ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

@dmenkr


ወደየ ኣብ ክርስትናኻ ክትዓቢ እንተደሊኻ ገዛእ ርእስኻ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍት ኣዛምድ።
ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ኣነ ከም ግብሪ ሓይሉ ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ወንጌል ኮንኩ!! {ኤፌ 3፡7}

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

25 Sep, 22:51


ሰላምኩም ብክርስቶስ ይብዛኅ ፍቁራት!

መጽሓፍ "ኣቦታትካ ፍለጥ" ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ካምፓላ፡ ኢትዮጵያ ዘለኹም በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ክትረኽብዋ ይከኣል እዩ።
ዓዲ እንግሊዝ +447309 053653 ሊድያ
ጀርመን= +4917681287822 (ዓወት)
ካምፓላ= +256753051655 (ፍናን)
ኢትዮጵያ= +251925318472 (ዳዊት)

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

08 Jul, 05:08


https://www.facebook.com/share/p/g9RZ5JUMP27ZFruK/?mibextid=qi2Omg

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

01 Jul, 22:52


👉 ካምፓላ

ንዑ ! ምስቶም መንገዲ ዘጣጥሑልና ንላለ

ሊቁ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንሓዋርያነ ኣበው( Apostolic Father) ነቲ ንሳቶም ዝሓለፍዎ ሕይወትን ንሳቶም ዝተጋደልዎ ገድልን ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ኢሉ ነይሩ
"ተላውያነ ሓዋርያት ንስኻትኩም ከም ሓደ መንገዲ እንዳ ኣለሸ ኣብ ጫካ ክምዝጓዓዝ ኢኹም ፣ ንሕና ግን ብኣኻትኩም ኣብ ዝተጸርገ ኣብ ዝጣጠሐ መንግዲ ከምዝጓዓዝ ኢና" ኢሉ ውዕልቶም ገሊጹ ነየሩ ።

ናይ ኣበው ህይወት ማለት ተግባራዊ ወንጌል ማለት እዩ ( Practical Gospel) ::

ንዑ ምስ ኣበው ንላለ ክንብል እንከለና ፣ ምስቲ ቃል ሓቂ ዝኾነ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ፣ ንዑ ብተግባር ንርኣዮ ፣ ንመሓሮ፣ ነስተንትኖ ፣ ንንበሮ ኢና ንብል ዘለና ።

እሞ'ኸ ደኣ ናይ ጥንታውያን ኣበው ብሂላት፣ መጽሕፍቲ፣ ድርሳናት ፣ ምጉት፣ ኣስተምህሮ፣ ህይወት፣ ፍልስፍና፣ ስነ ልቦናን ዝሓቖፋ ኣዝየን ኣገደስቲ መጽሓፍቲ ቀሪበናልና ኣለዋ ።

ኣብ 21ክ/ዘ ነዘሎ ወለዶ ምስቶም ክሳብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦትታ ኣላልያ፣ ኣብታ ናይ ክርስቶስ መርከብ ኣሳፊራ፣ ናይ ዘመናት ርሕቀት ኣቀራሪባ፣ ትማልን ሎምን ኣዋሃሂዳ፣ ኣዕምሮ ኣርቂቃ፣ ሕልና ኣቕጢና፣ መንፈሳውነት ኣበሪኻ ናይ ኣበው ሕይወትን ኣስተምህሮን ብዕምቆት ኣረዲኣ ክርስቶስ ዝመስል ሕይወት ንኽንውንን እትሕግዝ መጽሓፍ እያ ።

[ ጽባሕ ሰንበት ሰዓት 2፥00 ድ/ቅ ኣብ ቡንጋ ሼል ሄራን ካፈ]

ኩላትኩም ዕዱማት ኢኹም ።

ደራስን ተርጓምን ፦ መም. መንክር መዓሾ

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

25 Jun, 20:27


ሓፍተይ ንዒ ተመለሲ

ትማሊ ነይርኪ ኢኺ መንፈሳዊት ሰብ
ወትሩ ንኣምላኻ ኣብ ኩሉ ትሓስብ
ናብ ቤት ኣምላኽ እናተመላለስኪ
መንፈሳዊ ጉባኤ ውን ትሳተፊ ኔርኪ

ፍትውቲ ነበርኪ ኣብነት መሓዙትኪ
ብዙሓት ንመንፈሳውነት ክብህጋ ውን ጌርኪ
ኩሉ ኣዘራርባኺ ኣለባብሳኺ ሚዛኑ ዝሓለወ
ብምንባሩ ውን ብዙሓት ጸለወ

ትሕትናኺ ንሰብ ዝነበረኪ ክብሪ
ምስ ጾምን ጸሎትን ውን ዝነበረኪ ፍቅሪ
ስልምቲ ኢኺ ኔርኪ ብውሽጣዊ ጽባቐ
ነዚ ሪኡ ካብ ደቂ ማሕበርኪ እሞ መን ዘየድነቐ

ሕጂ ደኣ ናበይ ኣበለ
ትኹሉ መንፈሳውነት ምሳኺ ዘየለ
ናብ ቤት ኣምላኽ ምኻድ ገዲፍክዮ
ንዓለም መሲልኪ ጽባቀኺ ደዊንክዮ

ከምዚ ዲኺ ንክርስቶስ ተማሂርክዮ
ጀሚርካ ምቁራጽ ንመንፈሳዊ ዕዮ
ሓፍተይ ናተይ ንዒ ተመለሲ ናብቲ ጽባቀኺ
ንዒ ተመለሲ ናብ ቤት ፈጣሪኺ

ዓለም ምስ ፍትወታ ሓላፊ ኢዩ ኩሉ
ፍቃድ ኣምላኽ ምፍጻም ግን ይበልጽ ካብ ኩሉ።

✍️ድያቆን ሳሙኤል 25/06/2024

Share, Follow ኣይትረስዑ
👇👇👇👇👇👇👇👇👇
https://www.facebook.com/fnan.measho.5?mibextid=ZbWKwL

👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/Dmenkr

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

18 Jun, 21:32


ሕቶታት ሕተት፣ መልሲ ከኣ ኣናዲ!

👉ሕቶታት _ ኣዝዮም _ክቡራት _ ነገራት _ እዮም _ ምኽንያቱ ንኽትማሃርን ትምህርቲ ንኽትቅጽልን እቶም ዝበለጹ መገዲ ስለ ዝኾኑ። ሕቶ ምሕታት ማለት ኣእሙሮኻ ጠምዩ ኣሎ ማለት እዩ። ከምቲ ኣካላትና ንኽዓቢ መግቢ ዘድልዮ፣ ነቲ ጠምዩ ዘሎ ኣእሙሮኻ፡ መልሲ ምንዳይ ከኣ ኣኣሙሮና ንኽዓቢ ይሕግዘና። ሓቀኛ ፍልጠት፡ ኣእሙሮና ንኽበስልን ንኽዕንብብን መግቢ እዩ።

👉 ሕቶታት ኵሉ ግዜ ኣበራታዕቲ እዮም፡ እንተድኣ ሓቀኛ ፍልጠት ንምርካብ ዝዓለሙ ኮይኖም፣ ንምጽራርን ንኽትዕን ንራእዩለይን ተዘይኮይኖም ማለት እዩ። እንተድኣ ንስኻ ክትሓትት እምበር ክምለሰልካ ዘይትደሊ ዄይንካ፣ ናይ ብሓቒ ቅኑዕ ሓታቲ ኣይኮንካን ማለት ኢዩ። ሕቶ ኣብ ትሓተሉ ግዜ፣ ብዘይ ውልውል፥ “መልሲ ይደሊ ኣለኹ" ከትብል ኣለካ።

👆እቶም መልሲ ክምለሰሎም ዘይደልዩ ከለዉ ስቕ ኢሎም ሕቶ ዝሓቱ፣ ልክዕ ምስቶም ካብ መግቢ ጥምየት ዝመርጹ፡ ዝመሳሰሉ እዮም፡፡ ሕቶ ክንሓትት ከለና፣ ኣምላኽ፣ ከርስቲያንነት ከምኡ ውን ቅዱስ መጽሓፍ ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ፣ ከምኡ ውን ካብቶም መልስታት ኣዝዮም ዝበዝሑ ሕቶታት ከም ዘለዉ ውን ከንእመን ኣለና።

✍️ መንክር መዓሾ 15/06/2024
ምንጪ- መጽሓፍ ግዜ ዘይስዕሮ ሓቂ

ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ!
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/Dmenkr

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

30 May, 08:56


"ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃኤል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ" (1ይ ዮሓ,3፥12)

ሓዘን እንክብሃል ይፋላለ እዩ። ሞት ክበሃል 'ውን ይፋላለ እዩ ።ሞት ዘይተርፍ እኳ እንተኮነ ብሓውካ ተቀቲልካ እንተኮይኑ ግና ምርር ይብል እዩ ።ከመይስ "ነቲ ዝተቀተለ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብህይወቱ እንከሎ ዝሞተ ዉሉድኻ 'ውን ስለ ትሓዝነሉ።

ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዘጋጠመ ሓዘን ከምዚ እዩ ዝነበረ። ቃኤል ንሓዉ ኣቤል ቀቲልዎ። ነቲ ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ወዲ ኣቦኡ ቀቲልዎ። እዞም ኣቦን ኣደን ሓዘኖም መሪር እዩ። ምክንያቱስ " እቲ ብህይወቱ ከሎ ዝሞተ ወዶም እዩ፡ እቲ ንጹሕ ተቀታሊ'ውን ወዶም እዩ።

ቃኤል ንኣቤል ንምንታይ እዩ ዝቀተሎ ኢልና እንተሓቲትና ቅዱስ ዮሓንስ "ግብሩ እኩይ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ" ኢሉ ይምልሰልና። ደጊምና ንንበባ "ግብሩ እኩይ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ሰለዝነበረ ንሓዉ ቀተሎ" እዩ ዝብለና ዘሎ።

ሰባት ግብሮም ክፉእ ኮይኑ ሓንሳብ ኣብ ገበን እንተተማራሲሖም ኩሉ ጊዜ እሱራትን ባሮትን እዮም ።ሕልና ፡ሓሳብ ዝበሃል የብሎሙን። እግዚኣብሔር ነቲ ሕልና ቀቲሉ ንሓዉ ዝቀተለ ቃኤል ከምዚ ኢልዎ ኔሩ፦

"ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ ፧ እቲ ዘሕዝን ናይ ቃኤል መልሲ "ኣይፈለጥኩን ኣነ'ዶ ሓላዊ ሓወይ እየ" ዝብል እዩ ዝነበረ ።ቀቲልዎ መጺኡ ከብቅዕ ኣነ 'ዶ ሓላዊ ሓወይ እየ በለ። ሎሚ ኣጋጢሙና ዘሎ ነገር 'ውን እንበኣር "ቃኤላዊ ውድቀት እዩ"። በቲ ሰናይ ግብሪ ናይ ሓውኻ ቀኒእካ ሓውካ ምጥፋእ ማለት እዩ ።ምስ ቀተልካዮ ሓውካ ኣበይ ኣሎ ምስ ተበሃልካ ድማ " ሓወይ ኣይኮነን "ኢልካ ኢኻ ትምልስ። ቃኤል ንእግዚኣብሔር ዝመለሶ መልሲ " ኣይፈልጥን "እዩ ዝነበረ። ካባኻስ ቃኤል የሓይሽ "ከመይስ ንስኻ ኣይፈልጥን ኣነ 'ዶ ሓላዊ ሓወይ እየ ኣይኮንካን ኢልካ። እንታይ ድኣ " ሓወይ ኣይኮነን" ኢልካ ኢኻ ኪሒድካ ።

ቃኤል ነቲ ንጹሕ ሓዉ ስለዝቀተለ ኮብላልን መቅባሕባሕን ኮነ ።ካብዚ ሓሊፉ'ውን ናይ ሓጢኣት መንገዲ ብወለዶ ናይ ቃኤል በርቲዑ ቀጸለ። ኣብ ሻውዓይ ወለዶኡ ድማ "ማይ ኣይሂ ናብ መሬት ክሳብ ዝመጽእ ድማ ንሓጢኣት ምልኣት ሃብዋ "ይብለና። ኣቱም ሰባት ናትና ጉዳይስ "እቲ ዓመጸኛ ነቲ ቅኑዕ እናጥፍአ ይነብር ኣሎ"።ሓጢኣት ድማ ምልኣት እናረኸበት ትኸይድ ኣላ። ብቀደሙስ ካብቶም ኣብ ፍጻሜ ዓለም ዝመጽኡ ሸውዓተ ኣቅርንቲ ሰይጣን ሓደ "ቅትለተ ኣቤል"ሓው ንሓው ምቅታል 'ዶ ኣይኮነን ዝበሃል።

ነስተውዕል " እቲ ንሓዉ ኣቤል "ዝቀተለ " ቃኤል "ኮብላልን መቅባሕባሕን እዩ ዝኾነ ።ናይ ሓጢኣት መራሒ እዩ ዝኾነ። ስለዚ ካብዞም ሎሚ "ንሓዎም ብምቅታል" ቃኤላት ዝኾኑ ኣሕዋትና'ውን ክንጥንቀቅ ይግበኣና እዩ። ከመይስ ቃኤል ዝመስረቶ ኮብላልነት እዩ ኣብ ሻውዓይ ወለዶኡ ንደቂ ሴት ለኪሙ ዝጠፍአ። ሎሚ'ውን እቲ ቃኤል ዝጀመሮ ጥፍኣት ንኩልና ከይልክመና ንጠንቀቅ ።

ቃኤል ንሓዉ ስለምታይ ቀቲልዎ ኢልና እንተ ሓቲትና "ግብሩ ክፉእ ግብሩ ሓዉ ግና ሰናይ ከም ዝኾነ ሪኡ"። ሎሚ እዞም ቀተልቲ ሓዎም ዝኾኑ ቃኤላት ንምንታይ ነቶም " ቅኑዕ ግብሪ ዘለዎም ኣሕዋቶም ቀተልዎም "፧ ንሳቶም ክፉኣት ኣሕዋቶም ድማ ገበርቲ ሰናይ ስለ ዝኾኑ እዮም።

ነዚ ንሪኦ ዘሎና ልቢ ዝሰብር መሪር ሓዘን ንስድራ ቤትን ንኩሉ ብልቡ ዝሓዘነን ጽንዓት የሃብ ። ነዞም ኣብ ንእስነቶም ዝሓለፉ " ኣሕዋትና "ድማ " መንግስተ ሰማያት የሃቦም። ከምቲ ሰናይ ግብሪ ኣቤል ክሳብ ሕጂ ንማሃረሉ ዘሎና ድማ "ሰናይ ግብሩ " ንመጻኢ ወለዶ መምሃሪ ይኹን ።

ኩሉ ጊዜ ኮፍ ኢልና ሓሳብ ንሓሳብ ክንዋሃሃብ ክንጅምር እዩ ዝግባእ። እዚ ክብል ከለኹ ግና "ቃኤል ንሓዉ ከም ፈታዊ እዩ በረኻ ወሲዱ ዝቀተሎ 'ሞ "። እቲ ንዛራረበሉን ሓሳብ ንዋሃሃበሉን ቦታን ጊዜን ኣብ ምምራጽ በላሕቲ ንኹን ።መጽሓፍ ቅዱስ'ውን " ጎራሓት ከም ተመን የዋሃት ከም ርግቢ ንኹን "እዩ ዝብለና ።" ንኣቤል የዋህነቱን ንጽሕናኡን ብሓዉ ኣቅተሎ ።ንዓና 'ውን "ሓውና ከይቀትለና ፡ተመን ኮይኑ ከይነክሰና መታን " ጎራሓት ከም ተመን የዋሃት ከም ርግቢ ንኹን።

✍️ ቀሲስ ኣንገሶም ቀሺ ኣለም

ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ!
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/Dmenkr

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

19 May, 22:35


https://youtu.be/AEMiwDWLudE?si=F4rgVOjbg9DlmzBD

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

03 May, 11:35


https://youtu.be/1WWRSYE2Z8w?si=JQLG0gX7YrWXa2is

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

03 May, 11:30


https://youtu.be/5-5ldBnR0mI?si=tW2Ny9Rc8fjMTtFR

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

02 May, 08:36


https://youtu.be/1WWRSYE2Z8w?si=e1OH_PQrjB4EsWXh

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

29 Apr, 15:10


https://youtu.be/B1ZR9Wxl014?si=194vjL9B9WUblgDL

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

20 Apr, 13:13


https://youtu.be/gUzIy_e5BfM?si=Z80uwPZDZGeEHZ1X

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

08 Apr, 16:07


https://youtu.be/sYWIpGSO__I?si=c5UClNj74YgAneCH

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

05 Mar, 21:44


ብሰፊሑ ምስ ዝነበረ መደባት ክሳዕ ነቕርበልኩም ገለ ትማሊ ኣብ ካብ ዝነበረ 👇👇👇ነዘን መጽሓፍ ብብዝሒ ኮነ ብንጽል እትደልዩ በዚ ቁጽሪ ክትረኽቡና ይከኣል እዩ! +251962247287 or +251925318472