ስንክሳር ብትግርኛ @snksartigrinyaaamealtawi Channel on Telegram

ስንክሳር ብትግርኛ

@snksartigrinyaaamealtawi


ገድለ ቅዱሳን ብትግርኛ ዝቐርበሉ ቻናል

ስንክሳር ብትግርኛ (Amharic)

የስንክሳር ብትግርኛ ቻናል እናመሰግናለን! ይህ በትግርኛ በተግባር ለማግኘት የሚያመልኩ ሰዎች እና ቢሮዎች ከሌሎች በተግባር ማውጣት የተዘጋጀ መረጃዎችን እንዲለወጥ ነው። ይህ ቻናል በከፍተኛ እና ጥቅም የተጠቀሱትን የቻናል መረጃዎችን ለመማጸን መቆጣጠር እና መረጃዎቹን ሊከታታል ይችላል። የበጎች እና መሸጥ የዕድሜ መግቦች ማስተማርም ከፍተኛ ነው። በቻናል ያሉ መረጃዎችን ለማውረድ በመዘገብ ስንክሳር ብትግርኛ የሚኰነንባት ልዩ መረጃዎች እንደሚሰላም ይሰጣል።

ስንክሳር ብትግርኛ

07 Jan, 09:48


✟✟✟ ፳፱ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ በዓለ ልደት ክቡር ✟✟✟

፳፱ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓቢዪ፣ ክቡርን ቅዱስን ፡ ልዕሊ ኹሎም በዓላትን ዝኮነ በዓለ ልደት ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። መምህራን ቤተክርስቲያን አቦታትና በዓለ ልደት ንክልተ መዓልትታት ንከኽብሩ ተስማዕሚዖም እዮም። እቲ ዳሕረዋይ ለይቲ 28 ታሕሣሥ ፡ ቀትሪ ድማ 29 ታሕሣሥ እዩ። ጳጕሜን 6 እንትኸውን ድማ ቀትሪ 28 ታሕሣሥ ይኽበር። ሐሙሽተ እንትኸውን ግን ቀትሪ 29 ታሕሣሥ እዩ ዝኽበር። በዚ መልክዕ መምህራን ቤተክርስቲያን አቦታትና በዓለ ልደት ንክልተ መዓልትታት ንክኽበር ተስማዕምዑ።

ብዛዕባ በዓለ ልደት ክቡር ቅዱስ ወንጌል ከምዚ ይብል፡

ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮዶስ አብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ ፡ እንሆ ፡ ሰብ ጥበብ ፡ እቲ እተወለደ ንጉሥ አይሁድ አበይ አሎ፧ ኰዀቡ አብ ምብራቕ ርኢና እሞ ፡ ክንሰግደሉ መጺእና" ፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም መጽኡ።
ንጉሥ ሄሮዶስ ሰሚዑ ደንገጸ፡ ኵላ የሩሳሌም እውን ምስኡ ደንገጸት።
ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍቲ ህዝብን አኪቡ ፡ "ክርስቶስ አበይ እዩ ዚውለድ፧" ኢሉ ሐተቶም።
ንሳቶም ከዓ ፡ ""አቲ ቤተ-ልሔም ምድሪ ይሁዳ ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኽወጽእ እዩ እሞ ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ አይትንእስን"" ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ አብ ቤተ-ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ፡" በልዎ። ድሕር እዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም ፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ አጸቢቑ ተረድአ።

ናብ ቤተ-ልሔም ድማ ሰደዶም ፡ "ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን አርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ፡ ኣነ ኸዓ መጺኤ ኽሰግደሉ ፡ አፍልጡኒ" በሎም። ንሳቶም ከዓ ካብ ንጉሥ እዚ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ ፡ እቲ አብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ አብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረአይዎ ፡ አአዝዮም ብዙሕ ሓጎስ ተሐጎሱ።
ናብ ቤት አትዮም ፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም አዲኡ ርአይዎ ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርቤን ገጸ በረኸት ሀብዎ። ናብ ሄሮዶስ ንኸይምለሱ ፡ መልአኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ ፡ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ፡ ኢሳይያስ

"ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን አማኑኤል ክትሰምዮ እያ። ትርጓሜኡ ድማ ፡ እግዚአብሔር ምሳና ኮነ ማለት እዩ።" ትንቢት ተናገረ።

ሕዝቅኤል እውን
"ድሕር እዚ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ኸኣ እያ።
እግዚአብሔር ድማ በለኒ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ አይትከፈት፣ ሰብ እውን አይእተዋ። እግዚአብሔር አምላኽ እሥራኤል አትዩላ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።" በለ

ዳንኤል እውን

"ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸዓ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ አይክትጠፍእን እያ።"

ካልኦት ዓበይቲን ደቂቀ ነቢያትን ፡ ናይ ቃል ነቢያት እንተይተረፈ ብዙሕ ትንቢት ዝተናገሩላ መዓልቲ እያ።

ቤዛ ይስሐቅ ዝኾነ በጊዕ አብ ሕቱም ጕንዲ ዕፀ ሳቤቅ ከም ዝተረኽበ፡ ንእሥራኤል አብ በረኻ ካብ ሕቱም ኰኹሒ ማይ ከም ዝወሓዘ ፡ ዝነቐጸት በትረ አሮን ፡ ጠጢዓ ከም ዘፍረየት ፡ አብ ኢድ ሶምሶን ካብ ሕቱም መንከስ አድጊ ፡ ማይ ከምዝወሓዘ፤ ከምኡ እውን ልደት ጎይታና ብሕቱም ድንግልና እዩ።
አብ ልዕሊ ዕፀ ጳጦስ እሳት ከም ዝነደደ ፡ ነገር ግን ዕፀ ጳጦስ ከምዘይወዐየት ፡ ከምኡ እውን እሳተ መለኮቱ ንድንግል አየውዐያን።

ንዕኡ ድማ ክብርን ፡ ስብሐትን ፡ ስጊድን አኰቴትን ፡ ምስ ሕያዋይ አቡኡን ማሕየዊ መንፈስ ቅዱስን ይኹን ፡ንዘልዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬያት

ሰለም ለልደትከ እግዚአ ምሕረት ወሣሕል
ላዕለ ኵሉ ፍጥረት ወላዕለ እሥራኤል
እንዘ ይትፌሣሕ አፉየ ብጽድቀ ዝንቱ በዓል
ለኂሩትከ አኰቴት አወስእ በቃል
ወለመንግሥትከ ስብሐት ይብል።

ሰላም ለልደትከ ጥንተ ኆኅያት አልፋ
በከርሠ ማርያም ድንግል ርስሐተ ዓለም ዘኢለከፋ
እምኂሩትከ መዋዒት ዘኢይትረከብ ሱታፋ
በገዳመ ልብ ዘምእመናን እምጽንፋ እስከ ጽንፋ
ምሉአ ትፍሥሕት አኅደርከ በተሥፋ።

ሰላ ለልደትከ እሳተ መለኮት በላዒ
እም ልምልምት ዕፅ እንተ ኢትውዒ
ስብሐተ ልደትከ ዝንቱ ኀበ ያስተርኢ
በወይነ ማኅሌት እንተ ይቀድሖ ገዛኢ
ትኩዝ ይትፌሣሕ ወሕሙም ይጥዒ።

ነገሥተ ሳባ ወዓረብ ጋዳ ያመጽኡ በኃሢሥ
ወያበውኡ አምኃ ነገሥተ ደሰያት ወተርሴስ
ዘትቤ ትካት በእንተ ክርስቶስ
ኀበ ወለደት ድንግል ነአስ
ነዓ ነዓ ዳዊት ንጉሥ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ኢያሱ ነቢይ ፡ ናይ ጻድቕ ንጉሥ አቃርዮስ ፡ ናይ አባ ቆሪል ፡ በዓል ልደት እንተኽብሩ ብኸሓዲ ንጉሥ ናይ ዝተጨፍጨፉ ሰማዕታት አክሚምን መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

05 Jan, 19:44


✟✟✟ ፳፰ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

፳፰ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ በዓለ ጌና ኾነ፤ እዚ ድማ በዓለ ልደት ጎይታና እዩ። እዚ እውን ፡ አምላኽና ብዝረቐቐ ጥበቡ ፡ ኵሉ ሰብ ንኽቑጸርን ብብአስማቶም ንኽምዝገቡን ካብ ንጉሥ ቄሳር ትእዛዝ ንኽወጽእ ኾነ። ስለዚ ድማ ዮሴፍ ፡ ምስኡ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ስሙ ንኸመዝግብ ስም ቡርክት ድንግል ማርያም እውን ንኸመዝግብ ናብ ቤተ ልሔም ደየበ። ንሱ ካብ ወገን ይሁዳን ዳዊትን ስለ ዝኾነ ፤ ቤተ ልሔም ድማ ናይ ዳዊት ቦትኡ ስለ ዝኮነት ናብ ቤተ ልሔም ደየበ። ቅዱስ ወንጌል ምስክር ከም ዝኾነ ድማ ፡አብኡ እናሃለወ እትወልደሉ መዓልቲ በጽሐ። በኹሪ ወዳ እውን ወለደት። ዓባይቶ አጻብዕቱ እውን አሰረቶ። ብአጭርቕቲ እውን ሸፈነቶ። መሕደሪ ዝኸውን ቦታ አይነበሮምን እሞ፤ አብ ደምበ ኸፍቲ አደቀሰቶ።
አብታ ምድሪ እቲኣ ድማ ፡ ብለይቲ ፡ ብብተራኦም ከፍቶም እንትሕልዉ አብ መሮር ዝሐድሩ ጓሶት ነበሩ።
መልኣኽ እግዚአብሔር ከዓ አብ ጥቓኦም ደው በለ ፡ ክብሪ እግዚአብሔር እውን ፡ አብ ዙርያኦም አብርሀ ፡ ብዙሕ ፍርሓት ከዓ ፈርሑ።
እቲ መልኣኽ ድማ፡ "እንሆ ፡ ሎሚ መድሓኒ ፡ ንሱ እውን ክርስቶስ ጐይታ እዩ ፡ አብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበሥረኩም አሎኹ እሞ ፡ አይትፍርሁ፤ ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም ፡ አብ መብልዕ ከፍቲ ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም" በሎም።

ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ "ክብሪ ንአምላኽ አብ ላዕሊ፡ ሰላም ከዓ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም ስምረት አምላኽ ዘለዎም ሰባት" ፡ እናበሉ ንኣምላኽ አመሥገኑ።

እቶም መላእኽቲ ኻብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ ድማ ፡ እቶም ጓሶት ንንሕድሕዶም፥ "እዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤተ-ልሔም ንኺድ" ተበሃሃሉ። ቀልጢፎም እውን ኸዱ ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን እውን አብ መብልዕ ከፍቲ ደቂሱን ረኸቡዎም።

እዚ ምስ ርአዩ ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር አውረዩ። ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ድማ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ነገር ተገረሙ። ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ዅሉ አብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ ዝተባህለሎም ፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝርአይዎን ኵሉ ንአምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።

ሰብ ኮይኑ ንዝጎብነየናን ይቕረ ንዝበለናን እግዚአብሔር
ንዘለዓለመ ዓለም ምሥጋና ይኹን ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለበዓለ ጌና ዘኢኮነ ንትጋ
እምልደተ ክርስቶስ ሰዓተ ጸጋ
እስመ አልጸቀት ወበጽሐት ከመ ትለዶ በሥጋ
ዮም ለተጽሕፎ ምስለ ብዙኃን እንግልጋ
ሀገረ ዳዊት ማርያም ዐሪጋ፡፡

✟✟✟ ሰማዕታት ሀገረ እንዴናው ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ 150 ሰብኡን ፡ 24 ድማ አንሽቲ አብ ሀገረ እንዴናው ሰማዕትነት ተቐበሉ። እዚኣቶም ድማ አቐዲሞም ከሐድያን ዝነበሩ እዮም። መኰንን ንጳውሎስ ሶርያዊ እንተሳቕዮ እንተሎ ድማ አብኡ ነበሩ እሞ ፡ ኵሉ ነገር ይርእዩ ነበሩ። እቲ መኰንን ብዘረሰኑ ሚስማራት ፡ አዕይንቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሶርያዊ ንኽመልሑ አዘዘ እሞ ፡ አገልገልቱ ድማ ትእዛዞም ፈጺሞም ነዚ ቅዱስ ናብ ቤት ማእሠርቲ ደርበይዎ። ብጽባሒቱ እንተኸዱ ግን ፡ ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ፡ ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝፈወሶ ፡ ምንም እንተይኮነ ጥዑይ ኮይኑ ረኸብዎ። ብድሕሪ እዚ አአዝዮም ተደነቑ። ጣዖታቶም ምንም ክገብሩ ከም ዘይኽእሉ እውን ተረድኡ። ሽዑ ናብ ቅዱስ ጳውሎስ ሶርያዊ ከይዶም አብ እግሩ ወደቑ ፤ ንሱ እውን መረቖም፤ "ምስ ሰማዕታት ይደምርኩም!" እውን በሎም።

ብድሕሪ እዚ ፡ ናብቲ መኰንን ብምኻድ ፡ ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ፡ ብስም ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ ተአመኑ። እቲ መኰንን ድማ አራእስቶም ንኽቖርጽዎም አዘዘ። አራእስቶም እውን ቆረጽዎም። አኽሊል ሰማዕትነት ድማ ተቐበሉ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ሰማዕታት ይምሓረና ፡ በረከቶም እውን ምስ ኵልና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ማኅበራነ ዕደው ወአንስት
ዘኮንክሙ ስምዐ ዘበሃይማኖት
ነጺረክሙ ገሀደ ግብረ ጳውሎስ ሰማዕት
እምድኅረ መልሕዎ ዐይኖ በዓውደ መኰንን መስሕት
ከመ ኅብረ ገጹ ብሩህ ወዐይኑ ክሡት፡፡

✟✟✟ አርእስተ አበው ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አርእስተ አበው አብርሃም፣ ይስሐቅን ያዕቆብን መዘከርታኦም እዩ፤ በረከቶም ድማ ምሳና ይኹን ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ክቡራን ዕደው
እም ዕጓለ እመሕያው
አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ ዘዝክርሙ ፍትው
እም ሥጋክሙ መዋቲ ከመ ሥጋ ኵሉ አበው
በሀገረ ዳዊት ዮም ተወልደ ሕያው፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

04 Jan, 18:47


✟✟✟ ፳፯ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ተዝካረ ስቅለቱ ለመድኀኒነ ✟✟✟

፳፯ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት አብ መስቀል ዝተሰቐለሉ በዓለ ስቅለት ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ። ይቅርታኡን ምሕረቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ዘመልታሕቴከ ጽፍዓተ
ወዘርእስከ ኵርዓተ
ኢየሱስ ክርስቶስ ኖላዌ ሕይወትየ አንተ
እንበለ አሥምርከ ኢታሙተኒ ሊተ
ተማኅጸንኩ በሥጋከ በመስቀል ዘሞተ።

✟✟✟ አቡነ አብሳዲ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ኤጲስቆጶስ ላዕላይ ግብጺ ፡ አቡነ አብሳዲ ብሰማዕትነት አዕረፈ። አብ እዋን ዘመነ ሰማዕታት ዓበይቲ ዝኾኑ ናይ ላዕላይ ግብፂ ኤጴስ ቆጶሳት አባ አብሳዲን አባ ኒቆላዎስን ክብሪ ይብጽሐዮ እሞ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ዝኾነት ዝቐንዐት ሃይማኖት ንምእመናን የጽንዕዎም ከም ዘለዉን አምልኾ ጣዖታት እውን ይስዕሩ ከም ዘለዉን ንጉሥ ዲዮቅልጢያኖስ ዜናኦም ሰምዐ። መልእኽተይናታቱ ልኢኹ ድማ ናብኡ ንኽመጽኡ ገይሩ ፅኑዕ ብዝኾነ ስቓይ አሳቐዮም። ቅዱስ አብሳዲ ከዓ ነቶም መልእኽተይናታት ንጉሥ ንሐንቲ መዓልቲ ጥራሕ ንኽዕገሥዎ ለመኖም። እሺ ምስ በልዎ ድማ ቅዳሴ ቀዲሱ፣ ንምእመናን ሥጋኡን ደሙን አቐቢሉ፣ አብ ሃይማኖቶም ንኽጸንዑ ምሂሩ፣ ብሰላምታ ተሰናቢቱዎም ነፍሱ አብ ኢድ እግዚአብሔር ገዲፉ ምስ እቶም መልእኽተይናታት ናብ መኰንን እንዴናው አርያኖስ ከደ።

እቲ መኰንን ድማ ገፅ አባ አብሳዲ ምስ ረአየ ፡ ካብ አርአያኡን ካብ ግርምኡን ዝተልዓለ ተደነቐ፣ ራሕረሐሉ እውን እሞ ከምዚ በሎ። "አታ ክቡርን በዓል ግርማን ሰብ ንነፍስኻ ሕዘነላ ናይ ንጉሥ ቃል እውን ስማዕ"
ቅዱስ አብሳዲ ድማ "አነስ ናይ ንጉሥ ትእዛዝ ሰሚዐ ንመንግሥተ ሰማያት በዚ ሐላፊ ጠፋኢ ዓለም አይልውጥን" በሎ። አብ መንጎኦም እውን ብዙሕ ቃለ ሞልልስ ገበሩ። ካብታ ሠናይ ዝኾነት ምኽሩ (ሐሳቡ) ዘይምለስ ምስ ኮነ ድማ፣ እቲ መኰንን ብመንኰራኵር ንኸሳቕይዎ፣ ናብ እቶን እሳት እውን ንኸእትውዎ አዘዘ። ቅዱስ አባ አብሳዲ ድማ ነዚ ኵሉ ስቓይ ተዓገሠ፤ እግዚአብሔር እውን ብዘይጉድአት ብዳሕና አተንሥኦ። ብድሕሪ እዚ ድማ እቲ መኰንን ርእሱ ንኽቖርፅዎ አዘዘ። አባ አብሳዲ ድማ ነዚ ምስ ሰምዐ ፈጺሙ ተሐጎሰ፣ ልብሰ ተክህኖኡ እውን ለበሰ፣ እእዳዉ ዘርጊሑ ድማ ክሳዱ ንሰይፊ ሃበ። አብ መንግሥተ ሰማያት እውን ናይ ምሥክርነት አኽሊል ተቐበለ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ኤጲስ ቆጶሳት ዘግብፅ
አባ አብሳዲ ወአላኒቆስ አብያፅ
እም ታምልኩ እብነ ወእም ትስግዱ ለዕፅ
ዘአጥባዕክሙ ረዊፀ እንበለ ተዐቅፎ ወዳኅጽ
መንገለ መጥባሕት በሊሕ ወእሳት ብቁጽ።

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አባ ፊልጶስ፣ አባ በግዑ ከምኡ እውን ተፍጻሜተ ሰማዕት ኖላዊ መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Jan, 18:41


✟✟✟ ፳፮ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ ቅድስት አንስጣስያ ✟✟✟

፳፮ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሀገረ ሮሜ ዝኾነት ቅድስት አንስጣስያ አዕረፈት። ነዛ ቅድስቲ ድማ አቡኣ ንጣዖት ዘምልኽ እዩ። አዲኣ ግን ክርስቲያናዊት ነበረት። ነዛ ቅድስቲ ምስ ወለደታ ድማ አቦኣ ከይፈለጠ ብሕቡእ ጥምቀት ክርስትና አጠመቐታ። አቦኣ እንተዝፍልጥ ግን ክተጥምቓ አይምተኽኣላን። ብድሕሪ እዚ ድማ ብጽቡቕ አዕበየታ። ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ማንም ጸባያ ክልውጥ ብዘይኽእልን መንገዲ መሃረታን አጽንዐታን።

ምስ ዓበየህን ምስ ጐርዘወትን ድማ አቡኣ ንኸምኡ ዝበለ ከሓዲ አዋሰባ። ንሳ ግን የመና ጸልአቶ ምስኡ ክትራኸብ እውን ብፍጹም አይፈቐደትን። ሐደ ሓደ ጊዜ ብሕማም ሐደ ሐደ ጊዜ ድማ ብልማደ አንስት እናመኽነየት ትርሕቖ ነበረት። ንኽጸልኣ እሞ ካብኣ ንኽፍለ ድማ ረሳሓትን ሕማቓትን ክዳውንቲ ትኽደን ነበረት።
ስብኣያ ናብ ወፍሩ እንትወፍር ድማ ንሳ እውን ሽዑ ወጺኣ አብታ ቀጥተይና ሃይማኖት ናብ ዘለዉ እሱራት ትወፍር። ተገልግሎምን ዘድልዮም ነገር እውን ትህቦምን ነበረት። ስብኣያ ከምዚ ከም እትገብር ምስ ፈለጠ ግን ናብ ደገ ንኸይትወጽእ አብ ገዛ ዓፀዋ። ንሳ ድማ ኩሉ ጊዜ ካብ ኢዱ ንኸውጽኣ ፡ ብመሪር ብኽያት ናብ እግዚአብሔር ትልምን ነበረት። ልመናኣ ሰሚዑ ድማ ጎይታ ነቲ ስብአይ አጥፍኦ። ንሳ ድማ ብሞቱ ተሐጐሰት። ሃብታ እውን ንድኻታትን ንዝጸገሞምን ፡ ከምኡ እውን በታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ተኣሚኖም ንዝተአሰሩ ሰባት ሃበት።
መኰንን ሮሜ ዜናኣ ምስ ሰምዐ ድማ መልእኽተይናታት ልኢኹ ናብኡ ጸውዓ፤ ስለ ሃይማኖታ እውን ሐተታ። ክርስቲያናዊት ከም ዝኾነት ድማ አብ ቅድሚ እቲ ንጉሥ መስከረት። ብዙሕ ንኸታልላ መታለሊ ቓላት ተናገራ ቃል ኪዳናት እውን አተወላ። ካብ ሠናይ ምኽራ ክምልሳ ግን አይከኣለን።
አብቲ ጊዜ ከዓ ብብዙሕ ዓይነት ሥቓይ አሳቐያ። ካብኡ እውን ናብ ባሕሪ ንኸጥልቕዋ አዘዘ። እቲ ባሕሪ ግን ብሕይወታ ንላዕሊ ተፍኣ። ካብኡ እውን አብ ማእኸል 4 መታኽል ዘርጊሖም አደቂሶም ብምእሳር ክፉእን ፅኑዕን ዝኾነ ግርፋት ንኽገርፍዋ አዘዘ። እቲ መኰንን ከም ዝአዘዞ እውን እቲ ዝተአዘዘ ዘበለ ኩሉ አብ ልዕሊኣ ፈጸሙ። እንተኾነ ምንም ጉድኣት አይበጽሓን። ብድሕሪ እዚ ነዓኣ ናብ ውሽጢ ዘዳለዉዎ እቶን እሳት አእተዉዋ። ምስ አእተዉዋ ድማ ናይ ነፍሳ አብ ኢድ እግዚአብሔር አረከበት። ናይ ሰማእትነት አክሊል እውን አብ መንግሥተ ሰማያት ተቐበለት።

ንእግዚአብሔር ምሥግና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎታ ይምሐረና ፡ በረከታ እውን ምሳና የሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለአንስጣስያ ጣዖተ አቡሃ መኒና
እንተ ተለወት ፍጹመ ሃይማኖተ እማ ክርስትና
እስከ መኰንን ዕልው በዋዕየ እሳት አርሰና
ወሰላም ካዕበ ለብፅዕት ዮልያና
ዘተሳተፈት ክብረ ሰማዕት አሐደ ከዊና።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅድስት ዮልያና ሰማዕት መዘክርታኣ እዩ። ናይ አቦሊ ፃድቕ እውን መዘከርታኡ እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና የሀሉ ፡ ንእግዚአብሔር እውን ምሥጋና ይኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለአቦሊ እንተ ጸለየ ጸሎተ
በእንተ ሢሣዩ ወአራዙ እንዘ ኢይሔሊ ምንተ
ወዲበ ዝኒ ወሰከ ዲበ ሥጋሁ መቅሰፍተ
ወያበውእ ርእሶ ውስተ ቀላየ ባሕር መትሕተ
እንዘ እገሪሁ የአሥር ዲበ ዕፅ መልዕልተ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

26 Dec, 18:57


ብድሕሪ እዚ ግርፋት እውን ፡ ብዙሕ ግፍዕታትን ስቓያትን አብ ልዕሊ አቦና ፡ እዚ ንጉሥን ምስኡ ዘውደልድሉ ናይ ከተማ መነኮሳትን አብጺሖሙሉ እዮም። አብ መወዳእታ እውን ፡ አብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ተአሲሩ እናሃለወ ፡ ሠለስተ ጊዜ ፡ ክርስቶስ ኢሉ ተናጊሩ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ አዕረፈ። ሓደ ዲያቆን ድማ አብ ስውር ቦታ ቀበሮ። ደቁ ናብ ትግራይ ሥጋኡ እንተፍልስዎ ድማ ፡ እቲ ንጉሥ ከልከሎም ፡ ንዓኣቶም እውን ብጽኑዕ ሥቓይ አሳቐዮም። ሥጋ ቅዱስ አቦና ድማ ካብኣቶም መንጢሉ ፡ አብ ጥቓኡ ንኻልኣይ ጊዜ አቕበሮ። ካብ ሥጋኡ ዘደንቑ ተአምራትን መንክራትን ፡ ፈውሲ ድዉያንን ስለ ዝተገለጸ ግን ፡ ንሥጋ ቅዱስ አቦና ፡ ካብ መቓብሩ አውጺኡ ፡ ብእሳት ንኸቃጽልዎ ፡ ናብ ዓዲ አረሚ (እስላም) ለኣኾ ፡ ንሳቶም ድማ ፡ ሓዊ አንዲዶም ምሉእ መዓልቲ ከቃጽልዎ እንተደኸሙ ፡ ስለ ዘይተሳኸዐሎም ፡ ምስ ደኸሞም ንምሸቱን በአእማን ጸቒጦምዎ ኸደ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ፡ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ፡አርድእቲ ቅዱስ አቦና ፡ ንሥጋ ቅዱስ አቦና ፡ ምስ አስኬማኡን መግነዙን ምንም እንተይተንከፎ ረኸቡዎ ፡ ሰነ 25 መዓልቲ ንሥጋኡ አፍሊሶም ብዓብዪ ክብሪ ቀበርዎ።

ጸሎትን በረኸትን ሰማዕተ ዋሕድ አቡነ እስጢፋኖስ ምስ ኩላትና ይኹን ፡ አሜን።


#ህየንተ #ዐርኬ

ሰላም ለጸአተ ነፍስከ እንበለ ድንጋጼ ወመከራ
እንተ ፈለሰት ተሀሉ ውስተ ኤዶማዊት ደብተራ
ኀበ ሀገርከ ቅድስት እስጢፋኖስ ሊቀ ሐራ
ነፍስየ ምስለ ነፍስከ በተፋቅሮ ነቢራ
ለዓለመ ዓለም ታንፈርዕጽ ወትሕየው ለግሙራ።

✟✟✟ ቅዱስ ቲቶ ሐዋርያ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ረድእ ፡ ቅዱስ ቲቶ ሐዋርያ መዘከርታ ካብ ሀገረ አቅራጥስ ናብ ቍስጥንጥንያ ዝተገብረ ፍልሰት ሥጋኡ ኮነ። እዚ ድማ ቈስጠንጢኖስ ዓብዪ ብፍቓድ እግዚአብሔር ምስ ገነሠ ፡ ብዛዕባ አብ ውሽጢ ኵለን ሀገራት መንግሥቱ አብያተ ክርስቲያናት ሐሰበ። ብሠናይ መጋየጺ፣ ብአዕናቛትን ብኽቡራት አእማንን ሸላለመን። ብፍላይ ድማ አብ ቍስጥንጥንያ ከተማ። ንሳ መንበር መንግሥቱ እያ እሞ። ናይ ሐዋርያት ሥጋኦም ካብ ኵሉ ቦታ አከበ። ካብ ቅዱሳን ስማዕታት ዝረኸቦም ብዙሓት አከበ። ብዛዕባ ሥጋኡን ንቅዱስ ቲቶ ሐዋርያ አብ ሀገረ አቅራጥስ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ ፡ ሐለቓታት ካህናት ምስ ብዙሕ ገንዘብ ለአኸ። ንሳቶም ድማ ንሥጋ ቅዱስ ቲቶ ብዐብዪ ክብሪ ጸዊሮም ናብ ከተማ ቍስጥንጥንያ አብጽሕዎ።
ንጉሥ እውን ጽብቕቲ ቤተ ክርስቲያን ሐነጸሉ። ሥጋኡ እውን ብኽቡር እምኒ አብ ውሽጢ ዝተሰርሐ ሣጹን አንበሩ። እግዚአብሔር እውን ካብ ሥጋኡ ዓብይቲ ተአምራትን መንክራትን ገለጸ። ነቲ ካብ እምነ በረድ ዝተሰርሐ ሥግኡ ዝሐዘ ሣጹን አብ ዝተሸከሙሉ ጊዜ ፡ ናብ ላዕሊ ሐደ ስብኣይ ወደቐ። ንእግሩ ድማ ቀጥቂጡ ሰበሮ። ንሱ ድማ ካብ ቅድሚ ሥዕሊ ቅዱስ ቲቶ ካብ ዝነበረ ናይ መብራህቲ ቅብዐት ወሲዱ ንዝተሰበሮ እግሩ ቀብዐ። እናሕመሞ እንተሎ እውን እናእወየ (ይኬልሕ) አሰሮ። ናብ ገዝኡ ምኻኣድ ምስ ተስአኖ ድማ አብቲ ናይ ቅዱስ ቲቶ ሥግኡ ዝሐዘ ሣጹን ዘለዎ ቦታ አብኡ ሐደረ። ብጽባሒቱ ንእኽርእዮን መድሐኒት ንኽገብረሉን ንእግሩ ምስ ፈትሖ ድማ ፡ ፍጹም ዝኾነ ሕማም ከም ዘይረኸቦ ከምቲ ካልአዋይ (እግሩ) ኮይኑ ብጥዑዩ ረኸቦ። ነገር ግን ናይ ደም ምልክት አሠር ነበረ። ነዚ መስተንክር ዝኾነ ግብሪ ዝረአዩ እውን የመና ተደነቑ። ንእግዚአብሔር ለ አመሥገንዎ። እቱ ዝሐወየ ስብኣይ እውን ፈጺሙ እናመሥገነ
ናብ ቤቱ አተወ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎቱ ልሐዋርያ ቲቶ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ለፍልሰተ ሥጋሁ በዘምሮ
ለረድአ ጳውሎስ ቲቶ እግዚአብሔር እንተ አፍቀሮ
ሣፁነ ሥጋሁ ዘእብን አመ ለብእሲ ሰበሮ
ረከበ ፈውሰ ወጥዒና ከመ መንፈስ ቅዱስ አምከሮ
እም ቅብዐ ማኅቶት ዘገጸ ሥዕሉ ሶበ ቀብዐ እግሮ፡፡

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅድስት ኢርቅላን ሰማዕት ዝኾነ ቀሺ ፊልሞናን መዘከርታ ዕረፍቶም እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልእግዚአብሔር እውን ምሥጋና ይኹን ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ኢርቅላ ሰማዕት
ወፊልሞና ባሕታዊ ሠናየ ክህነት
አጋእዝትየ ምርሑኒ ፍኖተ ሕይወት
ዘይነሥአኒ ከመ ሰራቂ በግብት
ነሣኤ ኵሉ ቅድመ ይምጻእ ሞት፡፡

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ፍርክዮን፥ ኢልኮዮን፥ በሳንቅስ፥ ዮናስን አዕርኽቶም ሰማዕታትን መዘከርታኦም እዩ። ከምኡ እውን ናይ አርሲስ፥ ዳስያ፥ ከምኡ እውን ናይ ዲሞን ፍልሰት ሥጋኦም እዩ፤ በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

በረከቶም ምስ ኵልና ይኹን ፡ አሜን፡፡

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ ሐዋርያ ቶማስ መዘከርታ ፍልሰት ሥጋኡ እዩ፡፡ ካብ ሥጋኡ ብዙሓት ተአምራትን መንክራትን ምስ ተገልጻ ፡ ቤተ ክርስቲያን ሐነጹሉ። ሥጋኡ እውን አብ ውሽጣ አቐመጡ። በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልእግዚአብሔር እውን ምሥጋና ይኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

26 Dec, 18:57


✟✟✟ ፲፰ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን

✟✟✟ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ✟✟✟

፲፰ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ብጹዕን ቅዱስን አቦና ሰላማ ከሣቴ ብርሃን መዘከርታኡ እዩ። ንሱ ንብሔረ አግዐዚት ብርሃና እዩ እሞ። ዜናኡ ድማ አብ ናይ ሐምሌ 26 ስንክሳር ተጻሒፉ አሎ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡በረከቱ ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ሰላማ እዙዝ
ለከሢተ ትምህርት ግኑዝ
ሶበ ውስቴታ ሠረቀ በአምሳለ ቤዝ
በብርሃንከ አዳም ወበስንከ ሐዋዝ
እስከ ዮም ትትፌሣሕ ወትትኃሠይ ግዕዝ፡፡

✟✟✟ ሰማዕተ ዋሕድ አቡነ እስጢፋኖስ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓምደ ሃይማኖት ፡ ሰማዕተ ዋሕድ ፡ ወመክብበ መነኮሳት ፡ አቦና አባ እስጢፋኖስ ዘጕንዳ ጕንዶ ፡ አብ ዘመነ ጨካን ንጉሥ ዘርዐ ያዕቆብ ፡ ብሰማዕትነት አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ብዙሕ መከራ ምእንቲ ቕንዕቲ ሃይማኖት ዝተቐበለ እዩ። ቅድሚ ናብዚ ክሳዕ ሞት ዘሳቐዮ ንጉሥ ዘርዐ ያዕቆብ ምምጽኡ ፡ ትምህርተ ክርስትና ፣ ሕገ ምንኩስና ፣ ሕይወተ ብሕትውና ብአግባብ ዘይተረድኡ ፈለስቲ ንሰማዕተ ዋሕድ ናብ ንጉሥ ይስሐቅ ከሲሶም አቕሪቦምዎ ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግና ክሶም መሰረት አልቦ ስለ ዝነበረ እቶም ቀንዲ ተኸራኸርቲ እኒ ሲኖዳ ተረቲዖምን ተዋሪዶምን ተመለሱ።
አብ ልዕሊ ዙይ - “ሲኖዳ ምንኩስናኡ ዝኸሓደ እዩ ፥ ተምሃራይ ይኹን እምበር መምህር ክኾን አይግብኦን። ገዳሙን መነኮሳቱን ነዚ ቅዱስ እዙይ ይሃብዎ። ምኽንያቱ ንሱ (ሰማእተ ዋሕድ) ዘረባኡ ሓቂ ፥ ምስክርነቱ እሙን እዩ።” ዝብል ፍርዲ ተዋሂቡ እዩ። ብተወሳኺ ሃይማኖትን ትምህርትን አቡነ እስጢፋኖስ ቅኑዕ ምዃኑ አብ ከባቢ ሽረ ንዘሎ ህዝቢ ብኣዋጅ ክንገር ተገይሩ ነበረ።

ብምኽንያት እዙይ እቶም ዝተሸነፉ ተኸራኸርቲ አብ ሕርቀት እናሃለዉ ንጉሥ ይስሓቅ ሞይቶም ፡ ዘርአ ያዕቆብ ነገሠ። ብሰይጣናዊ ቕንኣት ልቦም ዝቖሰሉ ፥ ዓለማዊነትን ምንኩስናን ዝተሓዋወሶም መነኮሳት እቲ ዝተሸነፉሉ / ዝተረትዑሉ ክሲ ሒዞም ናብ ዘርአ ያዕቆብ ብምኻድ ንሰማእተ ዋሕድ ከሰስዎ።
እቲ ንጉሥ፦
፩/ «ንሱ ከምቲ ንስኻትኩም እትብልዎ አይኮነን ትምህርቱን ሥራሑን ብሓቂ ኦርቶዶክሳዊ ምዃኑ ሰሚዐ ኣለኹ» - ብማለት መለሰ። (ምቕጻል ድማ)
፪/ «ሰላም ንኣኻ ይኹን ሐዚ ዘይኮነስ ቅድሚ ምንጋሠይ ንስኻ ኣማኒ እግዚአብሔር (ቀናኢ ለሕገ አምላኩ) ከም ዝኾንካ ሰሚዐ እየ። ሐዚ ድማ ብዛዕባ ሃይማኖት ክንዛተ ደልየካ አለኹ እሞ ከይደንጎኻ ምፅአኒ። ክረኽበካን በቲ ትኽክለኛ አምላካዊ ሕጊ ኩሉ ከስተኻኽል ይደሊ እየ» - ዝብል መልእኽቲ ለኣኸሉ።
ከይተርፍ ብሽም እግዚአብሔር አማሕጺንዎ ስለ ዝነበረ ሰማዕተ ዋሕድ አቡነ እስጢፋኖስ መስከረም ዕለት 2 ተላዒሉ : ጥቅምቲ ዕለት 5 አብ ቤተ መንግስቲ ዘርአ ያዕቆብ በጽሐ።
ዘርአ ያዕቆብ ከም አፀዋውዓኡ ገይሩ ብኽብሪ አይተቐበሎን። የግዳስ ግልጽነት ብዘይብሉ መንገዲ ምስቶም ከሰስቲ እናተራኸበ አብ ልዕሊ ሰማዕተ ዋሕድ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረድ እናገበረ ድሕሪ ምጽናሕ አብ መበል 3ይ ሰሙን ዘምፅአካ ምኽንያት ግለጽ በሎ።

ሃጸይ ዘርአ ያዕቆብ ንምንታይ ከም ዝፀውዖ ብዝግባእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ከሰስቲ «ንንጉሥ አይሰግድን ዝብል ብዙይ እንተቐጺሉ ንኣኻ ዘኽብር ሰብ አይህሉን» ኢሎም ብድኹም ጎኑ ስለ ዘታለልዎ ከም ሓዱሽ ሰብ ኰይኑ - «ንምንታይ መጺእኻ?» ኢሉ ሓተቶ። አቡነ እስጢፋኖስ ድማ ዝመፃእኹሉ ምኽንያት እማ «ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ክንዘራረብ ኢልካ ስለ ዝፀዋዕኻኒ እዩ» ምስ በለ ፡ ቀፂሉ ድማ
*ንሱ እግዚአብሔር ብዝሃቦ ሥልጣን ሓቂ ክፈርድ ከም ዝግብኦ ፣
*ንጻድቕ ኃጥእ ፣ ንፅቡቕ ሕማቕ ዝገብሩ ሰባት ትኽክል ዘይምዃኖም ፣
*ሥጋውያን ዝማሓደሩሉ ሥጋዊ ሕጊ ፣ መንፈሳውያን ዝምሩሑሉ መንፈሳዊ ሕጊ ከም ዘሎ ፥ ብዙይ ውን መነባብሮ ፈለስቲ ካብ መነባብሮ ሰብአ ዓለም ክፍለ ከም ዝግብኦ ገሊፁ ብጋህዲ ነገሮ።

እቲ ንጉሥ - “ንምንታይ ኢኻ ካብቶም ካልኦት መነኮሳት እትፍለ?” - ዝብል ሕቶ አስዐበሉ። ሰማእተ ዋሕድ ድማ - “ከምቲ ሳጥናኤል ካብ መላእኽቲ ተፈልዩ ሰይጣን ዝኾነ ካብ ትኽክለኛ ናይ ምንኩስና ህይወት ርሒቖም መነኮሳትና ኢና እናበሉ ቃል ኪዳኖም ሓዲጎም ናብ ዓለም ዝተመለሱ መነኮሳት አለዉ። አነ እውን ጋኔን ከይከውን ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ክሓብር አይደልን” - እንትብል መለሰ።
ዘርአ ያዕቆብ - “ንስኻትኩምከ ንምንታይ ኢኹም ምስኡ ዘይትሓብሩ?” - ኢሉ ንቶም ከሰስቲ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ዘይኮነ ነገር ሓዋዊሶም - «ዓሣ ርኹስ እዩ ይብል ፣ አብ - ሉቃስ 1 ፥ 47-57 ዘሎ ጸሎተ ማርያም እምበር ባርቶስ ዝተብሃለ መጽሓፍ አየድልን ይብል እዩ።» እንትብሉ መለሱ። ንጉስ መጽሓፍ ጠቒስኩም ክትከራኸሩ ትኽእሉዶ? እንትብሎም ፥ ንሳቶም ግና "አይፋሉን ንስኻ ዝበልካዮ ድኣ ይኹን" በልዎ።
ብምቕጻል ሰማዕተ ዋሕድ ንሳቶም ዘልዓልዎ ሓሳብ ትኽክል ከምዘይኮነ እኳዳኣስ ፈጠራ ምዃኑ ገሊፁ ቅኑዕ መልሲ ሂቡ እዩ። እንተኾነ ግና እታ ‘ንንጉሥ ክስገደሉ አይግባእን‘ ይብል እዩ - እትብል ሓሳብ ብውሽጡ ክናደድ ስለ ዝገበረቶ - ዘርአ ያዕቆብ ቅኑዕ ፍርዲ አብ ክንዲ ምሃብ ብናይ ኩራ መንፈስ “ድሕሪ ሀዚ ከምኡ አይትግበር” በለ።
እቶም መነኮሳት ቀጺሎም - “እዚ ሰብ እዙይ ሞት ይግብኦ ምኽንያቱ ሰዓሪ ሰንበት እዩ ፥ ንንጉሥ አይእዘዝን ፥ ንኽብሪ ንጉሥ አይሰግድን” - እናበሉ ዓው ዓው በሉ። ዘርአ ያዕቆብ - አቡነ እስጢፋኖስ ሰንበት ከም ዘይስዕር አብ ቅድሚኡ ካብ ዝሃቦ መልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዜናውን ብዝግባእ ይፈልጥ እኳ እንተነበረ ንቶም ኣብ ቅድሚኡ ጉምብሕ ጥልዕ ዝብሉ ፈለስቲ ንምሕጓስ በታ ናይ ሐዋርያ ቅ/ፊልጶስ በዓል ዝኾነት ሕዳር 18 መዓልቲ ኢዱን እግሩን ኣሲሮም 46 ጊዜ ክወቕዕዎ [ክገርፍዎ] ኣዘዘ።
ሰማእተ ዋሕድ አቦና ድማ ንቲ መግረፍቲ ብታሕጓስ ተቐበሎ ፥ ከይተንቀሳቐሰ ብትዕግስቲ ድማ ተገረፈ። እቲ ንጉሥ - “እዚ ዝበጽሐካ ዘሎ ሰማእትነትዶ ይመስለካ?” - ኢሉ ሓተቶ። - ቅዱስ ኣቦና ድማ - “እወ ብሓቂ ሰማዕትነት እዩ” በሎ። ንጉስ ቀጺሉ - “ምእንቲ ናብኡ ክትኣቱስ ሓዊዶ የንድዱልካ? በሎ። ሰማእተ ዋሕድ ድማ «አነ ሓዊ ክተንድድ አይእዝዘካን ዘምፃእኻዮ ኩሉ ብሽም አምላኸይ ክቕበል ግን ድልዊ እየ።» - እንትብል መለሰ።

ድሕሪ እዙይ እቲ ንጉሥ «ካባይ ሰማዕትነት አይትረክብን ፥ ሰማዕት ክትኮን ዝገብሩኻ አብ ዓድኻ ብዙሓት አረማውያን አለዉ።» በሎ እሞ አቡነ እስጢፋኖስ ድማ «እወ አብ ልዕሊ ቅዱሳን መከራ እናብጽሑ ክርስቶሳውያን ኢና ዝብሉ ከም ዘለዉ ይፈልጥ እየ።» እንትብል መለሰ።

ስንክሳር ብትግርኛ

25 Dec, 18:05


✟✟✟ ፲፯ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ አቡነ ሉቃስ ዘዓምድ ✟✟✟

፲፯ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ክቡር አቦ ፡ አቡነ ሉቃስ ዘዓምድ ፍልሰት ሥጋኡ ተኸናወነ። እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ፡ ካብ ብሔረ ፋርስ እዩ። አብ ልዕሊ ሚኢቲ ጭፍራ (ወታደራት) መኰንን ነበረ። ደሓር ግን ንሹመቱ ገዲፉ (ናብ ገዳም አትዩ) አልባስ ምንኩስና ለበሰ፡፡ አብ ውሽጢ ሀገረ ምብራቕ ካብ ዘለዉ ገዳማት አብ ሓንቲኣ (አትዩ) ብዙሕ ዘመን ክጋደል ነበረ፡፡ ናይ ምንኵስና ስራሕን ተጋድሎን ትሩፋትን ምስ ፈጸመ ፡ አብ ውሽጢ እቲ ደብሪ ፡ ቅሽና ተሾመ። ምስ ተሾመ ድማ ፡ አብኡ ንዝነበረሉ መጠን ናይ ሓጺን ልብሲ ለበሰ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ፡ ክሳብ 6 መዓልቲ ዝጸውም ኮነ፡፡ አብ መበል 7ይ መዓልቲ ፡ ብዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ድማ ፡ ቍርባን ቀዲሱ ሥጋኡን ደሙን ይቕበል ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ ሐንቲ ባኒ ፡ ምስ ሐምሊ ይበልዕ ነበረ።ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ልዕሊ ዓምዲ ደይቡ አብ ልዕሊኡ ንሠለስተ ዓመታት (ንጸሎት) ቆመ፡፡ ብስሙ እንትጽውዖን ካብ ልዕሊ እቲ ዓምዲ ንኽወርድ እንትእዝዞን ቃል መልአኽ ሰምዐ። ናይ ብርሃን መስቀል እውን አርአዮ። (ንሱ እውን) ወረደ። ነቲ መስቀል እውን ተኸተሎ። ካብ አድባራት ናብ ሐደ ደብሪ ክሳዕ ዘብጽሖ ድማ መርሖ፡፡ አብኡ ድማ ነበረ፡፡ ሰባት ኵሎም ድማ ናብኡ እናመጽኡ ብትምህርቱ ይናዘዙ ነበሩ።

ብድሕሪ እዚ ድማ አቡነ ሉቃስ ዘይናገር (አርማሚ)ኮነ፡፡ ፈጺሙ ምስ ሰብ ንኸይዛረብ ድማ ናብ ውሽጢ አፉ እምኒ አእተወ፡፡ ካብኡ እውን ፡ እቲ መልአኽ ናብ ጫፍ ሀገረ ቍስጥንጥንያ ንክኸድ አዘዞ። ናብኣ ቀረባ ናብ ዝኾነት ሐንቲ ቦታ ከደ። ናብ ልዕሊ ዓምዲ ደዪቡ ድማ ዓብዪ ተጋድሎ እናተጋደለ ፡ አብ ልዕሊኡ ን45 ዓመት ነበረ። እግዚአብሔር እውን ጸጋን ፈውስን ሃቦ። ተአምራትን መንክራትን እውን ገበረ። ናብኡ ንዝመጽኡ ብዙሓት ሕሙማት ድማ ፈወሶም። እግዚአብሔር ካብ ጻማ እዚ ዓለም ከዕርፎ ምስ ደለየ ድማ ፡ ታሕሣሥ 15 አዕረፈ። ዝለኣአኾ ዝነበረ ረድኡ ድማ ፡ ናብ ሊቃነ ጳጳሳትን ሊቃነ ካህናትን ከይዱ ብዛዕባ ዕረፍቱ ነገሮም። ንሳቶም ድማ አብታ ጊዜ ምስ መስቀላት፣ ማዕጠንታትን መባርህን ተልዓሉ። ናብ መሕደሪኡ እውን በጽሑ። አብ ልዕሊኡ እውን ጸለዩ። ጸይሮም እውን ናብ ከተማ ቍስጥንጥንያ ወሰድዎ። ካብ ዘአዕርፍ አብ መበል ሣልሰይቲ መዓልቲ ፡ ታሕሣሥ 17 በዛ መዓልቲ ድማ ፡ አብጽሕዎ፡፡ ናብ ውሽጢ ቤተ መቅደስ እውን አእተውዎ። ከም ዝግባእ እውን አብ ሥጋ ቅዱስ ጸሎት ፈጸሙ። ካብኡ እውን ተባረኹ። ብድሕሪ እዚ ድማ ቅድሚኡ ናይ ዝነበሩ ቅዱሳን ሥጋ ናብ ዘለዎ ሣጹን ሐወስዎ። እግዚአብሔር ድማ አአዝዮም ጠቐምቲ ዝኾኑ ብዙሓት ተአምራትን መንክራትን ገለጸ። አብ ልዕሊ ኹሎም ብእምነት ዝመጽኡ ሕሙማት ዓብዪ ፈውሲ ኮይኑ እዩ እሞ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ለፍልሰተ ሥጋከ ዕበያ
በስብሐት ወበሃሌ ሉያ
ሉቃስ ዘዓምድ ቢጸ ሉቃስ ሐዋርያ
ለነፍስየ ሥረይ ኃጢአታ ወኅድግ ጌጋያ
እስመ ፈውሰ ሕማም ወደዌ የአምር ኬንያ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱሳን ሰማዕታት አርድዮስ ፡ አውስዮስ ፡ ሲርዮስ ፡ ማርቆስ ፡ ያርዋልኤልን ብገድሊ ፃማዊ ዝኾነ መነኮስ ናትናኤልን መዘከርታኦም እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

24 Dec, 18:21


✟✟✟ ፲፮ ታሕሳስ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ጌዴዎን መስፍነ እስራኤል ✟✟✟

፲፮ ታሕሳስ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ መሳፍንቲ እሥራኤል ሐደ ዝኾነ ፡ ጌዴዎን አዕረፈ። እዚ መስፍን ፡ ካብ ነገደ ምናሴ እንትኸውን ፡ አቡኡ ድማ ዮአስ ይበሃል። ናይ እግዚአብሔር መልአኽ ተገሊጹ ፡ አብ ልዕሊ እግዚአብሔር መስፍን ገይሩ ሾሞ። ናይ ጣዖታት መሠውኢ ንኸፍርስ ፡ ዓናጭቲ ቖሪጹ ፡ ንእግዚአብሔር መሠውኢ ንኽሃንጽ ፡ በቲ ዝሰበሮ ዕንጨይቲ እውን ንእግዚአብሔር መሥዋእቲ ንኸቕርብ አዘዞ። ጌዴዎን ዝተኣዘዞ ኵሉ ፈጸመ።

እቲ ቅዱስ መልኣኽ ናብኡ ቀሪቡ "እግዚአብሔር ምሳኻ እዩ እሞ ኪድ! ንእሥራኤል ካብ ኢድ ምድያም አድሕኖም" በሎ። ጌዴዎን ምልልሱ ቀጸለ፡ "እግዚአብሔር ምሳይ ምዃኑ ብምንታይ እፈልጥ? "እንትብል ሓተቶ።

ጌዴዎን ከምዚ ዝበሎ ንፈጣሪኑ ተጠራጢሩ አይኮነን። ጥበበ እግዚአብሔር ንኽግለጽን አብ ዳሕራይ ዘመን ዝፍጸም ምሥጢረ ሥጋዌ ንኸረድእን እዩ እምበር።

እቲ መልአኽ እውን እቲ መስፍን ዝሥውኦ መሥዋዕቲ አዕረገሉ። ቀጺሉ ድማ ጌዴዎን "ጸምር (ጨርቂ) ክዝርግሕ፡ ጠሊ (ዝናብ) አብ ልዕሊ እቲ ጸምሪ ይውረድ። ወሰና ወሰኑ ግን ይቡስ (ደረቅ) ይኹን" በለ። ብንጉሆ እውን ከምዝበሎ ኾይኑ ረኸቦ።

ኣብ ልዕሊ ጸምር ዝወረደ ጠሊ ጾሚቚ መንቀል መሊኡ እንትሰትዮ ሰማያዊ ኃይሊ ወረደሉ። ሕቶኡ ግን ሕዚ እውን ቀጸለ:: "ኦ ጎይታ! እንደ ገና እውን ነገሩ ይቀየረለይ። ጠሊ አብ ልዕሊ እቲ ጸምሪ አይውረድ። ወሰና ወሰኑ ግን ይውረደሉ" በለ።

ከምዝበሎ እውን ኾነ። እዚ ኩሉ ምሳሌ እዩ። ንግዚኡ ጸምር ናይ እሥራኤል ፡ ጠሊ ናይ ረድኤት ፡ ምድሪ ናይ አሕዛብ ምሳሌ እዩ። ጠሊ አብ ልዕሊ ጸምሪ እምበር ፡ አብ ልዕሊ ምድሪ ከም ዘይወረደ ረድኤተ እግዚአብሔር ንእሥራኤል እምበር ንአሕዛብ ብዘይምግባሩ ምሳሌ እዩ።

አማናዊ ምሥጢሩ ግን ናብ ሐዲስ ኪዳን እዩ ዘምጽአና። ጸምሪ ናይ እምቤትና ፡ ጠሊ ናይ ጎይታና ምሳሌ ፡ ጠሊ ብጸምሪ እምበር አብ ምድሪ ብዘይምውራዱ ፡ ጎይታ ካብ ድንግል ማርያም ጥራሕ ምውላዱ የርእየና።

ብ2ይ ምሳሌኡ ድማ ጠሊ ናይ ፍዳ ፡ ናይ መርገም ምሳሌ እዩ። ጠሊ አብ ምድሪ እምበር አብ ልዕሊ ጸምሪ ዘይምውራዱ ፡ ድንግል ማርያም ፍዳ መርገም ዘይብላ ንጽሕቲ ምዃና የርኢ።

እዚ ኹሉ ዝተገበረሉ ጌድዎን እውን ንወገናታቱ አዋጅ አአዊጁ 32 ሽሕ ሠራዊት ሰብሰበ። ግን እግዚአብሔር ናይ እሥራኤላውያን ክፍኣት (ማለትም ብሓይልና አሸኒፍና) ከም ዝብሉ ይፈልጥ እዩ እሞ "ዝፈርሐ ይመለስ በል" በሎ።

22 ሽሕ ሠራዊት ፈሪሑ ተመለሰ። ምክንያቱ ድማ ናይ ምድያም ሠራዊት ካብ 100 ሺ ንላዕሊ ስለ ዝነበረ እዩ። ሕዚ እውን "10 ሽሕ ብዙሕ እዩ። ናብ ሩባ አውሪድካ ፍለዮም" በሎ። ጌዴዎን እውን ናብ ሩባ አውሪዱ "ማይ ስተዩ" በሎም።

3 ሚኢቲ እንተይተንበርከኹ እናጨጉዑ እንትሰትዩ ፡ 9,700 ዝኣኽሉ ሰራዊት ግን ብብርኮም ደኒኖም ብኣፎም ሰተዩ። ብዚ እውን "ብቶም ብ3 ሚኢቲ ጥራሕ ተዋጋእ" ተብሃለ።

ንሱ እውን 300ን ተኸተልቱን ሒዙ ፡ መለኸትን መብራህቲን ብሸኽላ ሒዙ ፡ አብ ከባቢ እቲ ምድያም ሠራዊት ሓደረ። በታ ለይቲ ድማ ጌዴዎንን ሠራዊቱን ፡ አብ ማእኸል ምድያም አትዮም ዕትርኦም ሰበሩ። መለከን እውን ነፍሑ፡ ከም አንበሳ እውን "ኃይል ዘእግዚአብሔር: ኵናት ዘጌዴዎን - ሓይሊ ካብ እግዚአብሔር: ጦር ካብ ጌዴዎን" እናበሉ ገጠሙ።

ብድንጋጸ ዝተወቕዑ ምድያማውያን እውን ዓርስ ብዓርሶም ተዋጊኦም ብሐደ ለይቲ ጥራሕ 102,000 ሠራዊት ሞትዎም። በዚ ድማ ምድያማውያን ተዋረዱ ፡ እሥራኤል ግን ብሓይሊ ፈጣሪኦም ሰዓሩ። ጌዴዎን እውን ን40 ዓመታት ንእሥራኤል አመሓዲሩ በዛ መዓልቲ እዚኣ አዕረፈ።

በረከቱ ምስ ኵልና ትኹን ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለከ ጌዴዎን ኃያል
መስፍነ እስራኤል
ዘተከሥተ ለከ እም ኀበ ልዑል
ትእምርተ ልደቱ እም ማርያም ድንግል
ውስተ ስፍሐ ይብስት ፀምር እንዘ ይወርድ ጠል።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሃገረ አክሚንን ጋውርን ዝተረኸቡ ናይ ቅዱሳን ሰማዕታት ናይ አባ ሃርውግ፣ ናይ ሃናንያ፣ ናይ ኵዚ፣ ናይ ስንስራዲን፣ ናይ አውንያስ ከምኡ እውን ማርያም እኅተ ሙሴ መዘከርታኦም እዩ። በረከቶም ምሳና ትኹን ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ዘማየ አእምሮ አፍላግ
ሐናንያ ወኲዚ ወሐርዋግ
ብፁዓን ኄራን መምህራነ ሕግ
ሐውጹ ማኅበረነ ወባርኩነ በደርግ
እስመ በረከተ ለደቂቅ ይሁቡ አእሩግ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንዓና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ ልዘለዓመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

23 Dec, 19:06


✟✟✟ ፲፭ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ አቡነ ጎርጎርዮስ ዘአርማንያ ✟✟✟

፲፭ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሊቀ ጳጳሳት ሀገረ አርማንያ አቡነ ጎርጎርዮስ ፡ አብ ዘመነ ንጉሥ ድርጣድስ ብሰማዕትነት አዕረፈ፡፡ እዚ ንጉሥ ፡ ነዚ ቅዱስ አቦ ፡ ዕጣን ከዕርግ ናብ ቤት ጣዖቱ ምስ ኣተወ ንአቡነ ጎርጎርዮስ ጸዊዑ ንአማልኽቲ ዕጣን አዕርግ በሎ፡፡ ንሱ ድማ ንትእዛዙ አይፍጽምን ምስ በለ ፡ ብጣዕሚ ጽኑዕ ብዝኾነ ብዝተፈላለየ ሥቓያት አሳቐዮ፡፡
ንጉሥ ብዙሕ ምስ አሣቐዮ ፡ ዓሚቚ ጉድጓድ አዂዒቱ ፡ ናብኡ ደርበዮ፡፡ አቦና ድማ አብቲ ዓሚቚ ጉድጓድ ተደርብዩ ን15 ዓመታት ጸንሐ፡፡ ስለ ምግቡ ድማ እግዚአብሔር ንሓንቲ አደ ኣዘዘሉ፡፡ አብ ጥቓ አዳራሽ እቲ ንጉሥ እትነብር እዛ አደ ፡ ብእግዚአብሔር ተኣዚዛ እንጀራ እናሰንከተት ናብቲ ጉድጓድ ትድርብየሉ ነበረት፡፡ ብዘይከኣ ንአቦና ብሕይወት ምንባሮም ዝፈልጥ ሰብ ድማ አይነበረን፡፡ ከምዚ እናገበረት ድማ 15 ዓመት ነበረት፡፡

ንጉሥ ድርጣድስ ድማ ንቅድስቲ አርሴማ ክምርዖ ደልዩ ፈጺማ እምቢ ምስ በለቶ ብእኣ ምክንያት ንብዙሓት ደናግል አንስቲ ቐተለ፡፡ ሰይጣን አብ ልቡ ዝሐደሮ እዚ ንጉሥ ድርጣድስ ነተን ደናግልን ንቅድስቲ አርሴማን ብብዙሕ ሥቓይ ምስ ቀተለን ንሥጋአን ናብ ጎቦ ደርበዮ፡፡ ነገር ግን ዋላ ሐንቲ እንተይኮነ ብሐለዋ ጎይታና ነበረ፡፡ ውህበት ናይ ቅድስቲ አርሴማ እናሐሰበ ፡ ስለዘቕተላ ተጠዓሰ፡፡ ወገናቱ ድማ ‹‹ካብ ሓዘንካ ምእታን ከተዕርፍ ናብ ጫካ ኬድና አራዊት ንህደን›› በልዎ፡፡ ንጉሥ ድማ አብ ፈረሱ ተቐሚጡ ናብ ጫካ ወጽአ፡፡ ነገር ግን ሰይጣን ስለ ዝተወሃሀዶ አብ ልዕሊ እኒ ቅድስቲ አርሴማን አቡነ ጎርጎርዮስን ብዝሠርሖ ግፍዒ እግዚአብሔር ናይ ተፈጥሮ መልክዑ ቀይሩ ከም ሓሰማ ገበሮ፡፡
ንጉሥ ድርጣድስ ናብ ሓሰማነት ድሕሪ ምቕያሩ ንዝረኸቦ ኩሉ ዝናኸስ ኮነ፡፡ አብ ልዕሊ እቶም አብ ቤተ መንግሥቱ ዘለዉ ሰባት እውን ሰይጣን ምስ ሓደሮም ዓብዪ ጭንቂ ኾነ፡፡ ሓፍቲ እቲ ንጉሥ ለይቲ ‹‹ንአቡነ ጎርጎርዮስ ካብ ጉድጓድ እንተዘይውጺእኽምዎ አይትድሕኑን›› ዝብል ራእይ ረአየት እሞ ንወገናታ ነገረቶም፡፡ ዝሞተ መሲልዎም ስለ ዝነበረ እዚ ምስ ሰምዑ ብጣዕሚ ደንጊጾም ከይዶም ንቅዱስ ጎርጎርዮስ 15 ዓመት ተደርብይዎ ካብ ዝነበረ ጉድጓድ ብገመድ ጎቲቶም አውጺኦም አኽቢሮም ወሰድዎ፡፡ ንሱ ድማ ናይተን ደናግል ሥጋ ናበይ ከም ዘብጽሕዎ ምስ ሐተተ አብ ጎቦ ከም ዘሎ ነገርዎ ከይዱ ምስ ረአዮ ድማ ዋለ ሐንቲ ከይተንከፎ ብደሓን ረኸቦ፡፡ አልዒሉ ድማ አብ ዝጸበቐ ቦታታት አንበሮ፡፡ ነቶም ሰይጣን ዝሐደሮም ናይቲ ቤተ መንግሥቲ ሰባት ድማ ፈወሶም፡፡ ስለ እቲ ንጉሥ ናብ አራዊት ምልዋጡ ምስ ነገርዎ ንክፍውሶ ለመንዎ፡፡
አቡነ ጎርጎርዮስ ድማ ናብ ንጉሥ ከይዱ ፡ ‹‹እንተ ፈወስኩኻን እንተ አድሐንኩኻን ካብ ክፉእ ሥራሕካ ትምለስ ዲኻ? በቲ ሐቀኛ አምላክ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተአምን ዲኻ?›› በሎ፡፡ እቲ ሓሰማ ዝነበረ ንጉሥ ድማ ‹‹እወ›› በሎ። ጸሎት ጌሩ ድማ ፈወሶ፡፡ አእምሮኡን ናይ ቅድም መልክዑን ድማ ተመለሰሉ፡፡ ነገር ግን አቡነ ጎርጎርዮስ ንጉሥ ደጊሙ ምእንቲ ከይዕበ ብምባል ፡ አብ ጽፍሪ እግሩ ናይ ሐሰማ አካል አትረፈሉ፡፡ ንኹሎም ናይቲ ቤተ መንግሥቲ ሰባት ፈዊሱ ን8ተ መዓልቲ ክጾሙ አዘዞም፡፡ ሃይማኖት አስተምሂሩ ሥርዓት ሠርዐሎም፡፡ ንሱ እውን ክህነት ስለ ዘይነበሮ ናብ ንጉሥ ሮሜ ናብ አኖሬዎስን ናብ ሊቀ ጳጳሳትን መልእክቲ ለአኸ እሞ ጳጳስ ይልኣኹ በሎም፡፡ ናይ ሮም ሊቀ ጳጳሳት ድማ ንጎርጎርዮስ ሾይሙ ለአኸሎም፡፡ ንጉሥ አኖሬዎስ ድማ በዚ ተደሰተ፡፡ ጎርጎርዮስ ተሸይሙ ድሕሪ ምምጽኡ ንኹሎም አጥመቖም፡፡ አርማንያ ድማ ብናይ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ትምህርቲ ብክርስትና እትፍለጥ ሃገር ኮነት፡፡ ንሱ እውን ብስም እምበይትና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሠሪሑሎም ብጽቡቕ መንገዲ አገልጊልዎም ታሕሣሥ 15 ብሰላም አዕረፈ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለጎርጎርዮስ ዘተዓገሠ ሥቃየ
በሌሊት ቊረ ወበመዓልት ዋዕየ
ዓመታተ ዐሠርተ ወኃምስተ አመ ውስተ ግብ ተወድየ
ወሰላም ለአረጊት ዘተልእከቶ ሠናየ
እንዘ ትዌግር ሎቱ በኅቡእ ሲሳየ፡፡

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አቡነ ሉቃስ ዘዓምድ ፡ ናይ ይምላህን ናይ አቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ፡ መዘከርታኦም እዩ፤ በረከት እዞም ቅዱሳን ይሕደረና ፡ አሜን

ዐርኬያት

ሰላም ለሉቃስ ዘፃመወ ፃማ
በልብሰ ኀፂን ይትጋደል ወይትቃተል ምስለ መስቴማ
መዋዕለ ጾሙ ስዱስ እስከ ይትፌጸማ
ለዕርቅት ከርሡ እንዘ ይሠርዕ ዓቅማ
በዕለተ ሰንበት ይሴሰይ አሐደ ጳኵሲማ፡፡

ሰላም ለከ ይምላህ
መዝገበ ረድኤት ወንጽሕ
ውስተ ቤተ ትፍሥሕት አብአኒ በሥነ ጽድቅከ ብሩህ
እምነ ኃጥአን እለ ከማየ በጊዜ ሐተታ ወፍትሕ
አምሳለ ፈለግ ብዙኅ አመ ይደምፅ ላህ፡፡

✟✟✟ አባ ቆራይ ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ትግራይ ተንቤን ዓዲ ራእሶት ተጋድሎኦም ዝፈጸሙ አባ ቆራይ ዕረፍቶም እዩ። ናይ እግሪን ኢድን ኣጻብዕቲ ዘይብሎምን ድኻን (ዝተጸገሙ) ዝነበሩ አባ ቖራይ ፡ ጽድቆም ማንም እንተይፈለጠሎም ዝነበሩ እንትኾኑ ፡ ጻዲቕ ምዃኖም ድሕሪ ምዕራፎም እዩ ዝተፈለጠ።
ገዳሞም አብ ትግራይ ተንቤን ውሽጢ ይርከብ፡፡ እዞም ቅዱስ አቦና ብዘመነ መንግሥቲ ሃጸይ ልብነ ድንግል አብ ትግራይ ተንቤን ዓዲ ራእሶት አብ ዝበሃል ቦታ ናይ እግሪን ኢድን ኣጻብዕቲ ዘይብሎም አባ ቖራይ አብ ልዕሊ ወንበር እትመስል እምኒ ተቐሚጦም ተገለጹ።
ሐደ ናይቲ ኸባቢ ሰብ ፡ ብመንገዲ እንትሓልፍ አባ ቖራይ አብ እምኒ ተቐሚጦም ጸሎት እንትገብሩ ረአዮም እሞ ፡ በቲ ኹነታት ተደኒቑ ናብ ቅዱስ አቦና ጽግዕ ኢሉ ፡ ስሞምን ዝመጽእሉ ዓዲን ጠየቖም። ንሶም'ውን "ሽመይ አባ ቆራይ ይበሃል፣ ሃገር ግን የብለይን" በልዎ፡፡ንሱ እውን "በይዘኦም ናብ ሰፈር ንኺድ እሞ ናይ ጸሎት ገዛ ሰሪሕናሎም አብኡ ይቀመጡ" በሎም፡፡ አባ ቖራይ ግን "መዕረፊተይ እዚኣ እያ፣ ካብዛ ስፍራ እዚኣ አይለዓልን" በልዎ። አባ ቆራይ እውን አብኡ እናነበሩ እናሃለዉ ፡ ዝናኦም ኹሉ ሰብ ሰምዐ እሞ ፡ ሰባት መጺኦም ፡ አብቲ ዝተቐመጡሉ እምኒ እንተለዉ ፡ ዙርያኡ ጎጆ ሰርሑሎም፡፡

ብድሕሪኡ መንደርተኛታት በቢተራ ምግቢ ንኸምጽኡሎም ዕፃ ተዋዲቖም ነናብ ገዝኦም ኸዱ። አብ መጀመሪያ ተራ ዝበጽሖ ሰብ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ምግቢ ሒዙ እንትምለስ ፡ ናይ አባ ቖራይ ጎጆ ብብርሃን ተመሊኣ ረኸባ። ናብታ ጎጆ እንትጽጋዕ'ውን እቲ ነበልባል እናቃጸሎ ምቕራብ ከልኦ። ንሱ'ውን ብድንጋጸ ናብ መንደሩ ተመሊሱ ነቲ ናይ ኸባቢ ሰባት ነጊሩ ኹሎም ተሰብሲቦም መጽኡ።
እቶም ደቂ ሰፈር ሰባት ካህናት (አቕሽቲ) ሒዞም ብዙሕ ምህለላ ፡ ጸሎትና እግዚኦታን ምስ አብጽሑ ፡ እግዚአብሔር ናብታ ጎጆ ንኽኣትዉ ፈቐደሎም እሞ ኣተዉ፡፡ ነገር ግን ንአባ ቖራይ ብህይወት አይረኸብዎምን፡፡ አስከሬኖም ብርሃን ኸቢብዎ ረኸብዎ፡፡ አብ ጥቓ አስክሬኖም እውን፥ "ናይ አባ ቖራይ ኣስክሬን አብዚ ጎጆ ውሽጢ ቕበርዎ ፡ ናብ ካሊእ ቦታ ወይ ቤ/ክርስቲያን ወሲድና ንቕበሮ ኢልኩም ከይትሓስብዎ፡ ነገሩ ብድፍረት እንተፈጺምክምዎ ግን አብዚ ዓዲ ናይ እግዚአብሔርን ቁጥዐ ክተምጽኡ ኢኹም" ዝብል ትእዛዝ ብብራና ተጻሒፉ ተረኸበ፡፡ በዚ ትእዛዝ መሠረት

ስንክሳር ብትግርኛ

23 Dec, 19:06


ናይቲ ዓዲ ህዝቢ ተሰብሲቦም ንአባ ቆራይ ታኅሣሥ 15 መዓልቲ አብታ ጎጆ ቐበርዎም።
ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ክልተ ሰብኣይን ሰበይቲን ፡ ምቛም ኮነ ምንቅስቓስ ዘይኽእሉ ፡ ድዉይ ወዶም ሒዞም ናብ ማይ ጸሎት(ማጨሎት) እንትኸዱ መሽይዎም ፡ አብቲ ኸባቢ መሕደሪ እንትደልዩ ናይ አባ ቆራይ ጎጆ ክፍቲ ኾይኑ ተርአዮም እሞ ፡ ንወዶም ሒዞም ኸይዶም ኣተዉ።
ድውይ ወዶም አብ ልዕሊ አባ ቖራይ መቓብር ምስ አደቀስዎ ፡ ናይ ኤልሳዕ ዓጽሚ ከም ነኺእዎ ቀልጢፉ ከም ዝተልዓለ ምዉት ፡ እዚ ድውይ ቖልዓ አብ ልዕሊ አባ ቖራይ መቓብር ምስ ዓረፈ ሽዑ ብድድ ኢሉ ብምልዓል ፡ ከም ብተይ ምዝላል ጀመረ ወለዱ እውን ብየመና ታሕጓስ ፡ ብዕልልታ ድምጾም አስምዑ፡፡ ምስ ወግሐ እውን ናብቲ መንደር ከይዶም እቲ ዝተገበረሎም ተኣምር ተዛረቡ።
ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሩ ናይ አባ ቖራይ በዓል አብቲ ኸባቢን አብ ኻሊእ ቦታን ምኽባር ተጀመረ፡፡ ናይ ዕረፍቶም ዓመታዊ በዓል ሎሚ ታኅሣሥ 15 ዕለት እዩ፡፡ በረከቶም ትሕደረና ፡ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ስንክሳር ብትግርኛ

22 Dec, 20:15


✟✟✟ ፲፬ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ቅዱስ ስምዖን ስማዕት ✟✟✟

፲፬ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ልዕልቲ ከተማ መኑፍ ዝተረኸበ ቅዱስ ስምዖን ስማዕት ብሰማዕትነት አዕረፈ፡፡ እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ፡ አብ ናይ እስላም ዘመን ፡ ካብ ማእኸል መሳፍንቲ እስላም ምስቲ ሓደ ስለ ዝቐንዐት ሃይማኖት አብ ዝተኸራኸረሉ ጊዜ ፡ ቅዱስ ስምዖን ረቲዑ አሕፈሮ፡፡ እቲ እስላማይ ድማ ናብ ሓለቓ መሳፍንቲ ከይዱ ‹‹እዚ ስምዖን ናይ እስላም ሃይማኖት የቃልል እዩ›› ኢሉ ወንጀሎ፡፡ ስለዚ ድማ እስላም ንቅዱስ ስምዖን ሒዞም ብብዓይነቶም ብዝኾኑ ስቓያት ከሳቅይዎ ጀመሩ፡፡ አብ መወዳእታ ድማ ንክሳዱ ብሰይፍ ቆረጽዎ፤ ናይ ሰማዕትነት አክሊል ድማ ተጓናጸፈ፡፡

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አባ ብሑርን አረጋዊ አባ ሚናስን ፡ ብሰማዕትነት አዕረፉ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ በረከቶም እውን ይሕደረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለስምዖን ምቱረ ክሣድ በሰይፍ
ዘሀገረ መኑፍ
ለብሑር ወሚናስ ዘወንጌል አዕዋፍ
ጹሩኒ በመዝራዕት ወሕዝሉኒ በክንፍ
ከመ ታዕድዉኒ እም ቀልቀል ወጸድፍ።

✟✟✟ ቅዱስ መርምሕናም ሰማዕት ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ መርምሕናም ሰማዕት ፡ ሓፍቱ ቅድስት ሣራን ፡ 40 አገልገልቱን ብሰማዕትነት አዕረፉ። እዚ ሰማዕት መርምሕናም ፡ አብ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ቦታ ካብ ዝዋሃቦም ዐበይቲ ቅዱሳን ሓደ እዩ::አብ ፈቖዶ አብያተ ክርስቲያናት ካብ ዝሳኣሉ ቅዱሳን ድማ ሓደ እዩ:: ዓዱ አቶር (አብ አከባቢ ፋርስ) እንትኸውን እንተሎ አቡኡ ሰናክሬም ዝበሃል ንጉሠ ነገሥት እዩ::

አዲኡ ወላ እኳ ክርስቲያን እንተኾነት ስለ ዝፈርሐት ግን ን 2ቲኦም ደቃ (ንመርምሕናምን ሣራን) ክርስትና አይመሃረቶምን:: 2ቲኦም ምስ ዓበዩ ፡ ድማ ምስ ንጉሥ አቦኦም ይወጹ ይኣትዉ ነበሩ እሞ አደኦም ብሓዘን ጸለየት:: በቲ ግዜ ድማ ጎርዞ ሣራ ብለምጺ ተወቕዐት::

ዝፍውሳ ጠፍአ:: መርምሕናም ግን ጐበዝ መንእሰይ ስለዝነበረ 40 ናይ ኲናት ሓለቃታት ይመርሕ ነበረ:: በቲ ጊዜ ድማ አብ መበል 400 ሚኢቲ ክ/ዘመን ቅዱስ መርምሕናም 40 ተኸተልቱ ሒዙ ንሃደን ናብ ዱር ምስ ወጸ ምስ አባ ማቴዎስ ገዳማዊ ተራኸበ::

እዞም ጻድቅ ንብዙሕ ዓመታት አብ በረኻ ዝነበሩ አቦ እዮም:: ኣካሎም ብጾግሪ ስለ ዝተሸፈነ ደንጊጹ ክሃድም እንትብል "ዝወደይ አይትፍራሕ! አነ እውን ከማኻ ናይ ክርስቶስ ፍጡር ዝኾንኩ ሰብ እየ" በልዎ።

ንሱ ግን "መን እዩ ክርስቶስ ከ?" እንትብል ሓተቶም:: አባ ማቴዎስ ድማ ምሥጢረ ክርስትና ካብ መሠረቱ ምሂሮም ናይ ክርስቶስ ናይ ባሕርይ አምላክነት ነገርዎ::

ቅዱስ መርምሕናም ግን "ክርስቶስ አምላክ እንተኾይኑ ንሓፍተይ አድሕኑለይ" በሎም:: "አምጽኣያ" በልዎ እሞ አምጽኣ። እዞም ጻድቅ ጸሎት አብጺሖም ንመሬት ረጊጾም ማይ አፍለቑ "ብእምነት: ብስመ ሥላሴ ተጠመቑ" በሎም::

እዚ ቅዱስ: ሓፍቱ ሣራን 40 ናይ ኩናት ሓለቓታትን ምስ ተጠመቑ ሣራ ካብ ለምጻ ነጽሀት:: ፈጺሙ ድማ ደስ በሎም:: ናብ ቤተ መንግሥቲ ተመሊሶም ድማ ቅዱስ መርምሕናም ምስ አዲኡ: ምስ ሓፍቱን 40 ተኸተልቱን ንክርስቶስ ከምልኹ ጀመሩ::

ንጉሥ ሰናክሬም ግን ነዚ ነገር ምስ ሰምዐ ተቖጥዐ:: ንሳቶም ድማ ናብ ጎቦ ሃደሙ:: ንጉሥ "ዝወደይ! መንግሥተይ ውረስ" ኢሉ እንተለኣኸ "እንቢ" በሉ:: ስለ ዝተባሳጨወ ከዓ ንቅዱስ መርምሕናምን: ቅድስት ሣራን 40 ወተሃደራትን ቅዱሳን ብሰይፊ አቕቶሎም::

ንሥጋኦም ብእሳት ከቃጽሉ እንትብሉ ግን ናይ መሬት ምንዋጽ ኮይኑ ብዙሓት አረማውያንን ሞቱ:: ንጉሥ ድማ ዓቢዱ እንስሳ ከም ሓሰማ ኮነ:: አብቲ ግዜ እቲ ፡ አባ ማቴዎስ ካብ በረኻ ወጽዮም ንንጉሥ ሰናክሬም ፈወስዎ::

ንሱ ድማ ኣሚኑ ናይ ደቁን ናይቶም 40ን ሥጋ ብኽብሪ አንበረ:: አብ ዓዱ አብ አቶር ድማ ናይ እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ መቅደስ ሃነጸ:: ብክርስትና ናብራ ነቢሩ ድማ አዕረፈ:: ንሱ ምስ ተቀብረ ግን ናይ ከለዳውያን ንጉሥ መጽዩ ንአቶር ወረራ::

ንንግሥቲ (ናይ ዞም ቅዱሳን አደኦም) ምስ ህጻን ወዳ ቀተላ:: ድሕሪኡ ድማ "ንጣዖት ስገዱ" ምስ በለ ናይ ቅዱስ መርምሕናም ወተሃደራት መጽዮም ብሰማዕትነት ተሰየፉ ፡ ቁጽሮም ድማ 170,000 ኮነ::

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ በረከቶም እውን ይሕደረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለመርምህናም እንተ ዔለ በድወ
ሃይማኖተ ክርስቶስ ይኀሥሥ ድኅረ ሐልዮቱ ንዒወ
ነጺሮ ደሞ በእንተ ሃይማኖት ክዑወ
ከመ ሐራውያ ንጉሥ ነቀወ
ወፀሐየ ራማ ብርሃኖ ሐሰወ።

ሰላም ሰላም ዕደወ ኃይል ሐራ
ዘኁላቌሆሙ ካዕበተ ዕሥራ
በእንተ ክርስቶስ ዘፆሩ ለክበደ ዕለት ፃዕራ
ዘመርምህናም እግዚኦሙ ሶበ ነጸሩ መከራ
ወዘምስሌሁ እንተ ሐመት ሣራ።

✟✟✟ አባ አሞንዮስ ሰማዕት ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሀገረ እስና ኤጲስቆጶስ ዝኾነ ፡ አባ አሞንዮስ ሰማዕት ፡ ብሰማዕትነት አዕረፈ፡፡ ጨካን አርያኖስ ናይ ክርስትያን ደም ከም ማይ እንዳፍሰሰ ናብ ሃገረ እስና አብ ዝበጽሐሉ ግዜ ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም አብ ትሕቲ እግሪ አባ አሞንዮስ ተቐሚጦም ሃይማኖት እንትመሃሩ ረኸቦም እሞ ሒዙ ቀተሎም፡፡ ንአባ አሞንዮስ ግን ኣሲሩ ወሲዱ ንጣዖታቱ ንክሰግድን ክስውእን ኣዘዞ፡፡

አባ አሞንዮስ ግን ‹‹ኮንቶ ንዝኾነ ናይ ሕንቅልሕንቅሊተይ ጸዎታ ንብላሽ ዝኾነ ነገርካ ክሰምዕ ኡይደልን፣ ንዝረኸሱ ጣዖታትካ ድማ ክርኢ አይደልን›› ኢሉ ንመኰንን አርያኖስ መለሰሉ፡፡ አርያኖስ ድማ በዚ ግዜ ብጣዕሚ ብቑጥዓ ተመሊኡ ነዚ ቅዱስ ብሕይወት እንተሎ ፡ ናብ ውሽጢ እሳት ክድርበ ኣዘዘ፡፡

እዚ ቅዱስ አቦ ግን ናብቲ እሳት ቅድሚ ምድርባዩ ኢዱን እግሩን ብእሱሩ እንተሎ ፡ ንአርያኖስ ጸለየሉ፡፡ ጸሎቱ ምስ ፈጸመ ድማ አርያኖስ ተመሊሱ ንሱ እዉን ሰማዕት ከም ዝኸውን አብ ልዕሊኡ ትንቢት ተዛረበ፡፡ ድሕሪኡ አባ አሞንዮስ ናብቲ እሳት ተወርዊሩ ሰማእትነቱ ብዓወት ፈጸመ፡፡ ናይ ዓዊት አክሊል ድማ ተጓናጸፈ፡፡

ንስጋኡ ድማ እሳት ካብ ዝነደዶ ቦታ አብ ዘውጽእዎ ግዜ ፡ ናይቲ እሳት ነበልባል ወላ ሓንቲ አይተንከፎን ነበረ፡፡ ካብ ሥጋኡ ድማ ብዙሕ ተኣምራት ተፈጺሞም ተርአዩ፡፡

ብናይ አባ አሞንዮስ ትንቢት መሠረት ድማ ጨካን መኰንን አርያኖስ አብ መወዳእታ ዘመኑ ብጎይታና ኣሚኑ ሰማዕት ኮይኑ ፡ ብኽብሪ አዕሪፉ ናይ ሰማዕትነት አክሊል ተቐበለ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሓረና ፡ በረከቱ እውን ይሕደረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለአሞንዮስ ለአድያመ እንጽና ዘዖዳ
ምስለ ቃለ ምክር ሠናይ ማዕከለ ብዙኃን ውሉዳ
በጊዜ ፈጸመ ሰምዖ ለእቶነ እሳት በነዳ
ድኅረ አርመመ ማዕበላ ወድኅረ ኀድዐ ሞገዳ
በአምሳለ በረድ ተረክበ ሥጋሁ ፀዓዳ።

ሰላም እብል አርያኖስሃ ቀሲሰ
ወለአርክሊስ እኁሁ ፈሪሀ እግዚአብሔር ዘለብሰ
ደቂቀ ጎርጎርዮስ እሉ ዘኢየአምሩ ደነሰ
አሐዱ በኂሩቱ ተሠይመ ጳጳሰ
ወካልኡኒ መኒኖ ገዳመ ፈለሰ።

✟✟✟ ቅድስት ነሣሒት ✟✟✟

ስንክሳር ብትግርኛ

22 Dec, 20:15


ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሀገረ ዘውሲም ኤጲስቆጶስ ዝኾነ ፡ አባ ያዕቆብ ብዛዕባኣ ከም ዝተናገረ ፡
ጓል ንጉሥ ሮምዝኾነት ፡ ቅድስት ነሣሒት አዕረፈት።
እዛ ቅድስቲ አደ ድማ ፡ አብ መበል 4ይ ክ/ዘመን ካብ ዝነበራ ኣደናቂ ታሪኸን ካብ ዝተጸሓፈለን ቅዱሳን ኣዴታትና ሓንቲ እያ:: ናታ ገድሊ (ዜና ሂወት) ዝጸሓፎ ኣባ ያዕቆብ ናይ ኣውሲም ኤዺስ ቆዾስ እዩ:: ንሱ ከምዚ ይብል:-"ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዳም እንተለኹ: ኣጋ ምሸት ማዕጾ ናይዚ ገዳም ክንኩሕዃሕ ሰማዕኩ:: መን ከም ዝኾነ ምእንታን ክፈልጥን ክኸፍቶን ተጸጋዕኩ" ይብል እዚ ቅዱስ አቦ::

ነቲ ማዕጾ ከፊቱ ምስ ተመልከተ ገጹ ዝተሸፋፈነ ሓደ መነኮስ ርእሱ አድኒኑ ቆይሙ ጸንሖ:: "መን ኢኻ? ካበይ ከ መጺእካ?" እንትብል ሓተቶ:: እቲ መነኮስ ድማ "አነ ካብ ገዳመ ቅዱስ መቃርስ ዝመጻእኩ መንገደኛ እየ። በዛ ለይቲ ምሳኹም ክሓድር ፡ ሥጋኡን ደሙን እውን ክቕበል እደሊ አለኹ" በሎ::

አባ ያዕቆብ ግን ንድሕነት እቲ ገዳም ክብል "መጐናፀፍያኻ ቅልዐዮ እሞ ገጽካ አርእየኒ" ምስ በሎ እቲ መነኮስ "አቦየ! ብብዝሒ ኃጥያተይ ገጸይ ስለ ዝጸለመ ንኃጥያተይ አይትመራመረኒ" እንትብል መለሰሉ።

አባ ያዕቆብ "አየእትወካን" ኢሉ ገዲፍዎ ኸደ:: "ግን ምናልባት ዝጠመዮ ሰብ እንተኾይኑ ፈጣርየይ ክሓዝነለይ እንድዩ!" ኢሉ ከፊቱ አእተዎ። አበው ድራር እንትበልዑ እንተለዉ እቲ ጋሻ አይበልዕን ዝነበረ:: ንሳቶም እንትድቅሱ እንተለዉ እቲ ጋሻ መነኮስ ክጽሊ ጀመረ።

ካብ ድምጹ ግርማ ዝተላዕለ ድማ እቶም ኩሎም መነኮሳት ደንጊጾም ተንስኡ። መዝሙረ ዳዊት እንትዝምር እንተሎ ነጐድጉዋድ ድምጹ ከም ድምጺ መልኣክ ስለዝነበረ ምድሪ ርዐደት። አባ ያዕቆብ ድማ ተደነቐ:: ብኸምዚ ሓዲሮም ዕለተ ሰንበት ስለ ዝነበረ ብንግሁኡ ቅዳሴ አተዉ::

ስለ ክብሩ ድማ ኣብ ቅዳሴ ሰዓት መልእክታትን ወንጌልን እቲ ጋሻ ኣንበበ:: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ መጐናጸፍያኡ ምስ ተገለጸ ግን ካብ ግርማ መልክዑን ካብ ብርሃን ገጹን ዝተላዕለ ክምልከትዎ ኣይከኣሉን::

ሥጋኡን ደሙን ምስ ተቀበለ በዓል ኣባ ያዕቆብ በረኸቱ ንክቕበሉ እንተኸዱ ተሰወሮም:: ንሳቶም ድማ ሓዘኑ::

እዚ ዜና ናይ ሓደ ወዲ መነኮስ ታሪክ ዘይኮነስ ወዲ መሲላ ንርእሳ ሰዊራ ናይ ዝነበረት ናይ ቅድስቲ ነሳሒት ታሪክ እዩ::

እዛ ቅድስቲ ካብ ነገሥታት ሮም ንሓደ ጓሉ ወላ እኳ እንተኾነት ስለ ፍቅሪ ጎይታ አብ 12ተ ዓመታ ካብ ቤተ መንግስቲ ጠፊኣ ናብ በረኻ ኣተወት:: ነገር ግን ሠራዊት ናይ አቦኣን መነኮሳትን ስለ ዝደልይዋ ወዲ መሲላን ንርእሳ ሠዊራን አብ ደብረ አባ መቃርስ ነበረት::

ሽዑ ድማ ካብ ሓደ ገዳም ናብቲ ካልእ እናተዘዋወረት ነይራ ጸጋ እግዚአብሔር ምስ በዝሐላ ድምጻን መልክዓን ፍሉይ ኮነ:: እግዚአብሔር ኡብ ልዕሊ ቅዱሳኑ ድንቂ ስለ ዝኾነ:: ቅድስቲ ነሣሒት በዛ ዕለት አብ በረኻ አዕሪፋ መንገደኛታት አበው ቀበርዋ። በረከታ ይሕደረና ፡ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለወለተ ንጉሥ ነሳሒት ስማ
ከዊና ግኅሥተ እምነ አቡሃ ወእማ
እንበለ ታጠይቅ ገጻ በመካነ ጽልመት ቀዊማ
እንዘ ታደምፅ መዝሙረ ከመ ድምፀ መልአክ ዘራማ
ገድላ ፈጸመት ወሠለጠት ፃማ።

✟✟✟ አባ ገብረ ክርስቶስ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መበል 66 ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ዝኾነ ፡ ቅዱስ አባ ገብረ ክርስቶስ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ፡ አብ ውሽጢ ናይ እምቤትና ቤተ ክርስቲያን ዘላ ዝደረቐት ኦም አውሊዕ አብ ዕለተ በዓላት ክትልምልምን ክትፈርን ፡ ድሕሪ እቲ በዓል ድማ መሊሳ ክትደርቕ ብግልጺ ዝረአዩ ዓብዪ አቦ እዮም፡፡

አብ ኢትዮጵያ ብሓሶት ንዓርሱ ጳጳስ ገይሩ ዝነበረ ቆሪል ዝበሃል ሓሳዊ ሰብ ብጸሎቶም ብክፉእ አማውታ ከም ዝመውት ገበሩ፡፡ እቲ ዝኾነ ከምዚ እዩ፡- ቆሪል ብሓሶት ንዓርሱ ጳጳስ ገበረ እሞ ናብ ናይ ግብጺ ንጉሥ ብዙሕ ወርቅን ገንዘብን ብምልኣኽ ‹‹አብ ሃገረ ኢትዮጵያ ናይ ጵጵስና ሹመት ንኽሾመንን ናይ ሹመት ደብዳቤ ድማ ንክልእኸለይን ንሊቀ ጳጳሳት አባ ገብረ ክርስቶስ አዝዞ። አነ ድማ ዓመት ዓመት ብዙሕ ወርቂ ክልእኸልካ እየ›› በሎ፡፡

ንጉሥ ድማ ንሊቀ ጳጳሳት አባ ገብረ ክርስቶስ ጸዊዑ ንቆሪል አብ ዘለዎ ፡ አብ ኢትዮጵያ ንኽሾሞን ደብዳቤ ክልእኸሉን ኣዘዞ፡፡ አባ ገብረ ክርስቶስ ድማ ‹‹ንሱ ናብዚ እንተዘይቀሪቡ እዚ ነገር ክኸውን አይክእልን›› ኢሎም ንንጉሥ መለሱሉ፡፡

ንጉሥ ድማ ‹‹ከም ዝኣዘዝኩኻ ግበር›› ብምባል ምስ ኣዘዞም አቦና ድማ ‹‹ከም ፍቃድካ ይኹን›› ኢሎምዎ ወጹ፡፡ በቲ ግዜ ድማ ንኽሎም ኤጲስቆጶሳት አኪቦም እቲ ንጉሥ ዝአዘዞም ነጊሮም ካብ ናይ ሓሳዊ ቆሪል ተንኮል ምእንቲ ከድሕኖም ብሓድነት ናብ ጎይታና ብምጽላይ ማለዱ፡፡

በተን ወርሓት ድማ ቆሪል ተሲኡ ብዙሕ ወርቂ ሒዙ ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክሃድም ዳህላክ በጽሐ፡፡ ናይ ዳህላክ ንጉሥ ድማ ሒዙ ነቲ ወርቅን ገንዘብን ኵሉ ወረሶ፡፡ ንዕኡ ድማ አሲሩ ናብ ግብጺ ለአኾ፡፡ ናይ ግብጺ ንጉሥ ድማ 6 ወርሒ ምስ ኣሰሮ ብሠይፍ ቆረጾ፡፡ እግዚኣብሔር ናይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ጸሎት ስለ ዝሰምዐ ነዚ ነገር ፈጸመ፡፡ እዞም ቅዱስ አቦ ድማ ፡ አብ ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር 30 ዓመት ምስ አገልገሉ ብሰላም አዕረፉ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱስ አቦ ይምሓረና ፡ በረከቶም እውን ይሕደረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለገብረ ክርስቶስ በቅብዐ ክህነት ዘተኀትመ
አበ ድኩማን ይኩን ወዘመዓስባን ቃውመ
ከመ ርእየ ይቤ በቤተ ማርያም መድምመ
ይቡስ ዕፀ ዘይት እስከ ይፈሪ ጥዑመ
ለለበዓላ ሠሪዖ ይየብስ ዳግመ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መድሐኒና አብ ዓለም ውሽጥ ብርሃን ገለጸ። ንሱ ንዝተአስሩ ክፈትሖም ብበደል ምኽንያት ዘመጽአ ጸልማት ከርሕቕ ናብ ዓለም ዝመጽአ ብርሃን ከም ዝኾነ ፡ ብርሃንነቱ ገለጸ። ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን ፡ ልዘለዓመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለብርሃን በብሔረ ጽልመት ዘጸደለ
ሙቁሐነ ይፍታሕ ወይኪድ ሲኦለ
እግዚአብሔር አቡሁ እንዘ ያጠዓጥዕ ቃለ
አመ ቀዳሚ ኵነኔሁ በከመ ይቤ ብሂለ
ብርሃነ መለኮት መጽአ ወለብሰ አባለ።

ሰላም ለብርሃን እምቅድመ ዓለም ዘተዓውቀ
ዘውእቱ ቃል ሕያው አመ በሥጋ ሠረቀ
ሙሴ በደብር እስከ ደንገፀ ወወድቀ።
ወኤልያስኒ ፈሪሆ ዘርኅቀ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

21 Dec, 17:51


✟✟✟ ፲፫ ታሕሣሥ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

፲፫ ታሕሣሥ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ዘመነ ተንባላት ፡ አባ በጽንፍርዮስ ብሰማዕትነት አዕረፈ። እዚ ብፁዕ ፡ አብ ሀገረ ምስር አብ ወሰን ሩባ አብ ዘላ ፡ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ቤተክርስቲያን መንኮሰ። ዓብዪ ገድሊ እናተጋደለ እውን ነበረ። ምእንቲ ቅንዕቲ ሃይማኖት እውን ምስ መሳፍንቲ አስላም ተኸራኸረ። ናይ ጎይታና ክርስቶስ መለኮት እውን ገለጸሎም፤ አምላኽ ምዃኑ እውን አረድኦም። በዚ ምኽንያት አስላም ስለ ዝሐፈሩ ተቖጥዑ። ጽኑዕ ብዝኾነ ሥቓይ አሳቐይዎ ፡ ርእሱ እውን ቆሪጾምዎ ፡ ናይ ሰማዕትነት አኽሊል ተቐበለ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለበጽንፍርዮስ እንተ ለብሰ ምንኵስና
በቤተ ገብርኤል ፀዋሬ ዜና
በእንተ ሃይማኖት ርትዕት ለብሔረ ተንባላት መስፍና
በበዙኅ ኵነኔ ድኅረ ለሥጋሁ ኰነና
በተመትሮ ርእሱ አድምዐ በሰማይ ልዕልና፡፡

✟✟✟ አባ መቃርስ ገዳማዊ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቆቛሕ ዝምገብ ዝኾነ አባ መቃርስ ገዳማዊ መዘከርታኡ እዩ። አባ መቃርስ ካብ ብእዋን ንእስነቱ ጀሚሩ ንእግዚአብሔር ምኽታል ዝደሊ ዝነበረ እዩ። ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንን መፃሕፍትን ተምሂሩ ድማ ናይ እዚ ዓለም ከንቱነት (ዝሓልፍ ምዃኑ) ፡ ንፃድቃን ሠናይ ዋጋ ከም ዘሎን ንኃጥአን ድማ ኵነኔ ከም ዘሎን አስተውዐለ። በዚ ምኽንያት ጣዕሚ እዛ ዓለም ንዒቑ፣ ንዓለም ገዲፉ፣ አብ ሓንቲ ገዳም መንኮሰ። ካብኡ እውን ካብቲ ዝመንኮሰሉ መንገዲ 10 መዓልቲ ርሒቑ ብምኻድ ኩዕንቲ፣ ቆቛሕን ማይን አብ ዘለዎ እምባ በጽሐ እሞ ፡ ኩዕንቲ አሪኻ ንምግቢ ምጥቃም ጊዜ ዝወስድ ብምዃኑን ባሕታዊ ስለ ዝኾነ ድማ ዝሕግዞ ስለ ዘይብሉ ካብ ጸሎትን ስግደትን ከይተኣጓጎል ቆቛሕ እናተመገበ ክነብር ወሰነ። ሥጋ አይትብልዑ ዝተብሃለ እውን ናን ብፃይካ ሥጋ ብሐሜት አይትብላዕ ንማለት ከም ዝኾነን ካልእ ምግቢ ከም ዘይብሉ ኸዓ ፈጣሪኡ ከም ዝፈልጥን ብምዝካር ቆቛሓት እናፃወደ ይምገብ ነበረ። ብፍቓድ አምላኽ ኸዓ ሐንቲ ሐንቲ ቆቛሕ አብ መዓልቲ ትተሓዘሉ ነበረት። ንሳ በሊዑ ካብቲ ማይ ሰትዩ እናመሥገነ ይነብር ነበረ። መዓልቲን ለይቲን ብጸሎትን ስግደትን ብምትጋህ ንብዙሕ ዓመታት ናብ እግዚአብሔር እናለመነ ተቐመጠ። ናይ ሰብ ድምፂ አይሰምዕን፣ ገፅ ሰብ እውን አይርኢን። አብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሓሜት ኮነ ጸርፊ ምስ ማንም አይነጋገርን። ምኽንያቱ ምስ ሰብ እንተዘይኮይኑ ሰይጣን (በይኑ) አይመጽእን ይበሃል እዩሞ። ብድሕሪ እዚ ግን ሐደ በዓቲ (ጕድጓድ) ክእልሽ ካብ ቍስጥንጥንያ ዝኸደ መነኮስ ቆቛሕ እናሓዘ ስለ ዝረአዮ መነኮሳት ክገብርዎ ዘይግባእ ስራሕ ይሰርሕ አሎ። መነኮሳት ሥጋ ክምገቡ የብሎምን ዝብል ሥርዓት ጥሒሱ ቆቛሕ ይምገብ አሎ። ብዝብል ናብ ቍስጥንጥንያ ተመሊሱ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ከሰሶ። እዚ ንምጽራይ ከዓ ሐደ ካልኣይ መነኮስ ተወሲኹሉ ናብ አባ መቃርስ ንኽጓዓዙ እሞ እዚ ነገር ሓቃውነቱ ከረጋግጹ ተልኣኹ። ንአቡነ መቃርስ ድማ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ኹነታት ሠለስተ ቆቛሓት ብታ ሐንቲ መፃወዲት ተትሒዘናሉ ረኸበን።

ከምዚ ኢሉ ሓሰበ "ጎይታይ እዚአተን ዝሃበኒ ክፍትነኒ ድዩ? ወይስ ከብደይ ቅድሚ ሀዚ አይጸገበትን ድያ ነይራ ኾይና? ንኻልኦት ሰባት እዩ ከይብል አብዚ በረኻ እዚ ካብ ሰብ ወገን ዝረአኽዎ የብለይን።"
ብኸምዚ አብ ሐሳብ ውስጢ እናሃለወ ግን ነቶም አጋይሽ መነኮሳት ረአዮም ምስ ረአዮም ተሐጎሰ ከምዚ እናበለ ኸዓ ሰገደ። "ድኽነተይ ሪአኻ ንቅዱሳን አገልገልትኻ ምግቦም ስለ ዝሃበብካኒ አመሥግነካ አለኹ።" ንሳቶም ግን እቲ ምግቢ ቆቛሕ አዳልዩ ክሳዕ ዘምጸአሎም ይጠቓቐሱዎ ነበሩ። አቕሪቡሎም ባሪኾም ንኽበልዑ እውን ነጊርዎም ንሱ ናይ ባዕሉ ምንም ከይተናገረ በጽሞና ተመገበ። እቶም መነኮሳት ግን አይበልዑን ነበሩ እሞ ፤ ቅዱስ አቦና " አቦታተይ ንምንታይ እዩ ዘይበላዕኹም?" በሎም። ንሳቶም ድማ "ንሕና መነኮሳት ኢና ሥጋ አይንበልዕን" በልዎ። አባ መቃርስ ኸዓ ጽቡቕ እምበአር ኢሉ ነተን ንምግቢነት ዘዳለወን ቆቛሓት ሠለስተ ገዜ ኡፍ እንተበለለን እተን ተዳሊወን ዝነበራ ቆቛሓት ሕይወት ሠሪዐን፣ በሪረን በሪረን ከዳ። ብድሕሪ እዚ እቶም መነኮሳት "አበሳና ይቕረ በለልና" ኢሎም አብ እግሩ ወዲቖም ለመንዎ። ንሱ ድማ "ንኹልና እግዚአብሔር አበሳና ይቕረ ይበለልና" በሎም።
እቶም መነኮሳት ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ዝረአዩዎ ተአምር ንሊቀ ጳጳሳት ነገርዎ። ንሱ እውን ሰሚዑ ተደነቐ። ናብ ንጉሥ መልእኽቲ ልኢኹ ድማ "አብ ዘመንና ሐደ ፃድቕ ሰብ ዝኾነ መነኮስ ተረኺቡ አሎ። ንስኻ እውን ነዓናይ በረኸቱ ንቀበል" በሎ። ሽዑ ንሽዑ ንጉሥ ምስ ሰራዊቱ ጳጳስ እውን ምስ ካህናቱ፣ እቶም አቐዲሞም ናብቲ ቦታ ኸይዶም ዝነበሩ መነኮሳት እናመርሑዎም አባ መቃርስ ናብ ዘለዎ ቦታ ከዱ።
ናብኡ ምስ ቀረቡ ግን መልአኽ ናብ ብሔረ ሕያዋን ንኽወስዱ ብመናፍሩ ጸሮ (ተሸከሞ)። እናዓረገ እናሃለወ ምስ ረአይዎ ድማ "አታ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ባርኸና፣ እንድሕነላ ሐንቲ ቓል እውን ንገረና" እናበሉ ዓው ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም "ይጹም ልሳንክሙ እም ነገረ ውዴት ወሐሜት። ካህን እም ኢተምህረ ብዙኀ ትምህርተ እም ኢመጽኦ ትዕቢት ወትዝህርት፤ ወመነኰስ እም ኢያብዝሐ ትኅርምተ እም ኢመጽኦ ትምክሕት። ወተፋቀሩ በበይናቲክሙ ወእግዚአብሔር የሃሉ ምስሌክሙ/አንደበትኩም ካብ ናይ ውዲትን ሐሜትን ነገር ይጹም ፡ ካህን ብዙሕ ትምህርቲ እንተዘይመሃር ትዕቢትን ትዝህርቲን አይምመጽኦን። መነኰስ እውን ትህርምቲ እንተዘየብዝሕ ትምክሕቲ አይምመጽኦን" ኢሉዎም ዓረገ፤ ካብኣቶም እውን ተሰወረ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን በጸሎት እዚ ጻድቕ አቦ ይምሐረና ፡ በረኸቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለመቃርዮስ ዘተመስጠ መልዕልተ
በቅድመ ጉቡአን ይንብብ ዘይብል ቃላተ
እም ኢያእመሩ ትዕቢተ ወዘይመስሎ ትምክሕተ
እም ኢያፈድፈደ ካህን ትምህርተ
ወእም ኢያብዝሐ ካዕበ መነኮስ ትኅርምተ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅድስት ሐና ንእምቤትና ቅድስት ድንግል ማርያምን ከም ዝጸነሰታ ዝናገሩ አለዎ፡፡ ጸሎታን በረከታን ምሳና ይኹን ፡ አሜን፡፡

✟✟✟ አባ ሚካኤል ገዳማዊ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ደብረ ቀልሞን ፡ አባ ሚካኤል ገዳማዊ ናይ ዕረፍቱ መዘከርታ እዩ።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ሚካኤል ዲያቆን
ገዳማዊ ግኁስ እምደብረ ቀልሞን
ለበዊዕ ቅጽበኒ ኀበ ይትረሳዕ ኀዘን
ሶበ ላዕሌሃ ተወልደ ሕፃን
ከመ ሕማማ ትረስዕ ማሕፀን፡፡

✟✟✟ አባ አብራኮስ ገዳማዊ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አባ አብራኮስ ገዳማዊ አዕረፈ። አቦታትና ነዚ ቅዱስ አቦ ፡ "ኃያል መነኮስ" ይብልዎ። አብ 20 ዓመቱ ናብ በረኻ ኣትዩ ን70 ዓመታት አብ በረኻ እናተጋደለ 90 ዓመት መልኦ:: ንሰይጣን ድማ ካብ አከባቢኡ አርሐቖ።

ሰይጣን ድማ ንዕኡ ከውድቖ ስለዘይከኣለ እንተኾነስ ካብ ጾሙን: ጸሎቱን ስግደቱን ንእሽቶ እንተቀነሰለይ ኢሉ ሓዱሽ ናይ ፈተና ሜላ ፈጠረ:: ቀሪቡ ድማ ብጋህዲ "ኣብራኮስ ንስኻ ደኺምካ ኢኻ:: ግን እኮ ገና 50 ዓመት ዕድመ ኣለካ" በሎ::

ስንክሳር ብትግርኛ

21 Dec, 17:51


እዞም ቅዱስ ግን ንሰይጣን "አሕዚንካኒ! አነኮ ገና 100 ዓመት ዘለኒ መሲሉኒ እዩ ብውሑድ ዝጋደል ዘለኹ። ከምኡ ካብ ኮነ እማ ካብ ዝነበረኒ ጾምን: ጸሎትን ስግደትን ብዕጽፊ ክውስኽ እየ" ምስ በሎ ሰይጣን ሓፊሩ ተመልሰ:: ቅዱስ አብራኮስ ግን አብቲ ዓመት ፡ ን70 ዓመታት ተጋዲሉ ፡ አብ 90 ዓመቱ አዕረፈ::

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን በጸሎት እዚ ጻድቕ አቦ ይምሓረና ፡ በረኸቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለአብራኮስ እም መዋዕሊሁ ትርፍተ
መጠነ ዓመታት ኃምሳ ሶበ አሰፈዎ ሐሰተ
ለሰይጣን ሞዖ በብሂል ዘንተ
እፎ አጽራዕኩ ፃምዎ ወተሀከይኩ ሀኬተ
እንዘ ይመስለኒ አሐዩ ምእተ ክረምተ፡፡

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሰማዕት አብራቂስ፥ ሐርስፎስ፥ መኰንን ቆርኔሌዎስ፥ ወርቅጥጶስን አፍሬን መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

04 Dec, 18:10


✟✟✟ ሕዳር ፳፮ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ ሰማዕታት ናግራን ✟✟✟

ሕዳር ፳፮ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሰማዕታት ናግራንን ናይ አቦኦም አባ ኂሩትን መዘከርታኦም እዩ። አብ 6ተ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ናግራን (ናይ ሕዚ የመን) ናይ ክርስቲያን ሃገርን ናይ አክሱም ግዝኣትን ነበረት። ናይ ሳባ ግዝኣት ናትና ነገሥታት ምስ ገደፍዋ ዝተተክአ ፊንሐስ ድማ ጨካን ኣይሁዳዊ ስለ ዝነብረ ንናግራን ከጥፍኣ ተመነየ:: ቀጺሉ ድማ "ንሃገርኩም ክበጽሓ" ኢሉ ብምትላል ኣተወ::

ሽዑ ድማ ንህዝብን ካህናትን ኣኪቡ "ንክርስቶስ ከሓዱ" በሎም:: ጽኑዓት ክርስቲያን ግን "አይግበርን" በልዎ:: ንሱ ግን ልዕሊ 4,000 ዝኣክሉ ካህናት: ዲያቆናትን ምሁራንን ጨፍጨፈ::

ነዚ ገይሩ "ሕዚ ኸ ደኣ?" በሎም:: እቶም ህዝቢ ግን ሕዚ እውን "ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝፈልየና የለን" በልዎ:: እቲ ጨካን ፊንሐስ ድማ እንደ ገና ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕሊ 4,100 ዝኾኑ ጨፍጨፈ::

ንዓብዪ ቅዱስ ሒሩት ድማ (መራሒ ህዝቢ እዩ) ብዙሕ አሳቕዩ ሰየፎ:: ንሰበይቱ ንቅድስቲ ድማሕ ድማ ን2ተ አዋልድ ደቃ ሰይፎም ናይ ደቃ ደም አስተይዋ:: ድሕሪኡ ድማ ሰየፍዋ:: ነዚ ዝተመልከቱ ናይ ናግራን ክርስትያን ግን አብ ክንዲ ፍርሓት ብፍቓዶም እናጎየዩ ናብቲ እሳትን ሰይፍን ተቐዳደሙ::

እታ ከተማ ድማ እናነደደትን ደም እናፈሰሳን ን40 መዓልታት ጸንሐት:: ነዚ ዝሰምዐ ቅዱስ ንጉሥ ካሌብ ንጉሥ አኽሱም ድማ በጺሑ ነቶም ዝተረፉ አድሒኑ ንፊንሐስ ምስ ወተሃደራቱ አጥፍኦ::

ናይ እዞም ቅዱሳን ሰማዕታት በረከቶም ምስ ኵልና ይኹን ፡አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ሥነክሙ መአድመ
ከዋክብተ ናግራን ሰማዕት ዘአብራህክሙ ዓለመ
ዐራቄ ኩኑነ ወመስተሳልመ
በቅድመ አምላክ ፈታሒ አመ ኃጢአትነ ቆመ
በእንተ ስሙ ዘከዓውክሙ አርእዩዎ ደመ።

✟✟✟ አቡነ ሃብተ ማርያም ጻድቅ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ብፁዕ፣ ቅዱስን ንጹሕን አቡነ ሃብተ ማርያም ጻድቅ አዕረፉ። እዞም ጻድቅ አቦ ፡ መካነ ምውላዶም አብ የራውዕይ ዝተብሃለ ቦታ እንትኸውን እንተሎ አቦኦም ፍሬ ቡሩክ ፡ አዲኦም ከዓ ቅድስት ዮስቴና ትበሃል። ብፍላይ ቅድስት ዮስቴና ብጣዕሚ ጽብቕቲ ፡ ፈታዊት ምጽዋት: ብርክቲ ሰበይቲ ነበረት:: ከምኡ እውን ቅድሚ ጻድቅ አቦና ምውላዱ መኒና ናብ ጭው ዝበለ በረኻ አትያ ነበረት::

ግን ዝበቅዐ መናኒ አቦ ረኸባ እሞ "ካብ ማህጸንኪ ሕያዋይ (ርህሩህ) ናይ ቅድስት ሥላሴ ባርያ አሎ እሞ ተመለሲ" ኢልዋ እንደ ገና ተመለሰት:: ንጻድቅ አቦና ወሊዳ አዕብያ እንደ ገና መኒና ብተጋድሎ ጸኒሓ 7 አክሊላት ተቀቢላ አዕረፈት::

ናብ ናይ ጻድቅ አቦና ዜና ሕይወት ክንምለስ አቡነ ሃብተ ማርያም ገና ህጻን እንተለዉ ምስ አዲኦም ቆይሞም ከቀድሱ እንተለዉ "እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ" ክበሃል ሰሚዖም:: ነዛ ጸሎት ብህጻን አንደበቶም ሒዞም ለይቲ ለይቲ እንዳተንስኡ "በይዛኻ መሓረና?" እንዳበሉ ይሰግዱ ነበሩ::

ወዲ 5 ዓመት ህጻን ከምዚ ክገብር ምርኣይ ብኡነት የደንቅ እዩ:: ቅሩብ ዕብይ ኢሎም አብ ጓስነት እንተለዉ እውን ፍጹም ተሓራምን ጸዋምን ነበሩ:: ጸጋኦም ስለ ዝበዝሓሎም ቆልዓ እንከለዉ ብዙሕ ተኣምራት ሰሪሖም እዮም:: ናይ ፈጣሪኡ ስም ዘቃለለ ሓደ ጓሳ እውን ኣብ ልዕሊ ኣየር ሰቂሎም ኣውዒሎሞ እዮም::

ድሕሪኡ ግን ንአካለ መጠን ምስ በጽሑ ናብ ት/ቤት ኣትዮም: መጻሕፍቲ ከኣ አጽኒዖም መነኑ:: ብ ናይ አባ መልከ ጼዴቅ ኢድ ድሕሪ ምምንኳሶም ዝሰርሕዎ ትሩፋትን ዝነበሮም ተጋድሎን ግን ብናተይ ድኻምነት ድኹም ሰብ ክዝርዘር ኣይከኣልን እዩ::

አብ ውሽጢ ባሕሪ ሰጢሞም 500 ጊዜ ይሰግዱ። ብመዓልቱ እውን 4ቲኡ ወንጌልን 150 መዝሙረ ዳዊትን ይጽልዩ። አብ 40 መዓልቲ : ቀጺሎም ውን አብ 80 መዓልቲ ሓንቲ ግዜ ጥራሕ ይምገቡ ነበሩ። ምግቦም ከዓ ሳዕርን ቆጽልን ጥራይ እዩ:: በብመዓልቱ ብዘይ ምቁራጽ ማዕጠንት የዕርጉ:: (ካህን ስለዝኾኑ) ወትሩ ብንጽሕና ቅዱስ ሥጋኡ ይበልዑ ፡ ክቡር ደሙ ይሰትዩ። ብፍጹም እውን አብ ውሽጢ ልቦም ቂምን ክፍኣትን አየሕደሩን::

በዚን ብኻልእ ትሩፋቶምን ደስ ዝበሎ ጎይታ ድማ ነዞም ጻድቅ ናይ እሳትን ናይ ብርሃን ሠረገላን ሂብዎም ብኡ እንዳበረሩ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ:: ድሕሪ ብዙሕ ናይ ተጋድሎ ዘመናት ድማ ናይ ክብሪ በዓል ቤት መድኃኒና ክርስቶስ አዕላፍ መላእክት አኸቲሉ መጺኡ፡ ከምዚ በሎም፥

1. ምእንታይ ጥምየትን ጽምእን ስለ ዝተዓገስካ ፡ ስለ ምናኔኻ ፡ ስለ ዝተባረኸ ምንኩስናኻ ፡ ስለ ንጹህ ድንግልናኻ ፡ ቂምን በቀልን ስለዘይምሓዝካ ፡ ስለ ንጹህ ክህነትካን ማዕጠንትኻን ፡ ቅዱስ ወንጌል ብፍቕሪ ስለ ምንባብካ 7 አክሊላት ክህበካ እየ::"

"አብ ሰማይ ድማ አብ ጎኒ መጥምቀ ዮሐንስ ፡ 500 ናይ አዕምዲ ዑንቂ ዘለዎ አዳራሽ ሂበካ አለኹ:: ብስምካ ዝልምኑ : ብቃል ኪዳንካ ዝምሕጸኑ ኩሎም ክምሕረልካ እየ" በሎም::

ቅዱሳን መላእክቲ ከኣ "ሃብተ ማርያም ሓውና" እናበሉ ሓቐፍዎ:: ጎይታ ግን በታ ሰዓት ሓደን ሰለስተን ኮይኑ ተርአዮም እሞ ሓቂፉ 3 ጊዜ ሰዓሞም:: ካብ ፍቅሩ ጽንዓት ዝተለዓለ ድማ ነፍሶም ካብ ስጋኦም ተፈልየት ፡ ብዝማሬ ከዓ ወሰድዋ::

በረከቶም ጸሎቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ፡አሜን

ዐርኬ

ሰላም እብል ለቀሱተ ማይ እንተ ተፈልጣ
እስከነ ትገብእ ድኅረ በትእዛዘ ክርስቶስ ቤጣ
ሀብተ ማርያም ብፁዕ ተመጣዌ ኪዳን እም አፈ የውጣ
እስእለከ ትዕቀባ ለነፍሰ ዚአየ ኢያስፍጣ
አርዌ ሰማይ ርጉም ዐጊቶ ከመ አንበጣ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ልደቶም እዩ። ናይ አቡነ ኢየሱስ ሞዐ ፡ ሰማዕታት ቅዱስ ቢላርዮስን ሰበይቱ ቅድስት ኪልቅያን ፡ አቡነ ጎርጎርዮስ ዘደሴተ ሰንሲላን መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋናይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Dec, 18:13


ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዞም። ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Dec, 18:13


✟✟✟ ፳፭ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ፩ አምላክ አሜን

✟✟✟ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ✟✟✟

፳፭ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ትርጓሜ ስሙ መርቆሬዎስ ዝኾነ ሰማዕት ፒሉፓዴር ብሰማዕትነት አዕረፈ። መርቆሬዎስ ማለት ድማ ፈታዊ አብ እዩ። ካልኣይ ትርጉሙ ድማ አገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ።

እዚ ቅዱስ ድማ አስሊጥ ካብ እትበሃል ሃገር እዩ። ንሳ ድማ ዓዲ አቡኡን አቦ ሓጎኡን እያ። ዝተወለደሉ ዝዓበየሉን ግን አብ ከተማ ሮም እዩ። አቡኡን አቦ ሓጎኡን ድማ ሥራሕቶም ሃደን አራዊት ነበረ። ካብ ዕለታት ሐንቲ መዓልቲ ድማ ከም ልማዶም (ንሃደን) ወጽኡ። ካብ ገጸ ከለባት (ዝኾኑ) ክልተ ሰባት ድማ ተራኸቡዎም። ንአቦ ሕጎ ቅዱስ መርቆሬዎስ ድማ በልዑዎ። ካብኡ እውን ንአቡኡ ክበልዑዎ ደለዩ። መልአኽ እግዚአብሔር ድማ ኸልኦም። "ካብኡ ካብኡ ሠናይ ፍረ ክወጽእ እዩ እሞ ከይትትንክፉዎ" እውን በሎም። ብድሕሪ እዚ እውን መልአኽ እግዚአብሔር ዙርያኦም ብሐዊ ከበቦም።
ምስ ተሸገሩ ድማ ናብ አቡኡ ንቅዱስ መርቆሬዎስ መጽኡ እሞ ሰገዱሉ። አብቲ ጊዜ ድማ እግዚአብሔር ፍጥረቶም ናብ ከም አባጊዕ የውሀት ለወጠ። ምስኡ ድማ ናብ መንደር አተዉ። ብድሕሪ እዚ ድማ ቅዱስ መርቆሬዎስ ምስ ተወለደ ስሙ ፒሉፓዴር ሰመይዎ። እቶም መልክዕ ከልቢ ዘለዎም እውን አብኣቶም ንብዙሕ ዘመናት ዝነብሩ ኾኑ። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ ወለዲ ቅዱስ መርቆሬዎስ አቐዲሞም አረማውያን ነበሩ እሞ ተጠመቑ። ጸጋ ጥምቀት ክርስትና ምስ ተቐበሉ ድማ ንአቦ ቅዱስ መርቆሬዎስ ኖህ (ኢሎም) ሰመይዎ። ንአዲኡ ድማ ታቦት ሰመይዋ። ንፒሉፓዴር ከዓ መርቆሬዎስ ሰመዩዎ።
ብድሕሪእዝዚ ፡ ናይ አቦኡን አዴኡን ዳሕራይ እንደገና ክሳዕ ዝራኸቡ ተፈላልዮም ምጽንሖም ናይ አምላኽ ጥበብ እኳ እንተነበሮ፡ ቅዱስ ማርቆስ መጀመርያ ምስ አዴኡ ዳሕራይ ድማ አብ ቤት አቡኡ ድሕሪ ምዕባዩ ወተሃደር ኮይኑ ብፍላይ ድማ #ዳኬዎስ ንዝተባህለ ገዛኢ ሮም የገልግል ነበረ። እግዚአብሔር አምላኽ ገና ቅዱስ መርቆሬዎስ ከይተወልደ እንተሎ ድማ ንአባ ሓጐታቱ አብ ጊዜ ሃደኖም ተገሊጹ ካብኦም ዝውለድ ኅሩይ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ። ብዝተዋህቦ ፍሉይ ጸጋን፡ ብዘገልግልዎ ኃይሊ እግዚአብሔር ዝለበሱ ገጸ ከለባት ዘለዎም ሰባት አአዝዩ ዝፍራሕን ግርማ ዝነበሮን ድማ ነበረ። እምበኣርከስ ድሕሪ ሞት አቦኡን አዲኡን ድማ አብቲ አቡኡ ዘመሓድሮ ዝነበረ ግዝኣት ተሸይሙ ነበረ። እቲ አብ ጊዜኡ ዝተረፈ ገጸ ከልብ ዝነበሮ ሰብ ድማ ከምቲ ንአቦኡ ንዕኡ እውን የገልግሎ ስለዝነበረ፡ ይፍራሕ ነበረ። አብ ጊዜ ዂናት እውን አብ ቅድሚኡ ዝቐውምን ዝደፍሮን አይነበረን።

አብ ዓውደ ዂናት እውን ምስቲ ገዛኢ እናተሳተፈ ይምለስ ነበረ። አብ ሓደ እዋን አብ ሮማ ነጊሡ ዝነበረ ዳኬዎስ ዝተባህለ ንጉሥ መምለኺ ጣዖት ነበረ እሞ ፡ ናይ በርበር ሰባት አንጻሩ ስለ ዝተላዕሉ ክዋግኦም ሠራዊቱ አኽተተ። አብ ግምባር ምስ ተሰለፈ ግና ብዝሒ አንጻሩ ዝገጥሞ ሠራዊት አደንገጾ እሞ ፈርሐ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ግና “አይዞኻ! እግዚአብሔር ከጥፍኦም ስለዝኾነ አይትፍራሕ” በሎ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ፡ አብ ውሽጢ እቲ ኵናት መልአኽ እግዚአብሔር ከጥፍኦም ርአየ፤ እቲ መልአኽ ድማ ንቅዱስ መርቆሬዎስ ሰይፊ አቐበሎ እሞ “ንጸላእትኻ ምስ ሰዓርካ ንእግዚአብሔር አምላኽካ ዘክሮ” በሎ። ሕዚ እውን ጸላእቱ ምስ ሠዓረ እቲ መልአኽ ካልኣይ ተገሊጹ “ስለምንታይ ምጽዋዕ ስም ፈጣሪኻ እትርስዕ?” በሎ።

ብአንጻሩ ድማ እቲ መምለኺ ጣዖት ዝነበረ ዳኬዎስ፡ መርኣያ ሓጐሱ ክብ ዝበለ ግብዣ ነቶም ሠራዊቱ ብምድላው ፡ ነቲ ዓወት ሂቡኒ ዝበሎ ጣዖቱ መሥዋዕቲ አቕሪቡ ናብ ቤተ መንግሥቱ ተመልሰ። አብዚ እዋን እዚ መርቆሬዎስ እቲ ነገር ባህ አይበሎን። ከመይሲ መርቆሬዎስ ካብ ልቡ ስለዝጓሃየ “እዚ ገዛኢ እሲ ፡ ኃይልን ዓወትን ንዝሃቦ እግዚአብሔር ከየመሥገነስ ፡ ንጣዖት ንምንታይ ይሰግድን ይሥውዕን?” ብምባል ናብቲ ዝተዳለወ ግብዣ ከይተሳተፈ ተረፈ። ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ዘስተውዐሉ ገለ ክንፍተው በሃልቲ ከይዶም “ወተሃደርካ መርቆሬዎስ ንጣዖትካ አይሰገደን ካብቲ ዘዳለኻዮን ግብዣ እውን አይጠዓመን - ክኽሕደካ ይሓስብ ይህሉ ከይኸውን…” ብምባል ሓሰዉሉ።

ዳኬዎስ እውን ኽሲ ምስ ሰምዐ ፡ ንመርቆሬዎስ አጸዊዑ “ትፈትወኒ ዶ አይነበርካን፤ ስለምንታይ ኢኻ ኸ ነቲ ጣዖተይ ዘይዓጠንካ? መሥዋዕቲ ኸ ዘይሠዋዕካ እንታይ ኮይንካ ኢኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ግና ብትብዓት “አነ ንጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ አይክሕዶን፡ ንርኹሳት ጣዖታት እውን አይሰግድን” ብምባል ነቲ ዓጢቕዎ ዝነበረ ዕጥቂ ፈቲሑ አብ ቅድሚ ዳኬዎስ ደርበዮ። በዚ ዝተበሳጨወ ዳኬዎስ “ግረፍዎ” ኢሉ ኣዘዘ። ከም ሕሱም ድማ ተቐጥቀጠ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ብሕዝቢ ተፈታዊን ብሠናይ ግብሩ መምህር ስለዝነበረ፡ እቲ ንጉሥ ነቲ ሕዝቢ ከየለዓዕሎ ብምፍራሕ ናብ #ኤስያ አርሒቑ ክእሰር ወሰነሉ። ድኅሪ ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ምቕባሉ ድማ ተኣሢሩ ካብ ሮም ናብ ቂሣርያ ተወስደ። አብኡ ድማ ብእምነቱ ጸኒዑ ስለዝተረኽበ፡ ብኸምኡ እውን ንኽቕተል ስለዝተፈርዶ ክሣዱ ብሰይፊ ተኸሊሉ አኽሊል ሰማዕትነት ረኸበ። ካብ ኣምላኹ ድማ ዘይኃልፍ ብዙሕ ቃል ኪዳን ተዋህቦ።

ድሕሪ ሰማዕትነት ቅዱስ መርቆሬዎስ፡ ድሕሪ ዳኬዎስ ዑልያኖስ ዝብሃል ከሓዲ ንጉሥ ተንሥአ። ንሱ ድማ አብ ቂሣርያ ነቶም ሕዝቢ "ንክርስቶስ ከሓዱ፡ ንጣዖት ስገዱ" እናበለ መከራ የጽንዐሎም ነበረ። በቲ ጊዜ እቲ መምህራን ዝነበሩ ክልተ አሕዋት ባስልዮስን ጎርጎርዮስን ስቕ ክብሉ አይከኣሉን፤ ናብ ልቡ ክምለስ ከዓ ይምዕድዎ ነበሩ። ብቓላቶምን ብድፈረቶምን ተበሳጭዩ ድማ ንስም ጐይታ ብምጽራፍ፡ አብ ቤት ማእሰርቲ ደርቢዩዎም ነበረ። ሻዑ ግና አንጻሩ ውግእ ስለዝተኸፍተሉ ናብቲ ዂናት አብ ዝኸደሉ “ደሓን ምስ ተመለስኩ ዝገብሮ አነ እፈልጥ” እናበለ እናፈከረ ናብ ኲናት ወፈረ።

ሽዑ ሊቀ ጳጳስ ቂሳርያ ዝነበረ ቅዱስ ባስልዮስ ፡ አብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሠርቲ ፡ ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝነበረን፡ ሥዕሊ ቅዱስ መርቆሪዎስ እውን ስለ ዝርአየን፡ ጸሎቱ የብጽሕን አማላድነቱ ይምሕጸንን ነበረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ከም ዝቐትሎ ገበረ። ቅዱስ ባስልዮስን ጎርጎርዮስን ድማ አብቲ ሥዕሊ ካብ ዝነበረ አፍ ናይቲ ኲናት ደም ከንጠባጠብ ርአዩ። ቅዱስ ባስልዮስ ድማ ነዚ ተረዲኡ “ኦ ሰማዕተ ክርስቶስ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ጸላኢ ጽድቂ ዝኾነ ዑልያኖስ ቀቲልካዮ ግዲ?” ብምባል ሓተቶ። እቲ ኣብቲ ሥዕሊ ዝነበረ መርቆሬዎስ ድማ “እወ” ከም ምባል ርእሱ ነቕነቐ። ቅዱስ ያሬድ እውን ‘ደነነ ሥዕል ከመ ኦሆ ዘይብል/ እቲ ሥዕሊ እወ ከም ዝብል ኮይኑ ደነነ።’ ብምባል ይጠቕሶ እዩ። በዚ ዘደንቕ ግብሪ ተሓጒሶም ከዓ ፡ እዞም ክልተ አሕዋት ቅዱሳን ንእግዚአብሔር አመሥገኑ።

ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ፡ ጸሎትን በረኸትን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለመ ዓለም ይንበር ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለከ መርቆሬዎስ ዘሮም
መስተጽዕነ ፈረስ ጸሊም
አመ አንደዱ ታሕቴከ ውሉደ መርገም
እም ቅሡፍ አባልከ እንተ ውሕዘ ደም
አርአያ ብዙሕ ዝናም አጥፍኦ ለፍሕም።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አቃርዮስን ሮማኖስን ዝዝከሩሉ (ዓመታዊ) በዓሎም እዩ ፤ በረከቶም ድማ ምሳና ትኹን ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

02 Dec, 20:13


✟✟✟ ፳፬ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ፳፬ ካህናተ ሰማይ ✟✟✟

፳፬ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ዙርያ መንበር እግዚአብሔር ናይ ዘለዉ ፳፬ ካህናተ ሰማይ መዘከርታ በዓሎም እዩ። እዚኣቶም ድማ ፡ ሥጋ ዘይብሎም ረቂቃን እንትኾኑ ፡ ናይ ጽድቂ ካህናት ዝኾኑን ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ብላዕሊ ኾይኖም ካብ ሰማይ ሠራዊት ኵሉ እውን ልዑላን እዮም። ንሳቶም እውን ልእግዚአብሔር ቅሩባት ብምዃን ፡ ምእንቲ ሰባት ዝማልዱ ፡ አብ አእዳዎም ካብ ዘሎ ማዕጠንቲ ድማ ከም ዕጣን ናይ ቅዱሳን ጸሎታቶም ናብ እግዚአብሔር ዘቕርቡ እዮም። ብዘይ ናይቶም አቕራብነት ጽድቅን ምጽዋትን ናብ እግዚአብሔር አይቐርብን።

ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ አብ ራእዩ ከምዚ ኢሉ ከም ዝተናገረ ፤ "አብ ዙሪያ ዙፋኑ 24 መናብርቲ አለዉ። አብዞም መንበራት ድማ ፡ 24 ሓለቓታት ተቐሚጦም አለዉ። ጸዓዱ አልባሳት እውን ለቢሶም ነበሩ ፤ አብ አራእስቶም ድማ ፡ ናይ ወርቂ አክሊላት ነበሮም። አብ አእዳዎም ድማ 14 ማዕጠንትታት (ጽንሐታት) ነበሮም፤ እዚ እውን አብ ምድሪ ናይ ዝነብሩ ቅዱሳን ጸሎቶም እዩ። ናብቲ ኵሉ ዝሐዘ ናብ እግዚአብሔር ድማ የዕርግዎ።"

ካብኡ እውን "ካልእ መልአኽ መጽአ። አብ ቅድሚ መሠውዒ እውን ቆመ።ማዕጠንቲ ወርቂ እውን ሒዙ አሎ። አብ ልዕሊ ቅድሚ መንበሩ ዘሎ ናይ ወርቂ መሠውዒ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳን ንኸዕርግ ድማ ብዙሕ ዕጣን ሃቡዎ። ጢስ ናይ እቲ ዕጣን ድማ ምስ ጸሎት ቅዱሳን ብኢድ እቲ መልአኽ ናብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዐረገ።
"ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር አምላኽ አማልኽቲ ዝነበረን ዝነብርን" እናበሉ መዓልቲን ለይቲን ዕረፍቲ የብሎምን። እዞም እንስሳቱ ከምዚ እንትብሉን ንዘለዓለመ ዓለም ሕያው ንዝኾነ አብ ዙፋን ንዝተቐመጠ ክብርን ምሥጋናን አቕረቡ።

ሽዑ ጊዜ ድማ እቶም ፳፬ ካህናተ ሰማይ ነቲ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያው ንዝኾነ አብ ዙፋን ንዝተቐመጠ አብ ቅድሚኡ ሰገዱ፤ አኽሊላቶም እውን ናብ ቅድሚ ዙፋኑ ይወስዱ እሞ "ስብሐት ፡ ክብርን ሓይልን ንዓኻ ይግባእ። ንስኻ ንኹሉ ፈጢርካ ኢኻ። ዝተፈጠረ ኹሉ ድማ ብናይካ ፍቓድ ይነብር' ይብሉዎ።

ካብ ብሉይን ሐዲሥን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፡ ንሳቶም ንእግዚአብሔር የመና ቅሩባን ከም ዝኾኑ ብዛዕባኣቶም ምሥክር ኮኑሎም። ምእንቲ ኹልና ደቂ አዳም ድማ ይልምኑን ይማልዱን። ስለዚ ድማ መምህራን ቤተ ክርስቲያን ፡ ነዞም ሰማያዊያን ፳፬ ካህናተ ሰማይ ፡ መዘከርታ በዓሎም ንኽንገብር አዘዙና።

ልእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብአማላድነቶም ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ንዘለዓለመ ዓለም ትንበር ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ካህናተ ሕጉ ወትእዛዙ
ለእግዚአብሔር ቃል ዘጶደሬ ሥጋ ዓራዙ
እም ነቅዐ አፉክሙ ሐሤት ዘኢይነጽፍ ውኂዙ
ኪያየ ኅዙነ ወትኩዘ ልብ ናዝዙ
ወበክንፍክሙ ብርሃናዊ ዐውድየ ሐውዙ።

✟✟✟ ቅዱስ አዝቂር ካህን ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ዘመነ ምንግሥቲ ሰራባሄል ንጉሠ ሖሜር ፡ ናይ ሀገረ ናግራን ቀሺ ቅዱስ አዝቂር ምስ ካልኦት ምስኡ ሰማዕት ዝኾኑ 48 ሰማዕታት ብሰማዕትነት አዕረፈ።

እዚ ንጉሥ ንአዝቂር ናብ ቤት ማእሠርቲ ንኸእትዉዎን ማዕጾ ንኽዓጽዉዎን ምስ አዘዘ ፡ ነቶም ሐለውቲ (ቤት ማእሠርቲ) እውን ካብ ሰብ (ወገን) ሐደ እኳ ናብኡ ንኸይአቱ አዘዞም።

ቅዱስ አዝቂር ምስ ጸለየ ግን ናይ ሐፂን አፍ ደገታት ቤት ማእሰርቲ ተከፊቱ ናብኡ ሐምሣ ሰብኡት አትዮም ብስም አብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን አጥመቖም። ክቐትልዎ ኢሎም እናወሰድዎ ድማ ንእግረ መንገዱ ይሰብክ ነበረ። ነቶም ቀተልቱ አብ በረኻ ጽምኢ ማይ ከይቐትሎም ሓንቲ ከብዲ ኢድ እተኣክል ዝናብ ኣዝኒቡ ን700 ወተሃደራት ምስ አፍራሶም አርወዮም::

አብ መወዳእታ ድማ አይሁድ ብእምኒ እንትቕጥቅጥዎ እንተለዉ እተን እእማን እናተመልሳ ርእሶም ወቕዐኦም:: አብቲ ጊዜ እቲ ብብስጭት ክሳዱ ቆረጽዎ:: ምስኡ ድማ ንቅዱስ ኪርያቅ ፈታዊኡን ን48 ተኸተልቱን ሰየፉ::

እግዚአብሔር ብጸሎቶም ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ንዘለዓለም ምሳና ይንበር ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአዝቂር ለእግዚአብሔር ምእመኑ
ወዘውገ ሱራፊ ካህኑ
ለኪርያቅ ሰላም ወለካልአን ማኅበራኑ
ከመ ወርቅ ወብሩር እለ በእሳት ተፈትኑ
በእንተ ክርስቶስ አምላክ አመ ስምዐ ኮኑ።

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንቅዱሳን ቃልትው፣ ጋዮስ፣ አትርዮስ፡ አባ ዮሴፍ ዘሃገረ ጻን፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ጥዑም ዜናን ዝኽርን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ሰማዕትን መዘከርታኦም እዩ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

01 Dec, 18:46


✟✟✟ ፳፫ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ✟✟✟

፳፫ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጻድቕ ሐለቓ ሚኢቲ ቆርኔሌዎስ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ፡ አብ ናይ ፍልስጥኤም ቂሣርያ አብ ልዕሊ ሚኢቲ ወታደራት ሓለቓ ኮይኑ ተሸይሙ ነበረ። ንሱ ድማ ከዋኽብቲ ዘምልኽ ነበረ። ናይ ሐዋርያት ዜና ስብከቶምን ማንም ዋላ እቶም ዘምልኾም አማልኽቲ ከገብሮም ዘይኽእል ተአምራቶምን ምስ ሰምዐ ፡ አብቲ ጊዜ ንአማልኽቲ ምስጋድ ሐደገ። ብድሕሪ እዚ ድማ ዝጸውምን ዝጽልይን ኮነ። ንነዳያንን ንዝተጸገሙን ድማ ዝርሕርሕ ኮነ። አብ ጊዜ ጸሎቱ ድማ 'ኦ ጎይታይ እነሆ አነ ካብ ምፍላጥካ ጉዱል ኮይነ አለኹ እሞ ፡ ንስኻ ግን እቲ ቐጥተይና መንገድኻ ምርሐኒ' ይብል ነበረ።
ሕያዋይን ይቕረ በሃላይን እግዚአብሔር እውን ይቕረ ኢሉሉ ፡ መልአኹ ለአኸሉ። ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ደንጊጹ፡ “እንታይ ትብል አለኻ ጐይታይ?” በለ። ንሱ ድማ፡ “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ መዘከርታ ኮይኑ ደዪቡ እዩ። ሕዚ ከዓ አብ እንዳ ሰፋዪ ስምዖን ዝቕመጥ ንዘሎ ንጴጥሮስ ዚብሀል ስምዖን ንክኸምጽኡልካ ሰባት ናብ ባሕሪ ቀረባ ናብ ዘላ ኢዮጴ ለኣኽ። ንሱ ድማ ንስኻን ኩሉ ቤትካን እትድሕኑሉ መነገዲ ክነግረካ እዩ።” አብቲ ጊዜ ድማ እቲ መልአኽ ከም ዝነገሮ ሰባት ለአኸ። ጴጥሮስ ምስ በጽሐ ድማ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። አብ ትሕቲ አእጋሩ ተደፊኡ እውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና፡ ‘አነ እውን ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ’ ኢሉ አተንስኦ። ምስኡ እናተዛራረበ እውን አተወ፡ አብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ተአኪቦም ረኸበ እሞ፡ “ንአይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ሕዝቢ ሰባት ክሕወስ ወይ እውን ናብ ቤቱ ክአቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ነአይ ግና፡ ንሐደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል አምላኽ አርእዩኒ። ምእንት እዚ ድማ ምስ ለአኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኹ። ሕዚ ድማ ናባይ ብዝለአኽኩምዎ ዝጸዋዕኹምኒ ንምንታይ እዩ? እስቲ ንገሩኒ” በሎም።
ቆርኔሌዎስ ድማ፡ “ቅድሚ አርባዕተ መዓልቲ ብታሽዐይቲ ሰዓት አብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዘብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብአይ አብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ ‘ቆርኔሌዎስ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ መዘከርታ ኮይኑ ደዪቡ እዩ። ሕዚ ከዓ አብ እንዳ ሰፋዪ ስምዖን ዝቕመጥ ንዘሎ ንጴጥሮስ ዚብሀል ስምዖን ንክኸምጽኡልካ ሰባት ናብ ባሕሪ ቀረባ ናብ ዘላ ኢዮጴ ለኣኽ። ንሱ ድማ ንስኻን ኩሉ ቤትካን እትድሕኑሉ መንገዲ ክነግረካ እዩ።” በለኒ። ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለአኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእኻ ጽቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ ኩሉ እግዚአብሔር ዝአዘዘካ ንኽንሰምዕ እነሆ ኲላትና አብ ቅድሚካ እኔሀና” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ አፉ ኸፊተ። ብዛዕባ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ምእንቲ ድሕነት ሰብ ፡ ሰብ ስለ ምዃኑን ፡ ስለ መከራኡን ሞቱን ትንሳኤኡን ናብ ሰማያት ዕርገቱን ንሕያውንንን ምዉታንን ንኽፈርድ እውን ከም ዝመጽእን ነገሮም። ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ድማ ምስ ኩሉ ቤተሰቡ ብናይ ክብሪ በዓል ቤት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አመነ። አብኡ ዝነበሩ ብዙሓት አሕዛብ እውን አመኑ። አብ መጽሐፍ ግብረ ሐዋርያት ከም እተጽሐፈ ድማ ብስም አብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተጠመቑ። ብድሕሪ እዚ ድማ ቆርኔሌዎስ ሹመት መኰንነት እዚ ዓለም ሐደገ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ናይ ክርስቶስ ወታደር ናይ ምዃን ሺመት ሃቦ። አብ ልዕሊ ሀገረ እስክንድርያ ኤጲስቆጶስ ገይሩ ሸይሙዎ እዩ እሞ። ናብኣ ኸይዱ ድማ ብሽም ናይ ክብሪ በዓል ቤት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰበኸ። ጣዖታት ንዘምልኹ እውን ስሕተቶም ገለጸሎም። ንልዑል እግዚአብሔር ብምፍላጥ እውን ልቦም አብርሀሎም። አብ ቅድሚኦም እውን ተአምራት ገበረ። ብዙሓት እውን አመኑ። አጥመቖም ድማ። ብድሕሪኦም ከዓ ንመኰንን ድሜጥሮስ አጥመቖ። ንእግዚአብሔር አገልጊሉ ከዓ ብሰላም አዕረፈ።
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ በረከቱ እውውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ብእሴ ሐዲሥ መርዓ
ቆርኔሌዎስ ዋሕድ እምነ እርድእት አርብዓ
ኀቤከአ ከመ አስተብቍዐ
ይጠይቅ አርአያከ ወአምሳሊከ ኅቡአ
ኬንያ ሥዕልከ መዊቶ ተንሥአ።

✟✟✟ ቅዱስ አብድዩ ነቢይ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ትርጓሜ ስሙ ገብረ እግዚአብሔር ማለት ዝኾነ ቅዱስ አብድዩ ነቢይ መዘከርታ ዕረፍቱ እዩ። እዚ ቅዱስ ድማ አብ ጥቓ በረኻ ኽሩም አብ እትርከብ ሀገረ ሱሳም ካብ ዝነብሩ ሰባት ወገን እዩ።ንኤልያስ እውን ረድኡ ኮነ። አብ ልዕሊኡ ንዝመጽአ ብዙሕ መከራ እውን ተዐገሰ። ካብኡ (ካብቲ መከራ) እውን ብትዕግስቱ ደሓነ። ንሱ ድማ ንኤልያስ ዝተጋነዮ ሳልሳይ ሐለቓ ሐምሳ እዩ። ኤልያስ ድማ ራሕርሐሉ እሞ ምስኡ ናብ ንጉስ አክዓብ ወረደ። ብድሕሪ እዚ ድማ ንምድራዊ ንጉስ ምልእኣኽ ሐደገ። ነቢይ እውን ኮነ። ዘመን ትንቢቱ ፈጺሙ ድማ ብሰላም አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ነቢይ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአብድዩ መንፈሰ አእምሮ ለባሲ
በውሣጤ በዓት ዘኀብአ ነቢያተ እስራኤል ይሤሢ
እንዘ ያጤይቅ ምጽአቶ በከዊነ አምላክ ወብእሲ
ይቤ በአፉሁ እግዚአብሔር ነጋሢ
ለእለ ተኀርዩ መድኀኒተ በጽዮን እሬሲ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

30 Nov, 18:54


✟✟✟ ፳፪ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!

✟✟✟ ቅዱሳን ቆዝሞስ ወድምያኖስ ✟✟✟

፳፪ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱሳን ሰማዕትታት ቆዝሞስ ድምያኖስን ምስ ካልኦት ሠለስተ አሕዋቶም አንቲቆስ ፡ አብራንዮስን ዮንዲኖስን ምስ አደኦም ቴዎዳዳን ብሰማዕትነት አዕረፉ።

እዚኣቶም ድማ ድዮማ ካብ እትበሃል ከተማ ብስም ወዲ እግዚአብሔር አብ ዝተሐንጸት ሐንጻ ካብ ዘለትሉ ሀገረ አረምያ እዮም። አቦኦም አብ ጊዜ ንእስነቶም ብምዕራፉ 5ተ አወዳት ቆልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት አብ ዝባን አዲኦም ወደቐ:: አዲኦም ቅድስት ቴዎዳዳ ትበሃል። ብጣዕሚ እትገርም ፡ ቡርኽቲ አደ እያ። ሓሙሽተ ደቃ "ቆዝሞስ ፡ ድምያኖስ ፡ አንቲቆስ ፡ አብራንዮስን ዮንዲኖስን" ይበሃሉ።

ንሓሙሽቲኦም ደቃ ዕለት ዕለት ናብ ቤተ እግዚአብሔር ትወስዶም ፡ ካብ ቅዱስ ቃሉ ተስምዖም ፡ መንፈሳዊ ሕይወት ተለማምዶም ነበረት። አምላክ ካባና ዝደልዮ ሠናይ ፍቓድናን ብቅንዕና ዝኾነት ንእሽቶይ ጻዕርናን ስለ ዝኾነ ቅድስት ቴዎዳዳ ተኸናወነላ። ደቃ ብኣካልን ፡ ብመንፈሳዊ ሕይወትን ዓበዩላ።

እንተኾነ ግን ፡ እቲ ዝነበሩሉ ዘመን ፡ ማለት እውን ካብ ልደት ክርስቶስ ድሕሪ 275 ዓመታት ፡ አብ ሶርያን አብ ሮምን ዝነገሡ ክልተ አራዊት (ዲዮቅልጢያኖስን መክስምያኖስን) ንክርስቲያን አብ ዝወዓልዎ አይነሕድርን ፡ አብ ዝሓደርዎ ድማ አይነውዕልን ኢሎም ፈጺሞም አሳደዱዎም።

ቅድስት ቴዎዳዳ ድማ ፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ነገሥታት መዓት ምስ ደቃ ክትማኸር ስለ ዝነበራ ንምይይጥ ተቐመጡ:: ሠለስቲኦም ደቃ ካብ ብቑልዕነቶም ጀሚሮም ዝደልይዎ ዝነበሩ ምናኔ መረጹ።

ቅድስቲ ቴዎዳዳ ብመሠረት ምርጫኦም ፡ ንቅዱሳን አንቲቆስ: ዮንዲኖስን አብራንዮስን መሪቓ ናብ በረኻ አፋነወቶም። ንሳ ድማ ምስ ክልተ ቅዱሳን ደቃ ቆዝሞስን ድምያኖስን ተረፈት::

እዞም ቅዱሳን አብ ከተማ ዝተረፉ ግን ንዓለም ናፊቖም አይኮኑን። ብእሥራት መከራ ንዝቕበሉ ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን ምእንታን ከገልግሉ እዩ እንበር።

ቅድስቲ ቴዎዳዳ አብ ቤታ ንነዳያን እናተቐበለትን እናአብልዐትን ክልቲኦም ቅዱሳን ደቃ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናዘሩ ንእሱራን (ስለ ክርስቶስ ንዝተኣስሩ) ክሓቱን: ከጸናንዑን: ንቑስሎም እናሓጸቡን ንከብዶም ድማ ብምግቢ ክድግፉ ይውዕሉ ነበሩ።

እዚ ጽቡቕ ሥርሖም ንፈጣሪ ደስ እንተአበሎ ፡ ንአራዊት ዲዮቅልጢያኖስ ግን ካብ መጠን ንላዕሊ አባሰጨዎ። ሽዑ ንሽዑ ተታሒዞም ንኽቐርቡ ኣዘዘ:: ብትእዛዙ መሠረት ድማ ቆዝሞስን ድምያኖስን ተኣሢሮም ቀረቡ::

"ከመይ ደፊርኩም ኢኹም ንትእዛዘይ ትሥዕሩ! ሕዚ ድማ ስቓይን ሞትን ወይ ድማ ንዓይ ካብ ምእዛዝን ንሐዲኡ ምረጹ" በሎም:: እቶም ቅዱሳን ምርጫኦም ግልጺ ነበረ። ንሳቶም ግን ሃይማኖቶም መረጹ።

እቲ ንጉሥ ድማ "ግረፍዎም" በለ:: ንልብሶም ገፊፎም: ንቑልቁል ደፊኦም አሢሮም: ብሓፂንን ብዕንፀይቲ ዘንግን ቀጥቀጥዎም። ደሞም ድማ አብ ልዕሊ መሬት ወሓዘ:: ንሳቶም ግን ንፈጣሪ የመሥግንዎ ነበሩ።

እዚ ዜና ቀልጢፉ ናብ አዲኦም በጺሑ ስለዝነበረ ቅድስቲ ናብ አደባባይ ሰማዕታት ጎየየት። ሓንቲ አደ ደቃ አብ ኣደባባይ ተሰቒሎም ደሞም እናንጠብጠበ ረኸበቶም።

ግን ንክብሮም ዘኪራ ተጸናንዐት። ቀልጢፋ ድማ አብ ማእኸል እቲ ሕዝቢ ስለ ስንፍናኡ ነቲ ከሓዲ ብድፍረት ዘለፈቶ። እቲ ንጉሥ ድማ ብቁጥዐ ክሳዳ ብሠይፍ አውቅዓ። ክልተ ቅዱሳን ነዚ ብዓይኖም ርአዩ። ንሓንቲ ነገር ድማ ተመነዩ። ናይ አዲኦም አካል ዝቐብር ሰብ::

ግን ድማ ኵሉ ስለ ዝፈርሐ ናይታ ቅድስቲ አካል አብ ልዕሊ መሬት ወዲቑ ወዓለ። ሽዑ ንቑልቁል ተደፊኡ ተሰቒሉ እንተሎ ቅዱስ ቆዝሞስ ዓው ኢሉ በኸየ:: "ካብ ማእኸልኩም ነዛ ሽማግለ ንእሽቶይ ርህራሄ ዘለዎ ዶ ሰብ የለን?" ክብል ድማ ሓዘነ። ሃንደበት ግን ኃያል መራሒ ኲናት ቅዱስ ፊቅጦር መጽአ።

ንሰይፉ ተዓጢቑ ፡ አብ ማእኸሎም አትዩ ናይታ ቅድስቲ አካል አልዓለ። ብኽብሪ ተሸኪሙ ድማ ወሲዱ ቐበራ። አብ መጨረሻ ግን ከሓዲ ንጉሥ ናይቶም ሠለስተ አሕዋቶም ዜና ብምስምዑ ካብ በረኻ ብወተሃደራት ተታሒዞም መጽኡ:: ድሕሪኡ ብብዙሕ መከራ አሳቕዮም ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንሓሙሽቲኦም አሰሊፎም ቀተልዎም:: ናይ ክብሪ ክብሪ ድማ ምስ አዲኦም ወረሱ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ደቂቀ ቴውዳዳ ዘተንእዱ
በበአስማቲሆሙ ለለአሐዱ
ዘኮነቶሙ ምኅባኣ ለእግዚአብሔር በፈቃዱ
እማሕጸነ ምድር አምሳለ ሕጻናት ተወልዱ
ለእሳተ ኵነኔ መፍርሕ ድኅረ ኀልቀ ነዱ።

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ በዝሖም
፪፻፺፪ (292) አወዳት ፡ ከምኡ እውን ፵፱ (49) አንሽቲ ፡ ብድምሩ ፫፻፵፩ (341) ሰማዕታት ፡ ማሕበራነ ቅዱስ ቆዝሞስ ሰማዕትነት ተቐበሉ ፡ በረከቶም ፡ ምሳና ፡ ንዘለዓለም ፡ ይንበር ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ክልኤ አምአተ
ተስዓ ወክልኤተ ዕደወ ኃይል እሎንተ
ዓዲ አርብዓ ወተስዓተ አንስተ
እንዘ ይዘልፋ ፡ ንጉሠ ወይፄእላ ጣዖተ
ምስለ እለ ቆዝሞስ ደርገ ዘኮኑ ሰማዕተ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሓረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

29 Nov, 19:20


✟✟✟ ፳፩ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

✟✟✟ ጽዮን ማርያም ✟✟✟

፳፩ ሕዳር ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ናይ አደና ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ክብረ በዓላ እዩ። ሕዳር ጽዮን እናተብሃለ ይፍለጥ። ጽዮን" ማለት "ጸወን - እምባ - መጸግዒ" ማለት እዩ:: ከምኡ ውን ብምሥጢሩ "ማሕደረ አምላክ" ማለት እዩ:: ጽዮን ዝብል ስም በቁሙ ንናይ ቅዱስ ዳዊት ጎቦን ናይ ኪዳኑ ጽላትን ከገልግል ከሎ ብትንቢታዊ ምሥጢሩ ግን ንድንግል ማርያምን: ንቤተ ክርስቲያንን ንዘለዓለማዊት ርስትን የገልግል::

እግዚአብሔር ድሕሪ ዘመነ አበው አብቲ ጊዜ ንእሥራኤላውያን ክብሪ: ሞገስ: እምባ እትኾኖም ታቦተ ጽዮን ብናይ ቅዱስ ሙሴ ምኽንያት ትዋህቦብ:: (ዘጸ. 31:18) ድሕሪኡ ድማ ን500 ዓመታት ምስኣቶም ብምዃና ኣብ ማእከል ፈጣርን ማእከሎምን ድልድል ኮይና ነበረት::

ሽዑ በዓልቤት ምስ ፈቀደ ኣብ ዘመነ ሳባ: ብምኽንያት ቀዳማዊ ምኒልክ (እብነ መለክ-እብነ ሐኪም) ናብ ኢትዮዽያ መጸት:: እነሆ ኣብ ሃገርና ናይ 3ተ ሽሕ ዓመታት ጻኒሕታ ክትመልእ ዝተረፋ ቅሩብ ዓመታት ጥራይ እየን:: ጎይታ ፍቃዱ ኮይኑ ንቅዱስ መስቀሉን ንታቦተ ጽዮንን ሒዝና እንሆ ብምሕረቱ ንነብር ኣለና::

ከምኡ ኮይኑ ንታቦተ ጽዮን ክሰርቁ ዝደልዩ ብዙሓት ቀተልቲ ከምዘለዉ ንፈልጥ:: ግን ኣይንጭነቅን:: ምክንያቱ ድማ ዝመጸትን: እትሕለውን ብፈቃድ እግዚአብሔር እዩሞ ንጽሊ ደኣ እንበር ኣይንጭነቕን::በዓልቤት ክትከይድ እንተፈቂዱ ድማ ማንም ጉልበተኛ ኣየትርፋን::

ታቦተ ጽዮን ብዙሕ ግዜ "ጽላተ ኪዳን: ታቦተ ሕጉ" እናተባህለት ትጽዋዕ:: "ጽሌ" ማለት "ሰሌዳ" ከም ማለት ክኸውን ከሎ "ጽላት" ድማ ብብዙሕ ቁጽሪ እዩ:: "ኪዳን" ድማ ኣብ ማእከል ፈጣርን ደቂ ሰባትን ዘሎ "ውዕል - ስምምዕነት" እዩ::

"ታቦት" ማለት "ማሕደር-መሕደሪ" ከም ማለት እዩ:: ሕጉ ዝተጻሓፋ ሰሌዳ "ጽላት" ክንብላ ከለና ናይታ ጽላት መሕደሪት ድማ "ታቦት" ይበሃል:: ጽላት (ንታቦት) ዘምጽአ ፈጣሪ እዩ:: ኣብ ሐዲስ ኪዳን ድማ ምሥጢርን ሐተታን እንተሃለዎዃ ኣብ 2 ቦታ ስለ ታቦት ተጠቂሱ ንረክብ:: (2ቆሮ. 6:16, ራዕይ. 11:19)
አብ መጨረሻ ድማ ኅዳር 21 ንጽዮን ማርያም እነኽብረላ ምኽንያታት ክንምልከት ኢና:: በዛ መዓልቲ:-

1.ታቦተ ጽዮን (ጽላተ ኪዳን) ንሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ ምሃባ ንዝክር። እዚ ክኸውን እንተሎ ድማ ቅዱስ ሙሴ 40 መዓልቲ: 40 ለይቲ ጾይሙ ከም ዝተቀበለ ከይንዝንግዕ ማለት እዩ:: (ዘጸ. 31:18, ዘዳ. 9:19)

2.አብ ዘመነ ኤሊ ሊቀ ካህናት ታቦተ ጽዮን አብ ታሪኻ ንመጀመሪያ ግዜ ብኢድ አሕዛብ (ኢሎፍላውያን) ተማረኸት:: ግን ድማ ንዳጐን ቀጥቀጠቶ:: (1ሳሙ. 5:1)

3.አብ ዘመነ ልበ አምላክ ቅዱስ ዳዊት አብ ናይ አሚናዳብ ሠረገላ ኮይና: ካብ ቤት አቢዳራ ክትመጽእ እንተላ ቅዱስ ንጉሥ ብዓብዪ ሓሴት ኣብ ቅድሚኣ ዘመረ: ኣገልገለ:: ክሳብ ምድራዊ ክብሩ ዝርስዕ ንታቦተ ኣምላክ ተቃነየላ:: በዚ ድማ ሜልኮል ንዒቓቶ ማህጸና ተዓጽወ:: (1ዜና. 15:25) ሊቃውንቲ ድማ "ንድንግል እመቤትና ማርያም ብትንቢት መነጽር ተመልኪትዋ እዩ" በሉና::

4.አብ ዘመነ ንጉሥ ሰሎሞን (መፍቀሬ ጥበብ) ግሩም ዝኾነ ቤተ መቅደስ ተሰሪሑላ ክትኣቱ እንተላ ዓብዪ ሐሴት ተገብረ:: እግዚአብሔር ድማ ብደመና ወሪዱ ንንጉሥ ተዘራረቦ:: (2ዜና. 5:1, 1ነገ. 8:1)

5.አብቲ ዘመን ድማ ብፍቓድ ፈጣሪ ንጉሥ ምኒልክ ቀዳማዊ (ዕብነ ሐኪም) ንታቦተ ጽዮን ሒዙ ናብ አክሱም ኣተወ::

6.አብ ዘመነ ሃጸን ባዜን (ከባቢ 4ተ ዓ/ም) አማናዊት ጽዮን ድንግል ማርያም ናብ ኣክሱም ጽዮን ብስደት መጽያ ኣተወት:: በዚ ጊዜ ድማ 2ትኤን ጽዮናት ምስተራኸባ ዓብዪ ብርሃን ንአክሱም ወሓጣ::

7. ብ 4ተ ሚኢቲ ክ/ዘመን ድማ ነገሥታት ጻድቃን አብርሀ ወአጽብሐ 12 መቅደሳት ዘለውዋ ግርምቲ ቤተ ክርስቲያን ንእመ ብርሃን ሠሪሖም በዛ መዓልቲ ብጎይታና ተቀደሰ::

8.. ብተወሳኺ በብጊዜኡ ፡ ማለት ድማ ብዮዲት ጉዲትን ብግራኝን ክትፈርስ እንተላ ናብ ዝዋይ ትስደድ ነበረት:: ተመሊሳ ምስ ተሃንጸት ድማ ቅዳሴ ቤታ ዝኽበር ኅዳር 21 እዩ:: በዝን ብካልኦት ምኽንያታትን እዚ በዓል ፍሉይ እዩ::

ጸሎታን በረከታን ፡ ምሕረት ፍቑር ወዳን ፡ ምሳና ንዘዘለዓለም ይንበር ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለኪ ማርያም እምነ
ዘሰመይናኪ ጸወነ
ሶበ እምርሑቅ ርእየ ዘጽላሎትኪ ሥነ
ለቢሶ ዳዊት ልብሰ ክብር ዘየኀይድ ዓይነ
ቅድመ ታቦተ ሕግ ኀለየ ወዓዲ ዘፈነ።

✟✟✟ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ ተአምራት ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ፡ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ ተአምራት አዕረፈ። አብ ቤተ ክርስቲያን ብጣዕሚ ስሞም ጽውዓት ካብ ዝኾኑ ሊቃውንቲ ሓደ ክኸውን ከሎ ብዙሕ ግዜ ዝፍለጥ "ገባሬ መንክራት" ብዝብል ስሙ እዩ:: ገባሬ መንክራት ዝተበሃለ ድማ ብጣዕሚ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ብምሥርሑ እዩ።

አብ 4ተ ሚኢቲ ክ/ዘመን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮም ተወሊዱ ዝዓበየ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ቅድሚ ምምናኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመሃረ:: ንሱ አብ በረኻ እንተሎ ድማ ካብ ጳጳሳት ናይ ሮም ሓደ ብምዕራፉ ተሸያሚ ንምድላይ አበው ሱባኤ ኣተዉ:: እግዚአብሔር ድማ "ንናይ በረኻ ጎርጎርዮስ ድለይዎ" በሎም::

"እሺ!" ኢሎም ንምድላይ በረኻ ምስ ከዱ ንውዳሴ ከንቱ ስለዝጸልእ ተሰወሮም:: ንሳቶም ድማ እናሓዘኑ ተመሊሶም አብቲ ልዕሊ መንበረ ጵጵስና ወንጌል አቐሚጦም ተፈላለዩ:: በዚ ግዜ ቅዱስ መልኣክ ወሪዱ "ኦ ጎርጎርዮስ! ክትከይድ ይግበአካ እዩ" በሎ::

ንሱ ድማ ናብ ከተማ ወሪዱ ዓብዪ ሊቅ ነባቤ መለኮት ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ አብ ዘለዎ በዓለ ሽመቱ ተኸብረ:: ቅዱስ ጎርጎርዮስ አብቲ ዘመን ንብዙሓት መጻሕፍቲ ደሪሱ: ንናይ ክርስቶስ ኣባጊዕ ድማ ሓልዩ: ድንቂ ተኣምራት ድማ ፈጺሙ በዛ መዓልቲ አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ይሕደረና ለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል መዓዛከ መአድመ
እም ቀናንሞስ ዘጥዕመ
ጎርጎርዮስ አብ እንተ ታርኢ መድምመ
አይበስከ ነቅዐ ማዮሙ እስከ ገብርዎ አትላመ
ባእሰ ክልኤቱ አኀው ረሰይከ ሰላመ።

✟✟✟ ቅዱስ ዮሐንስ ዘአስዩጥ ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሀገረ አስዩጥ ወዲ ሰራሕቲ ብርጭቆ ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ድማ አብ መበል 4ይን አብ 5ይን ሚኢቲ ክ/ዘመናት ካብ ዝተንስኡ ከዋክብቲ ጻድቃን ሐደ እዩ:: ዕድሜኡ ድማ ብጣዕሚ ነዊሕ ብምዃኑ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን መሓዛ ነበረ:: ብገድሊ ንኣካሉ ቀጥቂጡ: ብስብከት ድማ ንናይ አስዩጥ (ንኣሲዩት) ምዕመናን ሃኒጹ: ብዙሓት ተኣምራት ድማ ሠሪሑ ካብ ዝውለድ አብ 125 ዓመቱ አብ መወዳእታታት 5ተ ሚኢቲ ክ/ዘመን በዛ መዓልቲ እዚኣ አዕረፈ። በረከቱ ምስ ኵልና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለዮሐንስ በቅድስና ልቡጥ
ብእሲ መንፈሳዊ ዘሀገረ አስዩጥ
እም ኀበ ማርያም ድንግል ወእም ኀበ ወልዳ ሥሉጥ
ይትፈኖ ዮም ምስለ ቃለ ነገር መስልጥ
መንገለ መንፈስ ትኩዝ ወልብ ቅጥቁጥ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

28 Nov, 19:27


✟✟✟ ፳ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።

✟✟✟ ቅዱስ አንያኖስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

፳ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መበል 2ይ ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ቅዱስ አንያኖስ ሊቀ ጳጳሳት አዕረፈ።

እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ሰብ ሃገረ እስክንድርያ (ግብጺ) ኾይኑ ስድርኡ አረማውያን ነበሩ። ስርሑ ድማ ሰፋይ ሳእኒ ነበረ። እዚ ቅዱስ አቦ ፡ ክርስትና ካብ ሓዋርያት ዝተቐበለ አቦ እዩ። ንቅዱስ ማርቆስ መጀመርያ አብ ግብጺ እስክንድርያ ፡ ምስ በጽሐ ፡ ዝተቐበሎ አቦ እዩ። ቅዱስ ማርቆስ ገና ስብከት እንተይጀመረ አብ መንገዲ እናኸደ ተዓንቀፈ ፡ ሳእኑ ተበትኸት፡፡ ናብ ምስፋይ ሳእኒ ስርሑ ዝነበረ አንያኖስ ድማ ከይዱ ንክሰፍየሉ ሓተቶ። አንያኖስ አብዚ ሰዓት እዚ ፡ ምስ ስድርኡ ጣኦት የምልኽ ነበረ። እንተኾነ ግን አንያኖስ ብልቡ ገርሂ ለዋህ ሰብ ነበረ። ሕራይ ኢሉ ድማ ሳእኒ ቅዱስ ማርቆስ ክሰፍየሉ ጀመረ ፡ እንዳሰፈየሉ እንተሎ ግን በቲ መስፈ ስሒቱ ብ ኣጻብዕቱ ወግኦ። ብልሳነ ዮናኒ "አስታኦስ" ኢሉ ዓው ኢሉ ገዓረ። ካብ ኢዱ ውን ደም ፈሰሰ። አስታኦስ ትርጉሙ እግዚአብሔር (ሐደ አምላክ) ማለት እዩ። ነዚ ምስ ሰምዐ ቅዱስ ማርቆስ ናብ ሰማይ ጠሚቱ "መገደይ ሓሳበይ አቕኒዕካለይ ኢካ እሞ ምሥጋና ንዓና ይኹን" ፡ ኢሉ ንእግዚአብሔር አመሥገነ። ምራቁ እንቱፍ ኢሉ ምስ ሓመድ ሓዊሱ (ጸበል)ነታ ዝተወግአት ኢዱ ፡ አንያኖስ ለከዮ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደሙ ደው በለ እሞ ሓወየ። በዚ ተአምር ዝተደነቐ አንያኖስ ደስ እንዳበሎ መኑ አንተ /ንስኻ መን ኢኻ )? ኢሉ ንቅዱስ ማርቆስ ሓተቶ። ቅዱስ ማርቆስ ድማ "አነ ውእቱ ሐዋርያሁ ለዘሞተ በእንተ ፍቅረ ሰብእ (ሐዋርያ ናይቲ ስለ ፍቅር ሰብ ዝሞተ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ በሎ)። ልቡ እበርሀሉ መጽአ ፡ መሊሱ እውን "በይዛኻ! ንኺድ ናብ ገዛይ በሎ" ናብ ቤቱ ወሲዱ ድማ ምስ ኩሎም ስድርኡ አራኺቡ ድማ ናይ ሕይወት ቃል ከስምዖም ለመንዎ። ቅዱስ ማርቆስ ድማ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ጎይታ ናይ ምድሓን ስራሕ ዝፈጸሞ መሃሮም ምስ ስድርኡ ኵሎም ድማ ልቦም በሪሁ አሚኖም ተጠመቑ። ቅዱስ ማርቆስ ናይ ጎይታ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን አቐበሎም። በዚ ድማ ናይ ቅዱስ አንያኖስ ቤት አብ ምድረ ግብጽ ናይ መጀመርያ ቤተ ክርስቲያን ተባህለት፡፡ ቅዱስ ማርቆስ ድማ በዚ ቤት ኮይኑ ንብዙሓት አእመነ ብዙሓት ነፍሳት ማረኸ ፡ ናብ ኣሚነ ክርስቶስ አምጽአ። ብድሕሪ እዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ቅድሚ ሰማዕትነት ምቕባሉ ፡ ንቅዱስ አንያኖስ ናይ ግብጺ ሊቀ ጳጳሳት ገይሩ ሸሞ። ቅዱስ አንያኖስ ድማ ዝተዋህቦ ጸጋ ሸለል ከይበለ ብቅንዕና ህዝቡ አስተምሃረ ፡ ቅኑዕን ሕያዋይ ጓሳን ኮይኑ አባጊዑ (ሕዝቡ) ጓሰየ፡፡ ንሕዝቡ ደስ አቢሉ ፡ ንእግዚአብሔር አስሚሩ በዛ ሎሚ መዓልቲ ፡ ብሰላም አዕረፈ።

ዐርኬ

ሰላም ለአንያኖስ በሐብለ ሃይማኖት ዘተስሕበ
በእስክንድርያ ይሠየም ድኅረ ማርቆስ ሰከበ
አበ ኄረ ከዊኖ ፡ ወአኮ ዓሳበ
እም አፈ ተኵላ መሣጢ ሶበ መርዔቶ ዓቀበ
ዕሤተ ፃማሁ ንጹሕ በሰማይ ረከበ።

ካብኡ እውን በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ናይ ሓለቓ ሠራዊት ፡ ቅዱስ ቴዎድሮስ ሰማዕት ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ተፈጸመ። በረከቱ ፡ ምስ ኵልና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቅዳሴ ቤትከ ቴዎድሮስ ሰማዕት
ሊቀ ሠራዊት
ከመ አድኀንከ ውሉዳ ለዕብራዊት ብእሲት
አድኅነኒ እም አርዌ ዘሢሣየ መርገሙ መሬት
ሠኰና ዚአየ ኢይንስክ በፍኖት።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ስንክሳር ብትግርኛ

19 Nov, 17:42


✟✟✟ ፲፩ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ ቅድስት ሐና ✟✟✟

፲፩ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንክብርቲ እምበይተና ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ዝወለደት ቅድስት ሐና ዕረፍታ እዩ፡፡
ሐና ማለት ‹‹ጸጋ›› ማለት እዩ፡፡ ንአምላኽ ዝወለደት ናይ እመቤትና ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አደኣ እያ፡፡ ንሳ ድማ ካብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ካብ ነገደ ሌዊ ካብ ካህን አሮን ትውልዲ ንዝኾነ ፡ ወዲ ሜልኪ ማጣት ጓሉ እያ፡፡ አቦ ቅድስቲ ሐና ማጣትን አዲኣ ሄርሜላን ካብኣ ብተወሳኺ ሶፍያን ማርያምን ዝበሃላ ካልኦት ክልተ አዋልድ ወለዱ፡፡ ቅድስቲ ሐና ካብ ነገደ ይሁዳ ንዝኾነ ንጻድቅ ኢያቄም ተመርዕያ ንቅድስት ድንግል ማርያም ወለደት፣ ድንግል ማርያም ድማ ንመድኃኔዓለም ክርስቶስ ወለደት፡፡ ሶፍያ ንኤልሳቤጥ ወለደት፣ ኤልሳቤጥ ድማ ንመጥምቁ ዮሐንስ ወለደት፡፡ ካብ ሠለስቲአን ዝነኣሰት ‹‹ማርያም›› ዝተበሃለት ጓል ማጣትን ሄርሜላን ድማ ንሰሎሜ ወለደት፡፡

እዛ ዓባይ አደ ቅድስቲ ሐና ንአምላክ ብድንግልና ኮይና ብሥጋ ንዝወለደቶ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ዝወለደት ዝግብኣ ኮይና እያሞ ካብ ኩለን አንስቲ ከምእትበልጽን ከምትኸብርን ንረዳእ፡፡ እዚ ዓብዪ ጸጋ ዝዓደላ ብምዃና ድማ ዝኽራን በዓላን ክንገብርን ክነኽብራን ይግባእ

በረከት ጸሎታ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለኪ ለጸሎተ ኵሉ ምዕራጋ
ከመ አስካለ ወይን ዲበ ሐረጋ
ሐና ብጽዕት ተፈስሒ እንበለ ንትጋ
እስመ ረከብኪ ሞገሰ ወአድማዕኪ ጸጋ
እምሔውተ አምላክ ትኩኒ በሥጋ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ አርኬላዎስ ሰማዕት፣ አባ ኤልሳዕ አበ ምኔት፣ አባ ጳኩሚስ መነኮስ፣ ቅዱስ ሚናስ ሰማዕትን አዲኡ ቅድስት አውራንያን መዘከርታኦም እዩ። በረከቶም ድማ ንዘልዓለመ ዓለም ምሳና ትንበር ፡ አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለክሙ አርከላዖስ ሰማዕት
ወኤልሣዕ አበ ምኔት
ወምስለ እሙ ጳኵሚስ ኅቡረ ሥርዓት
ጸልዩ በእንቲአየ ክቡራን ኖሎት
እስመ እም መንሱት ያድኅን ጸሎት።

ሰላም ለከ ፈጻሜ ሃይማኖት በኀሠሣ
ዓቢየ ሃይማኖት ሚናስ እም ኍልቈ ቅድሳት ከኒሳ
ሰላም እብል እንዘ እዌድሳ
ለአውራንያ እንተ አዕረቅዋ ልብሳ
ወቀሰፍዋ ዘባና ወከርሣ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

18 Nov, 19:21


✟✟✟ ፲ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ቅድስት ሶፍያ ✟✟✟

ሕዳር ፲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱሳት ንጹሐት መነኰሳይያት ደናግል ምስ እነአን ሶፍያ ብሰማዕትነት አዕረፋ። እዘን ቅዱሳት ካብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓዲታት እንትኾና እንተለዋ ፡ መለኮታዊ ፍቅሪ ናብ ሐድነት አከበን ነይ ምንኲስና ልብሲ እውን ለበሳ፤ ንሱ እውን ናይ መላእክቲ ልብስ እዩ። አብ ሀገረ ሮሜ አብ ዘለዋ ገዳማት አብታ ሓንቲ ብሐደ ዝነብራ ኮና። ቅድስት ሶፍያ ድማ አብ ልዕሌአን እመ ምኔት ኮነት።

ንሳ ድማ ጸጋን ዕውቀትን ዝተመልአት እያ። ናይ ቅዱሳን መነኰሳት ገድሊ ብምንባብ እናጾማን እናጸለያን አብ ምድር ከም መላእክት ክሳዕ ዝኾና ፡ መንፈሳዊ ዕብየት አዕበየተን ካብኣተን ድማ አብ ውሽጢ ሐደ ገዳም 70 ዓመት ዝነበራ አለዋ።

ከሓዲ ንጉሥ ዑልያኖስ ድማ ምስ ናይ ፋርስ ንጉሥ ምስ ሳቦር ክዋጋእ ብሀገረ ሮሀ አቢሉ አብ ዝሓልፈሉ ጊዜ እዘን ደናግል ዘለዉኡ ገዳም አይቶ ርእዩ ፡ "እዚ እንታይ እዩ?" እንትብል ሓተተ። ሰባት ድማ "ናይ ደናግል ገዳም እዩ" በልዎ።

ሽዑ ጊዜ ናብቲ ገዳም አትዮም ነተን ደናግል ንኽቐትልወን ፡ አብቲ ውሽጢ ገዳም ዘሎ ገንዘበን ኩሉ ንኽዘርፉ ንወታደራቱ አዘዘ። እቶም ወታደራት ድማ አትዮም ነዘን ደናግል ብሰይፍ ቀተሉወን። ነቲ ገዳም እውን አጥፍእዎ ፡ ኵሉ ናይቲ ገደም ገንዘብ እውን ዘረፉዎ።

ነቲ ከሓዲውን ንጉሥ ግን ስለ ሕዝቡ በቀል እግዚአብሔር ተበቀሎ። ንኸጥፍኦ ድማ ፡ ንሰማዕት ቅዱስ መርቆሬዎስ አዘዞ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ድማ ብአካለ ነፍስ ከይዱ ብጦር ወግኦ እሞ ብኽፉእ አማውታ ሞይቱ ናብ ናይ ዘለዓለም ስቓይ ከደ። እተን ቅዱሳት ደናግል ግን ናብ ናይ ዘለዓለም ተድላን ደስታን አተዋ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዘን ቅዱሳን ደናግልን ሰማዕታት ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለደናግል እም ተደልዎ ወእም ተሐውዞ
ለወልደ ማርያም ድንግል እለ ይተልዋ ግዕዞ
ወሶበ ቀትለ እሎንተ ዮልያኖስ በተጋዕዞ
እግዚአብሔር ለመርቆሬዎስ አዘዞ
በቀለ ደሞን በኲናት ይርግዞ።

✟✟✟ ባሕረ ሐሳብ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ዘመን ናይ እስክንድርያ ሀገር ሊቀ ጳጳሳት አባ ድሜጥሮስ ፡ ስለ ሥርዓተ ጾም ፡ ቅዱሳን ሊቃነ ጳጳሳትን ኤጲስቆጶሳትን ናይ ሕብረት ስብሰባ ተገብረ። አብዚ ናይ ሐድነት ጉባኤ ዝተሰብሰቡሉ ምክንያት ድማ ከምዚ እዩ። ናይ ክርስቶስ ወገን ምእመናን ፡ ጥሪ ጥሪ 11 አብ በዓለ ጥምቀት ክቡር ተጠሚቖም ፡ ብጽባሒቱ ክብርቲ ዝኾነት ጾም አርብዓ ምጽዋም ንጅምሩ እሞ ክሳዕ የካቲት 22 ጾይሞም ጾም ይፈትሑ ነበሩ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ መጋቢት 23 ናይ ሰሙነ ሕማማት ጾም ምጽዋም ይጅምሩ እሞ መጋቢት 27 በዓለ ስቕለት የኽብሩ ፡ ካብኡ እውን መጋቢት 29 ፡ ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ፡ናይ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤኡ በዓል የኽብሩ ነበሩ።

እዚ ቅዱስ ድሜጥሮስ አብ ሀገረ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኮንኑ ምስ ተሾመ ፡ ብሕርሻ ዝመሓደር ፡ መጻሕፍትቲ ዘይፈልጥ ጨዋ ሰብ እንትኸውን ፡ እግዚአብሔር ብመለኮታዊ ጸጋኡ ፡ ልቡ ብሩህ ገይሩሉ ብሉይን ሐዲስን መጻሕፍቲ ፡ ከምኡ እውን ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ፈለጠ ካብኣቶም ድማ ንብዙሓት ተርጎመ።

ብድሕሪ እዚ እውን ፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ገላፂነት ባሕረ ሐሳብ ዝተብሃለ ቍጽሪ ዘመን ጸሓፈ። እዚ ድማ ፡ ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ፡ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አጽዋማትን በዓላቱን ዝፍለጡሉ እዩ። እዚኣቶም ድማ ፡ ቅድስት አርብዓ ጾም ፡ ዑደት ሆሣዕና ፡ ስቅለቱ ትንሣኤኡ ፡ አብ መበል 40 መዐልቲ ዝኾነ ዕርገቱ ብድሕሪ ትንሣኤኡ መበል 50 መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ እዮም።

እዚ ባሕሪ ሐሳብ ጽሒፉ ከዓ ፡ ናብ ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት አባ ፊቅጦር ለአኸ። ካልኣይ ናብ ማይ አንጾኪያ ሊቀ ጳጳሳት አባ መክሲሞስ ለኣኸ። ካብኡ እውን ናብ ናይ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳሳት አባ አጋብዮስ ለኣኸ። ንሳቶም እውን ምስ አንበብዋ አዝዮም ተሓጎሱ።

ናይ ሀገረ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት አባ ፊቅጦር ድማ አብ ኵሉ ናይ ሮሜ ዓዲታት ዘለዉ ኤጲስቆጶሳቶቹን ፈላጣን ብዙሓት ሊቃውንትን አከቦም። ነዚ ባሕረ ሐሳብ ድማ አንበበሎም። አአዝዩ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኮይኑ ስለ ዝረኸቡዎ ፡ ደስ በሎም ብታሕጓስ እውን ተቐበልዎ። አባዚሖም ጽሒፎም ድማ ናብ ኵለን ዓዲታት ለኣኹዎ። ክሳብ እዛ ዕለትም ድማ እቲ ሥርዓት ተሠሪዑ አሎ። ብድሕሪ እዚ ሐደ እግዚአብሔርንዝኾነ ቅድስት ሥላሴ ፈጺሞም እናመስ
ሥገኑ ብሰላም ነናብ ዓዶም ተመለሱ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ካህናተ ስባሔ ወዘምሮ
ዘአፍጠንክሙ ረዊፀ እንበለ ተድኅሮ
ውስተ አሐዱ መካን ለአስተጋብኦ ወለአማኅብሮ
ሐሳበ አበቅቴ ከመ መንፈስ ቅዱስ መሀሮ
እምነ ድሜጥሮስ አብ ትንሥኡ አእምሮ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

17 Nov, 18:46


ሰላም ለይስሐቅ ዘተሠይመ ጻድቀ
በዲበ ሊቀ ጳጳሳት ሊቀ
በሥነ ትምህርቱ አብርሃ ለቤተ ክርስቲያን ጥቀ
በትእምርተ መስቀል ብርሃን ከመ ላዕሌሁ ሠረቀ
አመ እደ ካህን በማይ ኪያሁ አጥመቀ።

ልእግዚኣብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

17 Nov, 18:46


✟✟✟ ፱ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ ጉባኤ ኒቅያ ✟✟✟

፱ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ 318 አቦታት ኤጲስ ቆጶሳት ፡ አብ ዘመነ ጻድቕ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ፡ አብ ሀገረ ኒቅያ ተአከቡ። ካብ ሞንጎኦም አርባዕተ ሊቃነ ጳጳሳት ነበሩ። እዚኣቶም ድማ አባ እለእስክንድሮስ ዘሀገረ እስክንድርያ ፤ አባ ዮናክኒዶስ ዘሀገረ ሮሜ፣ አባ ጴጥሮስ ዘቍስጥንጥንያን አባ አትናቴዎስ ዘአንጾኪያን እዮም።

ዝተአከበሉ ምኽንያት ድማ ፡ ብምኽንያት አብ ሀገረ እስክንድርያ ቀሺ ዝነበረ ፡ አርዮስ ዝተባህለ ሰብ ፡ ስሒቱ (ሎቱ ስብሐት) "ወልድ ፍጡር ብመለኮቱ" ዝብል ናይ ክሕደት ቃል እንትምህር ስለ ዝተረኽበ እዩ። እዞም ቅዱሳን አቦታት ድማ ፡ ክቡራንን መስተጋድላንን ነበሩ። ካብኣቶም ድማ ፡ ከም ሐዋርያት ንምዉታት ዘአልዐሉ ነበሩ። ድዉያን ዝፈወሱ እውን አለዉ ፡ ዓበይቲ ዝኾኑ ተአምራትን መንክራትን ድማ ገበሩ።

ካብኣቶም እውን ፡ ምእንቲ እታ ቅንዕቲ ሃይማኖተ ክርስቶስ እንትብሉ ፡ ዘሳቐዩዎም አለዉ ፡ አዕይንቶም ዘውጽኡሎም አለዉ ፡ አእዳዎምን አእጋሮምን ዝቖረጹዎም አለዉ ፡ አስናኖም ዝሰበሩዎም እውን አለዉ ፡ አጭፋሮም ዝነቐሉዎም እውን አለዉ ፡ ጎኖም ዝሰንጠቑዎም እውን አለዉ። ካብኣቶም ሐደ ድማ ቶማስ ዘመርዓስ እዩ። ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ድማ ናቱ መንበር ካብ ናይቶም ቅዱሳን መንበር ትሕት ዝበለ መንበር ገበረ። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ በትረ መንግሥቱ፣ አኽሊሉ፣ ቀለበት አጻብዕቱን ሰይፎን ሃቦም። "እነሆ ከማኻትኩም ርቱዐ ሃይማኖት ንዝኾነ ክተትርፍዎ ፡ ርቱዐ ሃይማኖት ንዘይኮነ ከዓ ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክትፈልይዎ ፡ ሥልጣነ ክህነትን መንግሥትን ሃብኩኹም" ድማ በሎም

ንሳቶም ግን ናብ እግዚአብሔር ለመኑ ስለ እዚ ነገር እውን ብፍሉይ አመልከቱ። ጎይታና ገሊጽሎም ድማ ፡ ኵሉ ሕዝቢ ዝምርሐሉ ቀኖና ሕግን ሠርዑ። ጎይታና እውን አብ መንጎኦም እናተረኸበ ፡ የመቻችወሎም ነበረ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ልቦናኣቶም ዘብርሀሎም አቦታትን ንጉሥ ቈስጠንጢኖስን ካብ ቍጽሪ ሕልፊ ኾይኑ ይረኽብዎ እሞ አብ ጌዜ ድራር ግን ይስእንዎ ነበሩ።

ንካህናትን ንህዝባውያንን ፡ ንነገሥታትን ንሀገራትን ፡ ነነጋዶን ንሸየትን ዓደግትን ንዝተፈላለዩ ስራሕ ዝሰርሑን ቀኖና ሠርዑ።
እግዚአብሔርወልድ ምስ እግዚአብሔር አብ በመለኮቱ ዕሩይ
ከም ዝኮነ አቐመጡ። ንአርዮስን ንተኸተልቱን ግን አውጊዞም አባረርዎም። መሠረተ ሃይማኖት ድማ ሠርዑ። እቲ ዝሠርዑዎ ድማ ከምዚ ይብል;

"ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ ወነአምን :በአሐዱ እግዚእ :ኢየሱስ ክርስቶስ :ወልደ አብ ዋሕድ :ዘህልው :ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም :ብርሃን ዘእምብርሃን :አምላክ ዘእምአምላክ :ዘበአማን :ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ :ዘዕሩይ :ምስሌሁ አብ በመለኮቱ ።
ዘቦቱ ኵሉ :ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ ።ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት ።ተሰብአ ወተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል።ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ ።ሐመ ወሞተ ወተቀብረ ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻሕፍት ።
ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማሕለቅት ለመንግስቱ ።ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት ።ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋሪያት ።ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለስርየተ ኀጢአት ።ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።"

ልእግዚኣብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምስ ኵልና ይኹን ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለጳጳሳት እለ ሥኖሙ አብርሀ
በሀገረ ኒቅያ ወአድያሚሃ
አፍራሰ ሕይወት እሉ በብሂለ እንቋዕ ዘበፍስሓ
ዘኬዱ ውስተ ባሕር ወዘወረዱ አሜሃ
እንዘ የሐምጉ ማያተ ብዙሐ።

✟✟✟ አባ ይስሐቅ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መበል 41 ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ዝኾነ ቅዱስ አባ ይስሐቅ ሊቀ ጳጳሳት አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ሀገረ ቡርልስ እንትኾን ፡ ወለዱ አአዝዮም ሃፋትምን ንእግዚአብሔር ዝፈርሑን ነበሩ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ወለድዎ እሞ ፡ ብእኡ ድማ ዓቢይ ታሕጓስ ተሐጎሱ። ጥምቀት ክርስትና ንኸጥምቖ ናብ ኤጲስ ቆጶስ ምስ አቕረብዎ ፡ እቲ ኤጲስ ቆጶስ አብ ርእሲ እቲ ሕጻን መስቀለ ብርሃን ርአየ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ ኢድ እቲ ህጻን ሒዙ ፡ ኢዱ አብ ርእሲ እቲ ህጻን አቐሚጡ ፡ "እዚ ሕጻን ብእግዚአብሔር አብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ክሽየም እዩ" እንትብል ተነበየ። ንአቦ እዙ ሕጻን ድማ ፡ "እዚ ሕጻን ንእግዚአብሔር ምሩጽ አቕሓ ስለ ዝኸውን ሓልዎ" በሎ።

ንእሽተይ ምስ ዓበየ ፡ ጽሕፈትን መንፈሳዊ ትምህርቲን መሀርዎ። ዜና ቅዱሳን ዘንብብ እውን ኮነ። ድሓር ድማ ንወለዱ ሓዲጉዎም ፡ ናብ ደብረ አባ መቃርስ ከይዱ ብኢድ አባ ዘካርያስ አልባሰ ምንኵስና ለበሰ። መልአኽ እግዚአብሔር አቐዲሙ ፡ ምምጽኡ ንአባ ዘካርያስ አረዲኡዎ ስለ ዝነበረ ፡ አበ ምኔት አባ ዘካርያስ ፡ ተቐበሎ ፡ ብእኡ ድማ ተሐጎሰ።
ሐንቲ መዓልቲ ድማ ፡ ሐደ ጻድቅ ሰብ ንአባ ይስሐቅ አብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ርእዩዎ ፡ "ነዚ ይስሐቕ ፡ አብ ልዕሊ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ክሽየም እዩ" እንትብል ተነበየ። በቲ ሽዑ ጊዜ ድማ ፡ ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ፡ ረድእን ጸሓፊን ዝኾኖ ፈላጥ ሰብ ደለየ። ነዚ አቦ ፡ ንአባ ይስሐቅ ብዘይ ድሌቱ ወሰድዎ። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ድማ ሐደ መልእኽቲ ንኽጽሕፍ ሃቦ። ክብሪ እዚ ዓለም አአዝዩ ዝጸልእ ስለ ዝነበረ ፡ ናብ ገዳሙ ምእንቲ ክሰድዶ ፡ ነቲ ጽሕፈት አበላሽዩ ጸሓፎ። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ግን ነዚ ፈሊጡ ፡ "ጽቡቕ ገይርካ ኢኻ ጽሒፍካዮ ፡ ናብ ገዳም እውን አይሰድደካን" በሎ። ከም ዘይሰድዶ ምስ ፈለጠ ድማ ፡ አጸቢቑ ምጽሓፍ ጀመረ። ጥበቡን ሠናይ አጸሓሕፍኡን እውን ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ገለጸሉ። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ድማ ብእኡ ተሐጎሰ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ፡ ናብ ገዳመ አስቄጥስ ተመለሰ። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ጊዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ ፡ ንጎይታና ፡ ብድሕሪኡ መን ክሽየም ከም ዝግብኦ ክገልጸሎ ለመኖ። ብናይ ለይቲ ራእይ ድማ "ረድእኻ ይስሐቅ ንዛ ብድሕሬኻ ሽመት ይበቅዕ እዩ።" በሎ። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ድማ ንሕዝቢ ነገሮም። ሊቀ ጳጳሳት አባ ዮሐንስ ምስ አዕረፈ ፡ ንአባ ይስሐቅ ሒዞም አብ ልዕሊ ሀገረ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ገይሮም ሾምዎ። ንቤት ክርስቲያን አብርሃ ፡ ንአብያተ ክርስቲያናት አሐደሰን ፡ ብፍላይ ድማ ንመንበረ ጵጵስና ቅዱስ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን አሐደሶ። እዚ አቦ ብዙሕ መከራ በጺሕዎ እዩ። አብ መንበረ ማርቆስ ድማ ን3 ዓመታትን 6 አዋርሕን ተቐመጠ። አብ መጽሐፈ ገድሊ እዚ ቅዱስ አቦ ሊቀ ጳጳሳት ብዕለተ እኁድ እንተዝይኮይኑ ካልእ መዓልቲ ንኸይሽየም ከም ዝአዘዘ ተጽሒፉ ይርከቅ።

ልእግዚኣብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ንዘለዓለመ ዓለም ምሳና ትንበር ፡ አሜን።

ዐርኬ

ስንክሳር ብትግርኛ

16 Nov, 17:08


✟✟✟ ፰ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ፡ አሜን

✟✟✟ ፬ቱ እንስሳ ✟✟✟

፰ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሥጋ ዘይብሎም ዝኾኑ (ሥጋ ዘይለበሱ) ረቂቃን መላእኽቲ ፬ቱ እንስሳ በዓሎም እዩ። እዚኣቶም ድማ መንበረ እግዚአብሔር ዝሽከሙ ሠረገላ አምላኽ ዝኾኑ ረቂቃን መላእኽቲ እዮም።
አቡቀለምሲስ ቅዱስ ዮሐንስ እውን አብ ራእዩ ከምዚ በለ፦ “ አብ ሰማይ ዙፋን (መንበር) ርአኹ። አብ ዙርያ እቲ ዙፋን አብ ነፍስ ወከፍ መአዝኑ ብቕድሚኦምን ድሕሪኦምን አዕይንቲ ዝመልኦም አርባዕተ እንስሳ አለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ አንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ከዓ ገጽ ሰብ ዝመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዝነፍር ንስሪ ይመስል። እቶም አርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ አለዎም። ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ኸዓ አዕይንቲ ዝመልኦም እዮም፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ፡ ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር አምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን” ይብሉ ነበሩ። እቶም እንስሳ ፡ ነቲ አብ ዙፋን ዝተቐመጠ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዝነብር ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ እንተለዉ እቶም ዕሥራን አርባዕተን ሓለቓታት አብ ቅድሚ እቲ አብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ሰገዱሉ። ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣንቢሮም ኸኣ፦ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ክብርን ስብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ። ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ ህላዌ ረኺቡን ተፈጢሩን አሎ” በሉ።” ይብል። (ራእ. ዮሐ. 4፡6-11)

አርባዕቱ እንስሳ ፡ ቍጽሮም ካብ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእኽቲ ኮይኑ፡ ብኻልእ አጸዋውዓ እውን ካብ ነገደ ኪሩቤል (ገጸ ሰብን ገጸ ላሕምን) ከምኡ እውን ካብ ነገደ ሱራፌል (ገጸ አንበሳን ገጸ ንሥርን) ስለዝኾኑ ኪሩቤል ወይ ሱራፌል ይበሃሉ እዮም።

ነቢይ ኢሳይያስ ነቲ ዝርአዮ ክዛረብ እንተሎ፦”በአመ ሞተ ዖዝያን ንጉሥ ርኢክዎ ለእግዚአብሔር ፀባዖት እንዘ ይነብር ዲበ መንበሩ ነዋኅ ወብሩህ ወምሉእ ቤተ ስብሐቲሁ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ፡ ወለለአሐዱ በበስድስቱ ክነፊሆሙ፡ በክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ ገጾሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ እግሮሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይሠሩ አንጻረ ኅቡረ፡ ወይብሉ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ፀባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ . . . / በታ ንጉሥ ዖዝያን ዝሞተላ ዓመት ፡ አነ ንእግዚአብሔር አብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ እንተሎ ርአኽዎ ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸዓ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። አብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነፍስ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ አለዎም። ነፍስ ወከፍ ከዓ ብኽልተ ኽንፊ ገጹ ይኸድን ፡ ብኽልተ ኽንፊ ድማ እእጋሩ ይኸድን፡ ብኽልተ ኽንፊ እውን ይነፍር ነበረ። ንሳቶም ኸዓ ነንሕድሕዶም “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ። ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ አላ” ይብሉ ነበሩ። ካብ ድምፂ ደሃዮም ዝተላዕለ ድማ መሠረት ልዳውቲ ቤት መቕደስ አንቀጥቀጠ፡ እታ ቤት መቕደስ እውን ትኪ መልአት።” በለ። (ኢሳ. 6፡1-4)

እዚ ብሊቃውንቲ ክትርጐም ኸሎ፡ ንኽልተ ኽንፎም ንላዕሊ ዘርጊሖም ገጾም ምሽፋኖም፡ ናብ ላዕሊ እንተደየብና ብደኃራውነትካ ዘይትምርመር አምላኽ ኢኻ፡ ገጽካ እውን ምርኣይ አይከአለናን ንኽብሉ እዩ። ብኽልተ ኽንፎም ንታሕቲ ጌሮም እግሮም ምኽዳኖም ድማ "ንታሕቲ እንተወረድና ብቀዳማውነትካ ዘይትምርመር አምላኽ ኢኻ ፡ አብ ቅድሜኻ ርውን ክንቀውም አይከአለናን" ንኽብሉ እዩ። ንኽልተ ኽንፎም ዘርጊሖም ክነፍሩ ምርኣዮም ኸዓ ምልክት ተልእኾኦም ኮይኑ፡ "ናብዝን ናብትን እንተበልና ብምልኣትን ስፍሓትን ዘይትምርመር ምሉእ በኵለሄ ኢኻ" ንክብሉ እዮም።

ነቢይ ሕዝቅኤል ከም ዝርአዮ እውን ፡ አርባዕቱ እንስሳ ፡ መልክዖም እቲ ሓደ ገጽ ሰብ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ አንበሳ፡ እቲ ሣልሳይ ገጽ ላሕሚ ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ ይመስሉ። “ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጉሁር ሓውን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ። እቲ ሓዊ ኸዓ አብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይንቀሳቐስን የንጸባርቕን ነበረ፡ ካብቲ ሓዊ እውን መብረቕ ይወፅእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸዓ ከም በርቂ ንነየው ንንየው እናበሉ ይውንጨፉ ነበሩ።” ይብል። (ሕዝ. 11፡23)

ገጸ ሰብ ዘለዎ ኪሩብ ንደቂ ሰባት ምሕረት እንትልምን ፡ እንተማልድን እንተጸናንዕን ይነብር። ገጸ ኣንበሳ ዘለዎ ሱራፊ ንአራዊተ ገዳም ካብ ዝበጽሖም ሕልቂት ንኪድሕኑ ይጽልይ፡ እቲ ገጸ ላሕም ዘለዎ ኪሩብ ንእንስሳ ዘቤት ካብ ደርቂን ካልእ ሕማማትን ኪድሕኑ እናጸለየ ክነብር እንተሎ፡ እቲ ገጸ ንስሪ ዘለዎ ሱራፊ ኸዓ ንዅሎም አዕዋፍ እናጸለየ ክሕልዎም ይነብር።

አርባዕቱ እንስሳ ፡ ብአርባዕቱ ወንጌላውያን ይምሰሉ እዮም። ወንጌላዊ ማቴዎስ ፡ ናይ ጐይታ ምድራዊ ልደቱ አስፊሑ ስለ ዝጸሐፈ ብገጽ ሰብ ይምሰል። ወንጌላዊ ማርቆስ፡ ብትምህርተ ወንጌል ካብ ግብጺ አምልኮት ላሕሚ አጥፊኡ አንበሳ ዕጓለ አንበሳ ንዝተባህለ ክርስቶስ ስለ ዝሰበኸ እዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ ከዓ ጐይታ አብ መብልዕ ከፍቲ ከም ዝተወልደን ነቲ መሥዋዕቱ ብስብሕቲ ላሕሚ መሲሉ ስለ ዝጸሐፈን ብገጽ ላሕሚ ይምሰል። ወንጌላዊ ዮሐንስ ድማ ረቂቅ ሰማያዊ ምሥጢር ‘ቀዳሚሁ ቃል’ እናበለ ስለ ዝጸሐፈ ዘንስር ዮሐንስ ብምባል ይጽዋዕ።

አርባዕቱ እንስሳ፦ ከም ሰብ ድኻምን ድቃስን እውን ስለዘይብሎም ነንሕድሕዶም ገጾም ናብ አርባዕተ ማዕዘናት ጌሮም ንእግዚአብሔር ንዘለዓለም ብዘይ ምቝራጽ እናመሥገኑ ይነብሩ። ጸወርተ መንበረ እግዚአብሔር ደኣ ይበሃሉ እምበር እቲ ዝሽከሞም ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ብጸጋኡ ሓዲርዎም፡ ብፍቓዱ ተገሊጽሎም፡ መንበሩ ከም ዝተሸከሙ ኮይኖም ይርአዩ።

ህልውናን ግርማን እግዚአብሔር እውን አብዚ አርባዕቱ እንስሳ ዝተሸከምዎ መንበር ጥራይ ተወሲኑ ዝነብር አይኮነን። ንኪሩቤልን ሱራፌልን ዝሽከም፡ ንዓለማት ብኢዱ ዝሐዘ ፡ አብ ኵሉ ዘሎ ፡ ኵሉ ምግባር ዝከኣሎ እግዚአብሔር አምላኽ እዩ።

እግዚአብሔር፡ ንምስጋና መላእኽቲ ጥራይ አይፈጠረን። ሰብአዊ ፍጡር እውን ብሕጉ ጸኒዑ ክነብርን ከመስግንን ደሓር እውን ንክብሩ ክወርስ አኽቢሩ ብመልክዑ ዝተፈጥረ እዩ። ስለዚ ዋላ ከም ምሥጋና መላእኽቲ ብዘይ ምቁራጽ እንተዘየቕረብና፡ ነግህ ኮነ ሠርክ ‘አቡነ ዘበሰማያት/አብ ሰማያት እትነብር አቦና’ እናበልና ብምስጋና ክንጽውዖ ይግብአና።

ቅዱሳን መላእክት፡ ቅሩባነ እግዚአብሔር ብምዃኖም በቲ ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ምሕረትን ሰላምን ፡ ፍቕርን ሐድነትን ክልምኑልና ተዝካሮም ክንገብር ብስሞም ድማ አብያተ ክርስቲያናት ንኽህነጻ መምህራን ቤተ ክርስቲያን አዘዙ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብአማላድነቶም እዞም ቅዱሳን ኪሩቤል ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬያት

ሰላም ለክሙ ኪሩባውያን አፍራሱ
ለመሃይምን ጻድቅ እንተ ወርቅ አክሊለ ርእሱ
ኀበዝ አምላክ እንተ ትጸውርዎ በአትሮንሱ
ለእለ ጌገዩ ሰብእ ወለ እለሂ አበሱ
ሰአሉ መድኀኒተ ወሕይወተ ኅሡ።

መንገለ ፈለሱ ወሖሩ አበዊሃ ዘቀደሙ
ለእግዚእ ክብራ ዘመጽአት በበዓልክሙ
ኪሩባዊያን አፍራስ ንስእለክሙ
ነጽርዋ ከመ ትሬኢ ኀበ መፍቅደ ወልድ እሙ
እስመ ብዙኃት አዕይንት ለክሙ።

✟✟✟ ቅዱስ አፍኒን ሊቀ መላእኽቲ ✟✟✟

ስንክሳር ብትግርኛ

16 Nov, 17:08


ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሊቃናት ናይ ዝኾነ ሐለቓ መላእኽቲ አፍኒን መዘከርታ በዓሉ እዩ። ምስ ሱራፌልን ኪሩቤልን ናይ እግዚአብሔር ናይ ክብሪ ዙፋን ዝሕሉ ፡ በዛዕባኡ ሄኖክ 'ነቲ ቤት ድማ ሱራፌልን አፍኒንን ዙርያኡ እናዘወሩ ይሕልዉዎ። እዚአቶም ድማ ናይ እግዚአብሔር ናይ ክብሪ ዙፋን እናሐለዉ ዘይድቅሱ እዮም።' ኢሉ ዝተናገረሉ እዚ (ሊቀ መላእኽቲ) እዩ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብአማላድነት እዚ መልአኽ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ እንዘ ትቄድስ ትሥልስቶ
ዘታጸንዕ ዘልፈ ለመንበረ አምላክ ዐቂቦቶ
አፍኒን መልአክ ዘምግባሪከ አእኵቶ
ለጌጋየ ሰብእ አመ ትሴሩ ጽሕፈቶ
መጽሐፈ ዕዳየ ኢትኅድግ ባሕቲቶ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ዮሐንስ መዘከርታኡ እዩ።ልፉንጉሥ ቈስጠንጢኖስ እውን መስቀል ተገለጸሉ። ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቆስጠንጢኖስ መንፈሰ ልቡና ዘአጥበቦ
በአሚነ ክርስቶስ ይጽናዕ ወያስተራትዕ ሕዝቦ
በዛቲ ዕለት አምሳለ ከዋክብት በተማዕተቦ
በዲበ ዐራቱ እንዘ ሀለወ ሰኪቦ
በፈለገ ባዶስ ርእየ ወነጸረ ጸልቦ።

✟✟✟ አባ ቅፍሮንያ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዲ አረማዊ መኰንን አባ ቅፍሮንያ አዕረፈ። ካብ መዓልቲታት ሐንቲ መዓልቲ መርቆሬዎስ ዝስሙ መነኰስ ካብ ገዳም አባ ጳኵሚስ ናብ ዓዱ በጽሐ። ክርስቲያን ከም ዝኸውን ድማ አብ ልአዕሊኡ ተነበየ። ብድሕሪ ሒደት መዓልቲታት አድባራት ከጥፍእን ጭውያ ክጭውን ሰራዊቱ አኪቡ ናብ ምድሪ ግብጺ ከደ። ናብ ገዳም አባ ጳኵሚስ አብ ዝበጽሐሉ ጊዜ አበ ምኔት ናብኡ ወጽአ። 'አነ አየ' እውን በሎ። ቅፍሮንያ ድማ ምስ ሰምዐ ፡ ንአበ ምኔት በይኑ አግሊሱ ፡ ንኸጥምቖን ልብሲ ምንኵስና ንኸልብሶን ለመኖ። አበ ምኔት ድማ 'እሺ' በሎ።
ብድሕሪ እዚ ፡ ሰራዊቱ ልዓዶም ምስ ተለመሱ ፡ በይኑ ተረፈ። አብታ ጊዜ ድማ ልብሲ ምንኵስና ለበሰ። ብጾምን ብጸሎትን እውን ክጋደል ጀመረ። ሰይጣን ድማ አብ ልዕሊኡ ቀንአ። ውዲተኛ ሰብ አለዓዒሉ ድማ ናብ መኳንንቲ ውዲት ሰርሐሉ። ነታ ደብሪ ድማ 'ዓዲና ዘአጥፍአ ሐደ ወዲ መኰንን አብዚ አሎ' እናበሉ ከበቡዋ። እግዚአብሔር ግን ሠወሮ። ምስ ሰአንዎ ድማ ነቲ ውዲተኛ ሰብ ቀተልዎ።

እዚ ቅዱስ ድማ ብገድሊ እናተጸመደ ብብ 7 መዓልቲ እናጾመን ብዘይካ መሪር አደንጎር ካልእ እንተይጠዓመ ነበረ። አብቲ ወርሓት ድማ አረይ ምድሪ እንስሳኦም እናቐተለ አብቲ ገዳም ጥፍአት አስዐበ። አባ ቅፍሮንያ ድማ ናብኡ መጺኡ ከም በጊዕ ሐዞ። ብሐብሊ እውን አሰሮ። 10 ዓመት ተቐሚጡ ድማ ሞተ። ቅዱስ ቅፍሮንያ ግን መልአኽ እግዚአብሔር እናመርሖ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ። አብ ሐንቲ መዓልቲ እውን በጽሐ። አብኡ ድማ ዐብዪ ምሥጢር ረአየ። ካብ ቅዱሳት ቦታታት እውን ተባረኸ። ናብ መሕደሪኡ እውን ተመለሰ። ብሰላም እውን አዕረፈ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቅፍሮንያ እንተ ኮነ ክርስቲያናዌ
ኀዲጎ አባሁ መኰንነ አረማዌ
እስከ መነኮሳት ነበሩ በኅድዓት ወበጽማዌ
አሠረ ከመ በግዕ ዘአልቦ ምንሳዌ
መራዕየ ደብር ዘይቀትል አርዌ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ 182 ሰማዕታት ማሕበራነ ኤስድሮስ ሰማዕት መዘከርታኦም እዩ። በረከቱ እውን ትብጽሐና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

15 Nov, 20:16


✟✟✟ ፯ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ ቅዱስ ጊዮርጊስ ልዳዊ ✟✟✟

፯ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ብፁዕን ቅዱስን ዐቢይ መስተጋድል ቅዱስ መክብበ ሰማዕታት ናይ ሀገረ ልዳ ጊዮርጊስ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ተኸናወነ። ከምኡ እውን ጎይታ አብ ሽጣ ናይ ዝገበሮ ተአምር መዘከርታ እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ካብ ዝኾን ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት አብኡ አብ ሃገሩ ደብር ሃኒፆም ፡ ዓፅሙ አፍሊሶም ቤተ ክርስቲያኑ በዛ ዕለት ቀዲሶምዋ።
እዚ ቅዱስ ሰማዕት ቅድሚ ሰማዕትነቱ ኮነ ድሕሪኡ ተአምረኛ እዩ። ብዘመኑ ናይ ክርስቲያናት ደም የፍስሱ ካብ ዝነበሩ አራዊት (ነገሥታት) ሓደ ዝኾነ ዲዮቅልጥያኖስ ርጉም ናይ 47 ሚልየን ክርስቲያናት ደም ኣፍሲሱ ነበረ እሞ ፈጣሪ ደመ ሰማዕታት ዝብቀለሉ ጊዜ በፅሐ።
እዚ አረመኔ ንጉሥ ስለ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተክርስቲያን ተኣምረኛነት ሰሚዑ ንከፍርስዎ ሰራዊት ለኣኸ።ሓለቓ እቲ ሰራዊት ድማ ናብቲ ቤተክርስቲያን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ስእሊ ሓጨጨ።
አብ ቅድሚኡ ዝነበረ ቀንዲል ብሰይፊ ክወቅዕ ክብል እቲ ቀንዲል ተገልቢጡ ማእኸል ቅርቅርቱ (ርእሱ) ወቕዖ። ከም ዕቡድ ኮይኑ ድማ ሞተ። እቲ ምስኡ ዝኸደ ሰራዊቱ ድማ ነዚ ሰሚዑ ናብቲ ንጉሥ ሃደመ። እዚ ሰሚዑ ዝተቖጠዐ ዲዮቅልጥያኖስ ግን ባዕሉ ከፍርሶ ከደ። አብቲ ቤተክርስቲያን በሪ እንትበፅሕ ድማ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ዓይኑ አጥፍእዎ። ክኣቱ ክብል ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ላዕሊ ነቲ ደወል ለቐቐሉ። ርእሱ እንትወቕዖ ደንዘዘ። ናይ ብዙሕ ቅዱሳን ደም ዝሰተየ ርጉም ንጉሥ ዓቢዱ ን7 ዓመታት ቍራስ እንትልምን ነይሩ ሞተ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም እብል ለዘአርአየ ትእምርቶ
በልዳ ሀገር በጊዜ ቀደሱ ቤቶ
ጊዮርጊስ መዋዒ ቃለ ጽራሕየ በኢያስትቶ
ከመ እስሐብ ፀረ ነፍስየ ይመጥወኒ ቅናቶ
ወለደርብዮቱ ፍጹመ ስሑለ ኲናቶ።

✟✟✟ ቅዱስ ጊዮርጊስ እስክንድርያዊ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ እስክንድርያዊ ብሰማዕትነት አዕረፈ። ነዚ ቅዱስ ሰማዕት ፡ አቡኡ አብ ውሽጢ ሀገረ እስክንድርያ ነጋዲ ነበረ። ሕዳር 7 ናይ ሊቀ ስማዕታት ጊዮርጊስ ልዳዊ ቅዳሴ ቤት ከኽብር ከይዱ ፡ እግዚአብሔር ውላድ ንኽህቦ ብአማላድነት ሊቀ ስማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ስለ ዝተማሕፀነ ናይ ሰበይቱ ማህፀን ተኸፊቱ ውላድ ረኸበ። ስሙ ድማ ጊዮርጊስ በሎ። ምስ ዓበየ ድማ አአዝዩ ብርቱዕ ክርስቲያን ኮነ። ነዚ (ቅዱስ) አዲኡ ድማ ፡ ንመኰንን ሀገረ እስክንድርያ አርማንዮስ ሓፍቱ እያ።

ብድሕሪ እዚ ወለዱ ሞቱ እሞ ፡ ምስ አኩኡ (ምስቲ መኰንን ሀገረ እስክንድርያ) ዝኾነ ዘመዱ ይነብር ነበረ። እቲ ጸገም ግን መኰንን አርማንዮስ ጣዖት አምላኺ ፡ ከምኡ እውን ጨካን ምዃኑ እዩ።

ሓደ መዓልቲ ግብጻዊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ጓል እቲ መኮነን ናብ በረኻ ወሲዱ ናይ ደብረ ቁስቋም መነኮሳት ዝማሬ አስምዓ። ክርስትና እውን አምሃራ። ነዚ ዝሰምዐ መኰንን ግን ብሕርቃን ንቅዱስ ጊዮርጊስን ነታ ናይ ባዕሉ ጓሉን አብ አደባባይ (ዓውዲ) አሰየፎም። ናይ ክብሪ አክሊል ድማ ተውሃቦም።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ንዘለዓለም ትንበር ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም እብል ሥቃየከ ዕፁበ
ጊዮርጊስ ዘኮንከ ስመ ሊቀ ሰማዕት ውሁበ
መኰንን አብድ ዘኢየአምር ጥበበ
በጊዜ ኮንከ ስምዐ ወለ ትምህርተ ክርስቶስ አበ
ርእሰ ወለቱ አምተረ ወርእሰከ ካዕበ።

✟✟✟ ቅዱሳን ዘኖቢስን ዘኖብያን ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱሳን ዘኖቢስን አዲኡ ዘኖብያን ብሰማዕትነት አዕረፉ። እዞም ቅዱሳን ድማ ካብ ሀገረ ተበይስን ካብ ዓበይቲ ዓዳን እዮም። ዘኖብያ አዲኡ እንትትኮን ፡ ዘኖቢስ ድማ መንእሰይ ወዳ እዩ። ናይዞም ቅዱሳን ሃገር ድማ ተበይስ ትበሃል። አብ ዘመነ ሰማእታት ድንቂ ብዝኾነ ህይወቶምን ተአምራቶምን ከም ኮኸብ አብሪሆም እዮም። ልዕሊ 5 ጊዜ ካብ ዝተደገሰሎም ናይ ሞት መፃውድ ብእግዚአብሔር ኃይሊ አምሊጦም እዮም። "ክርስትናና አይንኽሕድን:ካብ ክርስቶስ ፍቕሪ አይንፍለይን ብምባሎም፦
1.ክዳኖም ገፊፎም አብ ኣየር ሰቒሎም:ደሞም ክሳብ ዝንጥ
ፍጠፍ ገረፍዎም።ብክርስቶስ ሓይሊ ተረፉ።
2.ናይ ዕንፀይቲ መስቀላት ኣስሪሖም ብኣደባባይ(ዓውዲ) ሸንኪሮም ሰቐልዎም።ካብኡ'ውን ደሓኑ።
3.ኣብ ወናብር ሽንካር ተኺሎም አብኡ ኣቐመጥዎም።ሐዚ'ውን ብፈጣሪ ሓይሊ ደሓኑ።
4.ዓሚውቕ ጉድጓድ ተኳዒቱ:ሓዊ ነዲዱ ናብ ውሽጡ አእተዉዎም።ቅዱስ መልኣኽ ግን ወሪዱ ኣጥፈአሎም።
5.ሓደ ጊዜ ድማ አብ ገዛ( ውሽባ ቤት(ቤት ሕፅቦ)) ሓዊ ነዲዱ ናብ ውሽጢ እእተዉዎም እሞ ዓፀዉዎም። እግዚአብሔር ግን ካብዚ አድሓኖም። ስለ ክብሮም ድማ ቅዱስ መልኣኽ ወሪዱ ንዐኦም አኽቢሩ ፡ ነቲ መኰነን ዙፋኑ አሸኪሙ አብ አደባባይ አዝወሮ።

ሓደ ጊዜ ድማ ገንኢ አሸኪሙ ደድሕሪኦም አኸተሎ። በዚኦም ኩሎም ተአምራት ብዙሕ ህዝቢ እናኣመነ ብሰማዕትነት ሞተ። አብ መወዳእታ በዛ ዕለት ዘኖብያን ዘኖቢስን እንትስየፉ መብረቕ ወሪዱ 54 አሕዛብ ቐተለ።በዚ ድማ እቲ መኮነን ተገሪሙ ብክርስቶስ አመነ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ንዘለዓለም ትንበር ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለዘኖብያ ወለዘኖቢስ በኵራ
እለ ተወክፉ ምንዳቤ ወተዐገሡ መከራ
አመ በእሳት ፈቀደ ለነፍሶሙ ያጽዕራ
መኰንን ሀገር አስተርአየ ማእከለ ብዙኃን ሐራ
ዐቃቤ ብለኔ ከዊኖ እንዘ ይጸውር ኮራ።

✟✟✟ አባ ሚናስ ዘተመይ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ኤጲስ ቆጶስ ሀገረ ተመይ አባ ሚናስ ኤጲስ ቆጶስ መዘከርታኡ እዩ። ነዚ ቅዱስ አቦ ድማ ወለዱ ክርስቲያንን ንእግዚአብሔር ዝፈርሁን እዮም።። ብሥርዓት አዕቢዮም ብተክሊል አመርዐውዎ። ናብታ መርዓት አትዩ "ሓፍተይ! እዚ ዓለም ኃላፊ እዩ'ሞ ንምንታይ ብድንግልና ዘይንነብር?" በላ።
ንሳ ድማ ብደስታ "ይኹን" በለቶ። ንብዙሓት ዓመታት ቀትሪ ቀትሪ ስርሖም ክሰርሑ ፡ ጋሻ ክቕበሉ ይውዕሉ። ለይቲ ለይቲ ድማ መዓንጣኦም ተዓጢቖም ክሰግዱን ክጽልዩን ይሓድሩ።

ድሕሪ ናይ ዓመታት ናይ ቅድስና ህይወት ቅዱስ ሚናስ ሰበይቱ አፍቂዱ በረኻ አተወ። ብተጋድሎ እናሃለወ ድማ እግዚአብሔር መሪፅዎ ፡ ተመይ አብ እትበሃል ናይ ግብጺ ዞባ ጵጵስና ተሾመ። አብኡ ክሳብ ዝኣርግ ተጋዲሉ ድማ በዛ ዕለት ብሰላም አዕረፈ።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ሚናስ ኅሩይ
ኤጲስ ቆጶስ ዘሀገረ ተመይ
በእንተ ዘአንጻሕከ ሥጋከ ወልቡናከ እም ጌጋይ
ከመ ታእምር ኵሎ ውስተ ልበ ሰብእ ዘይትሔለይ
መጽሔተ አእምሮ ነሣእከ እም ልዑል ሰማይ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ስንክሳር ብትግርኛ

14 Nov, 17:26


✟✟✟ ፮ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

፮ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ክብርቲ ወላዲቱ እምቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ምስ ጻድቕ አረጋዊ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ ስደት አብ ዝምለሱሉ ጊዜ ፡ ናብ ደብረ ቁስቋም አትዮም ፡ ካብ ዝረኸቦም ድኻም አዕረፉ፡፡

ከምኡ እውን ፡ ድሕሪ ዕርገቱ ፡ ጎይታና አብዛ ደብረ ቍስቋም እዚኣ ፡ ንቅዱሳን ሐዋርያት አኪቡ ታቦትን ቤተ ክርስቲያንን አኽቢሩ ፡ ናይ ቍርባን መሥዋእቲ ሠሪዑ ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንወገናቱ ሃቦም፡፡ ነዚ ነገር ድማ ናይ ሃገረ እስክንድርያ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱሳን አቦታትና ቄርሎስን ቴዎፍሎስን ምስክሩ ኮኑ፡፡

ይቅርታኡን ምሕረቱን ምሳና ንዘለዓለም ይንበር ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለአእጋሪከ ኀበ ደብረ ቍስቋም እለ ጌሣ
ሕጻነ ማርያም ክርስቶስ ጐየይከ እም ደወለ ምሕሳ
አመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኀይለ አንበሳ
እንተ ሠመርከ በኅድኣት ነፍሱ ታፍልሳ
ሰላም ሰላም ወልደ ዮሴፍ ዮሳ።

✟✟✟ አባ ፊልክስ ✟✟✟

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ዝኾነ ቅዱስ አባ ፊልክስ አዕረፈ፡፡ እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ምግባር ሃይማኖቱ፣ ትሩፋት ተጋድሎኡ ፡ ዝጸበቐ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ ብፍቃድ እግዚአብሔር ናይ ሃገረ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ጌሮም ሸምዎ፡፡

አብቲ ዘመን ድማ ከሓዲ ቴዎድሮስ ቄሳር ነጊሡ ንምእመናን ምስ አሣቐዮምን ምስ ቀተሎምን ንሊቀ ጳጳሳት አባ ፊልክስ ድማ ብዙሕ አሣቐዮ፡፡ አባ ፊልክስ ድማ አብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝበጽሕ ዘሎ ጽኑዕ መከራ ክቐውም ናብ እግዚአብሔር አብ ዝጸለየሉ ጊዜ እዚ ከሓዲ ንጉሥ ካብ ዝነገሥ አብ 2ይ ዓመቱ አጥፍኦ፡፡
ድሕሪ እዚ ድማ ደም ክርስቲያን ከም ማይ ዘፍሰሶ እቲ ከሓዲ ዲዮቅልጥያኖስ ነገሠ እሞ ንክርስቲያን አብ ምሉእ ዓለም እናሃደነ ምስቓይን ምቕታልን አብ ዝጀመረሉ ጊዜ እዚ አቦ አባ ፊልክስ ንናይ ክርስቲያን ሥቓይ ከየርእዮ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ ሽዑ አብቲ መጀመርያ ዓመት አዕረፈ፡፡ እዚ አባ ፊልክስ ድማ ክርስቲያን ወገናት ብጣዕሚ ጠቐምቲ ዝኾኑ ብዙሓት ድርሳናትን ተግሣጻትን ዝጸሓፈ እዩ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለፊልክስ ለጵጵስና ዘተኀርየ
ሶበ ፈከረ ሐዲሰ ወአገንጰለ ብሉየ
ኵነኔ ክርስቲያን ኢይርአይ በከመ ጸለየ
እም ቅድመ ይምክር ላዕሌሁ ዲዮቅልጢያኖስ እኩየ
ሐዋዘ ሰከበ ወኖመ ጥዑየ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አፍሮና፣ አይንዮስ፣ ዮስጦስ፣ ማትርዮስ፣ ሉኪርዮስ፣ ለውኒኖስ፣ ሲባንዔቆሮስ፣ አላስዮስ፣ ቆርኔሌዎስን 17000 ማሕበር ኤስድሮስን መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

13 Nov, 20:09


✟✟✟ ፭ ሕዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!

✟✟✟ አባ አሞኒ ወአባ ዮሀኒ ✟✟✟

፭ ሕዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓብዪ ጻድቕ አባ ዮሀኒ ዝተሰወሩሉ ዓመታዊ በዓሎም ፡ ከምኡ እውን ንአባ አሞኒ ናይ ዕረፍቲ በዓሎም እዩ።
አብ ሃገርና ዝናኦም ካብ ዝወፀን ቀደምት ካብ ዝበሃሉን ጻድቃን ሓደ ቅዱስ አባ ዮሀኒ እዩ። አብ ሃገርና ቅዱስ ንጉሥ ሃፀይ ካሌብ ነጊሡ እንተሎ ፡ ሓደ ቅዱስ ሰብ ካብ ግብፂ ናብ ኢትዮጵያ መጽኡ ።እዞም ቅዱስ አቦ "አሞኒ ዘናሕሶ" ይበሃሉ። እዞም ቅዱስ አቦ ዓለም ንዘይምርኣይ ቃል ኣትዮም አብ ትግራይ በረኻ ይጋደሉ ነይሮም።
አብቲ ዘመን እቲ ሃፀይ ካሌብ ናይ ናግራን (የመን) ክርስቲያን ንከድሕን ወፍሪ ገይሩ ነይሩ። ሓደ ናይቲ ንጉሥ ወታደር ናብ ወፍሪ እንትኸድ ሰበይቱ ንኽሕልወሉ ንምንኣስ ሓዉ ሓደራ ይብሎ። ሓዉ ግን ሓደራኡ ገዲፉ ናይ ምዕባይ ሓው ሰበይቲ ኣገዲዱ ይራኸባ እሞ ትፀንስ።
ካብ ወፍሪ ዝተመለሱ ድሕሪ 1 ዓመት እዩ እሞ እንትምለስ ሰበይቱ አብ ቅልውላው ሕርሲ ዝረኸባ ወታደር ደንገፀ:ተቖጠዐ። ዝፀነሰቶ ካብኡ ከም ዘይኮነ ይፈልጥ እዩ'ሞ አብ ቅልውላው ሕርሲ ብምዃና ክሓዝነላ አይደለየን።
ንመገላገልቲ አፀጊሙ ንሰበይቱ ክቕጥቅጣ ጀመረ።በዚ ቅልውላው ሕርሲ:በዚ በትሪ ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ክፈልዮ ዝበፅሐት እታ ሰበይቲ ግን "ኣሓዋት ኣየቃትልን" ኢላ ነቲ በትሪ ከኣለቶ።በዚ ጊዜ ቅዱስ መልኣክ ነቲ ግብፃዊ ባሕታዊ (አባ አሞኒን) ኣምፂኡ ኣብቶም ናይ ሰባት በሪ ኣቖሞ።
"ካብኡ እዩ በሊ" በላ።ንሳ ድማ "ካብቲ ባሕታዊ እዩ" ኢላ ተዛረበት።እቲ ወታደር ሰብኣያ ድማ ብቑጥዐ ወፂኡ ንቕዱስ አሞኒን ብበትሪ ስብርብር ክሳብ ዝብል ቀጥቀጦ።እቲ ቖልዓ ልክዕ ምስተወለደ ካብ ኣዲኡ ኣሕዲጉ ንቲ ባሕታዊ ኣሕቊፉ ኣባረሮ። እንካ ወድኻ ሒዝካ ጥፋእ ምስ በሎ "ዮ ሃበኒ" ( እሺ ሃበኒ ከም ማለት) ስለ ዝበለ እቲ ህፃን ዮሐኒ ተብሃለ።
አባ አሞኒ ነቲ ቖልዓ ሓቚፉ ናብ ከባቢ ተምቤን በረኻ ምስ ወሰዶ ግን እንታይ ምግቢ:እንታይ ክዳን:እንታይ መደቀሲ ከም ዝህቦ ጨኒቕዎ እቲ ጻድቕ በኸየ። በዚ ጊዜ ቅዱስ መልአክ ናይ ጸጋ ምንፃፍ ኣንፀፈሉ፤ ኣሞራ መፂኡ ክንፉ እንትኸድኖ ዓጋዘን መፂኣ ጡብ ኣጥበወቶ።በዚ ዝተደነቐ ቅዱስ አሞኒ ነቲ ህፃን "ዮሐኒ" ክብል ስም ኣውፀአሉ ዝብሉ እውን አለዉ። ትርጉሙ ድማ "ወልደ አራዊት-ወለድኻ(መዕበይትኻ) ኣራዊት እዮም" ከም ማለት እዩ።
ህፃን ዮሀኒ በዚ መንገዲ ምስ አሞኒን ምስ አራዊንት ዓበየ።5 ዓመት ምስ መልኦ ትምህርተ ሃይማኖት:ናይ ቅድስና ህይወት ተምሃረ።ልክዕ ከም መንፈሳዊ ኣቦኡ ብጾምን ብጸሎትን ተወሰነ።ግን ንሱ ካብ ባዕሉ:ካብ አሞኒን ካብ ኣራዊት ወፃኢ ካሊእ:ዓለም(ብዙሓት ሰባት) ምህላዎም ኣይፈልጥን።

12 ዓመት ምስ መልኦ ግን ክህነት ይግበኦ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ስለዘተሓሳሰቦም ቅዱስ አሞኒ ንዮሐኒ ናብ ጳጳስ እንትወስድዎ #ሲሔታ አብ ዝተብሃለ ከባቢ እንትበጽሑ ኣብ መንገዲ ቅዱስ ዮሐኒ መናእሰይ ኣዋልድ ተኣኪበን ክፃወታ ሪኡ "ኣባ!እዚአን ፀጉረን ዝነውሐ: ደረተን ናብ ቅድሚት ዝወፀ ፍጥረታት እንታይ እየን?" ክብል ጠየቐ።
+አባ አሞኒ ድማ "ወደይ!እዚአን ኣንስቲ እየን።ግን ንማይንኸ ከማኻን ዝበሉ ሰባት ኣይኾናን እሞ እይትቕረበን" በሎ።ቅዱስ ዮሐኒ መሊሱ "ኣቦይ!ሃንደበት እንተመፃኒ ኸ 'ታይ ክገብር?" ክብል ጠየቐ።ኣባ አሞኒ ድማ "ወደየይ!ካብ ዘለዓለም ርስቲ ካብ እትንቀል ጎይኻ ምምላጥ ይሕሸካ" በሎ።
ሀዚ እውን ሲሔታ ቤተ ክርስቲያኖም አባ ዮሐኒ እዩ። ብእግሪ ይኹን ብመኪና ንዓዲ ግራት እንትንመላለስ አብ ናይ አባ ዮሐኒ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ኢልካ ተሳሊምካ አይሕለፍን፤ ንእሽቶን ክተዕርፍ አለካ።
+ድሕሪ 6 ዓመታት (ዮሐኒ 18 ዓመት እንትመልኦ ማለት እዩ) ቅዱስ አሞኒ ሕዳር 5 ዓረፈ።ን14 ዓመታት ድማ ቅዱስ ዮሐኒ ምስ ኣራዊትን ምስ ኣባ ኣበይዶን ምስዝመሰሉ ኣቦታትን ነበረ።ካብ ንጽሕናኡ ዝተልዓለ ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ የዘራርብዎ ነበሩ።
ስሙ አብ ሙሉእ ምድሪ ትግራይ ስለ ዝገነነ ወላዲት አዲኡ ብህይወት ስለ ዝነበረት ሰምዐት።ናይ ከባቢኣ አንስቲ ሰብሲባ ክተግንዮ(ክትረኽቦ) ናብ ዘለዎ ጫካ ገስገሰት። አብቲ ጎቦ በፂሓ እንትትፅውዖ እቲ ቕዱስ ረአያ።

ሽዑ ትዝ ዝበሎ አቡኡ ቅዱስ ኣሞኒ "ጓል ተንስተይቲ እንተርኢኻ ጉየይ" ዝበሎ እዩ'ሞ እግሩ ኣልዒሉ ጎየየ። አዲኡ እንትትክተሎ:ንሱ እንትጎዪ ኣብ ጫፍ ገደል በፅሐ።ናብ ድሕሪት እንተረኣየ ከርክበኦ እየን።

ብስመ ሥላሴ ገፁ ኣማዕቲቡ ናብቲ ገደል ተወርወረ።በዚ ጊዜ ግን መንፈሳዊ ክንፊ ተውሂብዎ ተሰወረ።ቅዱስ መልኣክ ከዓ ብሔረ ሕያዋን ኣእተዎ።

ነዚ ሕዳር 5 ተሰዊሩ ናብ ብሔረ ሕያዋን ብዛዕባ ዝአተወ ዓብዪ ጻድቅ አባ ዮሐኒ ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንቲ እኒ ቅዱስ ያሬድ፤ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫን ሊቁ ዐርከ ሥሉስን ዘቕረቡሉ ናይ ምስጋና ሰላምታ መጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፎም ተርጒሞም ዘዳለዉዎ አነ ኸዓ ነቲ ዝርጎምውዎ ከምዚ ዝስዕብ ናብ ትግርኛ መሊሰዮ አለኹ።

ሊቁ ቅዱስ ያሬድ አብ መጽሐፈ ድጓ ናይ አባ ዮሐኒ ናብ ብሔረ ሕያዋን ስለ ምስዋሮም አመልኪቱ፡-

“አባ ዮሐኒ ጸገየ ሕይወተ
ፈረየ ሠላሳ ወስሳ ወምእተ
ብሔረ ሕያዋን ተመሥጠ ግብተ
ዘዐይን ኢርዕየ ነሥአ ዕሤተ”

(አባ ዮሐኒ ንሕይወት ዓምቢቡ፤ ሠላሳ፤ ስሳን፤ ሚኢቲን አፍረየ፤ ናብ ሕያዋን ሀገር ብድንገት ተነጢቑ ዐይን ዘይረአዮ ዋጋ ረኸበ) ኢሉ፡፡

ሊቁ ዐርከ ሥሉስ እውን ናይ አባ ዮሐኒ ተጋድሎ ብኸምዚ አቐሚጡዎ አሎ፡-

“ሰላም እብል ለዘኮነ ሱቱፈ
ምስለ እለ ገብሩ ሰብእ ብሔረ ሕያዋን ምዕራፈ
እምሥርዐተ መላእክት ዮሐኒ ምንተኒ ኢያትረፈ
ከመ ሕይወቶሙ ሕይወተ ተጸገወ ዘልፈ
ወከመ ክንፎሙ አብቈለ አክናፈ”

(ንብሔረ ሕያዋን መዕረፊ ምስዝገበሩ ሰባት ኅብረት ዝገበረ ንዝኾነ ሰላም እብል አለኹ፤ ዮሐኒ ካብ ናይ መላእክቲ ሥርዐት ምንም ምንም አየትረፈን፤ ከም ሕይወቶም ሕይወት ተቐበለ፤ ከም ክንፎም አክናፍ አብቈለ)

ሊቁ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ድማ አብ ተአምኆ ቅዱሳን መጽሐፉ ናይ አባ ዮሀኒ ክብር እንትገልጽ፦

“ሰላም ለአባ ዮሐኒ ከመ ንህብ ዘተመሰለ፤
እምኲሎሙ ቅዱሳን ዘአስተጋብአ ገድለ”፡፡

(ከም ንህቢ ዝተመሰለ ኮይኑ ካብ ኩሎም ቅዱሳን ገድሊ ዝሰበሰበ ንዝነኾ ን አባ ዮሀኒ ሰላምታ ይግባእ) ዝብል ትርጉም አለዎ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

12 Nov, 18:30


✟✟✟ ፬ ኅዳር ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ሰማዕታት አቢማኮስን አዛርያኖስን ✟✟✟

፬ ኅዳር ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሮሜ ሀገር ዝኾኑ ቅዱሳን ሰማዕታት አቢማኮስን አዛርያኖስን ብሰማዕትነት አዕረፉ።

እዞም ቅዱሳን ፡ ንክርስቶስ ዝአምኑ ከም ዝኾኑ ከሓዲ ንጉሥ መክስምያኖስ ናብ ዝሾሞ መኰንን ወንጀልዎም። ንሱ ድማ አጸዊዑ ፡ ስለ ሃይማኖቶም ሐተቶም። ንሳቶም ድማ ክብርን ምሥጋናን ብዝግብኦ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተአመኑ።

ሰማይን ምድርን አብ ውሽጦም ዘሎ ኹሉን ነቲ ንጉሥ ንባዕሉን ንዝፈጠረ አምላኽ ገዲፉ ውጽኢት ኢድ ሰብ ንዝኾኑ ዝረኸሱ ጣዖታት ብምምላኹ ዘለፉዎ። እቲ መኰንን ድማ ካብ ድፍረቶም ዝተልዓለ ተደነቐ። አራእስቶም ብሰይፊ ንኽቖርጽዎም ድማ አዘዘ ፡ አብ መንግሥተ ሰማያት ድማ ናይ ምስክርነት አክሊል ተቐበሉ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ሰማዕታት ይምሐረና ፡ በረከታቶም እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአቢማኮስ በብዝኀ ፃማ ዘተመከረ
ወለአዛርያኖስ ምስሌሁ ዘዐረየ ክብረ
አመ ቆሙ ለስምዕ በዓውደ ምኲናን ኅቡረ
ተዋሥኦቶሙ ሶበ መኰንን አንከረ
ክሣውዲሆሙ በመጥባሕት አምተረ።

✟✟✟ ያዕቆብ ወዮሐንስ ✟✟✟

ካብኡ ለ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ያዕቆብን ናይ ሀገረ ፋርስ ኤጲስቆጶስ ዮሐንስን ብኢድ ወዲ ሐርመዝ ዝኾነ ናይ ሀገረ ፋርስ ንጉሥ ሳቦር ብሰማዕትነት አዕረፉ። ንሱ እውን ንፀሐይ፣ ንወርሒን ንእሳትን ንኽሰግዱ አዘዞም። ትእዛዙ አብ ዘይሰምዑሉ ጊዜ ድማ በጽኑዕ ሥቓይ ንኸሳቕዩዎም አዘዘ። አብ ውሽጢ ስቓይ ኮይኖም እውን ግን ፡ ክብር ብዝግብኦ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖት የጽንዕዎም ነበሩ።

ጥንካረ ልቦምን አብ ውሽጢ ሥቓይ ኮይኖም ምዕጋሦምን ምስትምሃር እውን ዘይምሕዳጎምን ምስ ርአየ ናብ ውሽጢ እሳት ንኽድርብይዎም አዘዘ። አብኡ ድማ ክብር ንዕኡ ይኹን እሞ ፡ ነፍሶም አብ ኢድ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አረከቡ ፡ ናይ ሰማዕትነት አክሊልን እውን ተቐበሉ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ያዕቆብ ወዮሐንስ
ኤጲስቆጶሳት ዘሀገረ ፋርስ
እም ታስግዱ ብርከ ለኦርያሬስ
ዘአብደርክሙ መዊተ በዋዕየ እሳት ወጢስ
በመዋዕሊሁ ለሳቦር ንጉሥ።

✟✟✟ ቅዱስ ቶማስ ዘደማስቆ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሀገረ ደማስቆ ኤጲስቆጶስ ቅዱስ ቶማስ አብ ግብጽን ሶርያን እስላም አብ ዝነገሡሉ ጊዜ ብሰማዕትነት አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ቶማስ ካብ ውሽጢ መምህራኖም ሐደ እስላም አብ ዝተኸራኸሮ ጊዜ ቅዱስ ቶማስ ረትዖ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይን ምድርን አብ ውሽጦም ዘሎ ኹሉ ዝፈጠረ አምላክ ከም ዝኾነ አረዲኡ ፡ አዐርዩ ረትዖ።

እቲ አስላማይ ድማ ስለ ዝሐፈረ ፡ ናብ መኰንኖም ከይዱ ፡ "እዚ ክርስቲያናዊ ቶማስ ንሃይማኖትና ረገመ" ኢሉ ከሰሶ። እቲ መኰንን ድማ ናብኡ አቕሪቡ "ብናይ እማን ንሃይማኖትና ትረግም አለኻ ዲኻ?" በሎ። እዚ ቅዱስ ድማ "መርገምስ ካብ አፈይ አይወጽአን ፡ ክርስቶስ ሐቀኛ አምላክ ከም ዝኾነ ብድሕሪ ናዩ ሕጊ ድማ ካልእ ሕጊ ከም ዘይመጽእ ግን አጽኒዐ የረድእ" ኢሉ መለሰሉ።

እቲ መኰንን ድማ "ናይና ሕጊ ኸ ካብ እግዚአብሔር ድዩስ አይኮነን?" በሎ። ቅዱስ ድማ "ካብ እግዚአብሔር አይኮነን" በሎ። ሻዑ ጊዜ እቲ መኰንን ተቖጥዐ። ርእሱ ብሰይፊ ንኽቖርጽዎ እውን አዘዘ እሞ ቅድስት ርእሱ ቆረጹዎ። አብ መንግሥተ ሰማያት ድማ ናይ ምስክርነት አክሊል ተቐበለ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ ሰማዕት ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቶማስ ቢጸ ዘካርያስ መምህር
ኤጲስቆጶስ ዘደማስቆ ሀገር
እንዘ ተስፋ ሰማይ ይሬኢ በዐይነ ምሥጢር
ከመ ያኅድግዎ ስእኑ አፍቅሮተ ክርስቶስ ፍቁር
በመጥባሕት ስሑል ወበኲሉ ፃዕር።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ዓብዪ አቦ ናይ ዘካርያስ መዘካርታኡ እዩ። ብተወሳኺ እውን ሥራሕ እዚ ዓለም ዝሐደገን ናይ አባ ዮሐኒ ደቀ መዝሙሩ ዝኾነን ናይ ቅዱስ አባ አበይዶ መዘክርታኡ እዩ። ናይ ሰማዕታት ጉባኤ እውን በዚ መዓልቲ ኮነ። ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት አባ ጴጥሮስ እውን መዘከርታኡ እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአበይዶ መጠነ ዮሐኒ መጠኑ
እስመ ውእቱ ረድኡ ወውስተ ኲሉ ምእመኑ
ለዝ ፃማዊ ወፈጻሜ መልእክት ዘበበበይኑ
ፄና አልባሲሁ ከመ ፄና ስኂን ይፄኑ
ወይበርህ እም ፀሐይ ምስብዒተ ሥኑ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

04 Nov, 19:58


✟✟✟ ፳፮ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ቅዱስ ጢሞና ሐዋርያ ✟✟✟

፳፮ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታና ካብ ዝሐረዮምን ኵሎም ድዉያን ንኸፍውሱን አጋንንቲ ንኸውጽኡን ስልጣን ካብ ዝሃቦምን 72 አርድእቲ ሐደ ዝኾነ ፡ ቅዱስ ጢሞና ሐዋርያ ብሰማዕትነት አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ድማ ሰማያዊ ሃብትን መለኮታዊ ኃይልን ተቐበለ። በኣኣ ድማ ንኹሎም ሕሙማት ፈወሶም፡፡ አጋንንቲ እውን ተገዝኡሉ። ንናይ ክብሪ በዓል ቤት ጎይታና እውን ጎይታ ብሥጋ አብ ምድሪ አብ ዝነበረሉ ጊዜ ተልአኾ፡፡ ጎይታና ናብ ሰማይ ምስ ዐረገ ድማ ንሐዋርያት አገልገሎም። አብ በዓለ ፶ አብ ልዕሊኦም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ምስ ወረደ ድማ ምስኣቶም ተቐበለ።
ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ውሽጢ ቑጽሪ እቶም ንሳቶም ኵሎም መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝተመልኡ ከም ዝኾኑ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ምስክር ዝኾነሎም ሸውዓተ ዲያቆናት ሐዊሶም ሐዋርያት ሸምዎ፡፡

ብአገልግሎት ዲቁና ውሱን ምስ አገልገለ ድማ ብልቃ ካብ እትበሃል ሃገር ብወገን ምዕራብ አብ እትርከብ ሀገረ ስብራ ሐዋርያት ኤጲስ ቆጶስነት ሾምዎ፡፡ አብ ውሽጣ ድማ ክብሪ ይኹኖ እሞ ሃይማኖት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አስተምሀረ፡፡
ካብ ወገን ዮናውያንን አይሁድን ድማ ልብዙሓት አጥመቖም፡፡ ገዛኢ ናይታ ሃገር እዚ ምስ ሰምዐ ፡ ንቅዱስ ጢሞና ሒዙ ጽኑዕ ሥቓይ አሣቐዮ፡፡ ብእሳት እውን አቃጸሎ። አብ መንግሥተ ሰማያት ድማ አኽሊል ሰማዕትነት ተቐበለ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ሐዋርያ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለጢሞና እም ኁልቈ ሰብዓ ወክልኤቱ አርድእት
ወእም ሰብዓቱ ዲያቆናት
ዘፈጸመ ስምዖ በዋዕየ እሳት
ወካዕበ ዓዲ በዛቲ ዕለት
ሰላም እብል ለኄራስ ሰማዕት።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሓው ጎይታና ናይ ዝተብሃለ ያዕቆብ፣ ናይ ፊልጶስን ናይ አግናጥዮስ ሰማዕትን መዘከርታኦም እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Nov, 17:42


ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አቅፋሓስ ካብ ትበሃል ዓዲ ዝተረኸበ ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ ቅዳሴ ቤተ ክስርቲያኑ ተኸበረ። እዚ ቅዱስ ሰማዕት ብናይ ጎይታና ትእዛዝ ናይ ቅዱሳን ሰማዕታት ዓጽሚ ክእክብ፣ ገድሎም ክጽሕፍ፣ ሥጋኦም ገኒዙ ናብ ቢቢ ሃገሮም ንኽልእኽ ዝተመረጸ እዩ፡፡ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ከሓድቲ መኳንንቲ ናይ ልቢ ዕውረት ስለዘውረደሎም ንሶም ናይ ገድሎም ናይ ሰማዕታት ዓፅሚ ቅዱስ ዮልዮስ እናኣከበ ናብ በቢ ሃገሮም እናኽበረ ክልእኽን ከቀምጥን ከሎ እቶም መኳንንቲ ወልሓንቲ ኣይዛረቡን ነበሩ፡፡ ንቅዱስ ዮልዮስ ጽሕፈት ዝፈልጡን ዝጽሕፉን 300 አገልገልቲ ስለዝነበርዎ ናይ ሰማእታት ገድሊ እንዳተኸታተሉ ይጽሕፍሉ ነበሩ፡፡ ንሱ ድማ አብ ሥቓያት ንዘለዉ ሰማእታት የገልግሎም ነበረ፡፡ ቁስሎም ይጸርገሎም፡፡ እቶም ሰማእታት ድማ ምስ መረቅዎ ‹‹ንስኻ እውን ስለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ደምካ ክፈስስ እዩ፣ ምስ ቅዱሳን ሰማእታት ከዓ ክትቁጸር ኢኻ›› እንዳበሉ ትንቢት ይነግርዎ ነበሩ፡፡ናይ ዲዮቅልጥያኖስ ናይ ግዝኣት ዘመኑ ምስ ተፈጸመ ድማ እቶም ሰማእታት ስለ ቅዱስ ዮልዮስ ዝተዛረብዎ ትንቢት ክፍጸም ጊዜኡ በጽሐ፡፡ ጎይታና ድማ ንቅዱስ ዮልዮስ ናብ ደቡባዊ ግብጺ ገምኑዲ ከይዱ አብ ቅድሚ ከሓዲ አርማንዮስ መስኪሩ ሰማእትነቱ ምእንቲ ክፍጽም ኣዘዞ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ናብ ከሓዲ መኮንን ኣርማንዮስ ከይዱ አብ ቅድሜኡ ናይ ጎይታና ክብሪ መሰከረ፡፡ አርማንዮስ ድማ ሒዙ ብዙሕ ግዜ አሳቐዮ፡፡ ነገር ግን ድሕሪ መከራኡ ጎይታና ፍጹም ጥዑይ እንዳገበረ ይፍውሶ ነበረ፡፡ ድሕሪኡ ንኣማልኽቶም ብግዲ ከስግድዎ ንቅዱስ ዮልዮስ ሒዞም ናብቲ ናይ ጣዖት ቤት ሒዞምዎ አብ ዝኸዱሉ ጊዜ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ምድሪ አፋ ከፊታ ነቶም ጣዖታት ምእንቲ ክትውሕጦም ናብ ጎይታና ምስ ጸለየ 70 ጣዖታትን 130 ዝኾኑ ናይ ጣዖት ካህናትን ምድሪ አፋ ከፊታ ወሓጠቶም፡፡ ነዚ ዝረአዩ ክሎም‹‹ብናይ ቅዱስ ዮልዮስ አምላኽ አሚንና ኢና›› ኢሎም ብምዝራብ ብጎይታና ኣመኑ፡፡ መኮንን ርማንዮስ ድማ ‹‹አነ እውን ብናይ ቅዱስ ዮልዮስ አምላክ አሚነ አለኹ›› ኢሉ ብጎይታና ኣመነ፡፡ድሕሪኡ መኮንን አርማንዮስ ምስ ቅዱስ ዮልዮስ ናብ አትሪብ ከይዶም አብ ቅድሚ ናይ አትሪብ መኮንን ናይ ጎይታና ክብሪ መስከሩ፡፡ ናይ አትሪብ መኮንን ድማ ሒዙ ብጣዕሚ አሳቐዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ንቅዱስ ዮልዮስ ብጣዕሚ ብምስቃይ ክሳብ ዝመውት አብጸሖ፡ ጎይታና ግን ፍጹም ጥዑይ ገይሩ ፈወሶ፡፡ አብ ሓደ ዕለት ድማ ናይ ጣዖቶም በዓል አብ ዝኾነሉ ግዜ ብሽልማት ኵሉ ሸሊሞም አወቂቦም ብመባርህን ብዕንባባን አኽቢሮምን ንጽባሒቱ መጽዮም በዓሎም ንምኽባር ተቐሪቦም ሓደሩ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ነዚ ምስ ረአየ እቶም ጣዖታት ምእንቲ ክጠፍኡ ናብ ጎይታና ጸለየ እሞ ፡ ጎይታና መልኣኹ ልኢኹ ርእሲ ናይቶም ጣዖታት ቆሪጹ ቆሪጹ ደርበዮ፡፡ ነቲ ቤት ከዓ ብምልኡ አቃጸሎ፡፡ንጽባሒቱ ድማ ከም ልማዶም ናይ ጣዖታቶም በዓል ከኽብርሎም ብዝኸበሩ አእልባሳት ተሸሊሞም ምስ መጹ ጠፊኦምን ተሰባቢሮምን ረኸብዎም፡፡ በዚ ግዜ ናይ ጣዖቶም ድኻምነት ፈሊጦም ‹‹ንርእሶም ከድሕኑ ዘይከኣሉ እዞም ጣዖታት ከመይ ጌሮም ንዓና ከድሕኑ ይኽእሉ? ኢሎም ሓሰቡ፡፡ ድሕሪኡ ናብ ቅዱስ ዮልዮስ ቀሪቦም ተማሂሮም ብጎይታና ኣመኑ፡፡ ከምኡ እውን ናይ አትሪብ መኮንን ብጎይታና ኣመነ፡፡ ድሕሪኡ ቅዱስ ዮልዮስ ጡዋ ናብ ትበሃል ሃገር ከይዱ ንመኮንን ‹‹ሰይፈኒ እሞ ሰማእትነተይ ፈጽመለይ›› በሎ፡፡ እቲ መኮንን ድማ ‹‹ነ ነዚ ኣአብ ልዕሌኻ ክገብር አይከኣለንን›› በሎ፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ አብ ኢድ ተኸተልቱ ሱይፊ አትሒዙ ከፋራርሖ ፈተነ፡፡ ተኸተልቱ ድማ ሱይፊ ሒዞም ‹‹ንኹላትና ሰማእትነትና ፈጽመልና›› በልዎ፡፡ ነገር ግን እቲ መኮንን እምቢ ስለ ዝበሎም ቅዱስ ዮልዮስ ብጸሎቱ አብ ልዕሊ እቲ መኮንን ርኹስ መንፈስ ከም ዝሓድር ገበረ፡ ልቡ ናብ ክፍኣትን ጭካነን ከም ዝዝንብል ገበረ፡፡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ናይ ቅዱስ ዮልዮስ አገልገልቲ ድማ ሰይፊ መዚዞም ብምሃብ ምእንቲ ንኽቐትሎም አገደድዎ፡፡ ርኹስ መንፈስ አብ ልዕሊ እቲ መኮንን ስለ ዝሓደረ ናይ ቅትለት ደብዳቤ ጸሓፈሎም፡፡ አብታ ሰዓት ተኸተልቱ በቢተራ እንዳኸዱ ተሰየፉ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ምስ ወዱ ምስ ቴዎድሮስን ምስ ዝኸበረ ሓዉ ዮንያስን ምስ 500 አገልገልቱን ክሳዱ አሰይፉ ሰማእትነቱ ፈጸመ፡፡ ናይ ገምኑዲን ናይ አትሪብን መኳንንቲ እውን ተሰይፎም ብሰማእትነት አዕረፉ፡፡ ካብ አምዛብ ብጎይታና ዝኣመኑ ብጠቅላላ ቁጽሮም 1500 ሰባት ሰማእታት ኮይኖም ናይ ክብሪ አክሊል ተጓናጸፉ፡፡ ምእመናን ድማ ንናይ ቅዱስ ዮልዮስን፣ ናይ ወዱን ንናይ ሓዉን ሥጋ አልዒሎም ብኽብሪ ናብ ሃገረ እስክንድርያ ወሲዶም ዉቅብቲ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም አብ ውሽጣ አንበርዎም፡፡ ካብ ስጋኦም ድማ ዓበይቲ ዝኾኑ ብዙሓት ዘደንቑ ተአምራት ተገብሩ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ሰማዕት ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቅዳሴ ቤትከ በጉባኤ ሕዝብ ክቡድ
ወለተአምሪከ ዓዲ ዘኍላቌሁ ፍድፉድ
አመ ዐገትዎ ጸሩ አምሳለ ማዕድ
በከመ መጠቆ ለቈስጠንጢኖስ እም ባዕድ
መንገለ ጥበብ ምጥቀኒ ዮልዮስ ለአብድ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Nov, 17:42


✟✟✟ ፳፭ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ አቡነ አቢብ ✟✟✟

፳፭ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓብዪ፣ ክቡርን መስተጋድልን ዝኾነ አቢብ ዝተብሃለ አባ ቡላ አዕረፈ።
እዚ ቅዱስ አቦ ፡ አቡኡ አብርሃም አዲኡ ሐሪክ ዝበሃሉ እንትኾኑ ካብ ሃገር ሮሜ ሉፊ ካብ እትበሃል ዞባ እዮም፡፡ አብ ዘመኖም ከሓዲ ንጉሥ መክስምያኖስ አብ ልዕሊ ክርስቲያን ብዙሕ መከራ ስለ ዘምጸአ ስደት ኮይኑ ነበረ እሞ ፡ እዞም ቅዱሳን (አብርሃምን ሐሪክን) እውን አብ ስደት ብዙሕ ዘመን ነበሩ፡፡ ቆልዓ ስለ ዘይነበሮም ድማ ዝተባረኸ ቆልዓ ንኽህቦም ብጾም ብጸሎት ተወሲኖም ንእግዚአብሔር ለመንዎ፡፡ ዝተአዘዘ መልአኽ ድማ ብራእይ ተገሊጹሎም ፍረ ዝመልአ ዘለላ ሃቦም፡፡ አባ ቡላ ምስ ተጠንሰ ድማ አብ ጥቓ ገዛኦም ዓባይ ኦም በቖለት፣ አብቲ ቆጽሊ ድማ ብቋንቋ ሮማይስጥ ‹‹ቡላ ናይ እግዚአብሔር አገልጋሊ አብ ጽዮን ሐዲሩ ዝነብር ፈጣሪ ያዕቆብ ዘኽበሮ›› ዝብል ጽሑፍ ነበረ፡፡
እቲ ሕጻን ድማ አብ ዝተወልደ ጊዜ ብጊዜኡ በቲ ዝነበረ ናይ ክርስትያን ስደትን ምዕጻው አብያተ ክርስያናትን ናይ ክርስትና ጥምቀት ከየጥመቕዎ ሐደ ዓመት ጸንሑ፡፡ ነገር ግን እመ ብርሃን እምበይትና ቅድስት ድንግል ማርያም ንናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ንሰለባስትርዮስ ተገሊጻ ናብ ቤት አብርሃም ከይዱ ነቲ ህጻን ንኸጥምቖ አዘዘቶ፡፡ ንሱ ድማ ከይዱ ምስ አጥመቖ ስሙ ‹‹ቡላ›› ኢሉ ሰመዮ፡፡ አብርሃምን ሐሪክን ድማ አብ ጥቓ ቤቶም አብ ዘሎ ቆጽሊ ‹‹ቡላ ናይ እግዚአብሔር አገልጋሊ አብ ጽዮን ሐዲሩ ዝነብር ፈጣሪ ያዕቆብ ዘኽበሮ›› ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ከም ዝነበረ ነቲ ሊቀ ጳጳሳት ከይነገርዎ ንሱ ባዕሉ ነቲ ህጻን ቡላ ኢሉ ስለ ዝሰመዮ ተደነቑ፡፡
እቲ ሊቀ ጳጳሳት አብ ዝጸለየሉ ጊዜ ድማ ናይ ቍርባን ኅብስትን ወይኒ ዝመልአ ጽዋዕን ካብ ሰማይ ወረደ፡፡ ንሱ ድማ ቀዲሱ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስቲ ሕጻን አቐበሎም፡፡ በቲ ጊዜ እቲ ሕጻን ወዲ ሐደ ዓመት እንተሎ ‹‹ናይ ስላሴ ሐድነትን ሠለትነትን›› ተዛረበ፡፡ ነዚ ምስ ሰምዑ ድማ ካብ ዝጠብዉ ህፃናት አንደበት ምሥጋና ንዝቐረበ ብባህሪኡ ምሥጉን ንዝኾነ ንእግዚአብሔር አመሥገንዎ፡፡
ድሕሪኡ አቦኡን አደኡን አብርሃምን ሐሪክን ብሞት ስለ ዘአዕረፉ ህጻን ቡላ ንበይኑ ተረፈ፡፡ 10 ዓመት ምስ ኮኖ ‹‹ንጣዖት ስገዱ›› ዝብል አዋጅ ዝእዝዝ ከሓዲ መኰንን መጽአ፡፡ ቅዱስ ቡላ ድማ ነዚ ምስ ሰምዐ ፡ ናብቲ መኰንን ከይዱ ንዝረኸሱ አማልኽቱ ረገሞም፡፡ እቲ መኰንን ድማ ናይዚ ህጻን ብኣካል ምንኣስ ርእዩ ተደነቐ፡፡ ነዚ ደጊሙ ምእንቲ ከይዛረብ ብቑጥዐ እኳ እንተፋራረሖ እዚ ህጻን ግን ደጊሙ ዘለፎ፡፡ እቲ መኰንን ድማ በዚ ብጣዕሚ ተቖጢዑ ብዓበይቲ ሽንካራት አሸንኪሩ ንሥጋኡ ሰነጣጠቖ፣ ንቖርበቱ ድማ ካብ አዕጽምቱ አግፈፎ፣ ንእግሩን አእዳዉን ድማ ብመጋዝ አገዝገዞ፡፡ ናብ ውሽጢ መንኰራዅር እውን አእተዎ፡፡ ነገር ግን ዝተአዘዘ መልኣክ ንቅዱስ ቡላ ካብ ኵሉ መከራኡ የጸናንዖን ካብ ሕማሙ ድማ ይፍውሶን ስለ ዝነበረ ክመውት አይከአለን፡፡ ደጊሙ ድማ እቲ መኰንን ሰብነት እዚ ሐጻን አሲሮም አብ ልዕሊ መሬት ንክጎትትዎ አዘዘ። ሕዚ እውን መልአኽ ቅዱስ ሚካኤል መጽዩ አድሐኖ፣ ብዘይ ዝኾነ ጉድአት እውን ፍጹም ናብ ጥዕናኡ ተመልሰ፡፡
ቅዱስ ቡላ ድማ ደጊሙ ናብ ካልእ ከሓዲ መኰንን ከይዱ ንዕኡ እውን ንስለ አምልኮ ጣዖቱ ገሠጾ፡፡ እቲ ከሓዲ መኰንን ብዙሕ ምስ አሳቐዮ ሚያዝያ 18 ንርእሱ ብሰይፍ አቑረጾ፡፡ ነገር ግን ሕዚ እውን ናይ ወትሩ ሐላዊኡ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ንቅዱስ ቡላ ካብ ሞት አተንሥኦ፡፡ ናብ ሐደ ገዳም ድማ ወሲዱ ናይ ምንኩስና ልብስን አስኬማን ብመስቀል ምልክት አልበሶ እሞ ‹‹ምስ አድነት ቅዱሳን ጻድቃን ምእንቲ ክትኸውን እግዚአብሔር አዚዙካ አሎ›› በሎ፡፡ አባ ቡላ ድማ ናብ ሐንቲ ደረቕ ጎቦ ደዪቡ ብዓብዪ ተጋድሎ ክነብር ጀመረ፡፡
አብዚ ጎቦ ድማ ብተጋድሎ እናነበረ እንተሎ ናይ መድሐኔ ዓለም መከራ መስቀሉ ብምሕሳብ ናብ ነዊሕ ዕንጨይቲ ደዪቡ ካብኡ ንነብሱ ናብ ታሕቲ ኵሉ ግዜ ይውርውር ነበረ፡፡ ሐደ መዓልቲ ድማ ካብ ሐደ ነዊሕ ኦም ምስ ተወርወረ ሰይጣን ስለ ዝበርተዖ ቀተሎ፡፡ ነገር ግን ጎይታና ተገሊጹ ካብ ሞት አተንሢኡ ‹ ካብ ሎምስ ስምካ ቡላ አይኹን ንብዙሓት አቦ ክትከውን ስለዝኾንካ አቢብ ተባሂልካ ተጸዋዕ›› በሎ፡፡
ድሕሪኡ እዚ ቅዱስ አቦ ናይ ጎይታና ፍቅሪ አብ ውሽጡ ከም እሳት ስለ ዝነደደ ብዙሕ ጊዜ መከራኡ ብምሕሳብ ንገጹ እናጸፍዐ ሥጋኡ ተቖራሪሱ ክሳብ ዝወድቕ ንሕቖኡ 700 ጊዜ እናገረፈ ነበረ፡፡ ጎይታና ድማ ኵሉ ጊዜ ካብ ቍስሉ ይፍውሶ ነበረ፡፡ አብ ዕለተ ሰንበት ድማ ይግለጸሉ ነበረ፣ ሐደ ጊዜ ምስ እምበይትና ሕጻን ኮይኑ አብ ካልእ ጊዜ ድማ አይሁድ ሒዞምዎ እንተለዉን መከራ እናጽንዑሉ እንተለዉን ይግለጸሉ ነበረ፡፡ ስለዚ ድማ አቡነ አቢብ ከይበልዐን ከይሰተየን 42 ዓመት ተቐመጠ፡፡ ደጊሙ ድማ መንበስብስቱ ፈሲሱ ክሳብ ዝውዳእ ሐደ ዓመት ብርእሱ ተደፊኡ ነበረ፡፡ አብ ሐደ መዓልቲ ድማ ናይ ጎይታና መከራ ዘኪሩ ሠይፊ አምጺኡ ነቲ ስሕለት ናብ ላዕሊ አቑዊሙ ብአንጻሩ ምስ ተኸሎ ናብ ሐደ ነዊሕ ኦም ደዪቡ ናብቲ ልዕሊ እቲ ሠይፊ ወዲቑ ሞተ፡፡ እምበይትና ድማ ምስ እልፍ አእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ መጽያ ‹‹ ኦ ፈታውየይን ፈታዊ ወደይን አቢብ! ሰላምታ ንዓኻ ይኹን›› በለቶ፡፡ በዚ ጊዜ ካብ በድኑ ቃል ወጽዩ ‹‹ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ንግሥቲ እምበይተይ! ሰላምታ ይግበአኪ›› በላ፡፡ እምበይትና ድማ ብዝኸበረ አእዳዋ ዳህሰሰቶ እሞ ካብ ሞት አተንሰአቶ፡፡
ድሕሪኡ አቦና አብዚ ዓለም ዝነብረሉ ዕድሚኡ ምስ ተወድአ ፡ ጎይታና ፍሉይ ዝኾነ አክሊላትን ብሩህ አልባሳትን ሒዙ መጽዩ ተገለጸሉ። ‹‹ኦ ፍቱወይ አቢብ! ብዘይውዳእ ሓጎስ ደስታ ደስ ምእንቲ ከብለካ ናባይ ክወስደካ መጻኹ፣ ስምካ ንዝጽውዑ፣ በዓልካ ንዝገብሩ አነ ኃጥያቶም ከምዝሓድገሎም ብርእሰይ መሓልኩልካ፣ ወይ ድማ ብስምካ ንዝዓረቐ ዘልብስ፣ ንዝጠመየ ዘጽግብ፣ ንዝጠመየ ዘስቲ፣ ናይ ገድልኻ መጽሓፍ ዝጽሕፍ ዘንብብ ዝሰምዕ፣ ብጸሎትካ ድማ ንዝአመኑ ክሳብ 10 ትውልዲ ክምሕሮም እየ›› ዝብል ድንቂ ቃልኪዳን እውን ሃቦ። ሐቝፉ እውን ሰዓሞ እሞ ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈለየት፡፡ ናይ መላእክቲ ዝማሬ እናስምዖ አብ ደረቱ ሐቝፉ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ወሰዶ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ነዚ ክቡር መስተጋድል አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለአቢብ ዘአስተጋብአ አሐተኔ
ምግባረ ጻድቃን ዘገዳም ወምግባረ ሰማዕት ዘኵርጓኔ
እስከ ይቤሎ አምላክ ቃለ አኰቴት ማኅዘኔ
ረሰይከኑ ለባሕቲትከ ኵነኔ
ዘመጠነዝ ታፃሙ ነፍሰከ በቅኔ።

ተዘኪረከ ክርስቶስ ሥቃያተ አቢብ ብዙኀ
ወሩፀተ ነፍሱ ፍሉሐ
ኢታጽንዕ ብየ ልበከ ርኅሩኀ
እትመየጥ መንገሌከ ጽንሐኒ ጸኒሐ
እስመ እም ድኅረ ሞቱ ለሰብእ አልቦቱ ንስሓ።

ሰላም እብል ዐሠርተ ወክልኤቱ እምአተ
ወአርብዓ ወሠለስተ ተባዕተ
ወሠለስተ ምእተ ወሰብዓተ አንስተ
ሶበ ርእዩ ውስተ ዓውድ ዘአቢብ ጥብዓተ
እለ ተጋደሉ ወኮኑ ሰማዕተ።

✟✟✟ ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ ✟✟✟

ስንክሳር ብትግርኛ

03 Nov, 06:28


✟✟✟ ፳፬ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ አባ አብላርዮስ ✟✟✟

፳፬ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መስተጋድል አባ አብላርዮስ መነኮስ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ጋዛ ካብ ትበሃል ዓዲ ዝተረኸበ እዩ። ወለዱ ድማ አረማውያን እዮም፡፡ ናይ ዮናናውያን ትምህርቶምን ፍልስፍናኦምን ኵሉ አምሂሮም አዕበይዎ፡፡ በዚ ድማ ናይ አብላርዮስ ሰብነቱ ንጥበብ መሕደሪት ክሳብ ትኸውን ብፍልጠት ልዕሊ ኹሎም ኮነ፡፡ ድሕሪኡ አብ ዓዱ ዘየለ ካልእ ጥበብ ካብ ካልእ ዓዲ ምእንቲ ክመሃር ናብ እስክንድርያ ከደ፡፡

አብ እስክንድርያ ድማ ብዙሓት መምህራን ናብ ዝነብርዎ ቦታ አትዩ ካብኦም ብዙሕ ትምህርቲ ተምሃረ፡፡ አብኡ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍቲ ረኺቡ ከንብብ ጀመረ፡፡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት አባ እለ እስክንድሮስ ድማ መጻሕፍቲ ይትርጕመሉን የረድኦን ነበረ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ክብሪ ንዕኡ ይኹን እሞ አብላርዮስ ብጎይታና አሚኑ ናይ ክርስትና ጥምቀት ተጠመቐ፡፡ ድሕሪኡ ድማ መንኲሱ መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደል ጀሚሩ ብዙሕ ተጋደለ፡፡ ናብ አባ እንጦንዮስ ከይዱ ድማ መንፈሳዊ ዝኾኑ ብዙሕ ትሩፋታት እናሰርሐ ካብኦም ብዙሕ ተመሃረ፡፡

ድሕሪኡ ድማ አባ አብላርዮስ ወለዱ ከም ዝሞቱ ምስ ሰምዐ ፡ ከይዱ ንዝገደፉሉ ገንዘብ ኵሉ ወሲዱ ንድኻታትን ንጾሞም ዝሓድሩን መጽወቶ፡፡ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ናይ ሶርያ ገዳማት ብምኻድ ናብ ሓንቲ ገዳም አትዩ ፍጹም ዝኾነ ጽኑዕ ተጋድሎኡ አብኡ ፈጸመ፡፡ ካብ ብዝሓት ጾም፣ ጸሎትን ስግደትን ዝተልዐለ ሰብነቱ ተወዲኡ ቆርበቱ ምስ አዕጽምቱ ክሳብ ዝጣበቕ ተጋደለ፡፡ ንሱ ድማ አብ 7ተ መዓልቲ ሐደ ግዜ ጥራሕ ዝምገብ ኮነ፣ ምግቡ ግን ናይ ዱር ሳዕሪ እዩ እንበር ዝጠዓመን ዝለምለመን ምግቢ አይቐምስን ነበረ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ፍሉይ ዝኾነ ዘደንቕ ተአምራት ዝገብርን ትንቢት ዝዛረብን ኮነ፡፡ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዘመንኰሶን አብ ደሴት ቆጵሮስ ድማ ኤጲስቆጶስ ከምዝኸውን ትንቢት ዝተዛረበሉ አባ አብላርዮስ እዩ፡፡

አባ አብላርዮስ ድማ ብምንኩስና እናተጋደለ 63 ዓመት ነቢሩ ጠቅላላ አብ 80 ዓመቱ ተጋድሎኡ ፈጺሙ በዛ መዓልቲ እዚኣ ብሰላም አዕረፈ፡፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ቅዱስ ባስልዮስን ንአባ አብላርዮስ አብ ድርሰቶም ደጋጊሞም አመስጊኖምዎ እዮም፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅደስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአብላርዮስ ለከርሱ ዘሠርዐ
ማየ ባሕር ስቴ ወሣዕረ ገዳም መብልዐ
ብዕለተ አዕረፈ ዮም እንዘ ይብል አኅድኣ
ኢትፍርሒ ነፍስየ እምነ ሥጋ ወጺአ
እስመ ተቀነይኩ ለክርስቶስ ዓመታተ ሰብዓ።

ከምኡ እውን ፡ በዛ መዓልቱ እዚኣ ፡ ብጻይ ለንጊኖስ ሰማዕት ዝኾነ አባ ጳውሎስ ሊቀ ጳጳሳት፣ ዘይናን አውስያን ከምኡ እውን ተሃራሚት ጸበለ ማርያም፦ ቈስጠንጢኖስን ዝዝከሩሉ በዓሎም እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬያት

ሰላም ለጳውሎስ ወለለንጊኖስ ቢጹ
እም ፍኖተ ስምዕ ዘኢገገጹ
ወለዘይና ሰማዕት ፈጻሚተ ገድል ዘበበገጹ
እም እለ መከሩ መከየድየ ያዕቅጹ
ለዐቂቦትየ እም ሰማይ ይቅንጹ።

ሰላም ለኪ ጸበለ ማርያም ተሐራሚት
እም ወይነ መዓዛ ወእክለ ወራዙት
ተውላጠ ሕማምኪ ዘመጠነ ኀምሣ ዓመት
በገነተ ጽጌ ኀበ ተነጽፈ ዕረፍት
ከመ ንባእ አኀውኪ አስተብቍዒ እኅት።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

31 Oct, 19:10


✟✟✟ ፳፪ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ ሉቃስ ወንጌላዊ ✟✟✟

፳፪ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወንጌል ካብ ዝመዝገቦም 72 አርድእቲ ጎይታና ሐደ ዝኾነ ፡ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ አዕረፈ። ሉቃስ ማለት መበሰሪ እዩ (ብስራት መልአኽ ስለ ዝጸሐፈ (ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ካብኡ እውን "ዐቃቤ ሥራይ" (ሐኪም) ማለት እዩ። ዐቃቤ ሥራይ ዘሥጋ ክኸውን እንተሎ ዐቃቤ ሥራይ ዘነፍስ ክትከውን ኢኻ ኢሉ ጎይታ ጸውዖ። (ቆላ ፭፡፲፬/ 4፡14) ቍጽሩ ድማ ካብ ፸፪-72 አርድእቲ እዩ።

ንአዴና ቅድስት ድንግል ማርያም አአዝዩ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ፡ ካብ ፍቕራ ዝተልዓለ ሥዕላ ሠዐለ። ናይ አዴና ሥዕሊ መጀመርታ ዝሠዐለ ወንጌላዊ ሉቃስ እዩ። አብ ቤተ ክርስቲያን እውን ዝርከቡ ናይ ጸሎትን መዝሙርን መጻሕፍቲ ሥዕሊ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም መጀመርያ ቅዱስ ሉቃስ ዝሰዐሎም እዮም። “ሰላም ለሥዕልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ፡ ሉቃስ ጠቢብ ዘእም ወንጌላውያን አሐዱ" ፤ ካብ ወንጌላውያን ሐደ ዝኾነ ጠቢብ ሉቃስ ንዝሠአዠዐላ ሥዕልኺ ሰላምታ ይግባእ (መልክዐ ሥዕል ከምኡ እውን ስንክሳር 22/፳፪ ጥቅምቲ) ከም ዝብል።

ነቲ ዝሠዐሎ ሥዕሊ እናሸጠ ከዓ ዕለታዊ ምግቡን ክዳኑን አትሪፉ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውቶ ነበረ። ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝሠዐሎ ሥዕሊ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ልክዕ ብአካለ ስጋ ከም ዘላ ገይሩ ይሥዕላ ነበረ፡ “ወይእቲ ሥዕል ትመስል ልብስተ ሥጋ ወያንጸፋጽፍ ሐፍ እምኔሃ” ፤ እታ ስእሊ ኸዓ ሥጋ ዝለበሰት ትመስል፤ ወዝ እውን ካብኣ ይፍልፍል ነበረ" ከም ዝብል።

ቅዱሳን ሐዋርያት ነናብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ቦታ ብዕጫ ናብ መላእ ዓለም እንትኸዱ እንተለዉ ፡ ቅዱስ ዮሐንስ አብ ጽርዕ በጺሑ ክኸይድ እንተሎ ብሐንሳብ ከዱ፤ ካብ ሃገረ ስብከቱ ንመቄዶንያ ከፊሉ ከዓ አብኡ ክምህር ሐዲግዎ ኸደ። ከም ኩሎም ሐዋርያት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብዝግባእ መሃረ። ብድሕሪ እዚ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ተበገሰ።

ናይ እስክንድርያ መስፍን ዝነበረ ቴዎፍሎስ ድማ ዝመሃርካና ምእንቲ ከይንርስዖ ብጽሑፍ ገርካ ሃበና በሎ። ነቲ ዝመሃሮ ኩሉ ድማ ብጽርዕ ጽሒፉ ሂብዎ ከደ። ጊዜኡ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ አብ መጀመርታ መበል ፳፩-21 ዓመት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ቀላውዴዎስ ቄሳር ካብ ዝነግሥ አብ መበል 10ይ ዓመቱ እዩ። ብድሕሪኡ እውን ንግብረ ሐዋርያት ጽሒፉ ለአኸሉ። (ሉቃ 1፡1፡ / ግ.ሃዋ 1፡1-2)

ብድሕሪ እዚ ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተኸቲሉ አብ ሮማ ንዝነበሩ ሕዝቢ ንኸምህር ከደ። ንሮማውያን ከዓ ካብ አምልኾተ ጣዖት ናብ አምልኾተ እግዚአብሔር መለሶም። ናይ ጣዖት ካህናትን እቲ ናይቲ ዘመን ገዛኢ ዝነበረ ጨካን ዓላዊ ንጉስ ኔሮንን ሉቃስ ዝተባህለ መሰርይ ንአማልኽትና ሰባበረልና ንህዝብና እውን አስሐተልና እናበሉ ንሰባት ከናዕቡ ጀመሩ። አብ መወዳእታ እውን በቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕሙማት ምፍዋስ ፡ ንምዉታት ምትንሳእ ንጉሥ ኔሮን አአዝዩ ስለ ዝተቖጥዐ ወተሃደራት ልኢኹ ናብ ቤቱ አምጽኦ።

ነታ ኢየሱስ እናበለት እትጽሕፍ ዘላ የማነይቲ ኢዱ ትቆረጽ ኢሉ ከዓ አቑረጻ። እንተኾነ ቅዱስ ሉቃስ ” ኦ! እግዚአብሔር እቶም ንምቑራጽ ኢደይ ዝረአዩ ሰባት እቲ ዘድሕን ዝብልዎ አምላኾም ድኣ አበይ አሎ? እንተድኣሃልዩስ ስልጣኑ ድኣ ንመዓዝ ክኾኖም እዩ? ምእንቲ ከይብሉስ እዛ ኢደይ ናብታ ዝነበረታ ምለሳ” እናበለ ጸለየ። ቅዱስ እግዚአብሔር ከዓ ንኢዱ ከምታ ዝነበረታ ገበራ። ነዚ ተአምር እዚ ዝረአዩ ብዙሓት ሰባት ብእግዚአብሔር አመኑ።

በቲ ዝተፈጸመ ነገር አብ ክንዲ ነቲ ሓያል አምላኽ ምእማን ከም ፎርዖን ልቡ ዘትረረ ኔሮን ንኹላቶም ብስሕለት ሰይፊ ክቕተሉ አዘዘ። ቅዱስ ሉቃስ እውን ክሳዱ ብሰይፊ ተኸለለ። ሥጋኡ ድማ ሰባት ምእንቲ ከይረኽብዎ ናብ ባሕሪ ደርበዮ። እንተኾነ ግን ምእመናን ረኺቦም ቀበርዎ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለሥዕልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ
ሉቃስ ጠቢብ ዘእም ወንጌላውያን ፩ዱ
አመ ተቀብኡ ማርያም እም ሐፈ ሥዕልኪ ቅብዐ ናርዱ
በሕማም እኩይ እለ ደወዩ ወውሕዱ
ፅዑራነ ምድር ጥዕዩ ወጥቀ ፈድፈዱ

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት ቅዱሳኑ ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

30 Oct, 18:58


ንሐዋርያ ማትያስ ድማ ከም ሥርዓቶም ዓይኑ አውጺኦም አሲሮምዎ እንተለዉ 30 መዓልቲ ከይተፈጸመ እዩ ጎይታና ንሐዋርያ እንድርያስ ተገሊጹ ከይዱ ንማትያስ ምእንቲ ከድሕኖ ዝነገሮ፡፡ ጎይታና ንእንድርያስ ተገሊጹ ‹‹ሰብ ዝበልዑ ሰባት ንማትያስ ሒዞም አሲሮምዎ አለዉ፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ካብ እሥርቤቶም ከውጽእዎ ስለዝኾኑ ንስኻ ሕጂ ናብቶም ሰብ ዝበልዑ ሰባት ኪድ›› ኣብዝበሎ ግዜ እንድርያስ፡- ድማ ንጎይታና‹‹ጎይታይ ፈጣርየይ ሰለስተ መዓልቲ እንተተሪፍዎ ከመይ ገይረ ክበጽሕ ይኽእል? ነገር ግን ፈጢኑ ዘውጸኦ ካብ መላእክቲ ንሓደ ለኣኽ እንበር›› በሎ፡፡ ጎይታና ድማ ‹‹ኣነ ነታ ሃገር ንባዕላ ምስ ህዝባ ናብዚ ንዒ እንተኢለያ ናብዚ ትመጽእ እያ፤ ሕጂ ግን ፍቃደይ ንስኻ ምስ ደቂ መዛሙርትኻ ክትከይድ እዩ፡ ጽባሕ ብንግሆ ተላዒልኩም ናብቲ ባሕሪ ኪዱ ዝተቀረበት መርከብ ድማ ክትረኽቡ ኢኹም›› በሎ፡፡ጎይታና ንእንድርያስ እዚ ምስ ነገሮ ብኽብሪ ዓረገ፡፡

ምስ ወገሐ ድማ እንድርያስ ምስ ደቂ መዛምርቱ ተላዒሉ ናብቲ ወደብ በጽሐ፡፡ ብጽቡቅ ዝተቀረበት መርከብ ድማ ረኸበ፡፡ ጎይታና ድማ ብሊቀ ሐመር(ካቢቴን) ኣምሳል ተገለጸሉ፡ ነገር ግን እንድርያስ ኣይፈለጦን ስለ ዝነበረ ‹‹ኦ ሊቀ ሐመር ሰላም ንዓኻ ይኹን!›› በሎ፡፡ ጎይታና ድማ ‹‹ናይ እግዚአብሔር ሰላም ይሕደርካ›› በሎ፡፡ እንድርያስ ድማ ‹‹በዚ መርከብ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?›› ምስ በሎ ጎይታና ድማ ‹‹ሰብ ናብዝበልዑ ሰባት ሃገር ይኸይድ ኣለኹ›› በሎ፡፡ እንደርያስ ድማ ‹‹ ኦ ሓወይ! ምሳኻ ምእንቲ ክትማላኣኒ ይልምነካ ኣለኹ›› በሎ፡፡ ብሊቀ ሐመር ኣምሳል ዝተገለጸሉ ጎይታና ድማ ናብታ መርከብ ምስ ኣደየቦም፡ ክጓዓዙ ከለው ንእንድርያስ ‹‹ጎይታኻ እንታይ ኃይሊ ገበረ?›› በሎ፡፡

እንድርያስ ድማ ‹‹ጎይታና ዝገበሮ ተኣምራት ድማ ክነግሮ ጀመረ ምኽንያቱ ምስ ጎይታ ከምዝዛረብ ዘሎ ኣይፈለጠን ነበረ፡፡ ድሕሪኡ እቲ ሊቀ ሐመር ከምዝድቅስ ሰብ ኮነ፣ ኣብቲ ግዜ ድማ እንድርያስን ደቂ መዛምርቱን ደቀሱ፡፡ ሽዑ ጎይታና ንእንድርያስን ደቂ መዛምርቱን ምእንቲ ክሽከምዎም ንመላእክቲ ኣዘዞም፡ ወሲዶም ድማ ካብቲ ባሕሪ ወጻኢ ኣቀመጥዎም፡፡ ካብ ድቃሶም ኣብዝነቅሑ ግዜ ድማ መርከብ ኣይረኸቡን፡፡ እንድርያስ ድማ ናይታ መርከብ ሊቀ ሐመር ዝነበረ ጎይታና ምዃኑ ፈለጠ እሞ ንደቁ ድማ ነገሮም፡፡

እንድርያስ ድማ ሽዑ ክጽሊ ኣብዝጀመረ ግዜ ሕጂ እውን ጎይታና ተገሊጹ ‹‹ፍትወይ እንድርያስ ኣይትፍራሕ ኣነ እዚ ገይረልካ ኣለኹ እሞ ወልሓንቲ ዝሰኣነኒ ነገር ከምዘየለ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕጂ ድማ ናብቲ እሥር ቤት ኬድካ ንማትያስን ምስኡ ንዘለው ሰባትን ንኽሎም ኣውጻኣዮም›› በሎ፡፡ እንድርያስ ድማ ደቁ ሒዙ ናብታ ከተማ ብምእታው ማትያስ ናብዝተኣሰረሉ እስርቤት ምስ በጽሐ እቲ እስርቤት በርሀ ባዕሉ ድማ ተኸፈተሉ፡፡ ንማትያስ ምስ ደቂ መዛምርቱ ኣብቲ ውሽጢ እስርቤት ረኸቦም እሞ ሰላምታ ምስ ተዋሃሃቡ ብዙሕ ኣዕለሉ፡፡

እንድርያስ ድማ ንማትያስ ‹‹ድሕሪ2 መዓልቲ ኣውጺኦም ከም እንስሳ ሓሪዶም ክበልዑኒ እዮም በልካ፣ ብጎይታና ዝራእናያ ነታ ምሥጢር ዶ ረሳዕካያ? ኣብዝተዛረብክዋ ግዜ ሰማይን ምድርን ይናዋወጽ እዩ እኮ›› በሎ፡፡ ማትያስ ድማ ‹‹ጎይታና ከም ኣባጊዕ ናብ ማእኸል ተዃሉ ክልእኸኩም እየ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብዚ እሥርቤት ኣብዘእተውኒ ግዜ ጎይታና ተገሊጹ ንስኻ መጺኻ ከምተድሕነኒ ገሊጽለይ እዩ፡ ሕጂ ድማ እትገብሮ ኣስተውዕል›› በሎ፡፡ እንድርያስ ድማ ናብቶም እሱራት ኣብዝተመልከተ ግዜ ከም እንስሳ ሳዕሪ ክበልዑ ከለው ኣብዝረኣየ ብጣዕሚ ብምሕዛን ኣልቀሰ፣ ንሰይጣን ድማ ምስ ሰራዊቱ ኣሰሮም፡፡

ድሕሪኡ ክልተ ሃዋርያት ተሲኦም ምስ ጸለዩ አእዳዎም ኣብልዕሊ እቶም እሱራት ኣብዝጸዓኑ ግዜ ናብ የእምረኦም ተመለሱ፡፡ ካብቲ ከተማ ወጽዮም ኣብኡ ብሓድነት ምእንቲ ክቅመጡ ኣዘዞም እሞ ወጺዮም ኣብቲ ናይታ ከተማ ጎዳና ተቀሚጦም እቲ ዝኸውን ምክትታል ጀመሩ፡፡ ሰብ ዝበልዑ ናይታ ሃገር ሰባት ከም ልማዶም ንዝበልዕዎ ተረኛ ሰብ ካብቲ እሥርቤት ከምጽኡ ኣብዝመጹ ግዜ ናይቲ እሥርቤት ኣፈት ተኸፊቱ እቶም እሱራት ድማ ኣምሊጦም ከምዝወጹ ተመልከቱ፡፡

በዚ ግዜ ድማ ሰይጣን ሰብ መሲሉ ተገሊጹ ‹‹ነዚ ዝገበሩ ሃዋርያት እዮም ብምባል›› ነገሮም፡፡ ንሶም ድማ ንኽልቲኦም ሃዋርያት ሒዞም ብምእሳር ኣብቲ ከተማ እንዳጎተቱ ኣዘርዎም፡፡ ኣብ እሥርቤት እንዳሓደሩ ድማ ስጋብ ሰለስተ መዓልቲ ከምዚ ገበርዎም፡፡ ደሞም ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ከም ማይ ፈሰሰ፡፡ እንድርያስን ማትያስን ድማ ጸሎት ምስ ገበሩ ሓንቲ ናይ እምኒ በረድ ዓንዲ ካብ ስሩ ናይ ጥፍኣት ማይ ፈሊቁ ነታ ከተማ ምእንቲ ክልቅልቃ ኣዘዙ፡፡

ከም ዝአዘዝዎ ድማ ካብ ትሕቲ እምነ በረድ ዓንዲ ብዙሕ ማይ ፈሊቁ ነቶም ኣብታ ከተማ ዘለው ሰባይ ምእንቲ ከስጥሞም ገንፈለ፡፡ ደቂ እታ ዓዲ ሰባት ድማ ሃዲሞም ካብታ ከተማ ንምውጻእ እንተፈተኑ እቲ ማይ ስጋብ ክሳዶም ኣስጢሙ ሓዞም፡፡ ብዙሓት ድማ ሞቱ፡፡ ድሕሪኡ ‹‹ወይልና ወይልና፣ እዚ ክሉ ዝበጽሓና በዞም ዝተመረጹ ሰባት ምኽንያት እዩ ንሕና ድማ ብኣምላኾም ክንኣምን ኢና›› በሉ፡፡

እንድርያስ ድማ ነቲ ማይ ምእንቲ ክጎድል ኣዘዞ ከምዝኣዘዞ ድማ ጎዲሉ ጠፍአ፡፡ ደቂ እታ ሃገር ሰባት ናብቶም ሃዋርያት እንተመጹ እቶም ሃዋርያት ቆይሞም ክጽልዩ ረኸብዎም እሞ ‹‹ይቅረ በሉልና›› ኢሎም ለመንዎም፡፡ ሃዋርያት ድማ ‹‹ብህያው እግዚአብሔር እመኑ እንበር ኣይትፍረሑ›› በሎም፡፡

እንድርያስን ማትያስን ድማ ደጊሞም ናብ ጎይታና ጸልዮም ኣብ ውሽጢ ማይ ሰጢሞም ንዝመቱ ብዙሓት ሰባት ከምዝትንስኡ ገበሩ፡፡ ሰብ ዝበልዑ ደቂ እታ ዓዲ ድማ ኣእምረኦም ተመሊስሎም ናብ ናይ ቀደሞም ኣርኣያ ተመለሱ፡፡ ምኽንያቱ ኣቀዲሙ ሰይጣን ሓዲርዎም ስለዝነበረ፡፡ ሕጂ ግን ናይ ዝቀደመ ናይ ኣራዊት ጠባዮም ርሒቅሎም ሰብ ዝበልዖ መግቢ ዝምገቡ ለዋሃት ኮኑ፡፡

ድሕሪኡ ክልቲኦም ቅዱሳን ሃዋርያት ንኹሎም ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም አጠመቕዎም፡፡ ሥጋኡን ደሙን ድማ አቐበልዎም፡፡ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖምሎም ድማ ሕግን ሥርዓትን ኵሉ አስተምሂሮም ካብ ትእዛዞም ንኸይናወጹ መኺሮም ዝቀንዐት ሃይማኖት አጽንዑሎም፡፡ ሐዋርያት ድማ ሃይማኖት እናመሃርዎም 30 መዓልቲ ምስኦም ምስ ተቐመጡ ኣገልጋሊ ኤጲስ ቆጶሳት፣ ካህናትን ዲያቆናትን ሸምሎም፡፡ ዝኸበሩ ቅዱሳን ሃዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ገበሩ፣ ንኽሎም ሕሙማት ፈወሱ፡፡ ድሕሪኡ እንድርያስ ምስ ደቂ መዛምርቱ ናብ ሃገረ ግሪክ ተመለሰ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ስንክሳር ብትግርኛ

30 Oct, 18:58


✟✟✟ ፳፩ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

፳፩ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንአምላክ ብድንግልና ዝወለደት እምበይትና ቅድስት ድንግል ማርያም ብተአምራት ንወዲ መዝሙር ማትያስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘድሐነትሉ መዓልቲ እዩ፡፡

ጸሎታን በረከታን ፡ ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ይንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለኪ ለፀሐየ ጽድቅ ሰማዩ
እንተ ሠረቀ ዲቤኪ ወአንበልበለ ዋዕዩ
ማርያም ክብረኪ ጠበብተ እሥራኤል ያርእዩ
በልብሰ አሮን ካህን ደርከኖ አጽገዩ
ወሮማነ ወርቅ ካዕበ በዐውዱ አፍረዩ።

✟✟✟ ነቢይ ቅዱስ ኢዩኤል ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ነቢይ ቅዱስ ኢዩኤል መዘከርታ ዕረፍቱ እዩ።
እዚ ቅዱስ ነቢይ ድማ ንደቂ እስራኤል ዝምህርን ዝግሥፅን ነበረ፡፡ ስለ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ኢየሩሳሌም ምንባርን ናይ ሕይወት ትምህርቲ ምምሃሩን ብትንቢት ተዛረበ፡፡ ከምኡ ውን ጎይታና ስለ ዝቕበሎ መከራ ትንቢት ተዛረበ፡፡ አብ ልዕሊ ሐዋርያትን፣ ሰብዓን ክልተን አርድእትን አብ ልዕሊ ሠላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳት አንሽቲን ንናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድ ከምዚ ክብል ተዛረበ።

"ብሥጋዊ ብደማዊ ንኵሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ከሕድረሉ እየ፤ አዋልድ ደቅኹምን አወዳት ደቅኹምን ትንቢት ክዛረቡ፣ ሓለቓታቶም ሕልሚ ክሓልሙ እዮም ፡ አጓብዝኩም ድማ ራእይ ክርእዩ እዮም፡፡ አብቲ ሽዑ ጊዜ ድማ ካብቲ ጎቦታት መዓር ኮረቢት ጸባ ክፈሥሥ እዩ፤ አብ ጥቃ ቤት እግዚአብሔር ካብ ዘለዉ ሃገራት ይሁዳ ኹሉ እቲ ምንጪ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ክፈሥሥ እዩ፡፡

ነቢይ ኢዩኤል ደጊሙ እውን ምዉታት አብ ዝትንሥእሉ ጊዜ ስለ ዝኸውን ናይ ፍርዲ ሰዓት ትንቢት ክዛረብ እንተሎ ‹‹ፀሐይን ወርሕን ክጽልምቱ እዮም፣ ከዋክብቲ ድማ ብርሃኖም ክጠፍእ እዩ›› በለ። ነቢይ ናይ ትንቢቱ ወርሓት ምስ ፈጸመ ንእግዚአብሔር አገልጊሉ በዛ ዕለት ብሰላም አዕረፈ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለከ ነቢየ ምህሮ ወግሣጼ
ወልደ ባቱኤል ኢዩኤል በሊሐ ልሳን እምነ ማኅፄ
ከመ አንተ ትብል ሶበ ኀልቀ ወርኀ ድንጋፄ
በረከት ቆመ በክርስቶስ ዘአልቦ ሑጻጼ
ህየንተ በልዐ ቅድመ አንበጣ ወዕፄ።

✟✟✟ አባ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ሊቀጳጳሳት ኢየሩሳሌም አባ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳሳት መዘከርታኡ እዩ።
እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ቅኑዓት ክርስቲያን ቤተሰብ ተወለደ። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እናተምሃረ እውን ዐበየ፡፡ ብማዕርገ ቅሽና ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ዝነበረ አባ ዮሐንስ ብጾም ብጸሎት ምጽዋት ብምሃብ ድማ፣ንድኻታት ብምርዳእ ብስብከቱ እውን ብጣዕሚ ይፍለጥ ነበረ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሉኡ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ኢየሩሳሌም ኮነ።

ሰባት ድማ ስለ ቅድስናኡ ብጣዕሚ ይፈትውዎ ነበሩ። እዚ ጻድቅ ንእግዚአብሔር ብትግሃት እናአገልገለ እንተሎ ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ አባ ማርቆስን አባ ዮሐንስን ናብ ኢትዮጵያ ብምልአኽ ንሀጸይ ዳዊት ክልምንዎ ነገርዎ፡፡ አሥላም አብ እስክንድርያ እናዓመፁ ምስ አሸገሩ ንጉሥ ናይ ኢትዮጵያ ሐጸይ ዳዊት ከይዱ ፈዲዎም ነበረ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ዳግም ሃጸይ ዳዊት ንእስላም ንከይፈድዮም መልእክቲ ክነግርዎ ንሊቀ ጳጳሳት አባ ማርቆስ ናይ ሃገሩ ምስር ንጉሥ ሓተትዎ፡፡

አባ ማርቆስ ድማ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ንጉሥ ሃጸይ ዳዊት ዝለኣኹ ሰባት ካብ መኳንንትን ካብ ኤጲስ ቆጶሳትን ምስ ናይቲ ሃገር ዓበይቲ ሽማግለታት ተማኺሩ ንናይ ኢየሩሳሌም አባ ዮሐንስን ንናይ ሃገረ ምስር አባ ሳዊሮስን ብመስተውዓልነቶም፣ ብፍልጠቶምን ብቅድስናኦምን መሪጹ ናብ ኢትዮጵያ ለአኾም፡፡ ንሳቶም ድማ ክልተ ቅዱሳን ተአዘዝቲ ኮይኖም ናብ ሃገርና መጹ፡፡ ንጉሥ ሃጸይ ዳዊት ድማ ምምጽኦም ምስ ሰምዐ ብጣዕሚ ደስ ኢልዎ ንሐሽከራቱ አኸቲሉ ወጽዩ ከይዱ አኽቢሩ ተቐበሎም፡፡

ካብኣቶም ድማ በረኸት ተቐበለ፡፡ ንሳቶም ድማ ንናይ አባ ማርቆስ ደብዳቤ ሃብዎ፡፡ ሃጸይ ዳዊት ድማ ነቲ ደብዳቤ ተቐቢሉ ፡ አንቢቡ ንሊቀ ጳጳሳት ተአዛዚ ቃል ምዃኑ ገለጸሎም፡፡ ድሕሪ እዚ ድማ አባ ዮሐንስን አባ ሳዊሮስን ናብ ሀገረ ስብከቶምን ሕዝቦምን ተመሊሶም ክኸዱ አይገደፎምን ስለ ጣዕሚ ቅድስንኦምን ትምህርቶምን ብጣዕሚ ፈቲዎም እዩ እሞ ብእኡ ድማ ከም መላእክቲ ኮይኖም እዮም እሞ። ድሕሪ ቁሩብ ወርሓት ድማ ንአባ ዮሐንስ ካብዚ ድኻም ዓለም ከዕርፎ እግዚአብሔር ፈትዩ ፡ ንእሽቶይ ሕማም ምስ ረኸቦ ብሰላም አዕረፈ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

✟✟✟ ፍልሰት ሥጋ ቅዱስ አልዓዛር ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ፍልሰት ሥጋ ሓው ማርያምን ማርታን ዝኾነ ፡ ጎይታ ካብ ሞት ዘተንሥኦ ፡ ቅዱስ አልዓዛር ተኸናወነ። እዚ ቅዱስ አልዓዛር ካብ ዝመውት ድሕሪ 4ተ መዓልቲ ጎይታና ካብ ሞት ዘተንሥኦን ተአምሩ ዝገበረሉን ክኸውን እንተሎ ንሱ ድማ ንወንጌል እናሰበኸ ፍሉያት ተኣምራት እናገበረ ንክርስትና ኣሠፋፍሐ፡፡ ኣብታ ዝተሾመላ ቆጵሮስ ከተማ ድማ ናይ መጀመርያ ጳጳስ ብምዃን ንእግዚአብሔር ኣገልጊሉ መጋቢት ዕለት 17 ብሰማእትነት ዓረፈ፡፡
ቅዱስ አልዓዛር ብሰማዕትነት ምስ አዕረፈ ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ካብ ማእከል ነገሥታት ክርስቲያን ሓደ ንናይ ቅዱስ አልዓዛር ሥጋ አብ ቆጵሮስ ከምዘሎ ምስ ሰምዐ ፡ ካብ ደሴት ቆጵሮስ ናብ ቁስጥንጥንያ አፍለሶ፡፡ ከፍልሥዎ ምስ ፈተዉ ድማ አብ ውሽጢ ዝኸበረ ናይ እምኒ ሣጹን ኮይኑ አብ ውሽጢ ምድሪ ተቐቢሩ ረኸብዎ፡፡ አብ ልዕሊኡ ድማ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ነበረ፡- ‹‹እዚ አብ ውሽጢ መቃብር ዘሎ ድሕሪ 4ተ መዓልቲ ካብ ሙታን ፈልዩ ንዘተንሥኦ ክብሪ ይኹኖ እሞ ፈታዊ ናይ ጎይታና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ናይ ቅዱስ አልዓዛር ሥጋ እዩ፡፡›› ነዚ ጽሑፍ አብ ዘንበቡሉ ጊዜ ደስ ኢልዎም ተሸኪሞም ናብ ሃገረ ቁስጥንጥንያ ወሰድዎ። ኵሎም ካህናት ድማ ብዝማሬን ብክብሪን ተቐበልዎ፡፡ አብ ጽቡቕ ቦታ አቐሚጦም እውን በዛ ዕለት በዓል ገበሩሉ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!!

ዐርኬ

ሰላም እብል ለዘአፍለሶ ንጉሥ
ኀበ ቊስጥንጥንያ እምነ ቆጵሮስ
አመ በሣፁን ተረክበ ዘምስለ መጽሐፍ ውዱስ
ዘይቤ ዝንቱ ሥጋ አልዓዛር ቅዱስ
ዐርከ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ።

✟✟✟ ቅዱስ ማትያስ ሐዋርያ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ ማትያስ ሐዋርያ መዘከርታኡ እዩ። ቅዱስ ማትያስ አብ ክንዲ ናይ አስቆሮታዊ ይሁዳ ምስ ተተክአ፡ ሰብ ናብ ዝበልዑ ሰባት ሃገር ከይዱ ወንጌል ንክሰብኽ ዕጫ በጽሖ፡፡ እዛ ሃገር ድማ እስኩቴስ ዝተበሃለት ናይ ሩሲያ ክፍሊ ከምዝኾነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪክ ጸሓፍቲ ይዛረቡ፡፡ ማትያስ ድማ ናብዞም ሰብ ዝበልዑ ሰባት ሃገር ምስ በጽሐ ዓይኑ ኣውጺኦም ኣሰርዎ፡፡ መግቦም ድማ ናይ ጋሻ ሰብ ሥጋ እዩ፡፡ ብናይ ልምዶም መሠረት ጋሻ ሰብ ገና ምስሓዝዎ ዓይኑ ኣውጺኦም ናብ እሥር ቤት እዮም ዘእትውዎ፡፡ ስጋብ 30 መዓልቲ ድማ ሳዕሪ እንዳብለዑ የቀምጥዎ፡ ኣብ መበል 30 መዓልቲ ድማ ካብ እሥር ቤቶም ኣውጽዮም ሓሪዶም ይበልዕዎ፡፡

ስንክሳር ብትግርኛ

29 Oct, 20:17


አባ ጢሞቴዎስ ሊቀ ጳጳስ ዘእስክንድርያ ንዮሐንስ ሐፂር ናይ ክህነት ማዕርግ እንዳሃቡዎ እንተለዉ፡ "ይግብኦ እዩ! ይግብኦ እዩ! ይግብኦ እዩ!" ዝብል ድምጺ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ነይሩ። ቅዱስ ዮሐንስ ብዝተዋህቦ ጸጋ ብዙሓት ሕሙማት የሕዊ ነበረ። ሐደ ሐደ ርኹስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ቅዱስ ስጋ ሒዞም ክሓልፉ እንከለዉ ካብ ዝነበሮ ርኹስ መንፈስ ሐወየ። ቅዱስ ዮሓንስ ሓጢኣተኛታት ብንስሓ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምምላስ ክኽእል ምእንቲ ብጽኑዕ ይጽሊ ነበረ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ሰላም እብሎ በሕቁ
ለዮሐንስ ሐፂር ዘነዊኅ ኂሩተ ጽድቁ
እም ትርሢተ ዓለም ማሳኒ በዘይርሕቁ
ከመ ያለብዎሙ ለእለ ኀሠሡ ወጽኅቁ
ግብረ ምንኵስና ርእየ ቀዊሞ ዕራቁ።

✟✟✟ ቅዱስ ኤልሳዕ ነቢይ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ናይ እስራኤል ነቢያት ሐደ ዝኾነ ፡ ትርጓሜ ስሙ መድሕንን ሓላዊን ዝኾነ ፡ ካብ ሕርሻ ንቅዱስ ኤልያስ ዝተኸተለ ፡ መናኔ ጥሪት ዝተብሃለ ፡ ብድንግልናዊ ሕይወት ዝነበረ ፡ ናይ ዓብዪ ነቢይ ኤልያስ መንፈስ ዕጽፊን ድርብን ዝኾነሉ ፡ ብጣዕሚ ብዙሕ ተአምራት ዝገበረ ፡ ብሕይወቱ እናሃለወን: ምስ ሞተ ድማ ብዓጽሙን ምዉታን ዘተንሥአ ዓቢይ ነቢይ አቦ መዘከርታ ዕረፍቱ እዩ::

ቅዱስ ኤልሳዕ ብጣዕሚ ነዊሕ: ርእሱ እትው ዝበለ (በራሕ ርእሲ): ቅጥን ዝበለ: ገጹ እውን ቅጥን ዝበለ (ዘይስሕቕ) ሽማግለ ነበረ::

በረከቱ ምስ ኵልና ትኹን ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለኤልሣዕ ዘአድምዐ ስመ
መድኅነ ወዐቃቤ ዘተተርጐመ
ህየንተ ኤልያስ ነቢይ አመ ለእስራኤል ቆመ
ፈወሰ ወአጥዐየ ማየ ሕሱመ
ወበቅራፈ ዕፅ አውጽአ ማኅጼ ሥጡመ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

29 Oct, 20:17


✟✟✟ ፳ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ አባ ዮሐንስ ሓፂር ✟✟✟

፳ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ አባ ዮሐንስ ሓፂር አዕረፈ። እዚ ዓብዪ ናይ ብርሃን አቦ ቅዱስ ዮሐንስ ሐፂር ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ ናይ ዓለም ነገር ንዒቑ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ንስድርኡ ተፋንዩ ወጽዩ ዋዲአልንጥራን አብ ዝርከብ ሻሂት ስቲፕ(Shihit steppe) ናብ ዝተባህለ ገዳም አምርሐ። አብዚ ገዳም ንአባ ቢምዋ(ባይሞይ፡ቢንዋይ) ረኸቦም። ምስ ረኸቦም ድማ አብቲ ገዳም ምስኦም ንክነብርን ንከመንኩስዎን ወዲ መዝሙሮም ንከኸውንን ሐተቶም። አባ ቢምዋ ውን ናይዚ መንእሰይ መንፈሳዊ ጥንካረ ንምግምጋምን ዕላማኡ ንምርዳእ
"ወደይ !ምሳና ክትነብር አይትኽእልን። ምክንያቱ በረኻ ኢዩ፡አአዝዩ አሸጋሪ እዩ፤ ከምኡ እውን ናይ ጾምን ናይ ጸሎትን ጊዜታት ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ።ካብ ዝብልዐሉ ዘይብልዐሉ ጊዜ ይበዝሕ። እንድቅሰሉ እውን አብ ቀላጥ መሬት እዩ ፡ ናይ ምንኩስና ናብራ ሕጉ ብዙሕ እዩ። ናብ ዝመጻእኻዮ ዓለም ተመለስ ፡ ብፍቕሪ ስድራኻ ተሐቚፍካ ንበር" በሎ።

መንእሰይ ዮሐንስ ሐፂር ግን ፡ "በይዛኹም ካብዚ አይትስጎጉኒ። ብምሕረት እግዚአብሔርን ብናታትኩም ጸሎትን እዚ ምግባር አይብርትዐንን፤ ብናታትኩም ትእዛዝን መምርሕን ክነብር ፍቃደኛ እየ" ኢሉ ለመኖም። አባ ባይሞይ ከምቲ ሥርዓት ገዳም ናይዚ መንእሰይ ጉዳይ ክግለጸሎም ምእንቲ ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ገበሩ። ጸሎቶም በጺሑ መልአኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ "ንሱ ዝተመርፀ ንጹህ ክኸውንእዩ ፡ ተቐበሎ" በሎም። አባ ባይሞይ እውን ካብዚ መልእኽቲ ንዳሓር ናይ ዮሐንስ ፀጒሪ ላጸይዎ፤ ልብሲ ምንኩስና ንኸልብስዎ እውን ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን እንትጽልይሉ ጸንሑ። መልአኽ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ እቲ ልብሲ ብትእምርተ መስቀል ከማዕትብ ተመልከተ ልብሲ ምንኩስና የልብሱሉ አብ ዝነበሩ ጊዜ ቅዱስ መልአኽ ብማእኸሎም ይማሓላለፍ ነበረ።
መንእሰይ ዮሐንስ ትሕትና ክመሃር ምእንቲ፣ ተወሳኺ ክፍትንዎ ፡ አባ ባይሞይ ካብታ ብሓንሳብ ዝነብሩላ በዓቲ አውጺኦም ማዕጾኦ ብውሽጢ ዓጸውዎ። ስለዚ ዝሃብዎ ምኽንያት ምስኦም ክነብር ከም ዘይክእል እዩ ነይሩ።

ቅዱስ ዮሐንስ እውን ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ፡ ብጾምን ፡ ጸሎትን ጸኒዑ ንሸውዓተ መዓልቲ ፡ አብ ማዕጾ አባ ባይሞይ ብዘይ ጽልኢ ብትዕግስቲ ጸንሐ። አባ ባይሞይ በብማዓልቱ ካብ በዓቲ አብ ዝወጹሉ ጊዜ ቅዱስ ዮሐንስ ብትሕትና አብ እግሮም ተንበርኪኹ "ሓጥያተኛ እየ ይቕረ በሉለይ" በሎም። ብሻብዐይቲ ማዓልቲ እዞም አቦ ፡ ንቅዳሴ ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን እንትኸዱ፡ ነንሕድሕዶም ሽውዓተ ናይ ክብሪ አኽሊል ዝሐዙ ሠለስተ ቅዱሳን መላእኽቲ ንዮሐንስ ሐፂር ከቢቦም አብ ልዕሊ ርእሱ አክሊል ከንብሩሉ ተመልከቱ። ካብዛ ሰዓት ጀሚሩ ዮሐንስ ሐፂር ካብ ዕድመ ዝጸገቡ አቦታት ዝበልጽ ዝኸበረ አቦ ኮይኑ ንምንባር በቕዐ። አባ ባይሞይ እውን ሰለ ትሕትንኡን ስለ ትዕግስቱን መንፈሳዊ ፍቕሪ ሐደሮም። ሐደ መዓልቲ ድማ አባ ቢምዋ ቅዱስ ዮሐንስ ንቑጽ ዕንጨይቲ ወሲዱ ንኽተክልን ማይ ንከስትያን አዘዞ። ዋላ እኳ እቲ ማይ ዝቅድሐሉ ቦታ ርሑቕ እንተኾነ ፡ ንመምህሩ አኽብሮት ዘሎዎ ዮሐንስ ሐፂር ግን ብተአዛዝነት ነታ ዕንጨይቲ ተኺሉ ፡ 12 ማይልስ ርሕቐት ብምምልላስ ማይ እናምጸአ ፡ አብ ማዓልቲ ክልተ ጊዜ የስትያ ነበረ። ከምዚ እናገበረ ንሠለስተ ዓመታት ምስ ጸንሐ ፡ እታ ንቕጽቲ ዕንጨይቲ ለምሊማ ፍረ አፍረየት።

ናይ ገድሉ ፍረ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ዝኾኖ አባ ቢምዋ እውን ናይዛ ኦም ፍረ ሒዙ ናብ መነኮሳት ብምኻድ "ህንኩም ናይ ታአዛዝነት ፍረ ብልዑ" እናበለ ንኹሎም አቦታት ሃቦም። እግዚአብሔር አብ ቅዱሳኑ ሐዲሩ ከምዚ ዓይነት ፍረ ከም ዘፍርዩ ይገብር። ከምዚ ዓይነት ፍረ አብ ቅዱሳኑ ሎምን ክሳዕ ዘለዓለምን የንብር፡ ልዑል እግዚአብሔር ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። አሜን!

እዛ ኦም ድማ ፡ ክሳዕ ሎሚ ፡ አብ ውሽጢ ብቅዱስ ዮሐንስ ስም ዝተገደመ ገዳም ትርከብ። መናእሰይ ናይ ቤተክርስቲያን አገልገልቲ ናብ አባ ባይሞይ ብምምጻእ ንምንኩስና እንተመጽዮም እንታይ ክገብሩ ከም ዘሎዎም ምስ ሐተትዎም ፡ ናብ አባ ዮሐንስ ሐፂር ይልእኽዎም ነበሩ። አባ ዮሐንስ እውን "ካብ ዘሕፍር ነገር ረሐቑ ፡ ንርእስኹም አትሕት አብሉ ፡ ንስጋኹም ግዝኡ (አይተሕጉሱ)ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል "እቲ ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ ፡ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። ንሰብ ኩሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተ አጥፍአ እንታይ ይጠቅሞ? ሰብ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ? ስለዚ አብዚ ዘማውን ሓጥእን ዝኮነ ወሎዶ እዚ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ ፡ ወዲ ሰብ ብግርማ አቡኡ ምስ ቅዱሳን መላእክቱ ምስ መጸ ብእኡ ክሓፍር እዩ" በሎም። ማር 8፥35።

አባ ባይሞይ ብዝወረዶም ሕማም ምክንያት ንዓሠርተ ክልተ ዓመታት ብምስቓዮም በዚ ግዜ ቅዱስ ዮሐንስ ሐፂር ብረድእነት የግልግሎም ነበረ ፡ አባ ቢምዋ ናይ ምድራዊ ሕይወቶም ፍጻመ ምብጽሑ አብ ዝተረዱኡሉ ጊዜ ፡ ንቅዱስ ዮሐንስ ምስ ጸለዩሉን ምስ መረቕዎን ፡ ዳሕራይ ምስኦም ንዝነብሩ አቦታት ናይ ዮሓንስ ኢድ ሒዞም "ሰብ ከይመስለኩም ፡ ንሱ መልአኽ እዩ ሐልዉዎ" ኢሎም ምስ ተዛረቡ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። አባ ዮሐንስ አብ በዓቱ ታዓጽዩ (ተወሲኑ) አብ ዝነበሩሉ ጊዜ ፡ ሐደ መነኮስ ክረኽቦ ናብ በዓቱ ምስ አተወ ፡ ቅዱሳን መላእክት ክንፎም አብ ዙርዩኡ ዘርጊሖም ከቢቦሞ ርአዮም። እግዚአብሔር ንዮሐንስ ከገልግሎ ምእንቲ ሐደ ክርስቲያን ለአኸሉ። ዕለተ ዕረፍቱ አብ ዝበጽሐሉ ጊዜ ከፍልጥዎ ምእንቲ ፡ እግዚአብሔር ንአባ መቃርስን አባ እንጦኒዮስን ለአኾም። ሕማም አብ ዝተሰመዖ ጊዜ ናብ ከባቢኦም ዘሎ ቦታ ንረድኦም ለአኽዎ። ደሓር ቅዱሳን መላእክት መጽዮም ነፍሱ ናብ ሰማይ አዕረግዋ። እቲ ዝተላእከ ካብቲ ዝተላእከሉ ምስ ተመልሰ ፡ ቅዱሳን መላእክትን ካልኦት ቅዱሳንን ብሐድነት ኮይኖም ብዝማሬ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ነፍስ ዓጂቦማ እንትኸዱ ረአዮም። ካብ ማእኸሎም ሐደ ከም ፀሐይ ዘብርህ መልአኽ ናብኡ መጽዩ፡
"እዚ አባ ጳኩሚዮስ እዩ።
"እዚ ድማ አባ መቃርስ እዩ።
"እዚ ድማ ከም ፀሐይ ዘብርህ አቦ መነኮሳት ዝተባህለ ቅዱስ እንጦኒዮስ እዩ" እናበለ ነገሮ። እቲ ረድኡ ድማ ናብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ በዓቲ ምስ አተወ ቅዱስ ዮሐንስ ብጸሎት እንተሎ ዓሪፉ ረኸቦ። ዕረፍቱ ጥቅምቲ 20 እዩ። ክቡር ስጋኡ ቅድሚ ናብዚ ሕዚ ዘሎዎ ሺሓት ምካዱ ምስ ናይ ቅዱሳን አትናቴዎስን ቢሶይን ዓጽሚ እዩ ተቐሚጡ ነይሩ።

አባ ቢምዋ ብዛዕባ አባ ዮሐንስ ክዛረብ ከምዚ ይብል፡ "ቅዱሳንሲ ከምቲ ብዙሕ አግራብ እዮም ነፍሲ ወከፍ ገረብ ዝተፍልየ ፍሬ የፍሪ ዚሰትዮ ግና ካብ ሐደ ማይ እዩ፡ ጸጋ ናይ ሐደ ቅዱስ ሰብ ካብ ካልእ ቅዱስ ይፍለ እዩ፡እቲ አብ ኩሎም ኮይኑ ኮይኑ ዝዓዪ(ዝሰርሕ) ግና ሐደ መንፈስ እዩ።

"አባ ዮሐንስ ንደቂ መዛሙርቱ ፡ ንዮሴፍ መን ሸጦ? ክብል ሐተቶም፡ ሓደ ሓው ከዓ አሕዋቱ እዮም፡ክብል መለሰ። አረጋዊ አባ ዮሓንስ ከዓ "አይኮነን ፡ ንዕኡስ ትሕትንኡ እያ ዚሸጠቶ። ምክንያቱ አነ ሓዎም እየ እንዳበለ ክቃወም ይኽእል እናሃለወ ስቕ ብምባሉ ንገዛእ ርእሱ ብትሕትና ሸጠ። አብ ግብጺ መራሒ ክኸውን ዝገበረቶ እውን እዛ ትሕትና እዚኣ እያ። በሎም።

ስንክሳር ብትግርኛ

21 Oct, 19:55


✟✟✟ ፲፪ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

፲፪ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል አብ ክንዲ ሳኦል ንንጉሥ ዳዊት ቅብዐ መንግሥት ቀቢኡ ንኸንግሦ ናብ ነቢይ ሳሙኤል ዝተልአኸሉ፤ ከምኡ እውን ዳዊት ነቲ ትዕቢተኛ ጎልያድ ክሳዕ ዝቐትሎ ንደቂቀ እስራኤል ንኸድሕኖም ዝተልኣኸሉ መዓልቲ እዩ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ነአና እውን ብአማላድነት ሐለቓ መላእኽቲ ሚካኤል ይሐልወና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ዘገነተ ጽባሕ ዖፍ
ምሕረተ ኃጥአን ዘትነቁ በዘኢያረምም አፍ
ሚካኤል ክድነኒ ወሕቀፈኒ በክንፍ
ኢይትከየድ በእበድየ ግዕዘ ልስሐተ ፄው ግዱፍ
ወኢይደቅ እም ክብርየ ከመ ጽጌ ንጉፍ።

✟✟✟✟ አባ ድሜጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንጹህ ድንግል ፡ ንሥጋዊ ፍትወት ዝሰዓረ ፡ መበል 12 ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ዝኾነ ፡ ሊቀ ጳጳሳት አባ ድሜጥሮስ አዕረፈ።

ድሜጥሮስ ማለት መስትያት ማለት እዩ። ሃገሩ ድማ እስክንድርያ እዩ። አቡኡን አዲኡን ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ ሕያዎት ነበሩ። ንሓወቡኡ ሓንቲ ጓል ነበረቶ። ክመውት እንተሎ ንወደይ ካብ ንጓልካ ፈሊኻ አይትርአዮ ስለ ዝበሎ ምስ ጓሉ አዕበዮ። አብ ጊዜኦም ምእመናን ዝወሓድሉ አረማውያን ዝበዝሑሉ እዩ ነሩ።

ደቆም ዓቕሚ አዳምን ሄዋንን ምስ በጽሑ፡ ካብ ምስ ዘይኣምኑ ነመርዕዎም፡ ሕጊ ሰብ ድኣ ይፍረስ እምበር ሕጊ ሰማያዊ አይነፍርስን ኢሎም አመራዐውዎም። በሊዖም ሰትዮም ተሓጒሶም ወዓሉ። መሬት ምስ መሰየ ከምቲ ወግዒ ቤት ፈልዮም። እታ ጓል ሓወብኡ ቀዲማ “ድሜጥሮስ ሓወይ አነ ንዓኻ ሓፍትኻ እየ ንስኻ ድማ ሓወይ ኢኻ ነዚ ስዒርና ከመይ ጌርና ስራሕ ጓና ክንሰርሕ ንኽእል?” በለቶ።

ድሜጥሮስ ድማ “አነስ ፍቓድ አቦይን አደይን ክፍጽም ኢለ እየ እምበር ድሌተይ አይኮነን። ፍቃድኪ እንተኾይኑስ ክንገድፎ ንኽእል ኢና። ምእንቲ ንዓይ ምስ ካልእ ንዓኺ ድማ ምስ ካልእ ከየመርዕዉና ግን ሰብኣይን ሰበይትን መሲልና ንንበር" በላ።

በዚ ተሰማሚዖም አብ ሓደ መንጸፍ እንዳደቀሱ፡ ሓንቲ ነጸላ እናተኸድኑ፡ ን48 ዓመታት ነበሩ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ክበሃል ይኽእል እዩ። እግዚአብሔር ንዝመረጾ ብጥበቡ እዩ ዘንብሮ። ቅዱስ ሊቀ መላእክት ሚካኤል ለይቲ ለይቲ እናመጸ፡ የማናይ ክንፊ ንዕኡ ጸጋማይ ክንፊ ድማ ንዓኣ ከዲኑ ሓዲሩ መሬት ምስ ወግሐ ድማ ብአምሳለ ርግቢት ብመሽኮት ክወጽእ ከሎ ይርእይዎ ነበሩ።

አብቲ ግዜ ዝነበረ ሊቀጳጳስ ሉክዮስ (ሉክያኖስ) ይበሃል። ምስ ኣረገ ንህዝቢ አኪቡ ረነ አሪገ እየ ብድሕረይ ዝሽየም ምረጹ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ባዕልኻ ሕጊ ሰሪዕካ ንገረና እምበር ንሕናስ ንፈልጦ የብልናን በልዎ። መዓልቲ ቆጺሩ ድማ ኣፋነዎም። ኩሎም ድማ ኣብ መዓልቲ ቆጸርኦም ተኣከቡ።

አብ ሱባኤ እንተለዉ ተኣዚዙ ዝመጸ መልኣኽ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ፣ አብዘይ ጊዜኣ ዝበሰለት ዘለላ ወይኒ ሒዙ ከባርኽ ናባይ ክመጽእ እዩ ብድሕረይ ዝሽየም ድማ ንሱ ኢሉ ነገሮም። ሽዑ ንሽዑ ድማ ድሜጥሮስ፡ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ፡ አብ ዘይጊዚኣ ዝበጽሐት ዘለላ ወይኒ አብ ሙዳይ (ጥብሒ) ሒዙ መጸ። ካብቲ ዝሓዞ ዝበለጸ በረኸት ተቐቢሉ ክወጽእ ከሎ፡እቲ ብድሕረይ ዝሽየም እዚ እዩ ኢሉ አመልከተሎም።

ሊቀ ጳጳስ ሉክዮስ አይደንጎየን አዕረፈ። ቀቢሮምዎ እንትምለሱ እንተለዉ፡ መንበር ብዘይ ሹም አይሓድርን እሞ ንዓ ተሸየም በልዎ። "ንጹህን ድንግልን ዝቕመጦ ወንበር፡ ከምዚ ኸማይ ሕጊ ዘይመልአ፡ ዘይተምሀረ ከመይ ኢሉ ይሽየም?" ኢሉ ኣበየ። አቦና ነጊሮምና እዮም ኢሎም አገደድዎ። ክሽየም እንተኾይነ ስርዓት ምሃሩኒ በሎም።

አይተማሃርኩን ስለ ዝበልካ እምበር አቦና ክሽየም ከሎ "አንቀጸ ብፁዓን፡ አንቀጸ አባግዕን አንቢቡን ተርጒሙን እዩ ተሸይሙ" በልዎ። "ነቲ መጽሓፍ አምጽኡለይ" ብምባል ምንባብን ምትርጓምን ስለ ዝተገልጸሉ፡ አንቢቡን ተርጒሙን ተሾመ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብሉይን ሓድሽን ኩሉ ተገልጸሉ።

ብድሕሪ እዚ አብ ፍጹምነት ካብ ምብጽሑ ዝተላዕለ ከቑርብ እንተሎ ፡ ዝነጽሀን ዘይነጽሀን፡ ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ይርኢ ስለ ዝነበረ፡ "ንስኻ በቒዕኻ ኢኻ ንስኻ ኘይበቓዕኻን፡ ንስሓ አቲኻ (ተነሲሕካ) ነጺህካ ቕረብ" ይብሎም ነበረ። በዚ ድማ ብዙሓት ሓጢኣቶም ንአባት ነፍሶም እናነነገሩ፡ ዝበሎም እናፈጸሙ ዝቖርቡ ኾኑ። ካልኦት ድማ "ንጹህን ድንግልን ዝቕመጦ መንበረ ማርቆስ ምቕማጡ ከይኣኽሎስ ከምዚ ይብለና?" ብምባል ሓመይዎ ነበሩ።

ዝተኣዘዘ መልኣኽ ናብኡ ብምምጻእ “ኦ ድሜጥሮስ ኢትፍቅድ አድኅኖ ርእስከ ባሕቲቱ አላ ክስት ዘሀሎ ምስሌከ ወማእከለ ብእሲትከ” /ናትካ ድሕነት ጥራይ አይትርአይ ህዝቢ ብሒሜት ይጉዳእ አሎ። አባኻን አብ ሰበይትኻን ዘሎ ምስጢር ግለጸሎም" በሎ።

ንጽባሒቱ በዓለ ጳራቅሊጦስ ነበረ። ቀዲሱ ምስ አቑረቦም ሓዊ አጒዱ አብ ውሽጢ ኣትዩ ብምቕዳስ፡ ንሰበይቱ ጸዊዑ “ስፍሒ ዓጽፈኪ” 'ክዳንኪ ዘርግሒ" ብምባል ካብቲ ጓህሪ እናሓፈሰ አብ ክዳና ገበረላ። ነቲ ህዝቢ ሠለስተ ጊዜ ብምዝዋር መለሰቶ። እቶም ህዝቢ ድማ "አባ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር አሎኻ?"በልዎ። "ብምኽንያት ሰበይተይ ትሓምዩኒ ከም ዘለኹም መልአኽ ነጊሩኒ። ነቲ ምስጢር ክገልጸልኩም ድማ አዚዙኒ" በሎም። "ነዚ ኩሉ ዓመታት ብሓደ ከነሕልፎ እንተለና ብግብረ ስጋ አይንፋለጥን።" በሎም። “ስረይ ለነ ኦ አቡነ እስመ ንሕነ አበስነ ወጌገይነ/ በዲልና ኢና እሞ ይቕረ በለልና" እናበሉ አብ እግሩ ወደቑ። “ይኅድግ ይፍታሕ ያንጽህ ወይሥረይ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ..." ኢሉ "ይቕረ ይበለልኩም! ይፍታሕኹም! ኢሉ ሥርየት ሃቦም። ኑዛዜ እውን ዝተጀመረ በዚ ጊዜ እዚ እዩ።

ካብ ዘመነ ሓዋርያት ክሳብ ጊዜኦም “ጎይታ ምስ ተጠምቐ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ” እናበሉ፡ ጽባሕ ጥምቀት ይጸውሙ ነበሩ፡ ጎይታ ሓንቲ መዓልቲ እንተዝግለጸለይ እናበለ ይልምን ስለ ዝነበረ ፡ ንለይታ ልማናኡ ሰሚዑ ተገሊጹ ” ሆሳዕና፡ ትንሣኤ፡ ጰራቅሊጦስ አብ ሰንበት፡ ስቅለት አብ ዓርቢ፡ ዕርገት ድማ አብ ሓሙስ መዓልቱ ከይለወጠ ከም ዝኸብር ነገሮ። ምስ አረገ እውን ሰባት ብዓራት ተሰኪሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ይወስድዎ እሞ ንሱ ውን ደኺመ ከይበለ ክሳብ ፀሓይ ትዓርብ ይምህሮም ነበረ።

ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዋላ እንተበቕዐን ጻድቅ እንተኾነን ካብ ሞት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ግን ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ድሜጥሮስ አብ 105 ዓመቱ በዛ ዕለት እዚኣ ብሰላም አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለድሜጥሮስ ሐጋጌ አጽዋም እም ስቴ
ወሠራዔ መብልዕ በጰንጤቆስቴ
እመ ኢኮነ ላዕሌሁ መንፈስ ቅዱስ ከሣቴ
እፎ ይትከሰት ወይትረከብ በአይቴ
ሐሳበ ዘመን ዘስሙ ዓበቅቴ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ጻድቃን ጴጥሮስን ጳውሎስ ተዋራሲን ዲዮናስዮስን ያዕቆብን አቡጥፋን ቴዎድሮስን ሚናስን መዘከርታኦም እዩ። እግዚአብሔር ብጸሎቶም ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ትብጽሐና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ስንክሳር ብትግርኛ

20 Oct, 17:10


✟✟✟ ፲፩ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ ቅድስቲ ጲላግያ ✟✟✟

፲፩ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ተጋዳሊት ቅድስቲ ጲላግያ አዕረፈት። እዛ ቅድስቲ አደ ድማ ካብ ሀገረ አንጾኪያ እያ። ወለዳ ድማ ከሐድያን እዮም። ንሳ እውን መጀመርያ አብ ዝረኸሰ ሃይማኖታ ሞንባር ሐረየት። ብግብሪ ርኵሰት እውን ከደት። አብ ውሽጢ ቤተ ተውኔት (ቤት መሸታ) ኾይና ድማ ፡ ትሣለቕ፣ ትዝሙን ትደርፍን ነበረት።

ሐንቲ መዓልቲ ግን ናይ ገሃነም እሳትን ናይ ዘለዓለም ሥቓይን ከም ዝጽበዮም እናዘኻኸረ ኤጲስቆጶስ ጳውሎስ ንዝንጉዓትን ዘማውያንን እንትግሥጾም ሰምዐቶ። ምኽሩ እውን አብ ልባ ሐደረ። በድሕሪ እዚ ናብኡ ኸይዳ ዝሠርሐቶ ኹሉ ተናዘዘት። ንሱ ድማ አጽናዕኒዑ ፡ ዝቐንዐት ሃይማኖት መሃራ እሞ ፡ ብስም ሐደ አምላኽ አብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን አጠመቓ።

ብናይ ቀደም ሥራሓ እናተጸጸተት ድማ ፡ ብጾም፣ ብጸሎትን ብስግደትን ሰውነታ ክተድክም ጀመረት። በድሕሪ እዚ ድማ ፡ ናይ አወዳት ኽዳን ተኸዲና ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዳ አብ ኵሎም ቅዱሳት ቦታታት ሰጊዳ ፡ ኹሎም ቦታታት ተሳለመት። ናብ ናይ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳሳት ድማ ተመለሰት። ንሱ ድማ ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከተማ ወጺእኻ ካብ ዝርከቡ ናይ ደናግል ገዳማት ናብቲ ሐደ ለአኻ። ናይ ምንኵስና ልብሲ ለቢሳ ፡ ብጽኑዕ ገድሊ እውን ተጸሚዳ ሠላሳ ዓመት ዝኣክል ነበረት። ንእግዚአብሔር አገልጊላ ድማ በሰላም አዕረፈት።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎታ ይምሐረና ፡ በረከታ እውን ምሳና የሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬያት

ሰላም ለጲላግያ እንተ አፍቀረት ትዴግኖ
ለጳውሎስ አብ ሶበ አጽምዐት ምዕዳኖ
ወበእንተዝ ሐለየት ወአጥብዐት ለተኰንኖላህበ ብርት ውዑይ እስከ ለላህያ አርሰኖ
እንዘ ልቡናሃ ይሬኢ ለክርስቶስ ሥኖ።

ሰላም ለልብከ ብዕለ ዓለም ዘያቀልል
እስመ አብደርከ ትፁር አርዑተ መስቀል
ፋሲለደስ ለክርስቶስ ሶበ ሰማዕኮ ዘይብል
በስቍረተ መርፍእ ገመል ኀሊፈ ይቀልል
መንግሥተ ሰማይ እም ይባእ ባዕል።

✟✟✟ ቅዱስ አቦ ያዕቆብ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሊቀ ጳጳሳት አንጾኪያ ቅዱስ አቦ ፡ አባ ያዕቆብ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ብዙሕ መከራ በጺሕዎ እዩ። ብምኽንያት ቅንዕቲ ሃይማኖቱ አርዮሳውያን አሳዲዶምዎ ፡ አብ ደሴት ብዙሕ ወርሓት ተቐመጠ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ ናይ አንጾኪያ ምእመናን ተሰብሲቦም መኸሩ። መልእኽቲ ልኢኾም ድማ ፡ ናብኣቶም መሊሶምዎ ሒደት መዓልትታት ተቐመጠ። ብድሕሪ እዚ ግን ንኻልኣይ ጌዜ አርዮሳውያን ተልዓሉዎ እሞ አሳደዱዎ። አብ ስደት ንሸውዓተ ዓመታት ጸኒሑ ድማ አብኡ አዕረፈ። በረከቱ ምስ ኵልና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለያዕቆብ ለአንጾኪያ ማሕቶታ
ወሊቀ ጳጳሳት መጋቤ ሥርዓታ
እም ድኅረ በጽሖ ምንዳቤ ወስደት ዘበበፆታ
ተውህበቶ ርስት እንተ ይነብር ውስቴታ
ዘኢይክል ፍጹም ዐይነ ንሥር ርእዮታ።

✟✟✟ አቡነ ኤልያስ ዘውቅሮ ✟✟✟

ካብኡ ለ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አቡነ ኤልያስ ዘውቅሮ መዘከርታ በዓሎም እዩ፡፡ አቡነ ኤልያስ ዘውቅሮ ትውልድ ዓዶም አኽሱም እዩ፡፡ ናይ አቡነ አረጋዊ 3ይ ናይ ምንኵስና ውሉዶም እዮም፡፡ አቦኦም አብ ውቕሮ ናይ ዝርከብ ጥንታዊ አብርሀ ወአጽብሐ ቤተ መቅደስ ዓጣኒ ነበሩ፡፡ እዞም ጻድቅ ዝፍለጡሉ ሐደ ዓብዪ ገድሊ አለዎም። አብ መዓልቲ 548 ጊዜ አቡነ ዘበሰማያት እናጸለዩ 666 ጊዜ ይሰግዱ ነበሩ።

በረከቶም ይሕደረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን

ካብኡ እውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ አርማሚ ሰማዕት መዘከርታኡ እዩ። በረከቱ ድማ ኵልና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነዓና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳኑ ይምሓረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ስንክሳር ብትግርኛ

19 Oct, 19:07


✟✟✟ ፲ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ ቅዱስ አውማንዮስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

፲ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መበል 7ይ ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ዝኾነ ፡ ቅዱስ አውማንዮስ ሊቀ ጳጳሳት አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ብንእሽተዩ አትሒዙ ፡ ንጹሕን ትሑትን ንምግባረ ጽድቂ ድማ ግዙእን ነበረ። ቅዱስ አብርምዮስ ድማ ትሩፋቱ ርእዩ ፡ ዲቁና ሸሞ እሞ ብዲቁና እናተለአኸ 10 ዓመታት ተቐመጠ። አባ ዮስጦስ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ተሾመ ድማ ትሩፋቱን ቅየኑዕሃይማኖቱን ተመልኪቱ ፡ ቅሽና ሾሞ። ቅዱስ ዮስጦስ ምስ አዕረፈ ድማ ፡ ነዚ ቅዱስ አቦ አውማንዮስ መሪፆም ሊቀ ጵጵስና ሾምዎ። ናይ አብያተ ክርስቲያናት ሥራሕ ኵሉ ድማ ተረከበ። ንዓላውያን ድማ እናተማጎተ ፡ ካብ ስሕተቶም ዝምልሶም ኮነ። ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ አብን ምስ መንፈስ ቅዱስን ብመለኮቱ ሐደ ከም ዝኾነ ግልጺ ገይሩ አምሀሮም። አብ መንበረ ሢመቱ 13 ዓመታት ምስ ጸንሐ ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ አብ መበልየይ 7ይ ዓመተ መንግሥቱ ንአንስጣስዮስ ንጉሥ አዕረፈ። አብ ዘመኑ ድማ ሠለስቲአን ደቂ ሶፍያ ሰማዕትነት ተቐበላ።

በረከቱ ምስ ኵልና ትኹን ለዓለመ ዓለም አሜን!

ዐርኬ

ሰላም ለአውማንዮስ ለሠናይት ዘኀረያ
እስከ ደለዎ ይሠየም በመንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ
ዘተጋደለ ይሚጥ ውሉዳ ለአቅሌስያ
ወበመዋዕሊሁ ለንጉሥ አንስጣስያ
አዋልዲሃ ለስምዕ መጠወት ሶፍያ።

✟✟✟ ቅዱስ ሰርጊስ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ሰርጊስ ብሰማዕትነት አዕረፈ፡፡ ቅዱስ ሰርጊስን መሓዝኡ ቅዱስ ባኮስን አብ ውሽጢ ግዝኣት ንጉሥ መክሲምያኖስ (284-305) ናይ ሓይሊ ጾር ላዕለዋይ በዓል ሥልጣናት ነበሩ፡፡ ንጉሥ ከሓዲ እዩ ኔሩ፡፡ እዞም ክልተ ቅዱሳን ብጎይታና ዝአምኑ ክርስቲያን ምዃኖም ግን አይፈለጠን ነበረ፡፡ እምነት ናይቲ ንጉሥ ዝኽተሉ ክፉኣት ከይዶም ንንጉሥ መክሲምያኖስ ‹‹ዝሸምካዮም ንሰርጊስን ንባኮስን ብናትካ ኣማልክቲ ዘይኣምኑ እዮም›› ኢሎም ነገርዎ፡፡ እዞም ክልተ ቅዱሳን ድማ ክርስቲያን ብምኳኖም ተወንጂሎም ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ቀረቡ፡፡ ንጉሥ ድማ ‹‹ንኣማልኽተይ ስገዱ›› ምስ በሎም ንሳቶም ድማ ‹‹ንሕናስ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንሓቀኛ ኣምላክ ኢና እነምልኽ፡፡ ንናትካ ዝረኸሱ ጣዖታት ኣይንግዛእን›› በልዎ፡፡ ንጉሥ ድማ ንትእዛዙ ከም ዘይተቀበልዎ ምስ ፈለጠ ኣብ ልዕሊ ሰብነቶም ዓብዪ ሥቓይ አውረደሎም፡፡ ሰብነቶምን ክሳዶምን ብሰንሰለት አሲሩ አብ ኩሉ ከተማ እናገረፈ አዘሮም፡፡ ንጽባሒቱ ድማ ንአማልኽቱ ንክሰግዱ ደጊሙ አዘዞም፣ ንሳቶም ግን ፈጺሞም አይተቐበልዎን፡፡ ድሕሪ እዚ አሣቕዩ ክቐትሎም ናብ ገዛኢ ምብራቓዊ ሶርያ ፡ ናብ አንጥያኮስ ለአኾም፡፡
ንጉሥ አንጥያኮስ መጀመሪያ ነቲ ሥልጣን ዝረኸቦ በዞም ክልተ ቅዱሳን ስለ ዝነበረ ፡ ሕዚ ብምስዳድ ናብኡ አብ ዝመጹሉ ጊዜ ‹‹ኦ ረዳእተይ ዝኾንኩም አቦታተይ! አነስ አብ ልዕሌኹም ሓንቲ ክፉእ ነገር ክገብር አይደልን፤ ነገር ግን ንናይ ንጉሥ ትእዛዝ ብምቕባል ንምንታይ ብሕይወት ዘይትነብሩ? ንትእዛዙኸ ስለምንታይ ትተሓላለፉ?›› በሎም፡፡ ቅዱሳን ዝኾኑ ሰርጊስን ዓርኩ ባኮስን ድማ ‹‹ንዓና ሕይወትና ክርስቶስ እዩ፣ ስለ ስሙ ኢልና ዋላ እንተሞትና መትረፊ መንገድና እዩ›› በልዎ፡፡ አብታ ጊዜ ድማ ንጉሥ አንጥያኮስ ሓሪቑ ንቅዱስ ሰርጊስ አሠሮ፡፡ ንቅዱስ ባኮስ ግን ጽኑዕ መግረፍቲ ምስ አግረፎ አብ ክሳዱ ከቢድ እምኒ አንጠልጢሉ አብ ውሽጢ ሩባ ኤፍራጥስ ደርበዮ፡፡ እዚ ሰማእት አቦና ድማ ንቅድስቲ ነፍሱ ንእግዚአብሔር አሕሊፉ ሃበ፡፡
እግዚአብሔር ንሥጋ ቅዱስ ባኮስ ሓልዩ ናብ ወደብ አብጽሖ፡፡ አብ ቀረባ እቲ ወደብ ድማ ብገድሊ ተጸሚዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ማማን ባባን ዝበሃሉ ክልተ ባሕታውያን ነበሩ እሞ እግዚአብሔር ንመልኣኹ ናብኣቶም ልኢኹ ከይዶም ንናይ ቅዱስ ባኮስ ሥጋ ናብ በዓቶም ክወስድዎ አዘዞም፡፡ እቶም ባሕታውያን ድማ ከምቲ ዝተአዘዝዎ ከይዶም ንናይ ቅዱስ ባኮስ ሥጋ አናብስትን ተዃሉን ለይትን መዓልትን እናሐለውዎ ረኸብዎም፡፡ እዞም አራዊትን እንሥሣታትን ብዘይካ ሥጋ ሰብ ካልእ ዘይምገቡ እንትኾኑ እንተለዉ ነገር ግን ንናይ ቅዱስ ባኮስ ሥጋ ሓደ መዓልትን ለይትን እንትሕልውዎ ጸንሑ፡፡ እቶም ባሕታውያን ድማ ንናይ ቅዱስ ባኮስ ሥጋ ወሲዶም ብዓብዪ ክብሪ አብ በዓቶም አቐሚጦም ቀበርዎ፡፡

ንቅዱስ ሰርጊስ ግን ንጉሥ አብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ምስ አሰሮ ፡ ንአእጋሩ ብሽንካራት ሓጺን ሸንኪሮም ፡ ብአፍራስ እናጎተቱ ሩጻፋ ናብ ዝበሃል ሃገር ወሰድዎ፡፡ አብኡ ምስ በጽሑ ድማ ፡ ብዙሕ ምስ አሳቐይዎ ፡ ክሳዱ ብሰይፊ ቆሪጾም ንክቐትልዎ ንጉሥ ትእዛዝ አመሓላለፈ፡፡ ንአእጋር ቅዱስ ሰርጊስ ብሽንካር ሸንኪሮም ፡ አብ አፍራሶም አሲሮም ክወስድዎ እንተለዉ ድማ ፡ ደሙ አብ ልዕሊ መሬት ከም ማይ ይፈስስ ነበረ፡፡ አብ መንገዲ ድማ ሐንቲ ድንግል ጎርዞ ንቅዱስ ሰርጊስ ምስ ረኸበቶ ማይ አስተየቶ፡፡ እዚ ቅዱስ ድማ ‹‹ንስጋይ ምእንቲ ክትወስዲ ክሳብ ሩጻፋ ተኸተልኒ›› በላ እሞ ተኸተለቶ፡፡
ጭፍራታት ንጉሥ ከም ዝተአዘዙዎ ሩጻፋ አብ እትበሃል ሃገር ምስ በጽሑ ንቅዱስ ሰርጊስ ብዙሕ ምስ አሳቐይዎ አብ መወዳእታ በዛ መዓልቲ ጥቅምቲ 10 ክሳዱ ብብሰይፊ ቆረጽዎ እሞ ናይ ሰማእትነቱ ፍጻሜ ኮነ፡፡ እታ ጎርዞ ድማ ናብዚ ቅዱስ ቀሪባ ብናይ ፀጕራ ባዘቶ ካብ ክሳዱ ንዝፈሰሰ ደሙ ተቐበለት፡፡ ወርሓት ስደት ክሳብ ዝሓልፍ ድማ ንስጋኡ ብኽብሪ አቐሚጣ እንትትሕልዎ ነበረት፡፡ ድሕሪኡ ውቅብቲ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖምሉ ንሥጋ ቅዱስ ሰርጊስ ፡ አብ ውሽጣ አንበሩ፡፡ ካብ ሥጋኡ ድማ ብዙሕ አደናቒ ተአምራት ተፈጺሞም ተርአዩ፡፡ ካብ ሥጋኡ እውን መዓዛኡ ብጣዕሚ ጥዑም ዝኾነ ናይ ጨና ዘይቲ ይፈሥሥ ነበረ።

ናይ ቅዱስ ሰርጊስን ናይ መሓዝኡ ቅዱስ ባኮስን ረድኤት በረኸቶም ይሕደረና፣ ብጸሎቶም ድማ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለሰርጊስ እንተ ላዕሌሁ ሐለፋ
መዋግደ ሥቃይ ኵሎን በምድረ ፎራት ወሩጻፋ
ሐራዊ በመጥባሕት አመ ለክሳዱ ሰየፋ
ከመ ተመነየ ወከመ ተሰፈወ ተስፋ
ለአክሊለ ሕይወት ወስምዕ ይእዜ ተወክፋ።

✟✟✟ ቀሲስ ዮሐንስ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቀሲስ ዮሐንስ መስተጋድል አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ድማ ካብ ብዝሒ ተጋድሎኡ ፀገጕሪ ርእሲ እንትላጸ ብማይ አየርሕሶን።

እግዚአብሔር ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለዮሐንስ ዘአጻመወ ነፍሶ
እም ፍትወተ ዓለም ዘበተግኅሦ
ዝንቱ ጻድቅ አክሊለ ምዝጋና ኀሢሦ
ምንተኒ በማይ እንበለ ያርሕሶ
በአፈ መላፂ ይትቀረጽ ወይትላጸይ ርእሶ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነኣና እውን ብናይዞም ቅዱሳን ጸሎት ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ስንክሳር ብትግርኛ

18 Oct, 17:59


ቅዱስ እስጢፋኖስ ካልዕ ጾምን ጸሎትን ዝፈቱ:ንፅጉማት ዘብልዕ:ሓያል ናይ ጦር ሰብን ተፈታዊ ክርስቲያን እዩ።እቲ ክፉእ ኣራዊት ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ኩሉ ሞትን ስቓይን እንትእውጅ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ እዚ ቕዱስ እዩ።

አብቲ ቦታ ካብ ዝነበሩ ብዙሓት አሽሓት ሰባት ነቲ ንጉሥ ደፊሩ ዝተዛረቦ ዋላሓደ ኣይነበረን።ቕዱስ እስጢፋኖስ ግን ንክርስቶስ ቀንአ።ካብቲ ህዝቢ ማእኸል እናጎየየ ሓሊፋ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሥ ነቲ ኣዋጅ ዘንብብ ኣሕዲጉ(መንጢሉ) ብአደባባይ ነታ ናይ ክሕደት ደብዳቤ በጣጢሱ ሸንደዋ።

ነቲ ንጉሥ ድማ "ሰነፍ" ክብል ገሠጾ።ኣዝዩ ዝተቖጠዐ ንጉሥ ግን ነቲ ቕዱስ ብሰይፉ ሸንዲዩ ኣብ 2 መቐሎ።ኣካሉ ኣብ መሬት እንትወድቕ ርእሱ ግን ኣብ ኣየር ኮይና ን3 መዓልቲ ትንቢት ተናገረት። ነቲ መጨነቒ ናይ መከራ ዘመን በሪ ከፋቲ ቅዱስ እስጢፋኖስ ካልዕ ኮነ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ መስተጋድል ሰማዕት ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ይኹን ንዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለእስጢፋኖስ ወልደ ፋሲለደስ ክቡር
ቀዳሜ ሰማዕት ዘኮነ በአንጾኪያ ሀገር
ሚ ዕፁብ ወጥቀ መንክር
ከመ ያስምዕ ቃለ ምሥጢር ለአዝማነ ኵሉ ማኅበር
መንፈሰ አእምሮ ዘተሠውጠ በርእሱ ምቱር።

✟✟✟ ቅዱስ አትናስዮስ ብጹዕ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ክቡር ናይ ሀገረ አንጾኪያ ሊቀ ጳጳሳት አባ አትናስዮስ አዕረፈ። እዚ ድማ ፡ ካብ ብንኡሱ መነኰስን ባሕታዊን ጽሙድን ትሑትን የዋህን ብኹሉ ሠናይ ምግባር ፍጹምን ኮነ።

ሊቀጳጳሳት አባ ሚካኤል ድሕሪ ምዕራፉ ድማ ነታ መንበር ዝግባእ ሰብ አለሻ በብበረኻኡ ዘወሩ። ነገር ግን ካብ ቕዱስ አትናስዮስ ዝሓሸ ሰብ ኣይረኸቡን።ንሱ መጽሐፍቲ ጠንቂቑ ዝፈልጥ:ንመጓሰኡ ዝርሕርሕ ሕያዋይ ጓስ እዩ'ሞ ሒዞምዎ ናብ ከተማ መፁ።

ብሃገሮም ባህሊ መሠረት ሊቀ ጳጳሳት ዝሽየም ናይ ኩሎም ኣህጉረ ስብከት ጳጳሳት ኣብ ዘለውሉ እዩ'ሞ ተፀበዩ።ኩሎም ተረኺቦም ኣብ ሶርያ ናይ ሰልቅ ጳጳስ ዝነበረ አባ እልመፍርያን ግን ደንጎየ።ን50 መዓልቲ ተፀብዮም ንኣባ አትናስዮስ 'ፓትርያርክ ዘአንጾኪያ' ኢሎም ሸይሞሞ ተፈላለዩ።

አብ መበል 51ይ መዓልቲ አባ እልመፍርያን እንትበፅሕ በዓለ ሲመቱ ምጥንቓቑ እንትነግርዎ ተቖጠዐ።"አነ አብ ዘየለኹሉ ዝተሾመ አይሰርሕን እሞ ንአትናስዮስ ፓትርያርክ ኢሉ ዝፀወዐ ዝተወገዘ ይኹን" ኢሉ ናብ ሰልቅ ተመለሰ።ቕዱስ አትናስዮስ እዚ እንትሰምዕ ፈፂሙ ሐዘነ።

መጀመሪያኡ እውን ኘገዲዶምዎ እዮም እምበር ሹመት ደልዩ አይመጸን። ልክዕ ብዘመኑ ከምእንሪኦ እዚ ቕዱስ መሊሱ ምውጋዝ ምኸኣለ።እንዲያውም ብሥልጣን ይበልፆ እዩ።ንሱ ግን ንግሊ ኽብሩ ክብል ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ክኽፈሉ ምርኣይ ኣይፈተወን።

ንደቀ መዝሙሩ ፀወዖ እሞ "ዝወደይ እሺ በለኒ:ነፍሰይ ትምርቐካ እያ።ኣነ ን1 ዓመት መንገዲ ስልዝወፅእ ንስኻ ኣብ ክንዲ ኣነ ኣዝዝ:እሰር:ፍታሕ።ህዝቢ ተጠይቕካ ናብ ገዳም ከይዱ በሎም" ኢልዎ ካብ መንበረ ጵጵስናኡ ወፀ።ኣዝዩ ዝኣረገን ዝረስሐን ናይ ነድያን(ድኻታት) ክዳኑ ተኸዲኑ:ንሓደ መዓልቲ ብእግሩ ተጓዒዙ ሰልቅ በፅሐ።

ናብ አባ እልመፍርያን አትዩ ኣብ ቕድሚኡ ሰገደ።"ኣቦይ!ፅጉም(ለማኒ) እየ'ሞ አፀገዐኒ" በሎ።አባ እልመፍርያን ምስ መነኮሳት(ፈለስቲ) ንኽነብር ፈቐደሉ።

ቕዱስ አትናስዮስ ፓትሪያርክ ኮይኑ ግን ወገቡ ተዓጢቑ ከገልግል ጀመረ። ማይ ይቐድሕ:ባኒ ይስንክት:ገዛውቲ ይፀርግ:ሽቓቕ ይፀርግ:ናይ መነኮሳት እግሪ ይሓፅብ።በዚ ኹሉ ረሃፁ እናንጠብጠበ አብ ሰውነቱ ይወርድ ነበረ።

አቦታት ትግሃቱን ትሕትናኡን እንትሪኡ ንዲቁና ሓፀይዎ።እቲ ጳጳስ ድማ ፀዊዑ "ዲቁና ክሾመካ" እንትብሎ እቲ ፓትርያርክ ቕዱስ አትናስዮስ በኸየ።"ታይ ኾይንካ?" እንተበሎ "ኣቦይ!ብነውሪ ተታሒዝኒ እዩ'ምበር ዲቁናስ ኣለኒ" በሎ።ሐዚ'ውን ን7 ኣዋርሕ ብዲቁና ኣገልግሎት ፀኒሑ ቅስና ተሾም እንተበልዎ ከምዝሓለፈ እንዳበኸየ መለሰሎም።

ንስቶም ግና ጵጵስና ክሾምዎ ብዕለተ ሰንበት ተሰብሰቡ። ቕዱስ አትናስዮስ ንኽገድፍዎ እናበኸየ ለመኖም።"ነዚ ሹመት ትግባእ ኢኻ" ኢሎም ግዲ እንትብልዎ ግን "ምሥጢር ክነግረኩም" ኢሉ "ፓትርያርኩ አትናስዮስ ይብልኹም እኮ አነ እየ" በሎም።

ዝሰምዖ ነገር ምእማን ዝአበዮ አባ እልመፍርያን ደንጊፁ ብግንባሩ አብ መሬት ወደቐ። እናንከላለወ እውን በኸየ።"ዋየይ ንዓይ!ንጎይታየይ አትናስዮስ ከም አገልጋሊ ዝአዘዝኩ" እናበለ ተማህለለ። አብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጳጳሳት:ካህናት:መነኮሳትን ምእመናንን ካብ ናይ ትሕትና ስራሕ ቕዱስ አትናስዮስ ዝተልዓለ ፈፂሞም አድነቑ።

መንበረ ጵጵስና አምፂኦም እናዘመሩ ተሸኪሞሞ ዞሩ።ቅዳሴ ቀዲሱ ሥጋኡን ደሙን ኣቐቢልዎም ዓብዪ ደስታ ኾነ። ብፅባሒቱ ነዚ ቕዱስ ብተመልከዐት በቕሊ ኣቐሚጦም:አባ እልመፍርያን ብእግሩ(ብባዕሉ ፍቕድ) እናተጉዓዘ ብዓብዪ ዝማሬ አንጾኪያ በፅሑ።

በዚ ድማ ዓብዪ በዓል ተኸበረ። እዚ ዓብዪ ጓሳ ቕዱስ አትናስዮስ በዚ መንገዲ ቤተክርስቲያን ኣብ 2 ካብ ምምቃል ከድሕና ከአለ። ክጋደል ነይሩ በዛ መዓልቲ አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ንዓና እውን በዚ ጻድቅ አቦ ጸሎት ይምሓረና በረከቱ ምሳና ይኹን ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለአትናስዮስ ጵጵስናሁ ዘሠወረ
እንዘ ይለብስ አጽርቅተ አምሳለ ነዳያን ዘሖረ
እምነ ክብረ ምድር ኃላፊ እስመ ዘሰማይ አብደረ
ዓዲ ሐመደ ወኵስሐ አፍራስ ኰስተረ
እስከ ልበ ልሒቅ ወንኡስ አንከረ።

✟✟✟ ሊቀ ጳጳሳት አባ ቄርሎስ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አብ ዘመነ መንግስቲ ሕያዋይ ሰብ ኢዮብ አብ ዘመነ ሊቀ ጳጳሳት አባ ቄርሎስ
አብ ዓለም ውሽጢ አአዝዩ ዝደንቕ ተአምር ተ ኮነ።

መሬት ብቐትሩ ፍርቂ ለይቲ ኮነ። ፀሓይ ጸልመተት። ኮኮባት ተራኣዩ ለይቲ እውን ኮኖም፣ ሰባት ፋኑስ ኣብርሁ)፣ ዓብዩ ፍርሓትም ፍሪሖም ናብ እግዚአብሔር ኣእወዩ) ብምሉእ ልቦም እውን ለመኑ።

ጐይታና ናብኡ ዘአእወዩዎ ሰምዐ። ነቲ ጸልማት ድማ አወገዶ፣ ጸሓይ ከኣ ከም ልማዳ ወጸት፣ ኣብ ኵላ ዓለም ከኣ በርሀት፣ ንሳቶም ከኣ ተሓጐሱ ንጐይታና እውን ብምሉእ ልቦም ወደስዎ።

ሕዝቢ ኵሉ ተተሰብሲቦም ድማ ንእግዚኣብሔር በዓል ገበሩ። ስለቲ ሓጢኣቶም ኣይኣጥፍኦምን ቀልጢፉ ድኣ ይቅረ በሎም እምበር። ምስጋናኡ እውን አብዚሖም አመስገኑ ንዑኡ ምስጋና ክብሪ ገንዘቡ እዩሞ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ኢትዮጵያ ንጉስ ናይ ዳዊት ናይ ዕረፍቱ መዘከርታ እዬ። በረከቱ ምስ ኩላትና ይኹን አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ መሐሬ ብዙኃን እም ዕዳ
አምሳለ ዳዊት ንጉሠ ይሁዳ
ዳዊት መሲሕ ህየንተ አፍቀርኮሙ ፍዳ
ዓቀሙ ቤተ መንግሥትከ ወአስተዳለው ድዳ
በመሐላሆሙ ማርያም ወወልዳ።

ልእግዚአብሔር ሞሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

18 Oct, 17:59


✟✟✟ ፱ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ አቡነ መዝገበ ሥላሴ ✟✟✟

፱ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ደቂቀ እስጢፋኖስ ሐደ ዝኾኑን አበ ምኔት ደብረ ገርዜን ጕንዳጕንዶ ዝነበሩን ፡ ጻድቕ አቦና አቡነ መዝገበ ሥላሴ አዕረፉ።
አቡነ መዝገበ ሥላሴ ዘጉንዳጉንዶ አቡኦም ሀብተጽዮን አዲኦም ማርያም ሞገሣ ይበሃሉ። መዝገበ ሥላሴ ማለት ናይ ሥላሴ ማህደር፣መዝገብ ለያቡ ዘይረኽብዎ ፤ ሓሰኻን ነቐዝን ዘየበላሽውዎ ንብረት፣ሃፍቲ ፤ ንፋስን ውሑጅን ዘየናውፅዎ ዘይሽርሽርዎ አብ ኮኽሒ ከም ዝተሃነጸ ቤት ናይ ሥላሴ ቃል አብ ልቡንኦም ዝፀንዐ ማለት እዩ።
አቡኦም ሀብተጽዮንን እንኦም ማርያም ሞገሣን እግዚአብሔር <<ንዓኻ ዘገልግልን ደስ ዘብልን ቆልዓ ሃበና >> እናበሉ ዕጣን፣ወይኒ፣ስርናይ እናሓዙ ናብ ቤተክርስቲያን ይኸዱ ኔሮም ።እነኦም ማርያም ሞገሣ ድማ ቤተክርስቲያን ተጽሪ ነበረት።አብ ጸሎታ ድማ <<ንዓኻ ዘየገልግል ተኾይኑ ማህጸነይ ዕፀዎ ፤ንዓኻ ዘገልግልን ፍቓድካ ዝፍጽምን ቆልዓ ሃበኒ >> እናበለት ንእግዚአብሔር ትልምን ነበረት። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ልመነኦም ሰሚዑ ናይ ብስራት መልአኽ ልኢኹ " ከም ቅዱስ ጳውሎስ ልሣነ እፍረት ናይ ህዝቢ ብርሃን ዝኾነ ድውያን ዝፍውስ ሙታን ዘተንስእ ክትወልዱ ኢኹም " ኢሉ ናይ ብስራት ቃል አስመዖም። ድሕሪኡ 9ወርሕን 5መዓልት ምስተፈጸመ አቦና ጻድቕ መዝገበ ሥላሴ አብ 1532 ዓ/ም ብዘመን ንጉሥ ገላውዴዎስ አብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኢሮብ ቤተ ሞሳ[እንዳ ሞሳ] አዋዶ አብዝተብሃለ ቦታ ተወሊዶም።አብ ዝተወለድሉ መዓልቲ ብጣዕሚ ዓብይ ሓጎስ ኮነ። አቡኦምን እነኦምን ሕጊ እግዚአብሔር እናምሃሩ ብስርዓት አዕበይዎም። ድሕሪዚ ትምህርቲ ክመሃሩ ከለው ብሉይ ኪዳንን ሃዲስ ኪዳንን ተገለጸሎም። ማዕርግ ዲቁና ካብ ብጹዕ ጳጳስ አቡነ ስምኦን ተቐቢሎም ፤ብምቕጻል አብቲ ሽዑ ዝነበሩ ጳጳስ ካብ አቡነ ማርቆስ አብ አክሱም ማዕርግ ቅስና ተቐበሉ። ሙታን እናተስኡ ፣ሕሙማን እናፈወሱ ፣ዕውራን እናርአዩ ምስጸንሑ ካብ አቡነ ገብረ መሲሕ ምንኩስና ተቐበሉ።
አቡነ መዝገበ ሥላሴ ዘጉንዳጉንዶ እግዚአብሔር ብሠለሥተነቱን ሓድነቱን ብሠለሥተ ፀዓዱ አዕዋፍ አምሳል ዝተገለጸሎም እምበይትና ድንግል ማርያም ሰአሊተ ምህረት ብተደጋጋሚ ተገሊጻ ዘነጋገረቶም ፤አብ ዕለተ ዕረፍቶም ጎይታ ብቅዱስ ቃሉ "ብጸሎትካ ዝተማሕጸነ ክሳብ ሰማንያ ሽሕን ሽድሽተ ሚኢትን [80.600]ነብሳት አሥራት ይኹንኻ" ብምባል ቃልኪዳን ዝአተወሎም ዓብይ ናይ ምሕረት አቦ ብስብከቶም <<ናይ ሐዋርያት አምሳል>>ዝተብሃሉ ዓብዪ ጻድቕ እዮም።
ካብ እግዚአብሔር ዝተአዘዘ መልአኽ ናብ መንግሥተ ሰማያት ነጢቑ ወሲዱ መንበሪኦም አርእዩ ናብ ምድሪ ምስ መልሶም "አብ ሰነ ወርሒ እዩ ዕረፍትኻ " ምስበሎም "አብ ሰነማ ደቀይ ተስካረይ ምግባር አይኽእሉን " ኢሎምዎ እቲ መልአኽ ድማ "ዕረፍትኻ አብ ሓምለ ይኹን "እንተበሎም ሐዚውን "አይኸውንን"ኢሎም ተኸራኸሩ ።ነሓሰ እውን ከምኡ።
ድሕሪኡ መስከረም አሕሊፉ አብ ጥቅምቲ ከም ዝዓርፉ ነጊርዎም ዐረገ።
መላእ ዘመኖም 115 ዓመት ክኸውን ከሎ ናይ ደብረ ገሪዛን ጉንዳጉንዶ ቅድስት ማርያም ገዳም አበምኔት ኮይኖም ቅድሚ ምሻሞም 62ዓመት ምስ ተሸሙ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም 53 ዓመት እዩ። መካነ መቓብሮም አብ ደብረ ገሪዛን ጉንዳ ጉንዶ ቅድስት ማርያም ገዳም ይርከብ ።
አብ ጉንዳጉንዶ {ኢሮብ}፣ ዓዲግራት፣ ፍቓዳ ዓብይ ዓዲ{ጉሎምኻዳ} አብ ዝርከቡ ገዳማት ብስሞም ብዙሓት ፈወስቲ ጸበላት{ማጨሎት}ዘለዉ እንትኾኑ ንዝኾነ ሕማም ቕልጡፍ ፈውሰ ምሕረት ብምሃብ ይፍለጡ ።ሕሙም እንድሕር ዘይድሕን ኮይኑ ቶሎ ይመውት እምበር ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ አይፀንሕን።
አብ ዓዲግራት ዝርከብ ገዳሞም ብዙሕ ዝተጋደልሉ እንትኸውን አብ ዘመን ግራኝ አሕመድ 44 ጽላታት ዝተሰወርሉን ዮዲት ጉዲት ክትረኽቦ ዘይከአለትን ዓብይ ገዳም እዩ።
ሓደ ጊዜ ከሓድቲ ሰባት ናብዚ ገዳም ጥፍአት ከብጽሑ እንትመጹ ብተአምራት አቡነ መዝገበ ሥላሴ እቶም ሰባት ናብ ጽሕዲ ተለዊጦም። እቶም አጻሕድ ሎሚ እውን አብቲ ገዳም ዝርከቡ እንትኾኑ እንተተቓፂሎም ደም ኮይኖም ይፈሱ እምበር ፈፂሞም ፈሓም ዘይኾኑ እዮም።
ድሕሪዚ አቦና ጻድቕ መዝገበ ሥላሴ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ አኸለ ንእሽተይ ሕማም ሓዞም። ጥቅምቲ 9 ለይቲ ሰዓት 6 ልዑል እግዚአብሔር ጎይታናን መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱሳን መላእኽቲ አኸቲሉ መጺኡ ብዙሕ ቃል ኪዳን ሃቦም ።
+ ብስምካ ዝክር/ጸበል/ዘገበረ
+ ንቤተክርስትያንካ ዕጣን፣ዘቢብ፣ሽምዓ ፣ጥዋፍ ፣ስርናይ ዝሃበ
+ ገድልኻ ዝጸሓፈ፣ዘጽሓፈ፣ዝተርጎመ፣ዘንበበ ክሳብ 80.600 {ሰማንያ ሽሕን ሽድሽተ ሚኢትን} ነፍሳት ትውልዲ ክምሕረልካ እየ ኢልዎም ተሰወረ።

ጸሎቶም በረከቶምን ረድኤቶምን ናይ አቦና ጻድቕ መዝገበ ሥላሴ ምስ ኩልና ደቆም ህዝበ ክርስትያን ይኹን ፡ አሜን!

ህየንተ ዐርኬ

ሰላም ለጸአተ ነፍስከ እም ውሣጤ ሥጋከ ቤት
ወለበድነ ሥጋከ ሰላም ምሉአ መዓዛ ወረድኤት
መዝገበ ሥላሴ ዘመረ አሜሃ በእንቲአከ ዳዊት
እንዘ ይብል በመሰንቆሁ በቅድመ ፈጣሪ ብሑት
ለጻድቅ ብእሲ ሞቱ ክብርት።

✟✟✟ ቅዱስ ቶማስ ሐዋርያ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መዘከርታ ቅዱስ ሐዋርያ ቶማስ አብ ሀገረ ሕንደኬ ናይ ዝገበሮ ተአምር ኮነ።

ቅዱስ ቶማስ ጎና ናብ እትበሃል ናይ ህንዲ አውራጃ ክኣቱ ብልሓት እንተሰኣነ ጎይታ ወሪዱ አበኒስ ንዝበሃል ነጋዳይ ባሪያ ገይሩ ይሸጦ።ኣብ መጀመሪያ ኣብቲ ናይ ንጉስ መርዓ ተኣምራት ኣርእዩ ህዝቡ ምስ መርዓውቶምን ንጉሦምን ኣእሚኑ እዩ።

ቐፂሉ ግን ጎንዶፎር ንዝበሃል ካሊእ ንጉሥ 'ቤተ መንግሥቲ ስራሕ' ተብሂሉ ይለኣኽ። እቲ ሐዋርያ ድማ "ዝሃንፀሉ ወርቅን ብሩርን ሃበኒ" ስለዝበሎ: ይህቦ።እቲ ንጉሥ ክውል እንትብል "ወእሁብ ዘንጉሥ ለንጉሥ-ናይ ምድራዊ ንጉሥ ንሰማያዊ ንጉሥ ይህብ" እናበለ ገንዘቡ ኹሉ ንፅጉማት በተኖ።

እቲ ገንዘብ እንትውዳእ "ንጉሥ!መሠረቱ ተሃኒፁ እዩ'ሞ ንመንደቕ ለኣኸለይ" ይብሎ።እንትልእኸሉ ይምጽውቶ።ሐዚ'ውን "ንገሥ!ንናሕሲ ለኣኸለይ" ይብሎ'ሞ ይምጽውቶ።መጽሐፍ ከምዝብል ምጽዋት ነቲ ሐዋርያ ልማዱ እዩ እሞ።

አብ መወዳእታ ግን እቲ ንጉሥ እንትመፅእ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ፅጉማት ገንዘቡ እንትበልዕዎ ረኸበ።ብሕርቀት ድማ ንቕዱስ ቶማስ ክቐትሎ አሰሮ።በታ ለይቲ ግን ናይቲ ንጉሥ ሓዉ ጋዶን ሞይቱ ሐዝብ ኣብ ዝኾነ ጊዞ እቲ ሐዋርያ አልዐሎ።

ንጉሥ ጋዶን ድማ ነቲ ቕዱስ ሰጊዱ ኣብ ሰማይ ንንጉሥ ጎንዶፎር ዓብዪ ገዛ ተሃኒጹ ምርኣዩ ተዛረበ።ንጉሡን ሰራዊቱን ኣብ ቕድሚኡ ሰጊዶም ኣመኑ።ኣጥሚቕዎም ድማ ኸደ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ይኹን ንዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለከ ለብሔረ ሕንደኬ ዘአሠርጎካ
በልብሰ ሃይማኖት ጽዱል አምሳለ ፔካ
መሠንየ ላሕይ ቶማስ እምነ ጽጌ ወዋካ
ከመ ታብእ ህየ ኪያሁ ምህርካ
ለንጉሠ ጎና ሐነፅከ በሰማይ ታዕካ።

✟✟✟ ቅዱስ እስጢፋኖስ ካልእ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ እስጢፋኖስ ካልእ ቀዳሜ ሰማዕታት አብ ዘመን ከሓዲ ዲዮቅልጢያኖስ ብሰማዕትነት አዕረፈ።

እዚ ቅዱስ ወዲ ሓወ ፋሲለደስ (ዝኾነ) ኒቆምዮን እዩ። አብ ቤተ ፋሲለደስ ካብ ምዕባዩ ዝተልዓለ ናቱ ወዲ ከም ዝኾነ አብ ገድሉ ተጠቒሱ ይርከብ።

ስንክሳር ብትግርኛ

17 Oct, 18:23


✟✟✟ ፰ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

፰ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሽማግለ አባ መጥራ ብሰማዕትነት አዕረፈ። ምስኡ እውን ብዙሓት ሰባት ብሰማዕትነት አዕረፉ። እዚ ቅዱስ ሰማዕት ድማ ካብ ሀገረ እስክንድርያ ዝኾነ አማኒ ክርስቲያን እዩ። ከሐዲ ንጉሥ ዳኬዎስ አብ ዝገነሠሉ ጊዜ ናይ ጣዖት አምልኾ አቚሙ ፡ ንክርስቲያን ዘበሉ ኹሎም አሳቐዮም።

ትእዛዙ ድማ ናብ ሀገረ እስክንድርያ እውን በጺሑ ፡ ንሰብ እስክንድርያ ኹሎም አሳቐዮም። ናይ ብዙሓት ምእመናን ደም እውን አፍሰሰ። ሽዑ ጊዜ ክርስቲያን ከም ዝኾነ ጠቒሶም ሰባት ንቅዱስ መጥራ ናብ መኰንን ከሰሱዎ፤ እቲ መኰንን እውን ናብኡ አብጽሖ። ንሱ ድማ ክብር ይብጸሓዮ እሞ ፡ በይኑ አምላክ ከም ዝኾነ ስለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አሚኑ መስከረ።

እቲ መኰንን ድማ "ንአማልኽቲ ስገድ አነ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ክህበካን ዓብዪ ክብሪ እውን ከኽብረካን እየ" በሎ። ንሱ ግን "ገንዘብካን ሹመትካን ምሳኻ ናብ ጥፍአት ይኺድ" ደኣ በሎ እምበር ቃል ኪዳን እቲ መኰንን አይተቐበለን። እቲ መኰንን ድማ አብ ልዕሌኡ ተቖጢዑ "አነ ብጽኑዕ ሥቓይ ክቐጽዐካ እየ" በሎ።

ቅዱስ መጥራ እውን ፈሪሑ ካብ ሠናይ ምኽሩ (ሐሳቡ) አይተመለሰን። የግዳስ ከምዚ እንትብል መለሰሉ ፦
"አነ ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ንሕያው እግዚአብሔር እሰግድ እምበር ፡ ንዝረኸሱ ጣዖታት ካብ እምኒን ካብ ዕንጨይቲን ንዝተሠርሑ ፡ ንዘይርእዩ፣ ንዘይሰምዑ፣ ንዘይናገሩ፣ ንዘየጫንዉ፡ ንዘይንቀሳቐሱ ክሰግድ ብኸመይ ይግባእ?"

እቲ መኰንን ድማ ነዚ ምስ ሰምዐ ሐፈረ። ጽኑዕ ግርፋት እውን ንኽገርፉዎ አዘዘ። በድሕሪ እዚ እውን ብቕልጽሙ ሰቐሉዎ ፡ ብዝደረቐት በትሪ እውን ጎኒታቱ ሠንጠቑዎ ፡ ቀደዱዎ እውን። ክብር ይብጸሓዮ እሞ ጎይታ ኢየሱስ ድማ አድሐኖ። ብዘይ ጥፍአት ድማ ብጥዑዩ አተንሥኦ። እቲ መኰንን ብምስቓዩ ምስ ደኸመ ከዓ ፡ ርእሱ በሰይፊ ንኽቖርጹ አዘዘ። ካብ ከተማ አውጺኦም ድማ ንዝኸበረት ርእሱ ቆረጹ። ካልኦት ብዙሓት ሰማዕታት እውን ምስኡ አርእስቶም ቆረጹ። ናይ ሰማዕትነት አክሊል እውን አብ መንግሥተ ሰማያት ተቐበሉ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን በጸሎት እዞም ሰማዕታት ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ንዘለዓለም ምሳና ትንበር ፡ አሜን

ዐርኬ

ሰላም ለመጥራ ምስለ ሰማዕታት ማኅበሩ
አመ አሰፈዎ መኰንን ከመ ይጸግዎ ሀብታተ ክብሩ
ዘኢተመይጠ ምንተኒ እምነ ሠናይ ምክሩ
በሕለት ይቡስ እስከ ገቦሁ ሰቈሩ
ወእስከ በሰይፍ ክሳዶ መተሩ።

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ባኮስን ቅድስት በላግያን ሰማዕት ኾኑ። ካብኡ እውን ንአባ ሖር መዘከርታኡ እዩ። ንሶስና እውን ምስ ምስ ናይ ሀገረ ጽምሕው ዝኾኑ ሰማዕታት ደቃ መዘከርታኣ እዩ። ከምኡ እውን አባ አጋቶን መዘከርታኡ እዩ፡፡ በረከቶም ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ደቂቀ ሶስና አኃው
ዘኮንክሙ ስምዐ በሀገረ ጽምሕው
ለሖር ሰላም ወለአጋቶን ብሕትው
ሥነ ጽድቅም እም ሥነ ጽጌ ፍትው
ወመዓዛክሙ እም ኵሉ አፈው።

ልእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳኑ ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

16 Oct, 18:01


✟✟✟ ፯ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ አባ ባውላ ✟✟✟

፯ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ "ጠመው" ካብ ዝበሃል ሀገር ዝኾነ ዝኸበረ አቦ አባ ባውላ አዕረፈ።

እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ካብ ብንኡሱ ጀሚሩ መስተጋድል መነኮስ ኾነ። ዝነብረሉ ዝነበረ ድማ አብ ላዕላይ ግብጺ አብ ዝርከብ አብ እንጽና ገዳም እዩ። ስሙ ሕዝቅኤል ዝበሃል ረድእ እውን ነበሮ። ንሱ ድማ ስለ ትሩፋቱን ስለ ተጋድሎኡን ምስክር ኾነ። እዚ አባ ባውላ ስለ ክርስቶስ ፍቕሪ ንዓርሱ ሸውዓተ ጊዜ ቐቲሉ እዩ።

ክብር ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ጎይታና ድማ 7 ጊዜ ካብ ሞት አልዐሎ። ከምዚ ድማ ኢሉ ድማ አጽናዕንዖ። "ዎ ፍቑረይ ባውላ ዓርስኻ ሸውዓተ ጊዜ እስካዕ እትቐትል ሰውነትካ አድኪምካ ኢኻ እም ፡ ድሕሪ ሀዚ ድኻምካ ይአኽሎ።"

አባ ባውላ ድማ ንመድኃኒና ከምዚ እንትብል መለሰሉ፦ "ዎ ጎይታይ ስለ ዝኸበረ ስምካ ንኽደክም ሕደገኒ። ንስኻ አምላኽ ኮይንኻ እናሃለውካ ምእንታና ብከራ ደኺምካ ምእንቲ ሰብ ሞትካ። ብርሕራሔኻ ድኣ ነዚ ናይ ሞድሓንካ ሥራሕ ሰራሕኻልና እምበር ፡ እዚ ነዓና አይገበአናን ነይሩ።" ጎይታና ድማ ምስ አጽናዕንዖ ፡ ካብኡ ናብ ሰማይ ወጽአ።

በድሕር እዚ ፡ አባ ብሶይ ናብ እንጽና ገዳም ከይዱ ምስ አባ ባውላ ተራኸበ። ጎይታና ድማ ንአባ ባውላ ተገሊጹሉ ሥጋኻ ምስ ሥጋ አባ ብሶይ ብሕብረት ይንበር በሎ። ክልቴኦም አብ ዘአዕረፉሉ ጊዜ ከዓ ሥጋኦም ብሐደ አንበሩ።

ወገናት አባ ብሶይ ፡ ንሥጋ አባ ብሶይ ናብ አስቄጥስ ገዳም ክወስዱ አብ ዝደለዩሉ ጊዜ ብመርከብ ፀዓኑዎ። እታ መርከብ ግን ምንቅስቓስ አበየት። በድሕሪ እዚ ተመሊሶም ፡ ሥጋ አባ ባውላ አምጺኦም ፡ አብ ልዕሊ መርከብ ፀዓኑዎ። ሽዑ ጊዜ እታ መርከብ ተጓዓዘት። ብኸምዚ ድማ ሥጋ ኽልቲኦም ቅዱሳን ፡ ብሓባር አብጽሕዎምደ ብሓባር እውን አቐመጥዎም።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለርእስከ ዘመንፈስ ቅዱስ አጽንዓ
ከመ ትሰቀል ቍልቍሊተ መጠነ መዋዕል አርብዓ
ባውላ ጻድቅ ዝትጼኑ ቆዐ
ውስተ ገድል ጽኑዕ ዘአልቦ ምምዓ
ወደቀ ስብዐ ወተንሣእከ ስብዐ።

ካብኡ እውን በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ናይ ቅዱሳን ሚናስን ሐናሲ ሰማዕትን ተዝካሮም እዪ። በረከቶም ምስ ኵልና ትኹን ለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለሚናስ ለእግዚአብሔር ስምዑ
ወለሐናሲ ካልኡ
እም ቀደምቶሙ ፈድፋደ እስመ ሐየሉ ወጸንዑ
ወአመ ይቤሎሙ ወልድ ቡሩካነ አቡየ ንዑ
ውስተ ቤተ ወይን ኪያየ ያብኡ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ስንክሳር ብትግርኛ

15 Oct, 16:53


✟✟✟ ፮ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን

✟✟✟ አቡነ ጰንጠሌዎን ✟✟✟

፮ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ፱ቱ ቅዱሳን ሐደ ዝኾነ ቅዱስ አቦ አባ ጰንጠሌዎን ዘጾማዕት አዕረፈ። "ጾማዕት" ማለት በዓቲ ማለት እዩ። "ዘጾማዕት" ማለት ኸዓ ከዓ አብ በዓቲ ዝነብር ከም ማለት እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እውን ፱ቱ ቅዱሳን ብሐደ ምንባሮም ከም ናይ ተድላን ናይ ታሕጓስን ናብራ ቆፂሮም፣ ብብሕትውና ንእግዚአብሔር ከገልግሉ ምስመረፁ ቅዱስ አቡነ ጰንጠሌዎን ናብ ሓንቲ ንእስ ዝበለት እምባ ደየቡ እሞ፤ ንውሓታ 5 እመት፣ ግድማ (ጎና)ክልተ እመት፣ ኮርኒሳ ኸዓ ሓንቲ እምኒ ጥራሕ፤ እንትርፊ ብጣዕሚ አዝያ ፀባብ መስኮት አፍ ደገ እኳ ዘይብላ ክንድ መቓብር እትኾን በዓቲ ሰሪሖም ን45 ዓመት ዝአክል ጠጠው ምስ በሉ እንከይተቐመጡ (ኮፍ ከይበሉ)፣ እንከይደቀሱን ምግቢ ይኹን ዝስተ ከይጠዓሙን ቆርበቶም ምስ ዓፅሞም ክሳዕ ዝጣበቕን ብበዝሒ ንብዓት ድማ ቅርንብ ዓይኖም ክሳዕ ዝምለጥን ዝጸለዩ ስለ ዝኾኑ አባ ጰንጠሌዎን ዘጾማዕት እናተብሃሉ ይፍለጡ።

ሕሙማት ብምፍዋስን ኣዕይንቲ ዕውራን ብምብራህን ብዙሓት ተአምራት ዝገብሩ ድማ ኾኑ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቅዱስ አቦና ተኽሊ አውሊዕ ንአጋ ምሸቱ ተኸሉ እሞ ክሳዕ ንጉሆ ከዓ ዓበየን ገዚፍ ኦም ኮነን። ካብ ጨንፈሩ ቖሪፆም ድማ ንፍሕሚ አገልግሎት ወዓለ። ክሳዕ ሀዚ ኸዓ እታ ኦም አውሊዕ አብ ገዳሞም ትርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅዱስ አቡነ ጰንጠሌዎን ምዉት ከም ዘተንሥኡ ዝናገር አብ ስንክሳር ዘጥቅምት ፮ ዝረኸብኩዎ #አርኬ ከምዚ ይብል:

"ሰላም እብል ለጰንጠሌዎን ምኩር
በውስተ ጾማዕት ሕንፅት ዐቅመ መቃብር
አንሢኦ ምዉተ በመልእክተ ቃሉ ክቡር
ሜጠ ውስተ ፍስሐ ብካየ አሐቲ ዕቤር
ወነፍሰ ውሉዳ አግዐዘ እም ቅኔ መሪር።"

#ትርጉም:- "ብመጠን መቓብር አብ ዝተሰርሐት በዓቲ ብተጋድሎ ንዝተፈተነ ንጰንጠሌዎን ሰላምታ አቕርብ አለኹ። ክቡር ብዝኾነ ናይ ቃሉ መልእኽቲ ምዉት ብምልዓል ናይ ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ብኽያት ናብ ታሕጓስ መለሰ፤ ናይ ወዳ ነብሲ ኸዓ መሪር ካብ ዝኾነ አገዛዝኣ ነፃ አውፀአ።" ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ፃድቕ ንጉሥ ካሌብ ንምእመናነ ናግራን (የመን) የሳቕዮምን ይጭፍፎምን ንዝነበረ ፊንሐስ ዝተብሃለ ከሐዲ ንጉሥ ብውግእ አሸኒፉ ምእመናን አፅናዕኒዑ ንኽምለስ መሪቖም ዝሰደዱዎን ብጸሎት ዝሓገዝዎን ቅዱስ አቡነ ጰንጠሌዎን እዮም። እግዚኣብሔር ሓጊዝዎ አሸኒፉ ምስ ተመለሰ ድማ ዓለም ይኣኽለኒ ኢሉ ንግሥናኡ ራሕሪሑ ክምንኩስ እንተሎ ዘመንኰስዎ እውን ቅዱስ አቦና አቡነ ጰንጠሌዎን እዮም።

ካብ ብዙሕ ብውሑዱ ካብ ነዊሕ ብሓፂሩ ብኸምዚ ተጋድሎኦም ምስ ፈጸሙ፤ እግዚአብሔር በዙሕ ቃል ኪዳን ሂብዎም ኸዓ ጥቅምቲ ፮ በዛ ዕለት እዚኣ ብሰላም አዕረፉ። አብታ በዓቲ ንሳ ድማ ተቐበሩ።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን! አሜን!

ዐርኬ

ሰላም እብል ለጰንጠሌዎን ምኩር
በውስተ ጾማዕት ሕንፅት ዐቅመ መቃብር
አንሢኦ ምዉተ በመልእክተ ቃሉ ክቡር
ሜጠ ውስተ ፍስሐ ብካየ አሐቲ ዕቤር
ወነፍሰ ውሉዳ አግዐዘ እም ቅኔ መሪር።

✟✟✟ ሐና እመ ሳሙኤል ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አደ ነቢይን ዐብዪ ካህንን ሳሙኤል ፡ ቅድስቲ ሐና ነብዪት አዕረፈት።

ዐርኬ

ሰላም ለሐና እንዘ ትቀውም ወትሄሉ
ለእግዚአብሔር ውስተ መርጡሉ
በድምጸ ጸሎታ ሐዋዝ ወሠናይ ቃሉ
ኢይትመካሕ ትቤ እንዘ ሀሎ አምላክ ዘላዕሉ
ኃያል በኃይሉ ወባዕል በብዕሉ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት ቅዱሳኑ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

1,822

subscribers

1,624

photos

8

videos