ምህርቲ ሓረስታይ ትግራይ ብእዋኑ ናብ ቆፎ ክኣቱ ህዝቢ ትግራይ ነንባዕሉ ክትሓጋገዝ ይግባእ_መራሕቲ ሃይማኖት
መቐለ፥10 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ዝበፅሑ ዝራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ዝናብን ካልኦት ባልዓትን ከየርክብቦ ዘዝቐደመ ብምዕፃድ ናብ ቆፎ ንክኣቱን ህዝቢ ትግራይ ነንባዕልቱ ክትሓጋገዝ ይግባእ ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣገንዚቦም።
ኣብ 2016 ዓ/ም ቀሊል ዘይብሃል ዝራእቲ ኣደዳ ዝናብ ኮይኑንን ብዙሕ ፀገም ኣብቲ ሕ/ሰብ ኣስዒቡን እዩ ዝበሉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስቲራሊያ ብፅዕ ኣቡነ ሰላማ እዚ ፀገም ሎሚ ዘበን ከይድገም ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀር ህዝቢ ብሓደጋ ጥሜት እናተገረፈን እናሞተን ኣብዘለሉ እዋን ልዕሊ ዓቐን ተስካር፣ መርዓን ካልኦት ድግሳትን ብምግባር እኽለማይ ምፍሳስ ከም ህዝቢ ተወሳኺ ሓደጋ ሞት ከጋጥም ምእዋጅ እዩ ዝበሉ ስራሕ መካየዲ ሃገረ ሰብከት ዞባ መቐለ መልኣከ ብርሃናት ገ/ሰላሴ ሕሸን ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ንቡረ ኢድ ተስፋይ እንትኾኑ ሕ/ሰብ እዚ ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ ክብሉ ሚዒዶም።
ብፍላይ ብትእዛዝ መራሕቲ ሃይማኖት ዝካየዱ ድግሳት ንምንካይ በቢ ከባቢኡ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ወፂኢ ዝኸይድ መራሒ ሃይማኖት ስጉምቲ ከምዝወስደሉ ድማ ኣገንዚቦም።
#ብሂዎት_ሽበሺ