አግኣዝያን (Agazian tigray)

@hmedul


እዚ አግኣዝያን ትግራይ ሚድያ ቴሌግራም ቻነል እዩ!

አግኣዝያን (Agazian tigray)

23 Oct, 19:32


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ሰናይ ለይቲ ይግበረልና ክቡራተይ😇

✟ #ዝተባረከት ዓይኒ ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ዝተጸመደት እያ ።

✟ #ዝተባረከት እዝኒ ናይ ንስሃ መዝሙር ብምድማጽ ትሕጎስ
✟ #ዝተባረኸት ጎሮሮ ዝተቀደስ ማይ ይወርደላ ፣

✟ #ዝተባረኸት መልሓስ ናይ ኣምልካ ቅዱስ ስጋ ክቡርን ደምን ትቅበል ፣

✟ #ካብ ዝተባረኸት ኣንደበት እግዚሐብሔር ይመስገን ዝብል ቃል ኣይጠፍእን ፣

✟# #ዝተባረኸት ክሳድ ብደም ክርስቶስ ዝተቀደስ ቅዱስ መስቀል ትሽከም ፤

✟ #ዝተባረኸት ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ ድንግል ማርያም ኣንጊሳ ብፍቅሪ ትምላእ፤

✟ #ዝተባረኸት ኢድ ዝቀረበላ ምግቢ ብስም ሥላሴ ትባርኽ፤

✟ #ዝተባረኸት እግሪ ንጉሆን ምሸትን ቤተክርስቲያን ትመላለስ ፣


#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

21 Oct, 17:29


ምስጢራት ድልዱል ዝምድና ምህላው

ኩሉ ሰብ ኣዝዩ ሕጉስ ፍቅሪ ክህልዎ ይሓልም። ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ዘፍቅረካ ሰብ ትደሊ፣ ምስኡ ክትዘናጋዕ ትደሊ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሕጉስን ዕግበት ዘለዎን ህይወት ክትካፈል ትደሊ።
ምስ መጻምድትኻ ፍቕራዊ ህይወት ርክብ ክህልወካ እንተደሊኻ፡ ክልቴኹም ነዚ ዝስዕብ ልምድታት ክትክተሉ ይግባእ።

🔰 ኣብ ፍቅርኹም ወፍሪ ግበሩ፤
ብዛዕባ ፍቅሪ ምፍታሕ ግርጭታትን ናይ ምዝርራብ ክእለትን ዝገልጽ መጻሕፍቲ ምንባብ ንፍቅርኩም ክሕግዞ ይኽእል እዩ። ኣብ ፍቅርኹም ብዝያዳ ወፍሪ ብዝገበርኩም መጠን፡ ዝያዳ ዋጋ ክህልዎ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ ንኻልእ ሰብ እትሕዞ ንላዕሊ ንመጻምድትኻ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ግበረሉ።

🔰ብግልጽነት ምዝርራብ፤
እመኑ ኣይትእመኑ፡ ምዝርራብ ሕጉስ ፍቅሪ ንኽህልወና መፍትሕ እዩ። ምትእስሳር ፈጺምካ ኣይተቋርጽ። ኣብ ሓደ ገጽ ጽናሕ። መጻምድትኻ ኩሉ ግዜ ከመይ ከም ዝስምዓካ ከም ዝፈልጥ ኣረጋግጽ። ንጹር ርክብ ንፍቅርኹም ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ ግለጽ።
ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እንታይ ከም እትደልን እንታይ ከም እትጽበን ንጹር ምዃንካ ኣረጋግጽ። ጽቡቕ ርክብ ንፍቅሪ ዕዉት ዝገብሮ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

🔰ተስፋ ኣይትቑረጽ፤
ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን እዋን ንመጻምድትኹም ንዘልኣለም ከተፍቅሩ ቃል ትኣትዉ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ ግን እቲ ሕማቕ ካብቲ ጽቡቕ ኣዝዩ ይበዝሕ እሞ ፍቅሪ ይፈርስ። ይኹን እምበር: እቲ ሕጉስ ፍቅርኹም ንዘለኣለም ንኽጸንሕ ክትገብሮም እትኽእል ነገራት ኣሎ። ጽቡቕ ግዜ፡ ሕማቕ ግዜን ካልእን ኣሎ። እቲ ጽቡቕ ካብቲ ሕማቕ እንተበዚሑ፡ እንተወሓደ ብቑሩብ ፍቅሪ ክህሉ እዩ። ነቲ ጽቡቕ ብዝያዳ ኣድኒቕካ ነቲ ሕማቕ ክጥወየሉ ብዝፈተንካ መጠን፡ ንዓኻ ዝቐለለ ክኸውን እዩ፡ ንመጻምድትኻ ድማ ዝያዳ ፍቕርን ምትእስሳርን ክስምዓካ እዩ።

🔰ምስማዕ ተማሃር፤
ምስ መጻምድትኻ ድልዱል ዝምድና ክትሃንጽ እንተደሊኻ፡ ውሑድ ምዝራብን ዝያዳ ምስማዕን ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ግዜ መጻምድትኻ ዝብሎ ዘሎ ከተቕልበሉ ኣገዳሲ እዩ። ንመጻምድትኻ መዓልቱ ከመይ ከም ዝዋዓለ ሕተቶ እሞ ብዛዕባ መዓልቱ ክዛረብ ከሎ ስምዓዮ።

🔰 ውልቃዊ ህይወትካ ብሕታዊ ግበር፤
ርክብካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ እተቐምጦ፡ ሰባት ናብ ርክብካ ትዕድም። ውልቃዊ ጉዳያትካ ብሕታዊ ግበር። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ዝህሉ ርክብ እምበር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ህዝብን ኣይኮነን። ሕጉስ መዓልታትካ ምስ መጻምድትኻ ወይ ገለ ምቁራት ስእልታት ኣብ ናይ ፌስቡክ ወይ ኢንስታግራም ኣፕካ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ ግን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን መስመር ምስኣልካ ኣረጋግጽ።

🔰ነገራት መዓስ ከም ዝንሳፈፉ ምፍላጥን ግርጭታት ከመይ ጌርካ ከም እተመሓድርን ምፍላጥ፤
ንኣሽቱ ነገራት ብምግዳፍ ኣብ ምዝርራብኩም ንዝፍጠር ተደጋጋሚ ግርጭት ንምንካይ ዝሕግዙ መንገድታት ምድላይ ምስ መጻምድትኹም ዝያዳ ድልዱል ዝምድና ንምህናጽ ይሕግዘኩም። ኣብ ምዝርራብ ክትዕ ንቡር እዩ ግን ኣብ እዋን ባእሲ ንመጻምድትኻ ፈጺምካ ከምዘይትጸርፍ ከተረጋግጽ ይግባእ። ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን ባእሲ መጻምድትኻ እንታይ ከም ዝብል ስምዓዮ።

🔰ተወፋይነት፤
ምስ መጻምድትኻ ድልዱል ዝምድና ክህልወካ እንተደሊኻ ተወፋይነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መጻምድትኻ ክህልዎ ዝኽእል ጉድለታት ብዘየገድስ ምስ መጻምድትኻ ክትጸንሕን እቲ ዝምድና ከም ዝሰርሕን ክትውስን ኣለካ። መብጽዓኦም ብቃልን ብግብርን ዘሐድሱ መጻምድቲ ናብ ዝጠናኸረ ዝምድና ኣብ መንገዲ ይርከቡ።

🔰ናይ ክልቴኻ ግዜ ምህላው፤
ድልዱል ዝምድና ክትሃንጽ እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻ ጽሬት ዘለዎ ግዜ ምሕላፍ ኣገዳሲ እዩ። ንሓቢርካ ዝጸንሕ ግዜ መተካእታ የብሉን። ክሳብ ክንደይ ትሑዝ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ግዜ ምስ መጻምድትኻ ብሕት ኢልካ ናይ ምዝርራብ ግዜ ይሃሉኻ።

🔰 ምሉእ ብምሉእ ግሉጽነት ይሃሉኻ፤
ኣብ ድልዱል ዝምድና ዘለዉ መጻምድቲ ምስጢር የብሎምን። ምስ መጻምድትኻ ድልዱል ዝምድና ክትሃንጽ እንተደሊኻ ምስ መጻምድትኻ ምሉእ ብምሉእ ግሉጽ ክትከውን ኣለካ። ድልዱል ዝምድና እንተደሊኻ ኣብ ርክብካ ብሕትውና ኣየድልየካን እዩ።

🔰ንመጻምድትኻ ኣመስጋኒ ኩን፤
ንዓበይቲ ፍጻመታት ናእዳ ክትዕቅብ እኣየድልየካን እዩ፣ ንመጻምድትኻ ምምስጋን ስሩዕ ተርእዮ ግበሮ። ንመጻምድትኻ ከተሞግስ ከለኻ፡ ፍሉይን ሞጎስን ከም ዝስምዖን ግበር፡ እዚ ድማ ድልዱል ዝምድና ንምህናጽ ይሕግዝ።

🔰"የፍቅረካ እየ" ምባል ፈፂምካ ኣይተቋርጽ፤
ምስ መጻምድትኻ ድልዱል ዝምድና ክትምስርት እንተደሊኻ እዘን ሰለስተ ንኣሽቱ ቃላት "#የፍቅረካ እየ" ኣገደስቲ እየን። መዓልትኻ ክንደይ ነዊሕ ወይ ከቢድ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ግዜ ንመጻምድትኻ ክሳብ ክንደይ ከም እተፍቅሮ ብምንጋር መዓልትኻ ዛዝማ። "#የፍቅረካ" ብዝብል ቃላት መዓልትኻ ዛዝማ።

🔰ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ከም እትኽእል ተማሃር፤
ድልዱል ዝምድና ክትሃንጽ እንተደሊኻ፡ ረብሓታት ምድምማጽ ክትርዳእ ኣለካ። ኩሉ ግዜ መጻምድትኻ ዝደልዮ ክትገብር ዘይትደሊ ትኸውን፡ ንመጻምድትኻ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ግን ብፍሽኽታ ኣተግበሮ።
፦ ምስ መጻምድትኻ ተሓጐስ ኣብ ነንሕድሕድካ
ዘለካ ፍቕሪ ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ክዓቢ ተዓዘብ።


#አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

19 Oct, 08:11


💥 ❝አብ ዓለም ክንነብር ከለና ክልተ ሓሳባት ወርቃውያን ዝኾኑ ሓቅታት አለዉ❞
1. አብዚ ዓለም ክናኽብሮም ዝግባእ፤
➣ ወለድን ፤
➣ መምህራንን ፤

2. አብዚ ዓለም ክንርሕቖም ዝግባእ ፤
➣ ኃጢአት ምስራሕን ፤
➣ ቂም ምሓዝን ፤

3. አብዚ ዓለም ክንሕልዎም ዝግባእ ፤
➣ እምነትን ፤
➣ ሠናይ ምግባር ፤

4. አብዚ ዓለም ክህልዉና ዘይግባእ ፤
➣ ሓሜትን ፤
➣ ሕማቕ ምስራሕን ፤

5. አብዚ ዓለም ክንውንኖም ዝግባእ ፤
➣ ፍልጠትን ፣
➣ ትሕትናን ፤

6. አብዚ ዓለም ክንዓልዮም ዝግባእ ፤
➣ ትዕቢትን ፤
➣ ምትላልን ፤

7. አብዚ ዓለም ክንከናኽኖም ዝግባእ ፤
➣ ስድራ ቤትናን ፤
➣ መጻኢናን ፤

8. አብዚ ዓለም ክንቆፃፀሮም ዝግባእ ፤
➣ መልሓስናን ፤
➣ ድሌታትናን ፤

9. አብዚ ዓለም ትኹረት ክንገብረሎም ዝግባእ ፤
➣ አድማፂ ምኻንን ፤
➣ ዘረባ ምቕናስን ፤

10. አብዚ ዓለም ከናዕብዮም ዝግባእ ፤
➣ ፅቡቅ ጠባይን ፤
➣ ፅቡቅ ሥነ ምግባርን ፤

11. አብዚ ዓለም ዝዓበዩ ህያብ ዝኾኑ ፤
➣ ጥዕናን ፤
➣ ውላድን ፤

12. አብዚ ዓለም ክንዝክሮም ዝግባእ ፤
➣ ገነትን ፤
➣ ሲኦልን ፤

13. አብዚ ዓለም ክንዓልዮም ዝግባእ ፤
➣ ሕመቕን ፤
➣ ሌብነትን ፤

14. አብዚ ዓለም ክናፍቅሮም ዝግባእ ፤
➣ ፈጣሪናን ፤
➣ ብፃይናን ፤

15. አብዚ ዓለም ክንልውጦን ዘይንኽእሎም ፤
➣ መዓልትን ፣ ለይትን ፤
➣ ብርሃንን ፣ ፀልማትን ፤
➣ ነዊሕን ፣ ሓፂርን ፤
➣ ቀይሕን ፣ ፀሊምን ፤
➣ ርሑስን ፣ ደረቕን ፤
➣ ለወሃን ፣ ክፉእን ፤
➣ ጥዑምን ፣ መሪርን ፤
➣ በረኸትን ፣ ርግማንን ፤
➣ ዝሑልን ፣ ትኩስን ፤
ከምኡ እናበለ ይቕጽል ንወዲ ሰብ አብዚ ዓለም ዝገጥምዎ ነገራት እዮም ።

💥 ሃይማኖትን ሁማኒትን(Humanity) ብበይኖም እዮም ። ሃይማኖት ኣለና ኢና ንብል ሰባት ኣብ ክፉእ ስራሕ ክንዋፈር እንውዕል ሰባት በዚሕና ኢና ዘለና ይመስለኒ ። እቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ግና ከዓ ድማ እቲ እግዚአብሔር ዝብሎ ግብሪ ዝገብሩ እንተ ደኣ ኮይኖም እቲ እግዚአብሔር አምላክ ንመን እዩ ዝቐርብ ። ነቶም ኣይነምልኸካን ኢና ዝብሉ ሰባት ግና ከዓ ግብርታቱ ዝፍጽሙ ዶስ? ወይ ድማ ነቶም ነምልኸካ ኢና እንዳበሉ ግብርታቱ ዘይፍጹም ዘይተግብሩ? እዛ ሕቶ እዚኣ ንኹልና እያ ከመይ ትርእይዋ?

💥 ፈጺምካ ከተደናግሮ ዘይትኽእል ፣ ፈጺምካ ክትክሕዶ ዘይትኽእል ጻድቅ ግና ከዓ ናይ ሕይወትካ ብፃይ እንተ ደኣ ሃልዩ «ኅሊናኻ’ዩ»። ኅሊና ሓቀኛ’ዩ’ ኅሊና ጻድቅ’ዩ ። ኅሊና ዓሌት ፣ ኣውራጃ ፣ ብሔር ፣ ቋንቋ ፣ ሕብሪ ቆርበት ፣ ከይፈለየ ምሉእ መዓልቲ ክትገብሮ ዝወዓልካ ፣ ግብሪ ለይቲ ምስ ደቀስካ ኣብ እዝኒ ቅርብ ኢሉ ሕሹኽ ዝብል’ዩ ኅሊና ። ብፍጹም ኣይፈርሓካን እዩ ። ግና አብ ጎንኻ ኮይኑ ብሓቂ ዝምጉት ሰብ ኅሊና’ዩ ። እዞም ደቀይ ንባብ እንፍተው ።

© እምነቶሙ ለአበው 🌿🌿🌿ዕለት 9/2/2017 ዓ.ም

#አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

18 Oct, 17:46


https://youtu.be/0lwCY2LIfzA?si=DHvbMNw-z5awlVVd

አግኣዝያን (Agazian tigray)

18 Oct, 12:30


ቃላት ቅዱሳን፣
ኣእምሮኹም ስም ኣምላክ ብምጽዋዕ እንተነቂሑ ክዋግእኹም ዝሓሰቡ ጸላእትኩም ክፈርህኹም እዪም።( ቅዱስ ኤጲፋንዮስ )

ብፍትወት ሎሚ እትጽልዮ ጸሎት ወላካ እንተዘይተረደኣካ ኣብ ዝርያኻ ዘለው ኣጋንንቲ ግና እናተረደኦም ካብ ዝርያኻ ከልግሱ እዮም እሞ ከየቓረጽካ ጸሊ።( ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ )
1"ተሰ- 5፣17

¶ ፍረ ሸለል ምባል ሕማቅ እዩ፡፡
ፍረ ጸሎት ግና ብዙሕ ጸጋታት ኣለዎ።
እዚ ከኣ ኩሉ ሳዕ ንጸሎት ዝነቕሕ ሰብ ስም ኣምላክ ይጽውዕ፡ስም ኣምላክ ብምጽውዑ ከኣ እከይ ስርሑ ይዕገት። ( ማር ኤፍሬም )

¶ቅዱስ ኣባ ኣጋቶን ክሓትዎ ከለው_ >>> _ዝዓበየ ጸጋ ኣብ ገድሊ እንታይ እዩ በልዎ_? ንሱ ከኣ""""" ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሄር ክትጽሊ ምስ እትደሊ እዩ እቲ ዝዓበየ ገድሊ፡ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ክጽሊ ምስ ዝደሊ ሰይጣን ክዕንቕጾ ይመጽእ ሓይሊ ኣጋንንቲ ዘድክም መሳርሒ ጸሎት ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምጽላይ ንሰይጣን ሓደገኛ ሰለ ዝኮነ ሰይጣይ ኣይቐስንን።

¶ሕይወት ምስ እግዚኣብሄር ግን ከኣ ብዘይ ጸሎትስ ከም ሕይወት ብዘይ ትርግታ ልቢ ማለት"ዩ።
ጸሎት ዘየዘውትር ሰብ ከምቲ ናብ ዝወስድዎ ዘይፈልጥን ብርሃን ከይረኣየ ብሕብርታት ክካታዕ ዝውዕል ዓይነ ስውር ይመስል። ( ቅዱስ ኣባ ዘሲማስ )

*ኣቱም ምእመናን ነቲ ኣብ ልዕሊ መስቐል ደው ኢሉ ( +"ተሰቂሉ "+ ) ምእንታና ደሙ ዘፍሰሰ እግዚኣብሄር ወልድ ተገዝእሉ ከየቃረጽኩም ስሙ ጸውዑ፡ስም ኣዲኡ ድማ ካብ ስሙ ከይትፈልዩ*።
( ኣባ ቅዱስ ጊዮርግስ ዘጋስጫ )

¶ _ስም ኣምላክ ካብ ምጽዋዕ ብፍጹም ኣይተቃርጽ፡ ምክንያቱ ከተቃርጽ ከለኻ ክውሕጡኻ ዝደልዩ ኣጋንንት ስለዝለዓሉ_።
ሰማያዊ ነገራት ዝደሊ ምድራዊ ነገራት ኣይናቱን እዩ

_ኣምላክ ቐልጢፉ ዝሰምዖን ደስ ካብ ዝብሎን ነገር ሰብ ብውድቐቱ ዝልምኖ ምሕረት እዩ።
( ቅዱስ በኻምዮስ )

< ልብኻ ብብርሃን ኣምላክ ምእንቲ ክምላእ ኩሉ ግዜ ንጸሎት ኣፍቅራ፡ሕስረተይ ብጸሎት ይቅንጠጥ፡ካልእ በሪ ናይ ንስሓ ከም ዘሎ ድማ ይሕብረኒ>።
<ካብ ፈተና ሰይጣን ከኣ የናግፈኒ>፡<ጸሎት ዘየዘውትር ሰብ ካብቲ ዕውር ብርሃን ክርኢ ዘይክእል ኣይፍለን እዩ>።

* <ፍቅሪ ኣምላክ ናይ ህይወትና ጨው እዩ>።<ብጸሎት ድማ ፍቅሪ ኣምላክ ይበዝሓልና ፡በዚ ጨው እዚ ድማ ህይወትና ይምቕር"ሞ ጥዑማት መግቢ ንኣምላክ ንኸውን>።ጸሎት ክብል እንከለኹ፡ልባዊ ዘይኮነን ናይ ልማድ ጸሎት ወይ ሰዓት ኣኪሉ ጥራይ ኢልካ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ዝቐርብ ኣይኮነን፡ነቲ ካብ ልብን ብሓቅን ብሂግካ ዝቐርብ ጸሎት ለይትን መዓልትን እትውንኖ ናይ ሕልና ኪናት ማለተይ እምበር። ( ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቕ )

* <ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዚኻ ካብ ምፍታው ኣይትፍራህ፡ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝፈትዋ ንላዕሊ ክትፈትዋ ኣይትኽእልን ስለ ዝኾንካ>።
( ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ )

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!!

ቃላት ቅዱሳን



#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

17 Oct, 08:33


ልዕሊ ኹሉ ግን....

ምስ መን ከም ትነብር ምረጽ::

ህይወት ምርጫ እያ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ጥበብ እያ።

ፍቕሪ ጥዑም እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ  ሩፋታ እዩ።

ምንባር ጻዕሪ እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ምስትውዓል እዩ።

ተስፋ መንደቕ ህይወት እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ናይ መጻኢ ብርሃን እዩ።

ልቦና መንፈሳዊ ሓይሊ እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን እሙን ጓሳ እዩ::

ትምህርቲ ሃብቲ እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ዕቤት እዩ።

ክብረትካ ንሰባት ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ግዜኻ ::

ኣብ ልብኻ ቂምታ ኣይትሓዝ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ክፋእ ኣይትሕሰብ።

ሰማዒ ኹን፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ተረዳኢ ኹን ::

#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

15 Oct, 10:48


1, እትደልዮ ንምርካብ እንተዘይተጋዒዝካ፡ ክትውንኖ
ኣይትኽእልን ኢኻ።

2, ማዕጾታት ብዘይ መፍትሕ ኣይስርሑን እዮም፡
ብተመሳሳሊ ኣምላኽ ጸገማት ብዘይ መፍትሒ ኣይህበካን
እዩ። ተዓገስ!

3, ኣብ ህይወትካ ንዝኾነ ሰብ ኣይተማርሮ፡ ንፉዓት
ሰባት ሓጎስ ክህቡኻ እንከለዉ፡ ሕማቃት ሰባት ተመክሮ
ይምህሩኻ፡ ዝኸፍኡ ሰባት ኣርእስቲ ይፈጥሩልካ፡ እቶም
ዝበለጹ ሰባት ከኣ ተዘክሮታት ይገድፉልካ።

4, ዕርክነት ምስ ብሉጻት ሰባት ልክዕ ከም ተኽሊ ሽኮር
እዩ። ክልሕጸጽ፡ ክቅንጠብ፡ ክቁረጽ፡ ክፍንጨል፡ ክምንቆስ፡
ክጠሓን ይኽእል እዩ፡ መቐረቱ ግን ፍጹም ኣይልወጥን
እዩ'ሞ ምስ ብሉጻት ሰባት ተጋዓዝ።

5, ኣብ ህይወትካ ንዘጋጠመካ ሕማቕ ነገራት ከተመስግን
ኣለኻ፡ ምክንያቱ ቅድሚ ሕጂ ኣድህቦ ዘይሃብካዮም ነገራት
ክትዕዘብ ስለ ዝኽኣለካ።

6, ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ውሽጥኻ ምስ መንነትካን እምነትካን
ክትመውት ክትክእል ኣለኻ፡ ሓያልን ውርዙይን መንነት ሒዝካ
ከም ብሓድሽ ክትውለድን ክትንስእን ግን ኣለኻ።

7, ካብ ምስ እኩባት ብጌጋ መንገዲ ዝኸዱ ሰባት ምጉዓዝ፡
ንበይንኻ ብቅኑዕ መስመር ምጉዓዝ ይበልጽ።

8, ምስ ሕሉፍካ ተዓረቅ፡ መታን ነዚ ዘለኻዮ ህይወት
ከይብርዞ።

9, ንህይወትካ ምስ ናይ ካልኦት ህይወት ኣይተነጻጽራ፡ ኩሉ
መንገድታት ህይወት ስለ ዘይብጻሕ።

10, ፍሽኽ በል! ኣስተውዕል! ኣብ ዓለም ንስኻ ጥራይ
ኣይኮንካን ጸገም ዘለካ።


#አግኣዝያን_ትግራይ -ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

15 Oct, 03:59


https://youtu.be/J12KVGjYMho?si=v1zNzXksit5__GyN

አግኣዝያን (Agazian tigray)

14 Oct, 01:40


ጥቅምቲ 4 ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን አብርሃ ወአጽብሃ

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን/፫/

እንዃዕ ናብ ቅዱሳን ነገሥታት "አብርሃ ወአጽብሃ" ዓመታዊ ናይ ዕረፍቲ በዓሎም ብሰላም አብጸሓና አብፀሐኩም

ቅዱሳን_አብርሃ_ወአጽብሃ

እዞም ነገሥታት ሞጎስናን: ብርሃንናን እዮም እሞ ደስ እንዳበለና ንፈትዎምን: ነኽብሮምን:: ቅድሰተ ሰላሴ መሪጸሞም ሎሚ ንዘለናዪ ሂወት መሰረት ገዲፎም ሓሊፎም እዮም::

እዞም 2ተ ቅዱሳን ነግሥታት መንታ ክኾኑ ከለዉ ወለዶም ንጉሥ ታዜር / አይዛና / ሰይፈ አርዕድን ንግሥት አሕየዋ / ሶፍያ ይበሃሉ:: ንጉሥን በዓል ቤቱን ቆልዓ ብዘይ ምህላዎም ናብ እግዚአብሔር ለመኑ:: ፈጣሪ ድማ ብናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣብሳሪነት 2 ዑንቂ ኣረከቦም::

ንግስቲ አሕየዋ (ሶፍያ ድማ) መጋቢት ዕለት 29 ኣብ 311 ዓ,ም ጸኒሳ: ታሕሳስ ዕለት 29 ኣብ 312 ዓ,ም ን2ቲኦም ቅዱሳን ወለደቶም:: "ኣምላክ ንዕቀተይ ኣርሓቀለይ" ክትብል ድማ "አዝጉዋጉ" በለቶም:: እዞም 2 ፍሬ ኣብቲ ወቅቲ ሊቀ ካህናት ካብ ዝነበረ እንበረም ኦሪት ጠንቂቆም ተመሃሩ::

ካብ እግዚአብሔር ዝተዋሃቡ እዮም እሞ ኣብ 12 ዓመቶም ናብ ቤተ መቅደስ ኣተዉ:: ቅሩብ ጸኒሑ ግን ኣቦኦም ታዜር ስለ ዝዓረፈ ህዝቢ ን2ቲኦም ቅዱሳን "ንገሱልና" በልዎም:: ንሶም ድማ "ንሕና ናይ ፈጣሪ ኣገልገልቲ ኢና እሞ ኣይንኽእልን" ብምባሎም ንዝተወሰነ ግዜ ኣደኦም ኣማሓደረት::

ድሕሪኡ ግን ቅዱስ ሚካኤል ንሊቀ ካህናት እንበረም "ናይ ፈጣሪ ፍቃዱ ስለ ዝኾነ ኣይትሕዘኑ:: 2ቲኤኹም ኣብ ሓደ ዙፏን ንገሱ: ዓቢ ጸጋ ነዛ ሃገር ክኸውን እዩ በሎም" በሎ::

ሊቀ ካህናት እንበረም ድማ ዝተኣዘዞ ተዛሪቡ: ኣብ 19 ዓመቶም: ን2ቲኦም ኣብ ልዕሊ ሓደ ዙፋን "ነገሥተ ኢትዮዽያ" ክብል ኣቀሚጡ ቀበኦም:: ስሞም ድማ "ኢዛና" / "ሳይዛና" በሎም:: እዞም ቅዱሳን ምስ ነገሱ ዝቀደመ ስራሖም ዝቀንዐት ሃይማኖት ምድላይ ኮነ::

ናይቲ ወቅቲ ፍሬምናጦስ (ድሕሪኡ አቡነ ሰላማ ክሳቴ ብርሃን ዝተበሃሉ) ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስት ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ስለ ዝነበረ ጸዊዖም ኣዛራረብዎ:: "ኣንታ ሓውና! ክርስቶስ ክወርድ: ክውለዱ እዩ ተባሂሉ ዝተቆጸረ ሱባኤ እኮ ሓሊፉ እዩ:: ንምንታይ ደኣ ዘይመጸ? እቲ ሓቀኛ ምሥጢር ንገረና" በልዎ::

ቅዱሰ አቦና አባ ሰላማ ክሳቴ ብርሃን ድማ ኣትቶ: ኣመስጢሩ: ቅድሚ 300 ዓመታት ኣምላክ ሰብ ከም ዝኾነን ዓለም እውን ከም ዘድሓነን መሃሮም:: "ኣጥምቀና?" እንተበልዎ "ኣይክእልን" በሎም:: ንሶም ምስ ብዙሕ ውህበታት ናብ ግብጺ ለኣኽዎ::

ቅዱስ አትናቴዎስ ድማ ንፍሬምናጦስ "አቡነ ሰላማ" ኢሉ ምስ ብዙሕ መጻሕፍቲ ለኣኾ:: ኣብ መጀመርታ ኢዛናን ሳይዛናን ተጠመቁ:: ስሞም ድማ "አብርሃ ወአጽብሃ" ተበሃለ:: ቀጺሎም ድማ ሰራዊቱን ህዝቡን ተጠመቁ::

ሃገርና ድማ ብምኽንያት እዞም ቅዱሳን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን መጸት:: ናይ ክርስትና ደሴት ኮነት:: ሃገረ እግዚኣብሔርነታ ድማ ኣጽነዐት:: እዞም ቅዱሳን ድሕሪኡ ብሞገስ ክርስትና ምእንቲ ከስፋሕፍሑ ደኸሙ:: ልዕሊ 154 ኣብያተ ክርስቲያናት ክሃንጹ ከለዉ መብዛሕቲኡ ዝተፈልፈለ ነበረ::

ብፍላይ ግን ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝሃነጽዋ 12 ቤተ መቅደስ ዝነበራ ናይ ጽዮን ቤተ ክርስቲያን ክትሪኣ ተናፍቅ እያ:: እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 10ይ ክፍለ ዘመን ዮዲት ጉዲት ብእሳት ኣውዲማታ እያ:: መሰረቱ ግን ክሳብ ሎሚ ኣሎ::

ቅዱሳን አብርሃ ወአጽብሃ ግን ክርስትና ንምስፍሕፋሕን መንግስት ንምጽናዕን ክብሉ ካብ ኣክሱም ብተወሳኺ ኣብ ሽዋ እውን ዙፋን ዘርገሑ:: ንብዙሕ ዓመታት ድማ ኣምላክ ብዝፈቀዶ መንገዲ ክሳብ የመን ገዝኡ:: ክርስትና እውን ኣስፋሕፈሑ::

ኣብርሃ ካብ ዝውለድ ኣብ 52 ዓመቱ: ኣብ 364 ዓ,ም ጥቅምቲ 4 ክዓርፍ ከሎ ሓዉ ን15 ዓመታት ንበይኑ ኣማሓደረ:: ኣብ 379 ዓ,ም ድማ ብተመሳሳሊ ጥቅምቲ 4 ቅዱስ ኣጽብሃ ካብ ዝውለድ ኣብ 67 ዓመቱ ብኽብሪ ዓረፈ::

ካብ ልዕሊ ናይ ክልቲኦም መቃብር ድማ ን30 መዓልቲ ናይ ብርሃን ምሰሶ(ዓምዲ) ተተኺሉ ተራኣየ:: ጎይታና ድማ ብዘይሕሶ ቃሉ "ስምኩም ዝጸውዐ: በዓልኩም ዝገበረ ክምሕረልኩም እየ" ክብል ቃል ኪዳን ኣተወሎም።

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ቅዱሳን አብርሃ ወአጽብሃ በረከት ይሕደረና ንዓመታ ከምዙይ እውን እዚ ጸልማት ናይ ሓዘን እዋን ሓሊፉ ብሰላም ብጥዕና አብ ቅዱሰ) ገዳሞም ንብዕሎ ይግበረና አሜን/፫/

ምንጩ፦ስንክሳር ጥቅምቲ 4

ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መሰቀሉ ክቡር አሜን/፫/

#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

13 Oct, 02:35


ካብ ሰለሰተ ነገራት ተጠንቀቅ?
👉ካብ ወልፊ!
👉ካብ ቅንኢ!
👉ካብ ትዕቢት!
ሰለሰተ ነገራት ተጠቀምሎም?
👉ንአሰነት!
👉ንግዚየ!
👉ንዕዱል!
ብሰለሰተ ነገራት ኣትመካሕ?
👉ብሓይሊ!
👉ብፋልጠት!
👉ብሃብቲ!
ንሰለሰተ ነገራት ተዳሎ?
👉ንዓወት!
👉ንውደቀት!
👉ንምት!
ንሰለሰተ ነገራት ኣትታሃወክ?
👉ንምዝራብ!
👉ንመብፃዓ!
👉ንናአዳ!
#አግኣዝያን_ትግራይ -ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

12 Oct, 11:38


https://youtu.be/64pAMGU6E_A?si=3diDiDFfgSrwFnp5

አግኣዝያን (Agazian tigray)

12 Oct, 08:54


""ዓቅሊ ""

✔️ዓቅሊ ማለት ክትጽውዓ ቀላል ግን ድማ ኣብ ዉሽጣ ብዙሕ ፍረታት ዝሓዘት ሩፍታ ናይ ሂወት እያ ::

✔️ዓቅሊ:-ሱቅታ :ጽምዋ :ትሕትና :ልቦና :ክእለት :ተስፋ :ወዘተ ጠቅሊላ ዝሓዘት ናብ መንገዲ ዓወት ትወስድ ሰረት ናይ ሂወትና እያ ::

➛ዓቅሊ ማለት ልቦና እዩ።
➛ዓቅሊ ማለት ትዕግስቲ እዩ።
➛ዓቅሊ ማለት ተፃዋርነት እዩ።
➛ዓቅሊ ማለት ምፅማም እዩ።

✔️ ዓቅሊ ልክዕ ከምቲ ዘይድፈር ከውታ ለይቲ እያ።እታ ለይቲ ቀስ እላ ትወግሕ ተስፍ እቲ ዓቃል ሰብ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርሀ እዩ ዝረአ ።ስለዚ ነታ ፅባሕ ትበርቅ ፀሓይ ብዓቅሊን ትዕግስቲን ንፀበያ።

➛ ሂወት ብዘይ ተስፍ መቀረት የብላን።
➛ተስፍ ተዘይ ሃሊካ መፃኢ የብልካን።
➛ስለዚ ሂወት ክንድ ዝመረረት ትምረር ተስፍ ክትቆርፅ የብልካን።
➛ምክንያቱ ተስፍ ሓይሊ መቀረት ሂወት እያ። ➛ኣብ ተስፍ ዓቅሊ ኣሎ።
➛ኣብ ዓቅሊ ፅምዋ ኣሎ።
➛ኣብ ፅምዋ ሩፍታ ኣሎ።

✔️ መወዳእታ ዘይብሉ የለን ንኩሉ ግዜ ኣለዎ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ድማ ሰናይ ክከውን እዩ።

✔️ ዕላማ ማለት መገዲ ሓጎስካ መለለዪ ጉዕዞካን ማለት እዩ።

✔️ ኣብ ዕላማ ሓደ ክትፈልጦ ዘለካ ዓቢ ነገር ኣሎ። ኣብ ዕላማ ኣብቲ ፈለማ ግዜ ኣዝዩ ከቢድን ክሳብ ዝሓሰብካዮ ክተቋርጸሉ ትኽእል ኩነትን ክሳብ ትበጽሕ እዩ ዝገብረካ። እዚ ማለት ከኣ ኩሉ ግዜ ሓይልካ ኣብ መጀመርታ ኢካ ተርእየሉ ማለት እዩ። ሓደ እግርካ ምስ ሰጎምካ ነታ ሓንቲ እግርካ ከትስሕባ ክቀለካ እዩ።

✔️ዕላምካ ኣብ ተግባር ኣብ ተውዕለሉ ግዜ እታ ናይ መጀመርታ ወይ ድማ ሰረት ግዜ እያ ::

✔️ ነቲ ዝሓዝካዮ ወይ ዝጀመርካዮ ካብ ክፋል ዕላማካ በብቁሩብ ኣብ ተግባር ኣውዕሎ። በቃ ተንቀሳቀስ እሞ ከየብዛሕካ ፈልሞ፡ ብፉጹም ግን ኣንፈትካ ከይጠፍኣካ ካብ ምስራሕን ወይ ምትግባር ኣይተቋርጽ።

✔️ ዓቅሊ ግበር። ብዘይዓቅሊ ኣብትበጽሖ ከምዘይብልካ ኣስተውዕል። ብሰንኪ ዓቅሊ ዘይምቅባር ቡዙሕ ሰብ እዩ ዝጉዳእ።

✔️ ኣብ ዕላማካ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ላንጋ ላንጋ ኣይትኩን። ነቲ ዝሓሰብካ መንገዲ ደሊካ ስጉምቲ ውሰድ።

✔️ ንከይትጋገ ኣይትፍራሕ፡ ካብ ምፍታን ከይትተርፍ ደኣ ፍራሕ።ምኽንያቱ ኣብ ጌጋን ፈተናን ሓደ ዓብይ ዓወት ወይድማ ብዙሕ ፍልጠት ኣሎ ::



#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

11 Oct, 16:44


ህንኩቶ ትፈልጥዎ ዶ??
👇👇👇
https://youtu.be/Mhr9nxidLWk?si=kfsvWSz8N0hOQiXk

አግኣዝያን (Agazian tigray)

10 Oct, 19:11


#ፈተና_ክመፀካ_ከሉ_ክትሕጎስ_ይግባእ

ምክንያቱ ክርስቶስ እቲ ካብ ፈተና ዝሃድም ካብ እግዚኣብሄር ኣህዲሙ መንገዲ እከይ ናመሃዘ ንዓለም ዝፍቅር እዩ ።

ግና ኣብዛ ሒጂ ስዓት ዘሎ ወለዶ ፈተና እንተ በዝሖ እግዚኣብሄር ዝሓደጎ ይመስሎ ከምኡ ኣይኾነን እቲ ትክክል ፍትወይ/ተይ

ኣብታ ፈተና #እንፍተና ስዓት ግና ከም ኣቦና እዮብ ብትዕግስቲ ንኩሉ በቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ ክክእሎ እየ ኢልና ክንቅበሎ ይግባእ ክቡራት ስድራ ክርስቶስ

ምክንያቱ ከምቲ #ንወርቂ ብሓዊ እትፍተን ንደቂ ሰባት ድማ ኣብዛ ዘይትረብሕ ዓለም ፈተና ክንፍተን ግድን እዩ ንኩሉ ግና ምእንታን ክንሰግሮ #ብቲ ሓይሊ ክርስቶስ ኢና ክንሰግር ንክእል እሞ ክሳዕ እቲ እግዚኣብሄር ዝፈቀደልና ስዓት ክሳዕ መጨረሻ ብትዕግስቲ ክንፅበ ይግባእ ።


ኣብቲ ፈተና #ትፈተኖ ስዓት ክኣ ናብ ጭፍ ዓወት ክርስቶስ ዝብፅሐካ ሰብ ንህወይትካ ከም ሓዳሽ ተክሊ ትጭግን ከም ዘላ ድሕሪ እቲ ፈተና ድማ ናይ ክርስቶስ ትእዛዝን ስርዓትን ተከቲልካ #ቅዱስ ክርስትያን ምኻንካ ናባራትዕ ፈተና ከም እትውድእ ዝገብረካ ንሱ እቲ ክርስቶስ ኣበይ ኣሎ እትብል ነበርካ ኣብ #ብፃይካ ሓዲሩ ንኩሉ ክትሰግሮ ዘገብረካ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣምላክ ምሳካ ከም ዘሎ ኣስተውዕል።

#ኣብቲ ፈተና ስዓት ንኩሉ ብጉልበትካ ከም እትገብሮ ከም እትሰግሮ እተን ሰናይ ክትገብረልን ዝተፈጠራ ኣእዳውካ ደም ሰብ ክተፍስስ ዝደፍካ እቲ ናብ ውግዕን ናብ ባእስን ክፉኡን ዝመርሐካ ዝመክረካ ዝነበረ ሰብ ድማ ካብ ሰይጣን ዝተልኣከ ነቲ ዘልኣለም ኣብ ፀልማት ክትነብር
ዝሓስብ ዝነብረ #ዲያውሎስ እዩ ';'

#ስለዚ ካብ ፈተና ብዙሕ ኢካ ትመሃር
ትዕግስቲ
ትሕትና
እምነት
ፍቅሪ
ምስትውዓል
እንብኣር ካብ ሐጂ እቲ ፈተናስ ኩሉ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝወረደ ከም ዝተኣዘዝ ክትፈልጡ ይግባእ ግና ንኩሉ ካብ ኣምላክ ካብ ወረደስ ምእንቲ #ክርስቶስ ኢልኩም ንኩሉ ክትፃወርው እዩ ዝሓይሽ ከመይ በሉ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣምላክ ምስካ ስለ ዘሎ ንፀላኢካ ዲያውሎስ ክትዋግኦ ከልካ ነቲ ዲያውሎስ ዝፈትዎ ስራሕ ክትሰርሕ ዘይኾነስ ነቲ ኣምላክ ዝፈትዎ ብምልክት ነገብርካ ንፀላኢካ ዲያውሎስ ከተሕፍሮ እዩ ዝግባእ ምክንያቱ ኣምላክ ምሳካ ጠቢቁ ዘሎ ውን ብሓይሊ እግዚኣብሄር ከም አተሸንፎ ስለ ዝፈልጥ እዩ ።

ግና ኣቱም ደቀይ ኣብቲ ፈተና ስዓት ናባይ ምስ ተፀጋዕኩም ብዙሓት ሓገዝትኩም ኣዕርኩቱካ መሲሎም #ካብ ሸያጡን ዝተልኣኩ ነቲ ናተይ ስም ረጊጾም ንኩሉ ብኩፉእ ግብሪ ከም እትፍፆም ክደፋፍኡኩም እዮም ሞ ተጠንቀቁ ።

ኣብቲ መንከራ ስዓት ድማ ብዙሓት
ምእንቲ #ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ።
(ማርቆስ 13:13)

ስለዚ ሓንቲ ናይ ፈተና ስዓት ክኣ ብዙሓት ናትካ ዘይኾኑ ሰባት ከም ትፈልጥ ትገብረካ እያ ሞ #ኣብ ፈተና ስዓት ናትካ ኾይኖም ኣክሊል ህይወት ከም እትቅበል #ዝገብሩካ ሰባት ክንመርፅ ይግባእ ፍቁራት ኣሕዋተይ ።

( 2ይ ተሰሎንቄ 3:13)
ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።

1ይ ተሰሎንቄ
27: ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኵሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም አሎኹ።


#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

10 Oct, 08:47


https://youtu.be/JCInbt96lEQ?si=fXxcuyBpKrlKIMlG

#አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

09 Oct, 02:18


"ተባዕ ሓያል ጓል ሂዋን ንምኳን መጀመርታ ክትኮኒ ሕሰቢ ካልኣይ ምኳን ጀምሪ ሳልሳይ ኩኒ ድሕሪኡ ሂወት ኣይክትከብደክን እያ ።

" ክብረትኪ ብዋጋ ቃላት ደቂ ሰባት ኣይትዓቅንዮ ።

" ንስኪ ናይ ሂወትኪ ንግስቲ ኢኪ ኩሉ ግዜ ድማ ናይ ሂወትኪ ንግስቲ ምካንኪ እመኒ።

"ክትደኒ ምስትጅምሪ ዋላ ፈተውትኪ ምሳኪ ኣብ ጎንኪ ኣይክህልውን እዮም ።

"ድክመታትኪ ምስ ዝሪኡ ስልኪ ዋላ ምልዓል ክኣብዩኪ እዮም ኣይጉደስልኩን።

"ዓለም ናይ ሓያላት እያ ድኩማት ሰባት ኣብዛ ዓለም ቦታ የብሎሙን ።

"ካብ ንዓኪ ዘይምጥን ዘየክብረኪ ሰብ ርሓቂ።

ስለዚ ንውሽጣ እተስምዕ ንነብሳ ግዜ ትህብ ነብሳ ተክብር ኩሉ ግዜ ንፀገማታ ፊት ንፊት ገጢማ
እትስዕር ጠንካራ ሂዋን ኹኒ።

#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ

አግኣዝያን (Agazian tigray)

07 Oct, 02:52


#ጾመ_ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

እንቋዕ ናብ ዘመነ ጽጌ( ጾመ ፈቃድ) ብሰላም ኣብጽሓና፡ ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና ኣሜን።

ጾመ ቁስቋም (ጾመ ጽጌ)
ዝጅምረሉ፡-ዕለት 26/10/መስከረም/2017 ግዕዝ

ዝውድኣሉ ድማ
ዕለት 06/11/ሕዳር/2017 ዓ,ም,ግ
እግዚአብሔር ኣምላኽና በረኸተ ድንግል ማርያም የካፍለና" እንጾሞ ጾም ሓጢኣትና ዘደምሥስ መግስተ ኣምላኽ ዘውርስ ይግበረልና።

ናይዚ በረኸት ኩሉ ታኻፈልቲ ክንከውን #ሸር_sher ንበለሎም!

ኦ ድንግል ነቲ ብፈቃዱ ካባኺ ኣብ ቤተ-ልሔም
ኣብ እዋን ቁሪ ዝተወልደ በጭርቅቲ'ውን ዝተጠቅለለ ኣድግን ላምን ብትንፋሶም ዘማሞቅዎ አዘክርልና ኣሜን!

ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጎየኪ ዝተሰደድኪ ስደት ዘኪርኪ ሓጢአትና ናብ ወድኺ ኣዘክርልና ኣሜን!

ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንቲኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኪ እናጠመታ ዝወሐዘኦ መሪር ንብዓትኪ እናዘከርኪ ሓጢአትና ኣዘክርልና ለምንልና ኣሜን!

ኦ ድንግል ጥሜት ጽምኢ መከራ ሓዘን ኩሉ ንዕዑ ዝመስል ጸበባ ንዓና ኪትብሊ ዝረኸብክዮ ኩሉ እናኣዘከርኪ ናብ ፍቑር ወድኺ ለምንልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
መለመስቀሉ ክቡር
አሜን!

#አግኣዝያን_ትግራይ _ሚድያ