሎምን ዝብል ሃሳብ ዘለዎም እቶም ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት #ወረቀት 👇እናበተኑ እዩም ሓዲሮም። ነዚ ምንቅስቃስ እውን ኣብቲ ከተማ ዘሎ ፀጥታ ትግራይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ከተማ ብፀላእቲ ዓንየን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዋ እንትኾን ዋላ ኣብ ዳስ ግልጋሎት ክህባ ነባሪ ህዝቢ ዳሳት ክሰርሕ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት መምህራን ተጓዲሎም ከይኾኑ ጊዚያዊ ቁፃር ብምክያድን ጥሮታ ዝወፁ መምህራን ናብ ምምሃር ምስትምሃር ከምለሱ ከም ዝኾነ እውን ተሓቢሩ እዩ።

ዘዘራረብክዎም ወለዲ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ተኸፊቱ ዝነበረ ወራር ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀትን ትምህርቲ ንምጅማር ዘካይዶ ዘሎ ፃዕርን ንኢዶም እዩም።

ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝነበሩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ ኣሎ::

Stalin Gebreselassie

02 Oct, 18:20


መቐለ ሰላም ንኽትከውን ወዲ ኢሮብን ወዲ ሑመራን መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም፤ ኣካሎም ጎዲሎም'ዮም።

እገለ ዝበሃል ከባቢ ሕሪዩኡ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራሲን እዩ ዝበሃል ሓዳሽ ዝተኣታተወት ጥዕምቲ መልእኽቲ ትመስል ግን ሓላፍነት ዝጎደላ ቅዲ ፖለቲካ ሐዚ ፋሽን ኮይና ኣላ ኣብ ትግራይ።

እዚ ትርጉሙ እቲ ኣነ ዘይድግፎ ዘለኹ ወገን ሕሪዩኡ ሰላምን ልምዓትን ኣይኮነን። እቲ ዝድግፎ ዘለኹ ግን ምርጫኡ ሰላምን ልምዓትን'ዩ ንምባል እዩ። እዚ ሓደገኛ እዩ። ኩሉ ትግራዋይ ሰላምን ልምዓትን ይደሊ እዩ ኣብ ትግራይ። ኮላይ ኣረጋዊ በርሀ። ፍልልዩ ከመይ እዩ እዚ እንደልዮ ዘለና ሰላም ዝመፅእ እዩ?

መቐለ ሐዚ ሰላም ንኽትኮን ወዲ ዋጃ፣ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ሸኸት፣ ወዲ ዛላንበሳን ኢሮብን፣ ወዲ ዳንሻን ሑመራን ፀለምትን ተሰዊኡሉ፣ ኣካሉ ጎዲሉሉ እዩ። ወለዲ ናይዞም ዝጠቀስኩዎም ከባቢታት ስውኣት ድማ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኣለው። ደቆም ተሰዊኦም፤ ወለዲ ግን ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን። ካብ ኩሉ ተሪፎም። ወለዶም ናብ መረበቶም ክመልሱ ኢሎም እውን እዮም ተሰዊኦም። ኣቦይን ኣደይን ሓደራ ኢሎም ከምዝተሰውኡ ክስቆረና ኣለዎ።

ንሕና ድልየትና ዲሞክራሲ እዩ ዝብል ጭርሖ ቅድሚ ምግዋሕና ነዞም መቐለ ሐዚ ሰላም ንክትከውን ዝተሰውኡ መላምል ቃል ንምኽባር ወለዲ ስውኣት ናብ መረበቶም ክምለሱ ብሓባር ድምፂ ምዃን ምሓሸ ነይሩ። ፍርቂ ትግራይ ሒዝካ ዲሞክራሲን ሰላምን ኢና ንደሊ ቅድሚ ምባል። ንሱ ብከይዲ ዘይቀሪ ሕቶ እዩ።

ብሩኽ መዓልቲ!!

Stalin Gebreselassie

29 Sep, 17:27


"ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝካየድ ፀለመ ትግራይ ንምፍራስ ዝካየድ እዩ "_ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ንድምፂ ወያነ ብፍሉይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ ነዚ ኢሎም ዘለው።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ኣብዚ ኣብፂሖሙና ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ዝካየድ ፀለመ ደው ክብል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ሓይልታት ፀጥታ ከም ትካል ኣብ ሓደጋ ንምእታው ካብ ዝግበር ፀለመ ኩሉ ክርሕቕ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።

ሓይልታት ፀጥታ ዘይሻራውያን ክኾኑ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ስርዓት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ፈተነ ግን ዘይሻራውያን ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ኣመላኺቶም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለውዎ ዕማማት ንምፍፃም ኣብ ዝፍፀም ስራሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሓለፍነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ንድሕንነትን ፀጥታ ሕብረተሰብን ተሓሲቡ ኣብ ጎደናታት ዝካየዱ ሰልፍታት ካብ ጥቅሞም ጉድኣቶም ስለዘመዝን፣ ዝካየዱ መድረኻት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝስመዐሎምን ሓድነትን ዓቕምን ህዝቢ ትግራይ ብምውዳብ ፀገምና ንምፍታሕ ክነውዕሎ ይግባእ ኢሎም ።

Stalin Gebreselassie

23 Sep, 18:39


ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቢኔን ግምትን ተገይሩ ክምራሕ'ዩ ዝብል መግለፂ ግምት ትርጉሙ እንታይ ይኾን?

ወዲ ወረደ ምኽትል ጌታቸው ምኻኑ ፍሉጥ'ዩ። ሓለቓ ወዲ ወረደ ጌታቸው እዩ ማለት እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ብካቢኔን ግምትን ይመሓደር ዝብል ደንቢ ምፅዳቕ ደኣ ከመይ ማለት?

TDF ሓደ ኣካል ግምት'ዩ። GSTS እውን ሓደ ኣካል'ዪ። ባይቶና'ውን።

እዚ ማለት ኣባላት GSTS ን ኣባላት ባይቶናን ተፀዋዕነቶም ንካብኔን ንግምትን ድዮም ዝኾኑ ዘለው? ጫማ፣ ክዳን፣ምግቢን ደመወዝን ብኣግባቡ ዘይተቅርበሉ ተጋዳላይ ትግራይ ተፀዋዕነትካ ናባይ እዩ ማለት ድዩ ዝኾን ዘሎ? ብቀ/ሚ ኣብይ ሹመት እንድሕር ፕሬዚዳንት ትግራይ እንተተኾይኑ፣ እቲ ሰራዊት ትግራይ ብተዘዋዋሪ ድዩ ተፀዋዕነቱ ናብ ኣብይ ኣሕመድ ክግበር ዝድለ ዘሎ?

ብዝኾነ TDF ማለት ከም GSTSን ባይቶናን ኣካል ግምት'ዩ። ኣብ ዓለም ንዘለው ንመላእ ኣባላት GSTS ኣብ ትሕቴኻ ዳርጋ ምግባር እዩ ዝኾን ዘሎ ብስነሓሳብ ደረጃ ።

ንፅባሕ ንሕሰብ፤ ኩሉ ፅንቅቕ ኣይነብሎ።

Stalin Gebreselassie

23 Sep, 18:39


#ሓደገኛ ኣካይዳ

ሓበሬታ ወሃቢ፡ ካብ ተመለስቲ ተጋደልቲ ሓደ

ኣድራሻ፡ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታ/ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ

ኣብ ህልዊ ኩነታት ንምዝታይ ብዝብል ንተመለስቲ ተጋደልቲ& ነባር ዓቕምን ምልሻታትን ኣኪቦም ህዝቢ ራያ ምስ ጌታቸው ረዳ ስለዝወገነ ንሕና ድማ ከይንዕበጥን ከይንውረርን ንዳሎ ንተዓጠቕ ዝብል ኣጀንዳ ኣብቲ መድረኽ ብምቕራብ ጎስ¹ስን ምልዕዓልን እናገበሩ ህዝቢ ስግኣት ክሓድሮ ይገብሩ ኣለው፡፡ ስለዚ እዚ ኣካይዳ ናብ ዝለዓለን ዝኸፍአን ብርኪ ቅድሚ ምዕባዩ ዝምልከቶ ኣካል መፍትሒ ንክገብረሉ ኣብፅሑልና፡፡

🎯ነዚ ጎስ¹ስን ምልዕዓልን ዘካይዱ ዘለው ኣካላት #ገ/ሂወት ኪዱ ዝበሃል ኣማሓዳሪ ወረዳ ታ/ኣድያቦን ኣማሓዳሪ ከተማ ሸራሮን ኮይኖም ብዝተዋደደ ኣብ ከተማን ገጠርን ናይ ምምሕዳር መሓውሮም ብምጠቃም ይሰርሑ ኣለው።

🎯ኣብተን ኣኼባታት ዝተሳተፉ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ ድማ ብዛዕባ ተጋደልቲ ይኹነ ነባር ዓቕሚ ኩነታት ኣመልኪትኩም ኣኪብኩምና ዘይትፈልጡ ሕዚ ብስምዒት ኣላዓዒልኩም ናብ ናታትኩም ፀገም ክትሓውሱና ፀዊዕኹምና ብምባል መብዛሕቲኡ ንኽና እዚ ሓሳብ እዚ ኣይንቕበሎን እንትብል ሓሳቡ ንምግላፅ ዝስግአ ድማ ብድምፀተኣቅቦ ሓሊፉ፡፡

🎯ኣብቲ ወረዳን ከተማ ሸራሮን ዘለዋ ቤት ዕዮታት ኩለን ዳርጋ ተዓፅየን ግልጋሎት ኣይህባን ዘለዋ፡፡ እቶም ኣባላት ምምሕዳር ድማ ክሳብ ናይ ምሸት ሰዓት 3ን 4ን ተኣኪቦም እዮም ዘምስዩ፡፡

Stalin Gebreselassie

19 Sep, 06:39


መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ !
----------------
ብምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረዚዳንት ጊ.ም.ትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሕጋዊ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዝገብሮም ዘሎ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓሳትን ክሕደትን ዘቃልዕን ዝኹንንን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ :

#ነባር ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምስ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ኣካላት ብምርድዳእን ብዘተን ከምዝምልስ

#እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝገብሮም ዘሎ ሕጊ ዝጠሓሱ መንግስቲ ናይ ምፍራሰን ሰርዓት ኣልቦነት ናይ ምንጋስን ስራሕቲ 'መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ' ብዝብል ኣበሃህላ ብምግላፅ ደው ከብልን ጊ.ም.ት ስጉምቲ ክወስደን ሓቢሩ'ሎ::

Stalin Gebreselassie

19 Sep, 06:39


በየነ ጴጥሮስ ንስሀ ሳይገቡ የተሰጣቸው ብይን ሳይሰሙ ለዘላለሙ ሄዱ። የሰው ልጅ ሟች ነው። ለህሊና የኖረ ሰው ሁሌም እየታወሰ ይኖራል። እንደ የሙዚቃ ሰው ኤልያስ መልካ ዓይነት።

የትግራይ ጦርነት ፍትሃዊ ስለሆነ እንደግፋለን፣ በአለም ያሉ የፓርቲያችን ደጋፊዎችም የህግ ማስከበር ጦርነቱ እንዲደግፉና ለሚኖሩባቸው መንግስታት እንዲያስረዱ ተናግረናል በማለት የሚታወቁት የባዮሎጂ መምህሩ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ወቅቱን ጠብቆ ባዮሎጂ ራሱ ወሰዳቸው ስሰማ ኤርትራ ደብዛው የጠፋ ጀግናው ወንድማቸው ብቻ ነው ወድያው ትዝ ያለኝ፣ ያሳዘነኝ። የሞቱት እሳቸው፣ ትዝ ያለኝ ግን ፓይለቱ ወንድማቸው።

በስተርጅና ለስልጣን ጉጉት በትግራይ ጥላቻ ታውሮ ለመርህና ለሞራል ሳይገዙ ጭቃ ውስጥ መንቦጫረቅ በምድር ተቀባይነት የለውም። በሰማይ ደግሞ ጌታ ብቻ ነው የሚያውቀው ግን እንደምድሩ ይሆናል።

ሞት እንደ ጦርነቱ ፍትሀዊ ነው እንዳሉት እኔም ኢፍትሃዊ ነው ባልልም ግን የትግራይ ህፃናትና እናቶች ሞትና መደፈር ፍትሀዊ ከተባለ ባዮሎጂ የወሰደውም ተቀራራቢ ነው ማለት ይቻል ይሆናል።

Stalin Gebreselassie

15 Sep, 18:11


#ክብሪን_ሞሳን_ንመናእሰይ_ሽረን_ከባቢኣን🙏
---------------------------------------------
መንእሰይ ሸረን ከባቢኣን እቲ መድረኽ ንክካየድ ንዝገበሮ ፃዕሪ ክብርን ሞሳን ደማ ይግበአካ። ናይ #ጉጅለ_አደመ ድሕረትን ድንቁርናን ክሳብ ኣበይ ይጓዓዝ ሓቢርና ንርእዮ ኢና።

መንእሰይ ሸረን ከባቢኣን ወጢርኻ ተቃለስ። በዚ ድሑር ጉጅለ ክንደይ ግዘ ትጉዳእ!!

Stalin Gebreselassie

15 Sep, 18:11


ብፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ልዑኽ ካብ መዕርፎ ነፍርቲ ሽረ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ እንትኾን ሐዚ ናብታ ከተማ ኣቲዩ ኣሎ።

ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱን ዝተማእኸለ ህዝባዊ መድረኽ ሎሚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ክካየድ እዩ።

እቲ መድረኽ ኣብ ኣዳራሽ ሃፍቶም ዝካየድ ኮይኑ ሕብረተሰብ “ኣለዉኒ ዝብሎም” ሕቶታት ብዘይገደብ ኣቕሪቡ ፖለቲካዊ መፍትሕታት ክረክብ ተስፋ ኣለኒ።

Stalin Gebreselassie

24 Jul, 15:16


ኣብ ልዕሊ ትግራይ #ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ኣካላት እኒሄዉ እዮም። ካብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት እዮም።

ናይ'ዞም ካብ ውሽጢ ትግራይ ኰይኖም ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ባህጎም፥ #ሓደ፥ ኣብ ዝሓለፈ #ኲናት ዝጀመርዎ ስርቂን ውራን ኣፀቢቖም ንምቅፃልን ዝሐሸ ሃፍቲ ንምውሳኽ እዩ።

#ክልተ፥ ኣብ እዋን ኲናት ዝነበሮም ስራሕን ሃፍትን እናሰኣኑ ስለዝኸዱ ሃፍቲ ንኸጥርዩ ኲናት ይደልዩ። ብኲናት ጥራሕ ዝህፍተም ዝመስሎም።

#ሰለስተ፥ ኣብ እዋን ኲናት መሳርሒ ብምሻጥን ብምድላልን ዓለምለኸ ልምዲን ኔትዎርክን ዘለዎም ደላሎ ዘትርፍዎ ዶላርን ዝሕዝዎ ኮምሽንን እናተረረአዮም ኲናት ክለዓል ዝደልዩን ዝጉስጉሱን ኣለው። እዞም ንኲናት ብዓይኒ ቢዝነስ ጥራሕ ዝሪኡዋ ልክዕ ከም ህበይ እዮም። ዓለም ከምተገልበጠት'ሞ ኩዕንትና እኳ ምበላዕና በሃልቲ።

#እቶም ካልኦት ዝሰኣንዎ ፖለቲካዊ ፀብለልታ፤ ገባሪ ሓዳጋይነትን ዝሰኣንዎ ጣቅዒትን ካብ መጣልዕቶም "ሰይበለልና" "ናይ መወዳእታ ጠላዕ )ኢሎም ኲናት ኣልዒሎም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቀይሮም፤ ምስ ውፁዓት ተቃለስቲ ሓቢሮም ተቃሊሶም ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ስርዓት ክተኽሉ ዝሓስቡ ሓለምቲ እዮም። እዚኦም ንኹነታት ኢትዮጵያን ንዓቕምን ጥንካረን ፀላኢ ዝርእዩሉ መርአዪ ከም'ቲ ድልየቶም ጥራሕ ይኸውን።

ብናይ'ዚኦም መርአዪ #ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደኸመ፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝወደመ፤ ኲናት እንተተላዒሉ ስርዓት ብልፅግና ኣብ ሓደ መዓልቲ ፈራዕራዕ ኢሉ ዝሓድር ዝመስሎም፤ "ኢህአዴግ" ዝበሃል ውድብ ተመሊሱ ኣዲስኣበባ እንተዝኣቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግልብጥ ኢሉ ብንብዓት ሓጎስ ዝቅበሎም ዝመስሎ፤ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ዘልዐሉ ሓይልታት ዓወት ብዓወት እናሓፈሱ ዝውዕሉ ዝመስሎም እዮም።

እዞም ካብ ትግራይ ኰይኖም ኲናት ክለዓል ዝደልዩ ኣካላት ብቁፅሮም ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። ምናልባት እውን ዘርዚርካ ክፅርሑ ዝኽእሉ እዮም። ኣቅሊልካ ዝረአዩ ግን ኣይኮኑን። ከም ገለ ኢሉ ቀኒዑዎም ኲናት እንተልዒሎም ንኹሉ ትግራዋይ ሓፊሶም ክጠብስዎ ዝኽእሉ አረዮም።

ዝበዝሕ ትግራዋይ ኲናት ሰልችዩዎ፤ መሪሩዎ እዩ፤ ዕላምኡ ዘይፍለጥ ኲናት ኣየድልን፤ መራሕቲ ህወሓት ዝመርሕዎ ኲናት ክሳኻዕን ክዕወት እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን እዩ ኢሉ ዝኣምን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ክለዓል ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ግዳማውያን፤ እዚኦም ብኣወንታን ኣሉታን ኢልና ኣብ ክልተ ኸፊልካ ምርኣይ ንኽእል ኢና። እዞም ብኣወንታ ዝርእዩዎ ብስርዓት ብልፅግና ዝተማረሩ፤ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ተቃሊሶም ከውድቑዎ ዘይከኣሉ፤ ብትሪ ብልፅግና ክንማቐሎም ዝደልዩ፤ ናብ ትግራይ ተፀጊዖም ዝዓርፎም በትሪ ኣቃሊሎም ክስዕሩ ዝደልዩ እዮም።

እዞም ብኣሉታ ዝለዓሉ ድማ፥ህላወ ትግራይ ንህንፀት ሃገረ-መንግስቶም ዕንቅፋት እያ ኢሎም ዝሓስቡ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ተዓዊትናሉ ነይርና ኢና፤ ዓወትና ተኮሊፉ፤ ትግራይ ከም'ንደልያ ገይርና ክንጥፍጥፋ ኣይከኣልናን ኢሎም ዝሓስቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምልዓሉ ከም ፀጋን ከም ሰናይ ዕድል ዝርእዩ እዮም። እዚኦም ብፃሕታርነት ህወሓት ንዝለዓል ኲናት ከም ኣጅቦ እዮም ሃረር ኢሎም ዝፅበዩዎ።

ብተበግሶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ትግራይ ዝለዓል ኲናት ንትግራይ ኣየዋፅኣን።ኩሎም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ክህሉ ዝደልዩ ኣካላት ጥፍኣት ትግራይ ዝደልዩ እዮም።

Stalin Gebreselassie

20 Jul, 13:15


ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ዘለው ካድረታታ #ህወሓት ረብሓ ህዝቦም ንጎኒ ገዲፎም ብሽም ውድብ ምድሓን ልኡኽ ናይቶም ፀረ ህዝቢን ብድሕረትን ብኔትዎርክን ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝህደዱ ዘለዉ ጉጅለ መደብ ዘፈፅሙ ዝተወሰኑ ኣካላት ኣለው።

እዞም ኣንጻር ህዝቦም ዝተሰለፉ ኣብ ሕድሕድ ጣብያ፣ ወረዳ፣ምምሕዳር ከተማን ዞባን ዝርከቡ ወልቀሰባት ዝርዝሮም ህዝቢ ንክፈልጦም ዕላዊ ክገብሮም እየ።

እዞም ብህልውናን ረብሓን ህዝብና ዝመጹ ኣካላት ብዝግባእ ክንቃለሶም ኢና!!ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ክንቅጽል ኢና

Stalin Gebreselassie

20 Jul, 13:15


ዝተጀመረ #ስጉምቲ ክቅጽል እዩ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ #ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ዘባህረሮም ዘይሕጋውያን ኣካላት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

ነዊሕ ግዘ ተዓጊስና ፀኒሕና ኢና ፣ካብዙይ ንደሓር ግን ኩሉ ብሕግን ስርዓትን መልክዕ ክሕዝ ናይ ምግባር ከይዲ ኣጠናኺርና ክንከደሉ ኢና።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን #ግምት
13 ሓምለ 2016 ዓ/ም
መቐለ

Stalin Gebreselassie

14 Jul, 15:59


ከመይ ሓዲርኩም ዓድና?!

ኣብ ህወሓት ዝዓሰሉ ካድረታትን ተራ ዜጋታትን ጥራሕ ኣይኮኑን። መራሕቲ ካልኦት ዕሸል ውድባት እውን ኣብ ጎኒ ግምት ኢና ክብሉ ሽምጦም ገቲሮም ሓሳቦም እንትገልፁ ተዓዚብና። ውድቦም ኣብ ክልተ ሰለስተ መታቲሮም ህዝቢ እናረኣዮም ኣብዘይ ዳሶም ርኢናዮም። ብሓቂ ውድቦም ኣብ ምጥንኻር ጠመተ እንተዝገብሩ ይሓይሽ። ውድብ እናመራሕኻ ብዛዕባ ወረዳን ዓሌትን ክትዛረብ መን ይሰምዐካ?
ትግራይ ከም ኣየለ ጫሚሶ ዓይነት ፅግዕተኛ መራሒ ውድብን ንስዩም ተሾመ ዘንዕቕ ፅግዕተኛ ተኸፋሊ ኣክቲቪስትን አየድልያን።

ኣኼባ ካድረ ኮፍ ኢሉ ፅሒፉ ንምሳሕ እንትወፅኡ ኣብ ሓሙሽተ ደቂቓ ብኣክቲቪስትታት ዝልጠፍ ዘሎ ሓበሬታ ውዕሎ ኣኼባ ካድረ ኣዚዩ የሕዝን እዩ። እሞ ድማ ናይ ሓደ ወገን ድልየት ዘርኢ።

ጉባኤ ህወሓት ክካየድ የብሉን ዝብል ኣካል ድምፁ ተሰሚዑ መወዳእታኡ ግን እቲ ኣባል ኩሉ ብድምፂ ይውስን።

ጌታቸው ንኣለም ናይ ኔትወርክ ጳጳስ ይበሎ ደብረፅዮን ንጌታቸው ዘይተብሃልካዮ ኣብ ፕሪቶሪያ ፈሪምካ መፂኻ እንተበሎ ኣብ ቅድሚ ካድረ ስለዝኾነ ዝጎድእ ኣይኮነን።
ካብ ታሪኽ ህወሓት ዝሰማዕናዮ ብዙሕ ዘገርም ገምጋማት ሓሊፉ እዩ።

እንታይ ድኣ ንግበር? ንከኣኣል። ካብ ሓዊ ዝወፀ ህዝቢ፣ ፖለቲከኛን ሰራዊት እዩ ዘለና። ክንረዳዳእ ይግባእ፤ ክንሓብር፤ ብቅልጡፍ ተፈናቐልቲና ብሙልኦም ናብ መረበቶም ምምላስ።

ንስልጣን ዘይምጥማት፤ ንትግራይ ምስ ጎረባብትና ፈተውቲ ምጥራይ።

ብሩኽ ሰንበት!

Stalin Gebreselassie

05 Jul, 13:33


ሂውማን ራይትስ ዎች 'የወያኔ ተከፋይ ነው' ሲል የነበረ ምእመን አሁን ከተቋሙ እና ከሚያወጣው የሰብአዊ መብት ሪፖርት በፍቅር መክነፉ እንደ አንድ በጎ ነገር መታየት ይኖርበታል::
ከዚህ ጋር ተያይዞ : በምዕራብ ትግራይ የዘር ማፅዳት(ethnic cleansing) እና ሌሎች ወንጀሎች በትግራይ ህዝብ ላይ እንደተፈፀሙ የሚያስረዱ የተቋሙ ሪፖርቶችን ማስታወስ ፍቅሩን ይበልጥ ለማጠናከር ይጠቅማል::

Stalin Gebreselassie

02 Jul, 08:55


ቴዲ አፍሮ ዝም ብሎ በሰላም ሚስቱን ቢንከባብ መልካም ነው። የአርቲስት ማዲንጎ አፈወርቅ የሀዘን ሳምንት ለማስተዛዘን የሀዘን አዳራሽ ውስጥ እያለ አብይ ሲመጣ ቴዲ ሚስቱን ይዞ ከሀዘን ቤቱ 'አመለጠ' የተባለው በምክንያት ነው። ትልቅ ጉዳይ ስለሆነ ልተወው። በምንና በአገር የመጣ ቀልድ የለም ይባላል።

በ1997 ዓ/ም በ17 መርፌ በጠቆመ ቁምጣ፣ አዲስ መንግስት እንጂ ለውጥ መቼ መጣ ብሎ የዘፈነው በቆሸሸ ቁምጣ ታግሎ መስዋእትነት ከፍሎ አ.አ ገብቶ በሰጠው ነፃነት ነበር። የእውነት የህዘብ አርቲስት ቢሆን አሁን የህዝብ ድምፅ በሆነ ነበር። አያደርገውም። ቦቅቧቃ በኢትዮጵያ ስም የሚምል ሞላጫ ነጋዴ ነው።

በቶክሲዶና በV8 4 ኪሎ የገባውስ ቴዲ ምን ብሎ ዘፈነለት? እንቁላል በ20 ብር፣ ጉርሻ የማትሞላ ዳቦ 12 ብር የሚገዛ ይኸን ሚስኪን ህዝብ፣ ሚኒሊክ እያለ ኢትዮጵያን ሸንሽኖ ለጣሊያንና ለፈረንሣይ ሰጥቶ ወደብ አልባ ያደረገውን ንጉስ እያሞገሰ ረሃቡንና ሀሳቡን ያስረሳዋል። ሚስኪን ኢትዮጵያውያን ሩዝ ቀቅለው፣ የማዳም ጥፊ ቀምሰው ያጠራቀሟትን ገንዘብ አረብ አገር እየዞረ ያልበዋል፤ ያጥበዋል።

አሁን ደግሞ ልሙጡን ባንዴራ ከመድረክ ላይ ወደ ተመልካቹ እየወረወረ የባንዴራ አስተዋዋቂ ሆኖ አመሸ። ሲዘዋወር ያየሁት ቪድዮ ነው። ያ ባንዴራ አ.አ ሊገባ ይቅርና የዛ ባንዴራ ተከታይ ነኝ ባይ ኢትዮጵያዊ ከሰንዳፋ ማለፍ እንደማይችል እያወቀ ነው ህዝቡን የሚያጃጅለው።

ለነገሩ እየዞርክ እጨደው ይኸ የዘቀጠ የማያገናዝብ ትውልድ።

Stalin Gebreselassie

01 Jul, 09:52


ናይ ትግራይ እዩ ጩፋ - ክንደይ ደረጃ ንታሕቲ ኢና ወዲቕና።

Stalin Gebreselassie

01 Jul, 09:52


ሎሚ ሰነ 2016ዓ/ም ኣብ ከተማ መኾኒ እኣብ መንጎ ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻልን ዝተገብረ ዘተ ዝምልከት ዝተወሰነ ዝርዝር ሓበሬታ ናባኹም ከብል።

ፈለማ እቲ ዘተ ንክኻየድ ዝተገበረ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ዘሎ ህልው ኩነታት ስዒቡ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይን ክልልን ብዝገበርዎ ጻውዒት እዩ ተኻይዱ።

ከምቲ ቅድም ኢለ ዝግለጽክዎ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ #መከላከያ ሰራዊት ኢ/ያ ዝርከቡ እንትኾን፣ ብወገን ትግራይ ድማ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደን ጀነራል መዲድን ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሳቲፎም እዩም ።

ካብቶም ዝዘተይሎም ነጥብታት ዝተወስኑ

🎯ኣብቲ ከተማ ካብ ሎሚ 23 ሰነ 2016ዓ/ም ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብርን ንዝገብር ኣካል ጸጥታ ትግራይን ፌደራልን ስጉምቲ ንክወስዱ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯ኣብቲ ከተማ ህውከትን ዕግርግርን ንክልዓል ዝሰርሑ ኣባላትን ደገፍትን ተከፈልትን ወረርቲ ሓይልታት ስጉምቲ ንክውሰደሎምን ሰላም ንክሰፍንን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯ኣብ ቀጻሊ ህዝባዊ መድረኻትን ንክግበሩን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ትግራይ ኮይኑ ክመርሐኒ እዩ ከሳግረኒ እዩ ዝብሎ መሪሕነት ንክምርጽ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

🎯 ኣብ መወዳእታ እቶም ሓይልታት ፌደራል ምስ ጸጥታ ትግራይ ብምኻን ኣብ ወሳናወሰን ትግራይ ይኹን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኬላታት ከጠናኽሩ ተስማሚዕም እዩም።

Stalin Gebreselassie

30 Jun, 17:07


ዘተ ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት  ምክልኻል ሃገር ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ  ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት  ምክልኻልን ዝካየድ ዘሎ ዘተ  ሎሚ 23 ሰነ 2016ዓ/ም ጀሚሩ እዩ  ኣብ ከተማ መኾኒ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ #መከላከያ ሰራዊት ኢ/ያ ዝርከቡ እንትኾን፣ ብወገን ትግራይ ድማ  ጀነራል #መዲድን  ኣመራርሓ ክልልን ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሳቲፎም እዩም ።

ዝርዝር ከስዕብ እየ

Stalin Gebreselassie

30 Jun, 17:06


ጥምረት ፀጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻልን

ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ዝርከቡ ፀረ ሰላምን ደገፍቲን ተከፍልቲን ወረርሪቲ ሓይሊታት ፅባሕ ዕለት 23 ሰነ 2016ዓ/ም ናይ ጥፍኣት ሰልፊ ፀዊዖም ህዝቢ ኣብ ምድንጋር ይርከቡ።

እዚ ድማ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዘካየድዎ ፀረ ህዝቢ ተግባሮምን፣ ሰላማዊ ቓልሲ ንምክያድ ዓቕሚን ሞራልን ስለ ዘይብሎም ብዓመፅን ዕግርግርን ስልጣን ንምርካብ ይጠቕሙና እዮም ምስ ዝበሉዎም ሓይሊታት ብምሽራኽ ኣብ ምንቅስቃስ ይርከቡ።

ስለዚ እዚ ናይ ጥፍኣት ተግባር ምድጋፍ ሐዚ እውን ኣብ ህዝቢና ሞት፣ምፍንቓል፣ስቓይ ወዘተ ምፍራድ እዩ።

ስለዚ ሓደ ሓደ ዝትደናገረን ካብ ቆቦ ዝመጸን ትሳታፋይ ካብዚ ሕማቕ ተግባር ንክቑጠብ ንሕብር።

ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣባላትን መከላከያን ፌደራል ፖሊስን ምስ ጸጥታ ትግራይ ኮይኖም ነቲ ናይ ጥፍኣት ስልፊ ንከይግበር እናገበርኩሞ ንዘሎ ስራሕ ምስጋና ይግብአኩም።

ናይቶም ወርርቲ ሓይልታት ዋና መራሕቲ ኣቶ ሃይሉ ኣበራን ኮማንደር ኣይርሳውን ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም ናብቲ ከተማ መጺኦም ኣብ 02 ድሕሪ መስጊድ እንዳ "ከበዱ ካሱ " ኣብ ዝበሃል ሆቴል ነቶም መከላከያን ፌደራል ፖሊስ ብቅርሺ ንምዕዳግ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይተሳከዕን።

ነቶም ኣመራርሓ ሓይልታት ፌደራል ኣቀባብላን መስተንግዶን ክንገብረልኩም ዝብል ዘቅርብዎ ሕቶ ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ን ሰራዊት ምክልኻል ኢ/ያ ዝገርም ስራሕ ፣ ዝገርም ምንባብ ተጀሚሩ ኣሎ።