ሓደ ድኻ ሰብ ናብ ሓደ ገዳም ከይዱ ኣብቲ ገዳም ዝረኸቦ መነኮስ፦ #ኣቦና ንምንታይ ድኻ ኮይነ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሶ ከኣ “እትህቦ ብዙሕ ኣለካ እኮ ግን ኣይፈለጥካዮን፧ ኢሎ ብሕቶ መለስሉ። እቲ ድኻ፦ “ዝህቦ ምንም ነገር የብለይን በሎም። እቶም ኣቦ ውን ከምዚ በልዎ፦ ካብ ማንም ዘይንእስ እትህቦ ብዙሕ ነገር ኣለካ ተመልከት፦
● ገጽካ፦ ይስሕቕ፡ ይሕጎስ፡ ንሕዙናት ፍሸኽታኻ የካፍሎም!
● ልሳንካ፦ ጥዑማት ቃላት ትዛረበሉ፡ ተመስግነሉ፡ ሰባት ተበረትዓሉ፡ ትመኽረሉ፡ ተጸናንዓሉ!
● ልብኻ፦ ንቕንዕና፡ ንሓቂ፡ ንትሕትና ክፉት እዩ፡፡
● ዓይንኻ፦ ንዝተጎሳቐሉን ሸጉራትን ብፍቕርን ቅንዕናን ትምልከት! ብሓዘን ንዝተዋሕጠ ንብዓት ትህብ!
● ኣእዳውካ፦ ንድኹማት ይሕግዛ፡፡
#ተመልከት ነዚ ኵሉ እዚ ክትህብ ካብ ከኣልካ ንስኻ ድኻ ኣይኮንካን!"
"ኣብ'ዚ ዓለም ካብ ዘይብሎም ሰባት ንላዕሊ ዘለዎም ዘይፈለጡ ሰባት ይበዝሑ" እቲ ዘለና እንተ ዘይፈሊጥና እምበኣር ድኻታት ኢና።
መም. መንክር መዓሾ 17/01/2025
✍ ካብ መጽሓፍ ፍትወይ ዝተወሰደ
ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/Dmenkr