Fitsum Berhane

@fitsum_berhane


Daily updates from Tigrai

Fitsum Berhane

07 Dec, 19:59


ህዝቢ ኣበርገለ ተከዘ ሒዙ እዩ ጠምዩ:: ውፅኢት ናይ ዓመታት ውዳቕ ምሕደራ እዚ እዩ:: ሱር ቦቆስ ለውጢ ዘምፅእ ቃልሲ እዩ ዘድልየና:: ነዃል እናዓበስካ ዝመፅእ ዘላቒ ፍታሕ የለን::

Fitsum Berhane

07 Dec, 10:20


"ተኸዚኑ ዝነበረ እኽሊ" እንታይ ማለት እዩ? ብገበን ዘርኢ ምፅናት ክኽሰስ ዝግበኦ መሪሕነት እዩ ህዝቢ እናሃለቐ እኽሊ ዝኽዝን።

Fitsum Berhane

05 Dec, 18:52


ማንም ብሄር ስለዝበሸቐ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣይፍታሕን:: ቀንዲ መንቀሊ ኩሎም ፀገማትና ማንም ግዳማዊ ሓይሊ ኣይኮነን:: እንቅዓ ግዳማዊ ፀላኢ ሃልይወን ርህው ናብራ ዝነብር ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣብነት እየን:: ፀገም ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ እዩ:: እዚ ዝፍታሕ ድማ ዝኾነ ይኹን ፀላኢ እንብሎ ኣካል ስለዝበሸቐ ኣይኮነን:: ኩሎም ፀገማትና ዝቕንጠጡ ውሽጥና ኣፀቢቕና ብዘይ ምንም ንሕስያ ሓኺኽና እንትነፅሪ ጥራሕ እዩ::

ሰኣን ብቑዕ መሪሕነት እምበር ብሰንኪ ግዳማውያን ፀላእቲ ኣብዚ ኣይወደቕናን::

Fitsum Berhane

01 Dec, 15:21


ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ኣብ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ተመዛበልትን ኣመልኪቱ ዝበሎ:

"ድሕሪ ገበን ዘርኢ ምፅራይ (ethnic cleansing) ሪፈረንደም ከካይድ እየ ካብ ምባል ንላዕሊ ምጭብርባር የለን"

ሰብ ዋና ዝኾኑ መራሕትና ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምርር ዝበለ ቅዋም ዘይምሓዞም ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መከራ ክነብር ተገዲዱ::

Fitsum Berhane

24 Nov, 14:17


ዝገበርካ ጌርካ "ብዓወት መሰስ" ምባል ግን ደስ ክብል:: ክንዲ ድላይካ ኣጥፍእ ኣይትሕተትን:: ገበን ፈፂምካ እውን ኣይትኽሰስን:: ስቕ ኢልካ ኩሉ ግዘ "ብዓወት መሰስ" እዩ::

ኣብ ዓለም ከም መራሕቲ ህወሓት ዝበለ ዕድለኛ የለን::

Fitsum Berhane

16 Nov, 13:13


ፀላእትና ኣብ ልዕሌና እንትዘምቱ ከመይ ከምዝሓብሩ ንርስዕ ኣለና። ኣብይን ኢሳያስን ተባኢሶም ኢልካ ምዕንዳር ዕብዳን እዩ። ኣባና ክኸውን ከሎ ልዕሊ ማንም ሓድነቶም ክጥንክር እዩ። ከም ህዝቢ ተስፋናን እምነትናን ኣብ ውሽጣዊ ጥንካረናን ዓቕምናን እምበር ኣብ ዘይጭበጥ ተስፋ ክኸውን የብሉን።

ዕንክሊል ይኣኽለና እንተበልና ተመሊሶም ናብ ዕንክሊል ከእትዉና ይሸባሸቡ'ለዉ።

Fitsum Berhane

15 Nov, 08:56


ክእሰሩ ዝግበኦም ሰባት ኣሰርቲ ኮይኖም። ገበኖም ከይፍለጠሎም ድማ ክሳዱ ዘዘቕነዐ ኩሉ ይዳጉንዎ፥ እንተደልዮም ድማ ንሓዋሩ እውን ይስውርዎ። ገበነኛታት ኣብ ኮርቻ ስልጣን ተኾይጦም፥ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ቸቸ ክብሉ ዝፈቅድ ስርዓት ምስ ዝህሉ፥ ቅኑዓት፣ ህዝቦምን ዓዶም ዝፈትዉ፣ ሓቀኛታትን ንፁሃትን ገበነኛታት ይበሃሉ። ናብረኦም ድማ ቤት መሓዩር ይኸውን።

ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ደስታ ገብረመድህን ተኣሲሩ።

Fitsum Berhane

13 Nov, 09:35


ተሓታትነት ዝበሃል ኣብ ባህሊ ፖለቲካ ህወሓት ፈፂሙ ኔሩ ኣይፈልጥን። ትእሰር ወይ ትጥቃዕ ብውግናናኻ እዩ። ካብ ታራ ካድረ ጀሚሩ ክሳብ ስራሕ ፈፃሚት ቀትርን ለይትን ዘስተንትኖ ነገር እንተሃለወ፥ "ብኸመይ ህዝበይ ከገልግል" ከይኮነስ "ናይ መን ደጋፊ እንተኾንኩ ይሕሸኒ" ዝብል እዩ። ሎምቅነ ውሽጣዊ ቅልውላው ገጢሙዎ ዘሎ ህወሓት "ኣነ ካብ ዝሕተት ህዝቢ እንተዝሃልቕ ይመርፅ" ዝዓይነቱ ኣካይዳ ዝኸዱ ኣባላት ስራሕ ፈፃሚት እቲ ውድብ ተራእዮም ኣለዉ። ነዚ እዩ ድማ ኣንፃር ውዕሊ ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ሓደ ጉጅለ ኣካል እቲ ውድብ ዝረአ ዘሎ። ህዝቢ ኣብቲ ንሶም ዝውስንዎ ውሳነ ሰማይ ደጊፉ ክፅበ ግድን ኮይኑዎ ኣሎ። ኩሉ ኣብ ሞንጎኦም ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ነገር ዘምፅኦ ሳዕቤን ቀንዲ ተጠቃዒ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ስለዝኽኮነ።

ህወሓት፥ ሎሚ መዓልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነባራት ተጋደልትን ዝሓወሰ ከቢድ ኣኼባ ሒዞም ኣለዉ።

Fitsum Berhane

10 Nov, 07:23


ኣብ ዞባ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ኣብ ኮሌጅ ኣርኣያ ካሕሱ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ተዓቚቦም ዝነበሩ ተመዛበልቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ሎሚ ዓርቢ ዕለት 30/2/2016 ዓ/ም ናብ መረበቶም ቦታ ይምለሱ ኣለዉ።

Fitsum Berhane

09 Nov, 19:57


ጌቾ፦ ምናልባት መለስ ተጋግዩ ከይኮን እስኪ፡ ኣብ ናይ ደብሪፅ መልሓስ ስርናይ ወይ ሓፂን ኣቐምጥ:: እንተዘይውሒጥወን ክንርኢ::

Fitsum Berhane

07 Nov, 19:07


1. ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ
2. ወ/ሮ ሊያ ካሳ
3. ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ
4. ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ተላዒሎም።

Fitsum Berhane

05 Nov, 13:17


ሰላም ሰላም ኣሕዋት

Fitsum Berhane

05 Nov, 13:16


Channel photo updated

Fitsum Berhane

05 Nov, 13:16


Channel name was changed to «Fitsum Berhane»