Latest Posts from ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን (@abotatna) on Telegram

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን Telegram Posts

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን
‌‌
""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ"
—>>> [ዮሐ1:14]
☞ ሕቶን መልስን
☞ንመናፍቓን መልሲ
☞ናይ መዝሙር ግጥምታት
☞ ናይ ቤተክርስቲያን ወቅታዊ ዜናታት
☞ ናይ ግዕዝ ትምህርትን ዝ/ዪ ስነ ፅሑፍትን
ንዝኮነ ዓይነት ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ሕቶ
👉 "ሰናይ ግዜ" 🙏
☞ ንዘለኹም ርኢቶ @Orthodoxy_Father ለኣኹልና
2,093 Subscribers
136 Photos
10 Videos
Last Updated 11.03.2025 07:52

Similar Channels

MK memes 😂
1,382 Subscribers

The latest content shared by ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን on Telegram

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

10 Mar, 17:54

119

ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ ....

ንድሕነት ደቂ ሰብ ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። “ወገብረ መድኀኒተ በማእከለ ምድር” ከምዝበለ። መዝ 74፡12 ብስቕለቱን ብሞቱን ንዓለም ኣድሓነ። ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሥአ ካብ ትንሣኤ ክሳዕ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም። ግብ ሓዋ 1፡3። ብጉባኤ ዝተራእዮም ግና፡ ሠለስተ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ዮሓ 21፡14። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ _ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ (ጽንሑ)። ሉቃ 24፡49፥ ኢልዎም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓስራይ መዓልቲ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ሓሙሳ መዓልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም።

ሓዋርያት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ፈራሓት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፡ ካብ ብልየት ተሓደሱ፡ ብኣእምሮ በርትዑ፡ ምሥጢር ተርጐሙ፡ ሓደ ቋንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ 71 ቋንቋ ተገልጸሎም፡ ብሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተዛረቡ፡ በዚ ክምህሩ ጀመሩ ኣብ ኢየሩሳሌም እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ብሓባር ተቐመጡ።

ድሕሪዚ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኲሉ ዓለም" ዝበሎ ትእዛዝ መምርሒ ብምግባር፡ ነዛ ዓለም ዕጻ ብዕጻ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ንዮሓንስ ምድረ ፅርዕ በጽሓቶ። ኣብኡ ኣትዩ ጐይታ ካብ ዕለተ ልደት ክሳዕ ዕለተ ዕርገት ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝፈጸሞ ምግባር ትሩፋትን መሃሮም እሞ፡ ካብ ኣምልኮ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ምግባርኃጢኣት ናብ ምግባር ጽድቂ ተመልሱ ኣመኑ ተጠምቁ። ድሕርዚ ወንጌል ጽሓፈሎም።
https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን
https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

09 Mar, 18:39

232

ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቑ ኣምላኸ ወዲ ኣምላኸ ምዃኑ ኣመስከረ። ማቴ 3፡16-17። ብኡ ብኡ ናብ ገዳም (በረኻ) ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ማቴ 4፡1-5። መዋእለ ጸሙ ምስ ፈጸመ፡ ጠመየ ዲያብሎስ ብሠለስተ ነገር ተፈታተኖ ብስስዐ፡ ብትዕቢት፡ ብፍቕሪ ገንዘብ፡ ብስስዐ እንተ መጾ ብትዕግሥቲ ፡ ብትዕቢት እንተ መጾ ብትሕትና፡ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ መጾ ገንዘብ ብምጽላእ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝብሃሉ እዚኣቶም እዮም። ሰብውን ነዚኣቶም እንተ ደኣ ስዒሩ ብኻልእ ኃጢኣት ኣይስነፍን እዩ። ድሕሪ እዚ ካብ ገዳም ናብ ገሊላ ተመሊሱ ትምህርቲ ክምህርን ተኣምራት ኪገብርን ጀመረ። ሉቃ 4፡14። ሰዓሮ። ሠለስተ ተኣምራቱ ርእዮም፡ ትምህርቱ ሰሚዖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ሓሙሽተ ዕዳጋ ዝኣኸሉ ሕዝቢ ሰዓብዎ። ካብኣቶም ድማ መጀመርያ 12 ሓዋርያት፡ ቀጺሉ 72 ኣርድእቲ፡ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ሓረየ (መረጸ)። 120 ቤተ ሰብ ዝበሃሉ እዚኣቶም እዮም። ግብ ሓዋ 1፡15። በዚ ኸምዚ ኣብ ምድሪ እስራኤል እናተዛወረ፡ እናተመላለሰ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርሕን መሃረ ።
https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

07 Mar, 21:11

326

•እስኪ ሓደ ዓለማዊ መጽሓፍ እንተንብብ ዝረከብኩዋ ሓንቲ ሓጻር ጽሑፍ ከካፍለኹም ......

🌍🌍🌍🌍🌍
«ኢየሱስ ብመስቀል ፣ ሶቅራጦስ መርዝ ብዝመልኤ ጽዋእ፣ ጋንዲ ፣ ማርቲን ሉተርክንግን ብጠበንጃ ተተኩስዎም ህይወቶም ሓሊፉ ። ዓለም ብዝሓት ብዘይምኽንያት እናንበረት ውሑዳት ግን ብዘይምኽንያት ኣብዘይጥፍኣቶም ቀቲላቶም። 
ምድሪ ጀጋኑኣ ኣይትፈልጦምን እያ።  ልቢ ኢልኹም እንድሕር ሪኢኹምዋ  ብራሃን እናባረረት ናይ ጥፍኣት ተልእኮኣ ሒዛ ትቅጽል ዘላ ትምስል ።»

     † እታ ጽሑፍ ቃል ብቃል ስለዝተርጎምኩዋ እየ እንበር ኢየሱስ ክርስቶስ ማንም ዘይመስሎ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እዩ ፣ እቶም ካልኦት ግና ንሃገር ንወገን እትቃለሱ ዝነበሩ ሰባት እዮም ። †
ስለዙይ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ልብኩም ብቅንዑ፣ ኢድኩም ብጥቁቡ፣ እግርኹም ብእርንቡ ዓለም እንተበደልትኩም ከይትግረሙ ልማዳ እዩ ።

Comment=> @Orthodoxy_Father
• https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Mar, 23:27

413

ኣብ ሃይማኖተ አበው ካብዘለው ኣቦታት ዝተናገርዎም ም 7- 10

• ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ነዳያን መጸግዒ፣ ናይ ሕሙማን መድኃኒት እዩ ።     
         
• ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ከምዝኮነ ይነግሩና። ኣምላክ ከምዝኮነ 'ውን  ይነግሩና ።
                      
• ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ከምዝተብሃለ ኹሉ ናይ ዳዊት ጎይታም ተባሂሉ እዩ 
       
  • ሰማይን በደመና የሚሸፍን ጌታ በጨርቅ ተጠቀለለ።

  • ሰማይ ብደመና ዝሽፍን ጎይታ ብጨርቂ ተሸፈነ ።

  • ዘይረኤ ብስጋ ተርኣየ ። ኣምላኽ ብፍቃዱ ብዝተዋሃዶ ስጋ ዓርሱ ትሕት ኣበለ ።
ምንጪ :- ሃይማኖተ አበው
https://t.me/Abotatna በተሰብ ንኹን !!
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

05 Mar, 20:56

487

https://t.me/Abotatna ቤተሰብ ንኹን !!
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

05 Mar, 20:56

392

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ከም ዘምሀሮ

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
👉 ክርስቶስ ዘክበራ ፣መንገዱ ዝተከተላ፣ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ፣ሓቂ ዝመስከራ፣ብቃሉ ዝነበራ ብዙሓት አንስቲ አለዋ
መስዋዕትነት ዝከፈላ በሰማዕትነት ዝሓለፋ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ፣ ዓበይቲ ናይ ምድሪ ነገስታት ፣ዓበቲ ነብያት ዝወለዳ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ ንስኪ ግን ካብ ኩለን ትበልፂ።
👉 ቅድስቲ ድንግል ሆይ ንስኪ ኮ ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ መርገፂ እግሩ ዝኮነ፣ ግሩም ሓያል አምላኽ ናይ ሰላም ሓለቃ ዝተብሃለሉ ኢሳ 9:6
ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘ እንበለሁሰ አልቦ ዘኮነ ማለት ኩሉ ብእኡ ኮነ ካብቲ ዝኮነ ኩሉ ብዘይካ ንሱ ዝኮነ ነገር የለን ዮሓ 1:3
👉 ንዓለም ኩሉ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝመለሰ፣ ኪሩቤልን ሱራፌል ቅዱሳን መላእክት ዝንቅጥቀጥሉ ናይ ኩሉ ፈጣሪ ፣ ነቲ ናይ ኩሉ ፍጡር አምላክ ዝኮነ አዶ ኢኪ። ብቅድሜኪ ኮነ ብድሕሬኪ ብዘይካኪ ንፈጣሪአ ወደይ ኢላ እትፅውዕ ኣይነበረትን ። የላን፣ኣይትነብርን ክርስቶስ ኣደይ ኢሉ ዝፅውዓኪ ንኣኪ ጥራሕ ኢዩ እሞ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 ኣዶ እንከለኪ ድንግል፣ ድንግል እንከለኪ ኣዶ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 ትውልዲ ኩሉ ብፅእት ኢሉ ዝፅውዓኪ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 እግዚአብሔር መሪጽኪዮ መሪፁኪ ት እዛዙ ሓሊኪ ድማ ሓልዩኪ ንጽሕት ዘርኢ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።ኢሳ 1:9

👉 ንዓለም ኩሉ ናይ ድሕነት ምልክት ዝኮንኪ ብሓቂ ካብ ኩሉ ትበልፂ።
👉 ኦ ኣደይ ኣነ እሞ እንታይ ክናገር ? ሽሕ ቃላት እንተዝድርድር ንናትኪ ክብሪ ከመይ ጌረ ክገልፆ ይክእል? ሐዚ እውን ይብል ኣለኹ" ፅቡቅ ዝገበሩ ብዙሓት ኣለው/ኣለዋ ንስኪ ግን ካብ ኩለን ትበልፂ።ምሳ 31:29 "

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በርከት ረድኤት ምስኩልና ይኩን ኣሜን
                •➢ ሼር // SHARE
https://t.me/Abotatna
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

05 Mar, 20:34

387

ማርያም ድንግል እመ ረከብኩኪ
ሓዘነ ልብየ እነግረኪ
በገዳመ ምሉእ ኣመ ኣሶስኪ
እግዚትየ ማርያም እጸውጽንኪ
ቀዊምየ ሐበ ኣልቦ አሰተርዕይኒ ገጽኪ
ወሐበ ስእለት ጌጋየ ጽልዊ እዝነኪ
ለውሃት ልብኺ ፍጹም ዘይድረት
ድንቂ ፍትረትኪ ትዘይ ውሰን ለውሃት
"ስለ ኑኡሳን ለምኒ ኪዳነ ምህረት
ስለ ንእስነት ለምኒ'ባ ኪዳነ ምህረት(2)
መንኣሎ ሩፉታ ድቅስ ዝሓገየ
ብዘይካ ቲሰይጣን ባዓንቶቦ ጥዑም ዘይሓረየ
ሕጹኖት ኣውጁ ኣሕሲምዋ ዘመን
ዋይዋይታ ምስ ኣውያት ስቃይ ኮይና ህድኣት
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኣደየ ድንግል ዳሃዬም ግበሪ
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኦ ርህርህቲ ደየ ዳሃዬም ግበሪ
ሕጂ'ኸ ሃሲሱ ድዩ'ቲ መሪር ዝኽሪ
ሞትእኳ ዘይከም ሞት ንቡር ሲኢኑ ዝትነፈቀ ቀብሪ
መለሳ'ቲ ኣዉያት ኣቤት ማዕበል ጭንቂ
ትሕዞ ተስፋ ሃሊቁ ሞት ክትከውን ጭንቂ
ባሕሪ ዝወሕጦም ዝወደቆም ሰይፊ
ኦ ንግስቲ ሰማይ ነብሳቶም ኣዕርፊ(2)
ጀለምታ ነጺፉ ልቢ እናደመየ
ቤት ከፈተ ሉቁሱ ኣባዲ'ኳ ብፍጹም ተቀብጸ
ውፉር ከይተመልሰ ናዓረበ ጸሓይ
ኣመትና ግበሪ ወላዲት ኣዶናይ
ሓዘን ዝፈተንኪ ጭንቂ ዝመረረ
ለምንልና ድንግል ክገብረልና ይቅረ(2)
ባሕሪ ዝወሕጦም ዝወደቆም ሰይፊ
ኦ ንግስቲ ሰማይ ነብሳቶም ኣዕርፊ
ቆልዑ ናይትማሊ ዕበባ ፍዬሪ
ኣደየ ድንግል ዳሃዬም ግበሪ
ሓዘን ዝፈተንኪ ጭንቂ ዝመረረ
ለምንልና ድንግል ክገብረልና ይቅረ(2)
ሰኣሊለነ ማርያም ሃበ ወልድኪ ህጹጽ
ከመይ ኣድህነነ መከራ ስጋ ዊነ
እግዚኣብሔር ኣብ ሕቅፎ ኣብርሃም ኢሳቅ ያዕቆብ ክነብር ይፍቀደልና
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

19 Feb, 07:10

750

🌹🌹🌹🌹
ናይ ቅዱስ ሚካኤል በረከትን ረዲኤትን አማላድነትን ምስ ኩላትና ይኹን !!

"ሚካኤል" ማለት ትርጉሙ «መኑ ከመ እግዚአብሔር» ማለት ትርጉሙ ድማ ከም እግዚአብሔር ዝብለ መን እዩ ( ከም ኣምላኽና ዝበለ የለን ) !! ማለት እዩ ።

መልኣኽ ንእስነትይ ቅዱስ ሚካኤል ሓደራኻ ንደቕካ ብኣማላድነትካ ሓሉወና !!
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

19 Feb, 07:06

693

®©ናይ 13 ወርሓት ስያመ እንታይ ይመስል ?
`````````````
★ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ጳጉሜን ዘለው 13አዋርሓ ስያመኦም ክንምልከት ኢና
1/  መስከረም  :  ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "መስ ማለት ሓለፈ ፣ከረም ድማ ክርምቲ =ክረምቲ ሓለፈ ማለት እዩ
2/  ጥቅምቲ   : ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ጠቀመ ማለት ሰሐ ፣ጠቃሚ ግዜ ማለት እዩ።
3/ ኅዳር  : ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ኃደረ ማለት ደቂ ሰባት ምህርቶም ክሕልው አብ ዓውዲ አብ ሓሰር ኮነ ገለባ እክሊ ሓደሩ ንምባል እዩ
4/ ትኅሳስ. : ኃሠሠ ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ትርጉሙ ድማ መርመረ፣ ደለየ
5/ ጥሪ  ካብ ነጠረ ዝብል ናይ ግእዝዝተረክብ  ቃል እንተኸውን " ነጽሀ  ብልጭ በዓለ ናይ ጽሓይ መሪርነት ዝገልጽ እዩ
6/ የካቲት/ለካቲት :- ግእዙ "ከተት" ኣእተወ. ማለት ገባራይ እክሉ ናብ ቆፍኡ ከምዘ እተወ ዘመልክት እዩ።
7/ መጋቢት :- ግእዙ ''መገበ'' ተመገበ ገባራይ ለካቲት ዘ እተዎ እክሊ ኮፍ ኢሉ ዝብልዐሉ ግዜ ማለት እዩ
8/ ሚያዝያ : - ግእዙ "መሐዘ " ጎበዘ ፣ሰበይቲ ደለየ (ደቂ ሰባት ቅዱስ መርዓ ዝፍፅምሉ ወርሓት ከምዝኮነ ዝገልጽ እዩ።
9/ ግንቦት :- ግእዙ"ገነበ''  ነደቀ ፣ሰርሐ ፣ኮዓተ ማለት እዩ ። ሰባት መሬቶም ንማሕረስ ዘድዳልውሉ ሰዓት ማለት እዩ።
10/ ሰኔ  :- ግእዙ   ሰነየ  ማለት ብጣዕሚ ጸበቀ (አዝርእቲ ስለ ዝበቁሉ እዩ)
11/ ሓምለ : -  ግእዙ ሐመለ  ማለት ኣረየ (ንሓምሊ ኮነ ንጎመን )
12/ ነሐሴ :  - ግእዙ " አናሕሰየ =አቅለለ፣ ሓደገ (፣ክረምቲ ከምዝቀነሰ ዘር ኢ እዩ።
13/ ጳጉሜን :--  ኤጳጉሚኖስ (ግሪክ)  ተወሳክኺ ማለት እዩ
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

16 Feb, 04:37

910

ኣብ ድኻምና ንምክሓሉ
ኣብ ሽግርና ንልምነሉ
ኣብኡ ኣሎ ሕድገት ሓጢኣትና
ብስሙ'ዩ ምዕራግ ጸሎትና (2)

“ኣብ ድኻምና ንምክሓሉ”፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በቲ መድኃኒና ድሕነት ረኺብና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ክርስትያን ካብ ተሰመና፡ ኣብ ድኻምና እንምክሓሉ፡ ቐጽሪ ጸላዕትና ምስ ኵሉ ኲናውቶም ሰቢርና እንስዕረሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ሰይጣን እንምክሓሉ፡ ኢየሱስ ዝብል ክቡር ስም ኢዩ። እዚ ስም እዚ ሕይወትና ኢዩሞ፡ እወ ንምክሓሊ፡ ብዓውታ ንዝምረሉ፡ ኣብ መድረኽ “ክርስቶስ ጐይታ ኢዩ” ኢልና ንምስክረሉ። “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን” (ሮሜ 5፡11)።

ኢየሱስ፡ “ኣብ ሽግርና ንልምነሉ”. .. ብስሙ'ዩ ምዕራግ ጸሎትና”፡ ቅኑዕ ኣድራሻ ጸሎትና፡ ትኽክለኛ መገዲ ናይ ሕይወትና፡ ንሱ ኢዩ። ከመይ ቃሉ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ” ኢሉ ኢዩ ዝመሃረና (ዮሃ 14፥13)። ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብስም ወድኻ መሓረና፡ ብስም ወድኻ ነመስግነካ ኣሎና፡ ብስም ወድኻ እዝን እትን ክትገብረልና፡ ኢልና ክንልምኖ ኸሎና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንልቡ ዘስመሮ፡ ደሥስ ኢልዎ ብእኡ ዝተሓጐሰሉ፡ ስሙር መሥዋዕቲ ዘቕረበሉ፡ ምሉእ ንምሉእ ፍቓዱ ዝፈጸመ ንሱ ኢየሱስ ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦ ብወዱ ዝመጾ ክንደይ ኢዩ ዘሐጉሶ። ስለዚ ድማ ኢዩ ጐይታ፦ “ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ” ዝበለና (ዮሃ 14፥14)። ኣብ ሽግርና እንልምነሉ፡ ንሱ ክርስቶስ ጐይታ ኢዩ፡ ክብሪ ንስሙ።


“ኣብኡ ኣሎ ሕድገት ሓጢኣትና”፡ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብሎ፡ “ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና” ይብለና (ኤፌ 1፥7)። ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ኣብኡ ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎና፡ ደሥስ ይበለና፡ ርአዩ'ሞ ኣቦ ከመይ ዝበለ ጸጋ ከም ዝሃበና፡ ከመይ ጌሩ ከም ዘፍቀረና፧! “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ” (ግብ ሃዋ 10፥43)።

ኣቱም ፍቑራት ዘመርቲ ኣሕዋትና፡ “ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ” (መዝ 47፡6-7)።