ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን @abotatna Channel on Telegram

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

@abotatna


‌‌
""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ"
—>>> [ዮሐ1:14]
☞ ሕቶን መልስን
☞ንመናፍቓን መልሲ
☞ናይ መዝሙር ግጥምታት
☞ ናይ ቤተክርስቲያን ወቅታዊ ዜናታት
☞ ናይ ግዕዝ ትምህርትን ዝ/ዪ ስነ ፅሑፍትን
ንዝኮነ ዓይነት ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ሕቶ
👉 ለኣኩልና "ሰናይ ግዜ" 🙏
☞ ንዘለኹም ርኢቶ @Abotatnabot ለኣኹልና

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን (Amharic)

እንኳን ወደ ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን ትምህርትን በደረሳችሁ ወደ ኣከቡርቶ፡ሰላም፡ተቐባሊ፡ቫይረስ፡ጸሎታት፡ወ፡ንእመናንቅድስታት፡በትንቢትን፡በሰውምታት። አምስቱ መዝሙር፡ፈላሲ፡መልስን፡ትምህርትን፡ጋልድ፡ ከምታሰናገር፡ንፕልንዮም፡ማእሰር፡ለኣኩሉ። ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን እናመሰግናለን አሳብን፡ኣምላኽ፡በማቂ፡ወሊቃን፡ወወግታከ፡ናይግዕዝ። ተቀነወኮ።

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

21 Nov, 16:48


#ዓመታዊ_ክብረ_በዓል_ቅዱስ_ሚካኤል_ብዙሓት_ሊቃውንተ_ቤተክርስቲያን_ብዝተረከብሉ_ብድምቀት_ተከቢሩ

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

21 Nov, 04:28


🌷ቅዱስ ሚካኤል🌷

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

“መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም” (መዝ 34፡7)
🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻
ሚካኤል ማለት ብቋንቋ እብራይስጥ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ “መኑ ከመ እግዚአብሔር/ መን ከም እግዚአብሔር” ማለት እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ልዕልናን ክብርን ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ንነቢይ ሙሴ ዝተዛረቦ እግዚኣብሔር “ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ” (ዘጽ 23፡22) ዝበሎ ቅዱስ ሚካኤል ስም እግዚኣብሔር ዝሓዘ እዩ። ከመይ ትርጉም ስሙ መን ከመ እግዚኣብሔር ማለት ስለዝኾነ።

ቅዱስ ሚካኤል ሓለቃ መላእክት ምኳኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ገሊጽዎ ይርከብ።ከም ኣብነት ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ከሎ ዝተመልሐ ሰይፍ ዝሓዘ ኮይኑ ተገልጸሉ’ሞ ኢያሱ ድማ “ንስኻ ናትና ዲኻ ውይስ ናይ ጸላእትና ’’ በሎ።ንሱ ድማ “ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ” በሎ።ብድሕሪኡ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ተደፊኡ ሰገደሉ (ኢያ 5፡14-15)።

ብተወሳኺ ይሁዳ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብታ ሓንቲ ምዕራፉ እንተ ተመልኪትና ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ከም ዝተካራኸረን ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተሸም ከም ዝኾነን ነንብብ(ይሁድ1፡9 )። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መጽሓፉ ኣብ ራእይ ሚካኤልን መላእኽቱን ብምባል ሓለቓ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝኾነ ተጻሒፉ ንረኽብ(ራእ 12፡7)።

ከምቲ ዝተገልጸ ቅዱስ ሚካኤል’ውን ከም ኩሎም ቅዱሳን ኣብ ህይወትና ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ። ቀደም እውን እንተኾነ ንቅዱሳን መላእኽቲ መሪሑ ነቲ ኣምላኽነት ዝደለየ ሳጥናኤል ዝሰዓረ ቅዱስ ሚካኤል እዩ(ራእ12፡7-8)።

እስራኤላውያን ቅድሚ ንግብጺ ገዲፎም ናብ ሃገሮም ናብታ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ሃገር ቅድሚ ምብጋሶም እግዚኣብሔር ዝሃቦም እንተ ነይሩ ቃል ናይቲ መሪሕዎም ዝኸይድ ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ምስማዕ እዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ንኾንቱ ዘይኮነስ ብሰላምን ብጥዕናን ጸላእቶም እና ተዋግአ ብህድኣት መታን ከእትዎም እዩ።“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኹዎ ቦታ ድማ ከእትወካ እንሆ ኣነ መልኣኸይ ቀቂድሜኻ ይልእኽ ኣለኹ ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ! ድምጹ ከኣ ስማዕ እምቢ ኣይትበሎ ስመይ ኣብኡ ተሰይሙ አዩ እሞ እዩ” ከም ዝበለ እዚ እንተገይሮም ብረዲኤቱን ኣምላኽ ብዝሃቦ ስልጣንን እንተ ኣሚኖም ብሰላም ክኸዱን ክኣትዉን እምቢ እንተ በሉ ግን ሞትን መቕጻዕትን ከም ዘለዎም ተነጊርዎም እዩ(ዘጽ 23፡20) በኸምዚ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብረድኤትን ብብረኸት እናጓሰየ ንባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ካብ ሰማይ መና እና ኣውረደ ናብታ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ከንኣን ኣብጽሖም።
#ተነሲህና_ናይ_ኣምላኽና_ቅዱስ_ሥግኡን_ክቡር_ደሙን_ንቀበል(ዮሃ 6:53-56)!!!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለ ወላዲቱ ድንግል።
ምንጪ :- SOICIAL MEDIA
ወለ መስቀሉ ክቡር ለዘላለሙ አሜን።
👇 በዚ ሊንክ እናኣተና subscribe እናገበርና ተወሳኺ ንከታተል👇
https://www.youtube.com/@Abotatna1

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

20 Nov, 16:45


https://youtu.be/j_hYVnhgCtk?si=N0sHOjj1Khz39cBo

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

20 Nov, 11:42


ክጥይቀኩምየ «ንዝሙትን ንነፍሲ ምቅታልን ዓርሶም ብዘግዝኡ፣ ስምዒታቶም ንዘምልኹ ፣ካብ ስግኦም ወጻኢ ምንም ክርድብኡ ብዘይክእሉ ሰባት ነገረ መለኮት ከምይ ክትርጎም ይክእል ? [ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ]
Gregory Nazianzen,First Theological Oration 27.6,http:/
www.newadvent.org/fathers/310227.

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

20 Nov, 04:51


1⃣አንስቲ ካብ ዝወለደኦም ንእኡ ዝመስል የለን ተባሂሉ ዝትነገርሉ መን እዩ?
🔴መጥምቁ ዮሐንስ
🔵ስምኦን
⚫️ዳኒኤል
⚪️ዮዳሄ

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

20 Nov, 04:47


ዳዊት 23 (Psalms)
1፤ እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን።
2፤ ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
3፤ ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
4፤ በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
5፤ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።
ዳዊት 23 (Psalms)
6፤ ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

19 Nov, 10:56


ክልተ መገዲ ኣለዋ፣ ሓንቲ ናብ ህይወት ተብጽሕ፣ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ሞት ተበጽሕ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ
መገዲታት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ናብ ህይወት ትመርሕ እዚኣ እያ። 2. ብቀዳምነት፣ ነቲ ዝፈጠረካ
እግዚአብሔር ኣምላኽ ከተፍቅሮ ይግብኣካ። እታ ካልአይቲ ድማ፣
ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ከተፍቅር ይግባእ። ነቲ ኣባኻ ክበጽሕ
ዘይትደልዮ ነገር፣ ንስኻ ዉን ኣብ ካልእ ኣይትግበር። እምበኣር እቲ ግቡእ ትምህርቲ እዚ እዩ። ንዝረግምኹም መርቁ፣ ምእንቲ ጸላእትኹም ጸልዩ፣ ምእንቲ ሰጎግትኹም ድማ ጹሙ።
ንዝፈትዉኩም እንተፈቶኹም፣ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ? ኣህዛብ (ዘይኣመንቲ) ዶ ከምኡ ይገብሩ ኣይኰነን? ነቶም ዝጸልኡኹም እንተፍቐርኩሞም ግና፣ ሽዑ ጸላእቲ ዝበሃሉ ኣይክህልወኩምን
እዮም። ካብ ስጋዊን ዓለማዊን ፍትወት ረሓቁ። ኣብ የማናይ መልታሕትኩም ንዝወቅዓኩም፣ ጸጋማይ ወገንኩም ምለስሉ። በዚ ፍጹም ክትኮኑ ኢኹም። ሓደ እመት ንኽትከዱ እንድሕሪ
ጎቲትኩም፣ ክልተ እመት ምስኡ ኪዱ። ነጸላኹም ንዝወሰደልኩም፣
ካቦትኹም ዉን ሃብዎ። ናትኩም ዘበለ ንብረት ምስ ዝዉሰደኩም፣ ክምለሰልኩም ኣይትሕተቱ። ክትመልስዎ ኣይኰነልኩምን እዩ።

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

18 Nov, 16:32


ሓደ ሚኢት (💯) ደቂ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንደሊ ኢና
👇ዚኣ ንባዕላ ዓባይ ሓገዝ እያ 👇

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

18 Nov, 10:56


Channel photo updated

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

17 Nov, 16:24


Live stream finished (46 minutes)

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

17 Nov, 15:38


Live stream started

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

17 Nov, 15:27


https://youtu.be/j_hYVnhgCtk?si=JMXDZ9GSIiO8fHkw

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

17 Nov, 12:34


https://youtu.be/9N2K5TE5zAU?si=-5DJpOr6teBSsZi_

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

16 Nov, 14:49


Live stream finished (31 days)

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

14 Nov, 04:21


ኣስርቱት ትእዛዛት
1. ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልውኻ
2. ስም እግዚኣብሄር ኣምላክ ብኮንቱ ኣይተልዕል
3. ሰንበት ኣኽብር
4. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር
5. ኣይትቅተል
6. ኣይትዘሙ
7. ኣይትስረቅ
8. ብሓሶት ኣይትመስክር
9. ገንዘብ ብፃይካ  ኣይትመነ
10. ንብፃይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ

𝐋𝐢𝐤𝐞 & 𝐅𝐨𝐥𝐥𝐨𝐰 ምግባር ኣይትረስዑ !!
... ............. 𝑺𝒉𝒂𝒓𝒆
     ══✢━✥━✢═ኣብ ተሌግራም ተከታትውሉ
https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

11 Nov, 12:56


ነቲ ብዘይ ምኽንያት ዘፍቅረኩም ኣምላኽ እናሓሰብኩም ነቶም ብዘይ ምኽንያት ዝጸልኡኩም ሰባት ረስዕዎም ።
ዜና አበው ቅደስተ ቤተክርስቲያን
•➢ ሼር // SHARE
❖ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻና ❖
https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273
❖ናይ ተሌግራም ኣድራሻና❖
☞ 
https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና ።

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

11 Nov, 06:52


++ + ሓሳብ++ +

ጽቡቕ ሓሳብ ናይ ጽቡቕ ታሪኻት ምንጪ እዩ፡፡ ሓደ ሰብ ብሓሳቡ ኣብ ገነት ምስ መላእኽቲ ከንሳፍፍ ይኽእል እዩ፡፡ ኣጣቓቕማ ሓሳቡ ትኽክል እንተ ዘይኮይኑ ግና ክፉእ ነገር ንምሕሳብ ይጋለጽ።

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

10 Nov, 13:36


https://vm.tiktok.com/ZMhbtbUX4/

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

08 Nov, 22:00


እቲ ብዙሓት ኣንስቲ ዝተመርዐወ ሰሎሞን
ሰሎሞን ካብ ኹሉ ዝበልጽ ጥበብ ተዋሂብዎ ብጥበብ ዘሚሩ ነበረ። 1ነገ 4*33 ነገር ግን በቲ ትክክለኛ ዘይኮነ ባህጊ ደቂ ኣነስት ተጸሚዱ ካብ ኣምላኹ ተፈልዩ እዩ ። እዙይ ዘረድኣና ናይ ፍቕሪ ትክክለኛ ትርጉም ፍለጡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ ክሕደት ክትወድቁ ኢኹም ዝብል እዩ ። ሰሎሞን ነዘን ኣንስቲ ዝተመርዐወን ንዓርሱ ስለዝፎቱ እንተይኮነስ ን ዓርሱን ንኣኣተን ስለዘይፈተወን እዩ ።

ዓርሱ እንተዝፈቱ ኔሩ ጣዖት ክሳብ ዝሰግድ ዓርሱ ኣይመዋረደን። ነተን ኣንስቱ 'ውን እንተዝፈትወን ኔሩ ናብቲ ሓቂኛ መንገዲ ምሰሓበን ኔሩ። ንጉስ ሰሎሞን ካብ ዘን ኹለን ኣንስቲ ዝተመርዐወን ዓርሱ ወይ ነተን ኣንስቱ ስለዝፈተወን እንተይኮነስ ስምዒቱ ስለዝፈቱ እዩ ።
ናይ መብዛሕትና ችግራት ዝምንጩዉ ስሚዒታትና ስለ እንፎቱ እዩ ። ኣምኖን ንሓፍቱ ፈትየኪ ዝበላ እሞ ምስኣነወራ ዝጸልኣ ስሚዒቱ እንበር ንኣኣ ፈትዩዋ ስለዘይነበረ እዩ። 2ይሳሙ 13÷15 ሰበይቲ ጲጥፋራ ንስፍ ይፈትወካ እየ ዝበለቶ ብሓቂ ንዮሴፍ ፈትያቶ እንተይኮነትስ ስምዒታ ጥራሕ ትፈቱ ስለዝነበረት እዩ ።ብዙሕ ግዜ ናይና ስም ዒት ጥራሕ ትክክል እናመሰለና ብዙሕ ጥፍኣታት ነጥፍእ ፣ እቲ ንሕና እንደልዮ እንድሕር ዘይተፈጺሙ ኩሉ ነገር ትክክል ኣይኾነን ንብል ። ዋላ ደኣ ኣይረደኣ ኣይንቁጸሮ እንበር ካብ ናይ ሰሎሞን ኣንስቲ ዝበዝሑ ተመርዒውና ዘይፈታሓና ስምዒታውያን ኢና ።

ቃል ኣምላኽ ፍቲሕና ንዋይ (ገንዘብ) ዝተመርዐውና ክንደይ ኢና ?
ጸሎተ ቅዳሴ ፈትሕና ንድቃስ ዝተመርዐውና ክንደይ ኢና ? እግርና ኣብ መንገዲ ሓጥያት ዝመላልስ ፣ ካብ ናይ ጥበብ መንገዲ ወጺና ብናይ ስንፍና ሓስብ ዝተኣሰርና ክንደይ ኢና ? እንበኣርከስ እዚኣቶምን ካልኦትን ተደማሚሮም እዮም ናይ ሓዲስ ኪዳን ሰሎሞን ዘብሉና ፣
ኦርቶዶክሳዊ አእምሮ ገጽ 33-34