来自 ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን (@abotatna) 的最新 Telegram 贴文

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን Telegram 帖子

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን
‌‌
""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ"
—>>> [ዮሐ1:14]
☞ ሕቶን መልስን
☞ንመናፍቓን መልሲ
☞ናይ መዝሙር ግጥምታት
☞ ናይ ቤተክርስቲያን ወቅታዊ ዜናታት
☞ ናይ ግዕዝ ትምህርትን ዝ/ዪ ስነ ፅሑፍትን
ንዝኮነ ዓይነት ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ሕቶ
👉 "ሰናይ ግዜ" 🙏
☞ ንዘለኹም ርኢቶ @Orthodoxy_Father ለኣኹልና
2,093 订阅者
136 张照片
10 个视频
最后更新于 11.03.2025 07:52

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን 在 Telegram 上分享的最新内容

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

17 Jan, 03:33

996

ኣይትዓሹ መዋቲት ስጋ፡ ነባሪት ነፍሲ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ፡ ስለዚ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቅትለት፡ ጓይላ፡ ስኽራን፡ ሻራ፡ ቅንኢ ፡ ቁጥዓ ርሓቕ። (ገላትያ 5፥19-20)
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

14 Jan, 06:32

147

➮#ፍትዋት_ናይ_እግዚአብሔር_ቤተሰብ_እዛ_ናይ_YOU_TUBE_ቻናልና_ካብዚ__ኩሉ_ሰብ_ክሳብ_ሐዚ_132_ሰባት_ጥራሕ_እዩ።እስኪ_ሐዚ_Subscribe_ንግበር_ኣሕዋት

🔻 𝒔𝒖𝒃𝒔𝒄𝒓𝒊𝒃𝒆 🔻

👇👇👇👇👇👇👇👇👇
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

12 Jan, 16:57

1,238

ንሓውኻ ኣይትንዓቀ

ክቡር ሓወይ! ክርስቲያን ዲኻ? ክርስቲያን እንተኴንካስ ብፍጹም ንሓውኻ ኣይትንዓቀ። ንሓፍትኻ 'ውን ኣይትንዓታ፡፡ ዝኾነ ይኾን ሰብ ኣይትንዓቕ። እዚ ንንዕዋ ሓው ብፍላይ ክርስቲያን እንተኾይኑ ንክርስቶስ ትጸርፎ ከም ዘለኻ ኣስተውዕል። “ብኸመይ?" ትብል እንተኴንካ እዚ ትንዕቀ ዘለኻ ሓውኻ፡ ናይ ክርስቶስ ህዋስ (ኣካል) ኮይኑ እዩ፡፡ ናይ ክርስቶስ ኣካል እንተኾይኑ ድማ ንዕኡ ንዒቕካዮ ማለት ንክርስቶስ ንዒቕካዮ ማለት እዩ፡፡ ንሓውኻ ትንዕቕ እንተኴንካ ኣብ ኣደባባይ ናይ ጲላጦስ፡ ንጉይታና ካብ ዝገረፍዎን ዕራቖቱ ካብ ዝሰቐልዎን ሓሞትን ከርቤን ሓዋዊሶም ካብ ዘስተይዎ፡ ኣብ ገጹ ጡፍ ካብ ዝ ብዋላሓንቲ ኣይትንእስን ኢኻ፡፡ ስለ'ዚ ንሓውኻ ካብ ምንዓቕ ተጠንቀቕ


ምንጪ፥ ሰማዕትነት ኣየምልጠኩም
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

12 Jan, 11:12

859

ዜና አበው ቅድስት ቤተክርስቲያን
ንዘለኹም ዝኮነ ዓይነት ሕቶ ኮነ ርኢቶ
ብዙይ
@Abotatnabot ለኣኹልና !?
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

12 Jan, 10:26

961

🍇 ጥዑመ ስም! 🍇

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ስም፥ ለዘይጼውዖ፣

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ቃል፥ ለዘያጸምዖ፣

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኅብስተ ሕይወት፥ ለዘይበልዖ፣

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጽዋኣ መድኃኒት፥ ለዘይጸምዖ፣

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ፄና፥ ለዘያፄንዎ፣

ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ዝክር፥ ለዘይነግር ዜናሁ።

እወ ወአማን።
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

12 Jan, 10:25

738

እግዚኣብሔር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፥ እንታይ ምኾንና ኔርና፧ እስራኤል ምላሽ ይሃብ። ሰባት ኪትንሥኡና ኸለዉ፥ “እግዚኣብሔር ምሳና እንተ ዘይነብር፥ ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ምስ ነደደ፥ ብሕይወትና ኸሎና ምወሓጡና፥ ሽዑ ማያት መጥሓለና፥ ውሒዝ ብልዕሌና ምወሓዘ፥ ሽዑ ጋሻ ውሒዝ ጸርጊፉና ምኸደ ነይሩ።” ብጸላእትና ኽንድምሰስ ዘይወፈየና፥ እግዚኣብሔር ይመስገን። ከም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ መለቝና፥ መፈንጠራ ተበተኸ፥ ንሕናውን ደሓንና። ረድኤትና ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሔር እዩ ዚመጽእ።
መዝሙር ዳዊት 124
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

11 Jan, 11:50

882

•••••ምክረ አበው (ምኽሪ አቦታት )
«««««««««««««»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»»
#ውሉድ: አቦይ ጠባየይ ከመይ ዝበለ ክከውን ደስ ይብለካ ?

#አቦ : በል ዝወደይ ከምዚ ኩን ዝወደይ

#ውላድ : ከመይ ?

#አቦ : ከም ማይ ኩን ኣብ ዝከፍኤ ግዜ እኳ ሓዊ እንተጥፍአካ ኣብቲ ዝድለ ሰዓት ግን ተክሊ ካብ ምዕባይን ምስታይን ኣይጸግመልካን ፣ ከም ጨው እውን ኩን ጨው ብኹሉ ዝበሃግ እንተከውን ዋግኡ እውን ክባር ኣይኮነን፣ ካብ ኩሉ ብላዕሊ ድማ ከም ጸባ ኹን ጸባ እንተሓድግካዮ ኣይባላሸውን ብካልእ መልክዕ ይመፅእ እንበር ፣እንተደፍኡዎ እውን ልዕል ልዕል ይብል ።

#ውላድ : እሺ አቦይ ካልእ #ከይኮነልካ እትደልዮ ከ የለን ?

#አቦ : ኣለባ ! ዝወደይ ፣ከምዝኣቶም ኣይትኹን

#ውላድ : ከመይ ?

#አቦ : ወደይ ከም መርፊእ ኣይትኩን ፣ መርፊእ ንናይ ካልኦት ኣካላት ብዙሕ ቀዳዳት እናደፈነ ነታ ሓንቲ ናቱ ግን ክደፍን ኣይክእልን ፣ከም መቆምያ ኣይትኩን ንካልኦት መደገፊ እናኮነ ንባዕሉ ግን ክቀውም ኣይክእልንሞ ፣ ከም ገንዳ ኣይትኩን ፣ገንዳ ንካልኦት ማይ መስተዪ እንትከውን ንባዕሉ ግን ሓንቲ ሙዕጊ እኳ ጥዒሙ አይፈልጥን
ካብ ኹሉ ኹሉ ግን ከም ደወል ኣይትኩን ! ንኩሉ ቀዲሙ ነቒሑ ንካልኦት ንቅድሴ እኳ እንተቀስቀሰ ንባዕሉ ግን ኣየቀደስንዩሞ ። በልዎ ይበሃል ። እዙይ ናይ ሓደ ምድራዊ ኣቦ ድሌት እንተይኮነስ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና ቅዱስ እግዚኣብሔር ሰናይ ድሌት ውን እዩ እሞ ኣሕዋተይ ከም ናይ ኣማላክ ቅዱስ ፍቃድ ክንመላልስ እግዚአብሔር ይሓግዘና ።
ዜና አበው ቅድስት ቤተክርስቲያን
ንተወሰክቲ መንፈሳዊ ጽሓፋት :-
https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ይኹኑ !!
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Jan, 20:10

830

➮#ፍትዋት_ናይ_እግዚአብሔር_ቤተሰብ_እዛ_ናይ_YOU_TUBE_ቻናልና_ካብዚ__ኩሉ_ሰብ_ክሳብ_ሐዚ_132_ሰባት_ጥራሕ_እዩ።እስኪ_ሐዚ_Subscribe_ንግበር_ኣሕዋት

🔻 𝒔𝒖𝒃𝒔𝒄𝒓𝒊𝒃𝒆 🔻

👇👇👇👇👇👇👇👇👇
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Jan, 20:07

911



ሰላም ሰላም ፍትዋት ደቂ እግዚኣብሔር ። እንኳዕ ናብ ናይ ጎይታናን መድሓኒትና ናይ ልደት በዓል ብሰላም ኣብጸሐኹም ኣብጸሐና ።መድኃኔዓለም ክርስቶስ ንኣቦና ኣዳም ብዝሃቦ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን መሠረት ግዚኡ ምስ በጽሐ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጢሚቁ፣ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ጸይሙ ፣ ኣብዛ ምድሪ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርሒን ነቲ ናይ መንግሥቲ ወንጌል ሰቢኩ ኣብ ቀራንዮ ጎቦ ተሰቂሉ ድሕነት ዓለም ፈጺሙ እዩ ።

እሞ ፍትዋት ኣሕዋተይ ነዚ ኩሉ ዝገበርለና ኣምላኽ እንታይ ክንከፍሎ ንክእል ? ምንም ። ዝሮ ዝሮ ነቲ ቅድሚ 2ሽሕ ዓመት ካብ ሓንቲ ንእስቲ ህጻን ዝተወለደ ጎይታ ሎም ኣብ ልቢ ሕድሕድና ክውለድ ምእንታን ብጸሎት ክንልምኖ ይግባእ ።

እግዚአብሔር ይበለኒ ወልድየ አንተ
ወአነ ዮም ወልድኩከ ፣


https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Jan, 04:51

692

ማርያም ድንግል እመ ረከብኩኪ
ሓዘነ ልብየ እነግረኪ
በገዳመ ምሉእ ኣመ ኣሶስኪ
እግዚትየ ማርያም እጸውጽንኪ
ቀዊምየ ሐበ ኣልቦ አሰተርዕይኒ ገጽኪ
ወሐበ ስእለት ጌጋየ ጽልዊ እዝነኪ
ለውሃት ልብኺ ፍጹም ዘይድረት
ድንቂ ፍትረትኪ ትዘይ ውሰን ለውሃት
"ስለ ኑኡሳን ለምኒ ኪዳነ ምህረት
ስለ ንእስነት ለምኒ'ባ ኪዳነ ምህረት(2)
መንኣሎ ሩፉታ ድቅስ ዝሓገየ
ብዘይካ ቲሰይጣን ባዓንቶቦ ጥዑም ዘይሓረየ
ሕጹኖት ኣውጁ ኣሕሲምዋ ዘመን
ዋይዋይታ ምስ ኣውያት ስቃይ ኮይና ህድኣት
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኣደየ ድንግል ዳሃዬም ግበሪ
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኦ ርህርህቲ ደየ ዳሃዬም ግበሪ
ሕጂ'ኸ ሃሲሱ ድዩ'ቲ መሪር ዝኽሪ
ሞትእኳ ዘይከም ሞት ንቡር ሲኢኑ ዝትነፈቀ ቀብሪ
መለሳ'ቲ ኣዉያት ኣቤት ማዕበል ጭንቂ
ትሕዞ ተስፋ ሃሊቁ ሞት ክትከውን ጭንቂ
ባሕሪ ዝወሕጦም ዝወደቆም ሰይፊ
ኦ ንግስቲ ሰማይ ነብሳቶም ኣዕርፊ(2)
ጀለምታ ነጺፉ ልቢ እናደመየ
ቤት ከፈተ ሉቁሱ ኣባዲ'ኳ ብፍጹም ተቀብጸ
ውፉር ከይተመልሰ ናዓረበ ጸሓይ
ኣመትና ግበሪ ወላዲት ኣዶናይ
ሓዘን ዝፈተንኪ ጭንቂ ዝመረረ
ለምንልና ድንግል ክገብረልና ይቅረ(2)
ባሕሪ ዝወሕጦም ዝወደቆም ሰይፊ
ኦ ንግስቲ ሰማይ ነብሳቶም ኣዕርፊ
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኣደየ ድንግል ዳሃዬም ግበሪ
ሓዘን ዝፈተንኪ ጭንቂ ዝመረረ
ለምንልና ድንግል ክገብረልና ይቅረ(2)
ሰኣሊለነ ማርያም ሃበ ወልድኪ ህጹጽ
ከመይ ኣድህነነ መከራ ስጋ ዊነ
እግዚኣብሔር ኣብ ሕቅፎ ኣብርሃም ኢሳቅ ያዕቆብ ክነብር ይፍቀደልና።