ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ካብ 3 ክሳብ 8 ስነ 2016 ዓ/ም ካልኣይ ዙር ወፍሪ ኽታበት ምኽልካል ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ከም ዝሳለጥ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እቲ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና እቲ ክፍለ ከተማ ወ/ሪት ኤልሳ አበበ ከም ዝበልኦ 2ይ ዙር ወፍሪ ክታበት ምኽልካል ሕማም ኣልምሲ /ፓልዮ/ ካብ 3 ክሳብ 8 ሰነ 2016 ዓ/ም ዝወሃብ ኾይኑ ነዚ ኣመልኺቱ ድማ ንጥሙር ጥዕናን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብን ዓቕሚ መዕበዩ ስልጠና ከም ዝተዉሃበ ገሊፀን።
እዚ ወፍሪ ዕውት ንምግባር ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ ድማ ጥሙር ጥዕና ሕ/ሰብን ልምዓት ጉጅለን ብትኹረት ክሰርሓ ተማሕፂነን።
ኣብቲ እዋን ስልጠና ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ኤልያስ፣ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕሉፍ ይኹን ሕዚ ዘለወን እጃም ልዑል ከምዝኾነ ብምትእምማን እዚ ወፍሪ ኣብ ምዕዋት፣ እዘን ዉዳበታት ብዝግባእ ምጥቃም ወሳኒ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
በዓልቲ ሞያ ሰርቪላንስ ወ/ሪት ብስራት ገረመስቀል ብግደኣን እዚ ክታበት መከላኽሊ ሕማም አልምሲ /ፓልዮ / ንትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ህፃናት ከም ዝወሃብ ብምግላፅ እዚ ሕማም አካል ካብ ምልማስ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ሓደገኛ ሕማም ስለ ዝኾነ ኩሉ ህፃን ክኽተብ ምርብራብ ከምዝግባእ ሓበሬታን ርክብን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ገሊፁ ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ገሊፁ።
30 ጉንበት 2016 ዓ/ም
መቐለ