ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚 @tigrigna_literature Channel on Telegram

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

@tigrigna_literature


ብርዒ ትግርኛ📝📚
እዚ Telegram ቻነል በቲ ልዕሊ ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ዝቐርብሉ ብሉጽ ቻነል እዩ።
⭐️ዛንታታት ፍቕሪ
⭐️ኣለበምቲ ጽሑፋት
⭐️ኣገረምቲ ክስተታት
⭐️ፍልስፍናዊ ጽሑፋት
⭐️ኮታስ ኩሉ ዓይነት ንደቒ ሰባት ጠቐምቲ ዝበሃሉ መደባት ዝቐርብሉ ቻነል እዩ። ዘለኩም ሪኢቶ፣ጽሑፋት ናብዚ- @Bazen29 (👉 @Tigrigna_lit_adminBot) ለኣኹልና።

ብርዒ ትግርኛ (Tigrigna)

ብርዒ ትግርኛ ቻነል ኣብ Telegram ይከኣል ዝኾነ ዋላውያን ትግርኛ እዩ። እቲ ቻነል ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ዝቐርብሉ እምባኽ ቻነል እዩ። ቻነል ንስርዓትኩም፡ ፍቕሪን ስለብሉ ጽሑፋትን ኣለበምቲ ጽሑፋትን ኣገረምቲ ክስተታትን ፍልስፍናዊ ጽሑፋትን ኮታስ ንደቒ ሰባት ጠቐምቲ ዝበሃሉን መደባት ዝቐርብሉ እዩ። ሪኢቶ፡ ለኣኻትና ጽሑፋት ናብዚ- @Bazen29 (👉 @Tigrigna_lit_adminBot) መዕቅል ኣብኡ።

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

13 Nov, 19:09


BOOK YOUR EVENT NOW
Cinelux Photography
+251942707398
+251977166434
We Capture Your Smile 😊
JOIN US - @Cineluxphotography

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

10 Nov, 08:33


BOOK YOUR EVENT NOW
Cinelux Photography
+251942707398
+251977166434
We Capture Your Smile 😊
JOIN US - @Cineluxphotography

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

05 Nov, 06:41


BOOK YOUR EVENT NOW
Cinelux Photography
+251942707398
+251977166434
We Capture Your Smile 😊
JOIN US - @Cineluxphotography

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

30 Oct, 08:49


ሕክምና ኣምላኽ ዶ ይሓስር ወላ ናይ ዓለም?

ሓደ ወዲ 78 ዓመት ሰብኣይ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ይኸይድ'ሞ ን24 ሰዓታት ንምትንፋስ ዝሕግዞ ኦክስጅን ይህብዎ።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ቅሩብ ይሕሾ ፡ ስለዚ እቲ ሓኪም ናይ 5000 ሽሕ ዶላር ናይ ክፍሊት ወረቀት ሃቦ።

ነቲ ሕሳብ ምስ ረኣየ ድማ ክበኪ ጀመረ፡ እቲ ሓኪም ብሰንኪ እቲ ሕሳብ ንከይበኪ ነገሮ፡ እቲ ሰብኣይ ግን ብሰንኪ ገንዘብ ኣይበኪን እየ ኩሉ እቲ ዝተባህለ ገንዘብ ክኸፍሎ ይኽእል እየ በለ፡ እንተኾነ ግን ን24 ሰዓታት ጥራይ ኦክስጅን ተጠቂመ 5000 ዶላር ክኸፍል ስለዘለኒ እየ ዝነብዕ ዘለኹ... ግን ን78 ዓመታት ነጻ ኣየር ኣምላኽ ከስተንፍስ ጸኒሐ፡ ዋላ ሓንቲ ከፊለ ኣይፈልጥን፡ ክንደይ ዕዳ ከም ዘለኒ ትፈልጥ ዶ?

እቲ ሓኪም ርእሱ ኣድኒኑ ንብዓት ጀረብረብ ኣበለ ሕጂ ነዛ ጽሕፍቲ ተንብቡ ዘለኹም ኣሕዋተይ ኣሓተይ ዓመታት ዘስተንፈስናዮ ብዘይ ዝኾነ ዋጋ ነጻ ኣየር እግዚኣብሔር በጃኹም ካብ ግዜና 2 ካልኢት ጥራይ ወሲድና ስለ ትንፋስ ህይወት ❤️ ንኣምላኽና ነመስግኖ።

፨ ዓለም ገዛ ክራይ
እያሞ ተፋቂርና ንንበረላ።

Follow us for more
Via: Facebook

@tigrigna_literature

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

19 Oct, 04:45


ቴሌብር Superapp Download ብምግባር ዝተፈላለዩ ሽልማት ምርካብ ይከኣል። ከየምልጠኩም
እዛ ሊንክ👇👇 ጠዊክኩም Download ምግባር ይከኣል።

I am inviting you to download telebirr SuperApp, register and make a transaction to get reward.
https://superapp.ethiomobilemoney.et:38443/customer/mgm/index0902.html#/?notoolbar=true&CampaignId=MGM1635518748044544&inviterId=1064288139776004&language=en&time=Sept-03-2024-Dec-02-2024

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

18 Oct, 07:08


BOOK YOUR EVENT NOW
Cinelux Photography
+251942707398
+251977166434
We Capture Your Smile 😊
JOIN US - @Cineluxphotography

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

15 Oct, 17:55


ደብዳበ ፍቅሪ ናብ እምንቲ ኣፍቃሪተይ...

ከዋኽብትን ወርሕን፡ ጽባቀኺ ክርእዩ 'ንከለዉ ብሕፍረት ብደበና ከም ዝጒልበቡ ትፈልጢዶ?... "በየነ ሃይለ" ኣብ መጽሓፉ ሸውሃት ካሜራታት (ፎቶ ጀኒክ) ኢሉ ዝጠቀሶም ቀንዲ ንዓኺ ሪኡ'ኮ ይኸውን፡፡ ጽብቅቲ ምዃንኪ'ኮ ምንጋር ዘድልየኪ ኣይመስለንን። ልውህና፡ ልግሲ፡ ፍቅሪ፡ኩሉ ዘማላእኪ... ሓላል፡ በዓልቲ ሕልና.... ዋኒንኪ ክንሱ ዘለኪ ኣይትመስልን ዝያዳ ከተራብሕዮ ትጽዕሪ... ከምኡ ምዃንኪኸ ከዘኻኽረኪዶ።
ጽብቅተይ ምናልናት ካባኺ ዝምልክዓ ይህልዋ፡ ምናልባት'ውን ኣነ ከስተብህለልኪ ዘይክኣልኩ ገለ ኣበር ይህልወኪ፡ ግና ፍቅርኺ ግዲ ዓዪንንስ ገለ'ኳ ክረኽበልኪ ኣይክኣልኩን። እቲ ኣብ ጸሊም ቆርበት ገጽኪ ደሚቁ ዝርአ ማዳኺ'ሞ መዓልታዊ ሓድሽ ፍቅሪ ዘውልድ። እቲ ብዕብራን ዝፍለጥ ነብስኺ፡ እቲ'ኳ ናብራ ምስ ሓሰሞ ዝተጾምቀ ምዕጉርትኺ ነቶም ብዓይኖም ዝጥምቱኺ ኣመና'ዩ ዘሰንብዶም፡ "ሎምስ ከፊኡዋ'ምበር፡ ምሽክነይቲ ሎምስ ዝገደ ሓሲምዋ'ኮ፡ ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝበኣሰ...." ወዘተረፈ ሕሜት ሰባት ኣብ እዝነይ ምስ ዝበጽሕ ዕዉር ልቦም ብደንጋጺ ቃላት ይጥብሮም ምህላዉ ክነግሮም ክንደይ ምደለኹ፡ ግዳ ይኾርዓሉ ኮይነ ግን እቲ ንሕሙም መንደቅ ዘግህጽ ዘረብአንን ዘረብኦምን ከም ናእዳ'የ ዝቆጽሮ።

ክብሪ ንዓኺ ኣደየ፡
ክብሪ ንብሕሱም ናብራ ከም ከቢድ ሕማም ዝተለኽፋ ነብሰን ወዲቁ ገጸን ማድዩ ምስ ሂወት ልዕሊ ዓቅመን እናተጠማጠማ ሂወተን እናወፈያ ሂወት ደቀን ዝዘርኣ ኣዴታት።

@tigrigna_literature

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

14 Oct, 18:21


¶¶_ሃፋኻ ናፊቀ ዘልመድካኒ ጨና____¶¶

እንታይ'ዩ ምንፋቅ ምስ በልኩ ,,,,
" ዘፍቅሮ ሰብ 💞💞💞ዘኪረ !!

ልብታት ክልቴና ቃልኪዳን ኣሲሩ
ወላ ዉን ኣብ ቀብሪ ኣብቲ መቃብሩ
ክነብር'ዩ ክህልዩ ዘልኣለም ሰራዉር ተኺሉ !!

ፍቁረይይይ__
ንፍቅፍቅ ኣቢለካ 'ኮ ድባበይ
ንስኻ'ኸ ትህሉ ዶ ከምዚ'ኸማይ
ደረትካ ይሃርፎ ንሕቅፎይ !!

ትዝክሮ'ዶ ____ ፈለማ ርክብና
ኣብቲ ከዉታ ለይቲ ' ሳልሳይ ዘይብልና🌌
ብናይ ፍቁራት ዜማ ክለሀ ኣካልና !!

ኢደይ ተተርኢስካ ኣብ ጥዑም ድቃስ
በጻብዐይ ንገጽካ ብቀስታ ክድህስስ !!

ኣየ'ወ ሕጂ ኮይኑ 'ኮ ተረኣየኒ__

ተተሓሒዝና ህልም ኣብ ገለ ዓለም 🌎
ተዓዲለ'የ ንኩሉ ትኽእሎ ' ብዘይቀልዓለም
ምሳኻ'ሎ ሩፍታ ' ኣባኻ'ሎ ሰላም !!

ሃፋኻ ጥዑም ከንፈርካ ዘለላ💋
ክስእኖ ኣይደልን ኣብቲ ሕልመይ ወላ
ክኢላ ፍቅሪ ኢኻ ዘይነጽፍ ዒላላላላ !!!

ብሃፍጽታ ክልቴና ረስኒ ዝፈጠሮ🔥
ኣእዳዉካ ንእካለይ ብምድህሳስ ክትዘሮ
ኣየወ ክጥዕም ናይ ሽዑ ሕድሮ
ንብዓት ይስዕረኒ ሎሚ ክዝክሮ
ፍቅሪ _ጥዑም'ዩ ምስ__ ተፍቅሮ !!!💞

ሃፋኻ ናፊቀ ዘልመድካኒ ጨና
ሓቢርና ንንበር ቁራስ ተማቂልና
ስደት ይእከለና ንመለስ ዓድና
ዳግማይ ፉሕ'ፉሕ' ክብል ክመዉቅ ጎጆና
ፍሬና ክንርኢ ክንሓቁፍ ዉሉድና !! 👪


ንዘልኣለም __ፍቅሪ ይዓንብብ !!

📄🖊ሓፍትኹም
ዳይሞን ኣልማዛዊ ኣድማስ💞💞💞
13/10/2024/

@tigrigna_literature

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

12 Oct, 14:22


ዓበይቲ ምስጢራት ሓዳር

1ይ-ምስጢር
ኣብ ሓዳር ምስኻ/ኺ ተጻሚዱ ዘሎ ሰብ ግድን ናይ ገዛእ ርእሱ ድኹም ጎኒ ኣለዎ። እቲ እንኮ ድኹም ጎኒ ዘይትረኽበሉ ፍጡር ዘይኮነስ ፈጣሪ ጥራይ እዩ ፡ ንሱ ድማ እግዝኣብሄር እዩ። ስለዚ ኣብ ድኹም ጎኒ መጻምድኻ ጥራይ እንተድኣ ኣቶኪርካን ግዜኻን ጉልበትካን ነቲ ድኹም ጎኑ ከተማርር የህሊኽካዮ ካብ መጻምድኻ ጽቡቕ ነገር ክትረክብ ከጸግመካእዩ። ስለዚ ንመጻምድኻ ድኹም ጎኑ ከምዘለዎ ተቐቢልካ ነቲ ብሉጽ ጎኑ ክትከስበሉን ድኻሙ ከተሐይልን ጥራይ ጽዓር።

2ይ-ምስጢር
ነብስወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሉፍ ጸሊም ታሪኽ ኣለዎ። ስለዚ ነቲ ክትጻመዶ ዝወሰንካ ወይውን ድሮ ዝተጻመድካዮ መናብርትኻ ሑሉፍ ታሪኹ ካብ ምፍታሽን ምኹዓትን ተቖጠብ።
ሕጂ ዝያዳ ከገድሰካ ዝግብኦ ናይዚ ህጂ ዘለኹሞ ሂወት ጥራይ ስለዝኾነ። በዚ ድማ ምክብባር ዘለዎ ሂወት ፍጠር፡፡

3ይ-ምስጢር
ኩሉ ጽምዶ ሓዳር ናይገዛእ ርእሱ ብድሆታት ኣለዎ። መርዓ/ሓዳር ምቾት ዝመልኦ ዕምባባታት ሮዝ ኣይኮነን። ነብሲ ወከፍ ጉዕዞ ሓዳር ብብዙሕ መላጸን ሃልሃልታ ሓውን ዝሰገረ እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ድማ ነዚ ብድሆታት ክትሰግር ይሕግዘካ። ንሓዳርካ ብዝክኣለካ መጠን ክትቃለሰሉ ይግባኣካ። ኣብግዜ ጸገምን ሽግርን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ጎኒ መጻምድኻ ደው ክትብል ኣለካ ምኽንያቱ ጸገም መጻምድኻ ጸገምካ ስለዝኾነ። እቲ ኣብ ጸገምን ኣብ ራህዋን ከይጠልማ/ከይጠልሞ ኢልካ ዝመሓልካዮ ኣይትረስዕ።

4ይ-ምስጢር
ነብስወከፍ ሓዳር ናይገዛእ ርእሱ ደረጃታት ዓወት የንጸባርቕ።
ስለዚ ድማ ናትካ ሓዳር ምስናይ ካልኦት ሓዳር ብምውድዳር ኣይትቀንዞን ተስፋ ኣይትቑረጽን። ብኣንጻሩ እቲ ንስኻ ክትበጽሖ ትሓልሞ ንምብጻሕ ጥራይ ተቓለስ። ማዕረ ክንከውን ኣይክኣልንዩ ፡ ምኽንያቱ ነናትና ድኻምን ብልጫን ስለዘለና። ስለዚ ካብዚ ጽቕጥዚ ንምግልጋል ዓቃልን ፡ ኣብ ስራሕካን ናብራኻን ውፉይ ብሙዃንን ናብራኻ ከተመሓይሽ ጽዓር።

5ይ-ምስጢር
ሓዳር/መርዓ ማለት ናይ ምንባር ኲናት ምእዋጅ ማለትዩ። እቶም ኲናት እትእውጀሎም ናይ ሓዳር ጸላእቲ ፡-
ድንቁርና
ምጉዳል ጾሎት
ቂምተኛ ምዃን
ምትእትታው ሳልሳይ ወገን
ንቕጽና
ጉድለት ፍቕሪ
ድርቅና
ትህኪት
ንዕቀት
ምትላል/ዝሙት/
ሓዳርካ ንምሕላው ነዚኦም ኢንታታት ጸላእቲ ሓዳርን ክትቃለሶም ይግባእ።

6ይ ምስጢር
ፍጹም ዝብሃል ሓዳር ፡ ድሉው-ሙሉእ ዝብሃል ሓዳር/መርዓ የለን።
ሓዳር ስራሕዩ ፡ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ረዚን ክብደት ዘለዎ ስራሕዩ። ተወፋይነትካ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ከተዛይድ ይግባኣካ። ሓዳር ከም መዓልታዊ ምክትታልን ምጽጋንን እቲደሊ መኪና እዩ። ከምቲ እታ መኪና ግቡእ ምክትታል ተዘይ ጌርካላ ኣብ ሓደጋ ከተእትወካ እትኽእል ሓዳርውን ግቡእ ክንክን ተዘይረኺቡ ውጽኢቱ ሓደገኛ ይኸውን። ንገዛእ ጥዕናናን ረብሓናን ክንብል ኣብ ሓዳርና ጥንቁቓት ክንከውን ይግባእ።

7ይ ምስጢር
እግዝኣብሄር ፍጹም መጻምዲ ክህበካ ኣይክእልንዩ። እንተኾነ ክትጽግኖን ከተመሓይሾን እትኽእል ሰብ ክህበካ ይኽእል ፡ ምኽንያቱ ድማ ጽዒርካ ፡ ጻሕቲርካ ብላዕ ስለዝብል እቲ ትእዛዝ። እዚ ፍጹምነት ብጸሎትን ፡ ፍቕርን ፡ ጻዕርን ትዕግስትን ጥራይ እዩ ዝብጻሕ፡፡

8ይ ምስጢር
ሓዳር ምግባር ማለት ሓደ ዓቢ ከይስበረካ ክትጥንቀቐሉ ዝግባኣካ ሸኸም ምስካም ማለትዩ። ኣብ ሓዳር እንታይ ከጓንፈካ ከምዝኽእል ክትፈልጦ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን ንዘጋጥሙኻ ብድሆታት መተዓራረዪ ዝኸውን ቦታ ፡ ግዜ፡ ሓይልን መንፈስን ክህልወካ ግበር። ንኹሉ ድሉው ምዃን ልመድ። ሰብኣይ ካብ ስራሕ ክባረር ይኽእል ፡ ሰበይቲውን ውላድ ምውላድ ክቦኽራ ይኽእል፡ ነዚ ንምዕራይ ተስፋን ዓቕልን ከምዘድልየካ ኣይትረስዕ። እንተዘይኮነ ናብ ምብታን ሓዳርካ ከምርሓካ ይኽእል። ዓቕልን ፡ ጸሎትን ፡ ፍቕርን ተስፋን ክፍለየካ የብሉን።

9ይ ምስጢር
ሓዳር ኩንትራት ኣይኮነን ፡ ብኣንጻሩ ንዘልኣለም (ክሳብ ዕለተ-ሞትካ) ዝንበር ሂወትዩ። ፍጹም ዘየቋርጽ ተወፋይነት ይጠልብ። ሚዛናዊ ፍቕሪ ድማ ነዚ ሂወት ከም መላገቢ ኮይኑ የጣብቖ። ፍትሕ ኣብ ኣእምሮዩ ዝጅምር ድያብሎስ ድማ ነዚ እኩይ ሓሳብ ንጉሆ ንጉሆ ብእኩይ መንፈስ ይቕልቦ። ስለዚ ድማ ፍትሕ/ንፋታሕ ንዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ፈጺምካ ዕድል ኣይትሃቦ። ንመጻምድኻ ክፈትሓካየ ክፈትሓኪየ እናበልካ ብምፍርራህ ጸቕጢ ኣይተብዝሓሎም፡ እግዝኣብሄር ንዘጋጠሞ ሓደነት ክፈርስ ኣይፈቱን እዩ።

10ይ ምስጢር
ነብሲ ወከፍ ሓዳር መሪር ዋጋ ከፊሉዩ ዕዉት ዝኸውንን ውጽኢት ዓወቱ ዝሓፍስን። ሓዳር ከም ናይ ባንኪ-ሕሳብ ክምሰል ይኽእል። ከምቲ መጠን ዘቐመጥካዮ ገንዘብ ውጽኢት ስለ እትወስድ፡፡ እንተድኣ እኹል መጠን ፍቕሪ ፡ ሰላምን ክንክንን ኣብ ሓዳርካ ዘየቐመጥካ ዝተባረኸ ፍረ ፡ ጸጋ ሓዳር ክትሓፍስ ኣይክኣልን እዩ።

ኣብ ሓዳር ቀጻሊ መስዋእቲ ዝኸፍሉ ውፉያት ኢና ክንከውን ዘለና ተዘይኮይኑ ሓዳር ኣይነጀምሮ።
@tigrigna_literature

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

12 Oct, 14:19


ዓሰርተ ኣተሓሳስባ በላሕቲ ሰባት
""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""
1. መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልኦት ስቕ ኢሎም እዮም - በላሕቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዕላል ካብ ምዕብላል ክሰምዑን ክዕዘቡን ይመርጹ።

2. ናይ ገዛእ ርእሶም ድንቁርና ይፈልጡ – በላሕቲ ሰባት ደረት ፍልጠቶም ኣለልዮም ንዝያዳ ንኽመሃሩ ክፉታት እዮም።

3. ካብ ምጅሃር ይርሕቑ – በላሕቲ ሰባት ኣብ ክንዲ ምጅሃር ተግባራቶም ባዕሉ ክዛረብ ይገድፉ።

4. ትሑታት እዮም – ዋላ’ኳ ብልሒ እንተሃለዎም፡ ብዛዕባ ዓቕሞም ግን ትሑታት ኮይኖም ይቕጽሉ።

5. ውሑዳት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክህልዎም ይኽእል እዩ – ብሰንኪ እቲ ዘለዎም ፍሉይ ኣረኣእያ ምስ ካልኦት ብዕምቆት ንምትእስሳር ይጽገሙ።

6. ልቦና ዘለዎም ሕቶታት ይሓቱ – በላሕቲ ሰባት ብዕምቆት ሕቶ ይሓቱ፣ ክርድኡን ክትንትኑን ይደልዩ።

7. ጉድለታትን ነዃላትን የለልዩ – መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍጽምና ንምርካብ ስርዓታት ወይ ስነ-ሞጎት ይምርምሩ።

8. ንባብ ባህ ይብሎም – ፍቕሪ መጻሕፍትን ቀጻሊ ትምህርትን ኣብ በላሕቲ ሰባት ልሙድ እዩ።

9. ሓያል ስነ-ኣእምሮኣዊ ምልከት ኣለዎም – መብዛሕትኡ ግዜ ሓቀኛ ዕላማን ስምዒትን ካልኦት ክስምዖም ይኽእል።

10. ካብ ምግጣም ይርሕቑ – በላሕቲ ውልቀሰባት ብሓፈሻ ካብ ዘየድሊ ክትዕን ግርጭታትን ይርሕቑ።
"ብዕላማ ንበር"
@Taha Hadush ✍️

@tigrigna_literature

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

09 Oct, 16:22


BOOK YOUR EVENT NOW
Cinelux Photography
+251942707398
+251977166434
We Capture Your Smile 😊
JOIN US - @Cineluxphotography