ልዕሊ 150 ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ብሰላማዊ አገባብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።
ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :
ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :
ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት ደንጉዩ እውን እንተኾነ ጊዚያዊ ምላሽ ረኺቦም።
ነቶም ሰራሕተኛታት ምላሽ ዝሃቡ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትእምት ተኽለወኒ ገ/መድህን "ቀፃሊ ዓርቢ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ትእምት ብሓባር መፂእና ጥርዓንኩም ክንሰምዐኩም ኢና" ብምባል ኣፈንዮምዎም።
@tikvahethiopiatigrigna
Credit ሓበሬታ
ጋዜጠኛ ሃብቶም ገ/ሄር