📍 ዝወሃበሉ ቦታ ኣብ ጎደና ሪቤል 9 ተል ኣቪቭ
ኣብዚ ቦታ እንታይ እዩ ዝካየድ፧
✔️ ብቀጠታን ብቅልጥፉን ኣብ መዝገብ ናይ ምኒስትሪ መጎዓዝያ ትምዝገቡ
✔️ብዘይ-ድካምን ምድንጋርን ኣብዚ ቦታ መለለይ ታርጋ ቁጽሪ ተውጽኡን ትልጥፉን
እንታይ ሒዝካ ምምጻእ የድሊ፧
1️⃣መለለይ ቁጽሪ (89): ካብ ምኒስትሪ መጎዓዝያ ብምካድ ከተውጽእ ይግባእ
ኣብ ከተማ ሆለን ጎደና ሃለካሚም 1
ኣብ ራማት-ጋን ጎደና ዘሃብ- ጂቡቲንስኪ 155
ነዚ መለለይ ታርጋ ቁጽሪ ንምቅባል፥
- ብዘይ ቆጸራ ከይድኩም ኣገልግሎት ክትረክቡ ትክእሉ
- ነዚ ኣገልግሎት ዝህብኩም ሰባት ዝሓትኩም ሕቶ ካብ ሚንስትሪ መጎዓዝያ ዝተዋህበኩም መለለይ ቁጽሪ 89 ዝጅምር ምክንያቱ እታ ብሽክለታ ወይ ኮርኩነት ንክጽሕፍዋ እዩ ዝጥቅም ቁጽሪ እዩ።
- ዕለቱ ዘይወደቀ ቪዛ ሒዝኩም ክትከዱ ትኽእሉ
ብዛዕባ ኣከፋፍላ ብጥረ-ገንዘብ ኣብቲ ቦታ ክትከፍሉ ትክእሉ
- ናይ መለለይ ታርጋ ዋጋ 55 ሸክለ እዩ
- ናብ ብሽክለታ ከላግብልኩም ምስ ትደልዩ ግን 110 ሸክል ትከፍሉ
3️⃣ ብሽክለታኹም ወይ ኮርኩነትኩም- ምእንቲ ኣብቲ ቦታ ተመዝጊቡኩም ታርጋ ንምልጋብ ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም።
💡 ኣገዳሲ ምኽሪ፤
ብዘይ ቁጽሪ መለለዪ (89) ክትምዝገብ ስለዘይከኣል፡ ቁጽሪ መለለዪ ኣቐዲምካ ምድላው የድሊ!
ኣብ ጎደና ሪቫን 9 ተል ኣቪቭ(9 Rival St., Tel Aviv,) 1/29/25፡ ካብ ሰዓት 04:00 ደ.ቀ ክሳብ 07:00 ደ.ቀ።
✨ ምዝገባ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ነዳሉ - ብደሓን ምጹ!