በቐደማይ ካብ መቐለ ሓደ መልእኽቲ ብውሽጢ መፂኡኒ።
“ሓደ ጉዱእ ኣካል ተጋዳላይ ‘ሹፌርን ተሓጋጋዚኡን’ ካብ ታክሲ ጎቲቶም እንተውፅእዎ ርእየ። እዚ ፀያፍ ተግባር እዩ። ግደፉ በሉዎም በይዛኹም።” ዝብል መልእኽቲ እዩ።
ብርግፅ ኩሉ ዝመፀልኻ መልእኽቲ ሓቃዊ እዩ ማለት ኣይኮነን። ስብእና እቲ ዝልእኽ ሰብ እውን ይውስኖ እዩ። ብዝኾነ ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ስለዘለዎ ኣብ መቐለ ናብ ዘለው ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡኒ ዝኽእሉ ሰባት ረኺበ።
ጉዱኣት ኣካል ግልጋሎት መጓዓዝያ ብነፃ ክጥቀሙ ዝእዝዝ መስርሕ ከምዝወፀ [ሓንቲ ታክሲ ንክልተ ጉድኣት ኩናት ተጋደልቲ ብነፃ ክትወስድ ፣ ገንዘብ ዘይብሎም እንተኾይኖም ክኸፍሉ ዘይግደዱሉ ዓይነት] ሕጊ ዘይኮነስ ፣ ግዚያዊ ኣሰራርሓ። ብሓቂ እዚ ዘሕጉስ ተግባር እዩ።
ኮይኑ ግን ኣብ ኣፈፃፅምኡ ፀገም ኣሎ። ዝኾነ ጉዱእ ኣካል ግልጋሎት መጓዓዝያ ክጥቀም ናብተን ታክሲ ክኸድ እንተሎ [ዋላ ክኸፍል ዓቕሚ ዘለዎ ጉዱእ] ፣ እቶም ሰብ ዋና ታክሲን ተሓጋገዝቶምን ብዘሰክፍ ገፅ ከምዝቕበልዎም ፣ ኣይነሳፍረካን እናበሉ ከምዝምልስዎም ፣ ኣብ መንገዲ ከም ዘውርድዎም ፣ ኣብቲ ከፍ ዝበልዎ ወንበር ተደራቢ ሰብ ከምዝውስኹሎም ወዘተ ወዘተ… የጋፍዕዎም።
እዚ ድማ ብሓቂ መሕዘኒ ተግባር።
ኣሜሪካውያን ታይ ይገብሩ ይመስለኩም…
ብነፋሪት ናይ ምጉዓዝ ዕድል እንተገጢሙኩም እሞ ፣ ኣብታ እትጉዓዙላ ነፋሪት ሓደ ወተሃደር ኣሜሪካ ብውልቀ ይኹን ልኡኽ መንግስቲ ሒዙ ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ምሳኹም እንተተረኺቡ… መሳሰይቲ [ካፒተይን ወይ ሆስተስ] እታ ነፋሪት
“ሎሚ ናብ ከተማ እገለ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ኣብ ማእኸልና ሓደ ክቡር ሰብ ተረኺቡ ኣሎ።”… ኢሎም ሽም እቲ ወተሃደር ፣ ዝወዓሎም ዓውደ ግንባራት ፣ ዘመዝገቦም ዓወታት [ምስ ብፆቱ] ወዘተ ይንገር ፣ ብፍሉይ ግን ‘ኣሜሪካ ሰላም ክትኸውንን ክብራ ክሕሎን ስለ ዝገበረ’ ኣብ ሞንጎኦም ብምህላው ሓበን ከምዝስምዖም ይገልፁሉ። ልክዕ ከምዚ ሓደ ዓብይ በዓል ስልጣን ብኣጋጣሚ ምሳኻ ዝበርር ዘሎ ዓይነት።
እዚ ሓለሓሊፉ ዘጋጥም ተጓንፎ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወይ ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ክገብር ነዚ ዝገጠሞ ሰብ እንተልዩ ምስክርነቱ ክህብ ይኽእል እዩ።
ታይ ንምባል እዩ… ተጋደልትና ብግድን ነኽብሮም።
ትግራይ ልዕሊ ዘለዋ ሃፍቲን መዓድናትን ፣ ሰባ እዩ ኽባር። ብፍላይ ተጋደልትና ልዕሊ ኹሉ ክባራት እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረና ሕመቕ ክንመሃረሉ እዩ ዘለና።
ተጋደልትና ፈለማ መድሕንና ፣ ቀፂሉ ዋሕስና ፣ መወዳእታ ኩርዓትና እዮም። መንግስታውን ማሕበራዊን ግልጋሎታት ብቐዳምነት ክወሃቦም ግቡእ እዩ። ነዚታት ክመቻቸወሎም እዩ ዘለዎ።
እዚ ምግባርና ዓብይ ኣይኮነን ፣ ንወለዶታት ኢና ትርጉም ቃልሲ ነምህሮም። እዚ ብምግባርና ስነ ልቦንኦም ኢና ንሕክሞ ፣ እዚ ብምግባርና ማሕበራዊ ሓላፍነት ኢና ንዋፃእ ፣ እዚ ብምግባርና ስኽፍታት ኢና ንቕንስ ፣ ክብርና ኢና ሓፍ ነብል። ክብሪ ተጋዳላይነት ክብሪ ትግራይ!
ሓደ ትግራይዋይ ክንዲ ትግራይ!
Kibrom Mulugeta