በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ፩ አምላክ አሜን
✟✟✟ ቅዱስ ለንጊኖስ ✟✟✟
፪ የካቲት ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ እስክንድርያ ውጽእ ኢሉ ናይ ዘሎ ፡ ናይ ደብረ ዝጋግ ሊቀ ምኔት ቅዱስ አባ ለንጊኖስ አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ሃገረ ኪልቅያ እዩ ፡ አብኡ እውን መንኮሰ። መምህሩ ድማ ንክርስቶስ ዝፈቱ ሰብ ፡ ካብ ዝወሃቦ ክብሪ ከዓ ዝሃድም ነበረ። በቲ ጊዜ ድማ ናይ ገዳሞም አበ ምኔት አዕረፈ ነዚ ስሙ ሉክያኖስ ዝተበሃለ አረጋዊ መምህር ድማ አበ ምኔትነት ክሸምዎ መነኮሳት ፈተዉ። ንሱ ድማ ንወዲ መዝሙሩ ለንጊኖስ ሒዙ ካብ ኪልቅያ ወጽዩ ናብ ሃገረ ሶርያ ከደ። አብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ብሓደ ተቐመጡ። ብአእዳዎም ከዓ ብዙሓት ዘደንቑ ተአምራት ክገብር እግዚኣብሔር ፈተወ ብሰባት ድማ ከንቱ ውዳሴን ክብርን ኮኖም።
አባ ለንጊኖስ ድማ ብናይ መምህሩ ምኽሪ ወጽዩ ናብ ሃገረ ግብጺ ከደ፡ ናብ ገዳም ደብረ ዝጋግ ኣብዝኣተወ ግዜ ድማ ብደስታ ተቀበልዎ እሞ ምስኦም ነበረ። ድሕሪኡ እቲ አበ ምኔት አዕረፈ። ተጋድሎኦን ትሩፋቱን ቅንዕናኡን ስለ ዝፈለጡ ድማ አብ ገዳም ደብረ ዝጋግ ንአባ ለንጊኖስ አበ ምኔት ገይሮም ሸምዎ።
ድሕሪ ውሑድ አዋርሕ ድማ መምህሩ አባ ሉክያኖስ መጽአ ናይ መራኽብ ኮርኒስ (ሞሮ፣ ናሕሲ) እናሰርሑ ድማ ብአእዳዎም ካብ ዝሰርሕዎ እቶት እናተመገቡ ብሓደ ልቢ ብምዃን ብሓድነት ነበሩ። እግዚኣብሔር ድማ በአእዳዎም ብዙሓት ዘደንቑ ተአምራት ገበረ ፡ ድሕሪኡ አባ ሉክያኖስ አዕረፈ።
ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ አብ ዝአከበ አብ ናይ ከሓዲ መርቅያኖስ ዘመን ፡ ናብ ኵለን ሃገራት መልኽኽተኛታቱ ለኣኸ። ካብኡ ድማ እቲ ሐደ ንክርስቶስ ናብ ክልተ ባሕርይ እትኸፍል ዝረኸሰት ናይ ሃይማኖት ደብዳቤ አላ። ካብ ናይ ንጉሥ መልአኽተኛታት ድማ ሠለስተ ናብ ደብረ ዝጋግ ምስ በጽሑ ፡ ነታ ደብዳቤ ንአባ ለንጊኖስ ሃብዎ። 'በዛ ጽሑፍ ክትአምንን አብ ውሽጣ ድማ ክትፍርምን ንጉስ መርቅያኖስ አዚዙካ አሎ' ድማ በልዎ።
አባ ለንጊኖስ ድማ 'ምስ ቅዱሳን አቦታትና ከይተማኸርኩ አነ ዝኾነ ይኹን ሥራሕ ክሰርሕ አይክእልን ፡ ክንማኸር ከዓ ንስኹም እውን ምሳይ ንዑ በሎም' እሞ ናይ ቅዱሳን በድኒ(ሬሳ) ናብ ዘለውዎ በዓቲ አእተዎም ፡ 'ዝኸበርኩም አቦታተይ! ንሕና ዓሪፍና ደቂስና ኢና አይትበሉ እነሆ ንሓደ ክርስቶስ ክልተ ባሕርይ ዝገብር አብ ውሽጡ ዝተጽሐፈሉ ነዚ ደብዳቤ አምጺኦም አለዉ እሞ ፡ ብቃሉ ክአምን አብ ውሽጡ ድማ ክፍርም ትእዝዙኒ ዲኹም ወይስ አይትእዙዝንን ዝገብሮ ነገር እንተዘይነጊርኩምኒ ሕያው እግዚአብሔር አዕጽምቲኹም ካብዚ ቦታ ከውጽእ እየ' ድማ በሎም።
አብቲ ጊዜ ኵሎም ሰባት እናሰምዑ ካብ አስኬሬኖም "ናይ አቦታትና ናይ ሐዋርያትን ናይ 318ተን ዝቐንዐት ሃይማኖት አይትግደፍ ፡ ነዚ ዝረኸሰ ደብዳቤ እውን አይትከተል ፡ ካብ ናይ አስኬሬንና ቦታ ድማ አርሕቆ" ዝብል ቃል ወጽአ። ናይ ንጉሥ መልአኽተኛታት ድማ ነዚ ነገር ሰሚዖም ብጣዕሚ ተደነቑ። አብ ልዕሌኦም ከዓ ዓብዪ ፍርሓት ሐደሮም ፡ ፀጕሪ ርእሶም ተላጽዮም ድኣ መንኮሱ እንበር ፡ ናብ ንጉሥ እውን አይተመለሱን። ክሳብ ዝዓርፉ ድማ ብዙሕ ዘመን እናተጋደሉ ነበሩ።
ዝኸበረ አባ ለንጊኖስ ድማ ሠናይ ተጋድሎኡ ወዲኡ ፡ ንእግዚኣብሔር እውን አገልጊሉ ብሰላም አዕረፈ ናይ ሕይወት አክሊል ድማ ተቐበለ።
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ይኹን ፡ ለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም እብል መዓልተ ወለያልየ
ትሩፋቲከ አቡየ
ለንጊኖስ አነክር ዘተውህበከ ዕበየ
ኀበ ኢሀሎከ ሶበ ቆብዓከ ርእየ
ሰይጣን ተኃፊሮ እፎኑመ ጐየ።
✟✟✟ አባ ጳውሊ ገዳማዊ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ርእሲ ገዳማውያንን ዘውጊ ትጉሃን መላእኽቲን ቅዱስ አቦ ፡ አባ ጳውሊ አዕረፈ።
እዚ ቅዱስ ድማ ፡ ካብ ሀገረ እስክንድርያ እዩ። ጴጥሮስ ዝስሙ ሓው ድማ አለዎ። አቡኦም ድማ ብዝሒ ንዋቱን ብዕሉን ዘይቑጸር አአዝዩ ሃፍታም ነበረ። ምስ አዕረፈን ጊዜ ሐዘን ሐዘኖም ምስ ተፈጸመን ድማ ፡ ርስቲ አቦኦምን ገንዘቡን ክካፈሉ ጀመሩ። ጴጥሮስ ድማ ዝዓቢ ብጽሒት ዝወስድ ኮነ። ንጳውሊ ድማ ዝንእስ ብጽሒት ይህቦ። ስለዚ ድማ ጳውሊ ሐዘነ። ንሓዉ ጴጥሮስ ድማ 'ንምንታይ ካብ ርስቲ አቦይ ብትኽክል ዝግብአኒ ብጽሒተይ ዘይትህበኒ' እውን በሎ።ሓዉ ድማ 'ንስኻ መንእሰይ ስለ ዝኾንካ (እቲ) ገንዘብ ክትብትኖ ኢኻ። ክሳዕ እትዓቢ አነ ክሕልወልካ እየ' ኢሉ መለሰሉ። ስለዚ ድማ ጳውሊ ተቖጥዐ። ንንሕድሕዶም እውን ተብአሱ። ንኽፈርደሎም ድማ ናብ መኰንን ከዱ። እናኸዱ እንተለዉ ድማ ፡ ሰባት ጸይሮም ናብ ዝቐብርቦ ቦታ ዝወስዱዎ ምዉት ረኸቡ። ብዙሓት ድማ ደድሕሪኡ ይኽተሉዎ ነበሩ። ጳውሊ ድማ ካብቶም ይኽተልዎ ዝነበሩ ሰባት ንሐደ 'ሎሚ ዝሞተ መን እዩ?' ኢሉ ሐተተ። እቲ ሰብ ድማ "ኦ ወደይ እዚ ሎሚ ዝሞተ ብወርቅን ብብሩርን አአዝዩ ዝሃፍተመ ምዃኑ ፍለጥ። ኵሉ ጊዜ እውን ዝሕጎስ ነበረ። እነሆ ድማ ንዚ ኹሉ ሐዲጉዎ ጥርሑ ናብ መቓብርን ናብ ዘይምለሳ መንገዲን ይኸይድ አሎ። አብ ማዕበላት ሓጢአት እናሃለወ እዩ ሞይቱ እሞ። ሀዚ እውን ኦ ወደይ! ምእንቲ ድሕነት ነፍስና ክንጋደል ይግብአና እዩ። ንሕና መዓዘ ከም እንመውት አይንፈልጥን እሞ። ነገር ግን አብ ውሽጢ እዚ ዓለም ሃፍቲን ሥልጣንን ነይሩዎ ፡ እዚ ኹሉ ዝሐድግ ምሥጉን እዩ። ንሱ አብ ናይ ቅዱሳን ሃገር ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዓብዪ ክብሪ ክቕበል እዩ እሞ" ኢሉ መለሰሉ። ምሥጉን ጳውሊ ድማ ፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ፡ ካብ ልቡ ሐዘነ። 'እዚ ሃብቲ እዚ ሓላፊ ዓለም እንታየይ እዩ? ድሕሪ ቕሩብ ጊዜሐደጊዮ ጥርሐይ ዝኸይድ ዶ አይኮንኩን?' እውን በለ። ብድሕሪ እዚ ናብ ሓዉ ተመለሰ። 'ኦ ሓወይ ናብ ገዛና ንመለስ። ካብ ድሕሪ ሀዚስ ብዛዕባ ንዋት ምንም ምሳኻ አይናገርን' እውን በሎ። ብድሕሪ እዚ ካብ ሓዉ ሃዲሙ ፡ ካብ ሀገሩ ወጽአ። ናብ መቓብር አትዩ ድማ 3 መንገዱ ንኽምርሖ ናብ እግዚአብሔር እናጸለየን እናመለደን መዓልቲን 3 ለይቲን አብ ውሽጡ ጸንሐ። ሓዉ ጴጥሮስ ድማ አብ ውሽጢ ዓዲ እናዞረ እናአለሹ ንብዙሕ መዓልቲ ነበረ። ግን አይረኸቦን። ዓብዪ ሐዘን እውን ሐዘነ። ክቡር ጳውሊ ግን እብ ውሽጢ እቲ መቓብር አብ ዝነበረሉ ጊዜ ፡ ንሠለስተ መዓልቲ ዝአክል መብልዕን መስተን አይዘከረን። ፍርሐትን ድንጋጸን እውን አይበጽሖን። አምላኻዊት ሓይሊ ትሕልዎ ስለ ዝነበረት። አብ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ፡ ንመልአኹ ናብኡ ለአኾ። ካብኡ ነጢቑ እውን ናብ ውሽጢ ብአንፈት ምብራቕ ዘላ ገዳም ወሲዱ አብኡ አንበሮ።
አብኡ ድማ ፍልፍል ማይ ነበረ። ሰላምታ ሂብዎ ድማ ናብ ሰማይ ዐረገ። ንኡድ ጳውሊ ድማ ናይ አራዊት ጐዳጕዲ ረኸበ። ናብታ ሐንቲ ጕድጓድ ድማ አተወ። ክዳኑ ድማ ካብ ቈጽሊ ስየ ሰርሐ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸለየ፥ 'ኦ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኢድ ምሕረት ዘይብሉ ጸላኢ ሐልወኒን አድሕነኒን። ብፈቓድካ ገድለይ ክሳዕ ዝፍጽም ክተጽንዐኒ ድማ ምሕረትካ አብ ልዕለይ ትምጻእ። ኦ ንጉሥ ኵሉ ትውልዲ! ሓይልን ክብርን ምሥጋናን ገንዘብካ እዩ እሞ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።