ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

@tigraypolitics


ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

02 Dec, 17:55


https://fb.watch/oHagI86643/

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

22 Nov, 13:46


Me

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

22 Nov, 10:44


Diplomat magazine from 2012

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

18 Nov, 22:39


📸 Look at this post on Facebook https://www.facebook.com/share/p/kJYgc5ng7KcMP1VV/?mibextid=u98aYd

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

07 Nov, 16:49


https://t.me/Betemetsahfti/41157

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

06 Nov, 11:53


እቶም መራሕቲ ነታ ስልጣን ዝደልይዋ ንመፃኢ ኣብ ዝረኽብዎ ረብሓ ሓሲቦም እንተይኮነስ እዞም ሰባት ንስልጣን ዝዳፍኡ ዘለው ዋና ምኽንያት ናይ ዝሓለፈ ግዕዝይና መሐለዊ ስለ ዝደለይዎ እዩ:: ምንጪ ናይዚ ኩሉ ዕግርግር ግዕዝይና እዩ:: እንድሕር ካብ ስልጣን ወሪድካ ጎርጋሪ ክመፅእ እዩ: ፈታሺ ክመፅእ እዩ:: ኣይትከላኸልን: ሕደግ ኢልካ ክትእዝዝ ኣይትኽእልን:: ኣብታ ስልጣን እንተሃሊኻ ግን ሕደግ ክትብል ትኽእል ኢኻ: ክፃረይ'ውን ኣይትፈቅድን: ኩሉ ተሓቢኡ እዩ ዝነብር:: እታ ካልአይቲ ስልጣን ክትፀንሐላ ዝድልየላ ዘላ ምኽንያት ድማ ናይ ፀረ ዲሞክራስያዊ ከይዲ እዩ:: ክትግምግም ኣይትደልን: ሓድሽ ሓሳብ ክትሰምዕ ኣይትደልን; እቲ status quo ኢኻ ሒዝካ ክትቅፅል ዝትደልይ:: ፀረ ዲሞክራስያውነት እንተሃልዩ በለፀ ክመፅእ ባህርያዊ እዩ:: በለፅ እንተሃልዩ ግድን እዩ ኔትወርክ ክፍጠር::ኔትወርክ እንተመፂኡ ግድን እዩ እቲ ግዕዝይና እቲ ኣባል ኔትውርክኻ ክከላኸልካ ሓቢሩ ስለዝጨቀወ:: ምንጪ ናይዚ ኩሉ ዕግርግር structural ዝኾነ ናይ ፀረ ዴሞክራስያዊ ባህርይን ግዕዝይናን እዩ ዝኸውን ዘሎ:: እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ስልጣን ድፍእ በዚ እዩ እቲ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ:: ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣይኮነን ዘሎ ኣብ ህወሓት:: ብሓሳብ ዝማጎት የለን: ሓድሽ መውፅኢ መንገዲ ሓሲቡ ዝዛረብ የለን:: ትጋገዩ ኢኹም ዘለኹም ንዝበሎም ድማ ከዲዑ እዮም ኢሎም ሽም ዝልጥፉሉ:: ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ድሓን ድምፂ ተቓውሞ የስምዑ ዝነበሩ ሰባት ብናይ እኒ ኣለም ናይ ስልጣን ሽልማት ውህብቶ ታክቲክ እንትኽርበቱ'ውን ሰሚዕና ኢና ኣብዚ:: ሓደ ኣብነት ኣብዚኣ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን እዩ ዝኸውን:: ከም ፍስሃ ምንእሰይ ኮይኑ ዓው ኢሉ ኣብ ውሽጢ ዝቃለስ ሰብ እንትርእይ ተስፋ እዩ ዝርአየኒ ነይሩ; ሓቂ ንምዝራብ የድንቖ'ውን ነይረ እየ:: ኣንፃር እቲ ዘሎ መሪሕነት ኮይኑ ዓው ኢሉ ናይ መሪሕነት ውድቀት ገጢሙና ኣሎ ኢሉ ከም ዝዛረብ ምስ ሰማዕኹ ድማ ሞራል እዩ ዝስምዐኒ ነይሩ:: ድሓር ግን ብባዕለይ እየ ሓፊረ:: ኣለም ናይ ቢሮ ፍትሒ ሓላፊ ዝብል ሹመት ምስ ሃቦ ብሓደሻብ ነቶም ናይ መሪሕነት ፀገም ኣለና ኢሎም ዝማጎቱ ምፅራፍ ከም ዝጀመረ ምስ ሰማዕኹ ንዕቐት እዩ ተሰሚዕኒ::

ሰነ 21/2013 መቐለ ምስ ተኣተወ ካብ በረኻ ኣብ ሓምለ ኣብ ዝተገበረ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ንገምግም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ኣይንግምግምን ዝብል ምላሽ እዩ ረኺቡ:: ተተገማጊምና ክብትነና እዩ ኢሎም እዮም ብዓል ኣለም:: በቲ ሓደ ገፅ ድማ ዘይምግምጋም እዩ ክብትነና ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ብ3 ድምፂ ብልጫ እቲ ኣይገምግም ዝብል ሓይሊ ስዒሩ እዩ ወፂኡ:: ኣልወሃ ምስ ተበፅሐ መሬት ራያ ስለ ዝሓዝና ሕዚ ናበይ ከም ዝኾነ ኣንፈትና ንምፍላጥን እስካብ ሕጂ ዝመፃእናዮ ክያዶን ንገምግም እንተበሉ ሰማዒ ኣይተረኸበን:: ድሕሪ ምምላስ ካብ ዓዲ ኣምሓራ ኣብ ኖብል ሆቴል ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣኼባ ንገምግም ኣይንገምግም ዝብል ኣጀንዳ ተላዒሉ ሕዚ ናብ ምግምጋም ተኣቲና ነዊሕ ስለ ዝወስድ ኣይንውድኦን ክንበታተን ኢና ኢሎም እቲ ጉዳይ ዓፅዮሞ እዮም:: ናይ checks and balances ዝገብር ኢንስቲቱሽን ዘይሃነፀ ውድብ ብሕታዊ ናይ ምድሓን መማረፂኡ ገምጋም ምግባር እዩ:: ናይ ሓደ ስትራቴጂክ መሪሕነት ቁልፊ ልኡኽ ኩነታት ምግምጋም እዩ:: እስካብ ሕጂ ዝመፃእኻዮ ክያዶ እንድሕር ዘይገምጊምካ ጌጋኻ ስለ ዘይትፈልጥ ንካልኦት ዓበይቲ ጌጋታት ተቃላዓይ ኢኻ ትኸውን:: ከምኡ እዩ ድማ ኮይኑ ኣብ ትግራይ:: ዕንወት ኣብ ልዕሊ ዕንወት እዩ ተፈጢሩ ድማ በዚ ምኽንያት::

ናብ ሕጂ ንምፃእ እስከ:: ኣብ ሞንጎ ጌታቸውን እቶም ዝተረፉ ስራሕ ፈፀምቲ ዝተፈጠረ ነቓዕ እንታይ እዩ? ግዝያዊ ምምሕዳር ውፅኢት ናይ ፕሪቶርያ እዩ:: ፕሪቶርያ ድማ ውፅኢት ናይቲ ኩናት እዩ:: እቲ ኩናት ድማ ውፅኢት ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ችግር እዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ካብ ፕሪቶርያ ጀሚረ እየ ክምግምግም ዝደልይ ምባሎም ከም ኣብ ውፅኢት ክትግምግም ምድላይ እዩ ዝኸውን:: ምጭብርባር እዩ:: ዝደለኻዮ ነገር ንምግባር ክጥዕመካ ምእንተይ ኢኻ ከምኡ ትብል:: ትኽክለኛ ገምጋም ዝብሃል ካብ መጀመርያ እቲ ኩነታት ኢኻ ክትግምግም ዘለካ:: ንምንታይ ናብዚ ኣቲና ካብ ዝብል ኢኻ ክትጅምር ዘለካ::

ከም ተጋሩ ልቢ እንተዝህልወና ንምንታይ እዩ በቢ 30 ዓመቱ ኩናት ዝገጥመና ዝሎ ኢልና ኢና ክንግምግም ዘለና:: ዮሃንስ ዓሪፉ(1) ብዙሕ ከይፀንሐ ጣልያን(2) ፅንሕ ኢሉ ድማ ቀዳማይ ወያነ(3) ብዙሕ ከይፀንሐ ድማ ዳግማይ ወያነ(4) ; ኢትዮ ኤርትራ ኩናት(5); ናይ ሎሚ ኩናት ምስ ኩሉ(6):: በቢ20 : 30 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ኩናት ኣለዎ:: ንምንታይ ኢልና ክንግምግም ኣለና:: ገምጋም ማለት ኩነታት ኢኻ ትግምግም:: Objective reality ኢኻ ትግምግም::

ንገምግም/ኣይንገምግም 9 ግዜ ተላዒሉ ኣሎ እስካብ ሕጂ ኣይንግምግምን እዩ እስካብ ሕጂ ስዒሩ ዘሎ:: ንዘይምግምጋም ምኽንያት እዩ ዝቐርብ:: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ኣኼባ'ውን እዚኣ ኣጀንዳ እያ ከም ልማዳ ተላዒላ:: ንገምግም እንትብሃል ጭራሽ ብኣለም ዝተፅሓፈ ፕሪቶርያ ነፍርስ ዝብል ዶኩመንት እዩ ተፃሒፉ መፂኡ:: እታ ዶኩመንት ብድምፂ ውድቂ ኮይና ፕሪቶርያ ንክፀንሕ ተገይሩ እዩ:: እቲ ንገምግም ድማ እሺ ተባሂሉ ግን ካብ ፕሪቶርያ ንድሓር እንትብሉ ብዓል ኣለም ብካልእ ገፅ ድማ ገምጋም እንተኾይኑ ካብ መጀመርያ እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ ተባሂሉ:: እዚ ጉዳይ እዚ ተንከባሊሉ ናብ ብዓል ጌታቸው ምስ ኣብይ እዮም ዝሰርሑ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ተወሲኽሉ ናብቲ ናይ ክእከብ እየ ኣይትእከብን ናይ ካድረታት በፂሑ ኣሎ::

ኣብ መወዳእታ ግን እታ ዝዓበየት ቁም ነገር እየ ክዛረብ:: እንታይ እዩ እቲ ዕላማ እቶም ፈፀምቲ ዝነበረ? ኣቻኺልካ ብዓይኒ ወታደራዊ ክህሎት ንነገራት ምርኣይ ገዲፎም ብዓይኒ እቲ ፖለቲካዊ ረብሓ እዮም ዝሓስቡ:: እቲ ፖለቲካዊ ረብሓ ድማ ከምቲ ዝትሓስብዎ ንትግራይ ዝምልከት ኣይኮነን:: ንባዕሎም; ንውልቆም እዩ ዝምልከት:: እቲ ናይ ደብረ ብርሃን ጉዕዞ ብግልፂ ኣይተዳለናን ተባሂሎም እዮም:: ትዋጋእ ትዋጋእ ዝብል ትእዛዝ እያ ሞንጆርኖ ዝሃበት:: እቲ ዕላም ድማ ንፁር እዩ:: ካብ ስልጣን እንተወሪዶም ከም ዝሕተቱ ፈሊጦም ኣለው እዞም ሰባት:: እታ ብሕታዊት መማረፂኦም ዝተሰውአ ይሰዋእ ዓወት ኣምፂኦም ነቲ ህዝቢ "ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ; ሳላ ዝተቃለስካ ተዓዊትካ ኣለኻ" ኢሎም በታ ዓወት ትሸፋፊኖም ካብ ትሓታታይነት ንምምላጥ እዩ::

NEVER GOING TO HAPPEN! ክንደይ ሰብ እዩ ሞይቱ ዘሎ ኣብ ትግራይ? ክንደይ ዕንወት እዩ በፂሑ ዘሎ ኣብ ትግራይ? ነዚ ኩሉ መራሕትና እዮም ዝሕተቱ:: ማንም ካብዚኣ ዘምልጥ ሰብ የለን::

ትርኪምርኪ ሕቶታት ግደፉ:: መራሕትኹም ወጢርኩም ሓዝዎም::

ኣብ part 14 & part 15 ፅሑፋተይ ብዛዕባ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፅሒፈ ናብ ፌስቡክ ሪፖርት ተገይሮም ኣካውንተይ ብኽፋል ተኣጊዱ እዩ ዘሎ; ንኩሉ ኣይኮኑን ዝርአዩ ዘለው:: thats why SHARE ግበርዎ ፅሑፈይ ዝብል; ንኩሉ ትግራዋይ ይምልከቶ እዩ::

ክቅፅል እየ❗️

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

06 Nov, 11:53


ናብ ትግራይ መፂአን'ውን ብምክትል ፕሬዚዳንት ምዓርግ ኣብ ካቢኔ ምስ ተሓወሳ ብቐጥታ ኣብ ካቢኔ ዝርከባን ካልኦትን ምእካብ እየን ጀሚረን:: እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምትእኽኻብ ናይ ጥዕና ዋላ እንተመሰለ ድምፂ ናይ ምእካብ ፕሮሰስ እዩ ነይሩ:: ቀስ ብቀስ ከም ዝተርኣዮ እተን ድምፂ ተኣኻኺበን ስልጣን ኣብ ሓፂር ግዘ እየን ሞኖፖላይዝ ገይረንኦ ወ/ሮ ፈትለ:: ንሰን ድሕሪ ናብ ትግራይ ምምፅአን ዶ/ር ደብረፅዮን ፓራላይዝድ ኮይኑ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን:: በቲ ሓደ ገፅ እቲ ናይ ኣይተ ኣለም ዝኣኻኸቦ ድምፂ ብካልእ ወገን ድማ ናይ ወ/ሮ ፈትለ ልዕልነት እንትርአይ ደብረፅዮን ፕሬዚዳንት ኮነ ምክትል ፕሬዚዳንት ከም ዘይነበረ እዩ ዘመላኽት:: ብፍላይ ድሕሪ ሰነ 21/2013 እዚ ጎሊሁ እዩ ተራእዩ::

ኣብቲ ናይ ፈፃሚ ስራሕ: ድሓር ድማ ኣብ ሴንትራል ኮማንድ ዝነበረ ርሕቀት'ውን መሰከፊ እዩ ኮይኑ:: ሓደ ነገር እንትውሰን እቲ ፕሮሰስ ከመይ ከምዝኾነ ከረድአኩም በቲ ዝነበረ ኣካይዳ ተበጊሰ:: ዳርጋ መብዛሕቲኡ ግዘ ሓሳብ ሒዘን ዝመፅኣ ወ/ሮ ፈትለ እየን:: ሓሳበን ናብ ደብረፅዮን ንበይኖም ወሲደን የረድኣ:: ካብኡ ናብ ኣለም:: 3ቲኦም ናብ ሓደ ምስ መፅኡ ንክልቲኦም ጌታቸዋት ይፅውዑ:: ዝደለዩ እንተዕገርገሩ ብዓል ጌታቸው ምንም ኣየምፅኡን:: 3-2 ብዝብል ናይ ድምፂ ብልጫ ክስዓሩ እዮም:: ኣብዚ ሓንቲ ብግለይ ዝርኣኽዋ ነገር ክምስክር እቲ ኣብተን ኣኼባታት ዘጋጥም ዝነበረ ነገር ንጌታቸው ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ:: ክንደይ ናይ ድምፂ ስዕረት ከም ዘተኣናገደ ክሓስቦ'ውን ኣይደልን:: ኣብ ዝኾነ ስዓት ንባዕሉ ዘግለለ'ውን ይመስለኒ:: ተዛረበ እንተተዛረበ ምንም ለውጢ ከም ዘየምፅእ ሱቕ ኢሎም ብድምፂ ከምዘውድቕዎ ስለ ዝፈልጥ:: ፅንሕ እንዳበለ'ኳ ክቃለሶም ነዊሕ ርሕቀት ከይዱ እዩ::

እቲ 3-2 ዝብል ድምፂ ሒዞም ድማ ናብ ፃድቃንን ታደሰ ወረደ ዝርከቡሉ ሴንትራል ኮማንድ እዮም ዝኸዱ:: ኣብዚ ሓደ ዝገረመኒ ድሓረ ዝፈለጥክዎ ናብ ሴንትራል ኮማንድ እንትኽየድ እቲ ውሳነ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ እዩ ዝብሃል:: እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ግን ምንም ዝፈልጦ ነገር የለን ኣብዚ:: ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ እንትኽየድ ድማ ናይ ሴንትራል ኮማንድ ውሳነ እዮም ዝብልዎም:: ከምኡ ግን ኣይነበረን:: በቲ ናይ ውድብ ሕገ ደንቢ መሰረት ብድምፂ ዋላ እንተተስዓርካ ነቲ ዝስዓረካ ወፂእኻ ክትድግፎ ኢኻ:: እቲ ሴንትራል ኮማንድ ትርጉም የብሉን ማለት እዩ እቲ ድምፂ 5-2 ስለ ዝኸውን:: ክንደይ ጀነራላት ዝተሸከመት ዓዲ ናይ ውግእ ፖሊሲኣ ብፖለቲከኛታታ እዩ ዝውሰን ነይሩ:: ብፖለቲከኛታታ ጥራይ እንተይኮነስ ብሞንጆሪኖ እዩ ዝውሰን ነይሩ:: እቲ ናይ ዓዲ ኣምሓራ ጉዕዞ ናይ ወ/ሮ ፈትለ እዩ ነይሩ::

እዚ ኹሉ ጌጋ እንትስራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝወሰኖ እዩ እንዳተብሃለ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ዘይውዓለሉ ውሳነ ተዋሂቡ ጌጋ ከም ዝኾነ እንዳተፈለጠ'ውን እቶም ኣዘዝቲ ናይ ውድብ ውሳነ ከመይ ገይርኩም እምቢ ትብሉ ዝብል ስክፍታ ተፈጢሩ ናብ ውግእ እዩ ዝእተው ዝነበረ:: ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ማእኸላይ ኮሚቴን ርክብ ብፈፃሚት ስራሕ ከም ብሪጅ ይካየድ ዋላ እንተነበረ ክልቲኦም ንክራኸቡ ግን ነዊሕ ግዘ እዩ ወሲዱ:: ብዙሕ ነገር ይበላሸው ከምዘሎ ብወራወረ ዝሰምዐ ምስ ሰራዊት ክንራኸብ ንደልይ ኢና; ክንመየየጥ ኣለና ዝብል ኣቋም ሒዞም:: ንመጀመርያ ግዘ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት እንትራኸብ ሓደሓደ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ምስ ኣዘዝቲ ንከይራኸቡ እቶም ፈፀምቲ ስራሕ ይዕንቅፉ ከም ዝነበሩን ተዛሪቦም እዮም:: ካብ ሕጂ ድሓር ኣዘዝቲ ሰራዊትን ማእከላይ ኮሚቴን ሓባራዊ መድረኻት እንዳካየዱ ንኩነታት ከም ዝግምግሙን ዋላ እንተተስማዕምዑ ድሕሪ 2-3 መድረኽ ግን እተን ምይይጣት ተሪፈን እየን:: እቶም ነባራት ማእኸላይ ኮሚቴ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብተን ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ኣኼባታት ንክሳተፉ ዋላ ተፈቂድሎም እንተነበረ ቻሌንጅ ምግባር ምስ ጀመሩ ካብተን ኣኼባታት ንክወፅኡ ተገይሮም እዮም:: ኩሉ ዓይነት ዓቕሚ ኣኻኺብካ ክንዲ እቲ መኸተኻ ዝተጠናኽሮ ሰባት እንዳንጠባጠቡ እዮም ከይዶም እቶም መራሕትና:: ኣብ በረኻ እቲ ሰራዊት ከምዘየድሐኖ ኣብ መቐለ ግን ገባሪ ሓዳጊ ክኸውን እዩ ፈቲኑ:: እዚ ድማ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት እዩ ወሲድና:: እቲ መሪሕነት ዓቕሚ ምስኣን ኣይኮነን ቀቲልዎ: ናይ ኩሉ ዓቕሚ ብዘይምስታፉ እዩ ናብዚ ኣብፂሕና:: ሞንጆርኖ ማሕበረ ኢኮኖሚ ትመርሕ: ባንክ ትመርሕ: ናይ ተሽከርከርቲ ሎጅስቲክስ ትመርሕ: ናይ ዕጥቂን ስንቂን ሰራዊት ትመርሕ: ናይ ውጉኣት; ናይ ድሮን ግዝኢት: ናይ ወርቂ: ናይ እርዳታ,..ናይ ነዳዲ... ኩሉ እቲ ፃሕሊ ተሰኽቲቱ ኩሉ እዩ ድማ ዝበላሸው ሰባት ስለዘይትሓውስ:: ብኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ዓበይቲ ትግራይ ክትፃወሮም ዘይትኽእል ዕንወታት እዮም በፂሖም:: ኣብ ናብ ዓዲ ኣምሓራ ዝነበረ ኣብ ምኻድን ብፍሉይ ድማ ኣብቲ ምምላስ ዝነበረ ከቢድ መስዋእቲ ዘኽፈለ ዑደት ኣካል እዚ ጥፍኣት መሪሕነት ፕሬዚዳንት ፈትለ: ምክትል ፕሬዚዳንት ኣለምን ወንበር ዝሓዙ ተመልካታይ ዶ/ር ደብረፅዮንን ዩ:: እቲ ናይ ነሓሰ ኩናት'ውን ዘልኣለም ካብ ስሕተትና ዘይንምሃር ሰባት እስካብ ንመስል ባዕሉ እቲ ናይ መጅመርያ ናይ ምድላው ጥፍኣት: ስስዐን ግዕዝይናን ተደጊሞም እቲ ዝኸፍአን ዝበዝሐን መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ኩናት እዩ::

እሞ ብናይ ብዓልና መሪሕነት ክንድዚ ዝኣክል ኪሳራ ዝበፅሐና ዓዲ ንምንታይ እዮም ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ደልዮም? ንምንታይ እዮም ምስታ ስልጣን ክጣበቑ ደልዮም ዘለው?

ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ

06 Nov, 11:53


☠️ PART 16 ☠️

👑 ስልጣን ንምንታይ? 👑

1 ሚልየን ሰብ ሃሊቑ:: 127,000 ደቂ ኣንስትዮ ብፀላእቲ ተዓሚፀን:: ብሚልየናት ዝቑፀር ስደተኛ እዩ ዘሎ:: ምዕራብ ትግራይ: ደቡብ ትግራይ: ኢሮብ ምስ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኮይነን:: 87% ናይ ጥዕና ጣብያታት ዓንየን:: 76% ቤት ትምህርቲታት ከም ዘይነበራ ኮይነን:: ተላበድቲ ሕማማት ተስፋሕፊሖም: ስደት መንእሰይ : ሓባራዊ በሰላ: ኢኮኖምያዊ ማህሰይቲ ዘለዋ ዓዲ እያ ትግራይ ማለት:: ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኮይንካ ንስልጣን ክንድዚ ምድፋእ እንታይ ንምርካብ እዩ? ክንደይ ፀገም ተሸኪምካ እንዳሃለኻ ክንዲ እቲ ናይ ህዝቢ ፀገም ትፈትሕ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እየ ኢልካ ኝኽ ምባሉ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ? እዚ ኩሉ ዕንወት በፂሑ ሓላፍነት ወሲድካ ኣጥፊአ እየ ኢልካ ክንዲ ዝውረድ ንምንታይ እዩ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እየ ዝብል ኽርክር ዝርአይ ዘሎ? ንምንታይ ኢለ'ውን ንብዙሓት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓቲተ እየ:: እታ ወንበር ክንድዚ ድያ ዝትጥዕም ኮይና? እዚ ኩሉ ጥፍኣት መፂኡስ ንምንታይ እዩ ንእሽተይ shame ዘየለ? በቢብርኩ ዝረኸብክዎ መልሲ ተመሳሳላይ እዩ:: ኩሉ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ እቲ ፀገም ግን ሕልኽልኽ ዝበለ ኮይንዎ እምበር:: እዘን ሕቶታት ንምምላስ ግን "ስልጣን ንምንታይ?" ትብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲት ትመስለኒ:: ንምንታይ እዮም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ደልዮም ዘለው?

ስልጣን ህዝቢ ንምግልጋል; ስልጣንካ ተጠቒምካ ሰልዲ ንምእካብ: ብስልጣንካ ምኽንያት ትረኽቦ ማሕበረሰባዊ ኽብሪ,...ስልጣን ምዓት ነገር እዩ ዘመላኽት:: መራሕቲ ትግራይ ግን ኣብዚ ይፍለዩ እዮም:: መራሕቲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ዝደልዩ ዘለው ነቲ ኣብ መፃኢ ካብ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኮነ ረብሓ ተበጊሶም እንተይኮነስ ነቲ ሕሉፍ ግዕዝይናን ትሕቲ ዓቕሚ ዝኾኑ ውሳነታትን ናብ ህዝቢ ንከይወፅኡ ንምሕባእ እዩ::

ሓንቲ ብጣዕሚ ኣስተውዓለያ ድሓር ድማ ከም መሰረታዊ ሕቶይ ገይረ ንኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ብዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ዝሓትታ ሕቶ ኣላ:: ኣብ ሞንጎ ማእከላይ ኮሚቴን ፈፃሚት ስራሕን ዘሎ ርሕቐት(gap) ብጣዕሚ ሰፊሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ሓባራዊ ምርድዳኣት ፈጢርካ እታ ዓዲ ዝትጠልቦ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ምጥንሳስስ ይትረፍ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ነቲ ማእከላይ ኮሚቴ ዝህቦ ሓበሬታ ብጣዕሚ ዝተወሰነን ብቑንጣረን እዩ:: ክንደይ ንዓዲ ዝጠቕሙ ትንተናታት ክወፅእሉ እዮም ተባሂሉ ዝሕሰበሉ ኣካል ብዛዕባ እቲ ዘሎ ነባራዊ ኹነታት ኸማን ሓበሬታ ኣይውሃቦን:: ዝተወሰኑ ምስቶም ፈፀምቲ ስራሕ ፍሉይ ቅርርብ ዘለዎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ነቲ ሓበሬታ ክረኽብዎ እዮም እቲ ኣብዝሓ ግን ምስቲ ኣብ ገዝኡ ዝውዕል ሰብ ዳርጋ ማዕረ እዩ:: ምግናን ዋላ እንተመሰለ ምንም ዘይንገሮም ማእኸላይ ኮሚቴ እያ ሒዛ ውድብ ህወሓት:: ኣብ ታሪኽ ህወሓት ክንዲ እዚ ናይ ሎሚ ዝለመሰ ማእከላይ ኮሚቴ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን ዝብሎ በዘይ ምኽንያት ኣይኮነን:: እንታይ ኮን ከምፅኡልና ዝኾኑ እንዳበለ ሓበሬታ ዲማንድ ዘይገብር ኮፍ ኢሉ ዝውዕል ማእከላይ ኮሚቴ እዩ ዘሎ:: ነዛ ዝተበፅሐት ደርጃ ንምርዳእ እየ ፈቲነ ኣነ:: ቅድሚ ሕጂ እንተንኣሰ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ይመያያየጥ እዩ ነይሩ:: እቶም ዘለው ሓበሬታት ይውሃብዎ እዮም ነይሮም:: ፅቡቕ ሰሪሖም'ዶ ኣይሰርሑን ንሕድሕድ መንበባይ ነናይ ባዕሉ ርድኢት ዋላ እንተሃብዎ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ግን ሓበሬታ ክንድዚ ኣይሕብኦምን ነይሩ:: እንታይ ድኣ ኮይኖም እቶም ናይ ሎሚ ማእኸላይ ኮሚቴ ክንድዚ ሓበሬታ ዝሓረሞም? ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኮይኑ 9,000 ሰራዊት ከም ዘለና ዝፈለጠ ተምቤን ምስ ወረድና እዩ:: ክንድዚ ዝኣክል ናይ ሓበሬታ ዓፈና እዩ ተኻይድሉ በቶም ፈፀምቲ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ:: ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኢለ ንክሓትት ግን እታ ምዓዝ ትመስለኩም እቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ክንድዚ ክሰፍሕ ዝጀመረትላ ነጥቢ ኢለ ምሕታት ጀሚረ:: ከምኡ ዝገበርኩ'ውን ምልዐሊኣ ንምፍላጥ ስለ ዝደለኹ እዩ:: ውድብ ህወሓት ትፍለጠሉ ናይ ምይይጥ ባህሊ ገዲፍካ ዘየለ ዝተወሰኑ ሰባት ዝቆፃፀርዎ ውድብ ካበይ ዝመፅአ እዩ ንምፍላጥ ስለ ዝደለኹ እየ ከምኡ ዝሓትት ዝነበርኩ:: ሕቶይ ድማ ንብርክት ዝበሉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብዛ ክልተ ዓመት ሓቲተ እየ::

ቅድም ኢሉ እቲ ሰብ ነናብ ስርሑ እንዳተጏየየ እምበር ምልክታት ነይረን እየን:: ክንዲ ምንታይ ዝትኣክል ህወሓት መሊኣ ናብ ትግራይ እንትምለስ ዘይትሓጎሱ ሰባት ነይሮም እዮም:: ድሕሪ ምምላስ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ሓባር ርድኢት ሒዙ: ክተሓጋገዘ: ሓሳባት ሼር እንዳተገባበረ እታ ዓዲ ዝትጠልቦ ስትራቴጅካዊ መሪሕነት ክህብ እዩ ዝብል እምነት ኣብ ባዕሉ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ'ውን እምነት ኣይነበረን:: ነንባዕሉ ምንኻስ: ብጥርጣረ ምርእኣይ: ምጉጅጃል'ውን ብሓይሊ ዝጀመረሉ እዋን እዩ እዚ:: ድሕሪ እታ ናይ ኣዋሳ ናይ ኢህኣዴግ ጉባኤ ንዶ/ር ኣብይ ናብ ቅድሚት ምምፃእ ስዒቡ ብዙሕ ነገራት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተቀያይሮም እዮም:: ብዙሓት ነገራት እንዳፀበቡ እዮም ከይዶም:: ኣብዛ ግዘ እዚኣ እዮም እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝኾኑ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ምዕብላል ዝጀመሩ:: ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበቲኑ ዝነበረ መሪሕነታ ተመለሰ:: ክንዲ ግዛዕ ዝኾን ሓላፍነት ዝነበሮም ሓለፍቲ ኣብ መቐለ ተኣኻኺቦም ስራሕ ኮፍ በሉ:: ብምኒስተር ደረጃ ዝነበሩ ሰባት እንተይተረፉ ኮፍ በሉ:: ትግራይ ኣብዚ ግዘ እዚ ልዕሊ ዓቐን ዝኸውን ሓላፊ ተሸኪማ እያ ነይራ; ምኽንያቱ ክልል እያ ትግራይ:: ነዚ ከም ሓደ ዕድል ብምርኣይ ኣይተ ኣለም ሽዑ ንሽዑ ንዕኦም ክሰምዑ ዝኽእሉ ሰባት ምምዳብ እዮም ጀሚሮም:: እቲ ዝምደብ ዘሎ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ነታ ንኣይተ ኣለም ደጊፉ ዝህባ ድምፂ እታ ስልጣን ከም ሽልማት ከም ተበርከተትሉ ዝብል ምርድዳእ ዝተበፅሐ እዩ ዝመስል:: ምስ ኣይተ ኣለም ዘይሳነዩ ግን ድማ ሙያን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እንዳሃለው ሹመት ዝተውሃቡ ግን እቶም ፅግዕ ፅግዕ ዝበሉ እዮም ኮይኖም::እቲ ኣይተ ኣለም ዝገበርዎ ናይ ምጉጅጃል ስራሕ ግን በይኖም ኣይገበርዎን::

ወ/ሮ ፈትለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሚንስትሪ ንግዲ እንትመርሓ ብዙሕ ሰብ ብስርሐን ሕጉስ ከም ዘይነበረ ይዝክር እየ በቲ ሽዑ:: ሓቅነቱ ከየረጋገፅኩ ምስቲ በቲ ሽዑ ግዘ ዝነበረ ፖለቲካዊ ብሽሽቕ ዝተሓሓዝ ገይረ እየ ርእየዮ ነይረ:: ዶ/ር ኣብይ ብክልተ መስመር ካብ ስራሕ እንትፍንወን ብኣቅም ማነስ ምክንያት ከስራ ተባርዋል ትብል ደብዳቤ ኮነ ተባሂሉ ብሶሻል ሚድያ ክዘዋወር ምስ ተገበረ ሓያል ዝብሃል ሕርቃን ሒዘን ከም ዝነበራ ይፈልጥ እየ:: ሕዚ ኮይነ ክሓስቦ እንተለኹ እዚ ሕርቃን ናብ ህልኽ ዝኸደ ይመስለኒ:: እቲ ህልኽ ድማ ከቢድ ዋጋ እዩ ኣኽፊልዋ ንትግራይ::

3,824

subscribers

12

photos

2

videos