Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ) @binyamzechristos Channel on Telegram

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

@binyamzechristos


ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️
ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ) (Amharic)

ቢንያም ዘክርስቶስ (Binyam ZeChristos) የቴሌግራም ኮምዩኒክስ ማህበረሰብ፣ ቄስ እና አካባቢ ውስጥ የተሰማችው ትምህርት ቤት ነው። ይህ ትምህርት ቤት ስለ ዲሲፕሲሙት፣ ፕሮጀክትንስ፣ ፋይይናንስ፣ ማህበረሰቦች፣ ክሪክትንስ እና ኬሚዊኬሽን፣ የተሻለ መገናኛ አይነቶች ናቸው። በትምህርትና የቴሌግራም ኮምዩኒክስ መምራት ስለሚያሳይ እና ሌሎቹን አካባቢዎችን እንዴት መገንዘብ ይችላል ይህ ትምህርት ቤት። በተጨማሪም በቤት ተመኘት እንደሁኔታ እና ፈተና ፈላጊነት መቀበል ለድጋፍ ቆይ።

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

23 Nov, 06:43


⁉️ #ነዚኣተን_ትፈልጡ_ዶ?⁉️
📌1) ጾም ማለት #ምፍላይ፣ #ምርሓቕ #ምግዳፍ ማለት ኾይኑ ፣ ዓይነት ምግቢ እትቕይረሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ውሽጥና እንቕይረሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ጾም ማለት ካብ ምግቢ ን9 ሰዓትታት፣ ካብ ዝተወሰኑ ዓይነት ምግብታት ድማ ብምርሓቕ ዝጅመር ዋላኳ እንተኾነ፣ መፈፀምትኡ ግና ካብ ሥጋዊ ምግባራትን ሓሳባትን ብምርሓቕ ጊዜና ንኣምላኽ ብምሃብ መንፈሳዊን ሥነልቦናውን ልዕልና እንረኽበሉ ጊዜ እዩ!

📌2) ጾመ ነቢያት ማለት ኣብ ብሉይ ኩዳን ዝነበሩ ነቢያት፣ ጎይታ ንክወርድን ንክውለድን፣ ንክስቀልን ንከድሕኖምን ዝተማህለሉዎን ዝጾሙዎን ጾም መዘከርታ ኾይኑ፣ ንሕና ድማ ጎይታ ኣብ ልብና ተወሊዱ ፍቕሩ ንክህበና፣ ኣብ ሀገረና ተወሊዱ ሰላሙ ንክዕድለና እንጾሞ ናይ አዋጅ ጾም (ልዕሊ ፯ ዓመት ዝኾነ ኹሉ ክጾሞ ዝግባእ) እዩ። ዘወትር መእተዊኡ ፍርቂ ሕዳር ወይድማ ኣብ በዓለ ቅዱስ ሚናስ (ሕዳር 15) እንትኸውን መውጽኢኡ ድማ በዓለ ልደት እዩ::

📌3) ጾመ ነቢያት ዝወስዶ መጠን መዓልቲ 44 መዓልታት እንትኾና (ሕዳር 15 - ታሕሳስ 28) ኣብ ውሽጡ 3 አጽዋማት ዝሓዘ እዩ። እተን 40 መዓልቲ ናይ ነቢያት ጾም፣ እተን 3 #ጾመ_ኣብርሃም_ሶርያዊ፣ እታ 1 ድማ #ጾመ ገሃድ እያ::

📌4) እተን 3 መዓልቲ ጾመ አብርሃም ሶርያዊ ይበሃላ። ከሐድያን ኣብ ዝበዝሑሉ ዘመን እቶም ኢአመንቲ ናብ ንጉሥ ቐሪቦም "ኣብ ናይ ክርስቲያን መጽሓፍ «እምነት እንተልይኩም ነዚ ጎቦ ክተልዕሉ ትኽእሉ» ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ስለዚ ወይ ገይሮም የሪኡና ወይድማ ካብ ዓድና ይውፅኡ" ብምባል ኸሲሶሞም። እቲ ንጉሥ ድማ ነዚ ብተግባር ንከርእዩ በቲ ጊዜ ንዝነበረ ሊቀጳጳስ አቡነ አብርሃም ኣዘዞ። አቡነ አብርሃም ድማ ናይ 3 መዓልቲ ጾምን ጸሎት ሒዙ ንጎይታ ጠየቐሞ መልሲ ረኸበ። ስለዚ እውን ሰብ ኹሉ ተኣኪቡ እናረኣየ፣ ኣብቲ ጥቓ ከተማ ንዝነበረ ጎቦ ብመስቀሉ ብምብራኽ ንክለዓል ገይረዎ። በዚ ድማ ብዙሓት ከሐድቲ ናብ ክርስትና ተመለሱ፣ ስም እግዚአብሔር እውን ኸበረ። እዘን 3 መዓልትታት ኣብ ጾመ ነቢያት ውሽጢ ወሲኽና፣ ንዓና ድማ ናይ ሓጢኣት ጎቦ ካብ ሕቐና ንከልዕለልና ንጾመን።

📌5) እታ 1 ጾመ ገሀድ ዝተብሃለት ድማ ዘወትር ናይ ልደት ዋዜማ (ድሮ ልደት) ዘላ መዓልቲ ትጽወም ኾይና ኣብ ድሮ ጥምቀት እውን እትርከብ እያ። ስለዚ ድማ በዓለ ልደት ረቡዕ ወይድማ ዓርቢ ዋላ እንተወዓለ፣ ከክንዲኣፉ ገሃድ ስለዝጾምና ኣብ ልደት ካብ ጥሉላት ምግብታት (ሥጋ፣ ጸባ ...) እንተይረሓቕና #ብዘይጾም ነኽብሮ።

📌6) ጾመ ነቢያት ኣብ ውሽጡ 8 ሰንበታትን ክልተ ዘመናትን ( ዘመነ አስተምህሮን ዘመነ ስብከትን) ዝሓዘ እዩ። #ዘመነ_አስተምህሮ ዝበሃል ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 እንትኸውን ኣብ ውሽጡ 5 ሰሙናት/ሰንበታት/ ይሕዝ። እተን ሰሙናት ምስ ናይ ጾመ 40 ሰሙናት ብዝመሳሰሉ አስማት ¹አስተምህሮ፣ ²ቅድስት ³ምኲራብ፣ ⁴መጻጉዕን ደብረዘይትን እንናተብሃላ ይጽውዓ።

📌7) #ዘመነ_ስብከት ዝበሃል ድማ ናይ ጾመ ነቢያት ናይ መወዳእታ 3 ሰሙናት/ሰንበታት/ እንትኾና ንሳተን ድማ ¹ስብከት ፣ ²ብርሃን ፣ ³ኖላዊ ይበሃላ። ብድሕሪ እዚ ታሕሳስ 29 በዓለ ልደት ነኽብር።
@Binyam ZeChristos  ሕዳር 14 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

23 Nov, 06:40


አፈጣጥራ ቅዱስ ሚካኤል፣ ሕዳር 2014

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

23 Nov, 06:39


ርህሩህ መልአክ፣ ሕዳር 2014

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

23 Nov, 06:39


7 ሕዳር ሚካኤል
.......... #ሕቶ_ኣለኒ ........  - 7ይ
1.መንፈስ እግዚአብሔር ንጻድቕ ሎጥ ንመላእኽቲ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መፁ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም ክቕበሎም ተንስአ፤ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍአ።» (ዘፍ 19:1)

2.መንፈስ አምላኽ'ውን ኢያሱ ንመልኣኽ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«ንሱ ድማ ('ቲ መልኣኽ) ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ መጺአ ኣሎኹ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ #ሰገደ» (ኢያሱ 5:14)

3.መንፈስ ቅዱስ ንወንጌላዊ ዮሐንስ #ክልተ_ጊዜ ደጋጊሙ ንመልኣኽ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«ኣነ ኸኣ (ነቲ መልአኽ) #ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ» (ራእይ 19:9-10) ፣ «ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ #ክሰግድ ፍግም በልኩ» (ራእይ 22:8)

4.መንፈስ ቅደስ ባዕሉ እውን ንመልኣኽ ንክንሰግድ ከምዝገብርን ከምዝእዝዝን ካብ ነገረና
📌«ናብ #መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጸሓፍ፡ ... እንሆ ንሳቶም ከም ዝመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ #ከም_ዝሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዝፈልጡን #ክገብሮም_እየ » (ራእይ 3:7)

እቶም «ንመላእኽቲ ስግደት ኣይግባእን» ዝብሉን ዘይሰግዱን ደኣ ብናይ መንፈስ እዮም ዝምርሑ ዘለው?
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 13 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

21 Nov, 13:54


፮ #ሕዳር_ሚካኤል
📌ንሚካኤል ስግደት ይግባእ ዶ?
ንመላእኽቲ ስግደት ስለዝግባእ ሎጥ ንመላእኽቲ ሰገደ‼️ «እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ክቕበሎም ተንስአ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍአ» (ዘፍ 19:1) ፣ ነቢይ ኢያሱ ንሚካኤል ሰገደ‼️ « (እቲ መልኣኽ) ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ መጺአ ኣሎኹ፡ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ » (ኢያሱ 5:14) ልብ አምላክ ዳዊት እውን ሰጊዱ። ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ እውን ሰጊዱ። "ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ #ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ" (ራእይ 19:10)

#Premise 1:- መንፈስ እግዚአብሔር ዘለዎም ቅዱሳን ኣቦታትና ንመላእኽቲ ሰጊዶም።

#Premise 2:- ንኣቦታትና ድማ ክንመስል ድማ ተኣዚዝና ኢና። «ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፣ #ኣሰር_እምነቶም ስዓቡ» (ዕብራ 13:7)

#Conclusion :- ከም ኣቦታትና ንቅዱስ ሚካኤል ብፍቕሪ ንሰግድ‼️

©Binyam ZeChristos  ሕዳር 12 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

20 Nov, 07:44


፬ #ሕዳር_ሚካኤል
📌 ሚካኤል ዝጸለናዮ ጸሎት ሰሚዑዎ ዶ ⁉️
በቢ ኣድባራቱ ኾይንና ሎመዓንቲ እነቕርቦ ጸሎትን ልመናን ሚካኤል ከምዝሰምዖ ትፈልጡ ዶ? ብሱሩ እቲ ዝጸለናዮ ጸሎት ናብ ቅድሚ ክርስቶስ ዘብፅሖን ዘዕርጎን ሚካኤል ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? ነዚ እዩኮ ቤ/ክ «#አዕርግ_ጸሎተነ ቅድመ መንበሩ ለመድኃኔዓለም - ናብ መድኃኔዓለም መንበር ጸሎትና ኣዕርጎ» እንበልት ዝሓደረት! ከምዚ ኢልና ምእማንና ድማ ኣይተጋገናን! ኸመይ?

#Premise 1:- ጸሎትና ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘዕርጉ መላእኽቲ እዮም። «እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ #ኢድ_እቲ_መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ #ደየበ » (ራእይ 8:4)

#Premise 2:- ቅዱስ ሚካኤል ድማ ካብ መላእኽቲ ሓደን ሓለቖኦምን እዩ።

#Conclusion:- ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ናትና ጸሎትን ልመናን ካብ ምስማዕ ሓሊፉ፣ ምስ ትኪ ዕጣን እናገበረ ናብ ቅድሚ አምላክ ዘደየብን ዘዕርግን እዩ ‼️

©Binyam ZeChristos   ሕዳር 12 - 2016

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

20 Nov, 07:44


፭ ሕዳር ሚካኤል
📌ሚካኤል ኣበይ ሓዲሩ? ⁉️
ሎሚ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ሙሉእ ዓለም እንትነኽብሮ፣ ሚካኤል ኣብ መቐለ ዶ ነይሩ ኣብ ኣዲሳባ? ኣብ ሽረ ዶ ሓዲሩ ኣብ ማይጨው? ዶ ሓዲሩ ኣብ ገይሩ ምስ ኹልና ይውዕል? ከመይ ገይሩ ኣበየ ቦትኡ ይሰፍር? እንተይልና መልሱ:-

#Premise 1:- «መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ #ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ #ይሰፍር፣ የድሕኖም ከኣ እዩ» (መዝ 34:7)

#Premise 2:- ንእግዚአብሔር ዝፈርሑን ሰባት በቢቦትኡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣለው!

#Conclusion:- ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ሙሉእ ዓለም ኾይንና ንጎይታ ንእንፈርሕን ንቅዱስ ሚካኤል ንእንፈቱን ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ዙርያና ይሰፍር፣ የድሕነና ድማ እዩ። አሜን ሚካኤል ምሳኹም ይውዓል!
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 12 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

20 Nov, 06:12


፫ #ሕዳር_ሚካኤል
📌ሚካኤል ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ይፈልጥ ዶ?ኣብ ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ገዳማለትን ኾይንና በዓሉ እንትነኽብር፣ እንትንፅውዖን እንትነመስግኖን ኣብ ሰማይ ኾይኑ ይሰምዖ ዶ? እንተይልና፣ እወ ይሰምዐና! ኸመይ እንተይልና ድማ:-

#Premise 1:- ኣብዛ ምድሪ በቢ ከባቢኡ፣ በቢሰዓቱን በቢመዓልቱን ብዙሓት ሓጢኣተኛታት ንስሃ ይኣትዉ እዮም።
#Premise 2:- «ብሓደ #ዝንሳሕ ሓጥእ፣ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ-ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ» (ሉቃ 15:10)
#Conclusion:- ስለዚ መላእኽቲ (ብፍላይ ቅዱስ ሚካኤል) ኣብዛ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኾይንና እንገብሮ ነገር ይፈልጥን፣ በቲ ፅቡቕ ምግባርና ድማይሕጎስ እዩ።
#ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 11 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

19 Nov, 12:50


፪ #ሕዳር_ሚካኤል
ንቅዱስ ሚካኤል ምልማን ጌጋ ድዩ⁉️
ቅዱሳን መላእኽቲ ንዓና ድሕነት ንክንወርስ ዘገልግሉ ቅዱሳን ንፁሃን ዓበይቲ ኣሕዋትና እዮም። ስለዚ ድማ ድሕነትና ንክንፍፅምን ናብ ክርስቶስ ንክንበፅሕን ምስኣቶም ንዘራረብ፣ ንዓኣቶም ንሓትት ንልምን። ንምንታይ? ብኣመክንዮ (Deductive Argument) ነቕምጣ!

📌premise 1:- ያዕቆብ ምስቲ መልኣኽ ምስተቓለሰ፣ ነቲ መልኣኽ #በኽዩ_ለመኖ። (ሆሴዕ 12:4)
📌Premise 2:- ንቀዳሞን ኣቦታትና ብእምነት ንክንመስሎም ቅዱስ ጳውሎስ ይእዝዝ  (ዕብ 13:7)
📌Conclusion:- ስለዚ ንሕና እውን ከም ኣቦና ያዕቆብ ንቅዱስ ሚካኤል በኺና ንልምኖ፣ ሓግዘና ኣማልደና ንብሎ‼️
©Binyam ZeChristos ሕዳር 10 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

19 Nov, 08:58


ንቅዱስ ሚካኤል እንታይ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ?⁉️
ብሓቂ ንቅዱስ ሚካኤል ኹሉ ይከኣሎ!‼️

#Premise 1:- ንዝኣምን ኹሉ ይከኣል እዩ። (ማር 9:23)
#Premise 2:- ቅዱስ ሚካኤል ብእግዚአብሔር ዝኣምን ቅዱስ መልአክ እዩ።
#Conclusion :- ንቅዱስ ሚካኤል ኹሉ እዩ ይከኣሎ!

..... #ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos ሕዳር 10 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

17 Nov, 18:02


ነዚ እየ ነጻ ሐሳብ ዝፎቲ። ከምዚ ዝበሉ "ዘፍርሑን ዘይንክኡን" ዝመስሉ ጉዳያት ብነጻነትን ብምክብባርን ዝግበር ዘተ ምርኣይና ሠናይ እዩ። ናይና ሚድያታት ንቤተ ክህነት ትግራይ ዘየልዕልኦም ሕቶታት ናይ ታሕታይ ዓዲ ሚድያታት ብድፍረት ምሕታቶም ሠናይ እዩ። ልክዕ ከምዚ እቶም ናይ ታሕታይ ዓዲ ሚድያታት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክህነት ኢ/ያ ዘየልዕልዎም ሕቶታት ድማ ናይና ሚድያታት ብግልፅን ነጻነትን ተዝሓቱዎም ብዙሕ ነገር መሻገረና። ብላዕልን ብታሕትን ዝዕፈን ሓሳብ ክህሊ የብሉን። ነዚ ክንርኢ ብቐዳምነት ዝፈቐዱን ሓሳቦም ዝገለፁን አቡነ አረጋዊ ዓብዪ ኽብሪ ኣለና።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ኽልቲኡ ቤተ ክህነት ኣቦታት ኣብ ሓደ መድረኽ ብነፃነት ዘተን ምይይጥን ዝገብሩሉን ብዙሕ ደንገርገራት ዘፅርዩሉን ዕለት ክርኢ ይምነ። /35 ደቒቓ እያዋ ንስመዓያ፣ ንዛተየላ/

https://youtu.be/O8MfhgaJ530?si=i5HtO1N1Q0mjYAEm

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

16 Nov, 08:05


ሕዳር 6/2014

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

16 Nov, 07:54


4ቱ እንስሳ - ሕዳር 8/2014

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

16 Nov, 07:53


ማርያም ተማልድ፣ ሕዳር 6/2016

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

16 Nov, 07:52


ቅዱሳን ይፈርዱ ሕዳር 5/2016

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

16 Nov, 07:47


🩸 #አርባዕቱ_እንስሳ🩸
ሎምዓንቲ ሕዳር 8 ኣብ ቤ/ክ ክብ ዝሕሰቡ ቅዱሳን "4ቱ እንስሳ" እዮም። 4ቱ እንስሳ ማለት ልክዕ ከም ሚካኤልን ገብርኤልን ቅዱሳን መላእኽቲ ዝኾኑ፣ ካብ መላእክት ድማ ፍልይ ኢሎም 6 አክናፍ ዝተውሃቦም፣ ካሊእ ስሞም ድማ "ኪሩቤል" ፣ "ፀወርተ መንበር" ዝበሃሉ እዮም።

ኪሩቤል (4ቱ እንስሳ) ናይ ሥላሴ መንበር ዝሽከሙ መላእክቲ እንትኾኑ ናይ ቅድስት ሥላሴ ሥዕሊ እንትሰኣል በኣርባዕቲኡ ጫፍ እቲ ሥእሊ ዝሰኣሉ እዮም፣ መንበሩ ተሸከምቲ ምኻኖም ንምርዳእ።

እዞም መላእኽቲ "4ቱ እንስሳ" ኢሉ ዝፀዎዖም ቅዱስ ዮሐንስ እብትኸውን (ራእይ 4:6፣ 5:6፣ 6:1) ነቢዩ ሕዝቅኤል እውን ንእግዚአብሔር ክሪኦ ከሎ፣ 4 ገጽ ዘለዎም (ገጽ ሰብ፣ ገጽ አንበሳ፣ ገጽ ላሕሚ፣ ገጽ ንስሪ) መላእኽቲ፣ ብ6 ክንፊ እናበረሩ ነቲ ናይ ሥላሴ መንበር ተሸኪሞሞ ተገሊፆሙሉ ነይሮም። (ሕዝ 1:10)

ኪሩቤል (Cherubim) ዝብል ቃል፣ ንሓደ እንትኾን ኪሩብ (Cherub) ፣ ንብዙሓት ድማ ኪሩቤል (Cherubim) እንትበሃሉ ተሸከምቲ መንበር ማለት እዩ። (መዝ 80:1)

አዳም ካብ ገነት እንትባረር ኣፍደገ ገነት ንክሕልዉ ዝተሾሙ (ዘፍ 3:24) ፣ ንመጀመርያ ጊዜ ሥዕሎም ብወርቂ ተሳኢሉ ኣብ ልዕሊ ታቦት ንክቕመጥ አምላክ ዝፈቐደሎም ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። (ዘጸ 25:18፣ 26:1)

ኪሩቤል ብ4ተ እንስሳት አምሳል ምግላፆም ድማ ንሰባት፣ ንአራዊት፣ ንነፈርቲ፣ ንአንስሳ ዘቤት (ንኹሉ ፍጥረት) #ዝልምኑን #ዘማልዱን መላእኽቲ ምኻኖም ንምግላፅ እዩ እምበር መልክዖም ከምኡ እዩ ንምባል ኣይኮነን።

ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኪሩቤል ኽብር ስም መላእኽቲ፣ ንደቂ ሰባት ኣይወሃብን። 1ይ ኪሩቤል ናይ ብዙሕ ቑፅሪ እዩ። ልክዕ ቢንያማት፣ ለምለማት፣ ሓጎሳት ኢልኻ ከም ምውፃእ እዩ። ኪሩብ ዝብል እውን እንተኾነ ግን ብቕድሚቱ ዘርፊ ብምውሳኽ (ዘኪሩብ፣ ፍቅረ ኪሩብ፣ ወልደ/ወለተ ኪሩብ) ይበሃል እምበር ብቑሙ ንሰባት አይፅወዐሉን።
❗️ናይ ቅዱሳን ኪሩቤል፣ ናይ ቡሩካን 4ቱ እንስሳ አማላድነት ኣይፈለየና❗️
‼️#ቤተክርስትያን_ባሕረ_ጥበባት!‼️

@Binyam ZeChristos ሕዳር 7 - 2017

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

15 Nov, 07:28


‼️ ናብ ቈስቋም ልብና ‼️
ኣዶ ብርሃን እምበይተይ ማርያም፣ ካብ ስደት ተመሉስኺ ደብረ ቈስቋም ከምዝበፃሕኺ፣ ካብ መከራኺ ዓሪፍኺ ዓድኺ ናዝሬት ከምዝኣተኺ፣ ሰቆቃን ብኽያትን ሓሊፉ ፍሥሀን ሓጎስን ከምዝተመላእኺ፣ ኦ ድንግል ናባና እውን ተመለሲ። ሓመድ እግርኺ እንናፍቕ ቈስቋማት ንሕና ኢናሞ፣ ብዘርኣውነትን ናብ ዝደረቐ ልብና ተመለሲ። መዓዛኺ ከሽትት ሃረር ኢሉ "ንዒ ንዒ" ከምዝብለኪ ከም ከተማ ናዝሬት፣ ኣቲ ፍትውቲ ዕጣንና ብፅልኢትን ፀቢብነትን ንዝጨነወ ሕሊናና ብመዓዛኺ ኣምዕዝዮ።

ፍቕርኺ ዝሃረፎ ህይወትና፣ ሰላምኺ ዝፀምኦ ገዛና እዩሜ፣ ንሓጥኣን ዘይትንዕቒ ድንግል ናብ ገዛና እተዊ። ኣዶ ስድዱዳን፣ መፅናዕንዒት ትኩዛን፣ ደጋፊት ግፉዓን፣ ጽዬንና መፀጊዕትና ሰላምና ዝኾንኺ ሱላማጢስ፣ "ታይ ሓጢኣት ኣለና" ንእንብል ዕቡያት ናባና ንዒ።

ቐይሕን ፃዕዳን ዝኾነ እድል ብሕቐኽን ብጎንኽን ብምሽካም ንዝደኸምኺ ኣዶን ድንግልን፣ መገልገሊትን ንግሥትን ዝኾንኺ እመብርሃን፣ ብስደትኺ ዝረገጽኽያ ምድሪ ብደም ሰኺራ ኣላሞ፣ አሥራት ክትኾነኪ ዝተቐበልኽያ ዓዲ አኬልዳማ ኾይና'ላሞ፣ ስምኺ ዝተፀወዐሉ ከተማ ደቂ ቃኤል መሊእናያ ኢናሞ ብምልጃኺ ሓደ ግበርና። ልዕሊ ባቢሎናውያን ተፈላሊና፣ ልዕሊ ገሊላውያን ተናኺስና ኣይንወፆይ እሞ፣ ንጎይታ ብዝሓቐፉ ኣእዳውኪ ንብፃዩ ዘፍቅር ልቢ ሃብና። ብበረከት ምፂ ናብ ቈስቋም ልብና!
@Binyam ZeChristos ሕዳር 6 - 2016

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

11 Nov, 08:13


‼️ #አማላጅቱ_ሆይ_ገሊላ_እትዊ ‼️
(ተፈጸመ ናሁ ማኅሌተ ጽጌ  ሥሙር)
የብርሃን እናቱ እመቤቴ ማርያም ሆይ፣ ከስደት ተመልሰሽ ደብረ ቈስቋም እንደደረስሽ፣ ከመከራሽ አርፈሽ ሀገርሽ ናዝሬት እንደገባሽ፣ ሰቆቃውና ብካዩ አልፎ ሳቅና ደስታ እንደተሞላሽ፣ ድንግል ሆይ ወደ እኛ ተመለሽ። የእግርሽን ትቢያ የምንናፍቅ ቈስቃሞች እኛ ነንና ኣቤቱ በዘረኝነት ወደ ደረቀው ልባችን ተመለሽ! መዓዛሽን ናፍቆ "ንዒ ንዒ" እንደሚልሽ የናዝሬት ከተማ፣ ውዷ ዕጣናችን ሆይ በጥላቻ የከረፋው ሕሊናችንን በመአዛሽ አውጅው።

የስዱዳን እናታቸው፣ የትኩዛን መፅናኛቸው፣ የግፉዓን ድጋፋቸው ጽዮናችን መጠግያችን ሰላማችን ሱላማጢስ ሆይ፣ በበዓልሽ ቀን ካህኑ ታርዷልና፣ ስምሽን የሚጠሩ መነኮሳት ተደፍረዋልና፣ የጽዮን ታቦትሽ ባለበት ደመ ምዕመናን ፈሷልና እመቤቴ ሆይ ወደ አክሱም ጽዮን ነይ! ሊዘምሩልሽ የመጡትን ሁሉ አንገታቸው ወደ ታረዱበት፣ ነይ ነይ የሚሉሽ ደናግል ወደ ተደፈረበት ወደ ደንገላት ማርያም ከልጅሽ ጋር ነይ!

ቀይና ነጭ ልጅሽን በጀርባሽና በጎንሽ በመሸከም ለደክምሽው ገርድ እና ንግስት፣ እናትና ድንግል ሆይ፣ በስደትሽ የረገጥሻት የኢትዮጵያ ምድር በደም ሰክራለችና፣ አስራት እንድትሆንሽ የተቀበልሻት ምድር አኬልዳማ ሆናለችና፣ ስምሽን መጥራት የማይታጎልባት መሬት የቃኤል ልጆች ሞልተንባታልና፣ እመ ብርሃን ሆይ ወደ ኢትዮጵያ ነይ! ከባቢሎን በላይ ተደበላልቀን፣ ከገሊላ ሰዎች በላይ እየተናከስን ልንጠፋ ነውና አንዱን ጌታ ባቀፉ እጆች አንድ አድርጊን! ሐዘናችንን ከነበቀሉ፣ ኩርፊያችንን ከነ እልሁ በግብፅ በረሃ ቀብረሽ፣ በፍቅር ድምፅሽ ከእኛ ዘንድ ግቢ! #ገሊላ_እትዊ!
@Binyam ZeChristos   ሕዳር 1 - 2014

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

10 Nov, 17:17


ብዝኾነ ይኹን መለክዒ

ናይ ፖለቲካ መራሒ "እዚ ሃይማኖት ይሐይሽ፣ እዚ ሃይማኖት ግን ዘእምን ነገር የብሉን" ብምባል ኣብ ዘይመንጠቢኡ ክነጥብ ልክዕ ኣይኮነይ። ጌጋ!

ናይ ሃይማኖት ኣቦ እውን "እዚ ፓርቲ ሠናይ፣ እቲ ፓርቲ ግን ዘእምን ሓሳብ የብሉን" ብምባል ኣብ ዘይመንጠቢኡ ክነጥብ ልክዕ ኣይኾነይ። ነውሪ!

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

09 Nov, 13:09


ቤ/ክ "ብልዑዎ" ኢላ ዘወትር ትሰብኮ ምግቢ ኣሎ። ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን።
📌ዮሐ 6:55:- ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር።

ቤ/ክ "ከይትብለዕዎ" ኢላ እትሰብኮ ምግቢታት ኣለው። "ደም፣ ንጣዖት ዝተሰወአ፣ ዝበኸተ፣ ብጉባኤ ዝተኸልከሉ መዐወኒ ዕፃት" እዮም።
📌ግብሪ 15:29- « እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ #ደሓን_ኩኑ።”

በሉ ደሓን ኩኑ። ሐዚ ናብ "ተፈጸመ ማኅሌተ ጽጌ"፣ ሐዚ ናብ ኣዴና እም ብርሃን ምስጋና!

2,355

subscribers

1,356

photos

20

videos