Dedebit Media

@dedebitmedia2

Media company

Dedebit Media

22 Oct, 14:42

https://youtu.be/KTvUgSIwxmY

Dedebit Media

22 Oct, 14:15

https://tigraiacademy.com/2024/10/23/%e1%89%a5%e1%8b%9b%e1%8b%95%e1%89%a3-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a5%e1%8b%8b%e1%8a%95-%e1%8c%a5%e1%8a%95%e1%88%b2-%e1%8b%98%e1%8c%8b%e1%8c%a5%e1%88%9d-%e1%88%8d%e1%8b%91%e1%88%8d-%e1%8d%80%e1%89%95/

Dedebit Media

22 Oct, 14:13

ሓፀርቲ ዜናታት ደደቢት ሚድያ!!!
*****
@ምጅማር ፕሮጀክት ውሕስና ምግቢን ሓለዋ ህፃናትን ክንክንን ዕላዊ ዝገብር መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ

@ኣብ ወረዳ ሓውዜን ንስድራ ስውኣትን ዓቅሚ ንዘይብሎም ወገናትን ወፍሪ ሓገዝ ዓፂድ ተሳሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣፍሊጡ።

@ዝማዕበላ ሃገራት ንሓለዋ ተፈጥሮ ትፅቢት ዝግበረለን ገንዘብ ንክኸፍላ ፃውዒት ቀሪቡ።

@ኤርትራ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ።

@ናይ ሩስያ ወትሃደራዊት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብ ሱዳን ብተወንጫፊ ተወቒዓ።

12 ጥቅምቲ 2017 ኣ/ግ
መቐለ
ብኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ደደቢት ሚድያ ይረኽቡና!!
****
ዩቱብ/YouTube: https://www.youtube.com/@DedebitMediaOfficial
ፌስቡክ/Facebook (Mekelle Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMediaStudio2
ፌስቡክ/Facebook (Australia Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMedia
ቴሌግራም/ ፡ https://t.me/dedebitmedia2
ዌብሳይት/Website፡ https://dedebit.org/
ትዊተር/Twitter፡ https://twitter.com/dedebitmedia
ራምብል/Rumble፡ https://rumble.com/c/DedebitMedia

Dedebit Media

22 Oct, 12:24

ቦርድ_መረፃ ወሰኽ ክፍሊት ጌሩ!!!
*******
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ጌረዮ ኣብ ዝበሎ ወሰኽ ክፍሊት ሃገር ለኸን ክልልን ፓርቲታት ምሰስክር ወረቐት ጊዚያዊ ምዝገባ ንምርካብ ዝኸፍልዎ ዝነብሩ ብር 100 ናብ 15 ሽሕ : ሙሉእ ኣፍልጦ ንምርካብ ዝኸፈል ዝነበረ ብር 200 ናብ 30 ሽሕ : ሰነዳት ብጉባኤ ተማሓይሹ ክቐርብ ዝኽፈል ዝነበረ ብር 30 ናብ 5 ሽሕ ብር :ሓፍ ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
12 ጥቅምቲ 2017 ኣ/ግ
መቐለ
ብኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ደደቢት ሚድያ ይረኽቡና!!
****
ዩቱብ/YouTube: https://www.youtube.com/@DedebitMediaOfficial
ፌስቡክ/Facebook (Mekelle Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMediaStudio2
ፌስቡክ/Facebook (Australia Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMedia
ቴሌግራም/ ፡ https://t.me/dedebitmedia2
ዌብሳይት/Website፡ https://dedebit.org/
ትዊተር/Twitter፡ https://twitter.com/dedebitmedia
ራምብል/Rumble፡ https://rumble.com/c/DedebitMedia

Dedebit Media

22 Oct, 12:18

መዕበዪ ዓቕሚ ስልጠና ንሰብ ሞያ ምክልኻልን ምጽራይን ገበን!!!
*******
ብምትሕብባር ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይን ንሰብ ሞያ ምክልኻልን ምጽራይን ገበን ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና መዕበዪ ዓቕሚ ይወሃብ ኣሎ
እቲ ብምትሕብባር ክልቲኦም ኣካላት ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ካብ ሓሙሽተ ዞባታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጸርን ዶባትን ካብ ዝርከባ ወረዳታት ንዝተወከሉ ኣባላት ፖሊስ ኣብ “ስልጣን ፖሊስን ሰብኣዊ መሰልን” ዛዕባ ገይሩ ዝወሃብ ዘሎ እንትኸውን ንተኸታታሊ ክልተ መዓልትታት ከም ዝጸንሕ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ስልጠና ብተወካሊ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ገዛኢ ገብረሕይወትን ተወከልቲ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ብዕሊ ተኸፊቱ።

12 ጥቅምቲ 2017 ኣ/ግ
መቐለ
ብኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ደደቢት ሚድያ ይረኽቡና!!
****
ዩቱብ/YouTube: https://www.youtube.com/@DedebitMediaOfficial
ፌስቡክ/Facebook (Mekelle Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMediaStudio2
ፌስቡክ/Facebook (Australia Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMedia
ቴሌግራም/ ፡ https://t.me/dedebitmedia2
ዌብሳይት/Website፡ https://dedebit.org/
ትዊተር/Twitter፡ https://twitter.com/dedebitmedia
ራምብል/Rumble፡ https://rumble.com/c/DedebitMedia

Dedebit Media

22 Oct, 12:12

ቴሌቶን "ንተወ" እጃም ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን እዩ!!
******
ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ሕልኽላኽን ቅልውላውን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ፣ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ዘስዓቦም ከበድትን መስካሕከሕትን ፀገማት ንምፍታሕ ምትእኽኻብ እቶት ቴሎቶን ብዕሊ ጀሚሩ ኣሎ።

ብፍላይ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ እኹል ሓገዝ ክረክብ ፣ ብሓፈሻ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝብና ንምፍታሕ ዝዓለመ ቴሌቶን "ንተወ" ኣዳለውቲ እቶት "ንተወ"ን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዓለም ለኸ ሆቴል ኖርዘርን ስታር ከምዝፈለመ ይዝከር ።

ቀንዲ መልእኽቲ “ንተወ” ንህዝብናን ዓድናን ምልስ ኢልና ንርአ፣ ንህዝብና ብህፁፅ ንብፀሓሉ፣ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰንበት ጥቅምቲ 10/ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ዓብዪ ዓለም ለኻዊ መድረኸ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ኩሉ ትግራዋይ፣ ፈተውቲ ትግራይ ፣ ኩሎም ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዞም ከበርክቱ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ እዩ ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ዝተፈጠረ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላውን ሱር ዝሰደደ ከቢድ ስእነት ስራሕን ካልኦት መሰረታዊ ፀገማትን ንምፍታሕ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝጀመሮ ውጥን ምትእኽኻብ እቶት ተስፋ ዝህብ እዩ።

ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ምትእኽኻብ እቶት "ንተወ" ሓደ ቢልዮን ብር ንምእካብ ዝዓለመ እንትኾን፥ ጥቅምቲ 10/2017 ዓ.ም.ኣብ ዝነበረ ዕላዊ መኽፈቲ ምትእትታው እቶት 2 ሚኢትን ሓደን ሚልዮን ብር ተረኺቡ እዩ።

ኣብቲ ዕለት ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 130 ሚልዮን ብር ከምዝለገሰ ንምፍላት ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዜጋታት ተፀበይቲ ሓገዝ ምህላዎም ዝረኽብናዮም ሓበሬታታት የመላኽቱ።

እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዘስዓቦ ቅልውላው፣ ድሕሪ'ቲ ደማውን መስካሕክሕን ኲናት ዝቐፀለ ድርቅን ጥሜትን፣ ከምኡ'ውን ካልኦት ተዛመድቲ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማትን ምኽንያት ኣብ ትግራይ መጠን ሓገዝ ዝጠልቡ ዜጋታት ተጋዲዱ ቐፂሉ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ካብ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህፁጽ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ፥ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝወሃብ ሓገዝ ንኩሉ ዘይበፅሕን ኣብዚ እቶ ዝበሃል ከምዘይኮነ በቢ ግዜኡ ዝወፁ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ናይቲ ህዝቢ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ከምዘጋደዶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቛቛመ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ይገልፅ። ብምዃኑ ድማ ካብ ዘለዎ ቅድሚ ምግዳዱ ህፁፅ ምላሽ ምሃብ ከምዘድሊ እቲ ሓይሊ ዕማም ይሕብር።

ካብ ኣተሓባበርቲ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው እናገደደ እምበር ፍታሕ እናረኸበ ዘይምዃኑ ይገልፁ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጥምየት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ንምቅላል ዝዓለመ መተኣኻኸቢ እቶት ጥቅምቲ 10/2017 ጀሚሩ ነቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ተጠናኺሩ ቀፂሉ'ሎ።

ጸገም ህዝቢ ትግራይ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዝኽእል ዕድል ኳ እንተሃለወ፣ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ጉድለት ዘለና ሃፍቲ ፀገማት እናፈትሐ ዘይኮነስ ፀገም እናፈጠረ እዩ ዝበሉ ምምሕዳር ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ፕሬዝደንት አይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፥ ምምሕዳር እዚ ክልል ብቢልዮናት ዝግመት ናይ ወርቂ ሃፍቲ ካብ ዘውፅኡ ኣካላት ዋላ ሓደ ኣታዊ ከምዘይተረኸበ ሓቢሮም እዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወሲኾም ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ 17 ቢልየን ብር ዝዋግኡ ወርቂ ካብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ዝርከበላ ትግራይ እያ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው፣ ከም መንግስቲ ካብዚ ሃፍቲ እዚ እዩ ዝበሃል ጥር ትብል ሳንቲም ኣይረኽብናን ክብሉ ገሊፆም ኣለዉ።

ከም ዘረባ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ቀንዲ ዘይረኸብሉ ምኽንያት ድማ ምሕደራዊ ከይድታት ምምሕያሽ ዘይምኽኣል፣ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካ ዘይምፍጣሮም ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ክንዲ ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ፣ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ክትሓላለኹ ዝግበረሉ ኩነታት ከምዘሎ እዮም ሓቢሮም።

መተሓባበርቲ ምትእኽኻብ እቶት "ንተወ" ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝቕፅል ገሊፆም ኣለዉ።

ኣብዚ ጉዳይ ብዛዕባ እዚ ቴሌቶን ዘለዎም ሓሳብን ትዕዝብትን ክገልፁ ዝሓተትናዮም ነበርቲ ከተማ መቐለ ርኢቶ ዝሃቡ እንትኾን፣ ኩሉ ግዜ ንዝተፀገሙ ወገናት ብሚልዮናት ገንዘብ ምስተዋፅአ ብትኽክል ዘይባፅሐሉ ኩነታት ከምዘሎ እዮም ገሊፆም።

እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምትእኽኻብ እቶት ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብትኽክል ናብ ፅጉማት ክባፃሕን ካብ ጎሓላሉ ክሕሎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ገብረሃና ኣየለ
12 ጥቅምቲ 2017 ኣ/ግ
መቐለ
ብኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ደደቢት ሚድያ ይረኽቡና!!
****
ዩቱብ/YouTube: https://www.youtube.com/@DedebitMediaOfficial
ፌስቡክ/Facebook (Mekelle Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMediaStudio2
ፌስቡክ/Facebook (Australia Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMedia
ቴሌግራም/ ፡ https://t.me/dedebitmedia2
ዌብሳይት/Website፡ https://dedebit.org/
ትዊተር/Twitter፡ https://twitter.com/dedebitmedia
ራምብል/Rumble፡ https://rumble.com/c/DedebitMedia

Dedebit Media

22 Oct, 12:09

ሕቶ ሰራሕተኛታት መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ!!!
******
ልዕሊ 150 ሰራሕተኛታት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ብሰላማዊ አገባብ ሎሚ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ሕቶ መሰል ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ኣቕሪቦም።

ኣብ'ቲ ትካል ክሳብ 20 ሰዓት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እኳ እንተለው ፃመኦም ከምዘይረኽቡ :ዝሰርሑዎ ስራሕን ዝወሃቦም መሃያን ከምዘይመጣጠን :ረፋድ ጥቅምቲ 12/2017 ዓ.ም ብእኩብ ካብ ትካሎም ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምት ዘምርሑ እቶም ሰራሕተኛታት ደንጉዩ እውን እንተኾነ ጊዚያዊ ምላሽ ረኺቦም።

ነቶም ሰራሕተኛታት ምላሽ ዝሃቡ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትእምት ተኽለወኒ ገ/መድህን "ቀፃሊ ዓርቢ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ትእምት ብሓባር መፂእና ጥርዓንኩም ክንሰምዐኩም ኢና" ብምባል ኣፈንዮምዎም።

12 ጥቅምቲ 2017 ኣ/ግ
መቐለ
ብኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ደደቢት ሚድያ ይረኽቡና!!
****
ዩቱብ/YouTube: https://www.youtube.com/@DedebitMediaOfficial
ፌስቡክ/Facebook (Mekelle Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMediaStudio2
ፌስቡክ/Facebook (Australia Studio) ፡ https://www.facebook.com/DedebitMedia
ቴሌግራም/ ፡ https://t.me/dedebitmedia2
ዌብሳይት/Website፡ https://dedebit.org/
ትዊተር/Twitter፡ https://twitter.com/dedebitmedia
ራምብል/Rumble፡ https://rumble.com/c/DedebitMedia

Dedebit Media

22 Oct, 11:59

https://youtu.be/-inKygmkow8

Dedebit Media

22 Oct, 10:03

https://youtu.be/L7PUbH42kis

Dedebit Media

22 Oct, 09:14

https://dedebit.org/archives/23836

Dedebit
Ayder Referral Hospital Appeals for Urgent Humanitarian Assistance - Dedebit

Dedebit Media

22 Oct, 09:13

https://tigraiacademy.com/2024/10/22/%e1%88%b5%e1%8b%b0%e1%89%b5-%e1%88%98%e1%8a%95%e1%8a%a5%e1%88%b0%e1%8b%ab%e1%89%b5-%e1%89%b5%e1%8c%8d%e1%88%ab%e1%8b%ad%e1%8d%a1-%e1%88%85%e1%8b%ad%e1%8b%88%e1%89%b0%e1%8b%ad-%e1%8a%95/