ንድሕነት ደቂ ሰብ ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። “ወገብረ መድኀኒተ በማእከለ ምድር” ከምዝበለ። መዝ 74፡12 ብስቕለቱን ብሞቱን ንዓለም ኣድሓነ። ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሥአ ካብ ትንሣኤ ክሳዕ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም። ግብ ሓዋ 1፡3። ብጉባኤ ዝተራእዮም ግና፡ ሠለስተ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ዮሓ 21፡14። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ _ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ (ጽንሑ)። ሉቃ 24፡49፥ ኢልዎም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓስራይ መዓልቲ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ሓሙሳ መዓልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም።
ሓዋርያት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ፈራሓት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፡ ካብ ብልየት ተሓደሱ፡ ብኣእምሮ በርትዑ፡ ምሥጢር ተርጐሙ፡ ሓደ ቋንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ 71 ቋንቋ ተገልጸሎም፡ ብሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተዛረቡ፡ በዚ ክምህሩ ጀመሩ ኣብ ኢየሩሳሌም እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ብሓባር ተቐመጡ።
ድሕሪዚ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኲሉ ዓለም" ዝበሎ ትእዛዝ መምርሒ ብምግባር፡ ነዛ ዓለም ዕጻ ብዕጻ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ንዮሓንስ ምድረ ፅርዕ በጽሓቶ። ኣብኡ ኣትዩ ጐይታ ካብ ዕለተ ልደት ክሳዕ ዕለተ ዕርገት ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝፈጸሞ ምግባር ትሩፋትን መሃሮም እሞ፡ ካብ ኣምልኮ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ምግባርኃጢኣት ናብ ምግባር ጽድቂ ተመልሱ ኣመኑ ተጠምቁ። ድሕርዚ ወንጌል ጽሓፈሎም።
https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን
https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273