መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
"ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክነካይድ ኢና።" ክብሉ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ ገሊፆም።
ኣይተ በየነ ነዚ ዝበሉ፣ ካብ ጣቢያ ክሳዕ ዞባ ዘለዉ ኣመራርሓ ከተማ መቐለ ዝተሳተፉሉ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ይዝተየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።
ዓለም ለኻዊ፣ ከባቢያዊን ውሽጣዊን ኵነታት ፖለቲካ ዝድህስስ ሓሳብ ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ እንትኾን፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንምትግባር ኣብቲ ስምምዕ ዝምስረቱ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝህልዉ ዝምድናታት ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ገሊፆም።
ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ንኲናት ጠንቂ ዝኾኑ ነገራት ክተርፉን ከም ዝቃለሱ ተዛሪቦም።
ፌደራል መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእ ዘይምኽኣሉ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዓቢይ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ዘረድኡ ኣይተ በየነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለዉ ግቡኣቱ ክፍፅም ፀቕጢ ንምግባር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ዓበይቲ ምዕባለታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፣ "ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰማዓይነት ናብ ንጡፍ ዜጋ ክሰጋገር ጀሚሩ ኣሎ፤ ኵሉ ዝበሃል ተቐቢሉ ዝኸይድ ዘይኮነስ ዝሓትት ኾይኑ ኣሎ።" ኢሎም።
እዚ ኣብ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ባህልን ዓቢይ ለውጢ ዘምፅእን ንድሕሪት ዘይምለስን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ነንባዕሎምን ምስ ካልኦት ትካላትን ጊዜያዊ ምምሕዳርን ተቐራሪቦም ክሰርሑ ምጅማሮም እውን ኣካል እቲ ለውጢ እዩ ኢሎም።
እዚ ምዕባለ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም።
#ብቶማስ_ሓዱሽ