ሕቶ ክምልስ ፍጹም ድፍረት ይኹን ወነ ዘይብሉ ብህርፋን መሊኡ ዝፈሰሰ ስልጣንን ጥቕምን ዓይኑ ዝዓወረ ጉጅለ ብመንገዲ መዳኸርቱ ኣቢሉ ኣብ ከተማታት ትግራይ ክገብሮ ከምዝኸረመ ኣብ ዲያስፖራ ተመሳሳሊ ናይ ጣቒዕትን ጭብጨባን፣ ናይ ትርጉም ኣልቦ ህውተታ፣ ናይ ኣንግሱኒ ሕልሚ ብሆይ-ሆይ ክዕጀብ ዝሓሰቦ ፈሺሉ ኣብ ክንድኡ እቲ ትኽክለኛ መንነቱን ባህሪኡን ኣቃሊዑ ዝሓለፈ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ንፕሮፌሰር ሙሉጌታ ካፍቲ መድረኽ ዘተ ናይ ZOOM ኣንጢርካ ካብ ምውራድ ጀሚሩ፣ ክሳብ ዓፈና ሕቶታትን ሓተትን፣ ካብ ብሽም ናፍቲ መድረኽ ምድላው ይኹን ተሳትፎ ፈጺመብ ዘየለዋ ማሕበራትን ሲቪል ትካላትን ምሽቃጥ፥ ክሳብ ኣቡኡ ዘፍለጠ ሌላን ጉሌላን ናይ መን ይድይብን ይወርድን፥ ይሓትትን ይኽልከልን - ኮታስ ኩሎም ዓይነት ሕንከት ኣልቦ መዳኸርቲ ኣጸቢቑ ተቓሊዑሉ ኣሎ።