⛪ ቃል ኣምላክ ..tube @wengiel81 Channel on Telegram

ቃል ኣምላክ ..tube

@wengiel81


"ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።"
—መዝሙር ዳዊት 119: 105
"ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።"
—መልእኽቲ ይሁዳ 1: 3

⛪️ 👉 @wengiel81

⛪ ቃል ኣምላክ ..tube (Amharic)

ቃል ኣምላክ ..tube በእርስዎ አባል በመሳር ኦቦቦ ለሚባላበት ገጽ መዝሙርና ውርስ መተላለፊያዎችን እና ስለ ኢትዮጵያ መንፈሳዊ ቁጥር፣ እናመሰረቱት ይሆናል። እኛ ከታች ቅንብሮችንና ውርስ መንፈሳዊ ምላሽን መመልከት እና ዝምስኩም መዝሙርን በቀለጥ እንዲሰጥ ወደ ውርስ መተላለፊያዎች እንዲያደርጉ የተፈጸመላችንን ከተማ በመሳር እንዲዘንጋን ይሆናል። እነዚየም ሕዝቦችን ትምህርት እና ህብረት ከዚህ ተወካዮ ሰብማዊ የሆኑትን በምሳሌ ለመኖር እንዲህ ያሉትን መዝሙር ዳዊት 119:105 እና መልእኽቲ ይሁዳ 1:3 የታላቅ መረጃ እና ዝግባር ለማግኘት ተከፈልናል። ከምሳሌ በኋላም በትምህርት እና ህብረት ትምህርት ላይ ለመፃፍ እና በዚህ አባል ለማተኮል የሚናገሩን ወደ ውርስ መተመን በተመለከተ መተላለፊያዎች መዝሙር ለሚለዋወጡ በእኛ በትክክል እንተያዘን።

ቃል ኣምላክ ..tube

21 Nov, 09:38


ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ  ዝነብር ሓደ ንጉስ ኔሩ። እቲ ቤተ መንግስቲ ድማ 5ተ መሳኹትን ሓደ ማዕፆን ነበርዎ።
• ብዙሓት ሸፋቱ ንክኣትው ይፅግዑ 'ሞ እቲ በሪ ተዓፅዩ ከም ዝነበረ ኣስተውዕሉ።

ነገር ግን ገለ ዝተኸፈተ መስኮት እንተሃለወ ኢሎም እንትዘሩ ካፍተን 5ተ ሓንቲ ተኸፊታ ፀንሐቶም።
• ብኣኣ ኣትዮም ድማ ብምልኡ እቲ መስኮትን በርን ከፊቶም፤ ነቲ ንጉስ ማረኽዎ።

#ነስተውዕል እቲ ቤተመንግስቲ ኣካልና እዩ ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣካልና ዘላ ነፍስና ይውክል። እቶም 5ተ መሳኹቲ 5ቲኦም ናይ ስምዒት ህዋሳትና እንትኾኑ እቲ ማዕፆ ድማ ኣእሙሮና ይመስል።

እቶም ብሸፋቱ ዝተመሰሉ ኣጋንንቲ ቐጥታ ናብ ሓንጎልና ክኣትው ኣይኽእሉን።
• እኳ'ደኣስ ብስምዒት ህዋሳትና ጌሮም ኣእምሮና ይቆፃፀርዎ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ንነፍስና ማሪኾም ኣብ ልዕሌና ብኽፉእ ስርሖም ይነግሱ።

ኣብዚ እነስተውዕሎ ካብ ስምዒት ህዋሳትና ሓንቲ መእተዊት እንተረኺቦም ኩለንተናና ኩቆፃፀርዎ ከም ዝኽእሉ እዩ።
• ስለዚ ኣጥቢቕና ናይ ስምዕት ህዋሳትና ንሓሉ ፥ ኣጠቓቕምኡ ንፍለጠሉ።

"ሞት ናብ መስኮትና ቀሪቡ እዩ ፡ ናብ ኣዳራሽና 'ውን ኣትዩ እዩ.."
            { ት.ኤር 9፥21}

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

21 Nov, 03:58


ሕዳር 12 ቅዱስ ሚካኤል  ምስ ሰይጣን ዲያብሎስ ተዋጊኡ ብምስዓር ዝተሾመሉ (በዓለ -ሢመቱ) ዕለት እዩ።ራእ ዮሐ 12፥7

ከምኡ ውን እስራኤል ዘስጋ ካብ ግብፂ ባርነት ነፃ ዘውፀአሉ ዕለት እዩ ።ኦሪ ዘፅ 2፥23-24

ንዓና ውን በረከት ረድኤቱ ይሓልወና 😇

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

20 Nov, 11:44


ቃል ኣምላክ ..tube pinned «#ቅዱስ_ሓዳር ቡዙሓት ስለ ሓዳርና ንሓስብ እዃ ተኾንና ሓዳር ብትክክል ተረዲኦም ዝገብሩን ዝነብሩን ውሑዳት እዮም። ሓዳር ዝብል ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣኻል ንኾነሉ ሚስጢር እዩ። ሓዳር ትቀንዲ ዕላማ መንግስተ ሰማያት ንምውራስ እዃ ተኾነ ውላድ ፣ ካብ ዝሙት ምርሓቅ ቀፂሎም ዝመፅኡ እዮም ። ብዛዕባ ሓዳር ንምርዳእ ኣቦታትና ክርስቶስን ቤተክርስቲያን ኣብነት ገይሮም ይነግሩና እዮም ። ክርስቶስ ብደሙ…»

ቃል ኣምላክ ..tube

20 Nov, 09:02


#ቅዱስ_ሓዳር

ቡዙሓት ስለ ሓዳርና ንሓስብ እዃ ተኾንና ሓዳር ብትክክል ተረዲኦም ዝገብሩን ዝነብሩን ውሑዳት እዮም።

ሓዳር ዝብል ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣኻል ንኾነሉ ሚስጢር እዩ። ሓዳር ትቀንዲ ዕላማ መንግስተ ሰማያት ንምውራስ እዃ ተኾነ ውላድ ፣ ካብ ዝሙት ምርሓቅ ቀፂሎም ዝመፅኡ እዮም ።

ብዛዕባ ሓዳር ንምርዳእ ኣቦታትና ክርስቶስን ቤተክርስቲያን ኣብነት ገይሮም ይነግሩና እዮም ። ክርስቶስ ብደሙ ንቤተክርስቲያን መስሪትዋ ብዙሕ ዋጋ ከፊሉላ እዩ ክርስቲያን ድማ ናቱ ገይሩናን ሓራን ኣውፂእና እዩ ። ንሕና ድማ ንዑዕ ኩሉ ጊዜ ንእዘዝን ሕጉ ንሕልን ኢና ።

ስለዚ ሰብኣይ ንሰበይቲ የፍቅራ የክብራ ሰብይቲ ድማ ንሰብኣይ ትተኣዘዙ ይብሉና ። ምናልባት ነዚ እዩ ብዘይ ረብሕ ምክንያት ሰብኣይን ሰበይትን ክፋትሑ ከለው ቤተክርስቲያን እውቅና ዘይትህቦም ሓደ ኣቦ ውን " ሰብ ሓዳር ቤተክርስቲያን ካብ ትፈልጦ ምክንያት ተተፋቲሖም የሕዝን ፤ ምክንያቱም ንሶም ክርስቶስን ቤተክርስቲያን ፈላሊዮም እዮም እሞ" ስለዚ ሓዳር ዝተከበረን ዝተቀደሰን ቤተክርስቲያን ክርስቶስን ሓደ ምኾኖም ክርስቲያን ዝምስክርሉ ሚስጥር እዩ። ስለዚ ድማ ቤተክርስቲያን ካብ ትፈቅዶ ምክንያት ወፃኢ ምፍታሕ ኣይፍቀድን።

ቤተክርስቲያን ክልተ ሰብ ሓዳር ብምንታይ ምክንያት ተኾዩኑ እያ ምፍታሕ ትፈቅደሎም ብክልተ ምክንያት እዩ ።

1. ሓዲኦም ናብ ካሊእ ሰበይቲ/ሰብኣይ እንተኸይዶም ቤተክርስቲያን ክፋትሑ ትፈቅደሎም እያ ። ተፋቲሖም ድማ ድንግል ዝኾነ/ት ጥራሕ ክምርዓው ትፈቅደሎም እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ቲ ንፁህ ምንም ዘይፈልጥ ነቲ ዘማዊ ሰብ
ብደምቢ ገይሩ ንክሕዞ ተባሂሉ እዩ።

2. ናብ ካሊእ ሃይማኖት ተከይዱ/ዳ

እዚ ብጣዕሚ ጥንካረ ዘድልዮ ኾይኑ ። ሰባት ብምችኾልና ይኾነኒ ዶ መንፈሳዊ ህይወቱ ከመይ ይመስል ከይፈለጥና እንኣትዮ ሓዳር ዘመፅኦ ሰበብ ኮይኑ ። ከምኡ ውን ሓዳር ምስ ገበርካ መንፈሳዊ ምግብታት (ፀሎት_ፆም_ስግደት_ቅዳሴ_ኣባት_ንስሃ_ስጋ_ወደሙ)ብዘይ ምጥቃም ዝመፅእ ዋጋ ስራሕና እዩ ።

ነዚ ዓይነት ፈተና መፍትሒ ክኾን ዝክእል ብደምቢ ነቲ ሃይማኖቱ ብጊዜያዊ ስሜዒት ክቅይር ዝደሊ በዓል ቤትካ ምምካር ብፀሎት ምሕጋዝ ምስ ኣባት ንስሃ ምርካብ ዝከኣለካ ኩሉ ምግባር እዩ። እንድሕር ምስምዕማዕ ምምላስ ኣብዩካ ኾይኑ ቤተከርስቲያን ምፍታሕ ትፈቅድ እያ።

እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ድማ ቲ ሕማቅ ነቲ ጥዑይ ሰብ ንከይጥፍኦ ብዝብል ኾይኑ ግን ኣብ ናይ ባዕሎም ድልየት ዝውሰድ እዩ። ቲ ዝተፈተሐ ድማ ንክሙርዐ ቤተክርስቲያን ትፈቅድ እያ እንድሕር ክኢሉ ግን በይኑ ተነበረ ይምረፅ ።

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

20 Nov, 05:25


​​መናፍቃን ዝኾነ ይኹን ጥያቄ ተጠይቆምኹም  መልሱ ኣብዚ እንኤኩም  ሼር  ግበርዎ ንኹሉ መእመናን ይባፃሕ፨፨፨ንመናፍቃን ዘየዳግም መልሲ ፨፨፨
ናይ መጽሐፍ ቅዱስ መልሲ

1: ሥለ ሥላሴ

ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሰለስትነትን:-
✞ዘፍ 1:26 ዘፍ 3:22
✞ዘፍ 11:18 ዘፍ 18:1-2
✞ኢሳ 48:26 ማቴ 3:16-17
✞ማቴ 28:19 ሉቃ 1:35
✞ዮሐ 7:28-29 ዮሐ 14:25-26
✞የሐ.ስራ 3:14 1 ቆሮ 12:4-7
✞2 ቆሮ 13:14 ኤፌ 4:4-7

2: ናይ ድንግል ማርያም ድንግልና ክብራ ንፅህናኣ ​ ኣማላጅነታ
ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ማስረጃ

✞መዝ 9:11 መዝ 13:10
✞መዝ 44:9 መዝ 86:5
✞መዝ 131:13 መዝ 44:2
✞መኃ 4:12 ኢሳ 7:14
✞ኢሳ 49:23 ኢሳ 60:14
✞ማቴ 1:23 ሉቃ 1:28
✞ሉቃ 1:42 ዮሐ 2:1-11
✞ዮሐ 19:16 ሮሜ 11:26-27
✞2 ቆሮ 11:2 ራዕ 12:16

3: ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈራዲ እንበይ ኣማላዲ የኾነይ፡-

✞ዘፍ 3:22 1 ሳሙ 16:1
✞ኢሳ 9:6 ዳን 7:14
✞ሆሴ 13:4 ዘካ 9:9-10
✞ሚክ 5:2 ሉቃ 1:32-33
✞ዮሐ 10:30 ሉቃ 2:12
✞ዮሐ 14:7 ሮሜ 9:5
✞ቆላ 2:9-10 ቲቶ 2:11-13
✞ዕብ 1:3-4 ዕብ 1:10-11
✞1 ጴጥ 3:23 1 ዮሐ 2:23
✞ራእ 3:22 ራእ 22:12-13

4: ብዛዕባ ታቦት እና ፅላት

✞ዘፃ 24:12 ዘፃ 25:10
✞ዘፃ 25:21 ዘፃ 26:34
✞ዘፃ 31:18 ዘፃ 32:15
✞ዘፃ 34:1 ዘፃ 34:28
✞ዘፃ 37:1 ዘፃ 40:20
✞መኃ 7:89 ኢያ 3:3
ኢያ 7:6  2 ቆሮ 6:16  ኀ   ዘ 


5: ብዛዕባ ፆም ብመፅሓፍ ቅዱስ:-

✞ዘፃ 34:28 ዘፃ 9:9
✞ሳሙ 20:26 1ሳሙ 7:6
✞1ሳሙ 31:13 2 ሳሙ 1:12
✞2 ሳሙ12:16 ዕዝ 8:21
✞ዕዝ 68:10 ዕዝ 108:24
✞ኢሳ 48:3 ኤር 36:9
✞ዳን 9:3 ዳን 20:2-3
✞ኢዩኤ 2:14 ኢዩኤ 2:12
✞ዩና 3:5 ማቴ 4:2
✞ማቴ 6:16:18 ማቴ 9:14-15
✞ማቴ 17:21 ማር 2:18
✞ማር 9:29 ሉቃ 2:37
✞ሉቃ 18:12 የሐ.ስራ 13:3
✞ግብረ ሃዋ 14:23 2 ቆሮ
11:17

6: መስቀል ብመጽሐፍ ቅዲስ:-

✞ማቴ 10:38 ማቴ 16:20
✞ማር 8:34  ግብረ ሃ 5:30
✞1 ቆሮ 1:18 ገላ 3:13
✞ገላ 6:13 ፊል 2:8
✞ፊል 3:18

7: ጥምቀት ዝምልከት:-

✞ሕዝ 36:25 ማቴ 3:5-6
✞ማቴ 26:19-20 ማር 1:4-5
✞ማር 16:16 ሉቃ 3:21
✞ዮሐ 3:5 ዮሐ 3:22
✞ኤፌ 4:5 ገላ 3:26-27
✞የሐዋ 19:4  ሐዋ 18:8
✞የሐዋ 13:24  ሐዋ 10:47
✞የሐዋ 9:18   1 ቆሮ 1:16
✞1ኛ ቆሮ 10 :2  1 ቆሮ 12:13

8:ስዕለት ዝምልከት :-

✞ዘኁ 28:20 ዘኁ 21:2
✞ዘፃ 23:21 መሳ 11:30
✞መዝ 49:14 መዝ 75:11
✞1 ሳሙ 1:11 መክ 5:4-5
✞ዮና 2:10 ናሆ 1:15
✞ሐዋ 18:18

9: ፃድቃ ና ሠማዕታት የማልዱ እዮም:-

✞ዘፍ 18:17-18 ዘፍ 18:23:24
✞ዘፍ 20:7 ዘፍ 33:3
✞ዘፍ 42:6 1 ሳሙ 28 :14
✞2 ሳሙ 1:2 2 ነገ 1:13
✞2 ነገ 2:15 2 ነገ 4:9
✞2 ነገ 4:32-35 መዝ 88:34
✞ማቴ 18:18 ዮሐ 20:23
✞ሐዋ 10:25 ሐዋ 16 :29
✞1 ቆሮ 6:1-2 ፊሊ 4:6
✞1 ጢሞ 5:17 ያዕ 5:14
✞ራዕ 14:13

10: መላዕክት ኩሉ ጊዜ ኣብ እግዚአብሔር ቅድሚት ይቆሙ እዮም:-

✞መዝ 148:2 ኢሳ 6:3
✞ማቴ 4:12 ማቴ 18:10
✞ማቴ 25:31 ማር 8:38
✞ራእ 1:11 ሉቃ 1:19

11: መላዕክት ናብ እግዚአብሔር ፀሎት መብፃሕቲ እዮም:-

✞ጦቢ 12:15 ሉቃ 15:10
✞የሐዋ 10:4 እዩብ 25:3
✞ኤር 33:22 ዳን 7:10
✞ሄኖ 10:1 ራዕ 5:11

12:ንመላዕክት ናይ አክብሮት ስግደት ይግባእ:-

✞ዘፍ 19:1 ማኅ 22:31
✞ኢያ 5:14 ዳን 8:16-17

13:መላዕክት ዜና መብፃሕቲ አዮም:-
✞ዘፍ 16:11 ሉቃ 1:13
✞ሉቃ 1:19 ሉቃ 1:30-31
✞ሉቃ 2:10-11

14:መላዕክት ኣብ ሓደጋ እዋን ፈጢኖም ከም ዝበፅሑ:-

✞ዘፍ 22:11-12 መዝ 90:11-12
✞ዳን 6:22 ዳን 10:13
✞ማቴ 2:13 ሐዋ 5:19-20
✞ሐዋ 12:7

15: ፀበል ምርጫይ ከም ዘድሊ:-
✞ዘኁ 19:20

ብተወሳኺ ድማ ኩላትና ሕድሕድ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ደጋጊምና ነንብብ  እግዚአብሔር ኣምላኽና ጥበቡን ምስትውዓልን ይዓድለና ኣሜን🙏🙏🙏

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

19 Nov, 16:27


ቃል ኣምላክ ..tube pinned «ክርስቲያናዊ ብርተዐ ኣቡነ ሺኖዳ ( "Have you seen the one i love " ) ዝብል መፅሓፎም ....ዓለም ትፈልጦ ብርተዐ .. ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ብርታዐ መግለፂታት ኣለዎም ። ሓደ ሓደ ካብ መጠን ንላዕሊ ብሉሓት ፤ ካልኦት ብርትዖም ኣብ ፖሎቲካ እዩ ። ገሊኦም ጠንካራታት ገሊኦም ኣርሒቖም ዝሓስቡ ገሊኦም ጠንካራ ሰራሕተኛታት ፣ ጥንቁቃት እና ትጉሃን እዮም ። እዚኦም ኩሎም ናይ ዓለም…»

ቃል ኣምላክ ..tube

19 Nov, 16:24


ክርስቲያናዊ ብርተዐ

ኣቡነ ሺኖዳ ( "Have you seen the one i love " ) ዝብል መፅሓፎም
....ዓለም ትፈልጦ ብርተዐ .. ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ብርታዐ መግለፂታት ኣለዎም ። ሓደ ሓደ ካብ መጠን ንላዕሊ ብሉሓት ፤ ካልኦት ብርትዖም ኣብ ፖሎቲካ እዩ ። ገሊኦም ጠንካራታት ገሊኦም ኣርሒቖም ዝሓስቡ ገሊኦም ጠንካራ ሰራሕተኛታት ፣ ጥንቁቃት እና ትጉሃን እዮም ። እዚኦም ኩሎም ናይ ዓለም ሓይሊ ግንዛበታት (ርድኢታት) እዮም ።

እግዚአብሔር እዚኦም ዓይነታት ሓይሊታት ዝምልከቶም ከም ሓለፍቲን ዘይቅፅሉን  እዩ። እዚኦም ዝተፈላለዩ ናይ ዓለማዊ መግለፅታት እዮም ።

ንሕና ብፀሎት ብትሕትና ሓይሊ ክንዘጋጀው ይግበአና ። ነዚ ክንስዕረሎም ካብ ንክእል መንፈሳዊያን መሳርሕታት ሓደ እዮም እሞ ። ንሕና ምስ ፀላኢ ሰናይት ዲያብሎስ ኣብ እንገብሮም ግጭትን ጦርነታትን ሓይሊ ብርተዐና ምግላፅ የድልይ ።

ኣብዚ ጦርነት እዚ ኣብዝሓ ጊዜ ክንውድቅን ምልዓል ክኣብየና ይክእል እዩ ግን ብመንፈሳዊ ጥበብ ፈሓጠርጠር ምባል የድልይ እዩ ።

እግዚአብሔር ከምዚ ዝብል ፋሕጠርጠር ከም ምልዓል ስለ ዝቆፅሮ ከልዕለናን ከጠንክረናን እዩ።

ንሱ ሓገዝ ከም ዘድልየና ይፈልጥን ይርዳእን እዩ ንዑዑ እዩ ክሳብ ንሙክር ፀጥ ኢሉ ዝርእየና ።

ኣብዚ ታሪክ መስቀል ንርእዮ ነገር  ኣብ ስቅለት ጊዜ ፍያታዊ ዘፀጋም"ንስካ ጎይታ ተኾይንካ ባዕልካ ኣውርዲካ ኣውርደና" ኣብ ዝብሎ ጊዜ ንክርስቶስ ንሱ ብዲያብሎስ ወዲቁ እንትሽነፍን እንትማረክን ፊያታዊው ዘየማን ግን ከይወድቅ ፋሕጠርጠር ይብል ነበረ (ንሕናስ ብሓጢያትን እዚ ግን ንፁሁ እዩ)  ነዚ ነገር ክርስቶስ ምስ ሰመዐ (ንስካ ምሳይ ክትኾን ኢኻ በሎ) ።

ኣምላክ ኩሉ ጊዜ ናይና ፍቃድን ፋሕጠርጠርን ይደልይ እዩ። እዚ ምስ ገበርና እግዚአብሔር ዓብይይ ብርተዓ ይኾነና እዩ። ምሉእ ዓወት ድማ ንጎናፀፍ ኢና።

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

19 Nov, 13:04


👉ቅዱስ መፅሓፍ ነንብብ !

ምንባብ ምሉእ ሰብ ይገብር
ቅዱስ መፅሓፍ ምንባብ ድማ  ምሉእ ናይ ሰብ ትርጉም ክትርዳእ ይገብር !

ቅዱስ መፅሓፍ ምንባብ  ፍቅሪ እግዚአብሄርን ሕጊ እግዚአብሄርን ንከንፈልጥን ኣብ  እምነትና ሙሉእ ዓርሰ እምነት ንክህልወናን ይገብር ።
ከምቲ ኩሉ ዝሰማመዐሉ" መፃሕፍቲ  ምንባብ ምሉእ ሰብ ይገብር" ዝበሃል  መፅሓፍ ቅዱስ ምንባብ ድማ ሙሉእ ክርስቲያን ክንከውንን ፍቅሪ እግዚኣብሄር ክንፈልጥን ኣብ እምነትና ፁኑዓት ክንኸውንን መብራህቲ ናይ ሂወትና እዩ።

https://t.me/wengiel81 join

"ሰናይ ግዜ" 🙏

ቃል ኣምላክ ..tube

18 Nov, 10:03


#ወዲ_ሃብታም

"ኣብ ሓንቲ መንደር ብታህኺት ዝፍለጥ ሓደ ወዲ ሃብታም ነበረ ሓደ እዋን እንበኣር  ኣቡኡ ናብ ኻሊእ ሃገር ክገይሽ ስለ ዝደለየ ነቲ ወዱ ብዛዕባ እቲ ሃብቲ ፍልጠትን ኣበይ ከም ዝርከብን ነቲ ሃብቲ ነዋይ ብቐሊሉ ከመይ ከም ዝቆፃፀሮን እትሕብር  መፅሓፍ ፅሒፉ ይሓድገሉ እዚ ወዱ ግን ሁኩይ ነበረ እሞ ነቲ መፅሓፍ ግዜ ሂቡ ኣብ ክንዲ ምንባብ ንኻልኦት ሰባት ኣንቢብኹም ንገሩኒ በሎም ድሓር እቶም ነዛ መፅሓፍ ገሊፆም ዝረኣዩ ኹሎም ነቲ ፅሑፍ ምስ ረኣይዋ ልዕሊኦም ሃብታም ከይኸዉንን ኣይተድልዩንን ከይብሎም ፍታሕ እቲ ቃል እናጣመሙ ወትሩ ንዓዓቶም ጥራይ ክኽተል ከም ግዙእ ገበርዎ እቲ ኣቡኡ ዝሃቦ ፀጋ ድማ ኣረስዕዎ።"

👉ኣሕዋተይ እቲ ታሪክ ታሪክና እዩ መፅሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ተተሃኪና ንሕና እዉን ከምቲ ህኩይ ወዲ ሃብታማት ንዉሉድነት  ተመሪፅና ኣብ ባርነት ህይወት ከይንነብር።
#ሓሰዉቲ_ከታሉሉና_እዮም_መንገዲ_ድሕነት_ዘይንፈልጥ_ዱንዙዛት_ክንኸዉን_ኢና እቲ ፅሑፍ
---------------
“እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፣ ጸጋኦም ይሐድጉ።” ትንቢት ዮናስ 2፥8
------------
ይብል እዩ ሞ ፀጋና ከይንሓድግሲ ነቲ ቃል ሓቂ ዝሓዘ መፅሓፍ ቅዱስ ሓዲግና ናብቲ ህይወት ዘይርከቦ  ሓሶትን ዘይተፃረየ መፅሓፍትን ክነቕልብ ኣይግባእን።

#ክርስቲያናዊ_ህይወት
                        ኣሜን።

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

18 Nov, 03:42


🎚ቂምታ ማለት ንስኻ ስሚ ሰቲኻ ካልእ ሰብ ክሞተልካ ምጽባይ እዩ!

                          ሊቁ ኣውግስጢኖስ

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

17 Nov, 13:15


#ከይትረስዑ

ሰብ ብጭነቀት ዝርበሽ ብዘጋጥምዎ መንከራታት ዝሽነፍ ዝወድቕን ግብሪታት ሓይልን እግዚአብሔር ስለ ዝርስዕ እዩ።
#ከመይ?
ሓደ እዋን ጎይታ ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ዝኣኽሉ ቤተ ሰብ ብሓሙሽተ እንጀራ ኣፅጊቡ እዩ።
እቲ ካብ ፅጋብ ህዝቢ ዝተረፈ እንጀራ ድማ ንሃዋርያት ክእክብዎ ኣዚዝዎም እዩ  ዝኣዘዞም ምኽንያት ኩሉ ግብሩ ርእዮም ካብ ሐዚ ብምግቢ ዝተልዓልዓለ ምእንቲ ከይጭነቑ ነቲ ሓደ ግዜ ዝገበሮ ግብሩ እናዘከሩ ልቦም ብኡኡ ክቐስን ኢሉ እዩ።
ኮይኑ ግን ሃዋርያት ድሕሪ ዉሱናት ግዜያት እዚ ኹሉ ግብሪ ሓይሉን #ረስዑ ስለ ዝረስዑ ድማ ምግቢ ዘይብልና ዘይሓዝና ኢሎም ተጨነቑ።
ጎይታ ድማ በሎም ማቴ 16፥9: #ገናዶ_ኣይተስተውዕሉን_ኢኹም?_እቲ_ሓሙሽተ_እንጀራ_ንሓሙሽተ_ሽሕ_ሰብ_ኣኺሉስ_ክንደይ_መሶብ_ከም_ዘልዓልኩምዶ_ኣይትዝክሩን_ኢኹም?

👉ኣሕዋተይ ሎሚ እዉን ንሕና ከም ሃዋርያት ዝሓለፉ እግዚአብሔር ኣብ ህይወትና ዝገበረልና ግብርታቱ ዝረሳዕና ንመስል ኣብዚሕና ንጭነቕ ኣለና #ነቲ_ሕሉፍ_ዘሕለፈና_መንከራታት_ንዘክር_እሞ_ሎሚ_እዉን_ከም_ዘሕልፈና_ንእመን

ካብ ካንሰር ለሕወየካ ሓኪም ዶ ብ ሰዓል  ይጠራጠርዎ ዋ ንእመን

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

17 Nov, 03:31


✟ "ሰንበት ክርስቲያን ✟

         ትንቢት ኤርምያስ 17
          ¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
¹⁹ እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዚኣትውለንን ዚወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡
²⁰ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኩም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም።
²¹ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍስኹም ሐልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩ፡ ብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ፡
²² ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበት ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ።
²³ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ።
²⁴ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒ፡ ንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዐየኹም እንተ ቐደስኩምዋ፡
²⁵ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፡ ብሰረገላታትን በፍራስን፡ መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ኽትከውን እያ።
²⁶ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዚሐርርን ዚሕረድን ዚብላዕን መስዋእቲ፡ ዕጣንውን ሒዞም ኪመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም።
²⁷ ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ኪበልዖ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

16 Nov, 11:42


ተስፍይ ብቅድስት♥️ሥላሴ♥️
♥️ሥላሴ ሓይሊ
♥️ሥላሴ ፅንዒ
♥️ሥላሴ ህይወት
♥️ሥላሴ ፀግዒ
  ብስም ♥️ሥላሴ ተቀጥቀጠ ከይሲ
ኣምልክዮ ነብሰይ ንስሙ ቀድሲ👏♥️
            🌹ምስጋና ለአብ
            🌹ምስጋና ለወልድ
            🌹 ምስጋና ለመንፈስቅዱስ

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

16 Nov, 04:18


ቃል ኣምላክ ..tube pinned «😇 ንክድ ንዓኪ ዝገልፅ ልብኪ ዘፅግብ ፍፁም ሓጎስ ዝፈጥረልኪ ዘዕግብ ታይ ይኾን ህያበይ ሞት ዶ ይከውን በቃ ይገርመኒ  ታይ ከም ዝከውን ክኾን ከምቲ ትደልዮ ንስለ ሓጎስኪ  ንስኪ ካብ ትሓዝንለይ ክኾን ድላይኪ ፍቅሪ ምስ ሰላም ክከውን ናብራና ሕጊ ቤተክርስቲያን ይኩን ኣብ ልዕሌና ኣነ ዝፈልጦ ክርስቶሳዊ ፍቅሪ እዩ ሞ ብሓደ ንፀሊ ንህይወትና ከለምልሞ ምፅዋት ናገበርና ቃል ኣምላክ ተማሂርና…»

ቃል ኣምላክ ..tube

16 Nov, 03:39


#ቅድመ_ኹነት_መርዓ
ደጋፊትካ እንትመርፅ(ብፍላይ ብዓል ራእይ እንተዄንካ)፣ ከተስተውዕለሎም ዘለካ ብዙሓት ነጥብታት ኣለዉ። #ካብቶም_ነጥብታት፡-
🥀1) ናይ እምነት ሓድነት (ኣማኒ ምስ ኣማኒት) እምነቱ እናዕበየ ክኸይድ እንተኾይኑ፣ ምስ ኣማኒት ጓል ተመርዕዩ ምስ ፈጣሪና ክርስቶስ ሓደ መንፈስ ምዃን ኣማራጺ ዘይብሉን ግድንን እዩ።ኣብዚ ከነስተዕሎ ዘለና፣ ሓንትስ ብመሪሕነት ይኹን ደኣ እምበር ድሕረ ባይታ ናይ ደጋፊትካ ኣዝዩ ወሳኒ ኣይኮነን። ኩለን ዳግም ዝተወልዳ ኣመንቲ፡ ብክርስቶስ ምስ ኮና ሓድሽ ፍጥረት እየን።ኣብአን ኩነኔ የለን።

🥀2) ናይ ራእይ ሓድነት ደጋፊትካ ክትከውን ንእትመርጻ ኣብ ራኢኻ  ክትረኽባ ኣለካ። ከምቲ የሁ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ራእይ ከተግብር እናጎየየ እንከሎ እቲ ክድግፎ ዝተዋህቦ ዮናዳብ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ (2ነገ10፡15)፣ እታ ልባ ከምዚ ዝልብኻ ዝኾነት ሰበይቲ ኣብ መገድኻ ትጸንሓካ እያ።

🥀3) ናይ ጸጋ ሓድነት ፍጥረት ኩሉ ኣብ ሕቖ ኣዳም እዩ ተፈጢሩ። እግዝኣብሄር ንሄዋን ካብ ኣዳም ከውጽኣ ኸሎ ማእለያ ዘይብሉ ኣማራጺ ነይርዎ እዩ። ካልእ ከውጽእ እናኽኣለ ግናኸ ምርጭኡ
ሄዋን ኮይና።“ስለምንታይ ሄዋን፧” ንዝብል ሕቶ፣ ሄዋን እታ ንኣዳም እትበቅዕ ደጋፊት ስለ ዝነበረት፣ ሄዋን እቲ ንጎደሎ ኣዳም ዝድግፍ ጸጋ ኣብ ሄዋን ስለ ዝነበረ እዩ ክኸውን እቲ መልሱ። ስለዚ እቲ ንጎዶሎኻ ዝድግፍ ጸጋ ኣብ መን ከም ዘሎ ኣስተውዒልካ ነዚ ጉዳይ ክትኣትዎ ኣሎካ።

🥀4) ፍቕሪ ነዛ ክትመርጻ ደሊኻ ዘለኻ ጓል ኣብ ውሽጥኻ ክትረኽባ ጽቡቕ ነገር እዩ። ብዛዕብኣ ገለ ዝነድድ ነገር ኣብ ልብኻ እንተሎ እዚ ንባዕሉ ምርሒት እዩ። ኣድራሽኣ ኣብ ኣዒንትኻ ጥራይ እንተኾይኑ ግን ጸገም ክፍጠር ይኽእል እዩ። ከም ሰንደቕ ዕላማ ንግሆ ተሰቒላ ምሸት ክትወርድ ስለ
እትኽእል እያ (2ሳም13 1-17)።

🥀5) ውሽጣዊ ሰላም (ዕረፍቲ)
በዛ ትመርጻ ዘለኻ ጓል ዕሩፍ ዲኻ፧ ብእኣ ዝመጸ ዕጋበት ኣለካ’ዶ፧ ሰላምካ ምሉእ እንተድኣ ኮይኑ መብራህቲ ከም ዝተወልዓልካ ጌርካ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።

🥀6) ብስለት;ኣእምሮኣዊ ብስለትን መንፈሳዊ ብስለትን ዝተፈላለየን ዘይራኸብን ክልተ ዛዕባታት እዩ። ቀለም ጸጊባ ማለት ኣእምሮኣ ተሓዲሱ ማለት ኣይኮነን። ቀለም ጸጊባ ማለት ብእምነት ክንዲኸላእ ኮይና ማለት ኣይኮነን።መንፈሳዊ ብስለት ኣለዋ ንብላ ጓል፣ የማና ካብ ጸጋማ ትፈሊ፡ ንእ/ሄር ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህይወት መድረኻት ዝፈለጠቶ፡ ነቲ መንፈሳዊ ፍልጠት ናብ እምነት ምቕያር ዝተለማመደት፡ ንፈጣሪ ቀረባ ዝኾነ ህይወት ዘለዋ፡ ሕልፍኝኣ ትናፍቕ... ሰብ እያ። ከምዚ ዝኣመሰለት ሰብ ንምሕረት ኣምላኽ ናብ ኩሉ ኩነታታ እናእተወት፣ ብምሕረት ኣምላኽ ኣብ ህይወትን ኣብ ናብራን ጸብለል ዝበለት ስለ ዝኾነት፣ መጻምድትኻ ንኽትከውን ዘየመኒ ኣይኮነን።

🥀7) ፍረ መንፈስ ኣምላኻዊ ባህሪ መግለጺ
መንፈሳዊ ጥዕናን መርኣያ ኣምላኻዊ ህይወትን እዩ። ናይ ምሕረት ህይወት ዘለዋ ጓል፣ ምስ ትብድላ፣ እቲ ኣብ ህይወታ ዘሎ ሓይሊ ምሕረት ኣባኻ ይዓዪ እዩ። ይኣኽለኒ ብሃሊት እንተኾይና ነቲ ዝቐረብካላ ኣመስጊና ኣብ ምዓላ ከተውዕሎ እያ። ህድእቲ እንተኾይና ልዝብ ኢላ ሓሳባታ ከተካፍለካን ክትረዳድኣካን እያ። ስለዚ ፍረ መንፈስ ሓደ ካብቲ ብሉጽ መምዘንታት እዩ። ኩሉ ዝምድናታት ግድን በዘን ሸውዓተ መለክዒታት ክሓልፍ ኣለዎ ማለት ኣይኮንን።እምብኣርከስ ሓደ ክምርዖ ዝደሊ ሰብ፣ ቅድሚ ደጋፊት ምምራጹ ክፈልጦም ዘለዎ መባእታውያን ነጥብታት፣ በዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ተመሪሑ ናብ ዕረፍቲ እንተኣተወ ጽቡቕ
ይመስለኒ። ✍️...D/Goitom Gebretsadkan🙏🥰

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

15 Nov, 18:05


😇 ንክድ

ንዓኪ ዝገልፅ ልብኪ ዘፅግብ
ፍፁም ሓጎስ ዝፈጥረልኪ ዘዕግብ
ታይ ይኾን ህያበይ ሞት ዶ ይከውን
በቃ ይገርመኒ  ታይ ከም ዝከውን

ክኾን ከምቲ ትደልዮ ንስለ ሓጎስኪ 
ንስኪ ካብ ትሓዝንለይ ክኾን ድላይኪ
ፍቅሪ ምስ ሰላም ክከውን ናብራና
ሕጊ ቤተክርስቲያን ይኩን ኣብ ልዕሌና

ኣነ ዝፈልጦ ክርስቶሳዊ ፍቅሪ እዩ ሞ
ብሓደ ንፀሊ ንህይወትና ከለምልሞ
ምፅዋት ናገበርና ቃል ኣምላክ ተማሂርና
ቅዳሴ ማህሌት ብሓደ ኩሉ ጊዜ ናአተና

ንሕና ምስ ክርስቶስ ንሱ ውን ኣባና
ብምኻን ፍፁም ክንሕጎስ ኹለና
ንክድ ንማከር ምስ ንስሃ ኣቦና
ኣብ ምድሪ ንጀምሮ ሰማያዊ ጉዕዞና

ሞት ምስ መፀአ ፍቅርና ምስ ፀነዐ
ኣነን ንስክን ፍርድና ምስ ቀነዐ
ንዑ ዞም ደቀይ መንግስተይ ውረሱ
ብሰማይ ህይወትኩም ፍፁም ተሓጎሱ

ኢሉ ናብ መንግስት ብክብሪ ከእትወና
ብዝሙት ዘይኾነስ ብተክሊል ንግበር ሓዳርና
ብዓለም ዘይኾነስ ይጀመር ቅዱስ ጉዕዞና
ሕጉን ፍቅሩን ይንብር ብፅኑዑ ኣብ ልዕሌና

ነዚ ኩሉ ምስ ገበርና ክሰምር እዩ ሓዳርና
ብሰማይ ብምድሪ ዕውታት ክንከውን ኢና
በሊ ንክድ ንቤተክስቲያን ናብ ኣቦና
ሀዚ ክንልምኖ ክሳካዕ ሕልምና (2)

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

15 Nov, 11:11


+++ #ትርጉም_ኣስማት +++

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ።

1 ሆሴዕ ,,,, እግዚኣቢሄር መድሃኒ
2 ሃና ,,,,, ጽጋ
3 ሄዋን,,.,,, ኣደ ኩሎም ሂያዋን
4 ሕዝኤል - እግዚኣቢሄር ሃይሊ ይህብ
5 ሕዝቅያስ - እግዚኣቢሄር ሃያል ኢዩ
6 መልከጸዲቅ - ናይ ጽድቂ ንጉስ
7 ምልክያስ - ልኡክ
8 ምክያስ - ከም እግዚኣቢሄር ዝበለ መን ኣሎ
9 ምናሴ - መረስዒ ሓዘን
10 ሳራ - ልዕልቲ
11 ሩሐማ - ምሕረት
12 ሮቤል- ወዲ እንሃለ
13 ሰሎሞን - ንጉስ ሰላም
14 ሳሙኤል- እግዚኣቢሄር ኣብ ግዜ ሽግረይ ሰምዓኒ
15 ሳኦል - ካብ እግዚኣቢሂር ዝተለመነ
16 ሴዴቅያስ- ናይ እግዚኣቢሄር ጻርቅ
17 ሶፋንያ- እግዚኣቢሄር የድህን ኢዩ
18 ቃዴስ - ቅዱስ
19 በርተለሜዎስ- ናይ ተለሜዎስ ቆልዓ
20 ብንያስ- እግዚኣቢሄር ኣድሓነኒ
21 ባሮክ,,,,, ቡሩክ
22 ቤተሊሄም,,,,,,ቤተ እንጀራ
23 ቤተኤል ቤት እግዚኣቢሄር
24 ብንያም ,,,,,,, ወዲ የማነይቲ ኢደይ
25 ቶማስ ,,,,,፡ ማንታ
26 ናሆም,, መጻናንዒ
27 ናታን ,,,,,,እግዚኣቢሀር ሃበ
28 ንፍታሌም ,,,,,,,፡ ተጋዳላይ (ተቃላሳይ)
29 ኣልኣዛር ,,,,,,,,,, እግዚኣቢሄር ረድኣኒ
30 ኣማኒኤል ,,,,,, እግዚኣቢሄር ምሳና ኢዩ
31 ኣርኤል እግዚኣቢሄር ብርሃነይ ኢዩ
32 ኣሴር ሕጉስቲ
33 ኣስተር ኮኮብ
34 ኣብረሃም ኣቦ ብዙሓት
35 ኣቤሴሎም ኣቦይ ሰለማዊ ኢዩ
36 ኣቡ ኣቦ
37 ኣብዱየ ናይ እግዚኣቢሄር ኣገልጋሊ
38 አቢያ እግዚኣቢሄር ሓወይ ኢዩ
39 ኢሳያስ እግዚኣቢሄር መድሓኒ ኢዩ
40 ኣቤኔዘር እግዚኣቢሄር ረዳእየይ
41 ኢዩኤል እግዚኣቢሄር ኣምላክ ኢዩ
42 ኢያሱ እግዚኣ ኢሄር መድሓኒ ኢዩ
43 ኢይዝራኤል እግዚኣቢሄር ይዘርእ ኢዩ
44 ኢዪሣፍጥ እግዚኣቢሄር ፈራዲ ኢዩ
45 ኢዩራም እግዚኣቢሄር ልዕል ልዕል በለ
46 ኢዩርብም - ህዝቢ እግዚኣቢሄር እንዳ በዝሐ ከደ
47 ኢዮስያስ- እግዚኣቢሄር ደጋፊየይ ኢዩ
48 ኢዮኣስ - እግዚኣቢሄር ሃበ
49 ኢያቆም- እግዚኣቢሄር ኣቆመኒ
50 ኢዮአብ-እግዚእቢሄር ኣቦይ ኢዩ
51 ኢዮአታም- እግዚእቢሄር ፍጹም ኢዩ
52 ኢዮአካዝ - እግዚእቢሄር ይሕዝ ኢዩ
53 ኣልኣዛር - እግዚእቢሄር ረዳእየይ ኢዩ
54 ኤልሳዕ - እግዚእቢሄር መድሕነይ ኢዩ
56 ኤርምያስ- እግዚእቢሄር ልዕል ልዕል የብል ኢዩ
57 እስማኤል- እግዚእቢሄር ይሰምዕ ኢዩ
58 ኬልቅያስ - ናይ ዕድል መንገድይ እግዚእቢሄር ኢዩ
59 ኤድን- ደስታ
60 ኬብሮን- ሕብረት
61 ዘካርያስ- እግዚእቢሄር ይዝክር ኢዩ
62 ይሳኮር- ዋጋይ
63 ይዲድያ-ብእግዚእቢሄር ተፈተወ
64 ዮሓናን - እግዚእቢሄር ወሃቢ ጸጋ ኢዩ
65 ዮናስ - ርግቢ (ሎዋህ)
66 ዮናታል- እግዚኣቢሄር ሃበ
67 ዮአኪን-እግዚእቢሄር መጽንዒ ኢዩ
68 የካብድ - እግዚኣቢሄር ኩቡር ኢዩ
69 ዮዳሄ - እግዚኣቢሄር ይፈልጥ
70 ዮፍታሔ -እግዚእቢሄር ከፋቲ ጸጋ ኢዩ
71 ጋድ- መልካም ዕድል
72 ጎዶልያስ - እግዚእቢሄር ዓቢ ኢዩ።

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

15 Nov, 03:25


''ሄሮዶስ ምስ ሞተ፡ እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ እቶም ህይወት ነዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።'' ማቴዎስ 2: 20።

     እንኳዕ ናብ መፈፀምታ ማህሌተ ፅጌ ብሰላም ኣብጸሐና 🙏🙏🙏

https://t.me/wengiel81

ቃል ኣምላክ ..tube

14 Nov, 12:53


❤️  #ትርጉም_ሥዕሊ_ሥላሴ  ❤️
ብዙሕ ጊዜ ናይ ሥላሴ ስእሊ ብሰለስተ ሽማግለታት ተሳኢሉ ይረአ። ግን ልምንታይ ብኣምሳል ሽማግለ ይሰኣሉ? ኣብቲ ሥእሊ ዙርያ ለለዉ ነገራትኸ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ድዮም?
፩) #ሽማግለታት:- ልሥላሴ ጻዕዳ ስይበት ብለለዎም ሽማግለታት ምሳሌ ልሰኣለሉ ምክንያት:- እግዚአብሔር ንነቢዩ ዳንኤል መልክዕ ሽማግለ ስለዝተገለፀሉ እዩ። «እቲ #በዘመናት_ልሸምገለ ተቐመጠ፤ ኽዳውንቱ ከም በረድ ጻዕዳ፥ ፀጕሪ ርእሱ ድማ ከም ፅቡቕ #ጡጥ፣ ዙፋኑ እውን ከም ሓዊ ነበልባል ነበረ» (ዳን 7:9) ብአምሳለ አረጋዊ ዝተገለፀሉን ዝሰኣለሉን ምክንያት ድማ ብዘመነት ዝሸምገለ ምዃኑ (ናይ ዕድመ በዓል ቤት ምዃኑ) ንምግላፅን፣ ዘመናት እንትሓልፉ ዘይሓልፍ አምላኽ ምዃኑን ንምግላፅ ዝተስኣለ እዩ። (ዳን 7:13 ፣ 7:22)

፪) #ወንበርን_ኽዳንን:- ኣብ ሥእለ ሥላሴ ካብ እንሪኦም ነገራት ካሊእ ድማ ሰለስቲኦም ኣብ ዙፋን ተቐሚጦም ምስኣሎም እንትኸውን፣ እዚ ድማ ሥላሴ ናይ ዓለም ጎይታን ገዛእን ምዃኑ፣ ኹሉ ዝሰግደሉን ዘምልኾን ከምዝኾነ እንትገልፅ፣ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እንተይኮነስ ንጎኒ ብማዕረ ምቕማጦም ድማ፣ ሰለስተ አካላት ብሥልጣንን ብአምላኽነት ሓደ አምላክ እምበር 3 አማልኽቲ ከምዘይኮኑ የረድእ። «ኣነን ኣቦን #ሓደ ኢና» (ዮሐ10:30) ከምዝብል። እቲ ልለብስዎ ኽዳን ድማ ነንበይኑ እንተይኮነስ ሓደ ልኾነ ልሰለስቲኦም ልተተሓሓዘ ይኸውን። እዚ እውን ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ነናይ ባዕሎም ልኾነ ሥልጣንን መለኮትን ከምዘይብሎም፣ ሓንቲ መለኮት ሓንቲ ሥልጣን ከምዘለዎም የረድእ። «አሐዱ አምላክ፣ አሐቲ መንግስት ወአሐቲ ሥልጣን ወአሐቲ ምኲናን» ከምዝበለ አባ ሕርያቆስ [ቅዳሴ ማርያም]። ንዓለም ኣብ ኢዶም ምሓዞም ድማ ንዓለም ዝፈጠረን ዝገዝእን ሥላሴ ምዃኑ ብግልፂ ይናገር።

፫) #ሰማይን_ኪሩቤልን:- ካሊእ ኣብ ሥዕለ ሥላሴ እንሪኦ ድማ ሰማይን ደመናትን እንትኸውን፣ እዚ ድማ ሥላሴ ሰማያዊ አምላኽ ምዃኑ ንምግላፅ እዩ። «ኣብ #ሰማይ ትነብር ኣቦና» ከምዝተብሃለ (ማቴ 6:9) ኣብ ዙርያ ቅድስት ሥላሴ ድማ 6 ክንፊ ዘለዎም አርባዕተ እንስሳት (ሰብ፣ አንበሳ፣ ብዕራይ፣ ንስሪ ዝመስሉ) አለዉ። እዚኣቶም እንስሳት እንተይኮኑስ ብመልክዕ እንስሳት ዝግለፁ፣ ፬ቱ እንስሳት እናተብሃሉ ዝፅውዑ #ኪሩቤል ዝበሃሉ ቅዱሳን መላእክቲ እዮም። «ምስሊ ገጾም ገጽ #ሰብ ይመስል፣ ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ #ኣንበሳ፣ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ #ብዕራይ፣ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ #ንስሪ ነበሮም » (ሕዝ 1:10) ኪሩቤል ድማ ናይ ሥላሴ መንበር ዝሽከሙ ኽቡራን መላእክቲ እዮም።  «እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ኣህዛብ ይርዐዱ፣ ኣብ #ልዕሊ_ኪሩቤል_ተቐሚጡ፣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ» (መዝ 99:1፣ 80:1፣ 18:10)

ስለዙይ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ነቲ ብሕሊና ሰብ ይኹን ብአዕምሮ መላእኽቲ ክምርመር ዘይኽእል ሥላሴ፣ ንሕና ክንርድኦ ብንኽእሎ መንገዲ፣ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ብዝኾነ መልክዑ፣ ኣብ አዕምሮ ክቕረፁ ብዝኽእሉ ሥእላትን ትምህር። እንኳዕ ናብ ኣምላኽና ሥላሴ በዓል አብፀሐና። ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ዕድለኝነት እዩ!

https://t.me/wengiel81