Latest Posts from Tigrai Television (@tigrai_ttv) on Telegram

Tigrai Television Telegram Posts  

Tigrai Television
Tigray Television is a media which disseminates news and programs world wide via Television, Radio and Website.
13,346 Subscribers
6,250 Photos
130 Videos
Last Updated 01.03.2025 12:58

Similar Channels

Addis Standard Amharic
15,782 Subscribers
Fitsum Berhane
3,038 Subscribers
dimtsiweyane
1,226 Subscribers

The latest content shared by Tigrai Television on Telegram


ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ቃልሲ ክነካይድ ኢና - ኣይተ በየነ ምክሩ

መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

"ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክነካይድ ኢና።" ክብሉ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ ገሊፆም።

ኣይተ በየነ ነዚ ዝበሉ፣ ካብ ጣቢያ ክሳዕ ዞባ ዘለዉ ኣመራርሓ ከተማ መቐለ ዝተሳተፉሉ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ይዝተየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።

ዓለም ለኻዊ፣ ከባቢያዊን ውሽጣዊን ኵነታት ፖለቲካ ዝድህስስ ሓሳብ ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ እንትኾን፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንምትግባር ኣብቲ ስምምዕ ዝምስረቱ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝህልዉ ዝምድናታት ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ገሊፆም።

ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ንኲናት ጠንቂ ዝኾኑ ነገራት ክተርፉን ከም ዝቃለሱ ተዛሪቦም።

ፌደራል መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእ ዘይምኽኣሉ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዓቢይ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ዘረድኡ ኣይተ በየነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለዉ ግቡኣቱ ክፍፅም ፀቕጢ ንምግባር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ዓበይቲ ምዕባለታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፣ "ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰማዓይነት ናብ ንጡፍ ዜጋ ክሰጋገር ጀሚሩ ኣሎ፤ ኵሉ ዝበሃል ተቐቢሉ ዝኸይድ ዘይኮነስ ዝሓትት ኾይኑ ኣሎ።" ኢሎም።

እዚ ኣብ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ባህልን ዓቢይ ለውጢ ዘምፅእን ንድሕሪት ዘይምለስን ከም ዝኾነ ገሊፆም።

ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ነንባዕሎምን ምስ ካልኦት ትካላትን ጊዜያዊ ምምሕዳርን ተቐራሪቦም ክሰርሑ ምጅማሮም እውን ኣካል እቲ ለውጢ እዩ ኢሎም።

እዚ ምዕባለ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም።

#ብቶማስ_ሓዱሽ

ን400 ወገናት ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ ይሳለጥ ኣሎ።

መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ የሳለጥ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ጀርመናዊ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ኢንግሊዛዊ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኢዶም ንዝተቖረፁ ወገናት ብልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድ ኣካይዶም።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ብርክት ዝበሉ ጉድኣት ኣካል ስለዘለው እዚ ግልጋሎት ቀፃሊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝስራሕ ኣተሓባባሪ ሃንድስ ፕሮጀክት ጀርመን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ቢንያም ገብረየሱስ ገሊፆም።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ሕክምና ተሃድሶ ዶክተር ኮከብ ሓጎስ ብወገኖም ብገበርቲ ሰናይ ብተፈጥሮን ሰብ ኲናትን ኢዶም ዝሰኣኑን ዝተጎዱን ወገናት ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድን ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ብስንኪ ኲናትን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ኣካል ጉድኣት ኣካል ብዙሕ ስለዝኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ተሳትፈኦም ከሐይሉ ፀዊዖም።

እዚ ግልጋሎት ካብ 17 ክሳዕ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መቐለ ማእከል ሕክምና ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ እናተውሃበ ይርከብ።

ነቲ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸቡ ጉድኣት ወገናት ካብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ብተወሳኺ ቅልል ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእሎምን ነዚ ዕድል ብምርካቦም ሓጎስ ከምዝተሰመዖምን ብምግላፅ ካልኦት ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ወገናት ድማ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ተላብዮም።

#ብጥዑማይ_ገዛኢ

ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍፅም ምህላዉን ብህፁፅ ክወፅእን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓሳሲቡ።

መቐለ፥ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኣብ 2022 ዓመተ ፈረንጂ ዝተነበረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ሕዚ አውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ኮይኑ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ ክብል ውድብ ሕቡራት መንግስታት የካይዶ ኣብ ዘሎ መበል 58 ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፉን ሕዚ ይፍፀሙ ንዘለውን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድሌት የብሉን ክብል ወቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ከምዘሎ እኹል መረዳአታ ኣለና እዩ ክብላ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስመዓ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ኢልዜ ብራንድስ ክሃሪስ ሓቢረን።

እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ገበናት ስርቂ፣ ዓመፅ፣ጭውያን ካልኦት ዓበይቲ ገበናትን ይፍፅም ሰለዘሎ ብህፁፅ ክወፅእ ይግባአ ኢለን።

ዝምልከቶም ኣካላት ዝግባአ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ እውን ገሊፀን።

#ብህሊና_ኣርኣያ

መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝፈላለዩ ምድላዋት ክፅምበል እዩ-ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን

መቐለ፥21 ለካቲት 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝፈላለዩ ምድላዋት ክፅምበል እዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅብሃ ገ/ሄር (ዶ.ር)።

እቶም ሓላፊ ኣብ ናይ ውልቀ ፌስቡክ ኣካውንቶም ብመሰረት ዝጠቅዕዎ ሓበሬታ ፅባሕ 22 ለካቲት 2017 ዓ.ም ውድድር ዓብዩ ጉያ፣ መድረኽ ዘተ፣ ዑደት ታሪኻዊ ቦታታትን ምርኢት ጎደናን ክሳለጡ እዮም።

ሰንበት 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም ድማ ምርኢት ትያትር ፣ ምርኢት ሙዚቃን ካልኦትን ከምዝህልው እቲ መርሃግብሪ የመላኽት።

እቶም ምድላዋት ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ዝተዳለው ምዃኖም ተሓቢሩ።

በዓል ዓወት ኵናት ዓድዋ ወታደራዊ ብቕዓት ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ባሻይ ኣውዓሎምን ካልኦትን ደጊሙ ዝተረጋገፀሉን ፤ ተጋሩ ኣብ ሰሓጢ፣ ጉንደትን ዶግዓልን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ፋሽሽት ጣልያን ናይ ዘመዝገብዎ ዓወት መቐፀልታን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

መበል 1446 ዓመተ ሂጀራ ፆመ ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ክጅምር እዩ።

መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

መበል 1 ሺሕን 446 ዓመተ ሂጀራ ፆም ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ከምዝጅምር ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ሸሪዓ ቤት ፍርዲ ትግራይን ኣፍሊጦም።

ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ብምርኣያ ህዝበ ሙስሊም ብፆምን ፀሎትን ዘሕልፎ ወርሒ ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ከምዝጅመር ገሊፆም።

ዘርኡ ገብረሊባኖስ ካብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሚኢቲ ሰባት ዓለምና ሓደ ብምዃን ሽልማት ተቐቢሎም።

መቐለ፥ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ናይ ክብሪ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብብርኪ ዓለም ካብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሚኢቲ ሰባት ሓደ ብምዃን ካብ ካውንስል ማአኸል ልምዓት ዶብ ኣልባ መራሕቲ ሽልማት ተቐቢሎም።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ተረኺቦም ሽልማቶም ከምዝወሰዱ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኖርዘርን ስታር ቢዝነስ ጉሩፕ ዝበሃል ትካል ንግዲ ዘንቀሳቕሱ በዓል ሃፍቲ አንትኾኑ፣ብውልቀኦም ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፆም ንህዝብን መንግስትን ብምርካብን በቢ አዋኑ ንፅጉማት ብምሕጋዝን ዝፍለጡ በዓል ሃፍቲ ብምዃኖም ካብቶም ሚኢቲ ብሉፃት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ኮይኖም ክሕረዩ ክኢሎም አዮም።

አዞም ብብርኪ ዓለም ዝተመረፁ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ብስርሖም፣ ዘምፅእዎም ሓሳባትን መሪሕነቶምን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ምዃኖም ዝተኣመነሎ ካብ ሎሚ 21 ለካቲት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝወሃቦም እቲ ካውንስል ዕላዊ ገይሩ።

ሕማም ኣልምሲ ዓሌት ክልተ ቫይረስ ኣብ ከተማ መቐለ ንምርካቡ ስዒቡ ወፍሪ ክታበት ክጅመር እዩ-ቢሮ ጥዕና

መቐለ፥12 ለካቲት 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ሕማም ኣልምሲ ዓሌት ክልተ ቫይረስ ኣብ ከተማ መቐለ ንምርካቡ ስዒቡ ፤ ወፍሪ ክታበት ሕማም ኣልምሲ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ከካይድ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ ።

እቲ ወፍሪ ካብ 14 ለካቲት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝሳለጥ ፤ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብቲ ሕማምን ወፍሪ ክታበትን መሰረት ገይሩ ንሰብ ሞያ ሚድያ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ተሓቢሩ።

ሚድያታት ኣብቲ ዝግበር ወፍሪ ክታበት መሰረት ገይረን ብምስራሕ ግንዛበ ማሕበረሰብ ንክዓቢ እጃመን ከወፍያ ፃውዒት ቐሪቡ።

ሕብረተሰብ ዝተኸተበ ይኹን ዘይተኸተበ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃን ክኽተብ ከምዘለዎ ፈሊጡ ፤ ደቁ በቲ ወፍሪ ንከኽትብ እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ።

እዚ በዓል “ዝኽሪ 11 ለካቲት ንሓድነትን ሰላምን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝዘከር ኮይኑ ክሳዕ ሕዚ ዘይተመለሱ ዋኒናት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኩ ዕልባት ንክረኽቡ ሓድነትና ኣስጢምና ከም ህዝቢ ብሓደ ክንዓምም ይግባእ። ኣብዚ መዳይ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ሃይማኖት፣ ናይ ሞያ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ኣፈላላያት ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ንምምላስን እግሪ ክተኽሉ ንምግባርን፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ቅድመ ኩናት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፣ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብዘተኣማምን ብርኪ ውሑስ ንምግባር ሓበራዊ ዓቕምታትና ክነዕርፍ ይግባእ።

እዚ ብሄራዊ በዓል ብሓባር ንምብዓል ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ግዱሳት ወገናትን ዝተጀመረ ፃዕሪ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ድሉውነትና ብምርግጋፅ ንተፈፃምነቱ እውን መደባትና ንምውዳድ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ገይርና ነይርና ኢና። ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ንጎኒ ገዲፉ እቲ በዓል ከም ናይ ውልቅኡ ናይ ጉጅለ በዓል ወሲዱ ምስ መንግስቲ ብሓባር ከብዕል ከምዘይክእል ኣብ ልዕሊ ምርግጋፁ ኣብ ሕድሕድ ናይ መንግስቲ ንጥፈታትን እቲ ንጥፈት ዝካየደሎም ቦታታትን ኣብ ተመሳሳሊ ስዓትን ቦታን ካልእ ተደራቢ ንጥፈት ሕዙ ስለዝመፅአን እዚ ድማ ፅቡቕ ኩነታት ስለዘይፈጥርን ከም መንግስቲ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ርኢና ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩና ንጥፈታት ንገሊኦም ክንስርዝ ተገዲድና ኢና። መንግስቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሳልጦም ናይ በዓል መደባት ንገሊኦም ዝሰረዞም ናይ ህዝብና ስግኣት ንምቕናስ ብምሕሳብ እዩ።

ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ከምዚ ዝበለ ፋሉልነትን ስርዓት ኣልቦነትን ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተነበረ እቲ ካብ ናይ ጉጅላዊ ናይ ስልጣን ህረፍን ስልጣንን ወፃኢ ረብሓ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘይይእንታዩ ዝኾነ ጉጅለ ናብዚ ብርኪ ክንወርድ ገይሩና ኣሎ። ስለዝኾነ ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ኣቐዲምኩም ብዝሓዝኩሞ ፕሮግራም መሰረት ክትቕፅሉ፤ ህዝቢ ከተማ መቐለ ግን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ገገዛኻ ኮይንኻ ነዚ ብሄራዊ በዓል ክትዝክሮ ከም መንግስቲ ብብርኪ ክልል ኣብ መቐለ ዝሓዝናዮም ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ንጥፈታት ክንስርዝ ከምዝተደድና ክንሕብር ንፈቱ።

ህዝብና ብሓፈሻ መናእሰይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ናይ ከባቢኹም ሰላምን ፀጥታን ንምሕላው ብዝተወደበ መንገዲ ንክትንቀሳቐሱን በቢከባቢኡ ዝኽበር በዓል 11 ለካቲት ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ክሓልፍን ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ንክትገብሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።

በቢከባቢና በዓል 11 ለካቲት እንተነኽብር ዝተመዛበሉ ወገናትና፣ ኣካሎም ዝተጎድኡ ጀጋኑ ተጋደልትናን ስድራ ስውኣትናን ብምሕጋዝን ኣብ ጎኖም ብምዃንን ክኸውን ይግባእ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
11 ለካቲት 2017ዓ.ም
መቐለ

መግለፂ 11 ለካቲት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘሎ መላእ ህዝብና እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት ብሄራዊ በዓል 11 ለካቲት ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና እንትብል ኣብቶም 17 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን ብምዝካርን ብምዕቃብን ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ዕላማታት ለካቲት ንምምላእ ቃልና ከም እነሐድስ ብምትእምማን እዩ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተዳለወ መድረክ ግምገማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘስምዕዎ መደረ
----