Engineer Lenkit Ze Axum

@digital_weyane_diaspora_tigray


Engineer Lenkit Ze Axum

05 Jan, 08:41


Messages in this channel will be automatically deleted after 1 day

Engineer Lenkit Ze Axum

01 Jan, 22:21


ኣብ ትግራይ ካብ 1977 ዓ.ም ዝከፍአ ጥሜት ኣሎ
ህዝቢ ትግራይ ብሕሱም ጥሜት ይሃልቅ ኣሎ

ስልጣን
ኮይኑ ሸይጣን

ግምት ኮነ ገዛኢ ወድብ ህዝቢ እንተሒዝካ ኢካ ኣብ ስልጣንካ ተፀንሕ። ህዝቢ ትግራይ እንተዘይሃሊዉ ስልጣን የለን። ስልጣን ዝተሓዝ ንህዝቢ ክትመርሕ እምበር መሬት ክትመርሕ ኣይኮነን። ብርግፅ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሕዚ በጀካ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ , መንግስቲ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሳልሳይ ወገን ተፀባይ ኮይኑ ይርብ። ይኩን እምበር ካብቲ ህዝቢ ዝሓሸ እቲ ገዛኢ መንግስቲ ኮነ ውድብ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዝበሃላ ትካላት ዝውንን እዩ። ስለዝኮነ ነቲ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ርሃብን ጥሜትን ንምሕላፍ መንግስቲ ንህዝቢ ዝሓሊ እንተኮይኑ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ኣብ ናይ ትእምት ትካላት 50% ሼር ንክኣትዉ ዓዲሙ ህዝብና ካብ ሞትን ጥሜትን ከድሕን ኣለዎ።

ትካላት ትእምት ህዝባዊ ግዴታክን ተዋፅአ። ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ምስ ሃለቀ እዘን ትካላት ንኤርትራ እየን ክኮና ከምቲ ኣብ 2013 ዝኮና። ስለዝኮነ ህዝቢ ነድሕን ህዝቢ ነድሕን .....
ወገንና ህዝቢ ብጥሜት እናሃለቀ ፍርቅና ድማ ብ125,000 ብር ንሓደ ካሬ የሸንፍ ኣሎ እሞ ድማ መንግስቲ ኣብ ዘለዎ ዓዲ። ሂወት ንምድሓን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ሕዚ ዘሎ ሃፍተ ገነት ብንፁር ፈሊጡ ናብ ዝተመጣጠነ ከምፅኦ ይግባእ።

Engineer Lenkit Ze Axum

31 Dec, 15:57


ተጋዳሊት ሮዚና ትበሃል ፣ ዕድሚኣ ገና ምንባር ዘይጀመረት ንእስቲ ተጋዳሊት። ኣብ ማእኸል ሕክምና ኣዋሽ እያ ትርከብ። ኣብ እግራ ከቢድ መውቃዕቲ ፣ ኣብ ሑቑኣ ከንቀሳቅሳ ዘይኽእል ስብራት ኣለዋ። ነዚ ስዒቡ ብዙሕ ክፍሊ ኣካላታ ስለ ዝተጎድአ ናይ ጨጎራ መድመይቲ ውን ገጢሙዋ።

እዚ ማለት መግቢ ኣይትወስድን። ሓለሓሊፉ ንእሽተይ ፀባ ትወስድ ዝተረፈ ግን ብግሉኮስ እያ ትናበር። ሐዚ ንዘለዋ ኹነታት ጥዕና ዘመሓይሽ Nexium /esmoprazole / 40mg ዝበሃል መድሓኒት ተኣዚዙላ ኣሎ። እቲ መድሓኒት ኣብቲ ትሕከመሉ ማእኸል የለን። እንተተረኺቡ እውን ምስ ጨጎረኣ ክኸይድ ስለዘይኽእል እቲ መድሓኒት ባዕሉ ኾይኑ ብመርፊእ ዝውሰድ ክትረክብ ግዲ ኾይኑ ኣሎ።

ነዚ መድሓኒት ገዚኡ ክሰደላ ዝኽእል ወይ ብቅርሺ ክሕግዛ ዝኽእል ሰብ ኣድልይዋ ኣሎ።
ህይወት እዛ ምንባር ዘይጀመረት ንእስቲ ነድሕን።

ብቀጥታ ክትረኽቡዋ ትደልዩ ብስልኪ ቁፅራ +251914865196
+251921894250
+251946896685
ሮዚና ኢልኩም ደውሉላ

Engineer Lenkit Ze Axum

25 Dec, 16:56


Channel name was changed to «Engineer Lenkit Ze Axum»

Engineer Lenkit Ze Axum

25 Dec, 15:14


Amidst the harsh reality of drought & hunger claiming lives, millions are at risk of famine. This #Christmas , my wish for #Tigray is food relief, justice, & a return IDPs to their home. The IC must urgently resume aid . Tigray's sentenced to starve to death.#ResumeAid4Tigray #stopweaponizinghunger #NeverAgain4Tigray

#AmharaFanoOutOfTigray
#EriteraOutOfTigray
#ImplementPretoriaDeal
#ReturnTegaruIDPs
#TigrayDemandJustice
#ResumeAid4Tigray

Engineer Lenkit Ze Axum

25 Dec, 15:07


https://twitter.com/Engineer_Lenkit/status/1739301447441764532?t=EvbGtAPkJ9rfiN149b0AgA&s=19

Engineer Lenkit Ze Axum

17 Dec, 03:54


መስዋእቲ ዘይኮነስ መርዓ ይግበኣካ ነይሩ😥
ብሰላም ዕረፍ ፅሩይ ጀጋና ንእሽተይ ሓወይ !

ፅንዓት ንመላእ ህዝብና!
ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!

Engineer Lenkit Ze Axum

29 Nov, 13:37


We Never Forget ❗️❗️❗️
The Axum massacre: a snapshot of Tigray Genocide
---------------------------------------------------------

Last two years ago on this day, hundreds of civilians were killed in the ancient city of Axum by savage invaders from neighboring Eritrea and Ethiopia. This is just example of an ongoing state sponsored genocide against the people of Tigray. We will never ever forget this holocaust like genocide against us!
NEVER and EVER FORGET #AxumMassacre🕊️
#ENGINEER_LENKIT_ZE_AXUM
HEAD ADMIN

Engineer Lenkit Ze Axum

26 Nov, 18:15


ምስ መከላከያ ኢትዪጵያ ሚንስትር Dr. Abraham Belay-ዶ/ር አብርሃም በላይ ሎማዓንቲ ዝተገበረ ናይ Zoom meeting መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ስሩዕ ኣገልግሎት ክጅምር ይንቀሳቐስ'ለኹ ክብል አፍሊጥና አሎ ።

Engineer Lenkit Ze Axum

26 Nov, 14:26


ኩሉ ትግራዋይ ኣብዚ ሰዓትዚ ኣብ ጎኒ ሓፍትና ኣካያዲት ስራሕ ገባሪ ሰናይ ሕውየት ዝኾነት Meseret Hadush ሓዱሽ ክስለፍ ይግባእ።

መሰረት ናይ ተግባር ሰብ እያ ብተግባር ንዝሰርሕ ሰብ ድማ ኣብ ጎኑ ክንኮን ይግባእ።
ዝረኸበተን ንፅጉማት ንጥቕዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ብምሕጋዝ እትነጥፍ ብልፅቲ ትግራወይቲ እያ።
ቃል ዝተሰውኡ ብፆታ ዘይጠለመት ሓፍትና ብዝኸኣልናዮ ናብ ናይ መሰረት ሓዱሽ ብምልኣኽ ንህዝቢ የጭላ ኣበርገለ ኮነ ኣብ ካሊእ ከባቢታት ዘሎ ወገንና ንሓግዝ።

ብሽም ዝተፈላለዩ ሓገዝ ዝሽቅጡ ብርክት ዝበሉ ጎሓላሉ ከም ዘለው ድማ ከይረሳዕና።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ትነበር ህዝበና ነቶም ወገናትና ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ርብርብ ብዝተኽኣለ መጠን ብማተርያል ማለት ፊኖ - ስርናይ- ፓስታ-ሞኮረኒን ሩዝን ዘይትን ዝኣመሰሉ ብቐጥታ ናብቲ ተጠቃሚ ዝበፅሑሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግባእ።

ንወገን ወገን ይብፀሓሉ።

Engineer Lenkit Ze Axum

19 Nov, 14:51


#BreakingNews !
Ethiopia demands : Verified, full & permanent withrwal of Eritrea from every inch of Ethiopia Territory . Otherwise, Ethiopian will reluctantly go to war to respect Ethiopian sovereignty and save our citizens.
#GameoverEritrea

Engineer Lenkit Ze Axum

09 Nov, 13:42


ነዉራማት ትካል ቅርሺ እምበር አዚሮም ዘይሓስቡ ስድራ ስውእ ካብ ሂወት ቅርሺ ዘብልፁ ብሱሩ ንዓድ ሂወቱ ዘሕለፈ ክፈል ይበሀል ።መንግስቲ ይሕሰበሉ ነቲ ስድራ ተጋዳላይ ሂወትትትትት ይበልፅ አቱምም

ሰማይ ኬድኩም ኣልሽዎ ኢለዮም...!!
***&***
ደደቢትንማይክሮፋይናንስ«165 ሺሕ ቕርሺ ልቓሕ #ደደቢት ኣውፂኡ በጃጅ ገዚኡ። ድሕሪ 'ዚ ፅንተት ግዘ እቲ ገንዘብ 365 ሺሕ ቅርሺ ኮይኑ። ኣብ መርድእ ዝተነገርናሉ እዋን ደዊሎምለይ። ኣናዲዶምኒ ሰማይ ኬድኩም ኣልሽዎ ኢለዮም።
~ ~ ~ ~
ናብ ቢሮ ፀዊዖምኒ ከይደ "እዚ ቈልዓ ብህይወት የለን እንታይ ክንገበር? ኢለዮም::" እቶም ደደቢት ከዓ "ንሕና ዶ ናብ ምግዳል ጎቲትና ኣውፂናዮ ኢና ምስ በሉኒ" ብኽያት መፅዪኒ ገዲፈዮም ከይደ።»
~ ~ ~ ~
እዚ ኩሉ ቃል ብቓል ዝተዛረበቶ እዩ። ኣዝዪ መደንፀዊ፣ መሕዘኒ፣ ድሕሪ ሕዚ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ወይ ምእንተ ትግራይ ኣብ መፃኢ ሓደ ክ/ዘመን ምሉእ ዋላ ተጋጊኻ ከምዚ ዝሓለፈ ንኸይትሰርሕ ወሎዶኻ ክመሃረሉ ዝገብር ተግባር እዩ። ትግራይ ንትግራዋይ ኮይና ኣይትፈልጥን ቀፃሊ 'ውን ኣይትኸውንን።