来自 ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን (@abotatna) 的最新 Telegram 贴文

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን Telegram 帖子

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን
‌‌
""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ"
—>>> [ዮሐ1:14]
☞ ሕቶን መልስን
☞ንመናፍቓን መልሲ
☞ናይ መዝሙር ግጥምታት
☞ ናይ ቤተክርስቲያን ወቅታዊ ዜናታት
☞ ናይ ግዕዝ ትምህርትን ዝ/ዪ ስነ ፅሑፍትን
ንዝኮነ ዓይነት ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ሕቶ
👉 "ሰናይ ግዜ" 🙏
☞ ንዘለኹም ርኢቶ @Orthodoxy_Father ለኣኹልና
2,093 订阅者
136 张照片
10 个视频
最后更新于 11.03.2025 07:52

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን 在 Telegram 上分享的最新内容

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

08 Feb, 21:51

888

➮#ፍትዋት_ናይ_እግዚአብሔር_ቤተሰብ_እዛ_ናይ_YOU_TUBE_ቻናልና_ካብዚ__ኩሉ_ሰብ_ክሳብ_ሐዚ_132_ሰባት_ጥራሕ_እዩ።እስኪ_ሐዚ_Subscribe_ንግበር_ኣሕዋት

🔻 𝒔𝒖𝒃𝒔𝒄𝒓𝒊𝒃𝒆 🔻

👇👇👇👇👇👇👇👇👇
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

07 Feb, 18:26

813

https://youtu.be/j_hYVnhgCtk?si=_0ubTw83tZPrbJHr
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

07 Feb, 06:15

726

#ተዘክሮታት_ብጹእ_አቡነ_መርሐ_ክርስቶስ
*************🌺🌺🌺**************
ቅድሚ ህንፃ ምህናፅ ሰብ ምህናፅ ክቐድም አለዎ!"
ብጹዕ ኣቡነ መርሐ ክርስቶስ ቀዳማዊ-
ጥሪ 28/2000 ዓ.ም ካብዚ ዓለማዊ ድኻም ዝዓረፉ ብጹዕ አቦና አቡነ መርሐክርስቶስ ዝተፈለየ መንፈሳዊ ህይወት ነይሩዎም።ካብዚአቶም

1)ሓቂ፡ማንም ብዘይምፍራሕ በዓል ስልጣን እዩ፡ሃፍታም እዩ ከይፀልአኒ ብዘይምባል ስርዓት ቤተክርስትያን እንትጠሓስ ይግስፁን ይምዕዱን ነይሮም

2)ካብ ከንቱ ውዳሴ ዝረሓቑ ነይሮም ኣብ መድረኽ ወፂኡ ዘሞግሶምን ዘወድሶምን ኣይፈትዉን ነይሮም ከምዚ ድማ ይብሉ "ስራሕኻ ሰሪሕኻ ዘይትወርድ!"

3)ናይ ፀሎትን ተመስጦን ህይወት፡ኣቡነ መርሓ ንቅዳሴ ዝተፈለየ ፍቕሪ ነይሩዎም።መድሓኒት እዩ ይብሉ ነይሮም።ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ፅቡቕ ስምዒት እንተድአ ዘይተሰምዖም ከይዶም ይቕድሱ ነይሮም።

4)ንስርዓተ ቤተክርስትያን ብዝግባእን ብትኽክልን ይፍፅሙ ነይሮም ስርዓተ ክህነት፣ስርዓተ ተክሊል፣ስርዓተ ምረቃ ቤተክርስትያን፣ስርዓተ ቀብር፣ስርዓተ ቅዳሴ ብጠቅላላ ጊዜ ሂቦም ምእመናን ትርጉሙ ንክርደኦም እናተርጎሙ ይፍፅሙ ነይሮም።

5)ጠቕላላ ናይ ቤተክርስትያን ትምህርቲ እዚ ቀርዩዎም ዘይበሃሉ ኩሉ ዓይነት ትምህርትታት ዝተምሃሩን ዝፈልጡን ምጡቕን ፈላጥን እንትኾኑ ኣቡነ መርሃ ኩሉ ጊዜ ካብ ትግራይ ናብ አዲስ አበባ ንኣኸባ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብዙሕ ሰብ ክረኽቦም ብአኦም መርዕኡ ክፍፅም ዘይደሊ ስለዘይነበረ ሰዓቶም ብጣዕሚ ዝተጨናነቐ ነይሩ።

6)ካብ ማንም ንላዕሊ ንስብከተ ወንጌል ቦታ ይህቡ ነይሮም
ሓደ መዓልቲ ካብ መንግሥቲ ኣብ አክሱም ሆቴል ናይ አኸባ ፃውዒት በፂሑዎም ንምኻድ ኣብ ምድላው ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ድንገት ናይ 'ዳ ማርያም ጉግሳ ዲያቆናት ከምቲ ልሙድ ሕቶ ክሓቱዎም ደበኽ ይብሉ አብቲ ጊዜ እዚ ክትመሃሩ ዲኹም መፂእኹም ብምባል ክኸድዎ ካብ ዝኸዱ ገዲፎም ናብ ገዝኦም ተመለሱ።ካብኡ እቲ ፀሓፊኦም ዝነበረ ንምንታይ ናብቲ ቆፀሮ አኸባ ዘይንኸይድ ኢሉ ብቅሬታ እንትሓቶም ኣቡነ መርሃ ትቕብል አቢሎም ስርሐይ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ምስባክን ምስትምሃርን እዩ እንተደሊኻ ፈቒደልካ እየ በታ መኪና ጌርካ ኪድ በሊዕኻ ነዓ ኢሎምዎ ይበሃል።

7)ንምንታይ ኢኹም እባ አብ ዓውደ ምህረት ገንዘብ ምልማን ዘይትቕበልዎ ልምዓት ዘይትፈትዉ ኾይንኩም ድዩ?እንተበሃሉ "አብ ሰማይ ከይደ ክርስቶስ ዝሓተኒ ክንደይ አስተምሂርካ መሊስካ ዶ እዩ ዝብለኒ እምበይ ክንደይ ፎቕ ሰሪሕኻ አይብለኒይ፣ቅድሚ ኩሉ ሰብ ምህናፅ ክቕድም አለዎ፣ብትምህርቲ ዘይተሃነፀ ትውልዲ መጀመርታ ንርእሱ የፍርስ ቀፂሉ ቤተሰቡ የፍርስ፣ቀፂሉ ዓድን ቤተ ክርስትያንን የፍርስ ስለዚ ቅድም ቀዳድም ሰብ ንምህናፅ ንጉየይ፣ፎቕ ሃኒፅና ሰብ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ እንታይ ትርጉም አለዎ።"ይብሉ ነይሮም።

8)ኣቦና ካብ ፍቅረ ነዋይ ዝረሓቑን ወርሓዊ መሃይኦም ሙሉእ ብሙሉእ ንነዳያን ምጽዋት ይገብሩ ነይሮም።"ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ናይ ጳጳሳት ምልዐተ ጉባኤ ተሰብሲቦም ሓደ ሓደ ጳጳሳት ደመወዝ ውሒዱና ዝብል ሕቶ የልዕሉ እዚ ዝሰምዑ አቡነ መርሃ ታይ ኢኹም ትብሉ ዘለኹም? በልዎም ንሳቶም ድማ ደመወዝ ውሒድና።አቦና ድማ ትቕብል አቢሎም ንጳጳስስ 10,000 ደመወዝ ውሒዱዎ??እወ ውሒዱ እንትብልዎም "ዘይንፈልጦም ቖልዑ ተሃሊዮምኹም እምበር ንጳጳስስ 10,000 ደመወዝ ኣይውሕዶን እኳድኣስ ይበዝሖ።"ኢሎም ይበሃል።

ናይ ኣቦና በረኸት ምስ ኩላትና ይኹን!
ኣሜን ኣሜን
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Feb, 18:11

611

+ ሠላሳ ዓመታት ምስ ጐይታ +

እመቤትና ብድንግልና ንጐይታ ጸኒሳ  ምውላዳ፡ ክሳዕ ወዲ ሠላሳ ዓመት ዝኸውን፡ ውሉዳ እና'ገልገላ፣ [ንሳ] ከም ኣምላኽነቱ እና'ገልገለቶ፡ ምስኡ ኣብ ሓደ ቤት ብሓባር ነቢራ'ያ።

ካልእ ንግደፎ እሞ፡ ነዚ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ የጨንቕ'ዩ። ምስ እግዚአብሔር ኣብ ሓደ ቤት ሓቢርካ ምንባር ከመይ ዝበለ ነገር'ዩ? ኣስተውዕሉ! ድንግል ማርያም ካብ ድቃሳ ተላዒላ "ከመይ ሓዲርካ" እትብሎ ንኣምላኻ'ዩ ዝነበረ። ምሸት እንትትድቅስ'ውን፡ "ደሓን ሕደሪ" ዝብላ ኣምላኻ'ዩ ዝነበረ። ዘይድቅስ ትጉህ ጓሳ ብዝደቀሰት፡ ሕፃን ኰይኑ ኣብ ጥቃኣ ዝደቀሰ፡ ብዘይካ እመቤትና መን ኣሎ?

ኪሩቤልን ሱራፌልን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ዝብልዎ ኣምላኽ፡ ከም ኣደ "እሩሩ..." እናበለት ዘደቀሰቶ፡ ንሳ ነበረት። ንምድሪ ብኽዳን ዕንበባ ዘማዕርገ ጎይታ፡ ኣብ ዝደቀሰሉ ግዜ ዝኸደነቶ ንሳ ነበረት። ዓለም ብኢዱ ንዝሓዘ ጎይታ፡ ቅልጽማ ዘተ'ርኣሰትሉ ንሳ ነበረት። እዘን ለይትታት እዚኣተን፡ ከመይ ኰን ኣሕሊፋተን ትኸውን? ብሕልምን ብጋህድን ምስ ፈጣሪ ምሕላፍ ከመይ ዝበለ ጸጋ'ዩ?
ጸሎት ማለት ምስ እግዚአብሔር ምዝርራብ እዩ ። እመቤትና ምስ ወዳ ንሠላሳ ዓመታት ሓቢራ ኣብ ሓደ ቤት እንትነብሩ፡ ዝነበሮም ዝርርባት ኵሉ፣ ምስ እግዚአብሔር ምዝርራብ ከም ምዃኑ፡ ብተወሳኺ ጸሎት'ውን ነበረ።

ኦ! ንግሆን ምሸትን፡ ምስ ወድኺ ምዝርራብ ጸሎት ዝኾነልኪ፡ ወድኺ ዝህበኪ መልሲ፡ መልሲ ፈጣሪ ዝኾነልኪ እመቤትና፡ ብዛዕባ ክብርኺ ምሕሳብ  ክንደይ የጨንቕ?

እስከ ርግእ ኣቢልኩም ሕሰብዎ! እመቤትናን ጐይታናን፡ በዚ ኵሉ ዓመታት እዚ፡ ብዛዕባ እንታይ ክዘራረቡ ይኽእሉ ? ብዘይከኣ ካልእ መን ክነግረና ይኽእል? ኦ ! ድንግል፡ ንስኺ እንተ ዘይነጊርክናስ መን ክነግረና? ንመኣዲ ብዝተቐረብኩም፡ እንታይ ኰን ኢሉ ጸሊዩ ይኸውን? ከም ሓዋርያት ቆሪሱዶ ሂቡኪ ይኸውን? ማይ ክሰቲ ክትህብዮ ከሎኺ፡ ንውቅያኖስ ብኸመይ ብማይ ከም ዝመልኦ ነጊርኪዶ ይኸውን?

ብርግጽ፡ በተን ዓመታት እቲኣተን፡ ክርስቶስ ንኣደኡ እንታይን እንታይን ኮን ነጊርዋ  ይኸውን? ብዛዕባ ኣየናይ ምስጢርከ ገሊጹላ ይኸውን? ገና ወዲ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ቈልዓ ከሎ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ዘዘራረብዎ መምህራን ኣይሁድ " ብምስትውዓሉን ብመልሱን ይግረሙ ነበሩ" ፤ እመቤትና ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ ክሳዕ ሠላሳ ዓመቱ ኣብ ዘሎ ሓቢራ ክትነብር እንከላ፡ ብኽንደይ ነገራት ኮን ተደኒቓ  ትኸውን? (ሉቃ. ፪፡ ፵፯)

ከም መንፈሳዊት(ፍጽምቲ ኣማኒት)  ኣደ፡ ድንግል ማርያም ንወዳ ኣየናይ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እናጸወየት ኣዕቢያቶ ትኸውን? ሙሴ ብዛዕባ ዝረኣያ ዕፀ ጳጦስ ኣይነገረቶንዶ ትኸውን? ታሪኹ ሰሚዑ፡ "እታ ቆጥቋጥ ንስኺ ኢኺ፡ እቲ ሓዊ ድማ ኣነ እየ" ኢልዋዶ ይኸውን? ማይ ካብ ዝፈለቐሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ዝሰተይሉ ከውሒ ነጊሩዋዶ ይኸውን? ንሱኸ፡ "እቲ ከውሒ'ኳ ኣነ'የ ዝነበርኩ"ዶ ኢልዋ ይኸውን?

ብሉይ ኪዳን ከተንብብ ከላ፡ ሓዲስ እናተርጐመ፡ ከም መንገደኛታት ኤማሁስ ልባዶ ይነዳ ኔሩ ይኸውን? (ሉቃ. ፳፬፡ ፴፪) ኦ! ጠቢበ ጠቢባን ሊቀ ሊቃውንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤትኪ ጉባኤ ዝዘርግሓልኪን ዝመሃረክን ድንግል፣ ንስኺ እንተ ዀንኪ፡ ኣብ ልብኺ ካብ ምሓዝ ወፃኢ ብዙሕ ኣይትዛረቢን ኢኺ፤ ኰይኑ ግና፡ ወድኺ ኣየናይ ምሥጢር ኰን ነጊሩኪ ይኸውን?

ኤልሳቤጥ እኳ ንዮሓንስ ጠኒሳ፡ ብዛዕባ ጥንሳ ብዙሕ እትብሎ ነበራ። ኦ! ፈጣሪ ኣባኺ ዝሓደረ ድንግል፡ ንስኺኸ እንታይ ኰን ትናገሪ ትኾኒ? " እሳተ መለኮተ ኣብ ከርስኺ ብዝሓደረ፡ ክዳኑ እሳት፡ ቀሚሱ ውን እሳት'ዩ። ከመይ ኣቢሉኸ፡ ዘየ'ቓጸለኪ? ዙፋነ ኪርቤልከ፡ ኣብ ከብድኺ ናበይ ኣቢሉ ተዘርግሐ? ብየማን ዲዩ ወይስ ብጸጋም? ንኡስ ኣካል ብምዃንኪ፡ እዚ ዅሉ ብኸመይ ክኸውን ክኢሉ? " እናበልና፡ ምስ ኣባ ሕርያቆስ ኰይና፡ ክንጥይቀኪ።

ከማኺ፡ ፈጣሪ ዝፈልጥ ፍጡር የለን እሞ፡ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፣ ናይ ዓለም ምሁራን ነገረ መለኮት፡ ተንተንቲ ወንጌል፡ ኵሎም ኣብ እግርኺ ወዲቖም፡ ከም ብሓዲሽ ብዛዕባ ክርስቶስ ካባኺ ክምሃሩ ይግብኦም'ዩ። ኦ! ልህቅተ ሊቃውንት እመቤትና፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ናትኪ ተመሃሮ'ዮም። ተቐነይቲ፡ ኣብ ቅድሜኺ ጌና ፊደል ኣይቈጸሩን። ሰባትን መላእኽትን ብሓደ ተሰሊፎም፡ "ብርቱዕ ዝኾነ፡ ኣባኺ ዝገበሮ ዓቢይ ኢዩ" ዝብል ክሰምዑ፡ ይጸባበዩ።

ሓወይ!  ጥቕሲ ምእላሽ ገዲፍካ፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ሕቁፎኣ ዝሓዘቶ፡ ቃሉ ብሕሹኽሹኽታ ብእዝና ንዝሰምዓቶ፡ ትሕቲ እግሪ ድንግል ከማይ እንተ ተደፋእካ ይሕሸካ። ኣእዳው እግዚአብሔር ሒዛ፡ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ሕፃንነቱ ንኽስጉም፡ ዝመርሐቶ ድንግል፡ ደው ምባል ንዘይተኻእለና ንዓና ድኹማት ክትመርሓና፡ ሓቢርና እንተ ተማሕፀንና ይሓይሽ።

በዓል ጴጥሮስ ኣብ ቅዱስ እምባ ታቦር ምስ ጎይታ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ገጹ ከብርህ ርእዮም፡ ኣብዚ እንተነበርና ኢሎም ተመንዮም፡ ንኤልያስን ንሙሴን ረኺቦሞም'ውን ነበሩ። ኦ! ሠላሳ ዓመት ምስ ጎይታ ዝነበረኪ እመቤትና፡ ክዳን ወድኺ ክንደይ ሳዕ ኰን ኣብሪሁ ይኸውን? ካብ ነቢያትከ እኒ በዓል መን ኣምጺኡ ኣርእዩኪ ይኸውን? ኦ! ከም ጴጥሮስ "ሠለስተ ዳስ ንሥራሕ" ዘይትብሊ መሕደሪት ድንኳነ እንግዚአብሔር፡ ቤትኪ ደብረ ታቦር ኰይኑ'ዩ'ሞ፡ ወድኺስ እንታይ ኣርእዩኪ ይኸውን? ኦ! ምስ እግዚአብሔር አብ "እዚ ወደይ እዩ፡ ንዕኡ ስምዒ" ዝብል ድምፂ ምስማዕ ዘየድልየኪ "ንዓይ'ውን ወደይ'ዩ" ማለት ዘይትብሊ ኣደይ፣ ኦ! ከም እግዚአብሔር አብ "ዝብለኩም ኵሉ ግበሩ" ንምባል ሥልጣን እተዋህበኪ፡ ሠላሳ ዓመት ምስ ጐይታ ምንባርኪ ኣብ ዝሓሰብክሉ ጊዜ፣ ጸባብ ሕሊናይ ኃጢኣት ዘድከማ ሰብነተይ፡ ኣዝያ ተጨነቐት።

ዮሓንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ብዙሕ ራእይ ርእዩ፡ "ኣብ መዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ነበርኩ " ኢሉ ጸሓፈ። ሠላሳ ዓመታት፡ መዓልቲ ጐይታ ዝኾነላ፡ ብመንፈስ ዝነበረት ድንግልከ፡ ክንደይ ራእይ ኰን ርእያ ትኸውን?
ምሉእ ኣካላት ሰብነትና፡ ኵሉ ልሳን እንተ ዝኸውን፡ ናታ ክብርን ምስጋናን ተዛሪብና ምፍጻም ኣይከኣልን።

✥ተጽሕፈ በዲያቆን ሄኖክ ኃይሌ✥
❤‍🩹 ንኹሎም ደቂ ተዋሕዶ ክበፅሕ ❤‍🩹
            •➢ ሼር // SHARE
❖ ናይ ዩቱብ ኣድራሻና ❖

https://www.youtube.com/@Abotatna1
❖ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻና ❖
☞ https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273
❖ናይ ተሌግራም ኣድራሻና❖
☞  https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና ።
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

06 Feb, 17:46

618

Share ንበሎ መእታን ካልኦት ኣሕዋትና ክመሃርሉ

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ አምላክ አሜን

~~~~~~
#አንፈቱ ዝጠፍኦ መንፈሳዊ ግጥሚ
~~~~~~~~
ከመይ አለኩም ኩቡራት ኣሕዋተይ
ንኩልኩም ዓብዪ ምስ ንእሽተይ
ሕቶ አለትኒ እስከ መሉሱለይ
አንፈትና ጠፊኡ አነስ አግሪሙለይ
~~~~~~~~
ክሳብ ሕጂ መን እዩ ዘምብረና
ብጥበብና ዶ ይመስለኩም ወይስ ብሓይልና
እንገብሮ ኩሉ ነስተውዕሎ ዶ አለና
~~~~~
ከመይ ድዩ ምምባር ማለት
አለኩ ጥራይ ንብል ብድፍረት
~~~~~~~
እስከ ንመካከር ናይ ሎሚ ወለዶ
ስደት ዘለካ አብቲ ሰገር ማዕዶ
ብፍላይ አቱም ደቂ ተዋህዶ
ንሰርሖ ኩሉ ነስተውዕለሉ ዶ
~~~~~~~
እንተበደልናዮ በደልና ሓዲጉ ዝምሕረና
ክሳብ ሞቱ ብምሕላፍ ዘፍቀረና
ብዝናብ አብቂሉ ብጸሓይ አቢሲሉ ዝምግበና
ካብ እግዛቢሔር አይንረሓቅ ዝከፍአ ከይመጸና
~~~~~~~~
ንእግዛቢሔር አመስግኑ ስለ ቸርነቱ
ብዘይክኡ ምምባር ባዶ እዩ ሂወት ከንቱ
~~~~~~~~
ሓወይ አበይ ኢካ ዘለካ እስከ ስማዕ
ሎምስ ይአክለካ ፍቀዶ ምዛር ምስዕሳዕ
መዝሙር ገዲፍካ ትሰምዕ ደርፊ
ፍቅሪ አጥፊእካ ተኪእካዮ ብጸርፊ
ኣእምሮካ ተገዚኡ ብአመል ወልፊ
ጎልጎል ገዲፍካስ ትጎዓዝ ብጸድፊ
~~~~~~~
እዚ ድዩ ኩሉ ናይ መዓልቲ ስራሕካ
ናይኩሉ ግዜ መግለጺ መንነትካ
በል ተጠንቀቅ ግዚኡ ኣኪሉ ትምቢቱ ክፍጸም
ገና ከይወጻእካ ካብትምኒት ዓለም
አብ ድቃስ ከለካ ይመሲ ይወግሕ
ንስካ ግን ወይከ ብፍጹም ዘይትነቅሕ
~~~~~
ዘለካ ገንዘብ እንታይ ገበርካዮ
ምጽዋት አውጺእካ ንድካ ዶ አብሊዒካዮ
ወይስ ንመስተ እንዳባር ከፊልካዮ
~~~~~
በል ደኣ ኣሰር ቁዱሳን ተከተል
መስክር ብትብዓት ተሰከም መስቀል
መጽሓፍቀ ቅዱስ አምብብ እቲ ቁዱስ ወንጌል
እምነትካ ኣጽንዕ ንአበው ምሰል
~~~~~~
አለክን ዶ ሰፈርክን ሰደት ዓዲ እንጀራ
ምቅማጥክን ዓዲ ሶዶመ ጎመራ
መሰልና እናበልክን ልቢ አዳም ተሕርራ
ክሓተክን እስከ መልሳለይ ሓደራ
~~~~~~~~
አቲ ጓል ሂዋን በሊ ስምዕኒ
አብ ስደት መጺኪ ተቀይርክኒ
ልዕሊ ብርኪ ሓጺር ክዳን ትክደኒ
በብዓይነቱ ይልመጽ እቲ ገጽ ይኳሓል እቲ ዓይኒ
ናይ ዕዳጋ ጸጉሪ ምስካም ዘፍትወልኪ
ሎምስ አመና ከፊኡ አከዳድናኪ
ዕርቃንኪ ወጽኡ ኩሉ ሰውነትኪ
ዘዝመጸ ትክደኒ ፋሽን እዩ እናበልኪ
~~~~~~~
እቲ ቆማጥ ስረ ካበይ አምጻእክዮ
ነዊሕ ቀምሽኪ ናበይ ደርበክዮ
እቲ ጥልፊ ዙርያ በቃ ረሲዕክዮ
ከምዛ ዘይናትኪ ብፍጹም ኪሒድክዮ
ይሓተኪ አለኩ በሊ ንገርኒ እንዶ
በዚ ድያ ኣዕቢያትኪ እታ ለዋህ አዶ
ኩሉ ኣጥፊእክዮ ተሪፍኪ ባዶ
ምዕባለ ቆጺርክዮ እንተሰገርኪ መዓዶ
~~~~~~
ልቢ ደኣ ግበሪ ሓፍተይ ተመለሲ
ከም አደታትኪ ቀምሽኪ ልበሲ
ንሱ ስለ ዝኮነ እቲ ጽቡቅ ባህልኪ
ሓደራ ኣይተጥፍእዮ ድሙቅ መንነትኪ
~~~~~~~~~
ደርብዮ ብጣስ ስረ ደርብይዮ ሓጺር ክዳን
ሓጺር ብምልባስኪ አይምሰልኪ ስልጣን
ይአክል ምካን አገልጋሊት ሰይጣን
ሎሙስ ይአክለኪ ዘይንስኪ ሙካን
~~~~~~~~
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ድዩ ዝብል
አምቢብክዮ ዶ ትፈልጢ ነቲ ቁዱስ ቃል
ሰበይቲ ናይ ሰብአይ ሰብኣይ ናይ ሰበይቲ አይከደን
ከምኡ ዝገብር እንተሎ ፍንፉን ይኩን
~~~~~~~
ንድያብሎስ ቦታ አይተሃብዮ ኣብ ሂወትኪ
ንሱ እዩ ዝመርሓኪ ዘሎ ክትወጺ ዕርቃንኪ
ናብ አምላክ ቅረቢ ብጸግኡ ክሽፍነኪ
ናይ ከንቱነት ነገር አውጽእዮ ካብ ነብስኪ
~~~~~~~
ሽፍንፍን ባንበል ከምቲ አምላክና ዝአዘዘና
ሽዑ ኢና ንጽብቅ ኣዚዩ ዘምሕረልና
ሎሙስ ነስተውዕል ንጸሊ ይአክለና
ምድሪ ተከፊታ መእታን ከይትውሕጠና
ንጹም ንስገድ ናብ አምላክና ንመለስ
ንስሃ እዩ መድሓኒት ንገነት ዘውርስ
~~~~~~
ስብሃት ለእግዛቢሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን

#ናብኩሉ ክበጽሕ ፣share ንበሎ
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

05 Feb, 05:52

631

ትፈልጡ ዶ ?

ህጻን ምጥማቕ ካብ መጀምርያ ጉዕዞ ክርስትና ከም ዝነበረ ታሪኽ ናይ ቤት ክርስትያን ከም ዝሕብርን ብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዘረጋገጽዎን።

ብኣንጻሩ ንህጻን ምጥማቕ ጌጋ ዝብል ሓሳብ ኣብ ከባቢ 15 ክፍለዘለም ከም ዝጀመረ። እዚ ማለት ክርስትና ምስ ጀመረ ድሕሪ 1500 ዓመት ይኸውን ከም ዘሎ !

ንህጻን ምጥማቅ ጌጋ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ክርስትና 1500 ዓመት ኣብ ጌጋ ኔሩ ድሕሪ 1500 ዓመት ናብቲ ቅኑዕ መጽዩ ማለት ድዩ ? 🤔🤔

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንህጻናት የጠምቁ ከም ዝነበሩ ካብ ቃላቶም ከነቅርበልኩም ኢና ተኸታተሉ !!

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈ-ወርቅ ኣብ 4 ክፍለዘመን ዝነበረ መራሒ ቤት-ክርስትያን እዩ።
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

02 Feb, 06:32

652


ተዘክሮ ሞት (ንሞት ምስትዋስ)


ቃል ኸሉ ብሓሳብ ይቕደም ። ፍትዋተይ ሞትኻ ምሕሳብ ኣብ ኩሎም ዕለታት ዝምወት ሞት እዩ ። ንሞት ምፍራሕ ድማ ካብ ዘይምእዛዝ ዝፈለቐ ናይተፈጥሮ ፀባይ እዩ ፤ ብሞት ምድንጋፅ ግን ንስሃ ናይ ዘይተኣተው በደላት ምልክት እዩ ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ባሕርያት ብተዋህዶ ገንዘብ ከም ዝገበረ ንኸፍልጥ ሞት ፈሪሑ እምበር ብሞት ድንጋፀስ ፈፂሙ ኣይተትሓዘን ።
ካብ ኹሉ ምግቢ እንጀራ ተደላይ እዩ ፤ ከምኡ እውን ሞትኻ ምሕሳብ ካብ ኩሎም ስራሕቲ ተደላዪ እዩ ።ጥርጥር ብዘይብሉ በብዕለቱ ሞቱ ዝፅበ (ዝሓስብ) ሰብ ምግባረ ሰናይ እዩ ።

ንሞት እንዝክረሉ መንገዲ ብዝግባእ ምፍላጥ የድሊ ፤ ሓደ ሓደ ብሓይሊ ልማድ ተደፋፊኦም ኣብዚሖም ሓጥያት ካብ ምስራሖም ዝተልዓለ ብትሕትና ኾይኖም ንኽሞቱ ይፅልዩ ፤ ብቀቢጸ ተስፋ(ተስፋ ሙቕራፅ) ወዲቖም ንስሐ ክኣትው ዘይደልዩ ሞቶም ዝሓስቡ ወገናትና ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን ፤ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ገለ ወገናት ካብ ትዕቢትን ከንቱ ውዳሴን ተላዒሎም ብተጋድሎን ብፅንዓትን ዝነብሩ ይመስሎም'ሞ ንጊዚኡ ንሞት ዝፈርሑ ኣይኮኑን ፤ ሓደ ሓደ ድማ ካብ ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ተላዒሎም ብሞት ንኽውሰዱ ይልምኑ ።
⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻
ሰብ መዓልቲ ሞቱ እንተዝፈልጥ ነይሩ ኣብ ጊዜ ሞተይ ናብ ጥምቀትን ንስሃን ክቐርብ ብዝብል ድኹም ኣተሓሳስባ ዘመኑ ሙሉእ ብበደል ከሕልፎ ደኣምበር ፈፂሙ ናብ ድሕነት ኣይምተመለሰን ። ካብ ዝፀንሐ ልምዱ ዝተልዓለ ብኽፍኣት ፀኒዑ ፍፁም ክቓናዕ ዘይኽእል ኮይኑ ይተርፍ !! ካብዚ ይምሓረና 🙏

ሞትን ናይ እግዚአብሔርን ፍርድን ኣብ ውሽጡ ክሓስብ ዝደሊ ፤ ብተመሳሳሊ ድማ ምድራዊ ሓሳባት ልቡ ዝማርኹዎ ሰብ ፤ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኣትዩ ምስትንፋስ ዝምነ ሰብ ይመስል ። ግልፂ ዝኾነ ተዘክሮ ሞት እንተሃልይና ናይ ስጋ ሓሳባትን ድሌታትን ካባና ንክርሕቑ ይሕግዘና ።

ኣያታትና ፍፁም ፍቕሪ ካብ ውድቀት ነፃ እዩ ። ኢሎም ከምዝተናገሩ ፤ ኣነ ድማ ብግለይ ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ተዘክሮ ሞት ስምዒት ካብ ፍርሓት ነፃ ምዃን ከምዝኾነ ይኣምን ።
⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻⁻
ሓደ እዋን ሓደ ግብፃዊ መነኵሴ ከምዚ ኢሉ 👉 ኣብ ልበይ ሞተይ ናይ ሞዝካር ፀጋ እንተደኣ ረኺበ !! ሓጥያት ንምስራሕኳ ሓሳባት ተመፁለይ ኣብ ልበይ ዘሎ ተዘክሮ ሞት ከም ዳኛ ብምዃን ንከይወድቕ ይኽልክለኒ ። ሞትኻ ምዝካር ንፅህናን ተግባርን ዘርክብ ናይ ህይወት መንገዲ እዩ ።

ስለዚ ድማ ፍቱዋት ደቂ ኣምላኽ ወንጌል ተዳሊውኹም ፅንሑ ከም ዝበለት ፤ ኣብ ናብራና ኩሉ ጊዜ ሞትና ብምስትዋስ ንስሃ ኣቲና ንሙማት ከም እንነብር ኣሚና ብሐይማኖት ንክንፀንዕ ብፍቕሪ መልእኽተይ የሕልፍ ።

"ፍፃሜኻ ሕሰብ ፤ ኩሉ ጊዜ እውን ኣይትበድል " ሲራክ 7፥36

ክብሪ ን እግዚአብሔር ኣብ
ክብሪ ን እግዚአብሔር ወልድ
ክብሪ ን እግዚአብሔር መንፈስቅዱስ
ሓደ ኣምላኽ ኣሜን 🙏🙏🙏
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

27 Jan, 20:24

960

#ስለምንታይ_ኣብ_ቅድሚ_ስእሊ_ሽምዓ_ንውልዕ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስአሐዱ አምላኽ አሜን።

ኣብ ቅድሚ ስእሊ ሽምዓ ኣብ እንውልዓሉ እዋን ብዙሕ እንዝክሮ ነገር ኣሎ። ንኣብነት እቲ ሽምዓ ንፈጣሪ እንተድኣ ኮይኑ፡ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃንነት ንዝክር።

"ኦ እግዚኣብሔር ንስኻ ብርሃን፡ ሕግኻ'ውን ብርሃን እዩ። ኣብ ጸልማት ብርሃን ይኹን ዝበልካን ብርሃን ዝፈጠርካን ንስኻ ኢኻ፡ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ልብና እተብርሃልና 'ውን ስኻ ኢኻ'፡ እናበልና ነመስግኖ ( ዘፍ 4፡7/፬፡፯ 4፡16/፬፡፲፮// ኤፌ 5፥14"// 1ይ ጢሞቲ 6:16// 1ዮሓ 1:5// ንሱ ባዕሉ "ኣነ ንዓለም ብርሃና እየ እቲ ዝስዕበኒ ከኣ ብርሃን ሕይወት ክረክብ እምበር ኣብ ጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ' ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ሉቃ 2፡32 ፣ 9፡5/፱፡፭ )።

እምበኣር ሽምዓ እናመኸኸት ንኻልኦት ብርሃን ከም እትህብ፡ ጎይታ'ውን ሞይቱ ሕይወት ሂቡና፡ ካብ ጸልማት'ውን ናብ ብርሃን ኣውጺኡና ኢዩ። እቲ ስእሊ ናይ ቅዱሳን እንተ ድኣ ኮይኑ ንናይ ቅዱሳን ብርሃን ንዝክር። ምኽንያቱ ንቅዱሳን "ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃና ኢኹም “ዝበለ ባዕሉ ጎይታ እዩ (ማቴ 5፡4/፭ ፡ ፲፬)፡፡

ብተወሳኺ “ቲ ዝስዕበኒ ናይ ሕይወት ብርሃን ክኾነሉ እዩ" ተባሂሎም እዮም። ንሳቶም'ውን ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ (ከኽብርዎ) ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝተባህልዎ፡ ብርሃን ኣምላኾም መሲሎም ሓሊፎም እዮም።

ትምህርቶም፡ ተኣምራቶም፡ ገድሎምን፡ ቱሩፋቶምን ኩሉ ብርሃን እዩ። ኣብ መንጎ ክፉእን ጠዋይን ወለዶ ዋላ እኳ እንተነበሩ ብለዋሃት፡ ብዘይ መንቅብ ነውሪን ደቂ እግዚኣብሔር ኮይኖም ክፉእ ከይሓሰቡ ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኩሉ ገበሩ፡ ብኹሉ ኣካይድኦም ብርሃን ኮይኖም ተራእዩ። ( ፊሊ 2፥14-15/፪፡፲፬-፲፭)።

ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱሳን ብእምነት ንዝፈጸምዎ ገድሊ ዝጸሓፈ ናይ ቅዱሳን ገድልን ሕይወትን ብርሃን ስለ ዝኾነ እዩ። (እብ1፥1-40/፲፩፡፩ ) ከም ብርሃን ዝተራእዩ ስግኦም ብመከራ ከም ሽምዓ እናነደደ እዩ።

እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣሳእሎም ሽምዓ እንውልዕ፡ “ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ከበርሁ እዮም” (ማቴ 13፡ 43/፲፫፡፴፫)። ነቢይ ዳኒኤል'ውን ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ክበርሁ እዮም” (ዳን 12፥3) ኢሉ ኢዩ።

ስብሃት ለእግዚኣቢሄር
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
በብ_ግሩፑ_ሼር_ንግበሮ
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

27 Jan, 05:56

811

💐 #ኣብ_ገዛእ_ርእስኻ_ኣይትወከል 💐

ሰብከት ትሰምዕ፣ ልብኻ ውን ይትንከፍ፣ በዚ ስብከት`ዚ ኣቢልካ መገዲ ጽድቂ ክትጓዓዝ ትውስን። ብቅዱስ ቅንኢ መንፈሳዊ ህይወት ትጅምር፡ ትጸውም፡ ትጽልይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ውሽጥኻ ክደፍኣካ ይጅምር።📖

ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ ጸጋ ኣግዚኣብሔር መሲልካ ይኸውን፣ ግን ኣይኮነን። ደሓር ግና ፈጺምካ ትዳኸም። ካብቲ ዝነበርካዮ ደረጃ ናብ ዝገደደ ትወድቕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ስለ ዝተወከልካ እዩ።📖

#መፍትሒ፦ ቅድም ናብ ኣባት ነፍስኻ ኪድ፣ ንሱ ይምራሓካ። ንዓኻ ዝምጥን፡ ዓቕምኻ መደብ ክህበካ እዩ። ብኡ ጀምር!!📖

#ኣንቲ_ውእቱ_ተስፋኁ_ለኣዳም
ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

18 Jan, 15:26

1,124

ማቴዎስ 3 ÷ 13-15

13: ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡
14: ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።
15: ኢየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።
16: ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።
17: እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዝብል
ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።
እንኳዕ ናብ ናይ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጥምቀት በዓል ብሠላም ኣብጸና !!