☠️ PART 16 ☠️
👑 ስልጣን ንምንታይ? 👑
1 ሚልየን ሰብ ሃሊቑ:: 127,000 ደቂ ኣንስትዮ ብፀላእቲ ተዓሚፀን:: ብሚልየናት ዝቑፀር ስደተኛ እዩ ዘሎ:: ምዕራብ ትግራይ: ደቡብ ትግራይ: ኢሮብ ምስ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኮይነን:: 87% ናይ ጥዕና ጣብያታት ዓንየን:: 76% ቤት ትምህርቲታት ከም ዘይነበራ ኮይነን:: ተላበድቲ ሕማማት ተስፋሕፊሖም: ስደት መንእሰይ : ሓባራዊ በሰላ: ኢኮኖምያዊ ማህሰይቲ ዘለዋ ዓዲ እያ ትግራይ ማለት:: ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኮይንካ ንስልጣን ክንድዚ ምድፋእ እንታይ ንምርካብ እዩ? ክንደይ ፀገም ተሸኪምካ እንዳሃለኻ ክንዲ እቲ ናይ ህዝቢ ፀገም ትፈትሕ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እየ ኢልካ ኝኽ ምባሉ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ? እዚ ኩሉ ዕንወት በፂሑ ሓላፍነት ወሲድካ ኣጥፊአ እየ ኢልካ ክንዲ ዝውረድ ንምንታይ እዩ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እየ ዝብል ኽርክር ዝርአይ ዘሎ? ንምንታይ ኢለ'ውን ንብዙሓት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓቲተ እየ:: እታ ወንበር ክንድዚ ድያ ዝትጥዕም ኮይና? እዚ ኩሉ ጥፍኣት መፂኡስ ንምንታይ እዩ ንእሽተይ shame ዘየለ? በቢብርኩ ዝረኸብክዎ መልሲ ተመሳሳላይ እዩ:: ኩሉ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ እቲ ፀገም ግን ሕልኽልኽ ዝበለ ኮይንዎ እምበር:: እዘን ሕቶታት ንምምላስ ግን "ስልጣን ንምንታይ?" ትብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲት ትመስለኒ:: ንምንታይ እዮም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ደልዮም ዘለው?
ስልጣን ህዝቢ ንምግልጋል; ስልጣንካ ተጠቒምካ ሰልዲ ንምእካብ: ብስልጣንካ ምኽንያት ትረኽቦ ማሕበረሰባዊ ኽብሪ,...ስልጣን ምዓት ነገር እዩ ዘመላኽት:: መራሕቲ ትግራይ ግን ኣብዚ ይፍለዩ እዮም:: መራሕቲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ዝደልዩ ዘለው ነቲ ኣብ መፃኢ ካብ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኮነ ረብሓ ተበጊሶም እንተይኮነስ ነቲ ሕሉፍ ግዕዝይናን ትሕቲ ዓቕሚ ዝኾኑ ውሳነታትን ናብ ህዝቢ ንከይወፅኡ ንምሕባእ እዩ::
ሓንቲ ብጣዕሚ ኣስተውዓለያ ድሓር ድማ ከም መሰረታዊ ሕቶይ ገይረ ንኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ብዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ዝሓትታ ሕቶ ኣላ:: ኣብ ሞንጎ ማእከላይ ኮሚቴን ፈፃሚት ስራሕን ዘሎ ርሕቐት(gap) ብጣዕሚ ሰፊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ሓባራዊ ምርድዳኣት ፈጢርካ እታ ዓዲ ዝትጠልቦ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ምጥንሳስስ ይትረፍ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ነቲ ማእከላይ ኮሚቴ ዝህቦ ሓበሬታ ብጣዕሚ ዝተወሰነን ብቑንጣረን እዩ:: ክንደይ ንዓዲ ዝጠቕሙ ትንተናታት ክወፅእሉ እዮም ተባሂሉ ዝሕሰበሉ ኣካል ብዛዕባ እቲ ዘሎ ነባራዊ ኹነታት ኸማን ሓበሬታ ኣይውሃቦን:: ዝተወሰኑ ምስቶም ፈፀምቲ ስራሕ ፍሉይ ቅርርብ ዘለዎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ነቲ ሓበሬታ ክረኽብዎ እዮም እቲ ኣብዝሓ ግን ምስቲ ኣብ ገዝኡ ዝውዕል ሰብ ዳርጋ ማዕረ እዩ:: ምግናን ዋላ እንተመሰለ ምንም ዘይንገሮም ማእኸላይ ኮሚቴ እያ ሒዛ ውድብ ህወሓት:: ኣብ ታሪኽ ህወሓት ክንዲ እዚ ናይ ሎሚ ዝለመሰ ማእከላይ ኮሚቴ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን ዝብሎ በዘይ ምኽንያት ኣይኮነን:: እንታይ ኮን ከምፅኡልና ዝኾኑ እንዳበለ ሓበሬታ ዲማንድ ዘይገብር ኮፍ ኢሉ ዝውዕል ማእከላይ ኮሚቴ እዩ ዘሎ:: ነዛ ዝተበፅሐት ደርጃ ንምርዳእ እየ ፈቲነ ኣነ:: ቅድሚ ሕጂ እንተንኣሰ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ይመያያየጥ እዩ ነይሩ:: እቶም ዘለው ሓበሬታት ይውሃብዎ እዮም ነይሮም:: ፅቡቕ ሰሪሖም'ዶ ኣይሰርሑን ንሕድሕድ መንበባይ ነናይ ባዕሉ ርድኢት ዋላ እንተሃብዎ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ግን ሓበሬታ ክንድዚ ኣይሕብኦምን ነይሩ:: እንታይ ድኣ ኮይኖም እቶም ናይ ሎሚ ማእኸላይ ኮሚቴ ክንድዚ ሓበሬታ ዝሓረሞም? ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኮይኑ 9,000 ሰራዊት ከም ዘለና ዝፈለጠ ተምቤን ምስ ወረድና እዩ:: ክንድዚ ዝኣክል ናይ ሓበሬታ ዓፈና እዩ ተኻይድሉ በቶም ፈፀምቲ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ:: ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኢለ ንክሓትት ግን እታ ምዓዝ ትመስለኩም እቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ክንድዚ ክሰፍሕ ዝጀመረትላ ነጥቢ ኢለ ምሕታት ጀሚረ:: ከምኡ ዝገበርኩ'ውን ምልዐሊኣ ንምፍላጥ ስለ ዝደለኹ እዩ:: ውድብ ህወሓት ትፍለጠሉ ናይ ምይይጥ ባህሊ ገዲፍካ ዘየለ ዝተወሰኑ ሰባት ዝቆፃፀርዎ ውድብ ካበይ ዝመፅአ እዩ ንምፍላጥ ስለ ዝደለኹ እየ ከምኡ ዝሓትት ዝነበርኩ:: ሕቶይ ድማ ንብርክት ዝበሉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብዛ ክልተ ዓመት ሓቲተ እየ::
ቅድም ኢሉ እቲ ሰብ ነናብ ስርሑ እንዳተጏየየ እምበር ምልክታት ነይረን እየን:: ክንዲ ምንታይ ዝትኣክል ህወሓት መሊኣ ናብ ትግራይ እንትምለስ ዘይትሓጎሱ ሰባት ነይሮም እዮም:: ድሕሪ ምምላስ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ሓባር ርድኢት ሒዙ: ክተሓጋገዘ: ሓሳባት ሼር እንዳተገባበረ እታ ዓዲ ዝትጠልቦ ስትራቴጅካዊ መሪሕነት ክህብ እዩ ዝብል እምነት ኣብ ባዕሉ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ'ውን እምነት ኣይነበረን:: ነንባዕሉ ምንኻስ: ብጥርጣረ ምርእኣይ: ምጉጅጃል'ውን ብሓይሊ ዝጀመረሉ እዋን እዩ እዚ:: ድሕሪ እታ ናይ ኣዋሳ ናይ ኢህኣዴግ ጉባኤ ንዶ/ር ኣብይ ናብ ቅድሚት ምምፃእ ስዒቡ ብዙሕ ነገራት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተቀያይሮም እዮም:: ብዙሓት ነገራት እንዳፀበቡ እዮም ከይዶም:: ኣብዛ ግዘ እዚኣ እዮም እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝኾኑ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ምዕብላል ዝጀመሩ:: ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበቲኑ ዝነበረ መሪሕነታ ተመለሰ:: ክንዲ ግዛዕ ዝኾን ሓላፍነት ዝነበሮም ሓለፍቲ ኣብ መቐለ ተኣኻኺቦም ስራሕ ኮፍ በሉ:: ብምኒስተር ደረጃ ዝነበሩ ሰባት እንተይተረፉ ኮፍ በሉ:: ትግራይ ኣብዚ ግዘ እዚ ልዕሊ ዓቐን ዝኸውን ሓላፊ ተሸኪማ እያ ነይራ; ምኽንያቱ ክልል እያ ትግራይ:: ነዚ ከም ሓደ ዕድል ብምርኣይ ኣይተ ኣለም ሽዑ ንሽዑ ንዕኦም ክሰምዑ ዝኽእሉ ሰባት ምምዳብ እዮም ጀሚሮም:: እቲ ዝምደብ ዘሎ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ነታ ንኣይተ ኣለም ደጊፉ ዝህባ ድምፂ እታ ስልጣን ከም ሽልማት ከም ተበርከተትሉ ዝብል ምርድዳእ ዝተበፅሐ እዩ ዝመስል:: ምስ ኣይተ ኣለም ዘይሳነዩ ግን ድማ ሙያን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እንዳሃለው ሹመት ዝተውሃቡ ግን እቶም ፅግዕ ፅግዕ ዝበሉ እዮም ኮይኖም::እቲ ኣይተ ኣለም ዝገበርዎ ናይ ምጉጅጃል ስራሕ ግን በይኖም ኣይገበርዎን::
ወ/ሮ ፈትለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሚንስትሪ ንግዲ እንትመርሓ ብዙሕ ሰብ ብስርሐን ሕጉስ ከም ዘይነበረ ይዝክር እየ በቲ ሽዑ:: ሓቅነቱ ከየረጋገፅኩ ምስቲ በቲ ሽዑ ግዘ ዝነበረ ፖለቲካዊ ብሽሽቕ ዝተሓሓዝ ገይረ እየ ርእየዮ ነይረ:: ዶ/ር ኣብይ ብክልተ መስመር ካብ ስራሕ እንትፍንወን ብኣቅም ማነስ ምክንያት ከስራ ተባርዋል ትብል ደብዳቤ ኮነ ተባሂሉ ብሶሻል ሚድያ ክዘዋወር ምስ ተገበረ ሓያል ዝብሃል ሕርቃን ሒዘን ከም ዝነበራ ይፈልጥ እየ:: ሕዚ ኮይነ ክሓስቦ እንተለኹ እዚ ሕርቃን ናብ ህልኽ ዝኸደ ይመስለኒ:: እቲ ህልኽ ድማ ከቢድ ዋጋ እዩ ኣኽፊልዋ ንትግራይ::