Tigrai Television

@tigrai_ttv


Tigray Television is a media which disseminates news and programs world wide via Television, Radio and Website.

Tigrai Television

21 Oct, 18:13


https://youtube.com/live/Estg1qyjOw4

Tigrai Television

21 Oct, 18:12


https://youtu.be/GGxwe_b4ccQ

Tigrai Television

20 Oct, 18:21


https://youtube.com/live/_vLT9i0pbEg

Tigrai Television

20 Oct, 16:24


https://youtube.com/live/MylbyZ1--XE

Tigrai Television

20 Oct, 15:50


https://t.me/Tigrai_Ttv/12189

Tigrai Television

20 Oct, 15:50


https://www.facebook.com/share/p/smuu9WPVMSwRd8zY/

Tigrai Television

20 Oct, 15:48


https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=pfbid033SmADp5wmdAzkdjfjpsBWNHYKTPxQoS1mPS6gGq6mrxLo63P3Q6437zDmEVdEVsGl&id=100068990923111&sfnsn=mo&mibextid=RUbZ1f

Tigrai Television

20 Oct, 15:46


https://tigraitv.com/ኣብ-ዝሓለፈ-ወርሒ-7-ሰባት-ብሕማም-ኩላሊት-ሂ/
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 7 ሰባት ብሕማም ኩላሊት ሂወቶም ሓሊፉ 4 ድማ ሰኣን ገንዘብ ሕክምና ኣቋሪፆም-ማሕበር ሕሙማት ኩላሊት ትግራይ

Tigrai Television

20 Oct, 15:42


ምህርቲ ሓረስታይ ትግራይ ብእዋኑ ናብ ቆፎ ክኣቱ ህዝቢ ትግራይ ነንባዕሉ ክትሓጋገዝ ይግባእ_መራሕቲ ሃይማኖት

መቐለ፥10 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዝበፅሑ ዝራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ዝናብን ካልኦት ባልዓትን ከየርክብቦ ዘዝቐደመ ብምዕፃድ ናብ ቆፎ ንክኣቱን ህዝቢ ትግራይ ነንባዕልቱ ክትሓጋገዝ ይግባእ ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣገንዚቦም።

ኣብ 2016 ዓ/ም ቀሊል ዘይብሃል ዝራእቲ ኣደዳ ዝናብ ኮይኑንን ብዙሕ ፀገም ኣብቲ ሕ/ሰብ ኣስዒቡን እዩ ዝበሉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስቲራሊያ ብፅዕ ኣቡነ ሰላማ እዚ ፀገም ሎሚ ዘበን ከይድገም ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀር ህዝቢ ብሓደጋ ጥሜት እናተገረፈን እናሞተን ኣብዘለሉ እዋን ልዕሊ ዓቐን ተስካር፣ መርዓን ካልኦት ድግሳትን ብምግባር እኽለማይ ምፍሳስ ከም ህዝቢ ተወሳኺ ሓደጋ ሞት ከጋጥም ምእዋጅ እዩ ዝበሉ ስራሕ መካየዲ ሃገረ ሰብከት ዞባ መቐለ መልኣከ ብርሃናት ገ/ሰላሴ ሕሸን ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ንቡረ ኢድ ተስፋይ እንትኾኑ ሕ/ሰብ እዚ ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ ክብሉ ሚዒዶም።

ብፍላይ ብትእዛዝ መራሕቲ ሃይማኖት ዝካየዱ ድግሳት ንምንካይ በቢ ከባቢኡ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ወፂኢ ዝኸይድ መራሒ ሃይማኖት ስጉምቲ ከምዝወስደሉ ድማ ኣገንዚቦም።

#ብሂዎት_ሽበሺ

Tigrai Television

20 Oct, 15:42


https://www.facebook.com/share/p/r74YhcmWftANr4Xv/

Tigrai Television

20 Oct, 15:41


https://studio.youtube.com/video/3Fo2TUjVvEQ/livestreaming

Tigrai Television

20 Oct, 15:41


https://youtube.com/live/3Fo2TUjVvEQ

Tigrai Television

20 Oct, 15:40


ሰኣን ምዕሩይ ምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ተጠቃሚ ሃፍቱ ከይኸውን ተገይሩ እዩ- ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
መቐለ፥ 10 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳሮ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ዅነታት እንተሃለወ እኳ ፀገምና ልዕሊ ዓቕምና ከም ዘይኮነ ክተረጋግፁ ዝመፃእኹም ኵሉኹም ከመስግን ይደሊ ኢሎም።
እቶም ፕረዚደንት ነዚ ዝበሉ "ንተወ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ እዩ።
ዘለናሉ ዅነታት ትውይ ኢልና ንተዓዘብ ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ እዚ መድረኽ፣ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ሕቱኽቱኻት ገዲፍና ኣብ ፀገማትና ኣድሂብና ብስምረት እንተንሰርሕ ነይርና ብዙሓት ፀገማት ምፈታሕና ነይርና ዝብል ጣዕሳ ዝፈጥርን ንባዕልና ንግምግመሉን መድረኽ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ብዙሓት ማሕለኻታት ተፃዊሮም ፀገማት ህዝቢ ክፈትሑ እናፀዓሩ ንዝመፅኡን ነዚ መድረኽ ንዘዳለዉን ኣባላት ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣመስጊኖም።
ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ብዝበዛ ወርቂ ዝረኸቦ ገንዘብ ከም ዘየለ ብምሕባር ሰኣን ምዕሩይ ምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ተጠቃሚ ሃፍቱ ከይኸውን ከም ዝተገበረ ገሊፆም።
ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ክሳዕ ሕዚ ንዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ፌዴራል መንግስቲ ንቕድሚት ሓገዛቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም።
ዓቕምናን ዓቕሚ ፈተውቲን መሓዙትን ህዝቢ ትግራይ ተጠቒምና ቀልጢፍና ናብ ምሉእ ሕውየት ክንኣትወሉ ንኽእል ዅነታት ክንፈጥር በዚ ኣጋጣሚ ይፅውዕ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ ንኣካላት ፌዴራል መንግስቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም ኣለዉ።
#ቶማስ_ሓዱሽ

Tigrai Television

20 Oct, 10:04


https://youtube.com/live/c2ZrEtxQktk

Tigrai Television

19 Oct, 17:59


https://youtube.com/live/ZSD0BhFQq1E

Tigrai Television

19 Oct, 17:59


https://youtu.be/jplyw71ZgcU

Tigrai Television

19 Oct, 08:55


ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተወገኑ ስራሕቲ ዘበረታትዑ እዮም ኢሎም።
መቐለ፥ 9 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ዓውዲ ጥዕና ትግራይ 2016 ዓ.ም፣ ቀፀልቲ መደባትን ኣንፈታትን 2017 ዓ.ም ዘተ ጀሚሩ።
ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፣ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማትን ዝተወገኑ ስራሕቲ ዘበረታትዑ ከም ዝኾኑን ነዚ ስራሕ ንምዕዋት ንዅሎም ፀገማት ተፃዊሮም ነቶም ስራሕቲ ንዘዐወቱ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ልዑል ግደ ዘበርከቱ ኣካላትን ኣመስጊኖም።
ፕሮፌሰር ክንደያ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን መደባት ጥዕና ንምዕዋትን ኣብ ዝተገበሩ ስራሕቲ፣ ኣብ ተመዛበልቲ፣ ተላበድቲ ሕማማትን ምቁርራፅ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ካልኦትን ፈተንቲ ብድሆታት ከም ዝነበሩ ሓቢሮም።
ነዞም ስራሕቲ ንምዕዋት ግደ መድረግቲ ኣካላት ልዑል ከም ዝነበረ ዝሓበሩ ፕሮፌሰር ክንደያ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፣ እዚ ዋዕላ ኣበይ ኔርና? ሓዚ ኣበይ ኣለና? ናበይ ንኸይድ ኣለና? ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ሕሉፍ ኣፈፃፅማና ብምዝማድ ክንዝቲ ኢና። ንቀፃሊ ስራሕቲና ድማ መሰረት ዘንፅፍ ዘተ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ዶክተር ኣማኑኤል ድሕሪ እቲ ዋዕላ ድማ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስን ዕግበት ተገልገልቲ ንምርግጋፅን ብሓዱሽ መንፈስ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ዓውዲ ጥዕና ትግራይ 2016 ዓ/ምን ቀፀልቲ መደባት 2017 ዓ.ምን ቅድም ኢሉ ክካየድ ዝነበሮ ከም ዝኾነን ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝተናወሐን ሓቢሮም።

Tigrai Television

19 Oct, 08:54


ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራናን ልምዓትን እንዳሰፍሐ ክኸይድ ይስራሕ ከምዘሎ ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም።
መቐለ፥ 9 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን "ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ" ብዝብል ቴማ ዋዕላ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ልምዓትን ንምስፋሕ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ካብቶም ቀንዲ ውራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓደ ንቀፃላይ መረፃ ምችው ባይታ ምፍጣር ስለዝኾነ ነዙይ ዝሕግዙ ፕሮግራማት ይካየዱ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
እቲ ዝካየድ መረፃ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምስ ተመለሱ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምስ ተረጋገፅን ከምዝኸውን ገሊፆም።
ነዙይ ንምግባር ድማ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ትልሚ ተታሒዙ ዓቅሚ ህዝቢ ትግራይ ንምእካብ ተከታታልቲ ዋዕላታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ኣርዲኦም።
ኣብ ስልጡን ማሕበረሰብ ሚድያ ዘለዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ርኡይ ተራ ንክፃወት ምስራሕ እዩ ኢሎም።
እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ እውን ሓደ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም።
እዙይ ኣብ መቐለ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ድማ ብቀፃሊ ወለዶ ንዝፍጠሩ መራሕቲ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ "ሚድያን ፖለቲካዊ ምሕደራን ትግራይ" እንታይ ይመስል ብዝብል ድማ ብምሁራን መፅናዕታዊ ፅሑፋት እንዳቐረበ ይርከብ።

#ይብራህ_እምባየ