ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

@tikvahethiopiatigrigna


ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 09:05


 # ዝማዕበለ !!
ልዕሊ 150 ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ብሰላማዊ አገባብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።

ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :
ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :

ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት ደንጉዩ እውን እንተኾነ ጊዚያዊ  ምላሽ ረኺቦም።

ነቶም ሰራሕተኛታት ምላሽ ዝሃቡ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትእምት ተኽለወኒ ገ/መድህን  "ቀፃሊ ዓርቢ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ትእምት ብሓባር መፂእና ጥርዓንኩም ክንሰምዐኩም ኢና" ብምባል ኣፈንዮምዎም።
 @tikvahethiopiatigrigna
Credit ሓበሬታ
ጋዜጠኛ ሃብቶም ገ/ሄር 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 08:47


ቦርድ መረፃ ወሰኽ ክፍሊት ጌሩ ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ጌረዮ ኣብ ዝበሎ ወሰኽ ክፍሊት 
ሃገር ለኸን ክልልን ፓርቲታት ምሰስክር ወረቐት ጊዚያዊ ምዝገባ ንምርካብ ዝኸፍልዎ ዝነብሩ ብር 100 ናብ 15 ሽሕ :
ሙሉእ ኣፍልጦ ንምርካብ ዝኸፈል ዝነበረ ብር 200 ናብ 30 ሽሕ :
ሰነዳት ብጉባኤ ተማሓይሹ ክቐርብ ዝኽፈል ዝነበረ ብር 30 ናብ 5 ሽሕ ብር :
ሓፍ ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

22 Oct, 08:00


ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።

ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት እዚ ዜና ክሳብ ዝተዋደደሉ ሰዓት ሕቶኦም ሰሚዑ ዘተኣናግዶም ኣይረኸቡን።

" ሕቶና  ሕቶ መሃያ  ፣ ጥቕማጥቕምን ሓፈሻዊ ኣሰራርሓ እቲ ትካልን እዩ " ዝበሉ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቶኦም ሰሚዑ ዝደናገፅን ሕፁፅ ምላሽ ዝህብን ሓላፊ ብዘይምርካቦም ጓሂኦም ገሊፆም።


ካብቶም ጥርዓን ዘቕረቡ ልዕሊ 150  ሰራሕተኛታት ሓደ ዝኾነ ብዛዕባ እንታይነት ጥርዓኖን ንጋዜጠኛ ሃብቶም ገ/ሄር ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ :
 
ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :
ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :
እቲ ትካል መትረፋይ እኳ እንተኾነ እዩ ንሰራሕተኛታቱ ዝኸፍሎ መሃያን ብጣዕሚ ትሑት ምኻኑ : 
ምስ ጥቕማጥቕሚ፣ ኣቆፃፅራ ሰራሕተኛታትን ውዙፍ ዘይተኸፈለ መሃያን ዓብዪ ሕቶ ከምዘሎ :

ብምግላፅ ንነዊሕ ጊዜ ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ብዘይምርካቡ : ጥረዖም ብእኩብ ክገልፁ ምግዳዶም ኣብሪሁ።

ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ትእምት ምኻኑ ይፍለጥ።
 @tikvahethiopiatigrigna
Credit photo 
ጋዜጠኛ ሃፍቶም ገ/ሄር 

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Oct, 20:11


ብምኽንያት ዂናት ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት ፕሮጀክት ትእምት ደጀና ኬሚካል ኢንዱስትሪ ንምቕፃልን ስራሕ ንክጅምርን እናተገበረ ብዝመፀ ልዑል ፃዕሪ መሰረት ፣ ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኮንትራት ዝሓዘ CEC ኩባንያ ቻይና ዝርዝር ቆፀራን ቁፅፅርን ብምክያድ ስርሑ ከምዝጅምር ተገሊፁ ።

ብመሰረት እዚ ናብቲ ፕሮጀክት ንዝመፁ ክኢላታት ቻይና ዘድሊ ናይ ጉዕዞ ፎርማሊቲ ምስላጥ ተጀሚሩ ከም ዘሎን እቲ ኮንትራክተር ኣብ ሓፂር እዋን መፂኡ ስርሑ እንትጅምር ንትግራይ ሓደ ዓብይ ትንሳኤ ምዃኑን ኢንጅነር ኣሰፋ ኣረዲኦም።

ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ዛዚምካ ናብ ስራሕ ክሰጋገር ምግባር ሕውየት ትካላት ትእምትን ሕውየት ቑጠባ ትግራይን ኣብ ምርግጋፅ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር ክብል ትእምት ኣብ ናይ ባዕሉ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ  ዘውፅኦ ሓበሬታ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

21 Oct, 19:47


# Update !! 
ወሰኽ መሃያ ተፈቒዱ በጀት ፀዲቑ ክፍሊት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሉ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ።

እቲ ኮሚሽን ጥቅምቲ 11/2017 ዓ.ም ከምዝበሎ : ካብ ሚንስቴር ገንዘብ ዝፈቐደ በጀትን መምርሒ ኣፈፃፅማ ምስ ትእዛዝ ክፍሊት ናብ 12 ክልላትን : ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ከምዝተልኣኸ ገሊፁ ኣሎ ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

20 Oct, 06:14


"መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ዝተመሓየሸ ብርኪ ዕቤት ምኽፋል ክጅመር እዩ "
ሚንስቴር ገንዘብ ፌደራል

ሚንስትር እቲ ሚንስቴር ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበልዎ : መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ዝተመሓየሸ ወሰኽ ምኽፋል ከምዝጅመር ኣፍሊጦም። 

" ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ በቲ ዝተመሓሸ ስኬል ተግባራዊ ክኸውን ካቢኔ ወሲኑ ኣሎ : ሚንስቴር ገንዘብ ከካየዶ ዝፀንሐ ቅድመ ምድላው ወጊኑ እዩ : ኮሚሽን ስሺል ሰርቪስ እውን መምርሒ ኣፈፃፅማ ኣዳልዩ " ኢሎም እቶም  ሚንሰትር። 

መሃያ ወርሒ ጥቅምቲ በቲ ሓዱሽ ስኬል ከምዝኸውን እውን ገሊፆም : ብፅሒት ክልላት በገንዘብ ሚንስቴር ኣቢሉ ክልኣኽ እዩ ምባሎም ቲክቫህ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Oct, 08:03


" ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብናይ ኣረኣእያ ሓድነት እዩ : ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ኣብ ምፍጣር ድማ  ግደ ሚድያ ዝለዓለ እዩ ኢሎም " ብምባል ኣብሪሆም እቶም ምክትል ፕሬዜዳንት ። 


ሚድያታት ትግራይ ሰሰናዩን ፅፅቡቑን ብምስሳን ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ርድኢትን ዕቤትን ክስጉም ክሰርሓ ከምዝግባእ ዘገንዘቡ  ጀነራል ፃድቃን  : ንቐፃሊ ወለዶ ጥጡሕ ናይ ፓለቲካ ሃዋሁ ክፍጠር ዓቕምታት ህዝቢ ክእከብ  ግቡአን ክፍፅማ ሓደራ ኢሎም።

ናይ ሓሶት : ፀለምን ስም ምጥፍፋእን ፓለቲካ ሳዕቤኑ ሪኢናዮ ኢና ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን : ሚድያታት ነዚ ናብ ሓደጋ ዘእተወና መንገዲ ብምፅያፍ ናይ ምክአእኣልን ሓሳባት ናብ ጠረጴዛ ዘምፅእ ስልጡን ፓለቲካ ባይታ ክሕዝ ክሰርሓ ከምዘለወን ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ኣብ'ቲ ዋዕላ 
-ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ምርግጋፅ ናፅነት ሚድያ:
- ሃዋሁ ሚድያ ኣብ ትግራይ 
ዝብሉ ምሁራዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ከምዝገበረሎም ካብ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብ'ቲ ብካቢኔ ሰክሬታርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዳለወ መድረኽ : ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  :  ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ክኢላታትን ኣመራርሓን ሚድያን : መራሕቲ ሃይማኖት :  ስቪክ ማሕበራት : ፓለቲካዊ ውድባት ተረኺቦም እዮም ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

19 Oct, 08:02


"ህዝቢ ትግራይ ብጊዚያዊ ምምሕዳር እናተመሓደረ ኣይነብርን : ዋላ እውን ንፁር ጊዜ ኣይቀመጥ ብመረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ ክህሉ እዩ : "

ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ 


ምክትል ፕሬዜዳንት ጊ/ም/ት ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ  ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 9/2017 ዓ.ም " ዋዕላ ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ " ብዝብል መሪሕ ቃል ዘረባ እንትኸፈቱ  ከምዝበልዎ : ሓደ ዕማም ጊዚያዊ ምምሕዳር ንመረፃ ዝኸውን  ናብ ምችው ሃዋሁ ምፍጣር እዩ  ። 

"ህዝቢ ትግራይ ብጊዚያዊ መንግስቲ እናተመሓደረ ኣይነብርን : ዋላ እውን ንፁር ጊዜ ኣይቀመጥ ብመረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ ክህሉ እዩ : " ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን  ገ/ትንሳኤ " ሚድያታት  ህዝቢ ብቑዓት መራሕቱ ንምምራፅ ዘኽእሎ ፍልጠት ኣብ ምስናቕ ተኸታታሊ ስራሕ ክሰርሓ ኣለዋ " ኢሎም።

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Oct, 19:12


"ንተወ"  እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ትግራይ
ሒሳብ ቁፅሪታት QR code
ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ
Tigray Emergency Response 

Commercial Bank of Ethiopia 
ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ
1000592420809
Lion International Bank
ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ
00112180095-49
Wegagen Bank 
ባንኪ ወጋገን 
1001077411101
Bank of Abyssinia 
ባንኪ ኣቢሲኒያ 
ACCOUNT NUMBER:-168456247
SWIFT ADDRES:-ABYSETAA
Awash international Bank
ባንኪ አዋሽ ኢንተርናሽናል 
013071268531000
Dashen Bank
ባንኪ ዳሽን
5013033335011
Hibret Bank
ባንኪ ሕብረት
2020713653189014
Dedebit micro finance
ደደቢት ማይክሮፋይናንስ
1007173446
Adeday microfinance 
ኣደዳይ ማይክሮፋይናንስ
01-02-61-00-01
ተጠቐሙ ኢሉ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ። 
 @tikvahethiopiatigrigna

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

18 Oct, 19:12


"ንተወ" ብዝብል መሪሕ ቃል ንሰንበት 10 ጥቅምቲ 10/ 2017 ዓ.ም ዝካየድ እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ብፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦን ድጋፍ ደብዳበን ረኺቡ። 

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግአት ሓደጋ ፌደራል ጥቅምቲ 7 /2017 ዓ.ም ንምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ፌዴሪኢ ብግልባጭ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እቲ ፀገማት ትግራይ ንምቅላል ዓሊሙ ብሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝካየድ ቴሌቶን " ቅቡልን ሃገራዊ ድጋፍ ክግበረሉ ዝግባእን እዩ " ኢሉ። 

ምምሕዳር ክልላት ከተማታት ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን ክሳተፍሉ ፃውዒት ዝቐረበ እቲ ድጋፍ ደብዳበ ፣ ብዓቕሚ ውሽጢ ዝካየድ ምድግጋፍ ኩሉ ክዓስለሉ ከምዝግባእ አስሚሩሉ።

"ንተወ !" ብዝብል መሪሕ ቃል ሰንበት ጥቅምቲ 10 / 2017 ዓ.ም በማዕኸናት ዜና ትግራይ ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ውሽጥን ደገን ናብ ዝርከቡ ትግራዎትን ደገፍቲ ትግራይን ክቃላሕ መደብ ዝተትሓዘሉ ቴሌቶን : ኩሉ በብዓቕሙ ክዓስለሉ ብርክት ዝበሉ ወገናት ረዘንቲ መልእኽታት ኣብ ምሕላፍ ይርከቡ።