========>
ምንቅስቓስ እስላማዊ ሓይሊ ክልላት ኢ/ያ፣ እስላማዊት ትግራይ ንምግባር፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጸለመን ሓሰትን መግለጺን ሰልፊን ብምግባር፣ ንመሰረተ ብሉይ፣ መሰረተ ክርስትና፣ መሰረተ ጥበብ፣ ፍልስፍና ሳይንስ ዝኾነት ኣክሱም ታሬጌት ገይሮም ዘሚቶም ቀኒዮም እዮም።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ እውን ንህዝቢ ትግራይ ብምኽሓድ፣ ንማሕበረሰብ ኣስላም ትግራይ ብምትላል፣ ኣብ ኣክሱም ብዘይ መሸፈኒ ዝመሃራ ዝነበራ 12 ክፍሊ ተምሃሮ 17 በዝሐን እንዳሃለዋ፣159 ብሰንኪ መሸፈኒ ተኸልኪለን ኢሉ ብምሕሳው፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ትግራይ ክሕደት ብምፍጻም ንህዝበ ክርስቲያን ኣክሱም ከሲስዎ ቀንዩ እዩ።
ይኹን እምበር ኣብ ኣክሱም ብዘይ መሸፈኒ ይመሃራ ዝነበራ፣ ሕዚ ክንገብር ኢና በላ ዝብል ኣታሊሎም፣ ኣብ ሚድያ እንዳወጹ ንክርስቲያንን መራሕቲ ሃይማኖት ክጻረፉ ቀንዮም።
እታ ዘላ ሓቂ ግን መቐለ ተሰለፍ፣ ኣዲስ ኣበባ ተሰለፍ፣ ጅዳ ተሰለፍ፣ ኣስላም ሶማልያ፣ ኣስላም ኣምሓራ፣ ኣስላም ዓፋር፣ ኣስላም ማእኸል ኢ/ያ፣ ኣስላም ሙጅልስ ኢ/ያ መግለጺ የውጽኡ፣ ፍርዲ ቤት ኣይፈትሖ፣ ናይ ኣክሱም ጉዳይ ብናይ ኣክሱማውያን ሕግን ስርዓትን ይዳነ ትውዳእ።
ካብዚ ሓሊፉ እውን ዝግበር ሸበድበድ Kidane Amene ኣላህ ኣክበር ይበል፣ ውዱባት መግለጺ የውጽኣ ኣክሱም ልዕሊ እዚአን እያ። ሕግታት ሸሪዓ ኣይፍቀድን። ኣይትኸውንን እያ። Thank You Aksum 🙏
ነጻነት ዝሃበት ኣክሱም ብሕጊ ሸርዕያ ነጻነታ ክትነጥቅዋ ኣይነፍቅደልኩምን።
ኣሰላልፋኹም ኩነታትኩም መንገድኹም ክንፈልጥ ዝገበርኩምና ኣስላም እዛ ሃገር የቐኔልና።
ባዜን ሮምሃይ ዘሃገረ ትግራይ ነገደ ሳባ።